ህዝቢ እና ተጨቈነ፡ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብተመልከተለይ ብጥይት እናተቘልቡን መከራን ግፍዕን እናወረዶን፡ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዝርዕመሉ ምኽንያት ፈጺሙ የለን። ይደንጒ ይቐልጥፍ ናይ ግዜ ሕቶ ኮይኑ ንምልኪ ርዒሙ ኣየጽቅጥን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም እውን እንተኾነ፡ ንምልኪ ዝረዓመ ህዝቢ ኣይተራእየን። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ፍሉይ ዝገብሮ ተረኽቦ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ብርግጽ’ውን ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ንሓያሎይ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝተቘርነን፡ ኣብ ስቅያትን ኣደዳ ሞትን ተቓሊዑ ጸኒሑ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ተጋድሎ’ውን ኣብ ሃገሩ ናጻ ኣየር ከስተንፍስ ይጽገም ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ደኣ እዩ ናጻ ኮይኑ እምበር፥ ክመሓደረሉ ዝግበኦ ግዝኣተ ሕጊ ይኹን ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቅዋም ካብ ድሌቱ ወጻኢ ብምዃኑ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራስ ጌና ኣይተላቐቐን ዘሎ። እዚ ማለት፡ ኩልና ከም እንፈልጦ ባህሪ መለኽትን ገዛእትን ሓደ እዩ። ገሊኡ ብምልኪ ኣርዒዱ ክሕዝን ክጭፍልቕን ዝደሊ ክኸውን ከሎ፥ ገሊኡ ከኣ ገለ ኣንፈት ናይ ዲሞክራሲ ዝሓዘለ ኣምሲሉ ብንይምሰል ዝተሓንጸጸ ሕጊ ገይሩ ህዝቢ ይጭቁን።
ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ግፍዕን መከራን፥ ስቓይ ማእሰርትን መቕተልትን፥ ድኽነትን ጥሜትን፥ ሕማምን ድንቁርናን፥ ሓዘንን ብኽያትን ዳርጋ ንሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ላድይሉ እዩ፥ እንተኾነ በዚ ተዳሂሉ ፈጺሙ ኢዱ ኣይሃበን። ሎሚ ኣብ ዓለምና ሳዕሪሩ ዘሎ ናይ ንብረትን ገንዘብን ግዙእ ኰንካ ርህራሄ ዝጠፍኣሉን፥ ንዝሓዘነ ክተጸናንዓሉ ተሪፉ፡ ኣብ ነንሓድሕድ ክጨኻኸን እንተዘይኮይኑ ክተሓጋገዝ ዝብል ልምዲ ሃሲሱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ኣደራዕ እናወረዶ ስለ ዝለመዶን ዝመጸ ይምጻእ ጸገም ይኹን ወጽዓ ክኢሉ ክጻወሮ ዘገድዶ ጉዳይ ኣሎ። ንሓያሎ ዓመታት ሓዚኑ፥ ደንጊጹን፥ ነቢዑን እዩ። ደቁን ንብረቱን ኣጥፊኡ እምበር ብራህዋ፡ ቅሳነትን ሰላምን ኣይተኻሕሰን። ስለዚ ሎሚ ኣብቲ ደቁን ንብረቱን ዝሰኣነሉን ዝኸሰረሉን ኩነታት ተመሊሱ ዳግማይ ክሓዝን ይኹን ክነብዕ ፈጺሙ ኣይድግፎን እዩ። ብውጽኢት እቲ ቅድም ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ስለዘይቀሰነ ከኣ ነዚ ተመኩሮ’ዚ ክደግሞ ኣይደልን እዩ።
ልክዕ’ዩ፥ ህዝቢ በዚ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን መከራን ንምንታይ ክለዓል ዘይከኣለ እናተባህለ ለይቲ ምስ መዓልቲ ይዝረብን ይጸሓፍን ኣሎ። እወ! ህዝቢ ንክለዓል እኮ እቲ ንሱ ዘለዎ ሃለዋትን ጠንቁን ምፍላጥን ምርዳእን የድልዮ። መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ ንዳርጋ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን ተሳቕዩን ተጨቊኑን ዝሕለፎ ግዜ ናብ ድኽነት ሸሚምዎ እዩ። ምስ እዚ ከኣ ነቲ ስልጣን ዋንኡ ንሱ ምዃኑ ብተመኩሮ ይኹን ብኣፍልጦ ኣይበሰለሉን። ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ምዕብልና ንህዝቢ ዘግልል እምበር ንህዝቢ ዘሳትፍ ስርዓት ኣይተመስረተን። ምስ እዚ ተደማሚሩ ድማ እቲ ደንበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ብቱንን ዝሩግን ኣተሃላልዋ፡ ካብቲ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ዝሓሸ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓባራዊ ተረድኦ ከጥሪ ኣይከኣለን።
