ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ተዋሳኢ’ምበር ተዓዛባይ ኣይኹን

2016-10-21 08:38:05 Written by  ብኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1955 times

ብዛዕባ ወሳንነትን ዓብይ ግደን ህዝቢ ወርትግ’ዩ ዝንገር። ብሓቂ ከኣ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኢ እምበር ተዓዛባይ ኣይኮነን። እቶም ብዛዕባ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ዝዛረቡ ኩሎም ብተግባር ንግደ ህዝቢ ግቡእ ቦታኡ ይህቡ ማለት ግና ኣይኮነን። ገለ ወገናት ንህዝቢ ከም ወሳንን ከኣሊ ኩሉን ገይሮም የቕርብዎ’ሞ ብተግባር ግና ይጠልምዎ። ንድሌታቱን ባህጉን ነጺጎም ብናቶም ጸቢብ ናይ ውሑዳት ረብሓ ይልውጥዎ። ብስሙ ይምሕሉን ይጥሕሉን እሞ ብተግባር ከኣ ኣንጻር ረብሓኡ ይኸዱ። ንይምሰል እንታይ ከም ዝደሊ ይሓትዎ ምርጫኡ ምስ ተረድኡ ብኣንጻሩ “ስለምንታይ ካብ’ቲ ዝመረጽናልካ ካልእ ድሌት ኣሕደርካ?” ብዝብል ይቐጽዕዎ። ምምሕዳር ህግደፍ ናይ ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ናይ ምጥላምን ምግላልን ኣብነት እዩ።

ህዝቢ ኣቐዲሙ ውዱብ ዓቕሚ እንተዘይኣጥርዩ ንከምዚ ናይ ህግደፍ እንዳለሳለሰ መሰሉ ዝግህስ ዓመጽ ክምክቶ ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ብዙሕን ወሳኒ ዓቕሚ ዝውንን ብምዃኑ ጥራይ ኣይዕወትን እዩ። ንክዕወት ብኣፍልጦኡ ዝጐዓዝን ኣብ ድሌታቱ ዝተሰረተ ውዳበ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ብቱን ዓቕሚ ግና ዋላ ሓደ ካብ ድሌታቱ ከዕውት ኣይክእልን እዩ። ውሱናት ኣብ ዙርያ ጸቢብ ረብሓኦም ዝተወደቡ ኣካላት ከሳቕይዎ ይነብሩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ካብ ደገቲ ህግደፍ፡ እቲ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ደሞክራስን ዝብህግ ህዝብና ከም ዝበዝሕ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ህግደፍን ቁንጣሮ ሰብዓብቱን ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ውዳበኦም ይልሕልሕ እንተሃለወ፡ ውዱባት ስለ ዝኾኑ እነሆ ኩሉ ዋጋ ቃልሱ ዝኾነ መሰላቱ ግሂሶም የሳቕይዎ ኣለዉ። እዚ ንክቕየር ከኣ እቲ ደላይ ለውጢ፡ ናይ ግድን ካብ ናይ ወጻዕቱ ዝሓየለ ውዳበ ክውንን ክበቅዕ ይግበኦ።  ኣብ መስርሕ ምውዳብ ዝኽፈል ዋጋ ፈሪሕካ፡ ዝሰዓብ ካልእ ኣቋራጭ መንገዲ የለን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ሓይልታት ብስም ህዝቢ እዩ ዝምሕልን ዝጥሕልን። ኣብ ተግባር ተመጺእና ግና ኣየንኡ እዩ ብግቡእ ናይቲ ህዝቢ ሓቀኛ ትርግታ ልቢ ዘዳምጽን ንድሌት ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ዝሰርዕን ኣዘራራቢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ውክልና ኣለዎ እንዳተባህለ ብዙሕ ዝተዘርበሉ ውዳበ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ብስሙ ዝጽዋዕ ውዳበ ኣብ ከምዚ ዓይነት ታኸይላ ክወሓጥ  እንከሎ፡ እቲ ውዳበ ከምቲ ክድረፈሉ ዝጸነሓ ናቱ ተዝኸውን፡ ዓገብ ዝብል ድምጹ ከስምዕ መተገበአ። እንተኾነ እዚ ድምጺ እዚ ኣይተጠርየን። ነዚ ገዚፍ ስም ሒዝካ፡ ብዘይብሩህ መንገዲ ምጉዓዝ ዘይድግፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣትሪሩ ዝነቅፍ ኣካል ኣብ ውሽጡ ከም ዘሎ ይስማዕ እዩ። እቲ ጸገም ግና እዚ ፋሕ ኢሉ ዘዕዘምዝም ዘሎ ድምጽታት ዓው ኢሉ ተጽዕኖ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ እዩ። እቲ ጸገም ኣይኮነንዶ ኣካላቱ  ንዝኾኑ ብማዕዶ ንዝዕዘቦ’ውን ብሩህ ስለ ዝኾነ እቲ ፍታሕ ካብ ውሽጡ ተዝመጽእ ከኣ ክንደይ’ኳ መመልከዓሉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ ዋላ’ኳ ናይ ምዕራይ ድሌት ተሃለዎ ብግህዶ ድምጹ ከስምዕ ከም ዝጽግሞ ዘንጊዐ ኣይኮንኩን። እቲ ክዛረብ ዝግበኦ፡ እቲ ኣብ ሓሳብካ ብናጽነት ክትገልጸሉ እትኽእል ሓራ ከባቢ ዘሎ ኤርትራዊ ዲያስፖራ፡ ናይቲ ልሳኑ ዝተዓጽወ ኤርትራዊ ልሳን ክኸውን ዝግበኦ ክነሱ ከምኡ ዘይምዃኑ ጸገም እዩ። ብዘይቃለዓለም ንዛረብ እንተ ኢልና ባይቶ ከምዚ ንክኸውን ዘሻህረቶ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ገለ ወገን ካብ ዲያስፖራ እዩ። ሓደ ውዳበ ከድምዕ እዩ ኢልካ ምስ ኣበገስካዮ ኣብ መስርሕ ጸገማት ኣየጋጥምዎን ማለት ኣይኮነን። ጸገም እንተጋጠሞ’ውን እቲ ቀንዲ ጸገም ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ጸገም ዕንቅፋት ከጋጥም እንከሎ እንዳተኸታተልካ ከተእርሞ ዘይምብቃዕ እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ጌጋ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል። ብመሰረቱ እውን ውዳበ መስርሕ እዩ። እዚ ግቡእ መስርሕ ኣብ ክንዲ ምሓዝ፡ ናይ ህልኽን ውልቃዊ ምስሕሓብን እሱር ምዃን ከኣ ናይ ሕመቕ መርኣያ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ኩነታት ክንዕዘቦ እንከለና “ ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ዘብል እዩ። እቲ ኩነታት፡ ህዝቢ ካልእ መዋጸኦ ከይወስድ ብዘይትግበር ተስፋ ጅሆ ዝሓዞ ምዃኑ ካልእ መርእያ ናይቲ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ እዩ።

