ንሓድሕዳዊ ምክብባር ዝጠቕም ትምህርቲ

2016-10-28 20:21:24 Written by  ዶር/ ተስፋ ገብረመድህን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2808 times

ኣኽብሮት ማለት ክብረት ንዝግበኦ ክብሪ ምሃብን፡ ክብረትን ሓድነትን ኣብ ሰብ ማለት ኢዩ። ምክብባር እንተድኣ ኣልዩና ንህይወት ካብኡ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር የለን።ኣኽብሮት ብፍላይ በቶም ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ተመክሮ ዝደለቡ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ወይ በቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ትምህርቲ ግዜኦም ዘሕለፉ ምሁራት ሰባት ግቡእ ክብሪ ረኺባ ኢያ። ምኽንያቱ ኣብ ጉዕዞ ህይወት፣ ፍልጠት፣ኣርሒቕካ ምሕሳብን ልቦናን ብብዙሕ ጻዕሪን ብቕጻሊ ትምህርቲ ናይ ስነ ስርዓትን (ስነ-ምግባር) ዝርከብ ኢዩ። ንምክብባር ከም ሕያውነት ወይ ጽቡቕ ጠባይ ምኹስኳስ ማለት ንኹሉ ዕላማ፣እምነት ወይ ተግባር ናይ ሰባት ናይ ግድን ክብሪ ይግበኦም’ዩ ማለት ዘይኮነ፣ንመሰረታዊ ክብሪ ናይ ደቂ ሰባት ንካልኦት ክንፈልጠሎም ኣሎና ማለት’ዩ። ዋላ’ውን ዕላማኦምን ክብሩን ካብ ናትና ዝተፈልየ ወይ ምስ ናትና ዘይሳማማዕ አንተኾነ። ኣብ ማሕበረ-ሰብና ወይ ሃይማኖታዊ ትካላትና ምክብባር ማለት ንኻልኦት ሰባት ግዳይ ናይ ጽልእን ቂምን ብምግባር ፈጠርቲ ናዕብን ህውከትን ከም ዝኾኑ ምግባር ማለት ኣይኮነን። ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ናይ ምክብባር እምበኣር ኣብ መንጎና ሰላምን ስምምዕን ዘራጋግጽ ኮይኑ፣ ነብሲ-ወከፍ ሰብ ግዲኡ ከበርክት ወይ ናይ ምምሃር ድሌት እንተዽኣ ኣልዩና’ውን ክምህረና ትጽቢት ይግበር።

እዛ ጥዕምቲ ቤትና ጠባይና ዝህነጸሉ ሚዛን ኣመለኻኽታና ዝቕረጸሉ መሰረታዊትን ዝበለጸትን ቤት ትምህርቲ ኢያ። ንመሰረታዊ ናይ ሞራል መትከልን ማሕበራዊ ጠባያትን ካብቲ ኣቛቑማ ናይ ሓንቲ ስድራ-ቤት ካብ ወለድና ኢና እንመሃር። ኣኽብሮት ምስ ስነ-ምግባርን ሞራልን ብምትሕሓዝ ኣብ ቤትና እነማዕብሎ ትኽክለኛ ጠባይ ኢዩ። ሃብትና እንተ ጠፍኤ ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝትካእ ስለ ዝኾነ ብዙሕ እንኸስሮ የልቦን፣ነቲ ብኣኽብሮት ዝግለጽ ጠባይና እንተ ኣጥፋእና ግን ኩሉ ነገር ከሲርና ማለት’ዩ። ንካልኦት ከነፍቅርን ከነኽብርን እንኽእል ንነብስና ከነፍቅርን ከነኽብርን ከሎና ጥራሕ ስለ ዝኾነ፣ኣኽብሮት ንነብስና ከመይ ዝበለ ሞራል ከም ዘሎና ዝሕብር ክኸውን ከሎ፣ኣኽብሮት ንኻልኦት ሰባት ግን ኩነታት ጠባይና ዝሕብር ብምዃኑ፣ንዝኾነ ሰብ ምኽባር ልቦናን ክብርን ዝህብ ከም ዝኾነ ክንግንዘብ ይግባእ።