ደንበ ተቓውሞና እንተርኢናዮ፡ ብፋላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መንእስይ እባ ዓበይቲ፥ ብሔር እባ ሃይማኖት፥ ሰውራ ሸፋቱዶ ስውራ ሃገራውነት እናተበሃሃለ ኣብ ዘየድሊ ህውተታ ኣትዩ ይርከብ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን “ካብዚኦምሲ ኣብ ዘለናዮ ንጽናዕ” ዝብል ግጉይ መርገጽ ከም ዝወስዱ ንገብሮም ዘሎና ንሕና እቶም ደንበ ተቓውሞ እምበር ህዝቢ ኣይኮነን ክለዓል ዘይደለየ። ስለዚ ህዝቢ ንከለዓል፡ ንኹሉ ዝጥርንፍን ኣሳታፍን ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ናይ ግድን የድልየና ኣሎ። እዚ ንክዕወት ከኣ ፖለቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ነናተን ስራሓት ኣነጺረን፡ ዝራኸባሉን ዝፈላለያሉን ነጥባታት ተረዲአን፡ ኣብትን ኣብትን ምትእትታው ዘይብሉ ህዝብን ሃገርን ዝድሕነሉ ሓባራዊ ስራሓት ከካይዳ ምስ ዝበቕዓ ህዝቢ ክለዓል እዩ።
ብቐዳምነት በቲ ኣብ ኤርትራ ብዕለት 03 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ቅንጸላ መንእሰያትን ምፍራስ ኣሽሓት ኣባይትን ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ንኩሎም ስድራ ቤታት ግዳያትን ኣባይቶም ፈሪስዎም ኣብ ፈቐዶ ቦታታ መዕቆቢ ንምርካብ ፋሕ ብትን ኣትይዎም ዘሎ ዜጋታትን ጽንዓትን ጽሮትን ይሃብኩምን ይሃበናን እብል ።
እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዘሕዝን ቅንጸላ መቐጸልታ ናይ‘ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራን ዶባታን ተሓቢኡ ክፍጸም ዝጸንሓን ዘሎን ግፍዓዊ ባህርያት‘ቲ ስርዓት ዘቃልዐ ድኣ‘ምበር ሓድሽ ተርእዮ ከም ዘይኮነ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።
እዚ ተግባር‘ዚ ከም ሓድሽ ዝርኣየሉ ምኽንያት እንተሃልዩ ኣብ ማእከል ኣስመራ ምፍጻሙ ብሓደ ወገን፡ ምስ‘ቲ ጉዕዞ እግሪ ሽግ ሓርነት ኢሉ ንህዝቢ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባ ንኰለል እናበለ ኣብ ኣስመራ ድማ ዉላዱን ንብረቱን የዕኑ ምህላዉ እዩ። እዚ ኸአ መግለጺ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ጥራሕ ዘይኾነስ ንከምዚ ዓይነት ህውከትን ዕንወትን ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎ ኣካል ዝምራሕ ስርዓት ምዃኑ እዩ።
ኣብዚ ክልዓል ዝግብኦ ጉዳይ እንተልዩ፡ ስለምንታይ ብፍላይ ኣብ ድሮ ብዓል ኢየበልዩ ናጽነትና ክውሰድ ተመሪጹ ዝብል ሕቶ‘ዩ፡ መልሱ ድማ ርሑቕ ከይከድካ ንሕሉፍ ኣካይድኡ ተመሊስካ ምውካስ ጥራሕ ኣካሊ እዩ። ካልእ ሃሰስ ከይብልካ፣ ኣብ ውሽጥ‘ዚ ርብዒ ዘመን ናይ ናጽነት ኣብ ውሽጥን ወሰናስንን ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረን ዘሎ ቕንጸላን ኢሰብኣዊ ማእሰርትን ስቓይን በዚሑ ክሕባእ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ኣብ ቃልዕ ክወጽእ ግድን እዩ።
እዚ ዘርእዮ ምልክት እንተልዩ ኸኣ፡ እዚ ንሓደ ርብዒ መዋእል ወድሰብ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተጻዒኑ ድከቱ ዘስትዮ ዘሎ ስርዓት ምስ‘ቲ ግራተይ፡ ጥሪተይ፡ ዝብሎ ህዝቢ ናይ መወዳእታ ዝሰናበተላ ፍጻሜ ምዃኑ እዩ።
ይኹን‘ምበር፡ ነዛ ብልዑል ዋጋ ዝተረኽበት በዓል እየበልዩ ናጽነትና ኩሉ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ ኣብ ክልተ ብዝተመቕለ መንፈስን ሞራልን ከኽብራን ኽጽንብላን እዩ። ምኽንያቱ፡ ከም‘ቲ ሓወይ ዘይብል ኣይርገጽካ ዝብልዎ ምስላ፡ ክሳብ ማዕረ ኣምላኽ ኣኽቢርካ ን25 ዓመት ንኩሉ ግፍዕታቱን ሓሳረ መከራኡን ተጸሚምካ ፍታሕ ካብ ዘይተረኽበ ደጋፍን ተቓዋምን በብዝመስለካ ነንትምነዮ ከተዐውት ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ስለ ዝኾነ።
