መንእሰይን ዝጽበዮ ናይ ምግንዛብ ሓላፍነትን

2016-07-07 09:18:42 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2119 times

ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ እግሮም ካብ ዝተኽሉ ኣትሒዙ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከይተሓለለ ብዘካየዶ ቃልሲ እዩ ንሃገሩ ናጻ ኣውጺእዋ። ልክዕ እዩ መንእሰይ ደራኺ ሓይልን ለውጥን ምዃኑ ዘካትዕን ዘዛርብን ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እቲ ኣብ ግዜኡ መንእሰይ ዝነበረ ወሎዶታት  ዝከኣሎ ከምዝገበረ ክንዝንጋዕ ኣይግባእን።

መንእሰይ  ውዑይ፡ ደራኽን ደላይ ለውጥን  ብምዃኑ  ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክስተናዕቕን ከነኣእስን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንሱ እቲ ኣብታ ግዜ ንእስነቱ ዝነበረላ እዋን ብዘለዎ ዓቕምን ነፍሰ ተኣማምነትን ነቲ ኩሉ ስቓይን ከርተትን ተጻዊሩ እዩ። እወ! እቲ ወጽዓን ግፍዕን ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፈላለየሉ ክህሉ ይኽእል ይኸውን፥ ካብኡ ሓሊፉ እቲ  ዘጋጥም ዝነበረ ጸገምሲ ኩሉ ሓደ እዩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ መንእሰይ ዝሓለፎ መድረኻት ጽንኩርን ከቢድን ምንባሩ ኣይንስሕቶን ኢና። ናይ ሎሚ መንእሰይ ከኣ ብወዲ ሃገር ክጭቆን፡ ክግፋዕን ክሳቐን እንከሎ እዩ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ እምበር ካልእ ፍልልይ የብሉን። ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣይትምህርቲ፡ ኣይስራሕን ኣይሓዳርን ዕድሚኡ ከንቱ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ህሞት ካብቲ ገዲም ወለዶ ዝያዳ ከምዝተወጸዐ ተሰሚዕዎ ከስተማስል ዘይኮነስ  ነቲ ካብዚ ዘናግፍ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ከለሊ ይግብኦ።

 ከም ዝተበደለን፥ በዳሊኡ ድማ እቲ ገዲም ተቓላሲ ምዃኑ ከርኢ፡ “ንሕና መንእሰያት ዝያዳ ተበዲልና” ብምባል ንወጽዓኡ ብፍሉይ ክጥምት እንታይ መኽሰብ ዝረኸበሉ ደልዩ እዩ? ኩሉ እቲ ኣደራዕ ናብቲ ገዲም ወለዶ ምልጋቡኸ ቅኑዕዶ ይመስል? እቲ መንእሰይ ናይ ቀደም ናይ ሎሚ ገዲም ዝተጋገዮ እንተሎ ነቲ ጌጋ  ብኸመይ ክእረም ከምዘለዎ ናቱ ሓላፍነት እዩ ከርኢ ዝግበኦ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ካብ መንእሰይ ብዙሕ እዩ ዝጥለብ። መንእሰይ ንመጻኢ ህይወቱ ክትልም ከሎ ካብቲ ገዲም ወለዶ ክቐስሞ ዘለዎ ተመኲሮ ክቐስም ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ሓባር ቃልሲ ብምክያድ ዝረጋገጽ’ዩ። ንመጻኢ ዕድሉ ባይታ ከጣጥሕ እንተኾይኑ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲሽ ንኽምዕብል ምስቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን  ምዕብልና ክዛመድ ይግበኦ። ነዚ ክበቅዕ ከኣ ነቲ ዘረሓሕቕ ዝንባለታት ዓጊቱ ኣብ ክንድኡ ብመንገዲ ዕርቂ  ኣቢሉ ጌጋታቱ ክድህስስን ክእርምን ይግባእ።

መንእሰይ እምበኣር ኩሉ እቲ ጻዕርታቱን ቃልስታቱን ሓድነታዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ብኣሳታፊ  ደሞክራሲያውን ቅዋማውን መትከላት ክትህነጽ ንቕድሚት ከማዕዱ እምበር፥ ንዝሓለፈ ንሱ ዘይተዋሰኣሉ ታሪኽ ከምድላዩ ክትርጉምን ከነኣእስን ቅኑዕ ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ከኣ ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ዘይኮነስ ብምዕቡል ኣተሓሳስባ መጻኢ ምምዕዳው ክኸውን ይግበኦ።  መንእሰይ ነዚ ብተግባር ክሰርሓሉ እንተኾይኑ  ፍልጠትን ኣስተብህሎን ክዕጠቕን ሓላፍነት ክወስድን ኣገዳሲ እዩ።

መንእሰይ ነታ ድሕሪ ከንደይ ውረድ ደይብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ካብ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ንምድሓን ነዚ ካብ  ውልቀመላኽነት ናብ ፍትሕን ደሞክራስን ንምስግጋር ዝግበር ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ከሎ ጌና ክነቕሓሉ ይግበኦ። እዚ ከኣ  በይኑ  ነተን ኣብቲ መስርሕ ነናተን ግደን ቦታን ዘለወን ሰልፍታትን ውድባት ኣግሊሉ ዝበጽሖ ወይ ዘሳልጦ ኣይኮነን። እዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ መንእሰይ ንምሕማይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ከደናግርዎን መቓልስቱ ከየለሊ ዝዕንቅጽዎን ኣካላት ክፈልጦምን ክመምዮምን ከም ዝግበኦ ንምዝኽኻር  እዩ። እቶም  “መንእሰያት ካብቶም ዝሓለፉ ገዳይም ዝበለጽኩም ኢኹም” እንዳበሉ ሕሹኽ ዝብሉ ቅኑዕ ፍታሕ ዘምጽኡ ኣይኮኑን። እዚ  ነቲ መንእሰይ ናይ ምድንጋር ማሕለኻ  እምበር ሓቀኛ ለውጢ ዘውሕስ ምኽሪ ኣይኮነን’ሞ መንእሰይ ከስተብህለሉ ይግበኦ። ሰብ ደሓኑ መሲሎም ብእንግዳዑ ኣብ ስልጣን ክውጥሑ ዝደልዩ ኣካላት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ  ከስተብህል ከኣ ሓላፍነቱ እዩ።  እቲ ወግሐ ጸብሐ “መንእሰይ ጥራይ እዩ ለውጢ ዘምጽእ” ዝበሃል “መንእሰይ ንለውጢ ዘቀላጥፍ ተካኢ እምበር በይኑ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን” ብዝብል ክእረም ይግበኦ። መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንክኸውን ኣብ ርእሲ እቲ ውዑይ ዕድሜኡ ዓቕምን ብቕዓትን ክድልብ ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጸቢብ መንእሰያዊ ክሊ ተደሪትካ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ መድረኽ’ዩ ዝረጋገጽ።

ድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 07 July 2016 11:22