ንእሽቶይ ዓዲ መቐነይ ነይትስእን ከምዝብሉዎ፤ ሰብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መቐነይ ረኺብና ቀኒና ብሰንኪ ሓንቲ ባንዴራ ብሓደ ኤርትራዊ ምቅጻላ ምኽንያት። እቶም ንዙረት ወይ ዕብዳን ዓዲ ምስ ከዱ’ሞ፤ ኣሸበሸብ ወያኔ ኣብ ከባቢ ጾሮና ወይ ከባቢ ባድመ መጥቃዕቲ ጀሚራ እንድሕር ሰሚዖም ናይ መምለሲ ኣየር ቲኬቶም ኣተዓራርዮም ካብ ኤርትራ ክህድሙ ከም ፍሊት ዝተነፍሓሉ ሃመማ መውጽኢ ቀዳዳት ሃሰው ዝብሉ አምሰሉታት ባንዴራና ተቓጺላ ኢሎም ንብዓት ሓርገጽ ምንባዖም ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም እዚ ደምበ ተቓውሞ ንሰለ ማሕበራዊ ፍትሕን ንልዕልና ሕግን ደው ኢለ ኣለኹ ዝብል ካብ ሓደ ጽውጽዋይ ናብ ካልእ ሓሸውየ ክነጥር ጊዜ ይዓርቦ ምህላው እዩ።
እዛ ሕጂ ንህዝብን መንግስት ኤርትራ ወኪላ ኣብ ፍቖዶ ው.ሕ.ሃን ሓድነት ኣፍሪቃን ካልእን ተሰቒላ ዘላ ባንዴራ ናይ ኢሰያስ ወይ ናይ ህግደፍ እያ ዝብል ርእይቶ አብ ዝሓለፉ እዋናት ተላዒሉ ለባማትን ሙኩራትን ተቓለስቲ ነቲ ሕቶ ብደቂቕ ርእዮምን መርሚሮምን፤ ጉዳይና ጉዳይ ጨርቅን ሕብርን ዘይኮነስ ጉዳይ ዲሞክራስን ፍትሕን እዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ባንዴራ ዝምልስ ኣካል ድማ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ዲሞክራስያዊ ብወከልት ህዝቢ ዝቖመ ቅዋማዊ መንግስቲ እዩ ኢሎም ሰናይ መዕለቢ ካብ ዝገብሩሉ ነዊሕ እዋን ኮይኑ። እቶም ናጽነት ዓዶም ክርእዩ ማዕጾ ዝተረገጦም ገዳይም ተቓለስቲ ልቢ ኣዕብዮም ንኹሉ ሓቆፍ ቃልሲ መታን ክህልወና ነቲ መሪር ግናኸ ወሳኒ መድርኸ ኣሜን ኢሎም ተቐቢሎም ቃልሲ ንሓርነት ኣብ ሕጋዊ ቦትኡ ስጋብ ዝበጽሕ ክልቲኤን ባንዴራታት ማዕረ ንማዕረ ክስቀላ ዝበጽሕዎ ስምምዕ እውን አዝዩ ደስ ዘብል ውሳኔ ኔሩ።
እቶም ነዚ ገዲም ወለዶ 40ታት 50ታት 60ታትን ምስዚ ሓድሽ ወለዶ 70ታት 80ታትን 90ታትን ከነላግቦ ዝተበገስና እውን ነዚ ቁዱስ ሓሳባት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተቐቢልና ነቶም ዝፈላልዩና ርእይቶታት ዕሽሽ ኢልና ናብቶም ዘቀራርቡና ጉዳያት ጸቒጥና ክንሰርሕ መሪጽና። ነዘን ክልተ ባንዴራታት ድማ ኣብ እንገብሮ ኣኼባታትን ሰልፍታትን ተሰኪምናየን ብዘይ ዋላ ሓደ ጸገም ክንጉዓዝ ጀሚርና። አብዚ ቀረባ እዋን ግና ኣይግድን ሓደ ሓደ ሰማያዊት ባንዴራ ኣውሊዕ ልዕሊ ሰቦም ትብጽሖም ዝመስሎም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ካብ ዘመነ ሓራካን ጀብሃ ዓባይን ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ጸበብቲ ሕሉፋት ነዚ እንትርፎ ስምዒት ካልእ ንቕሓት ኮነ ርድኢት ክውንን ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘየፍቀዱሉ ብወፍሪ ባርነት ህግደፍ ዝተዳኸመ መንእሰይ ተጠቂሞም ፈላላዩ መርዚ ኣብ ምንዛሕን ስቓይ ህዝብና ኣብ ምንዋሕን ይርከቡ። ንተቓለስቲ ደቂ ሃገር ሽርሕታት ኣዋዲድካ ካብ ቃልሲ ንምውራድ ዝተገብረ ከንቱ ፈተነ ዘስዓቦ ዕንወት ከይሓወየ ሕጂ ካብ ሰብ ይውረድ ናብ ባንዴራ ትውረድ ምብጻሕና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ትንፋስ ዘይህብ ህዝብን ሃገርን እተድሕነሉ ቀራና እዋን እምበር ነቲ ጊዜኡ ዘሕለፈ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጀብሃን ሻዕብያን እነቃንየሉ ጊዜ ኣይኮነን።
እዛ እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ ከመይ ኣቢላ እያ ባንዴራ ኢሰያስን ህግደፍን ትኸውን ?
