ኣኼባ ጨናፍር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ

2016-08-22 21:23:08 Written by  ማሕበር ኣካለ ጽጉማ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1733 times

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባ ሎሚውን ካብ ኩለን ጨናፍር ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተስተፍዎ ሰሚናር ብዕለት 15 ነሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ኣካይዱ።

እዚ ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ 14፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰናይ ምንዮትን ከምኡውን ካብ ሓው ተሳፋይ ተኽለዝጊ ኣቦ መንበር ማሕበር ዋላዃ ብኣካል ክርከብ እንተዘይካኣለ፣ ብዝላኣኾ ሰላምታን ጽቡቕ ድልየትን እዩ ተከፊቱ። ኣስዒቡ፡ ንኵነታት መደበር ከሰላን ምዕብልናኡን ብዝምልከት ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ ኣብዞም ዝስዕቡ 5ተ ነጥብታት ዝሓዘ ኣጀንዳ ብቕደም ተኸተል ብዕምቆትን ዝርዝርን ተዛትዩ።
1. ህልዊ ኲነታት ኣሕዋት ኣካለ ጽጉማትናን መደበር ኣብ ሱዳን፡
2. ሓጸሪቲ ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ ኣብ ዝተፋላለያ ኩርናዓት ዓለም ተመስሪተን ዘሎዋ ጨናፍር፡
3. ዓመታዊ ብጀት 2017
4. ትግባረ መጽናዕቲ ትካል፡
5. ትካላዊ ኣሰራርሓ ማሕበርን
ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዝርርብን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ተገይሩ። ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ዕማማት ተሊሙን ሓባራዊ ውሳኔታት ኣስፊሩን ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኣብ ነፍሲወከፍ 3ተ ዓመት ዚካየድ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዕለት 27/08/2016 ብመራኸቢ ብዙሓን ክካየድ ምዃኑ ብምዝኽኻር ሰሚናር ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 22 August 2016 23:31