ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ቅኑዕን ኣሳታፍን ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘይምህላው እንሆ ን 25 ዓመታት ዝኣክል ተሳቕያ ደቃ ድማ ራሕሪሖማ ይወጹ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እስላማዩን ክርስትያኑን፡ መታሕቱ ይኹን ከበሳኡ፡ ኮታ ኩለን ብሄራት ሓቢረን እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል ብሓባር  ሰሚረን መስዋእቲ ብምኽፋለን እዩ ናጽነቱ ተረጋጊጹ። ብሰንኪ እዚ እኩይ ስርዓት ግና ሎሚ ሓቢረን ከምዘይተቓለሳ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይወዳደባ ኣለዋ።

ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ክሉ ዜጋ ሕልው ዝኾነሉን፥ ንሃገራዊ ሓድነት ዝፈታተንን ንመጻኢ ጸገም ዝፈጥር ኣተሓሳስባታት ዝውገደሉን ደረጃ ኣይተበጽሐን። ዋላ እቲ ኣብ ደገ ኮይኑ እቃወም እየ፥ ፍትሕን ሰላምን ከንግስ እየ፥ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ክምስርት እየ ዝብል እውን ከይተረፈ፡ ካብ ናይቲ ስርዓት ኣተሓሕዛ ዝፍለ ኣይመስልን እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ቀጻልነት እቲ ስርዓት ምዃኑ እውን ዳርጋ ንስሕቶ ዘሎና ይመስል። ከመይሲ እቲ ከም ደንበ ተቓውሞ ሓደ ነቲ ሓደ ክዕብልል ወይ እውን ከንበርክኽ እምበር ብሓባር ኰይንካ ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ናይ ኣሰላልፋ ቅጥዒ ዝሓዝና ኣይንመስልን። ምስክሩ እውን እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ኣወዳድባ ወይ ፖለቲካዊ መስመር ንሃገራዊ ሓድነትና ዘደልድልን ዘተኣማምንን ዘይኮነስ፥ እቲ ስልጣን ካልእ ጨቢጥዎ እንከሎ ንሓድሕድና ወሃብትን ከላእትን መሲልና ንቐርብ ኣሎና።

ካልእ ከኣ “ንዝምድና ህዝብን ፖለቲካዊ ሰልፍታቱን ኣብ ዝምልከት ከም ቀንዲ ክልተ ተገራጨውቲ እምበር ተመላላእትን ተመሓዝውትን ኣይኮናን።” ዝብል እቲ ግርጭት በቲ ሓደ ወገን ምስቲ ስርዓትን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሓድሕድና ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ። ኩሉ ተቓውሞ ዘስምዕ ዜጋ፡ ዝቃወም፥ ዝጉስጉስ፥ ኣብ ማሕበረ ኮማት ይኹን ህዝባዊ ማሕበራት ዝዋሳእ፥ ኣባላት ሰልፊ፡ ኩሎም ደረኽቲ ሓይሊ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምዃኖም ንዝንግዕ እሞ እቲ ዝምድና ምስ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከም ጨቋንን ተጨቋንን ኣገባብ ይሕዝ። እዚ ከኣ እቲ ዝካየድ መስርሕ ዲሞክራሲ ተሓታትነትን ምቁጽጽርን ብተግባር ውጽኢት ንከይህልዎ ብምትፍናን ነዚ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ግዜ ብኸንቱ ይባኽንን እቲ መስርሕ ይቚምስልን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ድሕርን ቅድምን ምውጋድ እዚ ስርዓት ክፍታሕ ዝግበኦ ፍልልያት ይተሓዋወስ እሞ ኣብ ሸንኮለል ንኣቱ። ንኣብነት ሕቶ፥ መሬት፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ልምድን፥ ስልጣን፥ ኩሉ ውልቃውን ማሕበራውን ተንከፍ ምስ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ሃገራዊ ቅዋምን ዝተኣስሳሰር ዘበለ፥ ሎሚ ኣብ ደገ ኰይና ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣወዳድባ ተወዲብና እነምጽኦ ፍታሕ ጽባሕ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝጸንሓና ኩነት ክራጸም ይኽእል እዩ።

ነዚ ምስቲ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ሃገራዊ ቅዋምን ዝተኣሳሰር ኣብ ደገ ኰይና ክንፈትሖ ህርድግ ምባል ስለዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ተራኺብና ክሳብ እንርእዮ ተወንዚፉ ክጸንሕ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ሎሚ ደንበ ተቓውሞ ክፍጽሞን ክሰርሓሉን ዘለዎ ጉዳይ፡  ነቲ ኣምር ዲሞክራሲ ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጡ የተግብሮ፡ ይሰርሓሉን ይጉስጉሰሉን እዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ማለት ህላዌ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ቀንዲ መሳርሒን ዓንዲ ዲሞክርስን ምዃኑ ብምእማን እቲ ዝተረፈ ማሕበራዊ፡ ንቓባዊ ... ወዘተ ውዳበታት ምስተን ሰልፍታት ተጽዕኖ ፈጣርነቱ ዓቂቡ ምስተን ውድባት ዝምድና ክገብሩ ይግባእ።

