ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ እዚ መርበብ፣ ሎሚ መዓልቲ ጉዳይ ስለ ዝነበረኒ ካብ ስራሕ ቀልጢፈ ወጻእኩ። ዝነበረኒ ዕማም ምስ ወዳእኩ፣ ኣብ መርበብ ቶጎሩባ ናይ ሰለስተ ገዳይም ተገደልቲ ስእሊ በቲ የመናይ ኩርናዕ ርኣኹ። እንታይ ተረኽበ ብምባል ነቲ ስእሊ ምስ ጠወቕኩዎ ኣብ ‘ስመር ቲቪ ዝብል መስኮት “ ይወስደኒ። ፎሮ ዝብልን መንነቱ ዘይፍለጥን ብጻሊም ዝተቅብኤ ስብ ዘረባ ይጅምር ። እቲ ኩሉ ጸርፉ ኣብ ኤርትራዊ ባህሊ ንቡር ዘይምዃኑ ገረመኒ ። እቶም ሰማዕቱ ነዚ ብዘይእሩም ቃላት ዝህቦ ኣስተምህሮ ፣ ዓገብ ዝብሉ ኣይኮኑን ። ከመስግንዎን ክውድስዎን ከኣ ትሰምዕ። ብዝያዳ እኳ ደኣ ኣብቲ ሰመር ሩም ኣይትዮም ንዘረባ ፎሮ እንተ ሰምዑ ደስታ ዝስምዖም እዮም ዝመስሉ: ዕድል ረኺቦም ሕቶ እንተ ሓቲቶም ከኣ ብታሕጓስ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሱ ዝሓድሩ እዮም። ንሱ ሕቶታቶም ከምልስ እንከሎ ደስ ከም ዝበሎ: ከምቲ ኣብ ህግደፍ ዝተመሃሮ ናይ ምድንጋር ቃላት እናተጠቕመ ይምልሰሎም። ኣሜን ኢሎም ከኣ ይቕበልዎ።
ፎሮ ዝብሃል ሰብ፣ ንነዊሕ ግዜ ሰባት ክዛረብሉ ወረ ገሊኦምሲ ሓቂ መሲልዎም ዝሓዘኑን ዝጎሃዩን ኣለዉ። እንተኾነ ፎሮ ኣብ ክፍሊ ስለያ ተዋፊሩ ክሰርሕ እንከሎ ከም ፈላሲ ዳዊት ክደገም ድዩ ግዜኡ የሕልፎ ነይሩ? ወይስ ተጋደልቲ ይቐትልን ይኣስርን ነይሩ? ከምቲ ንሱ ዝብሎ ብ1978 ተሰሊፉ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህግ ኣብ 1972, 1973 ዝነበረ ኩነታት ብዓይኑ ዝረኣየ ስለ ዘይኮነ፣ እቲ ዝትርኾ ዘሎ ብኻልኦት ናይ ሽዑ ተጋደልቲ ካሳብ ዘይተረጋገጸ፣ ሰማዕቱ ሓስዩ ከየሕስወኩም ነቲ ዝብሎ ዘሎ ክትመራመርሉ ዝሓሸ እዩ። ሓደ ኣብ ስላያ/ ሓለዋ ሰውራ፡ ዝተዋፈረ ተጋዳላይ ካልኦት ተጋደልቲ ይቐትሉ ነይሮም፣ ኣነ ግና ኢደይ ሕጹብ ከም ጲላጦስ እየ። ሓንቲ ኣይገበርኩን ክብል እንከሎ፣ ኣብ ሓራን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ የራኽበና ጥራሕ ምባሉ ይሓይሽ። ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ባዕላዊ ከሰስትን ፍረድትን ምዃን ተቖጢብና ፣ በበታ ዘላትና ዓቕሚ ብውልቀ ወይ ከኣ ተወዲብና ኣንጻር እዚ ኢሰብኣዊ ጉጂለ ህግደፍ ምቅላስ እዩ ዝግብኣና ።
ከም ናተይ ኣፍልጦ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ካብ ዝተመስረተትሉ ዕለት ጀሚረ ፣ ድሕሪ ሓድነት ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ብምህላወይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓቅነት ዘይብሎም መደናገርትን ኣጸለምትን ጽሑፋት ኣንጻር ራኢን ተልእኾን ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዝመርን ክድረፍን ሰሚዐ ኣሎኹ። እንተኾነ ኣይከም ናይ’ዚ ፎሮ ዝብሃል። ብዝኾነ ነቲ ኩሉ ጸለመ መልሲ ንምሃብ ግዜ እውን ኣይረኽበሉን። እንተኾነ ካብቲ ሓቂ ዘይብሉ ዋህዮኡ ገለ ክነፍርሰሉ።
ሀ/ ሰዲኤ (EDP) ዝመስረቱ ተጋደልቲ ከምቲ ንሱ ዝገለጾ ዘይኮነስ፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም ፣ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ፣ ዶ/ር ተስፋይ ግርማጼን፡ ኣንበሳደር ሕብረት በርሄ፣ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርማርያም፣ ኣቶ መስፍን ሓጎስን ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰን እዮም። እዚ ነቶም ሓቂ እትደልዩ መንእሰያት ኣገዳሲ ሓበሬታ እዩ። ኣብ ሰዲኤ ዓብዳላ ኣደም መስራቲ ዘይኮነስ፣ ኣባል ኮይኑ እውን ኣይፈልጥን። ዓብዳላ ኣደም ለንደን ምስ መጸ ብገለ ኣባላት ሰዲኤ ተሓቲቱስ ኣባል ክኽውን ከምዘይደለየ ኢና ንፈልጥ። ስለዚ ዓብደላ ኣደም ምስ ሰዲኤ ዝኾነ ዘራኽብ ነገር ኣይነበሮን የብሉን ከኣ። ስለዚ ፎሮ ነቶም ሰዓብቱ ዓብደላ ኣደም፡ መስፍንን ኣድሓኖምን መስሪቶማ ናይ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ውድብ እያ ክብል ዘቕርቦ መደረ ሓቂ ኣይኮነን። እዞም እተጠቕሱ ዜጋታት ሰለይቲ ህግድፍ ምባሉ ከኣ ጽባሕ ምድሪ ምስ ወግሔ ተሓታቲ ኽከውን እዩ።
ለ/ ፎር ንኣንበሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ካብ ተልእኮ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ነጻ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ንዓብዳላ ኣደምን መስፍን ሓጎስን ግና ካብ ጸጋታት ህዝቢ ኤርትራ ዶላራት ኣብ ናይ ባንክ ሕሳባቶም ካብ ኤርትራ ይለኣኸሎም ኣሎ ክብል ንሰማዕቱ ካብታ ናይ ሓሶት ዋህዮ ሕፍስ ኣቢሉ ከይተሰከፈ ክንስንሰሎም ይስማዕ። ነዚ ዘረጋግጽ ዋላ ሓንቲ ጭብጢ ወይ መርትዖ የብሉን። እቶም ሰማዕቱ እውን፣ ሓቅነት ናይቲ ዝብሎ ዘሎ ከረጋግጹ፣ ክንደይ ንወርሒ ወይ ከኣ ኣበየናይ ሃገርን ባንክን እቲ ገንዘብ ክምዝቕበልዎ ንክሓቱ ዘኽእሎም ድፍረት ወይ ትብዓት የብሎምን። ብዝተባህሎም ሓሶት ጥራሕ ሰኒቖም ይኸዱ። ኩነታት ኣንበሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምን መስፍን ሓጎስን ዝፈላሊ ናይ መነባብሮ ፍሉይነት ኣይረኣኹን ። ከም ዝኾነ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ በቶም ኣብ ዓዲ ዘነበሩ ዘለው ስድራኦምን ቤተ ሰቦምን ከም ዝሻቐሉ እየ ዝፈልጥ። ኣባላት ሰዲህኤ ወልቃዊ ናብራኦም ካብ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ሰደተኛ ዝፈለ እንተ ኮይኑ ከኣ ብመርተዖ ክረጋገጽ ይግበኦ። መስፍን ሓጎስ ኣበየናይ ናይ ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ክድቅስን ክበልዕን ተራእዩ? ፍሉይ ክዳን ዝኽደን፡ ፍሉይ ሳእኒ ዝረግጾን፣ መኻይን ዝዝውርወን እንተ ዝኸውን መርኣያ ናይ ሕቡእ ገንዘብ ኮይኑ መተወስደ። እዚ ጸለመ’ዚ ብስነ መጎት ክተሰንዮ ዘይከኣልን ሰባት ናይ ዕለታዊ ናብራኦም መብሊዒ ክገብሩዎን ሃየንታ እዩ ።
ሓ/ ፎሮ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብሰንኪ ሰዲህኤ ከምዝፈረሰ ንሰምዓቱ ክምድር እንከሎ፡ ዘቕረቦ ጪብጢ የለን። እቶም ተገዲስና ኩነታት ባይቶ እንከታተል ዜጋታት ግና እቲ ሓቂ ንፈልጦ ኢና። ኪዳን ብሓባራዊ ምርድዳእ (consensus) እምበር፣ ብኣብዝሓ ድምጺ ዝውስን ትካል ኣይነበረን። እንተኾነ ኪዳን ብብዝሒ ድምጺ ካብ ኪዳን ከውጽኡና ወሲኖም እዮም። ኣብ ምምስራት ባይቶ ጠለብ ሰዲህኤ ግዜ ንወስኽ ኣይንትሃወኽ፡ ነቶም ሰነዳትና ከኣ ብግቡእ ነጻፍፎም ዝብል ነበረ። እቶም ኣሰናደውቲ ግና ዝምውሉና እካላት ሕጂ እንተ ዘይተገብረ ኣይንምውልን ስለ ዝበሉና ናይ ግድን ክንገብሮ ኢና ምስ በሉ፡ ኣብቲ መስርሕ ዕግበት ስለ ዘይነበረና ሰዲህኤ ስሒብና። ባይቶ ከኣ ከምቲ ንሕና ዝበልናዮ፡ ብዘይ ጽፉፍ ሰነዳት ስለ እተበገሰ’ዩ ከም ሳዕቤኑ ኣብ መንጎ ፈጻሚ ኣካልን ባይቶን ናይ ስልጣን ምርጋሕ ዝተረኽበ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ውድብ ኩናማን ኣባላት ባይቶን ብጉዳይ ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተፈጥረ ዘይመሰረታዊ ፍልልይ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓው ዳኒኤል ተወልደ ሓደ ካብቶም ፍሩያት ተዋሳእቲ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ክልኦት ብዝሰነቖ መሰረት ዘይብሉ ጸለመ ክሳብ ዝኣኽሎ ኣጸሊምዎ እዩ። እንተኾነ ክልተ ዓመት ይገብር፣ ኣብ ቦስቶን ዝገበርናዮ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ካልኦት ብዘጋገይዎ የጸልመና ከም ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ። ስለቲ ምቕልሉነቱ ከኣ የመስግኖ። እዚ ጭቡጥ መርትዖ ናይቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ስዲህኤ ዝስንዝሮ ዝነበረ ዘይቅቡል ጸለመ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ነቲ ሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ እቲ ጸገም ባይቶ ባዕሎም ዝፈጠርዎ እምበር ሰዲህኤ ዝፈጠሮ ኣይነበረን ኣይኮነን ። ሰዲህኤ ውድባት ክንጥርንፍ ደኣ ይቃለስ እምበር፡ ውድባት ክፍርስ ዝካየዶ መስርሕ የለን።
ዝኾነ ተጋዳላይ ንህግደፍ ወይ ንኢሳያስ ኣፈወቂ ምእንቲ ኣብ ስልጣን ክንብር፣ ካብ ዝፈትዎም ደቁን ቤተሰቡን ተፈልዩ ኣብ ጽምዋ ስደት ዓመታት ከርተት ክብል እንታይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኮን ይኽውን? እዚ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዜጋታት ጭቡጥ ሓበሬታ ክሳብ ዘየቕረቡ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ተሓባበርቲ ናይ ህግደፋዊ ስርዓት ይኾኑ ኣለዉ። ሓቂ ሎሚ እንተ ዘይወጸት ጽባሕ ክትወጽእ እያ ።
ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቕዋሙን መትከላቱን ዝተኣማመን፣ ንነዊሕ ወለዶታት ከገልግል ዝኽእል ሃገራዊ ራኢ ይውንን። እዚ ስለ ዝኾነ “ድሕሪ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ክሕዝ ይኽእል እዩ” ብምባል ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ካብ ምጽላሙ ዓዲ ኣውዕሉን። ሓደ ምሁር ብ2009 ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ኣብ 2011 ኣብ ዝግበር ምርጫ ክሳተፍ እዩ ክብል መዲሩ ነይሩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ሎሚ 2016 ኣብ ምፍጻም ኣሎና። እዚ ምሁር እዚ ነቲ ዝበሎ ክስሕቦን ይቕሬታ ክሓተሉን መተገብአ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሂላት ካብ ስግኣት ዝተበገሰ፡ ኣብ መንጎ ሰዲህኤን ካልኦት ተቓወምትን ዘይምትእምማንን ጥርጠራን ንምፍጣር ዝተማህዘ እዩ።
ኣብ መደምደምታ፣ ሓቂ ዘይምዝራብ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ባህልና እንተኾነ’ውን ፍቱው ኣይኮነን። ኩሎም ኣብ ምዝርጋሕን ምእካብን ሓበሬታ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ሓቅነት ናይ ሓበሬታ ምንጭታቶም ንምርግጋጽ ሓላፍነቶም ምዃኑ ክዝንጉዑ የብሎምን። ሓፋሽ ህዝቢ ሓቀኛን እዋናውን ሓበሬታ ክረክብ መሰሉ ስለ ዝኮነ። እንትኾነ እዚ ኣብ ሓድሓደ መርበባት ሓበሬታ ዝወጽእ መግለጽታት ጸኒሑ ከኣ ሓቅነቱ ዝፈሽል ዘሎ፣ እቲ ጉድለት ክፍተሽን ክምርመርን ኣለዎ። እቶም ወረ ዘቐብሉ ዘለዉ ደገፍቲ ተቓውሞ ተመሲሎም፣ ልኡኻት ህግደፍ ከይኮኑ ምጥንቃቕ የድሊ ኣሎ። ወነንቲ መርበብ ንሓድነትን ምምስራት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራን ኣበርክቶ ዘይብሎም ጽሑፋት እንተ ዘየስተናግዱ መተመርጸ ።
ዝኽሪ ንስውኣትና
ክብሮም ግረነት
