ኣባላት ስ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ ኣካይዱ

2016-07-06 03:49:58 Written by  ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰሜን ኣሜሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1728 times

ብዕለት 3 ሓምለ 2016 ኣባላት ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ስ.ዲ.ህ.ኤ.) ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፈጻሚ ኣካል ፓርቲ ናይ ተሌኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ካብ ስለስተ ሰዓት ንላዕሊ ዝወሰደ ኣኼባ ብኣሕዋት ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣለም ዮውሃንስ፡ ኤርትራ ኣልኣዛርን እዩ ተኻይዱ።

ኣኼባ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፤
1.
ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል

    ኣብ ኤርትራ 

2. ንጥፈታት ግዝያዊ ኣካል ርክብ (Adhoc Contact Organ) ናይሮቢ

3. ንዕለት 10 ንሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ብስ.ዲ.ህ.ኤ. ዝእንገድ ዘሎ ኮንፈረንስ

4. ኵነታት ሰልፊ

ድሕሪ ሰፊሕ ገለጻ ብፈጻሚት ኣካል፡ ኣኼባ ኣብ ሕቶን መልስን ኣተወ። ዕምቆት ዝሓዘለ፡ ምክብባር ዝዓሰሎ፡ ምሉእ ግዜ ዝተዋህቦ ምምይያጥ ተኻየደ። ኣኼባ ከኣ ብጽቡቅ ተዛዚሙ።

 

ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰሜን ኣሜሪካ

Last modified on Wednesday, 06 July 2016 05:52