እወ! መሰል ናይ ምውዳብ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ናጻ’ኳ እንተኾነ ነቲ እንደልዮ ለውጢ ብዘፍኲስ ኣገባብ ውደባ ግና ቅኑዕ ኣይኮነን። እንታይ እዩ ድሌትና መዚንናን ገምጊምናን ሓባራዊ ዝኾነ ርድኢት ክህልወና ቅድሚ ኩሉ ተደላይነት ኣለዎ። ኩልና ንለውጢ ንቃለስ ካብ ሃሎና፥ እቲ እንደልዮ ለውጢ ብበበይኑ ዘይቃዶ መንገዲ ክኸውን የብሉን። እቲ እንደልዮ ለውጢ እዚ ስርዓት ከልግስን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ምትካልን፥ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዘመቻችእ ስልጠናን ፍልጠትን ክንቀስም ተደላይነት ካብ ሃለዎ ብውደባ ንፈላለ እምበር ክንገራጮን  ክንረሓሓቕን ኣይግባእን። ኩሉ እንገብሮ ምንቅስቓሳት እምበኣር ንናይ ኤርትራ ዲማክራሲያውነት ዓይነታዊ ዝገብሮ ክኸውንን፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስን  ንተሓታትነት ዘብቅዕን ህዝባዊ ተሳትፎ ዝረጋገጸሉ ባይታ ምጥጣሕ እዩ ቃልስና ከኽውን ዘለዎ።  ኣብዚ መስርሕ ዝፍጠር ምስሕሓብን ፍልልይን ከኣ መናቘቲ ዘይኮነስ መበላልሒ  እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሰኣን ዓቕምናን ፖለቲካዊ ብስለትናን  ኣረኣእያና ኣብ ዝምድና ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዝተዳኸመ ብምዃኑ ኣብ ምንታይን እንታይን የገራጭወናን ፍታሕከ እንታይ እዩ ንዝብል ተቐዳዲምና ኣብ ምጽልላምን ምክፍፋእን ዘእትወና ዘሎ ንሱ እቲ ስንኲፍ ተረድኦ ኣብ ዝምድና ማሕበራትን ፖለቲካዊ ስለፍታትን እዩ።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስን ድኽነት ንምውጋድን ድልዱል ቊጠባዊ ህይወት ክህልዎ ብዝኽእለሉ ኣገባብ ክንቅይሶ የድሊ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን በዚ እንኸዶ ዘለና ጉዕዞ ውድድራዊ እምበር ንሰረታትን ዓንድታትን ዲሞክራሲ ናይ ምትካል ጻዕርን ኣፍልጦን ዝሕቱል ከም ዘሎ ተገንዚብና፡ ኣብ ባዕላዊ ምርኮሳ ተኣማሚንና ለውጢ ካብ ነፍስና ጀሚርና  ከነምጽእ ክንቃለስ የድሊ። ዲምክራሲ በቶም ግዱሳት ጉጅለን (Interest group) ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዝፍጠር ጥዑይን ስነፍልጠታዊ ሓዘልን ዝምድና ምስ ዝህሉ እዩ።

ስለዚ ነዚ እንኸዶ ዘሎና ጉዕዞ ብናይ መንእሰያት ወይ እውን ዓበይቲ፥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ማሕበራት ወይ ከኣ ናይ ሰልፍታት ተባሂሉ ዝፍለ ቃልሲ ዘይኮነስ ኩሉ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ነባርን ሓዲሽን ተወሃሂዱ፥ ኣብ ማሕበራትን ሰልፍታትን  ሓደ ነቲ ሓደ ብዘይነጽግ  ፖለቲካዊ ኣገባብ እንተዘይተኸቲልና ተኽእሎ ምስፋን ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክጭወን ቀጻልነት ክስእንን ይኽእል እዩ።

ድራር መንታይ

 

 

ገባር ክፉእ ወይ ገበነኛ እንተስ ብቕጽዓት እንተስ ብናጻ ክፍረድ ግቡእ እዩ። እቲ ፍርዲ ከኣ ምስ ጭብጥታቱ ተሰንዩ ብፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ሕጋዊ መንገዲ ኣቢሉ ፍርዱ ክቕበል ከሎ ከኣ ኣተኣማማኒ  እዩ። ይኹን እምበር  እቲ ዝወሃብ ፍርዲ ሕነምፍዳይ ወይ ካልእ ጐናዊ ሕሳባት ዘይብሉ ክኽውን  ይግባእ።

ኣብ ዓለምና ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ክሳብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝድምደም ብዙሕ ንብረት ዓንዩ ብዙሕ ህዝቢ’ውን ሃሊቑ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ’’ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ምድልዳልን፥ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስን’’ ብዝብል ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓለም ዝነበረ ዝምድና፡ ሰላምን ምትሕብባርን ኣንፈት ክትሕዙን ውግእ ደው ንኽብል ናይ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም (League of Nations) ብ 1920 ተመስሪቱ። ይኹን እምበር እቲ ዝተመስረተ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም  ብፍላይ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ክገብሮ ዝነብሮ ዓቕሚ ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት ካብ ቺና፥ ሶቬት ሕብረት፥ ዓባይ ብሪጣንያ (UKን) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ወከልቲ ብ 1944 ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ብ 24-10-1945 ነቲ ዝነበረ ምትእስሳር መንግስታት ዓለም ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ተኪኦሞ።

