ተኽእሎ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ

2016-07-03 21:51:31 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1894 times

ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ቅኑዕን ኣሳታፍን ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘይምህላው እንሆ ን 25 ዓመታት ዝኣክል ተሳቕያ ደቃ ድማ ራሕሪሖማ ይወጹ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እስላማዩን ክርስትያኑን፡ መታሕቱ ይኹን ከበሳኡ፡ ኮታ ኩለን ብሄራት ሓቢረን እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል ብሓባር  ሰሚረን መስዋእቲ ብምኽፋለን እዩ ናጽነቱ ተረጋጊጹ። ብሰንኪ እዚ እኩይ ስርዓት ግና ሎሚ ሓቢረን ከምዘይተቓለሳ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይወዳደባ ኣለዋ።

ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ክሉ ዜጋ ሕልው ዝኾነሉን፥ ንሃገራዊ ሓድነት ዝፈታተንን ንመጻኢ ጸገም ዝፈጥር ኣተሓሳስባታት ዝውገደሉን ደረጃ ኣይተበጽሐን። ዋላ እቲ ኣብ ደገ ኮይኑ እቃወም እየ፥ ፍትሕን ሰላምን ከንግስ እየ፥ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ክምስርት እየ ዝብል እውን ከይተረፈ፡ ካብ ናይቲ ስርዓት ኣተሓሕዛ ዝፍለ ኣይመስልን እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ቀጻልነት እቲ ስርዓት ምዃኑ እውን ዳርጋ ንስሕቶ ዘሎና ይመስል። ከመይሲ እቲ ከም ደንበ ተቓውሞ ሓደ ነቲ ሓደ ክዕብልል ወይ እውን ከንበርክኽ እምበር ብሓባር ኰይንካ ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ናይ ኣሰላልፋ ቅጥዒ ዝሓዝና ኣይንመስልን። ምስክሩ እውን እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ኣወዳድባ ወይ ፖለቲካዊ መስመር ንሃገራዊ ሓድነትና ዘደልድልን ዘተኣማምንን ዘይኮነስ፥ እቲ ስልጣን ካልእ ጨቢጥዎ እንከሎ ንሓድሕድና ወሃብትን ከላእትን መሲልና ንቐርብ ኣሎና።

ካልእ ከኣ “ንዝምድና ህዝብን ፖለቲካዊ ሰልፍታቱን ኣብ ዝምልከት ከም ቀንዲ ክልተ ተገራጨውቲ እምበር ተመላላእትን ተመሓዝውትን ኣይኮናን።” ዝብል እቲ ግርጭት በቲ ሓደ ወገን ምስቲ ስርዓትን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሓድሕድና ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ። ኩሉ ተቓውሞ ዘስምዕ ዜጋ፡ ዝቃወም፥ ዝጉስጉስ፥ ኣብ ማሕበረ ኮማት ይኹን ህዝባዊ ማሕበራት ዝዋሳእ፥ ኣባላት ሰልፊ፡ ኩሎም ደረኽቲ ሓይሊ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምዃኖም ንዝንግዕ እሞ እቲ ዝምድና ምስ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከም ጨቋንን ተጨቋንን ኣገባብ ይሕዝ። እዚ ከኣ እቲ ዝካየድ መስርሕ ዲሞክራሲ ተሓታትነትን ምቁጽጽርን ብተግባር ውጽኢት ንከይህልዎ ብምትፍናን ነዚ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ግዜ ብኸንቱ ይባኽንን እቲ መስርሕ ይቚምስልን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ድሕርን ቅድምን ምውጋድ እዚ ስርዓት ክፍታሕ ዝግበኦ ፍልልያት ይተሓዋወስ እሞ ኣብ ሸንኮለል ንኣቱ። ንኣብነት ሕቶ፥ መሬት፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ልምድን፥ ስልጣን፥ ኩሉ ውልቃውን ማሕበራውን ተንከፍ ምስ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ሃገራዊ ቅዋምን ዝተኣስሳሰር ዘበለ፥ ሎሚ ኣብ ደገ ኰይና ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣወዳድባ ተወዲብና እነምጽኦ ፍታሕ ጽባሕ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝጸንሓና ኩነት ክራጸም ይኽእል እዩ።

