ቅኑዕ ካብ ዘይፈርድ ፈራዲ ፍትሒ ኣይርከብን’ዩ

2016-06-30 17:37:27 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2133 times

ገባር ክፉእ ወይ ገበነኛ እንተስ ብቕጽዓት እንተስ ብናጻ ክፍረድ ግቡእ እዩ። እቲ ፍርዲ ከኣ ምስ ጭብጥታቱ ተሰንዩ ብፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ሕጋዊ መንገዲ ኣቢሉ ፍርዱ ክቕበል ከሎ ከኣ ኣተኣማማኒ  እዩ። ይኹን እምበር  እቲ ዝወሃብ ፍርዲ ሕነምፍዳይ ወይ ካልእ ጐናዊ ሕሳባት ዘይብሉ ክኽውን  ይግባእ።

ኣብ ዓለምና ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ክሳብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝድምደም ብዙሕ ንብረት ዓንዩ ብዙሕ ህዝቢ’ውን ሃሊቑ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ’’ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ምድልዳልን፥ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስን’’ ብዝብል ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓለም ዝነበረ ዝምድና፡ ሰላምን ምትሕብባርን ኣንፈት ክትሕዙን ውግእ ደው ንኽብል ናይ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም (League of Nations) ብ 1920 ተመስሪቱ። ይኹን እምበር እቲ ዝተመስረተ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም  ብፍላይ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ክገብሮ ዝነብሮ ዓቕሚ ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት ካብ ቺና፥ ሶቬት ሕብረት፥ ዓባይ ብሪጣንያ (UKን) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ወከልቲ ብ 1944 ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ብ 24-10-1945 ነቲ ዝነበረ ምትእስሳር መንግስታት ዓለም ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ተኪኦሞ።

ዕላማ ናይዚ ማሕበር ከኣ ንመጻኢ ዝለዓል ውግእ ደው ንምባልን ኣብ መንጎ ሃገራት መደረኽ ዘተ ንምምድማድን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን እነሆ እቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ልክዕ ነታ ቅድሚኡ ዝነበረት ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ዘጋጠማ ሽግር የጋጥሞ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝኸዶ ጉዕዞ ሓደ ብሓደ እንተተመልኪትና ኣፍራዪ ግደ ወይ ጎዳኢ ግደ ድዩ ተጻዊቱ ክንምርመር የድሊ። ንኣብነት ብሃገረ ኤርትራ እንተጀመርና ኣብ ሓምሳታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ትልሂት ብመጻኢ ዕድል ህዝቢ ብምጥላዕ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወ ውሳኔ 390A. እዩ። ንሱ ከኣ ብቐጥታ ንረብሓ ናይተን ሽዑ ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣመርካ ንጸጥታዊ ረብሓኣ ክትብልን መሓዛኣ ንዝኾነት ኢትዮጵያ ከተፍቱን ቅኑዕ ፍርዲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ቄናን ፍርዲ ንኽትግበር ዝተጻወተቶ ኣሉታዊ ግደ እዩ ነይሩ። ጉዳይ ፍልስጤም እውን እንተተመልከትና ካብ 1948 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ማዕልቦ ክግበረሉ ዘይተኻኣለሉ ምኽንያት ኣንጻር ረብሓ ናይ ገለ ሃገራት ብምዃኑ ጥራሕ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት ዓለም እታ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ውግእ ደው ክተብል ስለዘይከኣለት ተባሂሉ ኣብ ክንድኣ ዝተተከአ ማሕበር’ውን ኣይኮነንዶ ውግእ ደው ከብል መመሊሱ እዩ ሓዊ ዝኣጉድ  ዘሎ። ኩሉ ናይ ዒራቕ፥ ናይ ሊብያ፥ ናይ ሱርያ ካልኦት ሃገራት ሓዊስካ ኣብ ረብሓ እተን ሓያላን መንግስታት ዘይውዕል እንተኾይኑ ወይልኡ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየደን ጌና ዝከየድ ዘሎን ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ዘሎ’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ።