ኤርትራ ብበበይኑ ናይ ብዙሕነት ሕብሪ ዝወቀበት ናይ ሓባርና ሃገር እያ። ብዙሕነታ፡ ብሃይማኖታዊ እምነት፡ ብብሄራት፡ ብቋንቋ፡ ብጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ባህልን ይግለጽ። እዚ ብዙሕነት’ዚ ዝፈጥሮ ኣብ ብዙሕ ተረኽቦታት ዝንጸባረቕ ናይ ሓሳብ ብዙሕነት እውን ኣብ ኤርትራ፡ ነይሩ፡ ኣሎን ክቕጽልን እዩ። ኩሉ እዚ ብዙሕነት ኣብ ክውንነታ ነናቱ እጃም ዘለዎ፡ ኣሳንዩ ክነብር ዝግበኦ እምበር ዝውገድ ኣይኮነን። ገለ ካብዚ ብዙሕነት ከተወግድ ወይ ከተስተናዕቕ ምፍታን ከኣ ንምሉእነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነ፡ ቅቡል ኣይኮነን።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዙሕነት ተቐቢሉን ኣኽቢሩን “ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ፡ ቀቢላዊ፡ ባህላውን ቋንቋውንብዙሕነት ይኣምንን ከም ሃገራዊ ቅሙጥ ጸጋን ሓይልን ይቖጽሮን።” ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሰነዳቱ እዩ። ነዚ ብዙሕነታዊ ሓሳብን እምንቶን ናይ ምዕቃቡ ግቡእ ከም ዘለዎ ንምዕዛዝ ከኣ “ኤርትራ፡ ሰላምን ሓድነትን ዝሰፈና ሃገር ንኽትከውን፡ ነዚ ናይ ብዙሕነት ባህልን ሓርበኛነትን ጸጋ ብምልላይ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነትን ንምዕቃብ ይጽዕር።” ብዝብል ነዚ ቀዳማይ ሓሳብ የራጉዶ።
እዚ ብግቡእን ሓልዮትን እንተ ተመሓዲሩ መልክዕናን ግርማናን፡ ተዘይተመሓዲሩ ከኣ ክፋእናን ውድቀትናን ዝኸውን ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ኣብ ብዙሕ መዳያት እዩ ዝንጸባረቕ። ኣብ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ መንነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ይንጸባረቕ። “ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ብኸመይ’ያ ትመሓደር?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ እውን ይንጸባረቕ። ገሊኦም “ጉጅለ ህግደፍ ናይ ውሱን ሃይማኖታዊ እምነት ወኪል’ዩ” ይብሉ። ገሊኦም ድማ ናይ ውሱን ብሄር ወኪልን ሓላው ረብሓን እዩ” ካብ ምባል ድሕር ኣይብሉን። ገሌና ከኣ “ጉጅለ ህግደፍ ውሱን ጸረ ህዝቢ ባርያትን ጸቢብ ረብሓን ናይ ዘራኽቦም ኣንጻር ህዝቢ ዝጨከኑ፡ ንዝኾነ ኤርትራዊ ሃይማኖትን ብሄርን ዘይውክሉን ዘየኽብሩን ውሑዳት ምትእኽካብ እዩ” ንብል። “ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ሕቶ ደሞክራሲ ብኸመይ ይምለስ?” ንዝብል ሕቶ ዝወሃብ መልሲ እውን በቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝጽለው እዩ።
ገሊኦም ኣብ መጻኢት ኤርትራ ዝምስረት ስርዓት ሃይማኖታዊ ክኸውን ይጽዕቱ። ገሊኦም ድማ የለን ነናይ ብሄርካ መንግስቲ ብምምስራት እባ ክብሉ ይስምዑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዙርያ እዚ ሸነኻዊ እምነታት ይውደቡን ነቲ ጌጋ ዝብልዎ ናይቲ ጉጅለ ኣካይዳ ይደግምዎን። ገሌና ከኣ ብፍላይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዞም ክልተ ንብዙሕነታዊ ሓድነትና ዘህስሱ ሓሳባት፡ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ናይ ምስራዞም ስልጣንን ሓላፍነትን’ኳ ተዘየብሉ፡ ኣብ ኤርትራ በዞም ዝተጠቕሱ ጫፋት ዘይእለ፡ ደሞክራስያውን ዘይሃይማኖታውን (ሰኩላር) ስርዓት ክምስረት ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ንምዕዋቱ ድማ ይቃለስ። ኣብ ክንዲ “ንገሌና” ንኹልና ዝብል ሓሳብ ንምጐልባት ድማ ከይሰልከየ ይሰርሕ። ካብዚ ንኤርትራዊ ውድዕነት ዘንጸባርቕ እምነቱን መትከሉን ዝነቅል “ሰደህኤ ማእከላዊ እምንቶኡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ህያው ንምግባር ኣብ ሞንጎ ብሄራትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ሰላምን ቅሳነትን ተዋሃሂድካ ናይ ምንባር ባህሊ ከስፍን፣ ነቶም ንኤርትራዊ ሃገርነት፡ ብዙሕነትን ሃገራዊ ልዑላውነትን ዝፈታተኑ ግድላት ብንቕሓት ክብድሆምን ክምክቶምን እዩ፤ .. ሰዲህኤ ሰኩልያር ስርዓተ-መንግስቲ ንምህናጽ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ኢድ ምትአትታው ክህሉ ከም ዘይብሉ ይኣምን። ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ሰዲህኤ ሓያልን ኣዎንታዊ አምንቶኡን ኣብ ሃይማኖታዊ ናጽነት የረጋግጽን፣ ሃይማኖት ኣብ ዉልቀን ሕብረተሰብን ዘለዎ ክብርን ጽልዋን ድማ ይፈልጥን የኽብርን።” ዝብል መትከል ቀንዲ ኣካል መሰረታዊ ሰነዳቱ እዩ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝተወደብና ተቓወምቲ ውድባት ነዚ ካብ ብዙሕነትና ዝምንጩ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ከነከኣእሎ እምበር ከነወጋግዶ ኣይንኽእል ኢና። ነዚ ፍልልያት ኣሳንዩ፡ ንዘድልዮ ዓቂቡ ንዘየድልዮ ገሊፉ ናይ መወዳእታ መልክዑ ከትሕዞ ዝኽእል ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝመሓደረሉ ቅዋም ከጽድቕ ኣብ ዝኽእለሉ መድረኽ ምስ ደየበ ጥራይ እዩ። ሽዑ እዩ እቲ ህዝቢ ዝድግፎ ኣተሓሳስባ ኣካል ቅዋም ኮይኑ ዝትግበርን ኩልና ክንቅየደሉ እንግደድን። እቲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣተሓሳስባ ከኣ ንክስማዕ ዕድል ይረክብ። እዚ ዝትግበር ኣምበኣር እቶም ሕጂ ኣብ ህዝባዊ ዳኛ ዘየብሉ ሜዳ “ናተይባ ይበልጽን ይሓይሽን” ንበሃሃል ዘለና ውድባት ነንኣምነሉ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሕጋዊ፡ ኣሳታፊ፡ ሰላማውን ደሞክራስያውን ውድድር ነካይደሉ መድረኽ ምስ ጣጥሐ እዩ።
ብእምንቶይ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣሊኻ ናብቲም ምስ ህዝብና ዘረኽብ መድረኽ ዘብጽሕ ኩልና እንጐዓዘሉ መንገዲ ናይ ሓባር ጐደና እዩ። እዚ መንገዲ እዚ፡ ናይ ድሕሪ ህግደፍ ፖለቲካዊ እምነቶም ትሕዝቶ ብዘየገድስ፡ ንኹሎም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎምን ንምትግባሩ ዝቃለሱን ወገናት ናይ ሓባሮም እዩ። ዋላ ሓደ ኣካል “እዚ መንገዲ ናይ ከምዚ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎም ጥራይ እዩ” ኢሉ ነቲ ካልእ ከግልል ስልጣን የብሉን። ንረብሓኡ’ውን ኣይኮነን። ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ዘተርንዕ ዘዳኽም ስለ ዝኾነ። ሎሚ ክትስጉም እንከለኻ ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ’ኳ ሕማቕ ተዘይኮነ፡ ናይ ጽባሕ ትጽቢትካ፡ ንናይ ሎሚ ስጉምትኻ ዘዕንቅፍ ከይከውን ምጥንቃቕ ግና የድሊ። ናይ ሎሚ ውሕልነትካ ንናይ ጽባሕ ተዓዋትነትካ ዝውስን ስለ ዝኾነ። “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ብሂል ዘይምርሳዕ። ጽባሕ ኣብ ዝግበር ናይ ፖሊሲ ውድድር ከይበልጸኒ ኢልካ፡ ከሎ ጌና ሎሚ ተዘየርሓቕኩዎ ምባል ነቲ ካብ ሎሚ ናብ ጽባሕ ዘብጽሕ ናይ ሓባር ዓቕሚ ምድኻም ከም ዘስዕብ ምስትብሃል የድሊ። ከምዚ ዓይነት ልቦና እንተልዩ ጥራይ እያ እምበኣር ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ግሌና ዘይኮነትስ ናይ ኩልና እትኸውን።
ብዛዕባ ወሳንነትን ዓብይ ግደን ህዝቢ ወርትግ’ዩ ዝንገር። ብሓቂ ከኣ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኢ እምበር ተዓዛባይ ኣይኮነን። እቶም ብዛዕባ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዝዛረቡ ኩሎም ብተግባር ንግደ ህዝቢ ግቡእ ቦታኡ ይህቡ ማለት ግና ኣይኮነን። ገለ ወገናት ንህዝቢ ከም ወሳንን ከኣሊ ኩሉን ገይሮም የቕርብዎ’ሞ ብተግባር ግና ይጠልምዎ። ንድሌታቱን ባህጉን ነጺጎም ብናቶም ጸቢብ ናይ ውሑዳት ረብሓ ይልውጥዎ። ብስሙ ይምሕሉን ይጥሕሉን እሞ ብተግባር ከኣ ኣንጻር ረብሓኡ ይኸዱ። ንይምሰል እንታይ ከም ዝደሊ ይሓትዎ ምርጫኡ ምስ ተረድኡ ብኣንጻሩ “ስለምንታይ ካብ’ቲ ዝመረጽናልካ ካልእ ድሌት ኣሕደርካ?” ብዝብል ይቐጽዕዎ። ምምሕዳር ህግደፍ ናይ ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ናይ ምጥላምን ምግላልን ኣብነት እዩ።
ህዝቢ ኣቐዲሙ ውዱብ ዓቕሚ እንተዘይኣጥርዩ ንከምዚ ናይ ህግደፍ እንዳለሳለሰ መሰሉ ዝግህስ ዓመጽ ክምክቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ብዙሕን ወሳኒ ዓቕሚ ዝውንን ብምዃኑ ጥራይ ኣይዕወትን እዩ። ንክዕወት ብኣፍልጦኡ ዝጐዓዝን ኣብ ድሌታቱ ዝተሰረተ ውዳበ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ብቱን ዓቕሚ ግና ዋላ ሓደ ካብ ድሌታቱ ከዕውት ኣይክእልን እዩ። ውሱናት ኣብ ዙርያ ጸቢብ ረብሓኦም ዝተወደቡ ኣካላት ከሳቕይዎ ይነብሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ካብ ደገቲ ህግደፍ፡ እቲ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ደሞክራስን ዝብህግ ህዝብና ከም ዝበዝሕ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ህግደፍን ቁንጣሮ ሰብዓብቱን ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ውዳበኦም ይልሕልሕ እንተሃለወ፡ ውዱባት ስለ ዝኾኑ እነሆ ኩሉ ዋጋ ቃልሱ ዝኾነ መሰላቱ ግሂሶም የሳቕይዎ ኣለዉ። እዚ ንክቕየር ከኣ እቲ ደላይ ለውጢ፡ ናይ ግድን ካብ ናይ ወጻዕቱ ዝሓየለ ውዳበ ክውንን ክበቅዕ ይግበኦ። ኣብ መስርሕ ምውዳብ ዝኽፈል ዋጋ ፈሪሕካ፡ ዝሰዓብ ካልእ ኣቋራጭ መንገዲ የለን።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ሓይልታት ብስም ህዝቢ እዩ ዝምሕልን ዝጥሕልን። ኣብ ተግባር ተመጺእና ግና ኣየንኡ እዩ ብግቡእ ናይቲ ህዝቢ ሓቀኛ ትርግታ ልቢ ዘዳምጽን ንድሌት ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ዝሰርዕን ኣዘራራቢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ውክልና ኣለዎ እንዳተባህለ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ውዳበ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ብስሙ ዝጽዋዕ ውዳበ ኣብ ከምዚ ዓይነት ታኸይላ ክወሓጥ እንከሎ፡ እቲ ውዳበ ከምቲ ክድረፈሉ ዝጸነሓ ናቱ ተዝኸውን፡ ዓገብ ዝብል ድምጹ ከስምዕ መተገበአ። እንተኾነ እዚ ድምጺ እዚ ኣይተጠርየን። ነዚ ገዚፍ ስም ሒዝካ፡ ብዘይብሩህ መንገዲ ምጉዓዝ ዘይድግፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣትሪሩ ዝነቅፍ ኣካል ኣብ ውሽጡ ከም ዘሎ ይስማዕ እዩ። እቲ ጸገም ግና እዚ ፋሕ ኢሉ ዘዕዘምዝም ዘሎ ድምጽታት ዓው ኢሉ ተጽዕኖ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ እዩ። እቲ ጸገም ኣይኮነንዶ ኣካላቱ ንዝኾኑ ብማዕዶ ንዝዕዘቦ’ውን ብሩህ ስለ ዝኾነ እቲ ፍታሕ ካብ ውሽጡ ተዝመጽእ ከኣ ክንደይ’ኳ መመልከዓሉ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ዋላ’ኳ ናይ ምዕራይ ድሌት ተሃለዎ ብግህዶ ድምጹ ከስምዕ ከም ዝጽግሞ ዘንጊዐ ኣይኮንኩን። እቲ ክዛረብ ዝግበኦ፡ እቲ ኣብ ሓሳብካ ብናጽነት ክትገልጸሉ እትኽእል ሓራ ከባቢ ዘሎ ኤርትራዊ ዲያስፖራ፡ ናይቲ ልሳኑ ዝተዓጽወ ኤርትራዊ ልሳን ክኸውን ዝግበኦ ክነሱ ከምኡ ዘይምዃኑ ጸገም እዩ። ብዘይቃለዓለም ንዛረብ እንተ ኢልና ባይቶ ከምዚ ንክኸውን ዘሻህረቶ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ገለ ወገን ካብ ዲያስፖራ እዩ። ሓደ ውዳበ ከድምዕ እዩ ኢልካ ምስ ኣበገስካዮ ኣብ መስርሕ ጸገማት ኣየጋጥምዎን ማለት ኣይኮነን። ጸገም እንተጋጠሞ’ውን እቲ ቀንዲ ጸገም ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጸገም ዕንቅፋት ከጋጥም እንከሎ እንዳተኸታተልካ ከተእርሞ ዘይምብቃዕ እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ጌጋ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል። ብመሰረቱ እውን ውዳበ መስርሕ እዩ። እዚ ግቡእ መስርሕ ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ ናይ ህልኽን ውልቃዊ ምስሕሓብን እሱር ምዃን ከኣ ናይ ሕመቕ መርኣያ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ክንዕዘቦ እንከለና “ ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ዘብል እዩ። እቲ ኩነታት፡ ህዝቢ ካልእ መዋጸኦ ከይወስድ ብዘይትግበር ተስፋ ጅሆ ዝሓዞ ምዃኑ ካልእ መርእያ ናይቲ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ እዩ።