እዛ ባንዴራ መቦቆላ ናይ ህ.ግ ኣርማ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ህ.ግ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሙሩጻት ደቁ ከፊሉ ናጻ ክወጽእ እንከሎ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ውድብ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ብዘይ ምግናን ኣብ ናጽነት ቀረበ ቀረበ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ብኹሉ ዓቕምታቱ ኣካል ህ.ግ ኮይኑ ስለዝተቓለሰ እምበር ህ.ግ በይኑ ኮይኑ ናጽነት ኤርትራ ከውሕስ ምንም ዓቕሚ ኣይምሃለዎን። ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ እውን እንተኾኑ ነቲ ሕሉፍ ጽልእን ቅርሕንትን ንጎድኒ ገዲፎም ጸሓይና መሊኣ ንኽትበርቕ ከካብ ዝነበርዎ ሃገረ ስደት ኣብ ጎድኒ ህ.ግ ምስላፎምን ምስውኦምን እዚ ግንባር እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ግምባር እምበር፤ ናይ ኢሰያስን ናይቶም ጊዜ ዘይተርክቦም ዝመስሎም በብእዋኑ ዝብሉዑን ዝእሰሩን ዘለው ኣገልገልቲ ኢሰያስ ዝነበሩን ዘለውን ፈጻሚትን ማእከላይ ሽማግለን ግንባር ኣይነበረን። እሞ እዛ ባንዴራ እዚአ ካብ ህዝቢ መንዚዕካ ንውልቀሰብን ንመዳኸርቱን ራሕሪሓካያ ምኻድ ተሰዓርነት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ነዛ ኣእላፍ ጀጋኑ ዝወደቑላ ባንዴራ ጽባሕ ንግሆ ምቕያራ ብሓፋሽ እንተተመርጸ ድማ ብኽብሪ ክትወርድ እዩ ዝግብኣ እምበር፤ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝዓይነቱ ምቅጻል ትርጉም ኣይህልዎን።
እዛ ባንዴራ ዕላዊት ካብ ትኸውን ጀሚሩ ክንደይ ታሪኻዊ ፍጻመታት ብሰንኪ ተረኽቦታትን ዓንዳሪ ኣካይዳ ኢሰያስን ኣጋጢሙና እዩ። ንኣብነት ጠንቁ ብዘየገድስ ኵናት ምስ የመን ብሰንኪ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ፡ ኵናት ምስ ሃገረ ሱዳን፡ ዶባዊ ኵናት ምስ ኢትዮጵያን ጁቡትን ተኻይዱ እዩ። እዚኦም ኵናታት ዋላ ኢሰያስ ይወልዓዮም ብዘየገድስ እቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ደቂ ሃዝቢ ናይ ህዝቢ እመበር ናይ ኢሰያስ ስውኣት ኢልካ ምምዳቦም ፖለቲካዊ ተልሜደንንነት እዩ ክበሃል ዝከአል። ንምንታይከ ነቶም ስድራ እዞም ስውኣት ክትንክፍ ዝኽእል ተኣፋፊ ሕቶ አምጺእና ቁስሊ እዞም
ኣቦታትን ኣዴታትን ንጎድእ። ነቲ ኵናት ደው ከብልዎ ወይ ክቃወሙዎ ዝነበሮም እቶም ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ተሰኪሞም ክንሶም ኢሰያስ ስረኦም ዘፍትሖም ስማውያን ሚኒስተራትን ጀነራላትን እምበር እቶም ብዘይ ኣፍልጦ ሃገር ተወሪራ ተባሂሎም ኩቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ስውኣት ኣይኮኑን። እሞ እዞም ስውኣት ክቕበሩ እንከለው ዝለበስዋ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ዶ ዋላስ ናይ ኢሰያስን ህግደፍን።
እቶም ኣብ ታሪኽና ንዘንተ እለት እንዝክሮም ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን ዑመር ሃኪቶን ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ ክቕበሩ ከለው ቃሬዛኦም ዝሸፈነ ባንዴራ ከመይ ዘይባንዴራና? ድሕሪ ናጽነት እንተኾነ እውን ክንደይ ሓቀኛታትን ፈተውቲ ህዝብን ደቂ ሃገር ዝኾኑ ተጋደልትን ፍሉጣት ስነጥበበኛታትን ሬሳኦም ምስ ዘሰነይት ባንዴራ እንታይ ጽልኢ ኣለና? ኣትሌታትና ንመቃዳድምቶም ራሕሪሖም ብዓወት እንክኣትው ክብርናን ዝናናን ሓፍ እንከብሉ ዘምበልብሉዋ ባንዴራስ ንመን ኢኹም ክትህብዋ ደሊኹም? ነቲ ኤርትራን ህዝባን ንመጻኢ ክህሉው ዘይደሊ በላዕ ሰብ ኢሰያስ? እንድዒ ጌጋ ደአ ይኽለኣለይ እምበር ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ንደምሒትን አርበኞች ግንቦት ሰባትን ዝፈቱ ካብዛ እዋናዊት ባንዴራና ንላዕሊ ነታ ቀጠልያ ብጫ ቀይሕ ዝሕብራ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍቕሪ ዝዓቢ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።
ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ
ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ እንድሕር ብዕምቆት ካብ ስሚዒት ወጺና ርኢናዮ ካብታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዘይንእስ ትርጉም ዝሓዘለ እዩ። ንጸጋታት ባሕርና፡ ንዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ ንእንምነዮ ልምዓትን ብሩህ መጻእን ዝሓዘለት ባንዴራ እንታይ ኣበሳ ኣለዋ እንትርፎ መራሕቲ ህግደፍ ዘውርዱልና ዘለው ኣደራዕ። እዚ ክብል ከለኹ ምስ ኣውሊዕ ባንዴራና ምንም ዘጻልእ ጉዳይ የብለይን ምስ’ዛ ባንዴራ ኣቦታተይ ኣባሓጎታተይ። ድሕሪ ናጽነት ንሳ ቀጺላ ኔራ እንትትኸውን እውን ደስ ምስ በለኒ ኔሩ ካብዚ ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ዘይተደልየ ገልታዕታዕ ከማን ምደሓንና ኔርና። የግዳስ ንሳ ካብ እትወርድን ካብ እትትካእን ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ እዛ ሓዳሽ ባንዴራ ካብ እትመጽእ ጥራይ ሚልዮናት ኣእላፍ ተወሊዶምሲ ዓብዮም ከማን። እሞ ሕጂ ልዕሊ 80% ኤርትራዊ ብዛዕባ እታ ዝሓለፈት ባንዴራ ምንም ዝጭበጥ ኣፍልጦ ዘይብሉ ክንሱ ኣውሊዕ እንዳበልካ ምጉስጓስ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል። እንድሕር አውሊዕ ክትምለስ ተደልዩ እውን መርሓባ ኢልና ክንቅበላ እንታይ ጸገም ኣለዎ ጥራይ ህዝቢ ይምረጻ እምበር። እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ንምንታይ ኢኹም ዘይትገድፍዎ ነዚ ህዝቢ ካብ ወግሐ ጸብሐ ፋላላዩ ነገራት እንዳምጻኹም ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ምትእምማን ቃልስን ደቂ ሃገርን መሊስኩም ትሕቲ ባይታ ትቐብርዎ።
ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ብዛዕባ እዛ እዋናዊት ባንዴራ ርእይቶ እንታይ ዝብል’ዩ፤ ኣክንዲ ቀጠልያ አውሊዕ ዝሓረረት ብጫ ዝሕብራ ኣውሊዕ ዝሓዘት እያ ዝብል ምስ ሰማዕኩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። እዋይ ኣንታ እንታይ እዩ ወሪዱና ክትብል ትግደድ። ባንዴራ ዓለማት ከይድካ ክትርእይ ድማ ትግደድ። ባንዴራ ኣልጀርያ ቀይሕ ወርሒ፡ ባንዴራ ጋና ጸሊም ኮኾብ፡ ባንዴራ ካናዳ ቀይሕ ቆጽሊ ተሰሊመን ምስ ረኣኻየን ደቂ ዓድና እንታይ ምስ በሉ ዜጋታት ናይዘን ሃገራት እንተዝኾኑ ትብል። ቀይሕ ወርሒ ወይ ጸሊም ኮኾብ ዝብሉዎ የለን ኢሎም ዶ ምስ ሞገቱ? ወያ ንነብሳ ኮይና ነዓና ከማን ስርናይ ሊኢኻ ዘዕበየትና ካናዳኸ ቀጠልያ ሰዊት ስርናይ እምበር ቀይሕ ቆጽሊ ኣይግበአን ኢሎም ኣብ ፈይስ ቡክ ኵናት ከይጅምሩ’ውን ትፈርሃሎም።
ዊዒልና ሓዲርና ፍቕሪ እዩ ዝስዕር
ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ በሃማት ስሕዋትን ነዛ ባንዴራ ኣብ ቆቢዕ፡ ክራቫታ፡ ካሚቻ፡ ዙርያ፡ ነጸላ፡ ሻርባ፡ ጽላል ወዘተ ኣስፊሮም ከምታ አመሎም ከኹድዱ እንተራናዮም ዋላ’ኳ ንግዜኡ ብልጭ እንተበልና ብዙሕ ክንግደሰሎም የብልናን። ንሶም እኮ ካባና ዝገደዱ ኣንጻር ሕልንኦም ዝቃለሱ ውሽጦም ሑሩራት እዮም። እንድሕር ከይተሓለልና ፍቕሪ ኣርእናዮም ናብና ዝመጹሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን። ባንዴራ ምቅጻል ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ዘሎ ቅርሕንቲ ከጋድድ እምበር ምንም ካልእ ረብሓ የብሉን። ነዛ ባንዴራ ድማ ንስኻ ኣንታ ደላይ ለውጢ ምስ መዛኑኻን ብጾትካን ኢኻ ኣብ ፍቖዶ በረኻን ጣሻን ወዲቕካላ። ትማሊ ትማሊ ንክረምቲ ናብ ኤርትራ ክመጹ ከለው በለስ ኢልካ ትጽውዖም ዝነበርካ ናይ ትርፊ ጊዜ ሃገራውያን ብምንም መለክዒ ነዛ ባንዴራኻ ክግብቱ ኣይበቕዑን እዮም። ሰማያዊት ኣውሊዕ ባንዴራኻ ሕድሪ ስለ ዘጽናዕካ፤ እዛ እዋናዊት እውን ባንዴራኻ ብኣኣ ጠቕሊልካ ብጾትካ ስለዝቐበርካ። እንታይ ገደሰካ ብጨርቂ ብሽፎን ትዛረብ። ትማሊ ትማሊ ወርሒ ሰነ ብድምጽኻ ንተልአቪቭን ጀነቫን ዘንቀጥቀጥካ ውጻእ መዓት ከመይ ጌረ ንበድኒ ህግደፍ ይቐብር ኢልካ ሕሰብ እምበር፤ ከም ሽንቲ