እዚ ድማ እቲ ሓደ፡ እንተስ ብግላዊ ረብሓ ወይስ ብግርህነት ምስ‘ቲ ጨካን ስርዓት ወጊኑ ፡ ህዝቡን ንገዛእ ርእሱን ብምብዳሉ ሕልንኡ ዓገብ እናበሎ ኣብ ዳስ ህግድፍ ዝስዕስዕን ንዓመታ ዛእዋን ብከምዚ የራኽበና ኢሉ ዝሰናበት ኣካልን ኣምሳልን ናይ‘ቲ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ፡ እቲ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ወይ ብዝዀነ ምኽንያት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይትኣቱ ናጽነት ህያብ ስዉኣቱ ምዃና ተረዲኡን ዓቂቡን ነታ ተሪፋቶ ዘላ ጌና ብባህጊ ዝጽበያ መሰሉን ኽብሩን ተሓልዩ ዝነብረላ ሓርነት ካብ ምንጋጋ‘ዚ ቀንጻሊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጻእ ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ ኣበርቲዑን ሰሚሩን ንምስራሕ ቃል ዝኣትወላን ንዓመታ‘ዛ እዋን ኣብ ዝተማልአ ዓወትን ራህዋን የራኽበና ብማለት ዝዛዝመላ በዓል ኽትከውን እያ።
ኣብ መድምደምታ ዎ ጸዋርን ትዕግስተኛን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ምክልኻል ሰራዊቱ ድማ ብፍላይ፡ ከም‘ቲ ኣርብዓ ዝጸሙስ ፋሲጋ ኽረኽቡ ዝብልዎ ኣቦታትና ፡ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ምጽማም ንሕሉፍ ጅግንነትካ ብኣሉታ ከይጸልዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህላውነትካ ዝፈታተን ስለ ዝኾነ ታሪኽካን ኩሉ መዳያዊ ነጻነትን ሓርነትን ሃገርካን ንምርግጋጽ ሕሉፍ ጅግንነትካ ከተሐድስን ንብዓት ኣደታትካ ክትሕብስን ሓዘነን ክትድብስን መድረኽ ይጠልበካ ምህላዉ ተገንዚብካ፡ ምስ ህዝብኻ ክትውግን ትጽዋዕ ኣለኻ።
ተጋዳላይ ኣልኣዛር፥ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአን፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርአጋብርን ኣብ ከተማ ኣስመራ ገዛ ከኒሻ ተወሊዱ ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ዓብዩ።። ኣልኣዛር ጌና ንእሽቶ ተመሃራይ እንከሎ እዩ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝኣተወ። እዚ ድማ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ሃገራዊ ሓርበኝነትን ስምዒትን ዝወረሶ እዩ ነይሩ። ኣልኣዛር በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገር፡ ካብ ሱሳታት ኣትሒዙ ናብ ሃገራውን ፖለቲካውን ቃልሲ ዝተሳተፈ። በዚ ኣቢሉ ኣልኣዛር_ኣብ ማሕበር ሸውዓተ፡ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ምስጢራዊ ስርዒት ኣባል ኮይኑ ክነጥፍ ጀመረ። ብድሕሪ እዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ብረት ከምጽእ ተላእከ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምታ ዝተባህለቶ መደብ ብርክት ዝበለ ብረት ሒዙ ምስ ብጾቱ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ብረት ሒዙ ከም ዝመጸ ብኣባላት ስለያ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተፈልጠ፥ ንብጾቱን ነቲ ብረትን ከም ዝወጽእ ገበረ’ሞ ንሱ’ውን ክቃለስ ናብ ብጾቱ ተጸንበረ። ንኣልኣዛር ምሓዝ ዝሰኣነ ስለያ ጸላኢ ከኣ ንኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርኤን ንኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርኣጋብርን “ወድኹም ኣበይ ኣሎ? ኣምጽእዎ” ብምምባል ብዙሕ ኣሳቐዮም።
ድሕሪ እዚ ሜዳ ወጺኡ እናተቃለሰ እንከሎ፡ ምስ ተወልደብርሃን ዝበሃል ብጻዩ ስንቂ ከምጽእ ምስ ተላእከ ኣብ በለዛ ብኮማንዲስ ተታሒዙ ተኣስረ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከኣ ፈራዳይ፥ “ስለምንታይ ንሜዳ ወጺኢካ?” ኢሉ ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ “ንባንደራይ ክብል እየ” ኢሉ መለሰ። ፈራዳይ ብዙሕ ባንደራታት ኣቕሪቡ ስለ ዝጸንሐ፥ “ኣየነይቲ ካብዚአን እያ ባንድራኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ካብ ማእከል ብዙሓት ባንደራታት ድማ ፈልዩ “እዚኣ እያ ባንደራ ሃገረይ” ኢሉ ነታ ባንደራ ኤርትራ ኣልዒሉ ብድፍረት ኣርኣዮም። ድሕሪ’ዚ ብጻዕሪ ናይ ክቡር ወላዲኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአ፥ ኣልኣዛር ካብ 1961 ክሳብ 1963 ካብ ዝተኣሰረላ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክወጽእ ከኣለ።