ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ

2016-10-10 11:18:03 Written by  ብፍስሓ ናይር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2149 times

ካልኣይ ክፋል

ስለምንታይ ኢና ፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይልገስ ንብል?

 

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ባርባራዊ ስርዓት፣ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሰን፣ ንሕልና ወድሰብ ዝቀትል፣ንባህርያዊ ክብረትን ንማዕረን ዝግህስ፣ናይ ሓሳብን እምነትን ንምግላጽ ዝኽልክል፣ንሕዝቢ ብፍርሓትን ጥምየትን ሒዙ ዘሎ ናይ ውሑዳት ምልክነት ሰሎዘሎ ኢዩ፡፤

 

 

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ጽሑፈይ ኣብ ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰነድ ተመርኲሰ ብሕጽር ዝበለ ኣቅሪበ ነይረ፣ ሎሚ ድማ ካልኣይ መቀጸልታ ከቅርብ ክፍትን ኢየ።

ናይ ደለይቲ ፍትሒ መቆምያታት/እምነታት ሰላም፣ደሞክራሲ፣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ግዝኣተ- ሕጊ ክኾና ኢየን ነሩ እንተኾነ ኣብ ነፍሰ ወከፍ ውደባ ኣቲና ፖሊቲካዊ መደባትን ምስ እንርኢ ብዛዕባዚ መቆምያታት ዝርኢ ዓንቀጽ የለን፣ ኣብቲ መዓልታዊ ኣስተምህሮታተውን ናይ ሕዝቢ ጐስጓሳቶምን እንተርኢና ድማ እቲ ዝዋሃብ ብፍጹም ኣንጻርዚ ኣድማሳዊ መሰላት ኢዩ። ሎሚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ከም ኣካል ህዝብታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ መሰረታዊ እምነታትዚ ተመርኲስና ኣፍልጦ ደለይቲ ፍትሕን ሕዝብናን ብቀጻሊ ኣብ ኣእምሮና ከነሰፍርን ኣኽብሮት ናይዞም መሰላትን ሓርነታትን ንምውሓስ ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብ ኣዊ መሰላት ተመርኲሰ  ብዛ ዕባ እንታይነት ናይ ዓንቀጽ 1 ጠቂሰ ነይረ ሎሚ ድማ ኣብ ዓናቅጽ 1ን 2ን ምስኩነታት ሕዝብና ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

 

ዓንቀጽ 2

 

ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ከም ዓሌት፣ሕብሪ፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካዊ ወይ ካልእ  ኣረኣእያ፣ ብሄራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቆል፣ንብረት፣ትውልዲ፣ ወይ ካልእ ከም ማሕበራዊ ኩነት ብዘይ ኣድልዎ ኣብዚ ኣዋጅዚ ንዝሰፈሩ መሰላትን ሓርነታትን ክረክብ መሰል ኣለዎ፡፤

 

ዓንቀጽ 3

 

ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብህይወትን ሓርነትን ንክነበር ከምኡ ውን ድሕነት ንኺረክብ መሰል ኣለዎ።

 

ዓንቀጽ 4

 

ዝኾነ ይኹን ሰብ ብጊልያነት ኪተሓዝ ኣይግባእን፣ጊልያነትን ንግድ-ጊልያን ብኹሉ መልክ ዓቶም ውጉዛት ኢዮም፡፤

 

እስከ ብመነጽር እቲ ብ1997 ዝጸደቀ ቅዋም ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሕዝባዊ ግንባር ናጽነት ኤርትራ-ሕዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስያን ንርኤ፣ ከምኡ ድማ ብመነጽር እቲ ናይ 1952 ቅዋም ፈደራላዊ ስምምዕ ዝጸድቀን 10 ዓመታት ዘገልገለን ንርኤ፣ ንምዃኑ እቲ ብ1997 ዝጸድቀ ኣብ ግብሪ ሰለዘይወዓለ ቅዋም ነሩና እውን ዝበሃል ኣይኮነ፣

 

ኣብ ናይ 1997 ቅዋም ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ዝገልጽ ዓናቅጽ ኣብ ምዕራፍ 3  ይርከብ፣ ኣብ ናይ 1952 ቅዋም ድማ ኣብ ምዕራፍ 4 ዘሎ ዓናቅጽ ተመልከት።

 

ሎሚ ኣብዚ ግዜዚ ደለይቲ ፍትሒ ከተኩርዎ ዘለዎም ጉዳያት ከም ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ምኽባር ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ኣብ ሕዝብና ምስፋን ድኣ እምበር ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣብ ግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ዝተፈጸመ ገበናትን ጉድለታትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ለይቲ ምስ መዓልቲ ብዘረባ ጥራሕ ዕንክሊል መፍትሔ ኣይኮነን፡፤

 

እስከ ምስ

 

ዓንቀጽ 2

 

"ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ከም ዓሌት፣ሕብሪ፣ ጾታ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ፖሊቲካዊ ወይ ካልእ  ኣረኣእያ፣ ብሄራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቆል፣ንብረት፣ትውልዲ፣ ወይ ካልእ ከም ማሕበራዊ ኩነት ብዘይ ኣድልዎ ኣብዚ ኣዋጅዚ ንዝሰፈሩ መሰላትን ሓርነታትን ክረክብ መሰል ኣለዎ፡፤"

 

እትገልጽ ኣብ ቅዋም 1997 ወይ ድማ 1952 ንርኤ፣

 

ኣብ ቅዋም 1997 ዝጸደቀ ግን ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ፣ ብዛዕባዚ ዓንቀጽ ኣብ ምዕራፍ 3 መሰረታዊ መስላትን ሓርነታትን ግቡኣትን ኣብ ዝብል ዓንቀጽ 14 ቁጽሪ 2 ከምዚ ይብል፣

 

(2) No person may be discriminated against on account of race, ethnic origin. language, colour, sex, religion, disability, political belief or opinion, or social or economic status or any other factors.

 

ኣብ ቅዋም 1952፣ 10 ዓመታት ዘገልገለ ድማ  ኣብ ምዕራፍ 4 ዓንቀጽ 22 ከምዚ ይብል፣

ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ

ዓንቀጽ 22

Article 22

The government of Eritrea shall ensure to all Eritrean residents ( even foreigners) without distinction of nationality, race, language or religion the enjoyment of human rights and fundamental liberties including the following:

- the right to eqaulity befor the law

- the right to life, liberty and security

- the right to own and dispose of property

- the right to freedom of opinion and expression and the right of adopting and practising any creed or religion.

-  the right to education

- the right to freedom of peaceful assembly and association

 

ቅዋም 1952 ሰፋሕቲ ዓናቅጽ ኣብዚ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መስላት ሓርነታትን ኣለዎ ቅዋም 1997 ግን ዘይተነጸረ ኣብ ጉቡእነትን ዝተደረተ መሰላት ዝህብ ኮይኑ ረኺበዮ፡፤ ኣብ ቅዋም 1997 መሰረታዊ መስላትን ሓርነታትን ኢሉ ግቡኣትን ድማ የጠቃቅል፣

 

ኣብ ቅዋም 1952 መሰል ናይ  ንብረት ምውናን ነጻ ንግድን ስራሕን ኣብቲ ዓንቀጽ 22 ምዕራፍ ብሰፊሑ ወሪዱ ኣሎ ኣብ ናይ 1997 ግን ኣብ ምዕራፍ3  ዓንቀጽ 23 ቁጽሪ  2 ከምዚ ይብል፣

 

( 2) All land, water and natural resources below and above the surface of the territory of Eritrea belongs to the state.

 

እዚ ዓንቀጽዚ ምስቲ ኣድማሳውን ኣህጉራዊ ወዕላትን ዝጻረር ንምልክነት ዘመርሕ ንናጻ ቁጠባዊ ምዕባል ዝጻረር ናይ  ምልክነት ዓንቀጽ ብምዃኑ ክንዝትየሉ እዋኑ ኢዩ በሃላይ ኢዩ፣ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ዝብል ኣምር እውን ዝጻረር ኢዩ፣ ኩሉ ናይ መረትን፣ ማይን ሃገራዊ ምንጭታትን ኣብ ትሕቲ መረት ይኹን ልዕሊ መረት ናይ ሕዝቢ ኢዩ፣ እቲ መንግስቲ ድማ ነዚ ዘኽብር ኣለዎ እምበር መንግስቲ ንብረት ኣይውንን፣ ኣይሓርስን ኣይነግድን እንታይ ድ ኣ ስርሑ ምሕላው ጥራሕ ኢዩ መዝነቱ ፣ መዝነቱ ድማ ብሕዝቢ ይውሰን።

 

ምስዚ ክልተ ዓናቅጽ ዝሰማማ ኣብ ቅዋም 1952 ይኹን ቅዋም1997

 

ዓንቀጽ 3

 

ነፍሰ ወከፍ ሰብ ብህይወትን ሓርነትን ንክነበር ከምኡ ውን ድሕነት ንኺረክብ መሰል ኣለዎ።

 

ንቀጽ 4

 

ዝኾነ ይኹን ሰብ ብጊልያነት ኪተሓዝ ኣይግባእን፣ጊልያነትን ንግድ-ጊልያን ብኹሉ መልክ ዓቶም ውጉዛት ኢዮም፡፤

 

ን ዓንቀጽ 3 ን 4 ዝምልከት ኣብ ቅዋም 1952 ኩሉ ኣብ ም ዕራፍ 4 ይርከብ

 

ኣብ ቅዋም 1997 ከኣ ኣብ ም ዕራፍ 3 ኣብ ዓናቅጽ 14 ን 15ን 16 ርኤ።

 

ኣብ ቀጻሊ ጽሕፈይ ኣብ ዳማሳዊ ሰብ ኣዊ መስላትን ኣህጉራዊ ው ዕላትን ምስቲ ቅዋማት ኤርትራ 1997 ን 1952 ኣዛሚደ ከቅርብ ኢየ ተኸታተሉኒ።

Last modified on Monday, 10 October 2016 13:25