ግመል ጨርቂ ትንደድ አይትንደድ ክትብል ጊዜኻ ከተዕርብ ኣየምሕረልካን እዩ። ህዝብና ዘድልዮ ዘሎ ንኢሰያስን ጭፍርኡን ዘቃጽል ተባዕ ሃገራዊ እምበር ጨርቂ ኣቃጺልካ ዝመጽእ ለውጢ እንተዝህሉ፤ ኣዴታትናን ኣደ ዓባየታትናን ዝርካበን ሽፎን ኣኪበን ሓዊ ሮኪዔን ቃል ቃል አቢለን ከምታ ንናጽነት ሕጂ’ውን ቀደም ሓራ መውጽኣና ኔረን።
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባ ሎሚውን ካብ ኩለን ጨናፍር ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተስተፍዎ ሰሚናር ብዕለት 15 ነሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ኣካይዱ።
እዚ ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ 14፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰናይ ምንዮትን ከምኡውን ካብ ሓው ተሳፋይ ተኽለዝጊ ኣቦ መንበር ማሕበር ዋላዃ ብኣካል ክርከብ እንተዘይካኣለ፣ ብዝላኣኾ ሰላምታን ጽቡቕ ድልየትን እዩ ተከፊቱ። ኣስዒቡ፡ ንኵነታት መደበር ከሰላን ምዕብልናኡን ብዝምልከት ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።
ቀጺሉ ኣብዞም ዝስዕቡ 5ተ ነጥብታት ዝሓዘ ኣጀንዳ ብቕደም ተኸተል ብዕምቆትን ዝርዝርን ተዛትዩ።
1. ህልዊ ኲነታት ኣሕዋት ኣካለ ጽጉማትናን መደበር ኣብ ሱዳን፡
2. ሓጸሪቲ ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ ኣብ ዝተፋላለያ ኩርናዓት ዓለም ተመስሪተን ዘሎዋ ጨናፍር፡
3. ዓመታዊ ብጀት 2017
4. ትግባረ መጽናዕቲ ትካል፡
5. ትካላዊ ኣሰራርሓ ማሕበርን
ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዝርርብን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ተገይሩ። ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ዕማማት ተሊሙን ሓባራዊ ውሳኔታት ኣስፊሩን ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኣብ ነፍሲወከፍ 3ተ ዓመት ዚካየድ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዕለት 27/08/2016 ብመራኸቢ ብዙሓን ክካየድ ምዃኑ ብምዝኽኻር ሰሚናር ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።
መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ
Monday, 22 August 2016 22:48 Written by NCC Ad hoc Contact Organመግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ
ኣቦ መንበር ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃግራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ኣቶ ሱለማን ሑሰንን ኣባል ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋን ዝመርሕዎ መግለጺ፡ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ካብ ዝቐረበ ሐደ ኣገዳሲ ንጥፈት ነይሩ።
ሓው ሱለማን፡ ነቲ ብወርሒ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ምምኻራዊ ዋዕላ፡ ክብ ምድላው ኣትሒዙ ክሳብ ምስልሳሉ ከመይ ከም ዝነብረ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ፡ ብመሰረት ውሳኔታት እዚ ዋዕላ’ዚ 6ተ ዝኣባላቱ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ከም ዝቖመ ኣብሪሁ።
ናይ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ መበገስታትን፡ ዕላማታትን ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምግላጽ ድማ፡ ኩሎም እቶም ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ውድባት ጸዋዒት ከም እተገብረሎምን። ኩሎም ድማ ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ከም ዘለዉን ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ምስ’ዛ ኣካል ርኽክብ ዝተሓባበሩ ምሁራትን ክኢላታትን ከም እተመደቡን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ነቲ ዋዕላ፡ መበገሲ ክኸውን ዝኽእል ሰነዳት ኣብ ምድላው ከም ዘሎን ሓቢሩ። ኣብ ክሉ ዕማማት ናይ ኩለን ውድባት ተሓባባርነት ጽቡቕ ምህላው፡ መጽናዕታዊ ስነዳት ኣብ ዝድምደመሉ እውን ናብ ኩለን ውድባት ክዝርጋሕን ክጽናዕን፡ ብተወሳኺ ርእይቶታት ክመሓየሽን ምዃኑ ኣብሪሁ።
ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብወገኑ ድማ እቲ ትጽቢት ዝንበረሉ ዋዕላ፡ ዋንነቱ ኩሉ ውድባት ምዃኑ፡ መሰረታዊ ዕማም ናይ ግዜያዊ ኣካል እውን፡ ኣግላልነት ዘይብሉ ናይ ኩሉ ሓቆፍ ዋዕላ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብድሕሪ’ዚ መድረኽ ሕቶን መልሲን ተኸፊቱ ኣኽIአበኛታት ዘለዎም ሕቶታት ኣብ ርእሲ ምቕራቦም፡ ጠቓሚ ለበዋታት ንግዜያዊ ኣካል ኣመሓላሊፎም።
እቲ መግለጺ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ዝቐረበ ከይኑ ብ ፓወር ፖይንት ቅርጻዊ ገለጻ (Power Point Slide show) ዝቐረበ ብምንባሩ ኣንባቢ ሓፈሻዊ ስእሊ ንኽህልዎ ከም ዘለዎ ነቕርብ።
ንደቂ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ቀንዲ ሓደገኛ ዝኸውን ምትእምማን ጠፊኡ ኣብ ክንድኡ ምጥርጣር ክዕብልል እንከሎ እዩ። ከመይሲ ምጥርጣር ነቲ ባህሪ ናይቲ ካልእ ሸነኽ ንኸይትርዳእ ስለዝዓግት ኩሉ ግዜ ናብ ዘይቅዱው ሃዋህው እዩ ዝወስደካ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምድናታት በቐሊሉ ዝሃሲ እዩ። ስለዚ ምትእምማን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ንዝግበር ዝምድናታትን ርክባትን ባይታ ዝምድምድ ኣገዳሲ ባእታ እዩ።
ምትእምማን ንሓድሕድካ ብምስምማዕን ኩሉ ብግሉጽ ብምሕባርን ከምኡ እውን ሓቀኛ ምዃን ዘጠቓልል ልቦናዊ ኩነት እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ዝምድናን ርኽክባትን ኣዝዩ ክድልድል እንከሎ ነቲ ርክብን ዝምድናን ተኣማኒ ስለዝገብሮ ምትእምማን ይህነጽ። እምነት ኣብ ዝህነጸሉ ድማ እወንታውን መሰረታውን ለውጢ ንምርግጋጽ ዓቢይ እጃም ኣለዎ። ምትእምማን እንተዘየልዩ ግና ሓቀኛ ዝምድና ኣይፍጠርን እዩ። ሓቀኛ ዝምድና እንተዘየልዩ ከኣ እቲ ናብ ዓወት ዘኽይድ ጐደና ትስሕቶ’ሞ ኣብ ምጥርጣራትን ምትሕልላውን ትጥሕል።
ስለዚ ሰናይ ዝምድና ኣብ ዝሃለውሉ፡ ንነገራት በቲ ዘሎካ ምቅርራብ ኣቢልካ ናብ ቅኑዕ ውሳነ ክትበጽሖ ይከኣል። ምትእምማን ክድልድል ንዝምድናታት እውን ከሕይል፥ ግሉጽን ሓቀኛን ኰንካ ንጌጋታትካ ብኽፉት ኣእምሮ ናይ ምቕባል ትብዓት ክትውንን የድሊ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ከኣ ንዘሎ ምርሕሓቕ ናይ ምቅርራብ ኣድልዪ ኩነት እዩ። ብዘይካ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነት ምስ ዝምርኰስ ኩሉ ተግባራቱን ምንቅስቓሳቱን ኣብ ቃሉ ናይ ምጽናዕን፥ ግብራዊ ንምዃንን ዘሎ ቅሩብነት ዝተመስረተ ይኸውን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ሓሳባት ይኹን ተግባር መሰረታዊ መንቀሊኡ ብኣውንታ ክጥምቶን ብፍሕሽው ገጽን ካብ ልቢ ዝነቐለን ዝምድና ክኸውን ይሕግዝ።
ብምትእምማን ኣብ ዝተመስረተ ዝምድና እምበኣር እቲ ቅኑዕ ዘበለ ሓሳብን ግብርን እዩ ዝሳነ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ንዕቀት፥ ኣትሒትካ ምርኣይን ሓሶትን ቦታ የብሎምን። እምነት ምስ ዝህሉ እቲ ቂምን ጽልእን ተሪፉ ኣብ ፍቕርን ሰናይ ምግባርን እዩ ዝልወጥ። እዚ ከኣ እዩ ዓወት፡ ኣብ ሓድሕድካ ምትሕልላይን፥ ጸገም ሓድሕድ ምፍላጥን ዘመንጩ። እዚ እምነት እዚ ከኣ እዩ ንሓቂ ካብ ሓሶትን ንቅንዕና ካብ ተንኮልን ፈሊኻ ዘጠምት ልቦና ክሰፍሕ ዝሕግዝ። ምስ ናይ እዚ እቲ ፡ኒሕን ንያትን እወንታዊ ሕልናን ይጥጥዕ እሞ፡ ካብ ግዙኣት ተንኮልን ቅንእን ናጻ ክንከውን ይሕግዘና። ውጽኢቱ ከኣ እቲ ምንዮትናን ድሌታትናን ኩሉ ካብ ሽግር፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማዊ ናብራን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ቅሩብነት ይድልድል።