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝቃለሶ ዝነበረ ቃልሲ፥ በቲ ናይ ማእሰርቲ ርዒዱ ወይ ተዳሂሉ ኣየቋረጾን። ቀጺሉ ናብርኡ እንዳኣካየደ መጽሔታት ምዝርጋሕን ምውዳብን ካልእ ስራሓትን እንዳማለአ ይነጥፍ ነበረ። ሓደ ግዜ ካብቶም መጽሔት ዝዓደሎም ሓደ፡ ነታ መጽሐት ከንብባ ከሎ ብስለያ ይተሓዝ። እዚ ዝተታሕዘ ሰብ “ነዛ መጽሔት መን እዩ ሂቡካ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ “ኣልኣዛር ሂቡኒ” ኢሉ መለሰ። ስለያ ብቐጥታ ናብ እንዳ ቀለተ ዘርአ ይመጹ’ሞ ንመርዓ ኣልኣዛር ዳስ እንዳተሰርሐ፥ ኣልኣዛር ብማዕዶ ምስ ረኣዮም ንእሽቶ ወረቕት ጽሒፉ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንሓደ “ነቦይ ሃበለይ” ኢሉ ይህቦ። ስለያ ንኣልኣዛር ሒዞሞ ምስ ከዱ፡ ኣቶ ቀለተ ናብ ጠበቓ ኣቶ ተኽለ ካሳ ከዱ። ነቲ ጠበቓ “ወደይ ኣልኣዛር ኣብ ድሮ መርዓኡ ብወተሃደራት ተታሒዙ ኣሎ” ኢሎም ይሕብርዎ። እቲ ጠበቓ ከኣ መርዓዊ ክቡር ስለዝኾነ ክእሰር ኣይግባኣን’ዩ ብዝብል መጎት ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕረበ። ቀዳም መዓልቲ ከኣ ቤት ፍርዲተኸፊቱ ንኣልኣዛር ፍርዲ ተዋህቦ። እቲ ፍርዲ ከኣ ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጽእን፥ እንደገና ኣብ ከምዚ ስራሓት ምስ ዝዋፈርን ዝጽበዮ ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ ብዝብል መጠንቀቕታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጽእ ተገብረ።
እንተኾነ ሕጂ እውን ኣልኣዛር ነቲ ቃልሱ ብምቕጻል ምስ ተጋደልቲ እናተራኸበ፥ ተጋደልቲ ዝለኣኽዎ የማልእ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምስ ተጋደልቲ ክራኸብ ኣብ መዓልዲ መሬት ደቀ-ምሓረ ደምበዛን ይኸይድ”ሞ እንደገና ብኮማንዲስ ተታሕዘ። እቲ ዝሓዞ ኣባል ኮማንዲስ “ንስኻ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበካ መጠንቀቕታ ኣሎካ፡ ኣብዚ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክብል ንኣልእዛር ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ እንዳ ኣባሓጎይ ክርኢ መጺኤ ክብል መልሲ ሃቦ። እቲ ኮማንዲስ ንመንግስቲ እንተ ኣረኪብዎ፥ ኣልኣዛር ሞት ክፍረድ ምዃኑን ስለ ዝተረደአ እሞ ድማ ንወለዲ ኣልኣዛር ይፈልጦም ስለ ዝነበረ ኣሕሊፉ ንጸላኢ ኣይሃቦን። ኣብ ክንድኡ ’’ ንስኻ በቲ መንግስቲ ተፈሪዱካ ዘሎ ሞት እዩ ዝጽበየካ፥ ግን ከኣ ምእንቲ እቶም ወለድኻ ምሒረካ ኣሎኹ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣፋነዎ። ሕጂ’ውን ኣልኣዛር ጌና ከም ቀደሙ ነቲ ቃልሱ ቀጺልዎ እምበር ኣየቋረጾን። ከምዚ እናገበረ እንከሎ ኣብ ግዜ ደርግ እንደገና ስሙ ኣብ ዝርዝር ጥርጡራት ስለ ዝጸንሐ ወተሃደራት ናብታ ኣልኣዛር ዝሰርሓላ ዝነበረ ኣንዳ ባራቶሎ መጹ። ነቲ ሓላፊ ኢጣልያዊ ከኣ ስም ኣልኣዛር ጠቒሶም ኣምጸኣልና በልዎ። እቲ ኢጣልያዊ ኣልኣዛር ብምኽንያት ስራሕ ውጺኡ ኣሎ ኢሉ ኮፍ ኣበሎም። እዚ ኢጣልያዊ ንሰብኣይ ሓብቱ ብቋንቋ ጣልያን ገይሩ ንኣልኣዛር “ኣብዚ ከይትምለስ ኢልካ ንገሮ” በሎ። ሽዑ ኣልኣዛር ብኣ ኣቢሉ ብ1975 ናብ ሜዳ ወጺኡ።
ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ነታ ቅድም ክብል ኣብ ዓዲ እንከሎ ዝነበረቶ ናይ ምምራሕ መኪና ሞያኡ ሓቢኡ ኣብ ሓይልታት ሰራዊት ማለት ኣብ ቦጦሎኒ 375 ኣብ ከቢድ ብረት ተመደበ። ሓደ እዋን ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነትን ወተሃደራት ጸላእን ኣብ ዝተገብረ ውግእ መካይን ስለዝተማረኻ፥ ነተን ዝተማረኻ መካይን ንምውጻእ “መራሕቲ መካይን ዝነበርኩም” ከበሃል እንከሎ ተሳኢኖም ክጭነቑ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሽግር ንምቅላል “ኣነ ኣሎኹ” ኢሉ ነተን ማካይን ከም ዝወጻ ካብ ዝገበሩ ሓደ ንሱ ነይሩ ። ከምኡ ተዘይገብር ግና ነተን ዝተማረኻ መካይን ጸላኢ መሊሱ መወሰደን ነይሩ። ካብ’ቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ሞያኡ ምምራሕ መኪና ምዃኑ ተፈልጠ’ሞ ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ተመዲቡ ንሰራዊትን ህዝብን ዝኸውን ኣድላዪ ነገራት ኣብ ምቕራብ ክሳብ 1981 ብትብዓትን ብቆራጸትን ተቓሊሱ።