ኣብ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር፡ እቲ “ዓገብ” ናይ ምባል ዕድል ዘለዎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ተዓዛባይ ኣይኮነን ክኸውን ዝግበኦ። በዓል ጉዳይ ስለ ዝኾነ “እዚ እቲ ቅኑዕ እዩ፡ እዚ ግና ግጉይ’ዩ” ክብል ናይ ግድን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ኣካል ፍታሕ፡ ኣካል እቲ ጸገም እንዳኾነ፡ ሰናይ ክጽበይ ኣይግበኦን። እንተ ተጸበየ’ውን ውጽኢት ኣይረክብን እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰላልፋ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንካልእ’ውን ንጹር እዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ዝጠለመ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብናይ ባርነት ቋንቋ ዝገዝእ፡ ኣብ ናይ በይኑ ንጹል ዓለም ዝነብር ዘሎ ምኩሕ ጉጅለ እዩ። ብቃልሲ ክውገድ ከም ዝግበኦ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ስርዓት ከወግድ ዝቃለስ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ፡ ሒዝዎ ዘሎ ዲክታተርነት ናይ ምውጋድን ብደሞክራሲ ናይ ምትካእን ኣቕጣጫ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ሰኣን ናይ ኣቀላልሳን ናይ ርኢቶ ብዙሕነት ኣተሓሕዛን ውሕልነት ዝሳቐ ዘሎ እዩ። ቅሩብነት፡ ሓልዮትን ናይ ህዝቢ ግቡእ ተዋሳእነትን ክሳብ ዘሎ እዚ ጸገም ደንበ ተቓውሞ ዘይፍታሕ ኣይኮነን። ከምቲ ገዛእቲ ሓይልታት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀንዲ ጸላኢኦም ወሲዶም ክብትንዎ ዝጽዕሩ ዝነበሩ፡ ህግደፍ’ውን ንሓይሊ ህዝብን ተቓውሞን ክዘርግን ኣብ ሕድሕዱ ከናቑትን ከይደቀሰ ከም ዝሓድር ክንርስዕ ኣይግበናን። ካብዚ ነቒለ እየ ከኣ “ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ተዋሳኢ’ምበር ተዓዛባይ ኣይኹን” ዝብል ዘለኹ።
ሓበሬታ ኣብ ፍሉይ ፖለቲካዊ ዕማም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ ሰባት ዘለዎ ቦታ ዓብይ እዩ። ሓበሬታ ንንኡስ ግዚያዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰፊሕን ዓሚቕን ፍልጠትን ምምርማርን መሰረት’ውን እዩ። ሓበሬታ ዘየብሉ ኣካል ካብ ብዙሕ ነገር ከም ዝተርፍ ተረድኦ ስለ ዘሎ እዩ ከኣ “ሓበሬታ ሓይሊ እዩ” ዝበሃል። ተፈላሊና ጸኒሕና ክንራኸብ እንከለና “እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ” እንበሃሃሎ ከኣ ነዚ ዘመልክት’ዩ። ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብን ዘይምርካብን ኣብ ምሉእ ህይወት ናይቲ ተሓባሪ ተጽዕኖ ኣለዎ። ናይቲ ሓባሪ መንነት እውን ዝገልጽ እዩ።
ኩልና ከም እንፈልጦ ከምቲ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበሪታ ዘለዎ ሃናጺ ረብሓ፡ ግጉይ ሓበሬታ ከኣ ኣዕናውን ናብ ሕማቕ መንገዲ ዝመርሕን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ንሰባት ናብ ግጉይ መንገዲ ካብ ዝመርሑ ሓደ፡ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ቅኑዕን ሃናጽን ሓበሬታ ዘይምርካብ እዩ። እቲ ዝሕብር ኣካል ገሊኡ ኮነ ኢሉ ግጉይ ሓበሬታ ሂቡ፡ ነቲ ዝሕብሮ ኣካል ከጋጊ ዝተዓጥቀ ክኸውን ይኽእል። ማለት ንኻለኦት ኣጋግዩ ናብ ኣዕናዊ መንገዲ መሪሑ፡ ንዓኡ ሓቀኛ ዝገብሮ ስለ ዝመስሎ። ገሊኡ ግና ኮነ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ቅድሚ ንካለኦት ምሕባሩ ንገዛእ ርእሱ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንጹር ሓበሬታ ሰኣን ምርካብ ግጉይን ኣዕናውን ሓበሬታ ዝህብ’ውን ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ኩሉ ፈውሲ እምበኣር፡ ሓደ ኣካል ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ክሕብረካ እንከሎ፡ ቅድም ብዝግባእ ምስምዑን ሓበሬታኡ ከነጽር ኣጸቢቕካ ምጥዋቑን። ድሕሪኡ ብዛዕባቲ ዝተሓበረካ ባዕልኻ ምግንዛብን ክኸውን ይኽእልዶ ኣይክእልን ምምዛንን። እዚ እኹል እንተዘይኮይኑ ድማ ብዛዕባቲ ዝተዋህበካ ሓበሬታ ብኻለኦት ብዛዕባኡ ይፈልጡ እዮም እትብሎም ከተነጻጽሮን ከተጻርዮምን ምፍታ። በዚ ኩሉ መንፊት ምስ ሓለፈ ነቲ ሓበሬታ ናትካ ጌርካ ምውሳዱን ኣብኡ ተመስሪትካ ሃናጺ መርገጽ ምሓዝን ኣብ ሕማቕ ዘውድቕ ኣይከውንን።
ኣብ ውድባት ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ብኩራት ሳዕቤኑ ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ክሳብ ክንደይ ሃሳይ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብዚ እውን ከምቲ ኣብ ካልእ መዳይ ገሊኡ ብገርህን ሓቂ መሲሉካ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ የጋጥም እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና ኮነ ኢልካ ግጉይ ሓበሬታ ነዚሕካ፡ ንገለ ሰባት ኣብ ዘይፈልጥዎ ምስ ውድባት ኣጻሊእካ ናባኻ ከም ዝስለፉ ንምግባር ዝንዛሕ እዩ። ኣብዚ ቀንዲ ግጉይ እቲ ኮነ ኢሉ ግጉይን ኣዕናውን ናይ ጸለመ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ከየጻርዩ ከም ዘለዎ ተመንጊጎም እዚ ሓበሬታ ኣብ ዝበከሎ ግጉይ መንገዲ ክኸዱ ዝውስኑ’ውን ካብ ተሓታትነት ክወጹ ኣይክእሉን እዮም። ብፍላይ ንውድባት ብዝምልክት መራሒኻ ብዛዕባ ካለኦት ውድባት ዝሃበካ ሓበሬታ ወይ መግለጺ ከም ዘለዎ ሒዝካ ኣንጻር ርኡይ ሓቂ ካብ ምውሳን ናይቲ ብዛዕባኡ ትሕበሮ ዘለኻ ውድብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ግብራዊ ምንቅስቓስን ምርኣይን ምስቲ ዝተበሃልካዮ ምንንጽጻርን መሰረታዊ እዩ። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ውድባት ፖለትካዊ መደብ ዕዮኣንን ተዛመድቲ ሰነዳተንን ኩሉ ግዱስ ክረኽቦ ኣብ ዝኽእል ከቐምጠኦ ዝግባእ። ንኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታአን።
ሓበሬታ ጠማዚዝካ ሰባት ኣዕሽኻ ናብ ኣዕናዊ ኣቕጣጫ ምምራሕን ብዙሕ መልከዓትዩ ዘለዎ። ናይ ገለ ፖለቲካዊ ኣምራት ትርጉም ምጥምዛዝ ናይዚ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ተግባር ሓደ መግለጺ እዩ። ንኣብነት፡ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ጽገና፡ ዘተ ምስ ጸላኢ፡ ጐነጻዊ ኣገባብ፡ ለውጢ ካብ ሽጢ … ወዘተ ንዝኣመሰሉ ሓረጋት ዝምልከትን ኣጋጊኻን ምስ ውድዕነት ኤርትራ ከይቃነኻን ምቕራብ፡ መርኣያ ናይ ዘይሃናጺ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ምዃኑ ተዓዚብና ኣለና።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ናይ ሓደ ውድብ ኣባል ኤርትራዊ መንእሰይ ብኣጋጣሚ ተራኺብና ዕላል ጀሚርና። ብዛዕባቲ ኣባሉ ዝኾነ ውድብ ሓደሓደ ኤርትራዊ ጉዳያት ከብርሃለይ ሓቲተዮ። ካብቲ ዝጠቐስኩሉ ዛዕባታት፡ ሚዛኖም፡ ኣብ መሰል ብሄራት ክሳብ ምግንጻል፡ ሃይማኖታዊ ውዳበ፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ውሳነ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ውድቦም ምስ ካለኦት ውድባት ዝገብሮ ምቅርራብ ዝብሉ ይርከብዎም። እንተኾነ ብዛዕባ ዋላ ሓደ ካብዚኣቶም ዝፈልጦ ከም ዘየብሉ ኣረጋጊጹለይ። መራሕቱ ሓበሬታ ሓሪሞም ኣብ ዘይፈልጦ መንግዲ ይኹብኩብዎ ከም ዘለዉ ከኣ ክዕዘብ ክኢለ።
ብኻልእ ኣገባብ ከኣ ቀሪበዮ፡ ብዛዕባ መትከላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ውድባትን ዝፈልጥ እንተኾይኑ ሓቲተዮ። ኣብዚ እውን ብዙሕ ሓበሬታ የብሉን። ዝያዳ ካብቲ ኣባሉ’የ ዝብሎን ጉልበታውን ገንዘባውን ኣበርክቶ ዝገብረሉን ውድቡ ብዛዕባ ካለኦት ከም ዝንገሮ ግና ተገንዚበ። እቲ ዝርካቡ ዝተነግሮ ሓበሬታ ግና ንሓቀኛ መንነት ናይተን ውድባት ዘይገልጽን ዘቀሓሕርን እዩ። ዝያዳ ዕላል ክቕጽል ምስ ደፋእኩዎ ከኣ፡ “ሰደህኤ ኣብ ጽገና ዝኣምን፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ዝራኸብ፡ ንዘተ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝብልዎ ዘይሰምዕ ሰልፊ … እዩ እዮም ዝብሉና” ኢሉኒ። ያኢ መንእሰይ እዩ እሞ ንጉዳያት ናይ ምምስኻር ንያት ይህልዎ ይኸውን ኢለ ከኣ “ነዚ ዝተበሃልካዮ ሓቅነቱ ንምጽራይ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰደህኤኸ ኣንቢብካዶ ትፈልጥ? ካብ ኣባላት እቲ ሰልፊ ረኺብካ ከተዕልሎልም ዝፈተንካዮኸ ኣሎዶ?” ኢለ ሓቲተዮ። መልሱ ሓጺርን ንቑልቑል ዝኣፉን “ኣየንበኩን ዝፈልጦ ኣባል ሰደህኤ የብለይን። ከምኡ ዝብለካ ዘለኹ በዓል እገለ (ሓደ ካብ መራሕቲ ውድቡ) ዝበሉኒ ኣሚነ እየ” ዝብል ነይሩ። ንመጻኢ ግና ኣብ ርእሲ እቲ ኣነ ዝሃብኩዎ መብርሂ፡ ናቱ ናይ ምምስኻር ስራሕ ክሰርሕ’ሞ ኣብኡ ተመርኲሱ ርትዓዊ መርገጺ ክሕዝ ምዃኑ ቃል ኣትዩለይ ተፈላሊና። ሓበሬታ ንኣዕናዊ ተግባራት ክውዕል እንከሎ ማለት እምበኣር ከምዚ እዩ።
ካልኣይ ክፋል
ስለምንታይ ኢና ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ንብል?
