ቅልዕቲ መልእኽቲ ንቀለታ ኪዳነን ደቂ-መዛምርቱን

2016-07-13 18:49:39 Written by  ብርሃነ ተስፋጋብር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5000 times

ዕድሜስ አይምህርንዶ? ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት!!!

ዕድሜ ብርግጽ ጸጋ ካብ ፈጣሪ እዩ፣ ብዕድሜኦምን ብተሞክሮኦምን ዘይማሃሩ፣ ንሓቅን ሓሶትን ዘየገናዝቡ፣ ዝአጎድዎ ሓዊ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎምን ኮብለልቲ ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት  ዘረባ ጥራሕ ግን መርገም እዩ ። ነዚ እዩ  ኣቦታትና ፡ ክሳብ ሰብ ዝጸልአካ ዕድሜ ኣይሃብካ ዝብልዎ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዉልቕ መላኺ፤ ብዕዉር ትምክሕቲ ዝሰኸረ፤ ከምዕቡድ ከልቢ ንኹሉ ዝነክስ ኣማንን ፈታዉን ዘይብሉ፣360 ዲግሪ ምስ ዝጎራበቱና ሃገራት ብሓዊ ክጻወት ዘይሓንኽ፣ ነቲ ሰራሕ ታሪኽ ዝኾነ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ፍሬ ጻማ መስዋእቲ ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ ብሰላምን ቅሳነትን ከይነብር፤ ንንቡር መርድእን ናይ ዉላዱ ሞት ቅባጸት ዘይረኽበሉ ኣደራዕ ንኽስከምን ወግሐ ጸብሐ ንሓዘን ንኽቃላዕ ዝገበረ፤ ኣብ ዘለናዮ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዘለዎ ጭካኔ መዋዳድርቲ ዘይርከቦ፣ ኤርትራዊት ማህጸን ጀጋኑን ሰራሕቲ ታሪኽን ከምዘይወለደት ወላድ መኻን ዝገበረ፣ ኣፍራይ ሓይሊ ወዲ ሃገር ብፍላይ መንእሰያት ሃገር ዘይትርገጽ ርስንቲ ሞቅሎ ኮይናቶም ሃጽ ኢሎም ክስደዱን ኣብ ሰሃራ ቀለብ ኣሞራ፡ ኣብ ቐላያት ማእከላይ ባሕሪ ንቀለብ ዓሳ ክሳጥሑ ዝገበረ፣ ብሓፈሸኡ ጠንቂ ብርሰትን ህልቂትን ብምኻን ዝልለ፣ ሰብአውነት ዘይብሉ ዓማጽን ደረቐኛ ስርዓት ምኻኑ ብትካል ሰብአዊ መሰል ዓለምና ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ገበን ብምፍጻም ዝሕተተሉ እዋን፣ ጥዑይ ሕልናን ፍትወት ሃገርን ህዝብን ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ክስሕቶ ወይ ክፈላለየሉ ክትርኢ እትጽበዮ አይኮነን።

ከም በዓል መስከረም ኔትን ዝአጎድዎ መጋርያ ምስሓን ልምዲ ዘይብሎም ኮብለልትን፤ ነዚ ዘሎ ጸገም፡ ሕሰምን ኣደራዕን ህዝብና ብፍቃድን ሰናይ ድልየትን ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣዛብእ ሰበስልጣናቱን ጥራሕ ክመጽእን ክትኮበልናን ክልምኑን ክምሕጸኑን ክንሰምዕን ክንዕዘብን ምጽናሕና ድማ ፤ ምሕጽንተኦምን ልመናኦምን ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ክትብል ዘሕፍር እዩ። እወ ሕብሮም ከም ነፋሒቶ ክቀያየሩ ዘይሓንኩ ብዘረባ ወራዙት ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብ ክረአ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን ። ኣቶ ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፤ ሎሚ ኣብ ስልጡን መዋእልን ኣብ ዉሽጢ ስልጡን ህዝቢን እንዳነበሩ ዝንቡዕ ሓሶት፣ ሕሱርን ግዕዘን ዝተኻሕለ ቃላቶም ክትሰምዕን፡ ተቃወምቲ ኢና እንዳበሉ ንዕድሜ ስልጣን ዲክታቶርያዊ ስልጣን ህግድፍ ንምንዋሕ ዓዘር ቀዘር ክብሉ ክትርኢ ግን ኣበይ እዮም ዝነብሩ? እንታይ እዩ መኽሰቦም? ንመን እዮም ተዓሲቦም? ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ። ካብ ሕልና እቶም ሓቐኛ ተቃለስቲ ስዉር እካ እንተዘይኮነ መስተንክርን መሰደመምን መኣዝን ዝሰሓተ ምስሉይነት ኢልካ ክግለጽ ግን ምግናን ኣይመስለንን።