ዕላማ ናይዚ ማሕበር ከኣ ንመጻኢ ዝለዓል ውግእ ደው ንምባልን ኣብ መንጎ ሃገራት መደረኽ ዘተ ንምምድማድን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን እነሆ እቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ልክዕ ነታ ቅድሚኡ ዝነበረት ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ዘጋጠማ ሽግር የጋጥሞ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝኸዶ ጉዕዞ ሓደ ብሓደ እንተተመልኪትና ኣፍራዪ ግደ ወይ ጎዳኢ ግደ ድዩ ተጻዊቱ ክንምርመር የድሊ። ንኣብነት ብሃገረ ኤርትራ እንተጀመርና ኣብ ሓምሳታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ትልሂት ብመጻኢ ዕድል ህዝቢ ብምጥላዕ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወ ውሳኔ 390A. እዩ። ንሱ ከኣ ብቐጥታ ንረብሓ ናይተን ሽዑ ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣመርካ ንጸጥታዊ ረብሓኣ ክትብልን መሓዛኣ ንዝኾነት ኢትዮጵያ ከተፍቱን ቅኑዕ ፍርዲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ቄናን ፍርዲ ንኽትግበር ዝተጻወተቶ ኣሉታዊ ግደ እዩ ነይሩ። ጉዳይ ፍልስጤም እውን እንተተመልከትና ካብ 1948 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ማዕልቦ ክግበረሉ ዘይተኻኣለሉ ምኽንያት ኣንጻር ረብሓ ናይ ገለ ሃገራት ብምዃኑ ጥራሕ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ዓለም እታ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ውግእ ደው ክተብል ስለዘይከኣለት ተባሂሉ ኣብ ክንድኣ ዝተተከአ ማሕበር’ውን ኣይኮነንዶ ውግእ ደው ከብል መመሊሱ እዩ ሓዊ ዝኣጉድ  ዘሎ። ኩሉ ናይ ዒራቕ፥ ናይ ሊብያ፥ ናይ ሱርያ ካልኦት ሃገራት ሓዊስካ ኣብ ረብሓ እተን ሓያላን መንግስታት ዘይውዕል እንተኾይኑ ወይልኡ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየደን ጌና ዝከየድ ዘሎን ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ዘሎ’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ውሳኔኡ ይቕየድ ዲዩ እንተበልና እምበኣር ካብዚ ተግባራቱ ብምብጋስ ፈጺሙ ዝቕየድ ኣይኮነን ንኽትብል እዩ ዘድፍረካ። እዚ ካብ ኮነ ኣብ ውሽጡ እውን ዘይንፈለጦ ብልሽውና ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሎሚ ሶቬት ሕብረት ንምዕራብ ኤውሮጳ ከይጸሉ ብማለት ዝግበር ሽርሕታት መዓት እዩ። ሓደ ካብኡ ነተን ኣብ ትሕቲ ሶቬት ሕብረተ ዝነበራ ሃገራት ከም በዓል ጆርጅያ፥ ዩክረን ወዘተ ሓደ ብሓደ ተመዝሒቐን  ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክጽንበራን፥ እተን ብናይ ማሕበርነት ዝተጸልዋ ንኽፈርሳን፥ ዝግበር ቁርቁስ እምበር ንዓለም ናብ ሰላምን ምትሕብባርን  ዝወስድ ባይታ ዘጣጥሕ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ እንተተመሊስና እቲ ባዕሉ UN ዝመሃዞ ፈደረሽን ስርዓት  ሃይለስላሴ ክጥሕሶ እንከሎ ጥቕሚ እተን ሓያላን ሃገራት ከይትንከፍ ብማለት ጸማም እዝኒ ሂቡ ፈጺሙ ክገትኦ ኣይተንቀሳቐን። ናይ ትማሊ ናይ ኣልጀርስ ውዕል እውን እንተኾነ ኢትይጵያ “ነቲ ብይን ተቐቢለዮ” ኢላ ክተብቅዕ፡ ተመሊሳ ”ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ንበል” ብምባል፥ ነቲ ዝተሰማመዓትሉ ዓለም ለኻዊ ውዕል ኣተግብሪ ኣይተባህለትን። እነሆ ድማ ውጽኢቱ ኣይውግእ ኣይሰላም ኮይኑ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም’ውን ተዓዛባይ ኮይኑ። ንጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ግርም መሕብኢ በዓትን መመሳመሲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኮይንዎ፡ መንእሰይ ከኣ ሃገሩ ራሕሪሑ ይወጽእ ኣሎ።

ሎሚ’ውን UN፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብስደተኛታት ምስ ኣዕለቕለቓ ደው ንምባሉ እምበር ንውጹዕ ህዝቢ ተሓልቑን ደንጊጹን ንመለኽቲ ከልግስ ዘይሕሰብ እዩ። እሞ እዚ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣዚ ንዓለምና ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ገጹዶ ከምርሓ ይኽእል ይኸውን እንተተባህለ “ኣይመስለናን” እዩ መልሱ። ምኽንያቱ ኣብቲ ውዕል ዘሎ ንዝኾነ ይኹን መጻኢ ውግእ ደው ንምባል እዩ። ግን ኣይኮነንዶ ውግእ ደው ከብል ነቲ ሓድሽ ውግእ ዝጽሕትር ተርእዮታት ደው ክብል’ውን ኣይከኣለን። ስለዚ ኩሉ እቲ ስራሓት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ረብሓ ውሱናት ሓያላን ሃገራት ዝተመርኰሰ እዩ ዝመስል። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ርጉእ ሃዋህው ክህልዎ ከምዘይክእል ርዱእ እዩ።