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ባርባራዊ ስርዓት፣ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሰን፣ ንሕልና ወድሰብ ዝቀትል፣ንባህርያዊ ክብረትን ንማዕረን ዝግህስ፣ናይ ሓሳብን እምነትን ንምግላጽ ዝኽልክል፣ንሕዝቢ ብፍርሓትን ጥምየትን ሒዙ ዘሎ ናይ ውሑዳት ምልክነት ሰሎዘሎ ኢዩ፡፤
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ጽሑፈይ ኣብ ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰነድ ተመርኲሰ ብሕጽር ዝበለ ኣቅሪበ ነይረ፣ ሎሚ ድማ ካልኣይ መቀጸልታ ከቅርብ ክፍትን ኢየ።
ናይ ደለይቲ ፍትሒ መቆምያታት/እምነታት ሰላም፣ደሞክራሲ፣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ግዝኣተ- ሕጊ ክኾና ኢየን ነሩ እንተኾነ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ውደባ ኣቲና ፖሊቲካዊ መደባትን ምስ እንርኢ ብዛዕባዚ መቆምያታት ዝርኢ ዓንቀጽ የለን፣ ኣብቲ መዓልታዊ ኣስተምህሮታተውን ናይ ሕዝቢ ጐስጓሳቶምን እንተርኢና ድማ እቲ ዝዋሃብ ብፍጹም ኣንጻርዚ ኣድማሳዊ መሰላት ኢዩ። ሎሚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ከም ኣካል ህዝብታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ መሰረታዊ እምነታትዚ ተመርኲስና ኣፍልጦ ደለይቲ ፍትሕን ሕዝብናን ብቀጻሊ ኣብ ኣእምሮና ከነሰፍርን ኣኽብሮት ናይዞም መሰላትን ሓርነታትን ንምውሓስ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብ ኣዊ መሰላት ተመርኲሰ ብዛ ዕባ እንታይነት ናይ ዓንቀጽ 1 ጠቂሰ ነይረ ሎሚ ድማ ኣብ ዓናቅጽ 1ን 2ን ምስኩነታት ሕዝብና ክገልጽ ክፍትን ኢየ።
ዓንቀጽ 2
ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ከም ዓሌት፣ሕብሪ፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካዊ ወይ ካልእ ኣረኣእያ፣ ብሄራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቆል፣ንብረት፣ትውልዲ፣ ወይ ካልእ ከም ማሕበራዊ ኩነት ብዘይ ኣድልዎ ኣብዚ ኣዋጅዚ ንዝሰፈሩ መሰላትን ሓርነታትን ክረክብ መሰል ኣለዎ፡፤
ዓንቀጽ 3
ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብህይወትን ሓርነትን ንክነበር ከምኡ ውን ድሕነት ንኺረክብ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 4
ዝኾነ ይኹን ሰብ ብጊልያነት ኪተሓዝ ኣይግባእን፣ጊልያነትን ንግድ-ጊልያን ብኹሉ መልክ ዓቶም ውጉዛት ኢዮም፡፤
እስከ ብመነጽር እቲ ብ1997 ዝጸደቀ ቅዋም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሕዝባዊ ግንባር ናጽነት ኤርትራ-ሕዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስያን ንርኤ፣ ከምኡ ድማ ብመነጽር እቲ ናይ 1952 ቅዋም ፈደራላዊ ስምምዕ ዝጸድቀን 10 ዓመታት ዘገልገለን ንርኤ፣ ንምዃኑ እቲ ብ1997 ዝጸድቀ ኣብ ግብሪ ሰለዘይወዓለ ቅዋም ነሩና እውን ዝበሃል ኣይኮነ፣
ኣብ ናይ 1997 ቅዋም ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዝገልጽ ዓናቅጽ ኣብ ምዕራፍ 3 ይርከብ፣ ኣብ ናይ 1952 ቅዋም ድማ ኣብ ምዕራፍ 4 ዘሎ ዓናቅጽ ተመልከት።
ሎሚ ኣብዚ ግዜዚ ደለይቲ ፍትሒ ከተኩርዎ ዘለዎም ጉዳያት ከም ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ምኽባር ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ኣብ ሕዝብና ምስፋን ድኣ እምበር ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣብ ግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ዝተፈጸመ ገበናትን ጉድለታትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ለይቲ ምስ መዓልቲ ብዘረባ ጥራሕ ዕንክሊል መፍትሔ ኣይኮነን፡፤
እስከ ምስ
ዓንቀጽ 2
"ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ከም ዓሌት፣ሕብሪ፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካዊ ወይ ካልእ ኣረኣእያ፣ ብሄራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቆል፣ንብረት፣ትውልዲ፣ ወይ ካልእ ከም ማሕበራዊ ኩነት ብዘይ ኣድልዎ ኣብዚ ኣዋጅዚ ንዝሰፈሩ መሰላትን ሓርነታትን ክረክብ መሰል ኣለዎ፡፤"
እትገልጽ ኣብ ቅዋም 1997 ወይ ድማ 1952 ንርኤ፣
ኣብ ቅዋም 1997 ዝጸደቀ ግን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ፣ ብዛዕባዚ ዓንቀጽ ኣብ ምዕራፍ 3 መሰረታዊ መስላትን ሓርነታትን ግቡኣትን ኣብ ዝብል ዓንቀጽ 14 ቁጽሪ 2 ከምዚ ይብል፣
(2) No person may be discriminated against on account of race, ethnic origin. language, colour, sex, religion, disability, political belief or opinion, or social or economic status or any other factors.
ኣብ ቅዋም 1952፣ 10 ዓመታት ዘገልገለ ድማ ኣብ ምዕራፍ 4 ዓንቀጽ 22 ከምዚ ይብል፣
ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ
ዓንቀጽ 22
Article 22
The government of Eritrea shall ensure to all Eritrean residents ( even foreigners) without distinction of nationality, race, language or religion the enjoyment of human rights and fundamental liberties including the following:
- the right to eqaulity befor the law
- the right to life, liberty and security
- the right to own and dispose of property
- the right to freedom of opinion and expression and the right of adopting and practising any creed or religion.
- the right to education
- the right to freedom of peaceful assembly and association
ቅዋም 1952 ሰፋሕቲ ዓናቅጽ ኣብዚ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መስላት ሓርነታትን ኣለዎ ቅዋም 1997 ግን ዘይተነጸረ ኣብ ጉቡእነትን ዝተደረተ መሰላት ዝህብ ኮይኑ ረኺበዮ፡፤ ኣብ ቅዋም 1997 መሰረታዊ መስላትን ሓርነታትን ኢሉ ግቡኣትን ድማ የጠቃቅል፣
ኣብ ቅዋም 1952 መሰል ናይ ንብረት ምውናን ነጻ ንግድን ስራሕን ኣብቲ ዓንቀጽ 22 ምዕራፍ ብሰፊሑ ወሪዱ ኣሎ ኣብ ናይ 1997 ግን ኣብ ምዕራፍ3 ዓንቀጽ 23 ቁጽሪ 2 ከምዚ ይብል፣
( 2) All land, water and natural resources below and above the surface of the territory of Eritrea belongs to the state.
እዚ ዓንቀጽዚ ምስቲ ኣድማሳውን ኣህጉራዊ ወዕላትን ዝጻረር ንምልክነት ዘመርሕ ንናጻ ቁጠባዊ ምዕባል ዝጻረር ናይ ምልክነት ዓንቀጽ ብምዃኑ ክንዝትየሉ እዋኑ ኢዩ በሃላይ ኢዩ፣ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል ኣምር እውን ዝጻረር ኢዩ፣ ኩሉ ናይ መረትን፣ ማይን ሃገራዊ ምንጭታትን ኣብ ትሕቲ መረት ይኹን ልዕሊ መረት ናይ ሕዝቢ ኢዩ፣ እቲ መንግስቲ ድማ ነዚ ዘኽብር ኣለዎ እምበር መንግስቲ ንብረት ኣይውንን፣ ኣይሓርስን ኣይነግድን እንታይ ድ ኣ ስርሑ ምሕላው ጥራሕ ኢዩ መዝነቱ ፣ መዝነቱ ድማ ብሕዝቢ ይውሰን።
ምስዚ ክልተ ዓናቅጽ ዝሰማማ ኣብ ቅዋም 1952 ይኹን ቅዋም1997
ዓንቀጽ 3
ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብህይወትን ሓርነትን ንክነበር ከምኡ ውን ድሕነት ንኺረክብ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 4
ዝኾነ ይኹን ሰብ ብጊልያነት ኪተሓዝ ኣይግባእን፣ጊልያነትን ንግድ-ጊልያን ብኹሉ መልክ ዓቶም ውጉዛት ኢዮም፡፤
ን ዓንቀጽ 3 ን 4 ዝምልከት ኣብ ቅዋም 1952 ኩሉ ኣብ ም ዕራፍ 4 ይርከብ
ኣብ ቅዋም 1997 ከኣ ኣብ ም ዕራፍ 3 ኣብ ዓናቅጽ 14 ን 15ን 16 ርኤ።
ኣብ ቀጻሊ ጽሕፈይ ኣብ ዳማሳዊ ሰብ ኣዊ መስላትን ኣህጉራዊ ው ዕላትን ምስቲ ቅዋማት ኤርትራ 1997 ን 1952 ኣዛሚደ ከቅርብ ኢየ ተኸታተሉኒ።
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን 2ይ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ
Friday, 07 October 2016 15:46 Written by ክፍሊ ዕዮ ዜና ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ
ብዕለት 24 መስከረም 2016 ዓ.ም.ፈ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን 2ይ ጉባኤ ካብ ሰዓት 20.30 ክሳብ 22.30 ብኤለትሮኒካዎ መራኸቢ ብዙሓን ብምልኣተ ተሳተፍነት ኩለን ጨናፍር ሃገራት ኤውሮጳ ተካይዱ። ጨናፍር ኣመሪካ ሱዳንን ኩሉ ርእይቶታቶምን ለወባታቶምን ብምልኣኽ ብተክኒካዊ ምኽንያትን ብስራሕን ኣይተሳተፉን። ጉባኤ ብኣቦ ወንበር ማሕበር ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ ብሰላምታዊ ምስጋና ንኩሉ ዝተሳተፈ ኣባል ከፈቶ። ኣስዒቡ ሓው ተስፋይ እዚ ታሪኻዊ ማሕበር እዚ ካብ 2002 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንኣሐዋት ኣካለ ጽጉማን ኣብ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ዝፈጸሞ ርህሩህ ሓልዮታዊ ክንክንን ምሕብሓብን ብሓቂ ዘኩርዕን ዓቢ ዓወት እዩ ብምባል ከም መስራትን መራሕን ከኣ ነባሪ ሓበንን ደስታን እናተሰምዓኒ ልዑል ምስጋና ንኩሉ ኣባል ይብጽሓዮ በለ። ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ከኣ ዝተላእኩ መልእኽታት ካብ ሱዳንን ካብ ኣመሪካን ሓበረ። ቀጺሉ ሓው ተስፋይ ብመሰረት ቅዋም ማሕበር ሎሚ ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ብምዃን ኣጀንዳና ሓድስ መሪሕነት ምምራጽ ኮይኑ ከምቲ ልሙድ ሓልዮታዊ ተወፋይነትኩምን ንጥፍቲ ምልእቲ መሪሕነት ንምምራጽ ናባኹም እናሓደግኩዎ ኣነ ግና ከዕርፍ ደስ ይብለኒ በለ። ሙሉእ ኣባል ጉባኤ ብልዙብን ሓልዮታውን ምይይጥን ብዕምቆትን ብኣስተብህሎ ንኣታሃላልዋ ኣባላትን ተመርኲሱ ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ ከም ኣቦ ወንበር ክቅጽል 7 ዝኣባላታ መሪሕነት ካብ ኩለን ሃገራት ዝርከብዋ ንዓመተ 2017/2018 እትመርሕ ብሙሉእ ድምጺ መሪጹ ጉባኤኡ ብዓውት ዛዚሙ።
ንኣካለ ጽጉማትና ንምርዳእ ቅሳነት ሕልናን ክብርን እዩ።
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!