ነዚ ምስቲ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ሃገራዊ ቅዋምን ዝተኣሳሰር ኣብ ደገ ኰይና ክንፈትሖ ህርድግ ምባል ስለዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ተራኺብና ክሳብ እንርእዮ ተወንዚፉ ክጸንሕ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ሎሚ ደንበ ተቓውሞ ክፍጽሞን ክሰርሓሉን ዘለዎ ጉዳይ፡  ነቲ ኣምር ዲሞክራሲ ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጡ የተግብሮ፡ ይሰርሓሉን ይጉስጉሰሉን እዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ማለት ህላዌ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ቀንዲ መሳርሒን ዓንዲ ዲሞክርስን ምዃኑ ብምእማን እቲ ዝተረፈ ማሕበራዊ፡ ንቓባዊ ... ወዘተ ውዳበታት ምስተን ሰልፍታት ተጽዕኖ ፈጣርነቱ ዓቂቡ ምስተን ውድባት ዝምድና ክገብሩ ይግባእ።

እወ! መሰል ናይ ምውዳብ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ናጻ’ኳ እንተኾነ ነቲ እንደልዮ ለውጢ ብዘፍኲስ ኣገባብ ውደባ ግና ቅኑዕ ኣይኮነን። እንታይ እዩ ድሌትና መዚንናን ገምጊምናን ሓባራዊ ዝኾነ ርድኢት ክህልወና ቅድሚ ኩሉ ተደላይነት ኣለዎ። ኩልና ንለውጢ ንቃለስ ካብ ሃሎና፥ እቲ እንደልዮ ለውጢ ብበበይኑ ዘይቃዶ መንገዲ ክኸውን የብሉን። እቲ እንደልዮ ለውጢ እዚ ስርዓት ከልግስን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ምትካልን፥ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዘመቻችእ ስልጠናን ፍልጠትን ክንቀስም ተደላይነት ካብ ሃለዎ ብውደባ ንፈላለ እምበር ክንገራጮን  ክንረሓሓቕን ኣይግባእን። ኩሉ እንገብሮ ምንቅስቓሳት እምበኣር ንናይ ኤርትራ ዲማክራሲያውነት ዓይነታዊ ዝገብሮ ክኸውንን፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስን  ንተሓታትነት ዘብቅዕን ህዝባዊ ተሳትፎ ዝረጋገጸሉ ባይታ ምጥጣሕ እዩ ቃልስና ከኽውን ዘለዎ።  ኣብዚ መስርሕ ዝፍጠር ምስሕሓብን ፍልልይን ከኣ መናቘቲ ዘይኮነስ መበላልሒ  እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሰኣን ዓቕምናን ፖለቲካዊ ብስለትናን  ኣረኣእያና ኣብ ዝምድና ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዝተዳኸመ ብምዃኑ ኣብ ምንታይን እንታይን የገራጭወናን ፍታሕከ እንታይ እዩ ንዝብል ተቐዳዲምና ኣብ ምጽልላምን ምክፍፋእን ዘእትወና ዘሎ ንሱ እቲ ስንኲፍ ተረድኦ ኣብ ዝምድና ማሕበራትን ፖለቲካዊ ስለፍታትን እዩ።

ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስን ድኽነት ንምውጋድን ድልዱል ቊጠባዊ ህይወት ክህልዎ ብዝኽእለሉ ኣገባብ ክንቅይሶ የድሊ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን በዚ እንኸዶ ዘለና ጉዕዞ ውድድራዊ እምበር ንሰረታትን ዓንድታትን ዲሞክራሲ ናይ ምትካል ጻዕርን ኣፍልጦን ዝሕቱል ከም ዘሎ ተገንዚብና፡ ኣብ ባዕላዊ ምርኮሳ ተኣማሚንና ለውጢ ካብ ነፍስና ጀሚርና  ከነምጽእ ክንቃለስ የድሊ። ዲምክራሲ በቶም ግዱሳት ጉጅለን (Interest group) ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዝፍጠር ጥዑይን ስነፍልጠታዊ ሓዘልን ዝምድና ምስ ዝህሉ እዩ።

ስለዚ ነዚ እንኸዶ ዘሎና ጉዕዞ ብናይ መንእሰያት ወይ እውን ዓበይቲ፥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ማሕበራት ወይ ከኣ ናይ ሰልፍታት ተባሂሉ ዝፍለ ቃልሲ ዘይኮነስ ኩሉ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ነባርን ሓዲሽን ተወሃሂዱ፥ ኣብ ማሕበራትን ሰልፍታትን  ሓደ ነቲ ሓደ ብዘይነጽግ  ፖለቲካዊ ኣገባብ እንተዘይተኸቲልና ተኽእሎ ምስፋን ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክጭወን ቀጻልነት ክስእንን ይኽእል እዩ።

ድራር መንታይ

 

 

Last modified on Sunday, 03 July 2016 23:57