ኣብ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር፡ እቲ “ዓገብ” ናይ ምባል ዕድል ዘለዎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ተዓዛባይ ኣይኮነን ክኸውን ዝግበኦ። በዓል ጉዳይ ስለ ዝኾነ “እዚ እቲ ቅኑዕ እዩ፡ እዚ ግና ግጉይ’ዩ” ክብል ናይ ግድን እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ኣካል ፍታሕ፡ ኣካል እቲ ጸገም እንዳኾነ፡ ሰናይ ክጽበይ ኣይግበኦን። እንተ ተጸበየ’ውን ውጽኢት ኣይረክብን እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰላልፋ ኣይኮነንዶ ንኤርትራዊ ንካልእ’ውን ንጹር እዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ዝጠለመ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብናይ ባርነት ቋንቋ ዝገዝእ፡ ኣብ ናይ በይኑ ንጹል ዓለም ዝነብር ዘሎ ምኩሕ ጉጅለ እዩ። ብቃልሲ ክውገድ ከም ዝግበኦ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን። እቲ ነዚ ስርዓት ከወግድ ዝቃለስ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ፡ ሒዝዎ ዘሎ ዲክታተርነት ናይ ምውጋድን ብደሞክራሲ ናይ ምትካእን ኣቕጣጫ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ሰኣን ናይ ኣቀላልሳን ናይ ርኢቶ ብዙሕነት  ኣተሓሕዛን ውሕልነት ዝሳቐ ዘሎ እዩ። ቅሩብነት፡ ሓልዮትን ናይ ህዝቢ ግቡእ ተዋሳእነትን ክሳብ ዘሎ እዚ  ጸገም ደንበ ተቓውሞ ዘይፍታሕ ኣይኮነን። ከምቲ ገዛእቲ ሓይልታት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀንዲ ጸላኢኦም ወሲዶም ክብትንዎ ዝጽዕሩ ዝነበሩ፡ ህግደፍ’ውን ንሓይሊ ህዝብን ተቓውሞን ክዘርግን ኣብ ሕድሕዱ ከናቑትን ከይደቀሰ ከም ዝሓድር ክንርስዕ ኣይግበናን። ካብዚ ነቒለ እየ ከኣ  “ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ተዋሳኢ’ምበር ተዓዛባይ ኣይኹን” ዝብል ዘለኹ።

Last modified on Friday, 21 October 2016 10:42