ሓሰት ጻፍር ኢታሓዘ ዎ ገንበት

2016-10-28 19:37:46 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2929 times

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ እዚ መርበብ፣ ሎሚ መዓልቲ ጉዳይ ስለ ዝነበረኒ ካብ ስራሕ ቀልጢፈ ወጻእኩ። ዝነበረኒ ዕማም ምስ ወዳእኩ፣ ኣብ መርበብ ቶጎሩባ ናይ ሰለስተ ገዳይም ተገደልቲ ስእሊ በቲ የመናይ ኩርናዕ ርኣኹ። እንታይ ተረኽበ ብምባል ነቲ ስእሊ ምስ ጠወቕኩዎ ኣብ ‘ስመር ቲቪ ዝብል መስኮት “ ይወስደኒ። ፎሮ ዝብልን መንነቱ ዘይፍለጥን ብጻሊም ዝተቅብኤ ስብ ዘረባ ይጅምር ። እቲ ኩሉ ጸርፉ ኣብ ኤርትራዊ ባህሊ ንቡር ዘይምዃኑ ገረመኒ ። እቶም ሰማዕቱ ነዚ ብዘይእሩም ቃላት ዝህቦ ኣስተምህሮ ፣ ዓገብ ዝብሉ ኣይኮኑን ። ከመስግንዎን ክውድስዎን ከኣ ትሰምዕ። ብዝያዳ እኳ ደኣ ኣብቲ ሰመር ሩም ኣይትዮም ንዘረባ ፎሮ እንተ ሰምዑ ደስታ ዝስምዖም እዮም ዝመስሉ: ዕድል ረኺቦም ሕቶ እንተ ሓቲቶም ከኣ ብታሕጓስ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሱ ዝሓድሩ እዮም። ንሱ ሕቶታቶም ከምልስ እንከሎ ደስ ከም ዝበሎ: ከምቲ ኣብ ህግደፍ ዝተመሃሮ ናይ ምድንጋር ቃላት እናተጠቕመ ይምልሰሎም። ኣሜን ኢሎም ከኣ ይቕበልዎ።


ፎሮ ዝብሃል ሰብ፣ ንነዊሕ ግዜ ሰባት ክዛረብሉ ወረ ገሊኦምሲ ሓቂ መሲልዎም ዝሓዘኑን ዝጎሃዩን ኣለዉ። እንተኾነ ፎሮ ኣብ ክፍሊ ስለያ ተዋፊሩ ክሰርሕ እንከሎ ከም ፈላሲ ዳዊት ክደገም ድዩ ግዜኡ የሕልፎ ነይሩ? ወይስ ተጋደልቲ ይቐትልን ይኣስርን ነይሩ? ከምቲ ንሱ ዝብሎ ብ1978 ተሰሊፉ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህግ ኣብ 1972, 1973 ዝነበረ ኩነታት ብዓይኑ ዝረኣየ ስለ ዘይኮነ፣ እቲ ዝትርኾ ዘሎ ብኻልኦት ናይ ሽዑ ተጋደልቲ ካሳብ ዘይተረጋገጸ፣ ሰማዕቱ ሓስዩ ከየሕስወኩም ነቲ ዝብሎ ዘሎ ክትመራመርሉ ዝሓሸ እዩ። ሓደ ኣብ ስላያ/ ሓለዋ ሰውራ፡ ዝተዋፈረ ተጋዳላይ ካልኦት ተጋደልቲ ይቐትሉ ነይሮም፣ ኣነ ግና ኢደይ ሕጹብ ከም ጲላጦስ እየ። ሓንቲ ኣይገበርኩን ክብል እንከሎ፣ ኣብ ሓራን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ የራኽበና ጥራሕ ምባሉ ይሓይሽ። ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ባዕላዊ ከሰስትን ፍረድትን ምዃን ተቖጢብና ፣ በበታ ዘላትና ዓቕሚ ብውልቀ ወይ ከኣ ተወዲብና ኣንጻር እዚ ኢሰብኣዊ ጉጂለ ህግደፍ ምቅላስ እዩ ዝግብኣና ።


ከም ናተይ ኣፍልጦ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ካብ ዝተመስረተትሉ ዕለት ጀሚረ ፣ ድሕሪ ሓድነት ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ብምህላወይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓቅነት ዘይብሎም መደናገርትን ኣጸለምትን ጽሑፋት ኣንጻር ራኢን ተልእኾን ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዝመርን ክድረፍን ሰሚዐ ኣሎኹ። እንተኾነ ኣይከም ናይ’ዚ ፎሮ ዝብሃል። ብዝኾነ ነቲ ኩሉ ጸለመ መልሲ ንምሃብ ግዜ እውን ኣይረኽበሉን። እንተኾነ ካብቲ ሓቂ ዘይብሉ ዋህዮኡ ገለ ክነፍርሰሉ።


