ጻውዒት ንምርዳእ ኣካለ-ጽጉማን
2016-07-04 19:37:34 Written by ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሽወደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1702 timesከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ንረድኤትን ናብ ሱዳን ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ኣሕዋትና ዉፍይ ሰናይ ተግባር፡ነብሰ ምኽኣል መደበር ኣካለ ጽጉማን ዝብል ተበግሶታትን መጽናዕትን ንምዕዋት ተጀሚሩ ኣሎ። ንሕና ከም ኣብ ሃገረ ሽወደን እንነብር ኤርትራውያን እውን ድሮ ኣብ ዕለት 02/04/2016 ዝተካየደ ዓመታዊ ጉባኤ ጀሚርና ስለዘሎና በብዓቅምና ነዞም ምእንቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ዝሰንከሉ በብክእለትና ንምሕጋዝ ንጽዉዕ። ሓገዝ ንምልኣኽ Eritreanska Föreningen för Funktionshindrade S.S. ፖስትጂሮቁ. 650565-5 ኮይኑ ንዝያዳ ሓበሬታ ምስ ዘድሊ ናብ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ቁ.ስልኪ 0707494711 ተወከሱ።
እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ዝምባሌ ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ኩሉ ኤርትራዊ ርህሩህ ከይዝንግዕ ንጽዉዕ። ብዝመርጽኩሞ ኣገባብ ሓገዝኩም ክትልግሱ ንላቦ።
ፖስት ጂሮ 650565-5 እንሆ።