እሙናት ኣዕሩኽ ክህልዉና ንደሊ እንተድኣ ኮይና፣ንኩሉ ሰብ ከነኽብር ይግባኣና።ምኽንያቱ ክብሪ ሰብ ዘይሕልዉ ሰባት ውሑዳት ኣዕሩኽትን ተሓባበርትን ይህልውዎም፣ ካልኦት ሰባት’ውን ክቐርብዎም ሕጉሳት ኣይኮኑን።እምበኣር ኣብ ህይወትና ክንከብር ንደሊ እንተድኣ ኮይና፣ብዘይኣፈላላይ ናይ ዕድመ፣ዓሌት፣ ጾታ፣ ሃይማኖት ንኻልኦት ሰባት ከነኽብር ኣሎና።ነብሲ-ወከፍ ሰብ ከም ሰብ መጠን ክኽበር ኣለዎ፣ ናቱ ወይ ናታ ፋይናንሲያዊ ትሕዝቶ፣ ሃይማኖታዊ እምነት፣ ማሕበራዊ ምትእስሳር፣ፖሊቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብዘየገድስ ።ንኻልኦት ሰባት ከነኽብር ከሎና ንነብስና ነኽብር ኣሎና ማለት’ዩ። ንነብስና እንተ ኣኽበርና ስነ-ስርዓት ከም ዝህልወና ይገብር፣እቲ እነርእዮ ስነ-ስርዓት ከኣ ናይ ካልኦት ሰባት ስምዒት ከም እንርዳእ ይገብረና።ዋላ ንዓና’ውን ዝምልከት እንተ ዘይኮነ፣ንካልእ ሰብ ግን ኩሉ ነገር ማለት ስለ ዝኾነ ናይ ኮልኦት ሰባት ስምዒት ከነኽብር የድልየና። ኣኽብሮትና ንካልእ ሰብ ብምርኣይና ብግልጺ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ኣብ ምህናጽ ጥቡቕ ውልቃዊ ዝምድና ዝሕግዝ ወሳኒ ተግባር ነርኢ ኣሎና። እዛ እትስዕብ ኣገዳሲት ሓጻር ታሪኽ ንፍረ-ነገርን ኣድላይነትን ኣኽብሮት ንነብስኻን ንካልኦትን እተዘንቱ ስለ ዝኾነት ተገዲስና ንከታተልንመሃር።

ሓደ ግዜ ሓደ ድኹም ሽማግለ ሰብኣይ ምስ ወዱን ሰበይቲ ወዱን ምስ ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወዲ ወዱን ክነብር ከደ።ኣእዳው ናይቲ ሽማግለ ሰበኣይ ዘንቀጥቅጣ፣ኣዒንቱ ጽልግልግ ዝብላ፣ኣብ ኣሰጓጉማኡ ዝተዓናቐፍ ነበረ።.እቶም ስድራ ኣብ ናይ ድራር ጠረጰዛ ብሓባር ይበልዑ ነበሩ፣እንተኾነ እተን ዘንፈጥፍጣ ኣእዳውን ዘይርእያ ድኹማት ኣዒንትን ናይቲ ሽማግለ ኣብ መግቢ ሓቢርካ ምብላዕ ሽግር ፈጠራ። ዓይኒ-ዓተር ካብ ማንካኡ ኣንከራርየን ናብ ምድሪ-ቤት ወደቓ፣ጸባ ዝሓዘ ኩባያ ምስ ኣልዓለ እቲ ጸባ ናብቲ ጨርቂ መሸፈን ጠረጴዛ ፈሰሰ፣ወዱ ነቲ ሽማግለን ሰበይቲ ወዱን ብሰንኪ’ቲ ሽማግለ ሰብኣይ ዘጋጠመ ርስሓትን ድብልቕልቅን ሓረቑ።ስለዚ ወዱ ብዛዕባ ኣቦይ ሓደ ነገር ክንገብር ኣሎና በለ፣ብብዝሒ ዝፈስስ ጸባን፣ብርቱዕ ድምጺ ዝህብ ኣበላልዕዑን ናብ ምድሪ-ቤት ዝወደቐ መግብን ቀሊል ኣይኮነን፣ብማለት እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ሓንቲ ንእሽቶ ጠረጴዛ ኣብ ኩርናዕ ናይቲ መግቢ ዝብለዖ ክፍሊ ኣዳለዉ።እቲ ኣባሕጎ ንበይኑ ኣብታ ንእሽቶ ጠረጴዛ እናተመገበ፣እቶም ዝተረፉ ስድራ-ቤት ግን ኣብቲ ናይ ስድራ-ቤት መብልዒ ጠረጴዛ እናተሓጎሱ ብሓባር ይምገቡ ነበሩ።