ሀ/ ሰዲኤ (EDP) ዝመስረቱ ተጋደልቲ ከምቲ ንሱ ዝገለጾ ዘይኮነስ፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም ፣ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ፣ ዶ/ር ተስፋይ ግርማጼን፡ ኣንበሳደር ሕብረት በርሄ፣ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርማርያም፣ ኣቶ መስፍን ሓጎስን ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰን እዮም። እዚ ነቶም ሓቂ እትደልዩ መንእሰያት ኣገዳሲ ሓበሬታ እዩ። ኣብ ሰዲኤ ዓብዳላ ኣደም መስራቲ ዘይኮነስ፣ ኣባል ኮይኑ እውን ኣይፈልጥን። ዓብዳላ ኣደም ለንደን ምስ መጸ ብገለ ኣባላት ሰዲኤ ተሓቲቱስ ኣባል ክኽውን ከምዘይደለየ ኢና ንፈልጥ። ስለዚ ዓብደላ ኣደም ምስ ሰዲኤ ዝኾነ ዘራኽብ ነገር ኣይነበሮን የብሉን ከኣ። ስለዚ ፎሮ ነቶም ሰዓብቱ ዓብደላ ኣደም፡ መስፍንን ኣድሓኖምን መስሪቶማ ናይ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ውድብ እያ ክብል ዘቕርቦ መደረ ሓቂ ኣይኮነን። እዞም እተጠቕሱ ዜጋታት ሰለይቲ ህግድፍ ምባሉ ከኣ ጽባሕ ምድሪ ምስ ወግሔ ተሓታቲ ኽከውን እዩ።


ለ/ ፎር ንኣንበሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ካብ ተልእኮ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ነጻ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ንዓብዳላ ኣደምን መስፍን ሓጎስን ግና ካብ ጸጋታት ህዝቢ ኤርትራ ዶላራት ኣብ ናይ ባንክ ሕሳባቶም ካብ ኤርትራ ይለኣኸሎም ኣሎ ክብል ንሰማዕቱ ካብታ ናይ ሓሶት ዋህዮ ሕፍስ ኣቢሉ ከይተሰከፈ ክንስንሰሎም ይስማዕ። ነዚ ዘረጋግጽ ዋላ ሓንቲ ጭብጢ ወይ መርትዖ የብሉን። እቶም ሰማዕቱ እውን፣ ሓቅነት ናይቲ ዝብሎ ዘሎ ከረጋግጹ፣ ክንደይ ንወርሒ ወይ ከኣ ኣበየናይ ሃገርን ባንክን እቲ ገንዘብ ክምዝቕበልዎ ንክሓቱ ዘኽእሎም ድፍረት ወይ ትብዓት የብሎምን። ብዝተባህሎም ሓሶት ጥራሕ ሰኒቖም ይኸዱ። ኩነታት ኣንበሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምን መስፍን ሓጎስን ዝፈላሊ ናይ መነባብሮ ፍሉይነት ኣይረኣኹን ። ከም ዝኾነ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ በቶም ኣብ ዓዲ ዘነበሩ ዘለው ስድራኦምን ቤተ ሰቦምን ከም ዝሻቐሉ እየ ዝፈልጥ። ኣባላት ሰዲህኤ ወልቃዊ ናብራኦም ካብ ሓደ ተራ ኤርትራዊ ሰደተኛ ዝፈለ እንተ ኮይኑ ከኣ ብመርተዖ ክረጋገጽ ይግበኦ። መስፍን ሓጎስ ኣበየናይ ናይ ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ክድቅስን ክበልዕን ተራእዩ? ፍሉይ ክዳን ዝኽደን፡ ፍሉይ ሳእኒ ዝረግጾን፣ መኻይን ዝዝውርወን እንተ ዝኸውን መርኣያ ናይ ሕቡእ ገንዘብ ኮይኑ መተወስደ። እዚ ጸለመ’ዚ ብስነ መጎት ክተሰንዮ ዘይከኣልን ሰባት ናይ ዕለታዊ ናብራኦም መብሊዒ ክገብሩዎን ሃየንታ እዩ ።


ሓ/ ፎሮ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብሰንኪ ሰዲህኤ ከምዝፈረሰ ንሰምዓቱ ክምድር እንከሎ፡ ዘቕረቦ ጪብጢ የለን። እቶም ተገዲስና ኩነታት ባይቶ እንከታተል ዜጋታት ግና እቲ ሓቂ ንፈልጦ ኢና። ኪዳን ብሓባራዊ ምርድዳእ (consensus) እምበር፣ ብኣብዝሓ ድምጺ ዝውስን ትካል ኣይነበረን። እንተኾነ ኪዳን ብብዝሒ ድምጺ ካብ ኪዳን ከውጽኡና ወሲኖም እዮም። ኣብ ምምስራት ባይቶ ጠለብ ሰዲህኤ ግዜ ንወስኽ ኣይንትሃወኽ፡ ነቶም ሰነዳትና ከኣ ብግቡእ ነጻፍፎም ዝብል ነበረ። እቶም ኣሰናደውቲ ግና ዝምውሉና እካላት ሕጂ እንተ ዘይተገብረ ኣይንምውልን ስለ ዝበሉና ናይ ግድን ክንገብሮ ኢና ምስ በሉ፡ ኣብቲ መስርሕ ዕግበት ስለ ዘይነበረና ሰዲህኤ ስሒብና። ባይቶ ከኣ ከምቲ ንሕና ዝበልናዮ፡ ብዘይ ጽፉፍ ሰነዳት ስለ እተበገሰ’ዩ ከም ሳዕቤኑ ኣብ መንጎ ፈጻሚ ኣካልን ባይቶን ናይ ስልጣን ምርጋሕ ዝተረኽበ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ውድብ ኩናማን ኣባላት ባይቶን ብጉዳይ ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝተፈጥረ ዘይመሰረታዊ ፍልልይ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓው ዳኒኤል ተወልደ ሓደ ካብቶም ፍሩያት ተዋሳእቲ ኣብ ባይቶ ዝነበረ ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ክልኦት ብዝሰነቖ መሰረት ዘይብሉ ጸለመ ክሳብ ዝኣኽሎ ኣጸሊምዎ እዩ። እንተኾነ ክልተ ዓመት ይገብር፣ ኣብ ቦስቶን ዝገበርናዮ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ካልኦት ብዘጋገይዎ የጸልመና ከም ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ። ስለቲ ምቕልሉነቱ ከኣ የመስግኖ። እዚ ጭቡጥ መርትዖ ናይቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ስዲህኤ ዝስንዝሮ ዝነበረ ዘይቅቡል ጸለመ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ነቲ ሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ እቲ ጸገም ባይቶ ባዕሎም ዝፈጠርዎ እምበር ሰዲህኤ ዝፈጠሮ ኣይነበረን ኣይኮነን ። ሰዲህኤ ውድባት ክንጥርንፍ ደኣ ይቃለስ እምበር፡ ውድባት ክፍርስ ዝካየዶ መስርሕ የለን።


ዝኾነ ተጋዳላይ ንህግደፍ ወይ ንኢሳያስ ኣፈወቂ ምእንቲ ኣብ ስልጣን ክንብር፣ ካብ ዝፈትዎም ደቁን ቤተሰቡን ተፈልዩ ኣብ ጽምዋ ስደት ዓመታት ከርተት ክብል እንታይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኮን ይኽውን? እዚ ሕልና ዘለዎ ዜጋ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዜጋታት ጭቡጥ ሓበሬታ ክሳብ ዘየቕረቡ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ተሓባበርቲ ናይ ህግደፋዊ ስርዓት ይኾኑ ኣለዉ። ሓቂ ሎሚ እንተ ዘይወጸት ጽባሕ ክትወጽእ እያ ።


ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቕዋሙን መትከላቱን ዝተኣማመን፣ ንነዊሕ ወለዶታት ከገልግል ዝኽእል ሃገራዊ ራኢ ይውንን። እዚ ስለ ዝኾነ “ድሕሪ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ክሕዝ ይኽእል እዩ” ብምባል ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ካብ ምጽላሙ ዓዲ ኣውዕሉን። ሓደ ምሁር ብ2009 ሰዲህኤ ኣብ ኤርትራ ኣብ 2011 ኣብ ዝግበር ምርጫ ክሳተፍ እዩ ክብል መዲሩ ነይሩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ሎሚ 2016 ኣብ ምፍጻም ኣሎና። እዚ ምሁር እዚ ነቲ ዝበሎ ክስሕቦን ይቕሬታ ክሓተሉን መተገብአ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሂላት ካብ ስግኣት ዝተበገሰ፡ ኣብ መንጎ ሰዲህኤን ካልኦት ተቓወምትን ዘይምትእምማንን ጥርጠራን ንምፍጣር ዝተማህዘ እዩ።
ኣብ መደምደምታ፣ ሓቂ ዘይምዝራብ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ባህልና እንተኾነ’ውን ፍቱው ኣይኮነን። ኩሎም ኣብ ምዝርጋሕን ምእካብን ሓበሬታ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ሓቅነት ናይ ሓበሬታ ምንጭታቶም ንምርግጋጽ ሓላፍነቶም ምዃኑ ክዝንጉዑ የብሎምን። ሓፋሽ ህዝቢ ሓቀኛን እዋናውን ሓበሬታ ክረክብ መሰሉ ስለ ዝኮነ። እንትኾነ እዚ ኣብ ሓድሓደ መርበባት ሓበሬታ ዝወጽእ መግለጽታት ጸኒሑ ከኣ ሓቅነቱ ዝፈሽል ዘሎ፣ እቲ ጉድለት ክፍተሽን ክምርመርን ኣለዎ። እቶም ወረ ዘቐብሉ ዘለዉ ደገፍቲ ተቓውሞ ተመሲሎም፣ ልኡኻት ህግደፍ ከይኮኑ ምጥንቃቕ የድሊ ኣሎ። ወነንቲ መርበብ ንሓድነትን ምምስራት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራን ኣበርክቶ ዘይብሎም ጽሑፋት እንተ ዘየስተናግዱ መተመርጸ ።

ዝኽሪ ንስውኣትና

ክብሮም ግረነት

Last modified on Friday, 28 October 2016 21:44