ምትእምማን ክሰርጽ ወይ ክህነጽ ከምቲ ስነፍልጠት ዝገልጾ እቲ መስርሕ ብዙሕ ነጥብታት ዝሓዘለ እዩ። ገለ ካብቲ ንምህናጽ ምትእምማን ዝሕግዝ ነጥብታት ምጥቃስ ጠቓሚ እዩ።
‘’ተኣማኒ ምዃን፥ ዓቢ ጸጋ እዩ። እዚ ይንኣስ ይዕበ እቲ ክግበር ዝበልካዮን ዝተሰማማዕካሉን ቃልካ ኣጽኒዕካ ምትግባር ማለት እዩ። ነቲ ዝተሰማማዕካሉ ይኹን ክገብሮ እየ ንዝበልካዮ እንተዘይፈጺምካ ግና እምነት ተጉድል ስለዘሎኻ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሰብ ኣይኣምነካን። ምኽንያቱ እምነት ተጉድል ስለ ዘለኻ።
‘’ ሓቀኛ ምዃን፥ ኣብ ሓሶት ተመርኲስካ ትረኽቦ መኽሰብ ወይ ፍረ ስለዘየለ፥ ከምኡ እውን ከም ዝሓሰኻ እንተተፈሊጥካ’ሞ ኣሉ እንተ ኢልካ መሊሱ ዝገደደ ኣማኒ የስእነካ፡ ስለዝኾነ ብዝከኣል መጠን ጌጋታትካ ክትኣምንን ነቲ ሓቂ ብግልጺ ከተቕርብን ኣድላይ’ዩ። ዝያዳ ሓጋዚ ዝኸውን ከኣ ኩሉ እትብሎ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ ክኸውን እንከሎ’ዩ። ንዘይትገብሮ ብዓንተብኡ ኣይፋለይን ክትብል ኣሎካ።
ክትብሎ እትደሊ ኣብ ምባል ግሉጽ ምዃን። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትሕብር ቅሩብ ኣብ ዘይኮንካሉ ከምኡ ብጋህዲ ምንጻር። ክትዕቅቦ ንዝተነግረካ ምስጢር ንዘይምልከቶም ኣሕሊፍካ ምስ እትህብ ከም ክሕደት ስለዝቑጸር ተኣማንነትካ ንምርኣይ ምጽናዕ።’’
ዝምድናታት ኣብ እትፈጥረሉ ግዜ ንረብሓታትካ ልዕሊ ረብሓ እቲ ዝዛመደካ ክኸውን ኣይግባእን። ንስምዒታትካ ብትዕግስቲ ከተመሓድሮ ምኽኣል ዓቢ ናይ ምትእምማን መንፈስ ዘጥሪ ባህሪ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኣገባብ ዘይብሉን ሃሳዪን ባህሪ ምቚጣብን ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ይምልከቶም ንእትብሎም ኣካላት ምክፋል። ኮታ ንርክባትን ምትእምማንን ካብ ዘዛሕትሉ ጉዳያት ምቚጣብን ቐጻሊ ዕቤት ምምዕዳውን።
ድራር መንታይ
ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝቐረበ መደረ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ
Sunday, 21 August 2016 21:19 Written by ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒናብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተላእከ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሳዊ ለውጢ
Friday, 19 August 2016 22:27 Written by EUDF
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣዳለውቲ ፈስቲቫል 2016
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን መሪሕነትን ተወከልቲን ሰልፍታትን ውድባትን ማሕበራት
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዕዱማት ኣጋይሽ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብሓፈሻ፡
ብመጀመርታ ኣብ ፈስቲቫል 2016 ንኽንሳተፍ ዝገበርኩምልና ዕድመ ብስመይን ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመንን ብስም መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል እንዳ ኣመስገንኩ፡ ልባዊ ሰላምታይ የቕርብ። እንቛዕ ከኣ ኣብዚ መኣዲ ዘተ ዝዓለመ ፈስቲቫልዚ ብሰላም ኣራኸበና እናበልኩ፡ ፈስቲቫልኩም ዕውት ኾይኑ፡ ንቃልሲ ዘዕጥቅን፡ ንፍትሕን ሰላምን ዝሕብር ክኸውን ትምኒትና ወሰን የብሉን።
ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ንኽትህሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዝኸፈለ ህዝብና፡ ሰላምን ራህዋን፡ ፍትሕን ተሐሪምዎ ኣብ ዘስካሕክሕ ህልቀትን ምጽናትን በጺሑ ከምዘሎ ግደፍ ዶ ንዓና ንዓለውን ዘስደመመ ስለዝኾነ ሓበሬታ ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ኣስካፊ ኮይኑ ዘሎ ብስም ደላይ ፍትሒ ጸርፊ፣ ግሰጣ፣ ትምክሕቲ ኣነነት፣ ከነጥፍእ፣ ከነብርስ ዝብሉ ኣእምሮ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሰነ ሓሳን ካብ ቅድም ንፍልጦ ሎሚ ይበዝሕ። በዚ ዝመጽእ ለውጢ እንታይ ኮን ይኮወን? ይመስለኩም ዶ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮስ ዝተክሉ? ከይንፋለስ ዘስግእ እዩ።