ውድቀት ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ!!!
24 መስከረም 2016 ዓ.ም.ፈ.
ክፍሊ ዕዮ ዜና ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ
እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ወሪዱ ዘሎ ሽግርን ስቓይን፥ ከምኡ እውን ኣሎ ዝበሃ ልፍልልያት፡ ክነወግዶ ይኹን፥ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ክንልውጦ እንተዀና፥ ዝሓለፈ ኣቚሳል ናብ ምጉድዳእ ዘይኮነስ ቀጻሊ ዘተን ሓቢርካ ምስራሕን ከነድህብ ተደላይነት ኣለዎ።
እዚ ዘሎናዮ ግዜ ተሃዋሲ ብምዃኑ፥ ነቲ ኣብ ነንሓድሕድና ስምምዕ ከሊኡ ናብ ጽልእን ቅርሕንትን ገጹ ካብ ዝጐተና ዘሎ ባህሊ ይኹን ልምዲ ክንላቐቕ ኣሎና። ምኽንያቱ ንድሌት፡ ረብሓን ጠቕምን መላእ ሕብረተሰብ ምሕሳብን ምሕላይን ክህሉ ዝኽእል ብጋህዲ ምዝራብን ቅኑዕ ፍታሕ ምምጻእን የድሊየና። እንተዘይኮይኑ ነቲ ናትካ ሓሳብ ጥራሕ ንኽዕወትን ኣብ ግብሪ ንኽተውዕልን እናሓለንካ ናብ ጽቡቕ ይኹን ንሓቀኛን ርትዓውን ፍታሕ ክትበጽሕ ዘይከኣል እዩ።
ኣብ ዓለም ብዘሎ ተመኩሮ፥ ህዝቢ ፈጺሙ ኣይፈላለን እዩ። ዝፈላልይዎ ጸቢብ ረብሓኦም ዘቐድሙ ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ እዮም። ንሳቶም ናብ ስልጣን ዘወጥሖም ሓሳብ ስለ ዘቕድሙ ንህዝቢ የደናግሩ። ኩሉ እቲ ምንቅስቓሳቶም ይኹን ክለሳሓሳቦም ንሃገር ዘርብሕ ከም ዝመስል ገይሮም እዮም ዝቐርቡን ዝምድሩን። ንኣብነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረሉ ግዜ ሕጂ ዝያዳ ነቲ ስልጣን ኣብ ኢዱ ዓትዒቱ ኣብ ዝሓዘሉ ዘሎ ኩነታቱ ንተዓዘብ። እዚ ከኣ ኩልና ከም ትምህርቲ ክንቀስመሉ ንኽእል ኢና ይመስለኒ። መጻኢ ጐነጽ ዝዕድም ተግባራት ዝውገደሉ ወይ ደረት ክግበረሉ ዝከኣል ኣብ ሃገርና ብኣውራጃ ይኹን ብብሄራት ወይ ሃይማኖታት ኣብ በሊሕ ዝኾነ ሕሉፍ ግርጭት የለን። እቲ ዝነበረ ውግኣት ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባት እምበር፥ ኣብ መንጎ ህዝቢ ብኣውራጃ ይኹን ብብሄር ወይውን ብሃይማኖት ኣሳቢብካ ዝተኻየደ ውግእ ኣይኮነን። ማለት እቲ ናይ ስልጣን ወይ እውን ናተይ ፖለቲካ ይበልጽ ዝብል ኣምር እዩ ኣብ ጐነጽ ዝተኣትወ። ስለዚ ሎሚ በዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ኣሳቢብና ብዘይንፈልጦን ዘይነበረን ጸገም ወይ ሽግር ተመሪሕና ናብ ዘየርብሕ ፍልልይን ምስሕሓብን ከይንኣቱ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ። ኩልና ብስምዒትና ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ከመይ ንተኣሳሰርን ዱልዱል ዝምድናታት ብምፍጣር ሓድሕድና ዘተሓቛቚፍ ሓሳብን ግብርን ከነማዕብል ኣሎና ኣብ ዝብል ክንሓስብ ይግበኣና። እዚ ምስ ኣማዕበልና እዩ ከኣ እቲ ርህሩህ ሕውነታውን ስነኣእምሮኣውን ዝምድናታት ካብ ኣውራጃይ ብሄረይ ሃይማኖተይ ወጺእ ናብ ሃገረይ ዝብል መንነት ክነዕዝዝ ዘኽእለና።
ነዚ ክንበቕዖ እንተዀንና፡ ነቲ ንኹልና ዘፍርህ፡ ዘርዕድን ኣብ ጥርጠራታት ክንነብር ዝደፋፍኣናን ሕሉፍ ታሪኽ ብምዝርዛርን ምዝካርን ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ዘሰማመዓናን ዘመዓራርየናን መሰረት ኣንጺፍና፡ ኣብ ጽቡቕ እምበር ኣብ ምጉናጽ ዘይውዕል ሕልናን ሓሳብን ክህልወና ክንጽዕር ይግበኣና።
ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ ብሄራትን ሃይማኖታትን ወይ ኣውራጃታት ኣብ ክንዲ ንዛረብ ወይ እውን ኣብዚ ጸቢብ ዓንኬል ናብ ምውዳብ ገጽና ሃተምተም ካብ እንብል፡ ብዛዕባ ሃገርን ሃገራውነትን ስምምዕን ሃገራዊ ዕርቅን ይቕረታ ምብህሃልንን ኣዕዚዝና ክንዛረብን ክንዝትን’ዩ ዝግበኣና። ከምዚ ክንገብር ምስ በቓዕና ድማ ንሃገር ምስ ብሄርታ፡ ኣውራጃታታን ሃይማኖታታን ኣሳንዮም ዝኸድሉ ሕግን ስነስርዓትን ሓንጺጽና ናብ ዓወት ዘብጽሕ ጥጡሕ መንገዲ ምድላው የኽእለና። እንተዘይኮይኑ ሃገር፡ ብሄር ወይ ኣውራጃ ዘፍርስ ወይ ከኣ ብሄር ወይ ኣውራጃን ሃገር ዘናውጽ ፖለቲካዊ ጸወታ ክንጻወት እንከሎና ብኹሉ መዳዩ ሃሳዪ’ዩ።
ህላዌ ሃገር ብዝተኣማምን ክወሓስ እንከሎ እቲ መንነት ኤርትራዊ እምበር፡ ኣውራጃዊ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ክኸውን ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንኹሉ ብማዕረ መንነቱ ዝሕሉ፡ ብባህሉን ብቋንቁኡን ተኸባቢሩ ዝነብረሉን ዝኾርዓሉን ውዕል ምምስራት እምበር ናብ ሓደ ብሄር ገጽካ ኣጻብዕትኻ ብምምልካት ፍረ ዝህብ ኣይኮነን።
እዚ ዝምስረት ግዝኣተ ሕጊ ከኣ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ እምበር፡ ሓደ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ንበይኑ ዝምስርቶ ግዝኣተ ሕጊ የለን። መንነትን ዜግነትን ድማ ተፈላሊኻ ዘይኮነ ሓደ ሃገራዊ ጥምረት ምስ ዝህልወካ ጥራሕ እዩ ዝረጋገጽ።
ዜግነት ኣብ ኣውራጃ ወይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ኣይምርኮስን እዩ። እዚ ማለት ግን ብሄራት መንነቶም ካብ ምዕባይ ክሕረሙ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ መንቀሊኦምን ዕላመኦምን ንሃገርነት ብምንእኣስ ኣውራጃታቶምን ብሄራቶምን ልዕሊ ሃገር ናብ ምስራዕ ገጾም ክጎዓዙ ኣይግባእን። ። ነቲ ሃገራዊ መንነቶም እዮም ዝያዳ ክኾርዕሉን ክሕበንሉን ዝግባእ። ምኽንያቱ ንሱ እዩ ምልክትን ሕላገትን ህላዌ ስምርቲ ሃገረ ኤርትራ ዘውሕስ።
ብኣንጻር እዚ ክንጓዓዝ እንተፈቲና፡ ማለት ከምዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ብምኽንያት ወይ ምስምስ ናይ ምዕቃብን ምምዕባልን ባህልን ካልእ መለለይን፥ መሰል ብሄርን ሃይማኖትን ሎሚ እምበር ጽባሕ ፈትዩ ዝዕድለካ የለን እናተባህለ ካብ ክውንነት ወጻኢ ምኻድ ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይኮነን። መሰል ነፍሲ ወከፍ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖ ወይ ባህሊ ዝኸበር፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብዝሕንጽጾ ቅዋም እምበር በበይንኻ ብዝፍጠር ቁንጹብ ሕጊ ኣይኮነን። ስለዚ ቆላሕታና ከመይ ጌርና ስልጣንን ጸጋታት ሃገርን ማዕረ ዘካፍል ቅዋም ወኒና ብሰላምን ስኒትን ንነብር ናብ ዝብል ክኸውን ይግበኦ።
ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ብቶማስ ማግንሶን ናይ ዝቐረበ መደረ ትርጉም
Thursday, 29 September 2016 13:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2016
ብሽወደናዊ ናይ መሰል ተሓላቒ ቶማስ ማግንሶን ናይ ዝቐረበ መደረ ትርጉም
ኣብ ቅድሚ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ በዓልን ዋዕላን ቀሪበ ቃል ንምሃብ ዕድል ምርካበይ ዓሚቚ ኲርዓት ይስመዓኒ። እሕዋት፥ ብዛዕባ ኤርትራ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ክነግረኩም ኣይክእልን እየ። ዝህቦ ርእይቶ ናይ ወጻእተኛ እዩ።
ኣነ ምስ ስደተኛታት ኣብ ሽወደንን፥ ኣብቲ ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ገለ ሓደስቲ ምጻእ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎ ናይ ውህደት (integrity) ማእከል ከም ስቪል ኣገልጋሊ ዝሰርሕን፥ ከም ማሕበራዊ ደሞክራት ነቲ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ናይ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሽወደን ናይ ጉተንበርግ መራሕን፥ ከምኡ እውን ንምሉእ ህይወተይ ናይ ሸወደን ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ንጡፍ ኣባል ዝነበርኩን፥ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ናይ ሰላም ቤት ጽሕፈት ንብዙሕ ዓመታት ዝሰራሕኩን ቃለይ ከቕርብ እየ።
ከም ወጻእተኛ ኮይነ ክዛረብ፥ ኣፍልጦይ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምስቶም ኣብቲ ብባይቶ ጉተንበርግ ዝካየድ ናይ ማእከል ውህደት ዝመጹ ሓደስቲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብምስራሕ ዝረኽቦ ሓበሬታ መሰረት እዩ። እቶም መንእሰያት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣቃሊዖም ካብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ርሒቖም ዑቕባ ንምድላይ ካብቲ ስርዓት ንኸምልጡ ዝገበረ ጭካኔ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝምልከት ብዙሕ ምስክርነት ሰሚዐ።
ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሽወደን ዝተቐመጡ ኤርትራውያን ነቶም ሓደስቲ ብዛዕባ ሽወደን ናይ ምልላይን ምትሕብባርን ከምኡ እውን ምምሃርን ኣድላዪ ፍልጠትትን ማዕዳን ኣብ ምስናቕ ንኡድ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለዉ መማህራን፡ ሓደ ካብኣቶም ጸሃየ ቀለታ ዝርከብዎም መሳርሕተይ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣለዉኒ።
ይኹን እምበር እቲ ኣገዳሲ ኣፍልጦ ካብቶም ሓደስቲ ሰደተኛታት ዝወጽእ ዛንታ እዩ። እቲ ዛንታ ከኣ ብዛዕባ ጭካኔን፥ ስቓይን፥ ንህይወቶም ኣስጋኢ ዝኾነን፥ ዛዕባ እዩ።
እቲ ጭብጥታትን ሓበረታትን ብዛዕባ እታ ገና ኣብ ልቦም ዘላን፥ ንድሕሪት ዝገደፍዋ ኤርትራ እዩ። እቲ ዛንታታት እቲ ካብቲ ዝዓነወ ህይወትን ንኽትኣምኖ ዘይካኣል ስቓይን እዩ።
እቶም ዝረኽቦም ዝነበርኩ ናይ ኤርትራ ስደተኛታት ከኣ ካብቲ ወተሃደራዊ ኣገግሎትን ካብቲ ኣገባባት ጭካኔ ናይቲ ስርዓት ኤርትራ ንኸምልጡ ዕድል ዝረኽቡን፥ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን ወይ ካልእ ቦታ ከይተታሕዙን ብዝይ ዝኾነ ይኹን ናብ ካልእ ንኽቕጽሉ ዕድል ዘይረኸቡን፥ ካብቶም ነጋዶ ደቂ ሰባትን ፥ ኣብ ሊብያን ግብጽን ኢስራኤልን ናይ ዑቕባ ምዝመዛን ከምኡ እውን ካብ ክትኣምኖ ዘጸግም ግፍዒ ዘምለጡን፥ እቶም ንኤውሮጳ ገጾም ከምርሑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘይጠሓሉን ዘይሞቱን፥ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዳግማይ ህንጸት ህይወቶም ዝጅምርሉ ናይ ሰላም ቦታ ዝተዓደሉ ጥራሕ ከም ዝረኽብኩ ብርግጽ ይፈልጥ እየ።
ኩሉ እቲ ዝሰማዕክዎን ዝፈልጦን ገለ ክንገብር ከም ዘድሊ እዩ ዝሕብር። ንሱ ከኣ ነቲ ዝበዝሐ ካብ ኤርትራን ካልእ ቦታታትን ዝመጽእ ህዝቢ ኣብ ኤውሮጳ ሓዲሽ ህይወት ንኽጅምርን፥ ትምህርቲ ክረክብን፥ ክሰርሕን ንነፍሱ ክኽእልን ቁስሉ ክሕውን ዕድል ምሃብ እዩ።
ኤውሮጳ ተቐባሊት ስደተኛ ምዃና ንምውሓስን፡ነቲ ብናይ የማናይ ክንፊ ፖለቲከኛታት ዝምዝመዝ ናይ ጽልኢ መንፈስ ንምስዓርን፣ ንሕና ኤርትራውያን፡ ጀርመናውያን፡ ሽወደናውያን ወዘተ - ሓቢርና ብምስራሕ ንሓደስቲ ስደተኛታት፣ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ትምህርትታት፡ ኣብ ናይ ቋንቋ ትምህርትን ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ተቐባልነት ረኺቦም ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዝሕወሱ ኣብ ምግባር ክንዕወት ይግባእ።ስደተኛታት ብመሰረቱ ንሰብ ከጸግሙ ኢሎም ኣይኮኑን ኣብ ስደት ወዲቖም ... ንኤውሮጳ ዝመጹ....
ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኩሉ ዝከኣልና ምእንቲ ክንሕግዝ ኣብ ጉተንበርግ ሓደ ሓዲሽ ውድብ ‘’ኤርትራ ኣብ ልብና’ ኢልና እንሰምዮ፥ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ምሕዝነት ዝብል ማሕበር ኣቑምና ኣሎና። እዚ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ብዛዕባ እወንታዊ ተዘክሮታት፥ ባህሊ፥ ሙዚቃን ህዝብን ኤርትራ ንምሕባር ዝብል ሓሳብ እዩ። እዚ ማሕበር እዚ ንኹሎም ኤርትራውያን ግን ከኣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተገዳስነት ዘለዎምን ክፉት እዩ።
ኣሕዋት፥ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ርእይቶይ ክገልጽ እንከለኹ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝቕረጽ ስእሊ ካብቶም ሓደስቲ ስደተኛታት ዝመጹ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ካብ ካልኦት ሰባት ከም ጸሃየ ቀለታ ካብ 1990ን ቅድሚኡን ዝነበረ ናጽነታዊ ቃልሲ ኣትሒዘ ዝፈልጦ እውን ዝምንጩ እዩ። እቶም ዝኣምኖም ሰባት ንዓይ ስለምንታይ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተጠልመ ፥ ነዛ ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ንምቕራጽ መሰልኩም ከመይ ከም ዝተዘምተን ንኸርዳእ ሓጊዘሙኒ።
እዚ ዋዕላ እዚን ዝሓለፉ ዋዕላታትን ኣብዚ ኣብ ፍራንክፈርት፥ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲን ናብ ሰብኣዊ መሰልን ሰላምን ናብ ግዝኣተ ሕግን ንምምላስ ዘገልግል ዕላማ ምዃኑ ይረደኣኒ እዩ። ስለዚ ናብቲ ክብርታት እቲ ንምብጻሕ ሓባራዊ ቃልስን፥ ሰፊሕ ምትሕብባርን ዝብል ጭርሖ ናይዚ ኮንፈረንስ እዚ፥ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ስለዝነበረ ይሕግዞን ይድግፎን እየ።
ኣሕዋት፥ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ሸወደንን፥ ካብ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ጉተንበርግን፥ ካብ ኣህጉራዊ ዋና ጸሓፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሰልፊ ስቶክሆልም ኣቶ እንድሪነ ዊንተር ሰላምታ ነታ መሓዛ ዝኾነት ሰልፊ፥ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ዋዕላ የቕርብ።
ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሽወደን ነዚ ቃልስኹም ንምሕጋዝ ብዙሕ ክገብር ይኽእልዶ? ርእይቶታትኩም ንምስማዕ ክፍትን እየ። ከምኡ እውን ዝኾነ ይኹን መልእኽቲ ካባኹም ንሰልፈይ ኣብ ሽወደን ክተቕርቡን ክገብሮ ዝኽእል ክገብርን በዘሎኒ ውሱን ዓቅሚ’ውን ይኹን ንኩነታት ኤርትራ ናይ ሓገዝን ቆላሕታ ንምርካብን ኣድላይነቱን ዝያዳ ንምብራህ ከበርክት እየ። ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ደምክራሲ ሰልፍታት ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑ ይሓስብ እየ።
ደሞክራስያዊትን ናጻን ኤርትራ ምህናጽ ምስ ዝዕላማኦም ገስገስቲ ኤርትራውያን ሓባርዊ ቃልስን ሓቢርካ ምቅላስን። ከምኡ ኣውን ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘርከቡ ማሕበረ- ደሞክራስያውያን ምድግጋፍን ሕድሕድ ምትብብባዕን ሓቢርካ ምቅላስ።
ኣሕዋት፥ ምስ ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ከም ዝፋለጥ ኣቐዲመ ሓቢረኩም ነይረ። ገለ ካብኦም ኣቐዲመ ካብ ግዜ ናጻነታዊ ቃልሲ ዝፈልጦምን ገሊኦም ከኣ ካብቲ ሽዑ ኣትሒዙ ዝጀመረ ዕርክነትና ጌና ይቕጽል ኣሎ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ተራኺብና ዝተፋለጥናን ንግንቦት 1991 በዓል ናጽት ኤርትራ ሓቢርና ዝብዓልናን ኣነ ብዘይተጸበኹዎ ዝተለወጡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ጉተንበርግ ኣለዉ። ብዛዕባቶም ደግፈቲ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ስርዓት ኢሰያስን ይዛረብ ከምዘሎኹ ርዱእ እዩ።
ብግልጺ ንምዝራብ እቶም ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ ደሞክራሲያዊት ሸውደን ዝቕመጡን፥ ብሓያል ስምዒት ንናጸነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝድግፉ ዝነበሩ፥ ሎሚ ከመይ ኢሎም ነቲ ገፋዒ ስርዓት ደገፍቲ ምዃኖምን፥ ከመይ ገይሮም እዮም እቶም ኤርትራውያን ነቲ ርኡይ ዝኾነ ነገራትን ሓቅታትን ዝነጽጉ። ነቲ መዓልታዊ ኣብ ሸውደን ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ዝበጽሕ ዘሎ ምስክርነትከ ከመይ ኢሎም ሸለል ይብሉ ክርዳእ ኣይከኣልኩን።
ገለ ካብቶም ነጸግትን፥ ኣዕሩኽ ጭቆናን፥ ናይቲ መላኽን ሕገ-ኣልቦን ኣብ ከተማይ ጉተንበርግ ከለኹ ድሮ እቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተተጋህደሉን ኣብ መጠረስታ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ምብጽሓ፥ ሓጎሶምን ደስትኣምን ስለ ዝተኻፈልክዎ እየ ክፈልጦም ዝኸኣልኩ። እቶም ሰባት እቲኦም ግን ካብቲ ናይ ደሞክራስን ናጽነትን ኣፈኛታት ዝነበርዎ ኣላጊሶም ሎሚ ደገፍቲ ናይ ዘይደሞክራስን ናይ ናጽነት ኣልቦን ክኾኑን ክከላኸሉሉን እንከለዉ፥ እቲ ናብ ከምዚ ክልውጦም ዝተጓዕዝዎ ኣገባብ ብግልጺ ወይ ብጋህዲ ክርደኦ ኣይከኣልኩን። ክገልጹለይ ሓቲተዮም እንተኾነ ዋላ ሓደ እኳ ዝምልሰለይ ኣይረኸብኩን።
በቲ ናይ ሞያይ ህይወት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዙሓት ስደተኛታት ረኺበ እየ። ክመኡ ኣውን ኩሉ ግዜ እታ ዝረካቦም ዝሸጡን፥ እዚኦም ከኣ ተመሊሶም ናብቲ ሰደተኛ ክኾኑ ዝገበረ ስርዓት ጸብጻብ ብምሃብ ገንዘብ ዝድልቡን፥ ናይ ንሰደታኛ ኩነታቶም ተጠቒሞም ገበነኛታት ዝኾኑን፥ ነቲ መላኺ ዘገልግሉን ሰባት ኣለዉ። ከምዚኦም ዓይነት ኣብ ኩሉ ጉጅለታት ኣለዉ። ገለ ካብኦም እውን ስደተኛ ንምስላይን ናብ ኤውሮጳ ዝለኣኹ ሰባት ኣለዉ። ይኹን እምበር ከምዚ ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቓልዕ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝድግፉን ወላ ውን ነቶም ሓደስቲ ሰደተኛታት ዝጠልሙን፥ ኣንጻሮም ዝሰርሕሉን ኩነት ካብ ካላኦት ስደተኛታት ፈጺመ ርእየ ኣይፈልጥን።
ኣሕዋት፥ ኣ.ጀ. ሙስተ (ኣብ 1885-1967) ሰላማውን ሰውራውን ዝነበረ ኣመሪካዊ፥ ሓደ ግዜ እቲ ሽግር ወይ ግድል ድሕሪ ውግእ ኩሉ ግዜ ምስቲ ዝሰዓረ እዩ። ካብቲ ዝህቦ ትምህርቲ ይቐስም። ግንከ ናይ 2015 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝርርብ መሰረት ‘’ ናይ ፍርሒ ልጓም ብስልታውን ልዑል መጒዳእትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝገበሮ ጸቕጢ ናብ ገበኛ ኣንጸራ ሰባውነት ዝዳረግ ‘’ ታሪኽ ንኢሳያስ ከረኻኽበሉ እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህልዊ ስርዓት ዝኸይድ ዘሎ፥ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝርርብን፥ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሾናልን፥ ወዘተ ዝኣክል ጸብጻብ ስለዘሎ ኣብ ዓለም ዘይፍለጥ ኣይኮነን።
እንተኾነ እቲ ዝያዳ ናይ ስደተኛ ምንጪ ኩነታት ኮይኑ ዘሎ ግርጭት ከም ናይ ስርያ፥ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያ፡ ቱርክን ፈለስጥኤም-ኢስርኤልን፡ ካልኦት ኣብ ሽግር ዘለዋ ሃገራትን፥ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሃን ብብዝሒ ዝዝርጋሕ ሓበረታ ካብቲ ናይ ኤርትራ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝወሃቦ ዘሎ እዩ። ካብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ በቐጻሊ ዘካየድ ጭቆና ንላዕሊ፥ እቲ ጸብጻብ ኣብዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ዘሎ ኩነታት ውግእ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ንኽቐርብ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።
እቶም ኣብዚ ፈስቲቫልን ዋዕላን ዝተረኸብኩም ንኩነታት ሃገርኩም ንዓለምን፥ ነቶም ዝምልከቶም ዜጋታትን፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝርከቡ ሰውራውያንን ንምንጋር ኣገዳሲ ዕማም ከምዘለኩም ትፈልጡ ኢኹም። ከም ተተግብርዎ ይፈልጥ እየ ኣብ ርእሲኡ ንዓለም ብቐጻሊ ክትገልጹ ከተባብዓኩም እደሊ።
ኣሕዋት፥፡ ከም ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ናይ ስደተኛታት ሰራሕተኛ፡ ማሕበራዊ ደሞክራትን ናይ ሰላም ተንቀሳቓስን ወጻእተኛ ኮይነ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ።
ኣብ ጉተንበርግ ካብ ዝርከብ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ሰላምታ ይብጸሓልኩም። ኣነ ገና ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኣብ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ይነጥፍ ነይረ። ከምኡ እውን ናይቲ ብ1882 ዝጀመረ፡ ዝዓበየን ገዲምንን ጌና ውን ኣብ ዓለም ዝቕጽል ዘሎ ናይ ሰላም ውድብ፡ ኣብ ሸወደን ናይ ሰላም መንጎኛ ህብረተሰብ ኣቦ መንበሩ ኮይነ የካይድ ነይረ። ከምኡ እውን ንሸውዓተ ናይቲ ኣህጉራዊ ናይ ሰላም ቤት ጽሕፈት መርበብ ኣብ መላኣ ዓለም ዝርከብን ልዕሊ 70 ሃገራትን 300 ኣባላትን ዘለዎ ውድብ ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ኣቦ መንበር ነይረ።
