ጨናፍር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ በይ-ኤርያ ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይዶም

2016-05-18 02:38:20 Written by  ክፍሊ ዜና ኣብ ሰሜን ኣሜርካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1842 times

ኣባላት ጨናፍር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ካብ ከተማታት በይ-ኤርያ ተጓዒዞም ኣብ ከተማ ኦክላንድ ተራኺቦም ብ14 ግንቦት 2016፣ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ስርርዓዊ ጉዳያትን ተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፣ ሓፈሻዊ ኣተሃላልዋ ሃገርናን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ብሓፈሻ፣ ኵነታት ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞን ድማ ብፍላይ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ’ቲ ባዕሉ ዝተሳተፎ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣዲስኣበባ ብ “ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ” ዝተኻየደ ኣኼባ ሓበሬታን መብርህን ሂቡ። 

ተስፋይ መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ዕማም ግዜያዊ ኣካል ርኽክብን  በቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት ዘሰላሰሎ ስራሓትን ዘጽደቖ ውሳኔታትን ብዝርዝር ሓቢሩ። እቶም ቀንዲ ካብኦም ድማ፡

·        ነቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ናብ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምምጻእ ሰፊሕ ርኽክባት ከም ዘካየደ

·        ቀጺሉ ኣብ ዝካየድ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምይይጥ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት እተዳሉ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቝሙ ምህላዉ

·        ተወጢኑ ዘሎ ካልኣይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ፣ ብገምጋም ኣብ ክፍላ ነሓሰ 2016 ንኽካየድ 

ተስፋይ ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂ ብምሃብ ዛዚሙ። 

ቀጺሉ ኣባል ዞባ ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ - ሰሜን ኣመሪካ፤ ኣብ ዞባና ክካየድ ዝጸንሐ ንጥፈታትን ተወጢኑ ዘሎ መደባትን ሓቢሩ። ንዞባ ዝምልከቱ ኣገደስቲ ጉዳያት ብምልዓል ኣኼበኛ ዓሚቝ ምይይጥ ኣካይዱ። 

ጨንፈር ሳን ሆዘ ኣባዚሑ ዘቕረቦ፣ ንኣብ 2015 ዝተሰላሰለ 2ይ ጉባኤን ፈስቲቫልን ሰ.ደ.ህ.ኤ ዘንጸባርቕ ፖስተር ንኣባላት ተዓዲሉ ኣኼባ ተደምዲሙ። 

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

 

ወኪል ክፍሊ ዜና ኣብ ሰሜን ኣሜርካ

Last modified on Wednesday, 18 May 2016 06:06