ርግጽ እዩ ሽፍታ ዝጸበቀት ጓል ወይ ሰበይቲ ሽሞኛን ሰበይቲ ሓያልን ኣምጽ ኢለ ዝእዝዝ እዩ። ይብዛሕ ይውሓድ ድማ ኣብ በዓትታትን ጎዳጉድን ኮይኒ ፈራህ ብጽሞና ዝንቀሳቀስ እዩ። ነዚ ንምእላይ ከኣ ሓላፍነት መንግስትን ደቂ-ዓድን ዩ። ኣብ መላእ ሃገር ብመዓልቲ ይኩን ለይቲ ኣብ ቃልዕ ካብ ዝለዓሉ ሰበ ሰልጣን- ክሳብ ብሓላፍ መንገዲ ከትናሾን ክትዕመጽን ክትዝረፍን ትነብር ዘላ ኤርትራዊት። ተወሳኪ ውላዳ ተዘሚታ ናብርኣ ተሓሪማ ኣብ መሬት ኮላ ብገሃነብ ተበሊዓ ዘላ ብሰንኪ መላኪ ስርዓት ኤርትራ ድኣ እምበር ብናይ ገለ ሸፋቱ ሃገር ምሉእ ደም ኣይምነብዔን እዩ። ካብ መላኪ ሓይሊ ኣፋኩስካ ምግላጽ ንቃንዛ ደቂ-ኣንስትዮ ምንእኣስ እዩ። እዚ ራእይ ኣልቦ እዩ ጥቅመን ዘይኣነጸራ ደቂ-ኣንስትዮውን ኣብኡ ይሕምብሳ።
ደቂ-ኣንስትዮ ሰርዓት ኣሰመራ ባርባራዊ እዩ ንብል። ብዘይ ወዓል ሕደር ክእለ ኣሎዎ። እወ ክእለይ ኣሎዎ !!! ፍትሓዊ ለውጢ ሕጂ እወ!!! ኣሎና ዶ ኣብኡ? ሓጻር ቆላሕታ ናይዚ ገዛ ትምልሶ ።
ሰክፍታና ከም ደቂ ኣንስትዮ ዓብይ እዩ። ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይኣማእከለ ልወጢ ንመን? ብኩራት ደቂ-ኣንስትዮ ብኩራት ዴሞክራሲ እዩ። እሞ ክሳራ ናይቲ ፍትሒ ከምጽእ ደሞክራሲ ክተክል ኢሉ ዝጓየ ዘሎ ሰለ ዝኮነ ከምቲ ምስላ ዓብይቲ፥ “በይኑ ዝጐይስ ዝቅድሞ ነይብሉ” ዝበሃል እትጽዕርዎን ትድክምዎ ኮንቱ ከይክወን ተመሊስኩም ክትርእዎ ንምሕጸን። እዚ ክብል ከሎኩ ኣብዚ በዓል ብዙሓት መራሕቲን ተውከልትን ዕዱማትን ተሳተፍትን ብሓፍሸኡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ክንገብር ኣሎና ትብላን ትብሉን ተራኪብና ሰለ ዘሎና ምሕጽንታይ ናብ ኩልና ኣብዚ ዘሎናን ካብዚ ወጻኢ ዘሎኩምን ዘሎክንን ጉዳይ እዩ ኢልኩም ተዓጢቁም ትርክባን ትርከቡን እዩ። ነዞም ሎሚ ዓቢ ስክፍታ ከመዘሎና መልእክቲ ደቂ ኣንስትዮ ከመሓላልፍ ዕድለ ዝሃብኩም ድማ ደጊመ የምስግን ምሕጽታና ሓድሽ ኣይኮነን ንዓኩም እቲ ብኩራት ደቂ-ኣንስትዮ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ደቂ-ኣንስትዮ እንተዝክፍትስ ምሐሸ፣ ታሪካዊ ሓላፍነትዩ ።
ዝኽበርክን ደቂ-ኣንስትዮ !! ኩነታት ሃገርክን ውጺት ቃልስክን ዘጋጥም ዘሎ ተጻብኦታትን ሎሚ ሰማዕቲ ዘይኮንክንስ ሓምበስቲ ናይቲ ቃልሲ ብምኻንክን ክብሪ ንዓክን ሓበን ድማ ይስመዓኒ ከማክን ይብዝሓ፥ ዴሞክራሲ ንማሕበራዊ ማዕርነት ዘደላድል ንብዙሓት ዘማእከል ምሕደራ ሰለ ዝኮነ ካብ ሎሚ ልጓም ኣጽኒዕና ንሓዝ፣ ኣብ ዕንደራ መክሰብ የብልናን ተርድኦና ክሰፍሕን ዘማእክልና ራኢ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓባር ክንክትሞ ኣሎና። ጉዳይና ካባና ንላዕሊ ዝገልጾ እምበር ዝሰርሐሉ ኣይክርከብን እዩ። ሰለዚ ሸግረይ ንምፍታሕ ቀዳመይቲ ተሓታቲት ባዕለይ ሰለ ዝኮንኩ ተጸበይቲ ኣይንኩን ካብዚኣ ወጽእና ብዛዕባና ንዘቲይ። ንጻውዕት ደቂ-ኣንስትዮ ንስማዕዮ ካብዘን ሎሚ ኣብዚኣ ተረኪብክን ዘሎክን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ዝጽውዓ ሓደ ምእታዊት ኣይትርከባ ኢክን እዚ ድማ ናይ ተጽባይነት ምልክት እዩ። ነዚ ንስገሮ ተሰክምቲ ጾታዊ ሓላፍነትና ንኩን፣ ኣብ ወሽጢ ገዛና ዘሎ ሽግር ንስንዶ ፍታሕውን ነናዲ ድሕሪኡ ኢና ካብ ኣለዋና ናብ ኣሎና ንረግጽ።
በዚ ኣገጣሚ ሓቤሬታ ንኩልክን ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዕለት 16.9 ክሳብ 18.9 16 ኣብ ሮም ብመርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ተዳልዩ ዘሎ ን3ይ ርክብ ክትሳተፍኦ ብክብሪ ትጽውዓ ውራይክን እዩ።
የቀንየለይ ክብሪ ይሃብክን ይሃብኩም ተሳተፍቲ።
ህልቀት የብቅዕ፣ ሰማእታት ክከብሩ
ልዙብ መዓልቲ ይግብርልና
ኣዳልውቲ ጻማኩም ርከቡ። ደጊመ ድማ የመስግን ዕድል ብሃብኩም
ንመሰልና ባዕልና!!!