እቲ ኣባሕጎ በብግዚኡ ክልተ-ሰለስተ ሸሓኒ ሰይሩ ስለ ዝነበረ፣ብድሕሪ’ዚ መግቡ ኣብ ብዕንጨቲ ዝተሰርሐ ዕሙቕ ዝበለ ሸሓኒ ይምገብ ነበረ።እቶም ስድራ-ቤት ናብቲ ኣባሕጎ ገጾም ቁሊሕ እንተበሉ ሓደ-ሓደ ግዜ ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ክነብዕ ይረኤ።ገለ ፋርኬታ ወይ መግቢ እንተ ኣውደቐ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብኡ ዘውጽእዎ ዝነበሩ መሪር ቃላት ሓውሲ ተግሳጽ ወይ ኩራ ነበረ። ነዚ ኩሉ ተግባር ናይቶም ሰብኣይን ሰበይትን እቲ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሕጻን ብጽሞና ይዕዘብ ነበረ።ሓደ ምሸት ቅድሚ ድራር እቲ ኣቦ፣ ነቲ ሕጻን ወዱ ኣብ ምድሪ-ቤት ከፍ ኢሉ ብስብርባር እንጨቲ ኳሕኳሕ ከብል ከሎ ተዓዘቦሞ፣ብልኡም ቃላት እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ሓተቶ፣እቲ ሕጻን ድማ ከምቲ ናይ ኣቡኡ ልስልስ ብዝበሉ ቃላት ኦ !! ንእሽቶ ሸሓኒ ኢየ ዘዳሉ ዘለኹ፣ ኣነ ምስ ዓበኹ ንዓኻን ንማማን መብልዒ ዝኾናኹም ኢሉ ብምምላሽ፣ፍሽኽ ኢሉ ስርሑ ናብ ምቕጻል ከደ።

ቃላት ናይ’ቲ ሕጻን ነቶም ወለዲ ኣዚዩ ስለ ዝተሰመዖም ክዛረቡ ኣይከኣሉን፣በቲ ዝተሰምዖም ናይ ሕሊና ወቐሳ ንብዓቶም ከም ውሕጅ ብምዕጉርቶም ወረር ኢሉ ወረደ።ክዛረቡኳ እንተ ዘይከኣሉ ክልቲኦም እንታይ ከም ዝግበር ፈለጡ፣እቲ ሰብኣይ ንናይ ኣቡኡ ኣእዳው ብምሓዝ ቀስ ኢሉ መሪሑ ኣብታ ናይ ስድራ-ቤት ጠረጴዛ ኣቐመጦ።ዝተረፈት ዕድመ-ህይወቱ ድማ እቲ ኣባሕጎ ኣብታ ናይ ስድራ-ቤት ጠረጴዛ እናተመገበ ሓለፈ።ካብዚ ንደሓር ሰብኣይ ይኹን ሰበይቱ ብዛዕባ’ቲ ዝወድቕ ፋርኬታ፣ዝፈስስ ጸባ ይኹን ዝበላሾ ጨርቂ- ጠረጴዛ ብዙሕ ምግዳስ ኣይነበሮምን።

እምበኣር ካብዛ ሓጻር ታሪኽ እዚኣ እንመሃሮ ፍረ-ነገር ወይ ስነ-ምግባር ሓደ ሰብ “ዝዘርኦ ከም ዝዓጽድ ወይ ከም ዝሓፍስ” ኢዩ።ምስ ወለድና ዘሎና ዝምድና ወይ ርክብ ብዘየገድስ፣ ወለድና ብህይወት ካባና ምስ ተፈልዩ ጥራሕ ኢና ኩሉ ግዜ እንናፍቖም።ነቲ ጽቡቕ ተግባራቶምን ልቦናኦምን ልዑል ዋጋ ብምሃብ ኩሉ ግዜ ብኣኽብሮት ንዝክሮም።እምበኣር ንደቅና ኩሉ ግዜ ነኽብሮምን ንከናኸኖምን እንተድኣ ኮይና፣ንሳቶም’ውን ብግዲኦም ከምቲ ኣብ ታሪኽ ናይ’ቲ ሽማግለ ሰብኣይ ዝረኣናዮ ምስ ኣረግናን ምስ ደኸምናን ከኽብሩናን ክካናኸኑናን ኢዮም። “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ስለ ዝኾነ። ልክዕ’ዩ ፍልጠት እንተድኣ ሰኒቕና፣ሞያዊ ብቕዓት ንምውሓስ ዕድል ይህበና።ብተዛማዲ ጽቡቕ ጠባይ እንተድኣ መስሪትና፣ ናይ ምክብባር ጠባይ ከነማዕብል ዕድል ይህበና።ናይ ጥንቲ ወለድና ጽቡቕ ሞራል ወይ ስነ-ስርዓት ነይሩዎም ኢዩ።ምኽንያቱ ዝነኣድ ጥበብ ወይ ብልሓት ስለ ዝነበሮም።