መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ

2016-08-22 20:48:07 Written by  NCC Ad hoc Contact Organ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1980 times

 መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ

 ኣቦ መንበር ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃግራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ኣቶ ሱለማን ሑሰንን ኣባል ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋን ዝመርሕዎ  መግለጺ፡   ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ  ኣብ  ፈስቲቫል ኤርትራ ካብ ዝቐረበ ሐደ ኣገዳሲ ንጥፈት ነይሩ።

ሓው ሱለማን፡  ነቲ ብወርሒ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ምምኻራዊ  ዋዕላ፡ ክብ ምድላው ኣትሒዙ  ክሳብ ምስልሳሉ ከመይ ከም ዝነብረ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ፡  ብመሰረት  ውሳኔታት እዚ ዋዕላ’ዚ  6ተ ዝኣባላቱ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ከም ዝቖመ ኣብሪሁ።

ናይ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ መበገስታትን፡ ዕላማታትን ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምግላጽ ድማ፡ ኩሎም እቶም ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ውድባት ጸዋዒት ከም እተገብረሎምን። ኩሎም ድማ ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ከም ዘለዉን ኣብሪሁ።  ብተወሳኺ ምስ’ዛ ኣካል ርኽክብ ዝተሓባበሩ ምሁራትን ክኢላታትን ከም እተመደቡን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ነቲ ዋዕላ፡ መበገሲ ክኸውን ዝኽእል ሰነዳት ኣብ ምድላው ከም ዘሎን ሓቢሩ።  ኣብ ክሉ ዕማማት  ናይ ኩለን ውድባት ተሓባባርነት ጽቡቕ ምህላው፡ መጽናዕታዊ ስነዳት ኣብ ዝድምደመሉ እውን ናብ  ኩለን ውድባት ክዝርጋሕን ክጽናዕን፡ ብተወሳኺ ርእይቶታት  ክመሓየሽን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብወገኑ ድማ  እቲ ትጽቢት ዝንበረሉ ዋዕላ፡ ዋንነቱ ኩሉ  ውድባት ምዃኑ፡  መሰረታዊ ዕማም ናይ ግዜያዊ ኣካል እውን፡ ኣግላልነት ዘይብሉ ናይ ኩሉ ሓቆፍ ዋዕላ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ብድሕሪ’ዚ መድረኽ ሕቶን መልሲን ተኸፊቱ  ኣኽIአበኛታት ዘለዎም ሕቶታት ኣብ ርእሲ ምቕራቦም፡  ጠቓሚ ለበዋታት ንግዜያዊ ኣካል ኣመሓላሊፎም።

እቲ መግለጺ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ዝቐረበ ከይኑ ብ ፓወር ፖይንት ቅርጻዊ ገለጻ (Power Point Slide show) ዝቐረበ ብምንባሩ ኣንባቢ ሓፈሻዊ  ስእሊ ንኽህልዎ ከም ዘለዎ ነቕርብ።

Last modified on Monday, 22 August 2016 22:55