ብውሽጢ ይኹን ብደገ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጠር ዘሎ ተጽዕኖ፡ ቅልጣፍኡ’ኳ ዘገምታዊ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። ምናዳምናዳ ንሓንሳብ እቲ መስርሕ ይቕልጥፍ እሞ፡ ንህግደፍ ድማ ብኽንድኡ ደረጃ የሻቕሎን የሰንብዶን። እቲ ጉጀ ከምዚ ዓይነት መሸንቦባ ክመጾ እንከሎ መኸወሊ ክፈጥር ባህርያዊ እዩ። እተኾነ እቲ ዝፈጥሮ መኸወሊ ኣብ ግዚያዊ መዕገሲ እምበር ኣብቲ ቀንዲ ዝሕተተሉ መሰረታዊ ጉዳያት ዘትከለ ኣይከውንን። ምኽንያቱ ከምኡ እንተኾይኑ ካብ ሱሩ ክብርቁቖ ስለ ዝኾነ።
ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብ ኢድ እቲ ጉጅለ ተመንዚዑ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት መዛረቢ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ዓብይ ሻቕሎትን ራዕድን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ጉጀል ብወገኑ ካብዚ መሸንቦባ ነብሱ ንምኽዋል፡ ብዙሓት ዘይመስረታዊ እሞ ድማ ዘይትግበሩ መብጸዓታት እንዳቕረበ መናውሒ ዕድመ ክገብር ፈቲኑ። ከም ኣካል ናይዚ ፈተንኡ፡ “ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክሰርሕ እየ፡ እሱራት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝብጽሕሉ ኩነታት ክፈጥር እየ፡ ኣዜ ኣገልግሎት ግዱድ ዕስክርና ክግድብ እየ፡ ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ኣብ ኣስመራ ይካየዱ ኣለዉ፡ ምስ ጉዳይ የመን ብዝተተሓሓዘ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣዕራብ ዝምድና ፈጢረ፡ 10 ዓመት ዝተኣስሩ ፓትሪያርክ ኤርትራ ንመንግስቲ ይቕረታ ሓቲቶም፡ ልኡኸይ ናብ ሃገር ቻይና ገይሹ … ወዘተ” ዝብሉ ግዳማዊ መመላኽዕታት ይነዝሕ ኣሎ።
እንተኾነ እዚ መመላኽዕታት፡ ምስቲ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘየብሉ ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ’ዩ። ንዋላ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይምልስን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ጓልነገር ወይ ግዚያዊ መመላኽዒ ንብሎ ዘለና። እዚ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ጉጅለ ኣብዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት’ውን ግብራዊ ስጉምቲ ኣይክወስድን እዩ። ኣነቓቕላኡ ምዕሸውን መሸመቲ ግዜ ንምርካብን ዝመሃዞ ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ካብዚ ሸንኮለል ምሉእ ብምሉእ ጥራይ ኢዱ ክወጽእ እዩ ማለት ኣይኮነን። እነሆ’ኳ ሓደሓደ ትማሊ በላሕቲ ተቓወምቱ ዝመስሉ ዝነበሩ “ንዕኡ ኣውዲቕና ዝሓሸ ክንፈጥር ዓቕሚ ስለ ዘየብልና፡ ምስኡ ንመሳሰል” ዝቓንኡ ሓሳብ በጨቕ ከብሉ ንዕዘብ ኣለና። እቲ ዝስማዕ ምኽንያቶም “ዓቕሚ የብልናን” ዝብል እዩ። ብርኢቶይ ዓቕሚ ተዘይብልና እቲ ክበሃል ዝነበሮ “ሓቢርና ዓቅሚ ንፍጠር” እምበር ናብኡ ተመሊስና ንስገድ ኣይኮነን። እቲ በዂሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምፍጣር ኢና ከኣ ንቃለስ ዘለና።
ብዙሓት ወገናት ከምዘይስሕትዎ፡ ድሕሪ ሕጂ ጉጅለ ህግደፍ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዘማልእ ስርዓት ዝተክል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ዝምልከት መስመር ሓሊፉስ ኣብ ቦታ ወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኹየጥ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ብእዉጅ ኣንጻርካ ካብ ዝተሰለፈ ሓይሉ ንጽቡቕካ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ኣጸቢቑ ይረደኦ እዩ። እቲ ጉጅለ እውን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ባይታ ከም ዝነቐጸ ይርዳእ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ ኣብ ስልጣን ንክነብር እቲ ዘዋጸኦ ንህዝቢ ከረድእ ዘይኮነስ፡ ከገድድ ክፈላልን ጥራይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ከምኡ ድማ እዩ ዝገብር ዘሎ።
“እንታይ’ዩ እቲ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ዘይተኻእለ መሰረታዊ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ?” ዝብል ሕቶ ምናልባት ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ብዘይተኸታተልዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት ይለዓል ይኸውን። ብህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ ኣይለዓልን እዩ። መውጽእ ኣፉ ካብ ዝገብሮ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዘሕለፈ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ፡ ልዕልና ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ብንጹር ዘርእን ዘተግብርን፡ ማዕርነት፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ድሕንነትን ዝማእከሉ ምምሕዳር ከም ዝደሊ ብሩህን ንጹርን እዩ። እቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ሸፈጥ መንገዲ ጥዑይ ድዩ ሕሙም ንምምዛን ከኣ በዚ ጥራይ እዩ ክዕቀን ዝግበኦ። ክሳብ ሕጂ ብእንዕዘቦ ዘለና ኩሉ መንገዲ ህግደፍ ነዞም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢልና ዝጠቐስናዮም ዘራጉድ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ዘዳኽሞም እዩ። እታ ሓንቲ ኣምጺእዋ ዘሎ ፈሊጥ ከኣ ንኤርትራ ካብ ናታ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ኣለዋ ዝብለን ሃገራት ሃስስ እንዳበለ ኣወዳዲሩ “ንሕና ንሓይሽ” ዝብል ስብከት ምቅላሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካባይ ስኸፈኣን ኣለዋ ኢሉ ዝደዓዓስ ዘይኮነስ ዘይተፈትሐ ሕቶ ከም ዘለዎ ኣሚኑ እዩ ዝቃለስ ዘሎ። ስለምንታይ እዩኸ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝሓሸ ስርዓት ምስ ዝተኸላ ሃገራትን ህዝብን ምውድዳር ናብተን ካብኡ ንታሕቲ ዘለዋ ንቑልቁል ክጥምት ጥራይ ዝቕሰብ?