ብድሕሪ 1981 ከኣ ከም ሰቡ ንሃገረ ጀርመን ተሰዲዱ። ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ሃገር ጀርመን’ውን ከይተረፈ ብሓቦን ፍቕሪ ሃገርን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንገዐ፡ ቅድም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰራዊ ባይቶ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣልኣዛር ብህይወቱ እንከሎ፥ “ጸላኢ ኣይኮነንዶ፡ ህይወተይ፡ ሞይተ”ውን ረሳይ ኣይረክብን እዩ” ይብል ነይሩ። ቀጺሉ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከየልገሰ እንተ መይተ፡ ኣስከረነይን ኣስከሬን ብጾተይን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢስያስ’ዩ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ዝቕበር’ውን ይብል ነይሩ።
ኣልኣዛር፡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ነታ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኢሉ ዝተሰለፈላ ዕላማ የማን ጸጋም፥ ወለቕ ዘለቕ ከይበለ ብጉልበት ይኹን ብንዋት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 ማዝያ 2016 ዓሪፉ። ብ22 ማዝያ 2016 ከኣ ኣብ ፕራግፍሪድሆፍ ሃገረ ጀርመን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣልኣዛር ከምታ ባህታ ሓጎስ ሞይቶም ኣብ መሬት ዓደቦኦም ከይተቐብሩ ጸኒሖም ድሕሪ ሱሳ ዓመታት ኣስከረኖም ናብ ዓዶም ተመሊሱ ዝተቐብረ፥ ሕጂ እውን ኣስከረን ኣልኣዛርን ኩሎም ኤርትራውያን ሕስርብኛታትን ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ኣብ ዓዶም ዝቕበረሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ። ኣልኣዛር ዋላ’ኳ ካብ ዝፈትዎም ስድራቤቱን መቓልስቱን ብሞት እንተተፈልየ፡ ጽንዓቱን መትከሉን ግና ናብ ዝትክእዎ ደቁ ስለዘውረሰ ታሪኹ ህያው ኮይኑ ንዘለኣለም ክዝከር እዩ።
ኣዴና ነብስሄር ወይዘሮ ትብለጽ ለገሰ ተኪኤ፡ ኣዲኣ ንተጋዳሊት ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ብ15 ሚያዝያ 2016 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልየናና። ነብስሄር ወይዘሮ ትብለጽ፡ ኣብ 23 ሓምለ 1929 ተወሊደን፡ ኣብ ብ87 ዕድሜአን ከኣ ዓሪፈን። ነብስሄር ወይዘሮ ትብለጽ ኣደ 6 ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኢየን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንነፍስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሰን፤ ንወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብን ኵሎም ቤተሰብን ድማ ጽንዓት ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን ይብል።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዓለምና፥ “ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ” ብዝብል ሃብትን ንብረትን ናብ ምኽዕባትን ምውናንን ገጻ ትጎዓዝ ብምህላዋ ናይ ውሑዳት ጸብለልትነት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ብዘምጽኦ መዘዝ ብውሑዳት ሰብ ሃብቲ ከም እትበሓት ኮይና ኣላ። እዚ ኣገባብ ምሕደራ ምዝመዛን ወጽዓን ዝወልድ ብምዃኑ፡ ዓለም ርህይዋን ቀሲናን እትነብረሉ ሃዋህው ይብከል እዩ ዘሎ። በቲ ካልእ ወገን እዚ ኩነታት፡ እቲ ሃብታም ነቲ ድኻ ዝውሕጠሉ ኣገባብ እምበር እቲ ርኹብን ስኡንን ብሓባር ዝረብሕሉ ኣመሓድራ ኣብ ምፍጠር ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ።
