ንዕዉት ዝምድናታት ምትእምማን ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ

2016-08-22 06:22:48 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2024 times

ንደቂ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ቀንዲ ሓደገኛ ዝኸውን ምትእምማን ጠፊኡ ኣብ ክንድኡ ምጥርጣር ክዕብልል እንከሎ እዩ። ከመይሲ ምጥርጣር ነቲ ባህሪ ናይቲ ካልእ ሸነኽ ንኸይትርዳእ ስለዝዓግት ኩሉ ግዜ ናብ ዘይቅዱው ሃዋህው እዩ ዝወስደካ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምድናታት በቐሊሉ ዝሃሲ እዩ። ስለዚ ምትእምማን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ንዝግበር ዝምድናታትን ርክባትን ባይታ ዝምድምድ ኣገዳሲ ባእታ እዩ።

ምትእምማን ንሓድሕድካ ብምስምማዕን ኩሉ ብግሉጽ ብምሕባርን ከምኡ እውን ሓቀኛ ምዃን ዘጠቓልል ልቦናዊ ኩነት እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ዝምድናን ርኽክባትን ኣዝዩ ክድልድል እንከሎ ነቲ ርክብን ዝምድናን ተኣማኒ ስለዝገብሮ ምትእምማን ይህነጽ። እምነት ኣብ ዝህነጸሉ ድማ እወንታውን መሰረታውን ለውጢ ንምርግጋጽ ዓቢይ እጃም ኣለዎ። ምትእምማን እንተዘየልዩ ግና ሓቀኛ ዝምድና ኣይፍጠርን እዩ። ሓቀኛ ዝምድና እንተዘየልዩ ከኣ እቲ ናብ ዓወት ዘኽይድ ጐደና ትስሕቶ’ሞ ኣብ ምጥርጣራትን ምትሕልላውን ትጥሕል።

ስለዚ ሰናይ ዝምድና ኣብ ዝሃለውሉ፡ ንነገራት በቲ ዘሎካ ምቅርራብ ኣቢልካ ናብ ቅኑዕ ውሳነ ክትበጽሖ ይከኣል። ምትእምማን ክድልድል ንዝምድናታት እውን ከሕይል፥ ግሉጽን ሓቀኛን ኰንካ ንጌጋታትካ ብኽፉት ኣእምሮ ናይ ምቕባል ትብዓት ክትውንን የድሊ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ከኣ ንዘሎ ምርሕሓቕ ናይ ምቅርራብ ኣድልዪ ኩነት እዩ። ብዘይካ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነት ምስ ዝምርኰስ ኩሉ ተግባራቱን ምንቅስቓሳቱን ኣብ ቃሉ ናይ ምጽናዕን፥ ግብራዊ ንምዃንን ዘሎ ቅሩብነት ዝተመስረተ ይኸውን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ሓሳባት ይኹን ተግባር መሰረታዊ መንቀሊኡ ብኣውንታ ክጥምቶን ብፍሕሽው ገጽን ካብ ልቢ ዝነቐለን ዝምድና ክኸውን ይሕግዝ።

ብምትእምማን ኣብ ዝተመስረተ ዝምድና እምበኣር እቲ ቅኑዕ ዘበለ ሓሳብን ግብርን እዩ ዝሳነ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ንዕቀት፥ ኣትሒትካ ምርኣይን ሓሶትን ቦታ የብሎምን። እምነት ምስ ዝህሉ እቲ ቂምን ጽልእን ተሪፉ ኣብ ፍቕርን ሰናይ ምግባርን እዩ ዝልወጥ። እዚ ከኣ እዩ ዓወት፡ ኣብ ሓድሕድካ ምትሕልላይን፥ ጸገም ሓድሕድ ምፍላጥን ዘመንጩ። እዚ እምነት እዚ ከኣ እዩ ንሓቂ ካብ ሓሶትን ንቅንዕና ካብ ተንኮልን ፈሊኻ ዘጠምት ልቦና ክሰፍሕ ዝሕግዝ። ምስ ናይ እዚ እቲ ፡ኒሕን ንያትን እወንታዊ ሕልናን ይጥጥዕ እሞ፡ ካብ ግዙኣት ተንኮልን ቅንእን ናጻ ክንከውን ይሕግዘና። ውጽኢቱ ከኣ እቲ ምንዮትናን ድሌታትናን ኩሉ ካብ ሽግር፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማዊ ናብራን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ቅሩብነት ይድልድል።

ምትእምማን ክሰርጽ ወይ ክህነጽ ከምቲ ስነፍልጠት ዝገልጾ እቲ መስርሕ ብዙሕ ነጥብታት ዝሓዘለ እዩ። ገለ ካብቲ ንምህናጽ ምትእምማን ዝሕግዝ ነጥብታት ምጥቃስ ጠቓሚ እዩ።

‘’ተኣማኒ ምዃን፥ ዓቢ ጸጋ እዩ። እዚ ይንኣስ ይዕበ እቲ ክግበር ዝበልካዮን ዝተሰማማዕካሉን ቃልካ ኣጽኒዕካ ምትግባር ማለት እዩ። ነቲ ዝተሰማማዕካሉ ይኹን ክገብሮ እየ ንዝበልካዮ እንተዘይፈጺምካ ግና እምነት ተጉድል ስለዘሎኻ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሰብ ኣይኣምነካን። ምኽንያቱ እምነት ተጉድል ስለ ዘለኻ።

‘’ ሓቀኛ ምዃን፥ ኣብ ሓሶት ተመርኲስካ ትረኽቦ መኽሰብ ወይ ፍረ ስለዘየለ፥ ከምኡ እውን ከም ዝሓሰኻ እንተተፈሊጥካ’ሞ ኣሉ እንተ ኢልካ መሊሱ ዝገደደ ኣማኒ የስእነካ፡ ስለዝኾነ ብዝከኣል መጠን ጌጋታትካ ክትኣምንን ነቲ ሓቂ ብግልጺ ከተቕርብን ኣድላይ’ዩ። ዝያዳ ሓጋዚ ዝኸውን ከኣ ኩሉ እትብሎ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ ክኸውን እንከሎ’ዩ። ንዘይትገብሮ ብዓንተብኡ ኣይፋለይን ክትብል ኣሎካ።

ክትብሎ እትደሊ ኣብ ምባል ግሉጽ ምዃን። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትሕብር ቅሩብ ኣብ ዘይኮንካሉ ከምኡ ብጋህዲ ምንጻር። ክትዕቅቦ ንዝተነግረካ ምስጢር ንዘይምልከቶም ኣሕሊፍካ ምስ እትህብ ከም ክሕደት ስለዝቑጸር ተኣማንነትካ ንምርኣይ ምጽናዕ።’’

ዝምድናታት ኣብ እትፈጥረሉ ግዜ ንረብሓታትካ ልዕሊ ረብሓ እቲ ዝዛመደካ ክኸውን ኣይግባእን። ንስምዒታትካ ብትዕግስቲ ከተመሓድሮ ምኽኣል ዓቢ ናይ ምትእምማን መንፈስ ዘጥሪ ባህሪ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኣገባብ ዘይብሉን ሃሳዪን ባህሪ ምቚጣብን ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ይምልከቶም ንእትብሎም ኣካላት ምክፋል። ኮታ ንርክባትን ምትእምማንን ካብ ዘዛሕትሉ ጉዳያት ምቚጣብን ቐጻሊ ዕቤት ምምዕዳውን።

ድራር መንታይ

Last modified on Monday, 22 August 2016 08:24