እንተኾነ ነቲ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ዝነኣድ ናይ ሞራናን ስነ-ስርዓትናን ጠቕሚ ኣብ ኤርትራ ኣባና ክብጽሕ በቢቑሩብ ክሃስስ(ከንቆልቁል) ጀሚሩ። ምኽንያቱ ገለ ውልቀሰባት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ኣብ ክንዲ ብትሕትናን ብኣኽብሮትን ኣጸዋውዓ ኣቱም ኣቦይ፣ ኣትን ኣደይ ምባል ቁንጭል ኣቢልካ ኣታ ሰብኣይ! ኣቲ ሰበይቲ! ኢሎም ብምጽዋእ ከሕስርዎምን ከናሽዉዎምን ስለ ዝጀመሩ።ንሕና እቶም ኣብ ወጻኢ እንነብር ዘሎና’ውን ነቲ ካብ ሽማግለታትና ዝወረስናዮ ዝነኣድ ሞራልን ጽቡቕ ስነ-ምግባርን ንኽብረዝ ኣብ ምቅልጣፉ ሓጋዚ ተራ ተጻዊትና ኢና።ምኽንያቱ ኣብ ወጻኢ መጺና ነቶም ካባና ዝተፈልየ ባህላዊ ተመክሮታትን ጽልዋታቶምን ስለ ዝተጠቐምና።ኩሎም እቶም ናይ ቅኑዕ ሞራል ክብርታትን ዝነኣዱ ናይ ጠባይ ተመክሮታትን ካብ ወለድና ዝተመሃርናዮም ናብ መንእሰያት ተካእትና ካብ ምትሕልላፍ ብርግጽ ፈሺልና ኢና።ምኽንያቱ ምክብባር ንጽቡቕ ተግባር ኣዚዩ ዝነኣድ ምዃኑ ክንርደኦ ኣይከኣልናን። ምናልባት ብምስትብሃል ትዕዝብቲ ኣይንወስደሉን ንኸውን እምበር ፣ኩሉ’ቲ ኣብ ርእሲ ካልእ ሰብ እንገብሮ ሕማቅ ተግባራት ተመሊሱ ንዓና ኢዩ ዘሕስረና። እቲ ኣብ ህይወትና ንነዊሕ ግዜ ዘዋህለልናዮ እከይ ተግባራት እናጸንሐ ኢዩ ዝርብሸና።ኣብ መጨርሽታኡ ከኣ ናብ ሓደ ኣጸያፊ ፍጡር ኣብ ዓለም ይልውጠና።እምበኣር ነዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ሕብረተ-ሰብና ዘርእዮ ዘሎ ናይ ሞራል ውድቀት(ፍዘት) ንምብርባር ምንቅስቓስ ዘድለየና ይመስል። መናድቕ ናይ ባህላዊ ውርሻናን ልምዳዊ ተመክሮታትናን ብዘይተደለይቲ ለውጥታት ኣብ ጠባያታትና ተሰባቢሮም’ዮም። ፋሕ-ብትን ዝኣተዎ ማሕበረ-ሰብ፣ ዝተፋናጨሉ ሃይማኖታዊ ትካላትን ዝተበታተኑ ስድራ-ቤታትን ኣለዉና።ሕብረተ-ሰብና ብዘሕዝን ኩነታት ይከፋፈል ከምዘሎ ዘረዳኣካ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ፍትሕን ውላድ ካብ ወለዶም ምፍልላይን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ’ሎ።ገለ ካብ ደቅና’ውን ኣንፈቶም ስሒቶም፣ካብ ትምህርቶም ብምቁራጽ ሸቀጥቲ ሓሺሽን ኣባላት ናይ ገበነኛታት ጉጅለ(gangs) ኮይኖም ዝርኣዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።ንሕናን ደቅናን ዘጋጥመና ዘሎ ሽግር ምኽንያት ማሕበረ-ሰብናን ሃይማኖታዊ ትካላትናን በቲ መርዛም ፖሊትካ ዝተለኽፉን ዝተመረዙን ብምዃኖም ከም ውጽኢት ናቱ ከኣ ኣብ ሓደ ክጥርንፉናን ነንሓድሕድና ከም እንተሓጋገዝን ክገብሩናን ኣይከኣሉን። ፖሊቲካ እቲ ሓቀኛ ትርጉም ናይ’ቲ ቃል ቅኑዕን ሰላማዊን ኢዩ።