እዚ ኩሉ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓሳብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለምንታይ ዕሽሽ ኢሉ ዘይሓልፎ፥ ወይ ከኣ ብገበኑ ክፈርዶ የብሉን ንዝብል መርትዖታት ከቕርበ ኢለ ኣይኮንኩን። እንታይ ደኣ እቲ “ሕጊ ንኹሉ ማዕረ’ዩ” ዝብል ኣብ ተግባር ይውዕል የለን ንምባል እዩ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ተባሂሉ ተኸሲሱ ድሒሩ ግና ከም ዝሕግዝ መርትዖ የለን ተባሂሉ። መን ይፈልጥ ብሕጂ እውን “እዚ ስርዓት  ተመሓዪሹ እዩ” እውን ይብሉና ይኾኑ። ስለዚ ሕጊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብተግባር ብዘይኣድልዎ ክትግበር ይግበኦ።

ድራር መንታይ

Colorado

ሓምለ 3፡ 2016

ሰዓት፡ 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፡ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ኮሎራዶ።


ኣኼባ/ሰሚናር
1. እዋናዊ መኸተና -ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ግዴና ንምሕያል፡ ... ብዘድምዕ ምልዕዓል! ምጥርናፍ = ሓይሊ ህዝቢ ምህናጽ፣
2. ውሳኔ መርማሪት ኮሚሽን ተግባራውነቱ ኣብ ምርግጋጽ፣
3. ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ- ከም መናሃርያ ናብ ዓወት፣ .. .. ኣብ ዝብሉ እዋናውያን ዛዕባታት ኣተኲሩ ክዝቲ እዩ።

ንድምቀት ዓወታት ውሳኔ መርማሪት ኮሚሽንን ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫን ንጥፈታት ዝምልከት ኣስዒብና ክንሕብር ኢና።
ኤርትራውያን ነባሮ ኮሎራዶ ብዝለዓለ ሃገራዊ ወኒ ክትሳተፉን ኣብ ጊዜ ክትርከቡን ብትሕትና ነማሕጽን።

ኣወሃሃዲት ሽማግለ።

ስርዓታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተኻኻኡ እዮም። ህዝብን መሬትን ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ቦትኦም እምበር ኣይለቁን እዮም። ነቶም ዘይነበርቲ ስርዓታት ዝቐያይሮም እቲ ነባሪ ህዝቢ እምበር ካልእ ሓይሊ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቶም እናተተኻኽኡ ዝመጹ ስርዓታት ኣመጻጸኣኦም ብዘየገድስ ንስልጣኖም ክድርትን ካብ ስልጣኖም ከውርድን ናቱ ግቡእን ሓላፍነትን እዩ።

ህዝቢ ሓቢሩ ንረብሓኡን ንግዝኣተ ሕግን ክከላኸል እቲ ብውሽጡ ዝሓስቦን ምስቲ ኣብ ነንሓድሕዱ ዘለዎ ዝምድና፡ ቅርበትን ምትእስሳርን እዩ ዝውስኖ። እዚ ማለት ተኸባቢርካን ተሓባቢርካን ምንባር ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ዝውንን ዘይውንን ንውልቀ ሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝህቦ ፍረ በበይኑ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ብእንጎዓዞ ዘለና መንገዲ፥ ነቲ ንኹልና ዘናብር ናይ ሓባር ሓሳብ ክንውንን ኣይበቓዕናን ዘሎና። ሃገርን ስርዓትን ብሓንሳብ ሓዋዊስና ከነኺዶ እንጽዕሮ ከኣ ኣብ ደልሃመት እዩ ዝነቚተና ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሃገራዊ መንነትና እውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ። ከመይሲ ስርዓታት ማዕረ ሃገር ስለ ዘይኮኑ፥ ሃገርን ስርዓታትን ፈሊና ክንጥምት ዘይምኽኣልና ጸገም እዩ። እዚ ማለት ሃገር ልዕሊ ስርዓታት፥ ስርዓታት ከኣ ትሕቲ ሃገር ምዃኖም ክንግንዘብ ኣድላዪነት ኣለዎ።

ብሓጺሩ “ንሃገሩ ዘየኽብር ኣይነብር፥ ንህዝቡ ዘየፍቅር ኣይከብር” እዩ እሞ፥ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ምዃና ምስ መልክዕን ኣገባብን ምሕደራ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። እዚ ማለት እቲ ስርዓት ጨቋኒ ዲዩ ኣይኮነን ካልእ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ኩሉ ግዜ ልዕሊ እቲ ምሕደራ እያ። እቲ ህዝቢ እንተ ጠዓሞ ሃገር ክትህሉ እንተ ሓሰሞ ከኣ ሃገር ክትድምሰስ ዝብል ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ይጥዓሞ ይሕሰሞ ነታ ሃገር ብኹለንትናኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕብሕባ እዩ ዝግባእ። ንኣብነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ተኸታተልቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ከም ሃገር ነይራ፡ ኣላ፡ ንመጻኢ’ውን ክትህሉ እያ። ህዝቢ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ምሕደራ ሓሲሙኒ ኢሉ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ስቕ ኣይበለን። ኣብ ክንድኡ ንሃገሩ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ናጻ ኣውጺእዋ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ ቅኑዕ ምሕደራ ኣይረኸበትን። ሃገርና ቅኑዕ ምሕደራ ሰለዘይረኸበት ግና እቲ ዘይቅኑዕ ምሕደራን ሃገርነትን ብሓደ ይደምሰሱ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። እታ ሃገር ከም ሃገር ናይ ኩልና ስለ ዝኾነት ካብ ዝኾነ ይኹን ክነናግፋ እምበር ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለዘላ፡ ቀዳምነታት ከይንሰርዕ ክንብል ሃገርን ምሕደራን ክንደዋውስ ኣይግባእን። በቲ ሓደ ወገን ሃገር ካብ ኢድና ከይትመልቈና እናሓለና በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ጅሆ ሒዝዋ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድና ከነናግፋ መሰረታዊ ግቡእና እዩ።