ንሕና ኤርትራውያን’ውን ካብዚ ሓደጋ’ዚ ናጻ ክንከውን ስለ ዘይንኽእል እቲ ክነምጽኦ እንደልዮ ለውጢ ካብ ብሕጂ ጽጹይን ጥጡሕን መንገዲ ክነትሕዞ ይግበኣና። ካብኡ ሓሊፉ፥ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝዓሰላ ሃገር ክትህልወና ብትምኒት ጥራይ ኣይከውንን እዩ። እቲ እንምነዮ ለውጢ ኣነጺርና ብግሉጽ ክነጒልሖን ብተግባር እውን እነሰንዮን ክኸውን ይግበኦ። ንእንመነዮ ለውጢ ከከም ድሌታትናን ኣተሓሳስባናን ጥራይ ክውሰን ከምዘይክእል ከነስተውዕል ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ እንምነዮ ለውጢ ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝውክልን ብሓባር ዘንብርን ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንመራመረሉ ይግበኣና።
ነዚ ኣንዊሑ ዝጥምት ምርምር’ዚ ንምክያድ፡ ናጻን ቀጻልነት ዘለዎን፡ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ቃልሲ ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዝኸይድ ጉዕዞ ነቲ እንምነዮ ህዱእ መጻኢ ውሕስነት ዝህብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን፥ ህዝቢ ዝዋንኡ ስልጣንን ክህልወና እንከሎ ስለ ዝኾነ።
ነዚ መስርሕ ዝመልክት ስነፍልጠት ከም ዝሕብሮ፥ ‘’ጭቆና ንምቅዋም ይኹን ወጻዒ ስርዓት ንምውጋድ ዓመጻዊ ኣገባብ ከም ምርጫ ምውሳድ፥ ቀጻሊ ህድኣት ኣብ ምውሓስ ክህልዎ ዝኽእል ውጽኢት፥ ምስቲ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ክረአ እንከሎ፡ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ ግና ኣብ ዲሞክራሲያዊ ውጽኢትን ቀጻሊ ርግኣትን ዝህልዎ ጽልዋ ዝለዓለን ዘተኣማምንን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ።’’
ስለዚ ዲሞክራሲ ኣብ ጥጡሕ ባይታ ክስረትን እናማዕበለ ክኸይድን ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናጽነት ክትሰፍር ኣለዋ። ምኽንያቱ ንባዕሉ ናጻ ዘይኮነ ንናይ ካልኦት ናጽነት ክኽብርን ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢን ክሓስብን ኣይክእልን እዩ። እዚ ባይታ’ዚ ኣብ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዘይዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝንደቕ እዩ መሰረትን ውሕስነትን ዝተኣማምን ረብሓ ኩሉ ህዝቢ ዘውሕስን ዝኸውን።
ብሓጺሩ እቲ ተቓውሞ ንዘይዓመጻዊ ኣገባብ ከም ምርጫ ክወስዶን ብተግባር ክሰርሓሉን እንከሎ እዩ ናጽነት ዝዓዝዝን ናብኡ ገጹ ዝወስድ መንገዲ ጥጡሕ ዝኸውንን። እዚ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ውሑስን ዘተኣማምንን ክኸውን ግና ህዝቢ ብንቕሓትን ብውዱብ ኣገባብን ክሳተፎ እንከሎን ዝተጸንዐ መተካእታ ዝቐረበን ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ምድላው’ዚ ኣብ ዘይተገብረሉ፡ ነቲ ኣገባብ ስለ ዝመረጽካዮ ጥራይ ትዕወት ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ኣብ ሓጺር ግዜ ብህዝባዊ ናዕቢ ዲክታቶራት ናይ ዘወገዳ ሃገራት ተመኩሮ ዝምህረና እውን እዚ እዩ።
ጋዜጣዊ መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ
Thursday, 14 April 2016 23:34 Written by ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢብውጽኢት ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ካብ 1-3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኣኡ ኣካይዱ። ኣብ ምጅማር ኣኼባ፡ ኣቦ መንበርን ሓለፍቲ ጉጅለታት ዕማምን፡ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዕዮ ጸብጻብ ኣቕሪቦም። እቲ ኣኼባ ድማ፡ ናይ ትግባረ ዕማማት ወድዓዊ ገምጋም ብምክያድ፡ ዝሓለፈ መድረኽ፡ ብሳላ’ቲ ካብ ተሳተፍቲ ውድባት ዋዕላ ናይሮቢ ዝረኸቦ ደገፍን፡ ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነትን፡ ብመላኡ ኣወንታውን፡ ኣፍራይን ምንባሩ፡ ኣስሚሩሉ። ኣብ ገምጋም ናይቲ ድሕሪ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰዓበ መድረኽ፡ ካብ ገለ ሸነኻት፡ ኣብ ተረድኦ ዋዕላ ናይሮቢን ዕማማቱን ዘይምርዳእ ወይ ምድንጋር ተፈጢሩ ምንባሩ ተመልኪቱ። እዚ ምድንጋር’ዚ ምናልባት መስርሕ ዋዕላ ናይሮቢን ምስንዳእ ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶን ናይ ግዜ ምትእትታው ብምንባሩ ይኸውን ብምባል ድማ ንምብራህ ዝኣክል
1. ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባት ዝተሳተፍኦ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ንመጻእን ዝጠመተ፡ ሓባራዊ ፖሊቲካዊ ራእይ ንምስራጽ ዝዓለመ ምይይጥ ንምክያድ ዝተገብረ ምምኻራዊ ርኽክብ ምንባሩ፣
2. ዕማም ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ድማ በቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት፡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ናብ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምምጻእ ደኣምበር፡ መተካእታ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኪዳን፡ ወይ ካልእ ምሕዝነታዊ ውደባታት ንምስንዳእ ከም ዘይኰነ፡ በዚ መሰረት’ ውን ዕማማቱ ምስ ዕማማት ምስንዳእ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዘይጋጮ ኣረጋጊጹ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ካብ ዘቐመጦ ገምጋም ብምብጋስ ካብ ዕለት ኣኼባኡ ክሳብ’ቲ ኣብ ካልኣይ ክፍላ ወርሒ ነሓሰ 2016 ክጋባእ ተወጢኑ ዘሎ ካልኣይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይ ዘሎ ግዜ መደባት ዕዮ ኣጽዲቑ። ነዚ ብዝምልከት ድማ እቲ ምምኻራዊ ዋዕላ ከመያየጠሎም ዘለዎ ኣጀንዳታት መሰረት ብምግባር፡ ንድፊ ሰነዳት ናይ ምድላው መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ናይ ሃገራውያን ውድባት ተቓውሞ ንድፊ ሓባራዊ ራእይ፡ ምልካዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዘኽእል ኣገባብ ቃልሲ ምንጻርን፡ ናይ መጻኢ መድረኽ ምስግጋር ንድፊ ሓባራዊ ርእይቶ ምቕራብን እዮም። ነዞም ንድፍታት ንምድላው ከም መወከሲ ዝጥቀመሎም ድማ፡ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ሰነዳት ሓይልታት ተቓውሞን ክኾኑ እዮም። ከምኡ’ውን ጠንቂ ሽግራት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ንምልላይን፡ ነዚ ዓቢ ዕማም’ዚ ንምስልሳልን፡ ብኣፍልጦን፡ ተመክሮን ናይ ዘለዎም ፈሊጣውያን ኤርትራውያን ዝቖመት ፍልይቲ ሽማግለ መዚዙ፣ ዕማማታ ንምስልሳል ዝሕግዙ ሰነዳት ክኣ ክቕርብ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ወሲኑ።
ኣኼባታት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ኤርትራ ዝተኻየደ ኣገደስቲ ርክባት ዘሰነዮ እውን ነይሩ። እቲ ርክባት ንኹሎም ውድባት ብዛዕባ ንጥፈታቱን ብመሰረ’ቲ ካብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ዘካየዶም ዕማማትን ንምብራህ፡ ናይ መጻኢ መደባት ንምሕባርን ተሓባባርነቶም ንምሕታትን ነበረ። ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ እተሳተፉ ውድባት፡ ድሕሪ ኣገደስቲ ምይይጥ፡ ግዜያዊ ኣካል ዕማማቱ ንምስልሳል ዘኽእሎ ምትሕብባር ከም ዘበርክቱ ኣረጋጊጾም።