እዞም ነጸላ ጻዕዶ ወራዙት ዘረባ፣ በዓል ቀለታ ኪዳነን ዝመስልዎን፣ ሎሚ ኣብ ባዓቲ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ማዕከናት ዉልቐ መላኺ ስርዓትን ኮይኖም ዝመጻደቁ ዘለዉ፣ ወዮደአ ነውሪ ዘይፈልጡን ክገማጠሉ ዘየሕንኾምን እዩምእምበር፡ ትማሊ ንመስከረም ኔት ወናኒ ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም ብዕሱብነት ህግደፍን ስዉር መሳርሒን ዝኸሱ ንኢሳያስ ከም ገበነኛ ክገልጽዎ ዝጸንሑን፤ ሓንሳብ እዉን ኣፍቀርቲ ናይዞም ሎሚ ዝኸስዎም ዘለዉ ወያኔ ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ምንባሮም ስኑድን ቀለሙ ዘይነቀጽ ጽሑፋቶም ዘረጋግጾ ኣሎ ዘይበሃል ሓቂ እዩ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኢዮብልዩ ብሩራዊ በዓል ነጻነት ንህዝቢ ንምድንጋር ብዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ ተደናጊሮም ከደናግሩ፡ ያኢ ተነበይቲ ክበሃሉ፣ እሱራት ናይ ምፍታሕ ዉሳኔ ክዉሰድ፣ ንጠንቂ ስደት ዝኾኑ ሕጽረታት ከወግድ፣ ሃገራዊ ልዝብ ክእዉጅ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንስኒት ክእምም፣ ንህዝብን ሃገርን ራሕዋን እፎይታን ዘለዎ ኩነት ክፈጠር፣ ናይ ህዝቢ ተራ ዘይተሓዎሶ ቅዋም ክእዉጅ … ወዘተ ዘርዚርካ ክትገልጾ ዘድክም ጡሩንባ ብምንፋሕ ክጽበዩ ምጽነሖምን ካልእ ንመንነቶም ዝገልጽ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂ እዩ። እዚ ኹሉ ከም ኣብ ማይ ዝእተወ ጨው ሓቂቁ ብብደዐ ዝሰኸረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ጡሩንባ ዝተነፍሓሎም ምሕጽንታን ልመናን ሓንቲ ቃል እካ ንማለቱ ከይዘከረ ንሰብ ገረሞ ኣብ ወርቓዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ኢሉ መደረኡ ምስ ዛዘመ ሕልንኦም ክምርምሩ ኢኻ እትጽበ።