ነዚ ክንበቅዕ እቲ ብሃይማኖት፥ ብዓሌት ወይ ብብሄር ተፈላሊና፡ ንሃገር ብማዕረ ስርዓት ክንጥምት ዘይኮነስ ቀዳምነት ንሃገር ክንሰርዕ ከም ዝግበኣና ኣይንረስዕ። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ክውገድ ናይ ኩላትና ድሌት ኮይኑ፡ ንምውጋዱ ከኣ ናትና ዕዮ ገዛ እዩ። ሃገር ምሕላው ማለት ካብ ናይ ውሽጢ ኮነ ናይ ግዳም ተጻባኢ ምዕቃብ ማለት እዩ። ሃገር ምዕቃብ ማለት ምስቲ ሃገር ንዕኡ ጥራይ ከም ትብጽሖ ገይሩ ሓስብ ስርዓት ምድንጋጽ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ጉዳይ ሃገር ቀዳማይ ክስራዕ ግድን ስለ ዝኾነ። ነቲ ዝብድላ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝጸላክዎ ሃገረይውን ምስኡ ትለከም ምባል፡ ግጉይ ኣተሓስሳባ እዩ። ጉዳይ ህልውና ሃገር ሓንሳብ ካብ ኢድካ እንተወጺኡ ምምላሱ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ምናልባት’ውን ዘይከኣል ስለ ዝኸውን ከሎ ጌና ጥንቃቐ የድልዮ። ካብዚ ሓሊፉ ሃገርን ስርዓትን ባዕሎም ይፈልጡ ኢልካ ምርጣጥ እሞ ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛን ካብ ኣተሓሳስባ ኩሉ ክወጽእ ዝግበኦን እዩ።

ንሃገርን ስርዓታትን ከም ሓደ ኣካል ገርካ ንምርኣይ ዝወሃብ ግጉይ ሓበረታ፡ ውሉድ ወለዶ ንሃገሩ ከይከላኽልን ኣብ ነንሓድሕዱ ብሃገር ደረጃ ከይሓስብ ዝገብር ስለ ዝኾነ ከሎ ጋና ክንሓስበሉ የድሊ። ካብዚ ነቒልና ኣብ ጉዳይ ሃገር ነንሓድሕድና ንደላለ ምዃና ክንኣምንን ክንቅበልን ድማ ግድን’ዩ። እዚ ምስ እንገብር ከኣ እያ ሃገርና ካብ ዝኾነይኹን ወጻዒ ስርዓት ብሃገራዊ ስምዒትን ምዕቡል ኣተሓሳስባናን ኣቢልና ንህዝቢ ዘኽብርን ዝምእዘዝን ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ንስርዓት ስለ ዝጸላእና ንምልጋሱ ናትና ዕዮ ገዛ ምዃኑ ዘንጊዒና ብዝኾነይኹን መንገዲ የልግሰልና ጥራሕ ኢልና ምጉዓዝ ንህልውናናን ክብርናን ዘማህምን እዩ ዝኸውን።

ድራር ማንታይ

መራሕቲ ህግዲፍ፡ ብጻብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ተሰናቢዶም፡ ንኤርትራ ንምድሓን ዘይኰነስ፡ ንህይወቶም ከድሕኑ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም። ገለ ካብ’ቲ ዝገበርዎ ትያትራት፦

  1. ንከርክብሎም ዝኽእሉ ኤርትራውያን ደገፍቶምን ዘይደገፍቶምን፡ ብኣስገዳድ ብመሰረት መምርሒታት ሰበስልጣን ህግዲፍ ዝተመልአ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ዘቕንዐ ጥርዓናት ከምዘቕርቡ ገይሮም፤
  2. ብዛዕባ’ቶም ን15 ዓመታት ዘይተዛረቡሎም እሱራት ኣባላት ጕጅለ 15 ብህይወቶምን ምስ ምሉእ ጥዕናኦምን ኣለዉ ክብሉ ተሰሚዖም፤
  3. ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደሞዝ ምኽፋል ጀሚርና ኣሎና ዝብል ናይ ሓሶት ወፈራ ኣካይዶም፤
  4. ሓድሽ ቅዋም ነዳሉ ኣሎና ዝብል ግዜ መብልዒ ዝኸውን ኣደናጋሪ መብጽዓ ኣስሚዖም፤
  5. ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ክንድርቶ ኢና፤
  6. ንጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ምድጋፍ ንኤርትራ ናብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝዓለመ ኢዩ ዝብል ብመጋበርያታቶም ዝተሰነየ ሰፊሕ ናይ ጸለመ ወፈራ ኣካይዶም፤

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ በዚ ወፈራታት’ዚ ኣይተደናገረን። ኣብ’ቲ ብዕለት 21 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ብስርዓት ኢሳያስ ዝተዳለወ ናይ ደገፍቱ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዝተኻፈለ ብዝሒ እንተርኢና፡ ካብ 1000-1500 ዝበዝሕ ኣይነበረን። እዚ ውን፡ ንደግፍቲ ግንቦት 7: ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ወሳሲኽካ ኢዩ። እዚ፡ ብመንጽር ‘ቲ እተኻየደሉ ጻዕርታት፡ ብመንግስቲ ኣስመራ ዝፈሰሰሉ ገንዘብን ክርአ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ጐድኒ እቲ ስርዓት ከምዘየለ ዘረጋግጽ ግብራዊ ምስክርነት ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ህዝቢ ኣስመራ፡ ነቶም ንደቁ ኣብ ከብዲ ኣስመራ ዝቐተሉ ዕሱባት ወተሃደራት ህግዲፍ፡ ብዳርባ እምንን ኣውያትን ዘስምዖ ተቓውሞን ኵነኔን እንተደኣ ወሲኽናሉ፡ ዕምሪ ጨቋኒ ጕጅለ ኣስመራ ዘሕጽሩ ረቛሕቲ እናተዋህለሉ ይኸዱ ምህላዎም ብዘይ ጥርጥር ክስመረሉ ዝኽእል ሓቂ ኢዩ።