ብዘተኣማምንን ብጥንቃቐን እንተድኣ ተሰሪሑሎ እውን ገስጋሲ ክኸውን ዝኽእል’ዩ።ኣብ ኩነታትና ግን እቲ ሽግር ዝኸውን ዘሎ ንፖሊቲካ ብሕጋዊ መንገዲን ትኽክለኛ መዋቕሩን ተረዲእና ኣይንሙከሮን ኢና።ብስም ፖሊቲካ ዘይተደለይቲ ሕማቕ ስጉምትታት ይውሰዱ።ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ብዙሕ ህልዊ ዛዕባታት ናይዞም ኣብ ወጻኢ ዘሎና ኤርትራዊያን ፖሊቲካ ዝለዓለ ቦታ ወይ መድረኽ ሒዙ ይርከብ።ኣብ ብዙሕ ኣብነታት ዝተሓላለኸን ዝተዓመጸን ብምዃኑ፣ከም ሓደ ምሕረት ዘይብሉ ቀታሊ ሕማም መንሽሮ ኮይኑ ኣሎ።ሕማም መንሽሮ ሓደ ግዜ ኢዩ ዝቐትል፣እዚ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ረሳሕ ፖሊቲካ ግን መዓልታዊ ኢዩ ዝቐትል፣ስለዚ ነዚ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዝደሚ ዘሎ ጠጠዎ ከነብሎ ኣሎና፣ምኽንያቱ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ሕማቕ ሳዕቤናት ናይ ፖሊቲካና ኣብ ወጻኢ ንዘሎና ኤርትራዊያን ኣብ ስድራ-ቤታት ይኹን ኣብ ውልቀሰባት ደረጃ ቀታሊ ተመክሮ ኮይኑ ኣሎ። እምበኣር እዛ እትስዕብ ታሪኽ ናይ ደማስን ደባስን ብልክዕ ከም ኣብነት ናይ ሕማቕ ተግባርና ማለት ነዞም ኣብ ወጻኢ እንነብር ሕብረተሰብና ዘሎ ኩነታት ፖሊትካ ስለ እትገልጽ ብምስትውዓል ንከታተል።

ደማስን ደባስን ንነዊሕ ግዜ ጥቡቕ ዕርክነት ነበሮም።ኣብ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሓቢሮም ምስ ተማህሩ፣ናብ ኣሜሪካ’ውን ብሓደ መጺኦም ብሓደ ዑቕባ ረኺቦም።ኣብ ሓደ ከተማ ከም ጎረባብቲ ይነብሩ ነይሮም።ክልቲኦም ዓበይቲ ስድራ-ቤት ማለት ደማስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሽዱሽተ ቆልዑ፣ደባስ ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሓሙሽተ ቆልዑ ነይሮሞም።ደማስን ደባስን መራሕቲ ታክሲ ክኾኑ ከለዉ ፣ኣንስቶም ሓቢረን ኣብ ናይ ጽጉማት መናበዪ ቤት ይሰርሓ። ደቆም ኣዚዮም ዝፋቐሩ ኣዕሩኽ ብምዃን ባምቡላታትን ናይ መጻወቲ ቪድዮታት እናተማቐሉን እንዳ ተላዋወጡን ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ እናተማላለሱ ኣብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ወይ ምውስዋስ ኣካላት እናሰርሑ ናይ ሓባር ኣዕሩኽቲ እናሃለውዎም ሓቢሮም ኢዮም ዓብዮም።እዞም ክልተ ስድራ-ቤታት ዋላ’ኳ ኣብ ዝተፋላለያ ክልተ ገዛውቲ ይንበሩ’ምበር ዳርጋ ከም ሓደ ዓቢ ስድራ-ቤት ኢዮም ነይሮም።ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ከም ናብ ዙረት(ሽርሽር) ምኻድ ወይ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ከም ሓደ ስድራ-ቤት መጠን ሓቢሮም ኢዮም ዝጓዓዙ ነይሮም።