እዞም ብጭዋን ዉርዙይን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድሩ፡ ግን ሓኮን ኒሕን ዘይዉንኑ ኮብለልትን ወራዙት ዘረባ ጥራሕ ግን ሕጂ እዉን ኣይተማህሩን። እቲ ንኮንቱን መኻንን ልመነኦምን ምሕጽንትኦምን ዕሽሽ ተባሂሉ ምስተሓልፈን ምስትደርበየን ድማ ካልእ ሕብሪ ክለብሱ ሰማዒ እዝኒ ያኢ ክረኽቡ፣ ብአፍ ቀለታ ኪዳነ፣ ብዙሓት ተጋጊኻን ንኢሳያስን ኮርሻ ስልጣን ዝተወጡሑ መሳርሕቱን ኣይትፈልጦምን ኢኻ ክብሉ ዝመዓዱኒ ሓቆም ነይሮም ብማለት ከምስሉ፡ መራሒ ሃገር ክትብሎ ዘሕፍር፤ ልዕሊ ዓቅሙ ዝዳፈር ክብሉ ተሰሚዖም። እዚ ግን ንይምሰል ምንባሩ እነሆ ሎሚ ነቲ መላእ ሕብረተሰብ ዓለም ዘስደመመ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብጭካኔ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ብጭብጢ ተሰንዩ ብናይ ዓለም ሰብአዊ መሰል ትካል ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚቴ ብዝፈጸሞ ገበን ንዝቀረበሉ ክሲ ክከላኸሉ ድግድጊት ተዓጢቆም ይርከቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ነቲ ብተግባራት ስርዓት ህግድፍ ግዳይ ዝኾነ፡ ካብ መሸጣ ነጋዶ ደቂ ሰባት ንመቓያየሪ ናውቲ አካላትን ካብ ቀለብ ዓሳ ማእከላይ ባሕርን ዝተረፉ ብአሸሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት፤ ገዳይም ተቃለስቲ፣ ኣቦታትን ኣደታትን ናይ ሕልና ምስክርነት ብምሃብ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 23 ሰኔ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ብወያኔ ዝተመወለ ክብሉ ኣይምተሰምዑን። ብአንጻሩ ነቲ ብዕለት 21 ሰኔ 2016 ብሽም ኤርትራውያን ዕማኾ ደገፍቲ ስርዓት ዉልቐ መላኺን መአዝኖም ዘይፍለጥ ብግንቦት ሸውዓተ፤ ኦሮሞን ሶማልን ዝግለጹ ብአፍ ኤርትራዊ ዝመደሩ ንልዑላውነት ሃገር ዝሕለቁ ዝብል ስያሜ ክህቡ ኣይምተሰምዑን። ነቶም ፍትሒ ዝተሓረሞም ደለይቲ ፍትሒ፡ ንገበነኛ ናብ ፍትሒ ይቅረብ ምባሎምን ብደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም ንገበናቱ ክቓላሕ ምኽአሉ ምድጋፍን ድማ ጸረ ልዑላውነት ክበሃል ተሰሚዑን ተራእዩን ዘይፈልጥ እዩ። ክንከዓብ ኢናኸ ክብሉዶ ኣይግባእን?

ፍትወት ሃገርን ህዝብን፡ ብእንቐዓ ጃህራን ንባዕልኻ ልዕሊ ኹሉ ብምቅማጥ ፈላጥ እየ፡ ምኩር እየ ብማለት ኣብ መስኮት ኢንተርነት ኮንካ ንመለኽትን ገበነኛታት እንዳወደስካ ብዝግበር መደረ ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተግባር፡ ኣብ ሓቅን ኣብ መትከልን ደው ብዝብሉ፡ ሃንደበቶም መደረኦምን ቃላቶምን ዘኽብሩ፡ ካብ ድሑርን ፈላላይን መሳርሒ ምልኪ ሕጹባት፡ ትሑታት ተሓለቅቲን ተኸላኸልትን ዉጹዓት፡ ብአፍ ዘይኮነ ተግባሮም ምስክር ኮይኑ ብዝዛረበሎም እዩ ዝግለጽ። ብዝተረፈ ናይ ስፖርት ጸወታ ኣክሮባት ኮይኑ፡ ሓንሳብ ሃገራዊ፡ ጽንሕ ኢልካ ተሓላቂ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃስ፡ ተመሊስካ ጠበቓ ብሄራት፡ ሕፍር ከይበልካ ድማ ባዕልኻ ወኪል ህዝቢ ዝብል ንነብስኻ ብምጥማቅ ኣብዞም ሎሚ መኽፈት ኣፍ ኮይኖም ዘለዉ ወያኔን ተጋሩን ብምስጋድን ብምምጛስን ጠፋእና ለማዕና ኣባኹም እንዳበልካ ብዝቀያየር ናይ ነፋሒቶ ሕብሪ ዝግለጽ ኣይኮነን። ሓቂ ንምዝራብ ድማ ቓሉን ኣንደበቱን ዘየኽብር፣ ምስ መዘናታቱ፡ መቓልስቱ፡ ኣብ ክንዲ ፍቅርን ስኒትን ኣብ ቖይቅን ምዝንጣላትን ዘቐድም፡ ብጽንዓትን ተአማምንነትን ዘይልለ አማኒ ዘይብሉ፣ ፍትወት ሃገርን ህዝብን ክህልዎ ክትጽበ ዝከአል ኣይኮነን።