ሰላም ናይ ህይወተይ ተልእኾ እዩ። ኣቐዲሙ ኣብ ግዜ ናይ ትምህርቲ ዓመታተይ ምስ መጻሕፍትን ፍልስፍናን ኣብ ሰላም ምስ ዝነጥፉ ርክብ ነይሩኒ። ብዛዕባ ናይ ሰላምን ውግእን ቃልሲ ንናጽነትን ደሞክራስን ኣተሓሳስባይ ሕጽር ዝበለ ክነግረኩም ይደሊ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ትምህርቲ ዕድመይ ዝነበረ ቀንዲ ተዋሳእይ ማርቲን ሉተር ኪንግ መራሒ መሰል ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ እዩ። ብዛዕባኡ መጻሕፍቲ ኣንቢበን ብድምጹ ዝተቐድሐ ፍሉይ መደረኡን ከምኡ እውን ገለ ካብ መደረታቱ ብዕምቘት ተመሂረ።
ማርቲን ሉተር ኪንግ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጡ ጸለምቲ ማህበረሰብ ፥ ብማዕረ ናይ ምክንኻን መሰል ዝቃለስ ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነ መስል ምስቶም ዝበዝሑ ጸዓዱ ዝርከብዎ ቤት ትምህርቲ ክሳተፉን ኣብ ናይ ህዝቢ መመላለስቲ ኣውቶቡሳት መሰል ኣብ ዘደለዮ ኮፍ መበሊ ኮፍ ክብሉ መሰል ክህልዎም። እዚ ከኣ እዩ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣውራ ዝፍለጠሉ።
ከምኡ ኣውን ናይቲ ብኣመሪካ ንቬትናም ካብ ኮሙንስቲ ምክልኻል ዝብል ምስምስ ኣንጻር ናይ ናጽነት ቃልሲ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ፥ ድምጹ ምስታ ሓንቲ ንእሽቶ ካብ ኣመሪካ ርሒቃ ትረከብ ሃገር እዩ ዝነበረ። ማርቲን ሉተር ኪንግ ነዚ ጉዳይ እዚ እቶም ጸለምቲ መነእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውግእ ንኸገልግሉ ተባሂሉ ከም ዝተነድፈ እዩ ዝርእዮ። ኮይኑ ግን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብምኽንያት ሕብሪ ቆረበቶም ስራሕ ይኹን ትምህርቲ ተነፊግዎም እዩ። ስለዚ ስለምንታይ እዮም ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣንጻር ካልእ መንእሰይ ዝዋግኡ፣ ምናልባሽ ውን እቲ ንገዛእ ርእሶም ኣካል ምዃኖም ስምዒት ስለዘይብሎም፥ ወይ እውን እቲ ብዘይ መሰረታዊ መሰላት ኣብ ሃገሮም ብምንባሮም ኣብ ውግእ ንኸገልግሉ ዝተነድፈ ክኸውን ይኽእል። ማርቲን ሉተር ኪንግ ብዛዕባ እቲ ኣመሪካ ኣብ ቬትናም ይኹን ካልእ ሃገራት ተካይዶ ዝነበረት ውግኣት ክሓትት ጀመረ።
ኣብ ማርቲን ሉተር ኪንግ ምንባብን ስለምንታይ ንናጽነትን ንሰላምን ምቅላስ የድሊ ኢልካ ምሕሳብን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ነይሩ። ሰላም ብዘይ ናጽነት፥ ናጽነት ከኣ ብዘይ ሰላም ክህሉ ዘይክእልን ምዃኑ ዝፈለጥኩ ብዛዕባ ናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምንባበይ እዩ። ከምኡ እውን ሰላም ማዕረ ደሞክራሲን፥ ማዕረ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።
እቲ ኣዝዩ ግሉጽ ዝኾነ ናይ ደቂ ሰባት መሰል ብሰላም ናይ ምንባር መሰል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ብሰላም ክነበር እዩ ዝደሊ። ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን መበገሲ ነጥቢ ኣልዒልና ክንመያየጥ ዝከኣል እዩ ዝመስለኒ።
ከም ምብዛሕታኦም ልሉያት መራሕትን ናይ ሰላም ምንቅስቃስ ኣፈኛታትን ፖለቲካዊ ዕላማ ንምፍጻም ዓመጽን፣ ጥበንጃ፥ ምጥቃም ሓደጋ ከምዘለዎ ይኣምን እየ። እዚ ግን ብረት ንነፍሰ ምክልኻል ይጻረር የሎኹን፥ ግንከ ኣብ ኣእምሮናን ኣተሓሳስባን መናእሰይ ንዓመጽን ወተሃደራዊ ኣገባብ ኣቢሎም ዕላምኦም ንኸተግብሩ ዝምልመሉ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ክህብ እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣሎና። እቶም ውልቀሰባት ምሉእ ተረድኦ ዘይውንኑን ወይ ምስቲ ዕላማ ዓመጽ ናይ ምጥቃም ዝሰማምዑን ፍልይ ዝበለ ሓደገኛ እዩ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዓመጽ ናይ ምጥቃም እናዛየደ ኢና ንዕዘብ ዘሎና። ግበረ-ሽበራዊ ተግባራት ብዙሕ ኣድህቦ ይረክብ። ግን ከኣ ሓፈሻዊ ዓመጽ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሓፈሻዊ ዓመጽ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እናወሰኸ እዩ።
እቲ ዝበዝሐ ውሽጣዊ ጎነጽ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልእ ምዕራባውያን ሃገራትን ብገዳይም ነባር ወተሃደራት እዩ ዝካየድ። ከምኡ እውን ገለ ወተሃደራት ሽወደን ኣብ ኣፍጋንሲታን ክዋግኡ ጸኒሖም ናብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላስ፥ እቲ ስለምንታይ ኣርሒቖም ከይዶም ኣብ ውግእ ምእታዎም ከም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ክርደኦም ዘይከኣለ ናይ ሓንጎል ህማም ኣሕድሩሎም እዩ። ኣብ ሃገሮም ድሕሪ ምምላሶም ኣንጻር ገዛእ ስድራ ቤቶም፥ ኣንስቶምን ደቆምን ዓመጽ ኣዘውትሮም እዮም። መንእሰያት ዓው ኢሎም ዝጨደሩ ፈትውቶም ኣጥፊኦም። እዚ እውን ኣብተን ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝረአ ዘሎ ኩነታት እዩ። ኣብ መንጎ እቲ ዘቤታዊ ዝውስኽ ዘሎ ዓመጽን ኣብ መንጎ እቲ ብብዝሒ እናዛየድ ዝኸይድ ዘሎ ኤውሮጳውያን ዝሳተፍኦ ዘለዋ ውግኣትን ንጹር ምትእስሳር ኣለዎ።
ብተመሳሳሊ ብብዝሒ ሰደተኛታት ካብ ናይ ውግእ ዞናታት ናብ ኤውሮጳን ሸወደንን ዝመጹ፥ ብተግባር ኣካል ናይቲ ውግእ እውን ዝነበሩን፥ ዝኾነ ይኹን ጽቡቕ መንገዲ (ጉዕዞ) እንተነበሮ፥ እቶም ሰባት ማህሰይቲ ናይ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን እምነትን ነይርዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብሰድተኛታት ዝተፈጸመ ቀታሊ ዝኾነ ዓመጽ በቶም ናይቲ ተመክሮ ውግእ ዝነበሩ ናይ እእምሮ ሕማም ዘሕደረሎም እዮም። ካብቲ ዝለዓለ ሓደጋ ናይ ዓመጽ ምጥቃምን ኣካል ናቲ ተግባራዊ ዓምጽ ካብ ምዃንን ክንጥንቀቕ የድሊ፥ ምኽንያቱ ናይ ደቂ ሰባት ኣእምሮ ሰላማዊ ስለዝኾነን ዓመጽ ምጥቃም ክዓኑ ስለ ዝግበኦ።
በዚ ምኽንያት ኣገባብ ዘይዓመጻዊ ተቓውሞ ንምምሃርን ምምልማልን ብዘይ ዓመጽ ንምቅዋም ምስልጣን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ስነፍለጠት ኮይኑ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት እቲ ህዝቢ ኣብ ረብሻ ዝሳተፍን ንናጽነትን ንዲሞክራስን ዝቃለስን ዝጥቀመሎም ኣገባባት እዮም። እዞም ኣገባባት እዚኦም ሰላማዊ ሰልፊ፥ ተቓውሞ፥ ክትትልን ዝያዳ ዝማዕበለ ኣገባባትን እቲ ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ክሳብ ክደናይ ጨካን ይኹን ዝምርኰሰሎም ደገፋት ካብ ዜጋታቱ ንምስሓብ ዘጠቓለለ እዩ።
ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኖርዋይ ብጀርመን ተጎቢጣ ዝነበረትሉ ናይ ናዚ ክለሰሓብ ኣብ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ከተኣታትዉ ዝደለዩ ሓደ ኣብነት እዩ። እቲ መምህር ነቲ ስርዓተ ትምህርቲ ከተኣኣታቱ ኣይደለየን፥ ኣብ ክንድኡ ግን ብቐሊሉ ነቲ ናዚ ዝጽበዮ ዝነበረ ኣስተምህሮ ምሃብ ነጺጉ። እዚ ክሳብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣውን ካሳብ መቕተልቲ ዘምርሕ ናይ ሓፋሽ ተግባር ብምውዳብ ምስ መማህራን ኣብ ኩላ እታ ሃገር መልእኽቲ ብምጽሓፍን ኣብ ከመይ ንምግባርን እንታይ ንምንጋርን ዝብሉ ኣሽሓት ሕቶታት ብምሕታትን ንናይ ጀርመን ገዛእቲ ነዚ ዓሻ ዝኾነ ሕቶታት ንምምላስ ንወርሓት ዝኣክል ተጸሚዶም ከለዉ እቲ ትምህርቲ ግን ከም ቀደሙ ይቕጽል ነበረ። እቲ ምምህር ከምዚ ንምግባር ፈጺሙ ኣይነጸገን እንታይ ደኣ እቲ ትእዛዝ ከምዘይተረድኦ ጠለብ ብምቕራብ ኣብ ሕቶታቱ ቀጸለ።
ማህተማ ጋንዲ ናይ ህንዲ ዝበሎ ንሰላምሲ መገዲ የብሉን እቲ ሰላም እዩ እቲ መገዲ። ብሰላም ንምንባር እንተደለኻ ብሰላም ተንቀሳቐስ ወይ ኣተግበር።
ኣሕዋት፥ ሽወደን ን200 ዓመታት ዝኣክል ወጻኢ ካብ ውግእ እያ ነይራ። ነዚ ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ሰላማዊ ታሪኽ ሽወደን መእተዊ ክህበኩም እየ። ከመይ ኢሉ እዩ ክኸውን ዝኸኣለ? ሽወደን ኣብ ዘየቋርጽ ውግኣት ዝተሳተፈትን፥ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ግርጭት ዝነበራን ንንውሕ ዘበል ግዜየ ወይ ብውሑዱ ካብ 16 ክሳብ 19 ክፍለ ዘመን ዝሰመረት ሃገር ኮይና ዝጸንሐትን፥ ከምይ ኢላ እያ ካብዚ ኩሉ ውግኣት ወጺኣ ክትቅየር ዝኸኣለት።
ኣብ 1814 ግን ተቕይሩ። ዝሓለፉ 200 ዓመታት ሸወደን ኣብ ንግስነትን እቲ ዝበዝሐ ስልጣን ኣብ ሓደ ውልቀሰብ ተኾሚሩ ዝነበረሉ እዋን እያ ነይራ። እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኣሪጉ፥ ነቲ ዝፋን ወይ ዘውዲ ዝወርስ ውላድ ስለዝነበሮ፥ ኣብ 1814 ድሕሪ ሞት እቲ ኣረጊት ንጉስ ሓዲሽ ንጉስ ዝኸውን ንሓደ ጎበዝ ፈረንሳዊ ሰብ ሸውደን ንኽመጽእ ኣእሚኖም ነበሩ። እዚ ፈረንሳዊ እዚ ወተሃደርን ኣብ ናይ ናፖለዮን ሰራዊት ዝመርሐን ምንባሩ፥ ኣቶም ናብ ሽወደን ንኽመጽእ ዘእምንዎ በቲ ዘለዎ ወተሃደራዊ ዝና ንናይ ሽወድን ንግስንት ዘድሊ ባእታ እዩ ዝብል ሓሳብ ነይርዎም።
ነገር ግን ጃን ባፕቲስተ በርናዶተ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ሽውደን ድሕሪ ምምጽኡ እዩ ሽወደን ድኻ ሃገር ምዃና ዝተረደአ። ሽውደን ብወተሃደራዊ ሓያልነታ ኣብ ኤውሮጳ ክትቅጽልን ንካልኦት ሃገራት ክትስዕር ወይ ግዝኣታት ክትምስርት ዕድል ኣይነበራን። ስለዚ እዚ ወተሃደር ጃን ባፕቲስተ በርናዶተ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብመጀመርያ ከኣ ቀንዲ ጸላእቲ ሽወደን ዝነበራ ደነማርክን ጀርመንን ናይ ሰላም ስምምዕ ገበረ። እቲ ኣብ 1814 መጠርስታ ምስ ኖርወይ ዝተኻየደ ሓጺር ውግእ ከኣ ብናይ ሰላም ስምምዕ ኣብታ ዓመት ኣቲኣ ተበጽሐ።
ካብዚ ንደሓር ሽወደን ነቲ ብግብሪ ዝውህለል ዝነበረ ገነዝብ ናብ ምህናጽ ወተሃደራዊ ሓይሊ ፈጺማ ኣየጥፈአትን።