 

ብኣንጻሩ ብ23 ሰነ 2016 ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሰባት ብዕግበቶምን ብገንዘቦምን ዝተኻፈልዎ ኰይኑ፡ ብብዝሒ ክርአ ከሎ ድማ ካብ 10 ክሳብ 14 ሽሕ ዝበጽሕ ነበረ። ናይ ሎምዘበን ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ካብ’ቲ ናይ ዓሚ ሰላማዊ ሰልፊ ብክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ምዝያዱ ድማ፡ ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት ተርእዮ ኢዩ። መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደለዪቲ ፍትሒ መንእሰያት ምዃኖም ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ዝገበረ እንተገበረ፡ ካብ ውድቀት ክድሕን ከምዘይኰነ ዝሕብር ኣገዳሲ ምልክት ኢዩ።

 

ህዝብናግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ጽሩይ ማይ ክሰቲ ከምዘይክእል ኣዐርዩ ዝፈልጥ ህዝቢ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩ እውን፡ “ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ክብል ዝመሰለ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ “ናብ ማይ ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ናብ ግዝኣተ-ሕጊ ዘለዎ ሃገር ምህናጽ ኢዩ ክኸይድ ኣንቂዱ ተላዒሉ ዘሎ”። ፍትሒ፡ ሰላም፥ ናጽነትን ግዝኣተ-ሕግን ከየንገሰ ድማ ንድሕሪት ክምለስ ኣይኰነን።

 

ሰበስልጣን ህግዲፍ ናብ ሕጊ ምኻድ ከም ቍሪ ኢዮም ዝፈርሕዋ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ይዕበ ይንኣስ ነቐፌታ ክቐርበሎም ከሎ ብምድሃልን ጸለመን ክዕፍንዎ ዝፍትኑ። ሓቅነት እንተልይዎም፡ ንጹሃት እንተዀይኖም፡ ናብ ሕጊ ምኻድ ስለምንታይ ኣፍርሖም? ስለምንታይ ኢዮም’ከ፡ ንኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ኣትያ፡ ንሃለዋት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትና ክትምርምር ዘይፈቐዱላ? ስለምንታይ ኢዮም ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዘየቕርብዎም? ስለምንታይ ኢዮም ምስ ቤተሰቦምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክራኸቡ ዘየፍቅዱሎም?

 

መራሒ መንግስቲ ከንያ፡ ኡሁሩ ከንያታ፡ ብነብሱ ተኣማሚኑ፡ ናብ ኣህጕራዊ መጋባእያ ገበናት (ICC) ቀሪቡ ናጻ ተባሂሉ ተለቒቑ እኳ’ዩ። ዲክታቶር ኢሳያስ ንጹህ ኢየ በሃላይ እንተዀይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ዘይገብር?!!!

 

ጕጅለ 15 እውን፡ ናብ ሕግን ሕጋውነትን ንኺድ ፡ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም 1997 ዓ.ም ይተግበር ስለዝበሉ እኳ’ዮም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮምን ተበሳቢሶምን። ድሒሩ እውን፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ተኻፊልኩም ንዝበሎም መሳርሕቱ ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዘይ ፍርድን ብዘይ ሕግን ድምጾም ድምጽማጾም ከምዝጠፍእ ዝገበረ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ዘየገድሶ ሓደገኛ ምልካዊ ጕጅለ ኢዩ ።

 

ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ካብ ግዜ እናዓበየ፡ ተቓውሞኡ ንግፍዕታት ህግዲፍ ድማ እናተርንዐ ክመጽእ ይርአ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭ፡ እስራኤልን ኣዲስ ኣበባን ብደለይቲ ፍትሒ ዝተፈጸመ መኸተ ናህሩ ከይጐደለ፡ ትጽቢታት ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውን ንምግባር፡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ፡ ኣንጻር ዲክስታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ተሓባቢርናን ተዋሃሂድናን ክንቃልስ ኣሎና።

 

ሓድነት ሓይሊ ኢዩ!!

 

ግርማይ ተኽለ

Demonstration in Geneve June 23, 2016

Friday, 24 June 2016 07:11 Written by

Radio Erena: 21 June 2016

Yemane Ghebreab
ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፋ ሃገራት፣ መብዛሕተን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ንዝብል እማመ'ውን ደጊፈን።

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ብ8 ሰነ ዝቀረበ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብን፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝሓዘ ምሉእ ጸብጻቡ ናብቲ ባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶታተን ክህባ ዝተሓታ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረላ ዕለት፣ ንጽባሑ ኣሻሓት ዜጋታት ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ንምቕዋም ኣብ ጄኔቫ ተረኺቦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ በንጻር እዚ ግን መርማሪ ኮሚሽን ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምቕራባ ይጽዕር ምህላዉ ወቒሱ። በዚ ገበን እዚ ክትክሰስ ዝግብኣ ኢትዮጵያ'ያ ክብል'ውን ደምዲሙ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ከምዝድግፋ ብምጥቃስ፣ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክወስድን ምስ መርማሪት ኮሚሽን ክተሓባባረን ጸዊዐን።