ከም ደቒ ሃገር፣ ዘዛርብን ዝስራሕን ኤርትራዊ ገዛ ዕዮ ኣይተሳእነን። ኣብ እንግድዓኻ ዘሎ መስገደል ከተውርድ ስለሓቒ ክትሙግት እዩ ዝግባእ። ብዝተረፈ ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ማእሲ ኣንጽፉለይ በለ ዝዓይነቱ፣ ዋናታቱ ዘለዉዎ ወያኔዶ! ትግራዎትዶ! ሱዳንዶ! ጁባዶ!ዉቅያኖስ ሰጊርካ ኸእ ፍሹላት መንግስታት ጁቡቲዶ! ሶማልዶ! ምምሕዳር ዋሽንግቶንዶ! ሕቡራት መንግስታት ዓለምዶ! እንዳበልካ ብናይ ጎራባብቲ ኣህዛብን ዓለምን ብምዉርዛይ ጸፍ ምባል መልክዕ የብሉን። ስለምንታይ እዩኸ ኩሉ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ዝኸዉን? እንታይ ስለዝወሰደሎም? ወይስ ከምቲ መላኺ ስርዓት ንነብሱ ከደዓዕስን ህዝቢ ከደናግርን ብቅንእን ምሕሳድን ንህዝቢ ኤርትራን ነጻነቱን ከምኡዉን ሐደ ስርዓት ህግድፍ ጥራሕ ብናቱ ርእይቶን ራእን ዝምራሕ እቶም ኻልኦት ግን ኩሎም ዘወርትን ኣማሓደርትን አለዉዎም እዮም ክብሉና እዞም ናይ ተባህለ ፈላስፋታት? ገለ ኣብነት ካብቲ ዘህተፍትፍዎ ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያን ስርዓቱን ተመልከቱ << ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይልን ብበትርን ብጥይትን ከመሓድሩዎ ክቃለሱ እውን ንርኢ ኣሎና። ህዝቢ ብበትርን ብጠበንጃን ጥራሕ ከም ዘይግዛእ ትማሊ ባዕሎም ዝመሃሩሉን ዝሰርሑሉን ጕዳይ ክነሱ ኣብ ስልጣን ኮፍ ስለ ዝበሉ ሎሚ ኣብ ሓጺር እዋን ክርስዕዎ ግን እቲ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። >> ይብሉ። ሓሶትን ሓቅን ንኽብል ደልየ አይኮንኩን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝሕለቁሉ ስርዓት ህግድፍከ? እዚ ብሂል እዝስ ኣይምልከቶን ድዩ ክብሉና? ናታ አቐሚጣስ ናይ ሓማታ ዝበሃል ክምዚ እዩ። ንምኻኑ እዞም ናይ ዘረባ ፈላስፋታት ወራዙት  ነጸላ ጻዕዶ ክንድቲ ዘባኽንዎ ግዜ ሰማዒ እዝኒ ዝረኽቡዶኾን ይስምዖም? ኪዒቡ ዝነዓቅዎምን ክብሪ ስለዘይብሎም ንጎኒ ዕሽሽ ዝብሎም ከምዝበዝሕስ ይርድኡዶኾን ይኾኑ? ዉሑዳት ብረብሓን ብዝተፈላለየ ድሑር ሕማማትን፤ ግሩሃትን ኣይክህልዉን ማለተይ አይኮነን። 

ተቓዋማይ ኢየ እንድበልካ፡ ንኹሉ ተቓዋማይን ደላይ ፍትሕን ብዑስብነት ወያኔ፣ ክሕደት፣ ጥልመት፤ ልምሰት እንዳኸሰስካ ንህዝቢ ከይስዕቦም ጡሩምባ እንዳነፋሕካንከ እንታይ እዩ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ?? ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ዝቀየረ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሕ ተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ገበንን በደልን ዝፈጸመን ንብርሰት ዘሳጠሐን መላኺ ዘይግበኦ ክብሪ ሂብካን ለሚንካን ተማሕጺንካን ለውጢ ካብኡ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ብማለት ንብዓት ሓርማዝ ምንባዕስ ሃየንታ ህዝቢዶ ኣይከውንን??? ኣይፋልኩምን በዓል ቀለታ ጽባሕ ክወግሕዩ! ዳግማይ ሕሰቡ ! ህዝብኹም ኣይተጉህዩ። 