ሕቡራት ሃገራት በቲ ውሳኔኡ ይቕየድ ዲዩ እንተበልና እምበኣር ካብዚ ተግባራቱ ብምብጋስ ፈጺሙ ዝቕየድ ኣይኮነን ንኽትብል እዩ ዘድፍረካ። እዚ ካብ ኮነ ኣብ ውሽጡ እውን ዘይንፈለጦ ብልሽውና ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሎሚ ሶቬት ሕብረት ንምዕራብ ኤውሮጳ ከይጸሉ ብማለት ዝግበር ሽርሕታት መዓት እዩ። ሓደ ካብኡ ነተን ኣብ ትሕቲ ሶቬት ሕብረተ ዝነበራ ሃገራት ከም በዓል ጆርጅያ፥ ዩክረን ወዘተ ሓደ ብሓደ ተመዝሒቐን  ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክጽንበራን፥ እተን ብናይ ማሕበርነት ዝተጸልዋ ንኽፈርሳን፥ ዝግበር ቁርቁስ እምበር ንዓለም ናብ ሰላምን ምትሕብባርን  ዝወስድ ባይታ ዘጣጥሕ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ እንተተመሊስና እቲ ባዕሉ UN ዝመሃዞ ፈደረሽን ስርዓት  ሃይለስላሴ ክጥሕሶ እንከሎ ጥቕሚ እተን ሓያላን ሃገራት ከይትንከፍ ብማለት ጸማም እዝኒ ሂቡ ፈጺሙ ክገትኦ ኣይተንቀሳቐን። ናይ ትማሊ ናይ ኣልጀርስ ውዕል እውን እንተኾነ ኢትይጵያ “ነቲ ብይን ተቐቢለዮ” ኢላ ክተብቅዕ፡ ተመሊሳ ”ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ንበል” ብምባል፥ ነቲ ዝተሰማመዓትሉ ዓለም ለኻዊ ውዕል ኣተግብሪ ኣይተባህለትን። እነሆ ድማ ውጽኢቱ ኣይውግእ ኣይሰላም ኮይኑ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም’ውን ተዓዛባይ ኮይኑ። ንጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ግርም መሕብኢ በዓትን መመሳመሲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኮይንዎ፡ መንእሰይ ከኣ ሃገሩ ራሕሪሑ ይወጽእ ኣሎ።

ሎሚ’ውን UN፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብስደተኛታት ምስ ኣዕለቕለቓ ደው ንምባሉ እምበር ንውጹዕ ህዝቢ ተሓልቑን ደንጊጹን ንመለኽቲ ከልግስ ዘይሕሰብ እዩ። እሞ እዚ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣዚ ንዓለምና ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ገጹዶ ከምርሓ ይኽእል ይኸውን እንተተባህለ “ኣይመስለናን” እዩ መልሱ። ምኽንያቱ ኣብቲ ውዕል ዘሎ ንዝኾነ ይኹን መጻኢ ውግእ ደው ንምባል እዩ። ግን ኣይኮነንዶ ውግእ ደው ከብል ነቲ ሓድሽ ውግእ ዝጽሕትር ተርእዮታት ደው ክብል’ውን ኣይከኣለን። ስለዚ ኩሉ እቲ ስራሓት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ረብሓ ውሱናት ሓያላን ሃገራት ዝተመርኰሰ እዩ ዝመስል። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ርጉእ ሃዋህው ክህልዎ ከምዘይክእል ርዱእ እዩ።

እዚ ኩሉ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓሳብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለምንታይ ዕሽሽ ኢሉ ዘይሓልፎ፥ ወይ ከኣ ብገበኑ ክፈርዶ የብሉን ንዝብል መርትዖታት ከቕርበ ኢለ ኣይኮንኩን። እንታይ ደኣ እቲ “ሕጊ ንኹሉ ማዕረ’ዩ” ዝብል ኣብ ተግባር ይውዕል የለን ንምባል እዩ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ተባሂሉ ተኸሲሱ ድሒሩ ግና ከም ዝሕግዝ መርትዖ የለን ተባሂሉ። መን ይፈልጥ ብሕጂ እውን “እዚ ስርዓት  ተመሓዪሹ እዩ” እውን ይብሉና ይኾኑ። ስለዚ ሕጊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብተግባር ብዘይኣድልዎ ክትግበር ይግበኦ።

ድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 30 June 2016 19:48