ነርወይን ብሪጣንያን በብወገነን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጉዳያትን ከምዝተዘራረባ ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ብዘምርኣዩ ከምዘጉሃየን ጠቒሰን።

ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዘይምህላዉን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ከምዝፍጸምን ብምጥቃስ፣ ኤርትራ ምስታ ኮሚሽን ክትተሓባበርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ብምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክጽዕር'ውን ተላብያ።

HRC
ነርወይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ከም ማሕበር ጋዜጠኛታትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰሉ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽቖማ ክፈቕድ ሓቲታ።

ፈረንሳ ከኣ ካብዘን ሃገራት ብዘይፍለ ንርእይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ብምድጋፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ንኸተጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቡ ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ። ነቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረበ እማመ ዘለዋ ደገፍ ድማ ገሊጻ።

ኣመሪካ ብወገና ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን መግለጺታት ከምዘውጽአት ብምጥቃስ፣ በታ ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ ከምእትኣምኖ ኣፍሊጣ።

ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ ምርጫ ክካየድ፣ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክፍትሑ ዝብል እማመ ብምቕራብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽን ብምትሕብባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸዊዓ።

እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን'ውን ካብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣይነበረንን።

ኩባ፣ ቻይናን ቬኔዙዌላን ከኣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ከምዝቓወማ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተን ልዝብን ክቕጽል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጸገማት መንግስቲ ኤርትራ ብግቡእ ተረዲኡ ኣብ ምፍትሑ ክተሓጋገዝን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ከይኣቱን ኣተሓሳሲበን።

ከም ጋናን ቦትስዋናን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበርን ብምጽዋዕ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ክቕጽልን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣፍደጌታቱ ንመርማሪት ኮሚሽን ከርሑን ሓቲተን።

ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን፣ ነቲ ብኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክድግፉ እንከለዉ፣ ወኪል ጅቡቲ ከኣ ብዛዕባ'ቶም ጌና ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ ዝበሎም 13 ምሩኳት ኵናት፣ ደሃዮም ንምርካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ጻዕርታቱ ክቕጽል ጸዊዑ።

ኬንያ ብወገና ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ግቡእ ኣቓልቦ ክግብረሉን እማመ እታ መርማሪት ከኣ ክትግበርን ተማሕጺና።
ሰበ ስልጣናታ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝድለዩ ሱዳን ግና እታ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ገሊጻ።

ብዘይካተን ወከልቲ ሃገራት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኣህጉራውያንን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ መደረታት ኣስሚዖም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼብኡ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ውሳኔ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

 

ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማዕታት ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ከተማ ኦስሎን ከባብን ሓቢርካ ንምዝካርን፣ ነዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ትራጀዲ/ ቅዝፈት ናይ ዝሰኣናዮም ወገናትና፣ መንእሰያትናን ሕጻናትናን እውን ናይ ሕልና ጸሎት ንምዕራግን

  1. ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን
  2. ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ኖርወይ
  3. ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
  4. በርገሳዊ ማሕበር፣ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
  5. ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቒ-ኣንስትዮ ንሰላምን ፈትሕን ጨንፈር ኖርወይ

ናይ ሓባር ምድላዋት ብምግባር ብኽብሪ ይጽውዑ ኣለዉ።

ምሉእ ሓበረታ፣

  • ዕለት 20 ሰነ 2016
  • ሰዓት 17 ወይ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድቀ
  • ቦታ Ebbells gate 1, ቀዳማይ ደርቢ

ንተወሳኺ ሓበረታ፣ 96886017 ወይ 94738158 ወይ 99454433 ደዊልኩም ተወከሱ።

ብደሓን ምጹ!!

 

ጨንፈር ሳንድየጎ ንዘካየዶ ኵሉ-ሸነኻዊ ቃልሲ ንምግምጋም 11 ሰነ 2016 ዓ.ም. ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ኣሰላሲሉ። ኣብዘን ዝስዕባ ዛዕባታት ኣትኵሩ ድማ ብዛዕባ ሕሉፍ መደባቱ ተመያይጡን ገምጊሙን ከምኡ’ውን ናይ መጻኢ ዕማማቱ ሓንጺጹ፡

  • ብዛዕባ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ጭቆናን ብሓፈሻ፤ ኵነታት ደምበ ተቓውሞን                     ብድሆታቱን ድማ ብፍላይ ኣመልኪቱ ብዕምቆት ተመያይጡ። ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝጽዕኖ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘስዓቦ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ዘኸተሎ ዋሕዚ ስደት፣  ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ንመንእሰይትና ዘጋጥሞም ዘሎ ህልቀትን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ምጥሓል ናይ ሒዛቶም ትጕዓዝ ዝነበረት መርከብ ብምዝካር ሓዘኖም ገሊጾም።
  • ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትክኡ፣ ሰልፍና ዘካይዶ ዘሎ መኸተ ብምድጋፍ፣ ጨንፈርና ኵሉ ዝከኣሎ ከበርክት ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
  • ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ኣባላት ግቡኣትን ጨንፈራዊ ሕሳባትን ኣጻፊፉ ድሕሪ ምዝዛም፣ ተሪፉ ዘሎ ናይ 2016 ሕሳባት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክዓጹ ውሳኔ ኣሕሊፉ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ ኣኼብኡ ድማ ክግምግሞ ምዃኑ ኣሚቱ።
  • ጨንፈርና ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ዝዳሎ ዘሎ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ዞባዊ ጉባአ ንምዕዋት ዘድሊ ተሳትፎን ምትሕብባርን ክገብር ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ሃይለማርያም ውሩይ

