ብሽጣራታት ዝተዋሕጠ ስርዓት ኢሳይያስ

2016-05-15 08:23:32 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2501 times

ኣብ ህልዊ ምምሕዳር ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ሕጊ ኣልቦ ናይ መደናገርቲ ስራሓት፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብመንጽር ባህሪ ናይ መለኽቲ  እንተለኪዒናዮ እውን ምምሕዳር ህግደፍ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተራእዩ መለኽቲ መዳርግቲ የብሉን። ገሊኦም መለኽቲ ንዜጋታቶም እንተወሓደ ሰሪሖም ክዕንገሉ ከምዘለዎም ይገብሩ እዮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልኪ ግና ብመንጽር’ዚ ኣሉታውነቱ ፍሉይ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ብሰንኪ እኩይን መላኽን ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ሕገ- ኣልቦነት፥ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ኣገባብ ዘይብሉ፡ ውሽጠውሽጢ ዝመሃዝ ስምምዓት ከካይድ ይግደድ። ንኣብነት  ኣብ መዳይ ኣካራይን ተኻራይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ስምምዓት ይወዓዓሉን ይፈራረሙን። እቲ ኣካራይ ገዛ ንመንግስቲ ግብሪ ስለዝኸፍል’ሞ እቲ ግብሪ ከኣ ብዙሕ ብምዃኑ፥  ከጉድል ክብል ሕቡእ ሜላታት ክጥቀም ይግደድ።

እቲ ተኻራያይ ከኣ ዘጽልለሉ ገዛ ንኽረክብ በቲ ኣካራያይ ዝበሎ  መሰረት ክቕበል ወይ ክሰማማዕ ናይ ግድን ይኸውን። ጭንቂ፡  መከራን ሕገ- ኣልቦ ምሕደራን ዘየምጽኦ መዘዝ የልቦን እሞ፡ ልክዕ ከምታ በዕራይ ነቲ ገደል ገዲፉ ነቲ ዝበልዖ ሳዕሪ ጥራይ ብምስትብሃል ዝጸድፍ፡ ክልቲኣቶም ኣካራያይን ተኻራያይን ሳዕቤኑ ዘንጊዖም ክበላሓቱ ይጽዕሩ። እዚ ኣብ   ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት እዩ። እቲ መንግስቲ ከኣ ካብቲ ጎሪሐ ዝብል ኣካራይ ዝያዳ ጎራሕን ተንኮለኛን ብምዃኑ ነቲ ዝግበር ሽጣራታት ኣይስሕቶን እዩ። እዚ ተግባሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ይዕለለሉ’ዩ።

እምበኣር ኣብ ነዚ ዝምልከት ግብራዊ ኣብነት ንመልከት፡ “በ” ዝበሃል ዋና ገዛን “መ” ዝበሃል ተኻራያይን ዝተወዓዓልዎ ስምምዕ ነይርዎም። እቲ  ንገዝኡ ብ 6000 ናቕፋ ዘካሪ፡ ንሓደ መጽለሊ ስኢኑ ዝተሸገረ ተኻራያይ ንሰማማዕ እምበር ከካሪየካ እየ ይብሎ። እቲ ተኻራያይ ከኣ ጥራሕ ዘጽልለላ ገዛ ሃበኒ እምበር፡ ግዲ የለን ክንሰማማዕ ኢና ዝብል መልሲ ክህቦ ናይ ግድን ነይሩ። እቲ ስምምዕ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኮነ።  ኣካራያይ  ንተኻራያይ እቲ ዋጋ ክራይ ገዛ ንወርሒ 6000 ናቕፋ ክኸውን፡  እቲ ስምምዕ ከኣ ንወርሒ ብሕሳብ 4000 ናቕፋ ኮይኑ ክሰፍር ይወዓዓሉ። ጉድ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ሸፈጥ ንተዓዘብ። እቲ ዋና ገዛ እቲ ንግብሪ ዝኸፍሎ 20% እንተኾይኑ እቲ ዓቐን ገንዝብ ናይ 6000 ናቕፋ 1200  እዩ ዝኸውን።

ስለዚ በታ ዝገበርዋ ምስጢራዊት ስምምዕ ናይቲ 4000 ናቕፋ 20% ኣብ ወርሒ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ 800 ናቕፋ ክኸውን እንከሎ እተን 2000 ናቕፋ ግና ግብሪ ዘይክፈለን እየን። ስለዚ እቲ ዋና ገዛ ኣብ ክንዲ ኣብ ወርሒ 6000-1200 = 4,800 ናቕፋ ጥራይ ዝረክብ፥ 6000-800 = 5,200 ናቕፋ ኣብ ኢዱ ‘’ኣታዊ ይኸውን። እቲ ዝያዳ ተንኮለኛ መንግስቲ ከኣ ንኽልቲኦም ንኽረክብ  ከምቲ ኣበው  “ክለተ ጎራሓትሲ ሓሙዂሽቲ ስንቆም” ዝብልዎ’ ይባላሕት። ሕጊ ኣልቦ ብምዃኑ ብዘይሕጊ ስምምዕ ከምዝካየድ ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ነቲ ዘካረየን ዝተኻረየን ነቲ ዝተሰማምዕሉ ወርሓዊ  ዓቐን ክቕርቡ ይሓቶም። ብድሕሪኡ እታ ገዛ ክሳብ ክንደይ ክትካረ ከምትኽእል ንምፍላጥ ሸነንቲ ወይ ገምገምቲ ይልእከላ። እቲ ተኻራያይ ዝበሎ ምስቲ እቶም ሸነንቲ ዝገመትዎ ዝመሳሰል እንተኾይኑ ቅቡል ይኸውን። ዘይመሳሰል እንተኾይኑ ድማ በቲ ባዕሉ ዘሸነኖ ከም ዝኽፈል ይገብር።

እዚ ማለት እታ ገዛ በታ 4000 ናቕፋ እንተ ተሸኒና ዕድል ናይቲ ተኻራያይ እዩ ኣብኣ ትጸድቀሉ። ካብኡ ዝተሓተ ዲዩ ወይ ዝለዓለ እንተኾይኑ እውን ከምኡ። እታ ገዛ ልዕሊ 4000 ናቕፋ ኣብ ወርሒ እንተ ተሸኒና ከኣ፡ እቲ ተኻራያይ ክኸፍል ዝኽእል እንተኾይኑ ይኸፍል። ልዕሊ ዓቕሙ እንተኾይኑ ድማ ካብታ ገዛ ክወጽእ ግድን’ዩ። ኣቲ ዓመጸኛ መንግስቲ ከኣ  በዚ ኣገባብ  እታ ኣብ ኢዱ ትኣቱ ግብሪ ብዘይ ሓደ ጎደል ኣብ ኢዱ ከምትበጽሕ ይገብር።

ድራር መንታይ

Last modified on Sunday, 15 May 2016 10:33