ደማስን ደባስን ኣብ ናይ ቡን ዕረፍቶም ኣብ ስታር-ባክስ እናተራኸቡ መዓልታዊ ብዛዕባ ደቆም፣ስድራ-ቤቶም፣ቤተ ክርስትያን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ፖሊቲካ የዕልሉ ነይሮም።ብዛዕባ ፖሊቲካ ዝርርብ ኣብ ዝጀመሩሉ ግዜ ዝልዓል ርሱን ክትዕ ኣብ መንጎኦም ክሃድእ ዘይክእል ቅርሕንቲ ስለ ዝተፈጥረ እቲ ዘይጥዑይን ዘሕርቕን ዝምድና ቀስ-ብቐስ ኣብዞም ክልተ ሕሙማት ኣራእስ ስድራ-ቤታት ጽልእን ቅርሕንትን ከም ዝምዕብል ኮነ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብሰንክ’ቲ ዘጋጠመ ናይ ፖሊቲካ ዘይምስምማዕ እቲ ብቀጻሊ ዝራኸቡዎ ዝነበሩ ናይ ግዜ ቡን ዕረፍቶም ኣቋረጸ።ደማስ ናይቶም ደገፍቲ መንግስቲ ኢዮም ዝበሃሉ ጉጅለ ኣባል ምዃኑ ከፍልጥ ከሎ ደባስ ድማ ናይቶም ተቓወምቲ ዝበሃሉ ጉጅለ ኣባል ኮነ። ከም ሕማቕ ዕድል እቲ ንነዊሕ ዝጸንሐ ዕርክነቶም ብዘሕዝን ኩነታት ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወደቐ ነንሓድሕዶም ከም ተጻላእቲ ክረኣኣዩ ጀመሩ።እቲ ዘሕዝን ነንሓድሕዶም ተጻዋዊሮም ክካባበሩ ዘይምኽኣሎም’ዩ።ከም ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ክልቲኦም ኣዕሩኽ ገዛ እንተ ተራኸቡ’ውን ሰላም ክበሃሃሉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።ናይ ክልቲኦም ኣንስቲን ደቆምን ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ዋላ’ውን ምስቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኽቶም ማሕበራዊ ርክብ ከይገብሩን ከይተሓባበሩን ብክልቲኦም ሰብኡት ደማስን ደባስን ጽኑዕ ናይ ምኽልካል መጠንቀቕታ፣ተገይሩሎም ኢዩ።ኣብ መንጎ’ዞም ንጹሃት ስድራ-ቤታት ከምዚ ዝበለ ዝይምቹእን እከይን ኩነታት ክፍጠር ዘሕፍር’ዩ።ብተወሳኺ ብምኽንያት ፖሊቲካ ኣብ ህይወት ደቅና ዝንዛሕ ሕማቕ ሳዕቤናት ክንዕዘብ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።ደሃብ ጓል ኣቶ ደማስን ደጀን ወዲ ኣቶ ደባስን ኣብ ካልኣይ ደረጃ እናተማህሩ ተሓጻጽዮም ኔሮም።እቲ ሕጸ ካብ መሰረቱ ብናይ ክልቲኦም ወለዲ ምትብባዕ ዝተደገፈ ኢዩ ነይሩ።ፖሊቲካዊ ምፍልላይ ናይ ደማስን ደባስን ዝጀመረሉ ደሃብን ደጀንን ናይ ኮሌጅ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቶም ኣብ ዝፈጸሙሉ ግዜ ኢዩ።