መሪሕነት መድረኽን ኣባላት ግዝያዊ ኣካል ርኽክብን ምስ’ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዘይተሳተፉ 6 ውድባትን ከምኡ’ውን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኣገዳሲ ርክባት ብምክያድ ሃናጺ ልዝብ ገይሮም። እዞም ዝተጠቕሱ ሓይልታት ንክተሓባበሩ ድሉዋት ምዃኖምን ናብ’ቲ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ከም ዝሳተፉን ኣረጋጊጾም።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣብ ምዝዛም ኣኼባታቱ፡ ንኹሎም’ቶም፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ዘተባብዑን ብሓሳብ ኰነ ብግብሪ ዝተሓባበሩን፡ ምስጋናኡ እናቕረበ፡ ብፍላይ ነቶም ነዚ ኣኼባ’ዚ ብዓወት ንኽዛዘም ዘበርከቱ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣመዝጊቡ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ
4 ሚያዝያ 2016
ብመኽንያት ብሰንበት ዕለት 3 ምያዝያ ዝተፈጸመ ባርባርዊ ቅዝፈት መንእሰያትን ከምኡውን ሕጻናት ቆሉዕን ኣደታትን ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንቀዳም ዕለት 16.04.2016 ካብ ሰዓት 17:00 ክሳብ ሰዓት 19:00 ኣብ ሳልባው ኒድ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ክግበር ምኻኑ ንሕብር።
SAALBAU Nied
Heinrich-Stahl-Straße 3
65934 Frankfurt am Main
ኩሉ በዚ ባርባራዊ ተግባራት ዝሓዝንን ብሃገሩ ዝሓምምን ኣብዚ ናይ ዘኽሪ መዓልቲ ብተገዳስነት ክሳተፍ ንላቦ።
ሓበራዊ ኣዳላዊት ሽማግለ ፍርንክፈርትን ከባቢኡን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ”ብኤርትራ ኣብ ልብና !!!” ዝተሰምየ ማሕበር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ቆይሙ።
Tuesday, 12 April 2016 12:26 Written by ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበርመሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመርካ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ናይ ምሉእ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ
Tuesday, 12 April 2016 04:27 Written by Information Officeብሰንበት 10 ማዝያ 2016 መሪሕነት ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ (ሰ,ዲ.ህ.ኤ) ሰሜን ኣመሪካ ምሉኣት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ድሕሪ ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ምርጫ መሪሕነት ዞባ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣኼባ ከካይዱ።
ኣኼባ ብዝለዓለ ሱታፌ ኣባኣት እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ ብኣቦ ወንብር ሓው ቃልኣብ ክፍለጊዮርጊስ ተመሪሑ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ከኣ ኣትኵሩ ብስፍሓትን ዑምቆትን ተመያይጡ፤
· ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ መሪሕነት ዞባ ዘማልኦም ዕማማት
· ክፍልታት ዞባ ሓላፍነታተንን ዕማማታንን
· ናይ ጨንፈራት ግቡእን ሓላፍነተንን
· ትጽቢት ኣባላትን ምኽርን
ኣቦ ወንበር ዞባ ንዝተመዘዘ ነጥቢ ኣጀንዳ ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጹ ሓለፍቲ ክፍልታት ድማ ብወገኖም ዕማማቶምን መምርሒታቶምን ንኣባል ኣላለዩ። ድሕርዚ እኹል ግዜ ንሕቶን መልስን ተዋህበ። ኣባላት ሓዳስ መሪሕነት ክሳብ ሕጂ እተርእዮ ዘላ ኣገባብ ኣሰርርሓን ኣተሓሕዛ ዕማማትን ድሕሪ ምንኣድ፡ ዘይሕለል ምትሕብባሮም ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ኣረጋገጽሎም።
መሪሕነት ዞባ ካብ እትምረጽ ጀሚራ ኣኼባታት ናይ መራሕቲ ጨናፍራትን ካልኦት ኣገደስቲ ዕማማትን ንጥፈታትን ተካይድ ከምዘላ ተመስኪሩ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት፡ ዞባ ጕባኤ ዘማእከለ፡ ኣውጺኣ ብዕቱብ ተታሒዛቶ ከምዘላ ተሓቢሩ። ኣኼባ ብመንፈስ ምርድዳእን ምክብባርን እዩ ተኻይዱ።

