ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን 2ይ ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ

2016-10-07 13:46:41 Written by  ክፍሊ ዕዮ ዜና ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2143 times

Ade Logo

ብዕለት 24 መስከረም 2016 ዓ.ም.ፈ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን 2ይ ጉባኤ ካብ ሰዓት 20.30 ክሳብ 22.30 ብኤለትሮኒካዎ መራኸቢ ብዙሓን ብምልኣተ ተሳተፍነት ኩለን ጨናፍር ሃገራት ኤውሮጳ ተካይዱ። ጨናፍር ኣመሪካ ሱዳንን ኩሉ ርእይቶታቶምን ለወባታቶምን ብምልኣኽ ብተክኒካዊ ምኽንያትን ብስራሕን ኣይተሳተፉን። ጉባኤ ብኣቦ ወንበር ማሕበር ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ ብሰላምታዊ ምስጋና ንኩሉ ዝተሳተፈ ኣባል ከፈቶ። ኣስዒቡ ሓው ተስፋይ እዚ ታሪኻዊ ማሕበር እዚ ካብ 2002 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንኣሐዋት ኣካለ ጽጉማን ኣብ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ዝፈጸሞ ርህሩህ ሓልዮታዊ  ክንክንን ምሕብሓብን ብሓቂ ዘኩርዕን ዓቢ ዓወት እዩ ብምባል ከም መስራትን መራሕን ከኣ ነባሪ ሓበንን ደስታን እናተሰምዓኒ ልዑል ምስጋና ንኩሉ ኣባል ይብጽሓዮ በለ። ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ከኣ ዝተላእኩ መልእኽታት ካብ ሱዳንን ካብ ኣመሪካን ሓበረ። ቀጺሉ ሓው ተስፋይ ብመሰረት ቅዋም ማሕበር ሎሚ ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ብምዃን ኣጀንዳና ሓድስ መሪሕነት ምምራጽ ኮይኑ ከምቲ ልሙድ ሓልዮታዊ ተወፋይነትኩምን ንጥፍቲ ምልእቲ መሪሕነት ንምምራጽ ናባኹም እናሓደግኩዎ ኣነ ግና ከዕርፍ ደስ ይብለኒ በለ። ሙሉእ ኣባል ጉባኤ ብልዙብን ሓልዮታውን ምይይጥን ብዕምቆትን ብኣስተብህሎ ንኣታሃላልዋ ኣባላትን ተመርኲሱ ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ ከም ኣቦ ወንበር ክቅጽል 7 ዝኣባላታ መሪሕነት ካብ ኩለን ሃገራት ዝርከብዋ ንዓመተ 2017/2018 እትመርሕ  ብሙሉእ ድምጺ መሪጹ ጉባኤኡ ብዓውት ዛዚሙ።

ንኣካለ ጽጉማትና ንምርዳእ ቅሳነት ሕልናን ክብርን እዩ።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!

ውድቀት ንውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ!!!

24 መከረም 2016 ዓ.ም.ፈ.

ክፍሊ ዕዮ ዜና ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ

Last modified on Friday, 07 October 2016 15:52