ኤርትራዊ ዜጋ ኣካላቱ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባት መደለብ ሃብቲ ኮይኑ፤ መቐያየሪ ዝተበላሸወ ወይ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ናውቲ ኣካላት ዕዳጋ ክወርድ ሕልንኡ ዘይወቅሶ ስርዓት ምኻኑ ድማ ሎምስ ዓለም ብምልኡ ዝፈለጦ ዘይክወል ሓቂ ኮይኑ ኣሎ። ሽያጥ ገንዘብ ኤርትራዊ ዜጋ ማእከሉ ከተማታት ኤርትራ ምኻነን ድማ ክሳብ ክንደየናይ ኢድ እዚ ኣረሜን ስርዓት ከምዘለዎ መርአይኡ እዩ። በዚ ክትልብሙን ክትመሃሩን ድማ ይግባእ። ዕሸል ሕጻናት ብአዛብእ ሰበስልጣናት ህግድፍ ካብ ከተማታት ኤርትራ ተሰዊሮም ንራሻይዳ ንመሸጣ ከምዝጛረቱ እዉን ናይ ምስጢር አደባባይ ምኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ። ጽባሕ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ሳሕል ካብ ዓራረብ መቓልሖም ክትሰምዑ ምኻንኩም ኣይትጠራጠሩ። 

እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደገፍ ህዝቢ እንዳረሓቆ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ዝተፈንፈነ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዝወስዶ ኣረመንያዊ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባር ፈሪሑ ኣፉ ዝተለግመ ህዝቢን ብረብሓ ንህዝብን ሃገርን ኣይግዳዶም ተደጊፉ ዝተሓልፈ ዓመታት ሎሚ የኸትም ኣሎ እንተተባህላ ምግናን ኣይኮነን። መርአያኡ ድማ እዚ ናይ ትማሊ ብብዙሕ ጻዕርን ድፊኢትን ምፍርራህን ነዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዲሞም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ እዩ ብዝብል ንምድንጋር ዝተፈተነ እሞ ካብ ብአማኢት አሸሓት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ብዕማኾ ተበለጽቲ ንሶምዉን ርእሶም ኣድኒኖም ትእዛዝ ክፍጽሙ ዝመጽኡን መአዝኖም ዝሰሓቱ ኮብለልትን ክትርኢ ኮለኻስ ንጹር ብርሃን ዉድቆቱዶ ኣይኮነን። እዝስ ከመይ ኣቢልኩም ክትክሕድዎ? ዶስ ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ ከምዝበሃል ሕጂ እዉን ትንፈር እምበር ጤል እያ ከምዝበሃል ነዚ እከይን ግዕዘይን ስርዓት ብምድጋፍ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ጡሩንባ ክትነፍሑ ክትቅጽሉ ኢኹም። መርገም ወላዲስ እንተዘይቀተለ የዕነኒ ከምዝበሃል ሃየንታ ህዝቢ ዕድኡ ከቢድ ምኻኑ ተገንዚብኩም ካብዚ ኣብ ገምገም ጸድፊ ዘሎ መላኺ ስርዓት ርሒቁም ንህዝብኹም ክትናስሑ ዝምረጽ እዩ። መዓልቲ ፍርዲ ገበነኛታት ርሑቅ ኣይኮነን። ኣውያት ንእዝኒ ሕሱም! ከምዝበሃል ነቲ ፍትሒ ተሓሪምዎ ብቐጻሊ ዘእዊ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ ደበስቲ ኮንኩም ምስኡ ደው ክትብሉን አውያቱ ክትሰምዑን ናይ ሓው ምኽረይ ይልግሰልኩም።

ብርሃነ ተስፋጋብር
ደንማርክ

Last modified on Wednesday, 13 July 2016 20:57