          ኣቦ መንበር ጨንፈር ሳንድየጎ

BAEDC Logo

በይ -ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዜጋታትና ዘተሰምዓ መሪር ሐዘን እናገለጸ ንግዳያት መንግስተ ሰማያት ንቤተሰብ ግዳያት  ብፍላይ ንመቅርብን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ይሃብ ይብል።

እዚ ከምዚ ዓይነት ሞትን ወረሞትን ካብ ኤርትራዊ ዜጋ ከይተፈለየ ዓመታት እካ ኣቁጺሩ እንተሃለወ እዚናይ ሎሚ ጃምላዊ ህልቂት ግን ንህልቂት ላምፔዱሳ ዘዛካክረና ኾይኑ ብዓይነቱ ዝዓበየን’ዩ።

እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ሞትን ህልቂትን’ዚ ብሰንክቲ ብደም ህዝብና ዝገበለ ስርዓት ዝወርድ ዘሎ መከራ እንተደይ ትደፋኒ መን መጽደፍኒ መንእሰያትና ነታ ተወሊዶምላ’በር ዘይሐንቀቁላን ዝየስተማቀርዋን ሃገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ብሐደገኛ ጉዕዞ ክስደዱን ኣብዚ ሓደገኛ ጉዕዞ’ዚ ድማ ኣደዳ ባሕርን ሳሃራ በደዊንን ይኮኑ ኣለዉ።

እዚ ናይ ሎሚ ተረክቦ ሐዘን እንባኣር ደርብ ሐዘን’ዩ። ምክንያቱ ድማ እቶም ኣእላፋት ጀጋኑ ምእንቲ ኣብ ንፈተዋ ሀገርና ብሰላምን ቅሳነት ክነብርበጃ ዝሐለፉ መዓልቲ ዝክሮም 20 ሰነ ኣብ ምዝካር እንቃራረበሉ ዘሎና ሕድሮም ተጠሊሙ ከምዚ ዓይነት ኣብ ግዜ ባዕዳዊ ገዛኢ እኻ ዘይተራእየን ምዝንታዉ ዘጸግም ህልቂት ኣዴታት ጸጉረን ከይተፈትሔ ብደርሙ የዒንተን ከይጸፈፈ ምስ ንብዓቱ ቁሩብ ሐይሊ ዘረከባ ድማ ካብቲ ሕሱም ምሐደራ ንምህዳም
መረብተን ዓጺየን ህጻናተን ሒዘን ክስደዳን ምስ ህጻናተንን መንእሰያት ደቅንን የሕዋተንን ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉን ንቡር ሞት ሲኢኖም ትረፍ ሐርገጽን ዓሳን ከም እንስሳ ተዘቂቆም ካብ ባሕሪ ክወጹ ንዓና ኤርትራውያን ይትረፍሲ ንማንም ሕልና ዘለዎ ፍጡር ወዲ ኣዳምውን ዘሰንብድ’ዩ። ወለዲ ንቡር መርድእ ወሉዳቶም ሲኢኖም ዓሰርተ ሞት ኾይንዎም ሃህ ኢልካ ዘይትበክዮ ሞት ሕጹይ ኣብታ ብጽምዋን ሕሰም መበባብሮን ዝተዋሕጠት ጎጀኦም ንበይኖም
ሐዘኖምን ሐሳረ መከረኦምን ይርእዩ ኣለዉ። እዚ ሕድሪ ጀጋኑና ጠሊሙ ንሃገርናን ህዝብናን ኣጽኒቱ ሞቱ ዘይተርፎ ተተርኢሱና ክጠፍእ  ትዓቲቁ ዘሎ ግፍዔኛ ስርዓት ሐላይ ህዝቡን ሃገሩን ክመስል ኣብ ቅድሚ ዓለም እካ እንትጭ በርበረ በትሪ ሐቅስ ትቀጥን’በር ኣይትስበርያ ማስጣ እዞም ንጹሃት ዜጋታት ድማ ሓቀኛ ገጸ ባህሪ ናቱ ይቃላዕ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ብመርማርት ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ካሕሳ ናይ’ዞም ብክንቱ ዝጠፍኡ ዘለዉ ዜጋታትናን ውጹዕ ህዝብናን እዩ’ሞ ደገፍና ንገልጽ። እቶም ነዚ ህልቂት እዚ እናራኣዩ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ኢሎም ንሰለማዊ ሰልፊ ናይ ስርዓት ህግደፍ ንምድጋፍ ዝህቅኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ዋላኻ ተምጽእዋ ለውጢ እንትዘይሃለወ ንሕልናክምን ንሕልና ህዝብኩምን ክትዕገሱ ንምሕጸን።

በዚ ኣጋጣሚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንግዳይትን ንመዓልቲ 20 ሰነን ንዕለት 18/6/ 2016 ኣብ ኦክላንድ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ክንገብር መዲብና ሰለ ዘሎና ኩሉ በዚ ሐደጋዚ ዝግደስ ክሳቶፎ ንሕብር።

ክብርን ዝክርን ንኩሎም ሰማእታትና !!

ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብደም ሰማእታታ ክትጥጥዕ’ያ !!
    

                                                                 1
4/6/2016