ኣብ ክንድኡ፥ ጌና ሽወደን ድኻ ሃገር ዝነበረትሉ፥ ሽወደናዊ ወዲ ይኹን ጓል ምዝጸሓፍን ምንባብን ተማሂሮም። እዚ ከኣ እቲ ንኹሎም ህጻናት ናጻ ትምህርቲ ዝብል ኣብ 1842 ዝተገብረ ጽገና ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ሽወደን ታሪኽ ነበረ።
ብምኽንያት ዝነበረ ናይ ድኽነት ሃዋሁ ኣብ ሽወደን፥ ሓደ ሚልዮን ሽውደናውያን ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንጎ 1850ን 1950 ተሰዲዶም። ህዝቢ ሽውደን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጽቡቕ ተግባራት እዮም ገይሮም። ምኽንያቱ እቶም ድኻታት ስደተኛታት ሽወደናውያን ክንብቡን ክጽሕፉን ዝነበሮም ትምህርቲ ምስቶም ካብ ኤውሮጳ ዝመጹ ካልኦት ህዝቢ ብምምዝዛን ዝሓሸ ዕድል ነይርዎም።
ዝበዝሑ ካብኦም ምስ ሃብቶ እዮም ናብ ሽውደን ተመሊሶም፥ ሽዑ ናኣሹቱ ፋብሪካታት ወይ ውን ስራሓት ክጅምሩ በቒዖም። እዚ ከኣ እዩ ፈላሚ ናይ ሽውደን ኢንዱስትርያ።
ሽውደን ካብተን ክልተ ዓበይቲ ውጋኣት ኤውሮጳ ናይ መበል 20 ከፍለ ዝመን ዝተኻየደ ቀዳማይን ካላኣይን ኲናት ዓለም ወጻኢ ክትከውን ክኢላ። ኣብዚ ግዚ እዚ እተን ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ዓንየን ኣብ ዝነበራሉ ናይ ሽውደን እንዱስቲሪ ግን ከምዘለዎ ስለዝጸንሕ ከፍርን ክሸይጥን ክኢሉ። ኣብ ክንዲ ውግእ ድሕንነት ዝብል ንሽወደን ካብ ውግኣኣት ወጻኢ ክትከውን ዝገበረ ፖሊሲ ምላድ ናይ ሽውደን ስርዓት ድሕነት ኣረጋገጸ።
ናይ ዘይሻራነት ፖሊሲ ሽወደን እውን ንሸወደን ኣብ ብዙሕ ናይ ግርጭታት መንጎኛ ክትከውንን ከምኡ እውን ከም ኣብነት ኣንጻር ዓሌትነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቃለሱን፥ መሰል ህዝቢ ፈሊስጤምን፡ ኣንጻር ድሌት ናይቶም ልዕለ ሓያላን ክትሕግዝ ናይ ናጻ ግደ ክትጻወት ክኢላ እያ። ሽወደን በቲ ውሩይ ኣፈኛ ጠቕላል ሚኒስትራ ኦሎፍ ፓልመ ኣቢላ ንብዙሕ ዓመታት ሓደ ኣገዳሲ ገደ ከም ናጻ ድምጺ ኣብ ናይ ዓለም ናይ ብረት እገዳን ኣንጻር ኑክለራዊ ኣጽዋርን፥ ናጽነት ካብ ጭቆና ዝብል ድምጺ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ።
ኣሕዋት፥ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተመስረተ መሪሕነት እዩ ዘለዋ። ውተሃደራዊ ሓይሊ ንምክልኻል ግዳማዊ ጸላእን ምግባሩ እዩ ዝጠቅም። ብተወሳኺ ናይ ሓንቲ ሃገር ወተሃደራዊ ሓይሊ፥ ከምዚ ናይ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእ ህዝባ ክትጥቀመሉ ይረአ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ናጽነት በጺሕኩም። እቲ ዝቕጽል ዕማም ከኣ ናጽነት፥ ደሞክራሲ፥ ሰላምን ሰባኣዊ መሰላትን ምርግጋጽ እዩ።
ንኹልኹም ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ እትገብርዎ ሓባራዊ ቅልሲ ዓወት ይመነየልኩም። ከም ዝመስለኒ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተመስረተ መሪሕነነት ርኢኹም ኢኹም። ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ክብርታት ናጽነት፡ ደሞክራሲ፡ ሰላምን ሰብኣዊ መስላትን ብቕልጡፍ ኣብ ንምህናጽ ክትበቕዑ ይትስፎ።
ድሕንነት ኣብ ክንዲ ውግእ
ቶማስ ማግኑሶን
13-08-2016
ፍራንክፈርት ጀርመን
Harnnet Tigrinia Magazine Issue 51
Thursday, 29 September 2016 07:47 Written by EPDP Information Officeኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ፡ ቃልስና ኣንጻርቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብና ዝብድል ዘሎ ዓለም’ውን ዝፈለጠቶ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ። እቶም ነዚ ኣብ ዝምልከት ንጽሕፍ ንሕና ተቓወምቱ ጥራይ ዘይኮና ደገፍቱ’ውን ብዛዕብኡ ዝብልዎ ኣለዎም። ንሕና ተቓወምቲ ብርዕን ልሳንን ናይቲ ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ክጽሕፍን ክዛረብን ዘይከኣለ ህዝቢና ኮይና ነቃልዕ። ደገፍቲ እቲ ስርዓት ድማ ንኣውያት ህዝብና ጸማም እዝኒ ሂቦም ደሓር ጣዕሳኡ ብዘይወጸሎም ግዝያዊ ረብሓ ተሳዒሮም፡ ነቲ ባዕሉ ጸረህዝብነቱ ዘረጋገጸ ጉጅለ “ናይ ህዝቢ ሓላዪ” ኣምሲሎም ከቕርብዎ ሒዅ ይብሉ።
ኣብዚ እዋንዚ ዝተወሰኑ ወገናት እቲ ቃልሲ ክኸውን ዝግበኦ፡ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ ዘይኮነስ ኣተዓራሪና ምርሓና ምባሉ’ዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ከተሓላልፉ ንዕዘብ ኢና። እዚ ፍተነ ብፍሉይ ዓይኒ ዝረአ ካብቲ “ተቓዋማይ እየ” ክብል ዝጸንሐ ከባቢ ዝቕልቀል ምዃኑ እዩ እምበር ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ ንጉጅለ ህግደፍ ምድጋፍን “ኣንታ ንበረለይ” ምባልንስ ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ዝፈልጦ ተዓዘብቲ እውን ዘረጋገጽዎ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ፊን ብዘበሎ ረጊጹ ዝመርሕ፡ ንሰባት ብዘይ ሕጊ ዝኣስር፡ ንእሱራት ምስ ቤተሰቦም ዘየራኽብ፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩ ዘይሕብር፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ዘይብይን፡ ቁጠባ ሃገር ዝግብት፡ ንዜጋታት ብዘይክፍሊት ዝምዝምዝ፡ ናጽነት እምነትን ካለኦት መሰላትን ዝግህስ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘበን “ናይ ተኲስካ ቅተል” ጨካን ፖሊሲ ዘተግብር፡ ሳዕቤናቱን ሕጋውነቱን ብዘይምምዛን ካብ ተመኩሮኡ ብዘይምምሃር ሓሓሊፉ ውግኣት ዝኸፍት’ሞ ዘሕፍር ስዕረት ተሰኪሙ ህይወት ዜጋታቱ ዘጥፍእን ክብሪ ህዝቢ ዘግህስን፡ ኮታ ንሃገር ብሃገራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየረ “መንግስቲ” ምባሉ’ውን ዘጸግም ጉጅለ እዩ። እዚ ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ኣይኮነንዶ ንዓና ንቃለሶ ንዘለና ወገናት፡ ንሱ ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ምስምሳት ደኣ ይውስኸሉ ይኸውን እምበር ይክሕዶ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን።
ነዚ ክውንነትዚ ጓሲኻ ኣጸባቢቕካ ንምቕራቡ፡ ከምቲ ንሱ ዝመርጾ ኣብ ቀደም ንምንባር ግደ እቲ ጉጅለ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ከተኮማስዕ ምንባር ግጉይ እዩ። ኣብቲ ናይ ሽዑ ዘበን ንሕና’ውን ዘይንኽሕዶ ኣውንታ ነይሩ’ዩ። ግና ብናይ ዓሚ ብዕራይ ኣይሕረስን’ዩ። በቲ ካልእ ወገን ነዚ ዘራጊ ጉጅለ ከተርክብ ኢላካ፡ ንመስዋእቲ ኤርትራውያን ጀጋኑ ምእንቲ ናጽነት ምኽሓድ ግቡእ ኣይኮነን። እቲ ጉጅለ ኣብ ጅግንነት ናይዞም ሰማእታት ተሓቢኡ ክነብር ግና ክፍቀደሉ ኣይግባእን። እቶም ነዚ ስርዓት ኣይንተንክፎ ዝዓይነቱ ሓሳብ ዘቕርቡ “ንክዕረስ ግዜ ንሃቦ” ማለቶም እንተኾይኑ ዘገርም እዩ ክኸውን። እቲ ካልእ ገዲፍና ንዝሓለፈ 25 ዓመታት እንተርኢና ጉዕዘኡ ናብ ዓዲ ምዕራይ ዘይኮነስ መመሊሱ ናብ ዓዲ ጸይቅን ምንቁልቋልን ምዃኑ ንርኢ ኣለና። ደሓር ንውጽኢት መጻኢ ዓመታት ኣብ ሎልዘበን ኮይና ክንርኢ ተዘይኪልና ጸገም እዩ። ከምቲ “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ ምቑሎኣ እንከላ ይፈልጣ” ዝብልዎ። ስለዚ እዚ ጉጅለ ድሕሪ ሕጂ ንህዝቢ ዝርህርህ ልቢ ክሰኩዕ ምጽባዩ፡ ኪኖ “ከምቲ ዘለኻዮ ቀጽል” ምባሉ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን እዩ።
ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ከነነጽሮምን ክንጥንቀቐሎምን ዝግበኣና ጉዳያት ኣለዉ። ንውድቀቱ ንቃለስ ኣለና ኢልና መፍቶቱ ምእንቲ ከይንኸውን። ንዕኡ ነቃልዕ ዘለና መሲሉና፡ ንኣበርክቶ ሰውራ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዘይመልክዑ ተሂብና ኣብቲ ሰውራ ተተጣዒስና፡ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ኣብየነይተን ውድብ ብዘየገድስ እንተራኺስና፡ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ነናተን ጽልዋን ታሪኽን ዘለወን እሞ ድማ ኣብ ህዝቢ ቀሪበን “እዚኣ ትውረድ እዚኣ ትሰቐል” ኣብ ዘይተባህላሉ ባንዴራታት ምንእኣስ ኩሉ ካብ ህዝቢ ዘርሕቕን ንረብሓቲ ጉጅለ ዝውዕልን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ደሓር ኣብዚ እዋንዚ ከም ኣጀንዳ ተዘይሓዝናዮ’ውን ኣብ ዘይጐድኣና ጉዳያት ፍልልይ ፈጢርና ኣንጻርቲ ጉጅለ ክስለፍ እንከሎ ዘድምዕ ግዜናን ጉልበትናን ከነባኽን ኣይግበኣናን።
ህልዊ ድኽመታት ተቓውሞ ነዚ ገበናቱ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ጉጅለ ክንመሳሰሎ ካብ ዘገድድ ምኽንያታት ሓደ ኮይኑ ክቐርብ ይስማዕ እዩ። ብርግጽ ድኽምታት ተቓውሞና ክንሓብኦ ዘይንኽእል ግሉጽ እዩ። ድኽመታትና ከኣ ዓቕሚ ካብ ዘይምህላው ዘይኮነስ ነቲ ዘሎ ዓቕሚ ወዲብካ፡ ኣከኣኢልካን ነቲ ሓደ ዓይነት ድሌት ብሓደ ኣመሓዲርካን ክትመርሖ ካብ ዘይምብቃዕ ዝመጽእ እዩ። ብዓብይኡ ግና ኣብ ኤርትራ ሕሱም ወጽዓ ክሳብ ዘሎ፡ ሓያል እቲ ወጽዓ ዝወልዶ ህዝባዊ ዕቑር ናይ ለውጢ ሓይሊ ክህሉስ ባህርያዊ እዩ። ኣሎ ከኣ። ንህግደፍ ዝብድህ ሓይልን ዓቕምን የለን እንብል ህግደፍ ሓቀኛ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ እንተ ኢልና ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ ዘየለ ክውንነት’ዩ። ስለዚ ንግዜኡ ህልዊ ድኽመትና ከነወግድ ዘይምኽኣልና፡ ንሕጽረታትና ክንቃለሶ እምበር ኣላሽ ኢልና ንህግደፍ ኣብ ጥራይ ኢዱ ኣጸባቢቕና ከነቕርቦን ኢድ ክንነስኣሉን ግቡእ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣይኮነን።