ኤርትራ ርብዒ-ዘመን ድሕሪ ናጽነት

2016-05-19 04:34:39 Written by  ተኽኣ ጸጋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1928 times

ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ-ሐይልታት ክጭኾን ድሕሪ ምጽንሑ፡ ንስለ ናጽነቱን ሓርነቱን ሰውራ ብምብጋስ፡ ን 30 ዓመታት መሪር ቓልሲ ኣካይዱ፡ ሂወት ኣሽሐት ብሉጻት ደቑ ከፊሉ፡ ኣብ 1993 ልኡላዊት ሃገር ከረጋግጽ ኪኢሉ። ኮይኑ ግን፡ ብኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ዝምርሑ ውሑዳት ጉጅለ፡ መብጽዓ ኣሽሐት ሰማእታትናን ህዝብን ብምጥላም፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ምርግጋጽ ልእላዊት ነጻ ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም-ተሓሪምዎ፡ ኣብ ዘይቕሱን ፖለቲካዊ ሃዋሁ ናይ ውግእ፡ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ስንክልና፡ ስደት፡ ድኽነትን፡ ኮታ ኩሎም ሕሰማት መነባርሮ ሂውቱ፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘሕለፎ ብዝኸፍኣ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። ናይዚ እዋን እዚ ጭኾና ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ፡ ንታሪኽን ዝና-ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕስርን ዘህስስን ኮይኑ፡ ንህላወ ሃገርን ህዝብን ብዝፈታተን ደረጃ ኣብ ፕለቲካውን ቑጠባውን ከምኡውን ማሕበራዊ ዕንወት ኣቲና ንርከብ።    

ኣብ 60ታት መብዛሕትኣን ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ ግዝኣት ዝነበራ ናይ ኣፍሪቓ ሃገራት፡ ናጽነተን ረኺበን ናብ ህንጻ ሃገራውነት ክብገሳ እንከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ብሰሪ ናይ ወጻኢ ሐይልታት ፖለቲካዊ ሽርሕታት፡ ባህጊ ናጽነቱን ሓርነቱን ስለ ተነፍጎ፡ ሰብኣውን ሃገራውን ክብሩ ንከውሕስ፡ ኣብቲ ነዊሕ ናይ 30 ዓመታት መሪር ዕጥቓዊ ቓልሲ፡ ሂወት ከልተ ብሉጻት ወሎዶታት ደቑ ክኸፍል ተገዲዱ እዩ። ኣብ 50ታትን 60ታትን ኤርትራ ብተዛማዲ ምስ ካልኦት ኣፍሪቓውያን ሃገራት፡ ብቑጠባዊ-ትሕተ-ቕርጺ ይኹን ብደረጃ ዓቕሚ ሰብ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ጽቡቕ ኣንፈት ደረጃ ምዕባለ ዝነበራ ኣፍሪቓውያን ሃገራት እያ ኔራ። ኮይኑን ግን፡ ብድሕሪ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ፈደራላዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ንኤርትራ ምስ ጎበጠ፡ ነቲ ሃገርና በጺሓቶ ዝነበረት ቑጠባዊ-ግስጋሰ ይኹን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብ፡ ብረቒቕ ሜላ ናብ ኢትዮጵያ ክምዝግዕዝ ብምግባር፡ ነቲ ምዕባሌ ንረብሓ ሃገሩ ከምዝውዕል ጌሩዎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኤርትራዊ ኪኢላ-ዓቕሚ ስራሕ ከምኡውን ትምህርቲ ንኽረክብ፡ ገለ ናብ ኢትዮጵያ፡ ገለ ንሜዳ፡ ገለ ከኣ ናብ ሕሱም መነባብሮ ስደት ክበታተን ጀመረ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ዓለምና ናብ ቅልጡፍ ቑጠባዊ ዕብየት ክትስጉም ከላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ናጽነቱን ሓርነቱን ከረጋግጽ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ከቢድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1991 ሃገሩ ካብ ባዕዲ ነጻ ክገብር ከሎ፡ ብንዋታውን ሰብኣውን ዓቕሚ ዝዓነወት ሃገር እዩ ተረኪቡ። ኣብ ቑጠባዊ ዕብየት ናይ ዝኾነ ሕብረተ ሰብ፡ ደረጃ ምዕባሌ ዓቕሚ--ሰብ ወሳኒ ረቓሒ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ንዝሐለፎ ዕድል ተኪኡ ምስ ዓለም ክጎዓዝ፡ ቑልጡፍ ናይ ተሃድሶን ህንጻ-ሃገርን ህዝብን፡ ብፍላይ ከኣ ናብ መንእሰይ ዘተኮረ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ሰፊሕ ወፍሪ ምክያድ፡ ካብ ሐደ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝሐሊ መንግስቲ ትጽበዮ ቐንዲ ስርሕ ክኸውን ግቡእን ኩልና ተጸበናዮ እዩ ኔሩ።

ኮይኑ ግን እቲ ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ሊዒሉ ዝተጠቕሰ፡ ካብ ናይ ነዊሕ ዓመታት በሰላ-ውግእ ትንፋስ ከይመለሰ እንከሎ፡ ኣብ ቐጻሊ ውግኣት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ቐጺሉ ከኣ ኣብቲ ብኣጋ ክእለ ዝኽእል ዝነበረ ዝዓበየን ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ውግእ ናይ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ተኣትዩ። ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ከኣ፡ ዝተኸፍለ ቑጽሪ ሂወት ኤርትራዊ፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ንናጽነት ዝተኸፍለ ሂወት ዝበዝሐን ዝኸፍአን ኮይኑ፡ ኣብ ህዝብና ከቢድ ሞራላዊ ሃስያ ኣከቲሉ። እዚ ከኣ ሐደ ካብቶም ቕንዲ መርኣያ ጭካነን ጥልመትን ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቒ ኮይኑ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ መራሒ ምኻኑ ዘመስከረ ፍጻሜ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ኮይናቶ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ገዲፉሉ ጥርይ ዘይኮነ፡ ሓደ ካብቶም ቐንዲ ረቓሒ ወይ እምነ ኩርናዕ ናብዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ጥፍኣት እዋን እዩ። ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ሰብኣዊ-መሰል ህዝቢ ኤርትራ ቀስ ብቐስ እንዳተጋህሰ ክመጽእ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ናይ 1998 ግን፡ እቲ ጥልመትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ኣዝዩ ግሁድን ሰፊሕን እንዳኾነ መጺኡ። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ፡ ንህላውነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ዝፈታተን ደረጃ በጺሑ ኣብ ሓደገኛ ፕለቲካዊን ቑጠባዊን ማሕበራዊን ኩነታት ተኣትዩ።       

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ኤርትራ ድሕሪ 25 ዓመታት ናጽነት፡ ሕጋዊ-ውዕል ዝምድና ህዝብን-መንግስትን ዘውሕስ ሃገራዊ ቅዋም የብላን፡ ከምኡውን ብምርጫ ህዝቢ ዝቖመ ሕጋዊ መንግስቲ፡ ማለት ሃገራዊ-ባይቶ ይኹን፡ ነጻ ትካላት መንግስቲ እውን የብልናን። ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መባእታዊ መሰል ደቒ-ሰብ እውን ስለዘየለ፡ ርእይትኦም ዝሃቡ ኣሽሐት ደቒ-ሃገር ብዘይፍርድን ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ንዓመታት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ስለ ዝኮነ ካኣ፡ ኤርትራውያን ሎሚ ኣብታ ምእንቲ ሐርነቶም ከቢድ ዝተኸፈሉላ ኤርትራ፡ ጉዳይ ሃገሮም ከምዘይምልከቶም ተቖጺሮም ፡ ከምኡውን ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን፡ ብሐርነት ክምሃሩን ክምዕብሉን ዕድል ተነፊግዎም ደንቒሮም ከም ባራዩ ተኣዘዝቲ ጥራይ ኮይኖም ኣብ ራዕዲ ክነብሩ ብስርዓት ህግደፍ ተፈሪድዎም ኣሎ።  

ኣብ ዲፕሎማስያዊ-ጉዳይ እውን፡ ኣብዞም ዝሐለፉ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ሃግርና ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ምስቲ ስለ ናጽነት ዝኸፈለቶ ክቡር ዋጋ ዝዳረግ ክብሪ ንክትረክብ፡ ብውሕልነት ኣይተሰርሐሉን። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዘይሕጋዊ ዓንዳሪ ኣካይዳ ዲክታትርያዊ ስርዓት ከኣ፡ ሃገርና ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣውንታዊን ሃናጺን ዝምድናታት ከተማዕብል ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩለን ጎረባብቲ-ሃገራት ኮነ ካብ ኣለም ተነጺላ ትርከብ። ብተወሳኪ እውን ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ ዘተኮረ ክልተ ማዕቐባት በይኑ። ብቐጻሊ እውን ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ኤርትራ መጠነ-ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት ምህላዉ ስለ ዝገምገመ፡ መርማሪት ኮምሽን ብምቓም፡ እቲ ግህሰት-መሰል ስጋብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክበጽሕ ይኽእል እዩ ኢሉ ስለዝገምገመ፡ ቐጻሊ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኹሉ ከኣ፡ ኣብ ዓለምና ሎሚ ካልኣይ መጸውዒ ስም ኤርትራ “ኣፍሪቓዊት ሰሜን ኮረያ” ኮይኑ ይርከብ።  

ኣብ ቑጠባዊ መዳይ እውን፡ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ናጽነት ኤርትራ፡ ሃገርና ብባጀት ይኹን ብግሉጽነትን ዝሰርሕ መንግስቲ የብላን። ንብረት ህዝባዊ ግንባር ንብረት ህዝቢ ከም ምኻኑ መጠን፡ ካብ ሜዳ ህ/ግ ክንደይ ዝኣክል ንብረት ሒዙ ኣትዩ ስጋዕ እዚ እዋን እዚ ንህዝቢ ኣይተገለጸን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዞም ዝሐለፉ ዝያዳ 50 ዓመታት፡ ሃብቲ ሃገርና ብዉሑዳት ብሕጊ ዘይተመርጹ ሰባት ጥራይ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ኣሰቓቒ ሂወት እንዳሕለፈ ከሎ፡ ብዛዕባ ሃብቲ ሃገሩን ማዕድናቱ ይኹን ወደባቱ ንመን ይካረ ወዘተ ህዝቢ ኤርትራ ንክፈልጥ መሰሉ ተሓዲጉ ይርከብ።

በቲ ካልእ መዳይ እውን፡ ገለ ካብቶም ቐንዲ ንቑጠባ ሃገርና ረሚሶም ዘለዉ ፖሊሲታት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም፡ ነቲ ኣፍራይን መሃዝን ዓቕሚ መንእሰይ-ሃገር ከም ባርያ ጅሆ ሒዝካ፡ ከምኡውን ካብ ሃገር ዝኣቱን ዝወጽእን ናውቲ ብምልኡ ብውሑዳት ብህግደፍ ዝውነና ትካላት ቢሒትካን፡ ዕንወት እንተዘይኮኑ፡ ክመጽእ ዝኽእል ቑጠባዊ ዕብየት የልቦን። ከምሳዕቤን ናይዚ ከኣ ብሕታዊ-ወፍሪ ክፋል ቑጠባ-ሃገር ዓንዩ፡ ከምኡውን ኣውፈርቲ ይኹኑ መንእሰያት ኤርትራ፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ንዓለም ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝሒ ቑጽሪ ሰደተኛታት ኤርትራ ኣኸቲሉ ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ ንብዝሒ ቑጽሪ ስደተኛ-ኤርትራ ክሐብኦ ኣብዘይክእል ደረጃ ስለ ዝበጽሐ፡ ከምኡውን ካብቲ ቐንዲ ጥንቒ ስደት ዝኮነ፡ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንምህዳም፡ ንህዝቢ ስራሕ ምፍጣር ሓላፍነት ፖሊሲታት-መንግስቲ ክንሱ፡ ንሕብረተ ሰብ-ዓለም ከዳናግር፡ ብዘይሕንከት፡ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ናይ ቑጠባ እዩ ክብሉ ይስምዕ። ኣብ ቑጠባዊ መዳይ እምብኣር ኣብዞም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሐርነት ጸጋታት ሃገሩ ተጠቒሙ ሰሪሑ ንቡር ሂወቱ ክመርሕ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ መቕርቡን ቤተ-ሰቡን ናይ ዝሰድሉ ገንዘብ ተጸባይ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዝዩ ሐደገኛ ተኣፋፊ ሂወት ይርከብ።

ጽሑፈይ ንምዝዛም፡ እዛ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍላ ሃገርና ኤርትራ፡ ከምዚ ሊዒሉ ተጠቕሰ፡ ድሕሪ ርብዒ-ዘመን ከም ልኡላዊት ነጻ ሃገር፡ ሎሚ ኣብ  ከቢድ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ቑጠባውን ከምኡውን ማሕበራዊ ከቢድ ቕልውላው ኣትያ፡ ክሳብ ህላውነት ሃገርን ህዝብን ዝፈታተን ደረጃ በጺሓ ትርከብ። ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ከቢድ እዋን ንምግልጋል ከኣ፡ ብፍላይ ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት፡ ካብቲ ኣዕናዊ ተመኩሮ ገለ ኣፍሪቓውያን ሃገራት ተማሂርና፡ ከምኡውን ካብቲ ህግደፍ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ብዕሱባት-ሃሱሳቱ ኣቢሉ ሓድነትና ንምድኻም ኣበርቲዑ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጸበብቲ ኣረኣእያታት ናይ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ውድበይ-ውድብካ ወጺእና፡ ብሃገራዊ ንቕሐት፡ ፖለቲካዊ ራኢና ኣበሪኽና፡ ሐንቲ ብግዝኣተ-ሕጊ እትምራሕ፡ ንኹልና ብማዕርነትን ሰላምን ፍትሕን እንነብረላ ሃገር ክንሃንጽ፡ እቲ ረብሐ ናይ ኹልና ስለዝኮነ፡ ናይዚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ሃገርና መብጻዓ ኩልና ክትኸውን ይምሕጸን።  

 

 የቐንየለይ

ተኽኣ ጸጋይ

ካብ በርክሊ ካሊፎርንያ /መ/ኣ

ግንቦት 16 2016

Last modified on Thursday, 19 May 2016 06:44