እቲ ዘገርም እዞም ርእሲ-ሓሰማ ዝኾኑ ክልተ ወለዲ ብሰንኪ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖሊቲካዊ ፍልልይ ናይዞም መንእሰያት ደቆም ሕጸ ክብትንዎ’ኳ እንተደለዩ ደሃብን ደጀንን ብዘይ ፍቓድ ወለዶም ኣብ ሓደ ርሕቕ ዝበለ ከተማ ከይዶም ብቤት ፍርዲ ቃል ኪዳኖም ኣሰሩ።ንወለዶም ዝበልዎም ከኣ “ፖሊቲካኹም ናይ ርእስኹም ጉዳይ’ዩ፣መርዓና ከኣ ንዓና ጥራሕ ዝምልከት ጉዳይና’ዩ” ከም ወለድና መጠን ንፈትወኩምን ነኽብረኩምን፣ነቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ናይ ፖሊቲካ ፍልልይ ኣተሓሕዛ ግን ንክልተ ንጹሃት ስድራ-ቤታት ዝበታትን ስለ ዝኾነ ኣይነኽብርን ኢና፣ይኹን እምበር ተስፋ ንገብር ሓደ ግዜ ናብ ርህራሄ ዘለዎ ስምዒት ተመሊስኩም ክትራዳድኡ።

ደሃብን ደጀንን ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣዳምን ኣድያምን ዝተባህሉ ክልተ ምጩዋት ቆልዑ ኣለውዎም። እዞም መጻምዲ ካብ ስድራኦም ብዙሕ ርሑቕ ዘይኮነ ኣብ ሓደ ዓቢ ከተማ ሓቢሮም ይነብሩን ይሰርሑን ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ክልቲኦም እናሕጎታት ንደቂ-ደቀን ንምብጻሕ ናይ በዓላትን(ፌስታታትን) ዕለተ-ልደቶምን ዝኸውን ህያባት ሒዘናሎም ይመጻ። ኣዳምን ኣድያምን ግን ዘሰቅቕ ተመክሮ ካብ ወለዶም ስለ ዝተማህሩ ምስ ዓበዩ ናይ ዝኾነት ሃገር ፖሊቲካ ክሰምዑን ከንብቡን ዝግደሱ ኣይነበሩን። ስለዚ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ደሃብን ደጀንን ኣንጻር’ቲ ዘይረብሕ ኣተሓሳስባ ናይ ወለዶም ጸኒዖም ብምምካት ኣብ ሾቶኦም ክበጽሑ ክኢሎም። ይኹን’ምበር ደቅና ጌና ነቲ መናድቕ ናይ ጭካኔን ድንቁርናን ናይ ወለዶም ክሰብርዎ ኣይከኣሉን። ሓደ ካብቲ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ድንቁርና ስራሕ ኣብ ወለዲ እንዕዘቦ ገለ ካብ ደቅና ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣውራጃኦም እንተ ዘይኮይና ወይ ወለዶም ሓደ ፖሊቲካዊ መርገጽ እንተ ዘይኣለዎም ክማራዓዉ ኣይፍቀደሎምን። ብካልእ ኣዘራርባ ንሕና ኣብ መንጎ ስድራ-ቤታትን ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ኣብ ወጻኢ ንዘሎ ሕብረተ-ሰብና ብቑዕ ንዘይኮነ ምኽንያት ናይ ግርጭትን ፖሊትካዊ ፍልልያትን ብዘይ ብረት ሲቪላዊ ኵናት ንምብራዕ ዝኣወጅና ንመስል።

ፖሊቲካ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ-ክርስትያናት ንምቁጽጻር ብዝግበር ውጥን፣ ንጥፈታት ናይ ምእመናን ንምቁጽጻር ኣዕናዊ ስጉምታት ተወሲዱ’ዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዋ ኣብ ክልተ ሃገረ ስብከታት ተኸፊለን ኣለዋ። ሓደ ጉጅለ ናይተን ኣብያተ ክርስትያናት(ሓደ ዳዮስስ) ንዕላማ መንግስቲ ደጋፊ ክኸውን ከሎ፣እቲ ካልኣይ ጉጅለ ናይ ኣብያተ ክርስትያናት(ካለኣይ ዳዮስስ) ንምፍራስ ቀኖና (ሕጊ) ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ማለት ንናይ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ካብ ማዓርጎም ብዘይ ሕጊ ምውራድ ንዝተወስደ ውሳኔ ዝቃወም ኣካል ኢዩ። እምበኣር ምፍንጫል ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ዘኸትሎ ሕማቕ ሳዕቤን ካብዛ ሓጻር ታሪኽ ናይ ወዳጀን ወረጃን ንከታተል። ወዳጀን ወረጃን እተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኖም ምስ ሓሙሽተ ኣባጽሕ ደቆምን ኣርባዕተ ደቂ-ደቆምን ብሓባር ን40 ዓመታት ነበሩ።ወዳጀን ወረጃን ኣብ ሓደ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ማለት ቅድሚ ኣብ ክልተ ምፍንጫለን ሓቢሮም ይመላለሱ ነይሮም።ወዳጀን ወረጃን ቅድሚ’ቲ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኣተወ ፖሊቲካ ጽቡቕ ምርድዳእ ስለ ዝነበሮም ብኣዕሩኽቶምን ቤተ-ሰቦምን ኣዚዮም ዝተኸበሩን ዝተፈዉን ነበሩ። ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ግን ወዳጀ ምስቶም ኣንጻር ምግሃስ ቀኖና ቤተ ክርስትያን ጠጠው ዝበሉ ኣብያተ ክርስትያናት ከምልኽ (ክመላለስ) ወሰነ። ወረጃ ድማ ኣብተን ደገፍቲ ውሳኔ መንግስቲ ናይ ምግሃስ ቀኖና ዝኾና ኣብያተ ክርስትያናት ንኽትመላለስ ወይ ከተምልኽ ወሰነት። ምፍንጫል ቤተ ክርስትያን ዘምጽኦ ሰበብ ወዳጀን ወረጃን ብዕርቂ ክፍታሕ ኣብ ዘይክእለሉ ፍልልይን ዘይምስምማዕን ኩነታት ተፈጥረ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ምክብባር ስለ ዘየለ ሓደ ናይ ጽልኢ ኩነት ናብ ካልእ ናይ ጽልኢ ኩነት እናማዕበለ፣ ዘይምርድዳኦም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምኻዱ፣ነዊሕ ከይሰጎመ ኩነታት ቃል ኪዳኖም ኣብ ሽግር ወደቐ። እዞም መጻምዲ’ዚኦም ተዳናጊሮም ወይ ካብ ግጉይ እምነት ንምድሓን ንቃል-ኪዳኖም ኣብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ሓደጋ ከውድቕዎ ብምኽኣሎም፣ኣብ መጨረሻ ቃል ኪዳኖም ብፍትሕ ክድምደም ወሰኑ። ኣብተን ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበሩ ምእመናንን ካህናትን ነቲ ቃል ኪዳን ናብ ንቡር ንምምላሱን ኣብ መንጎ ወዳጀን ወረጃን ሰላምን ስምምዕን ክፍጠረሉ ዝከአለሉ ጉዳይ ንምግባር ብመንጎኝነት ጻዕሮም ከካይዱ ኣይከኣሉን። ደቆም ግን ንኣቦኦምን ኣዲኦምን ኣቃራሪቦም ብሓደ ሓቢሮም ብሰላም ንሓዋሩ ክነብሩ ዝከኣሎም ፈቲኖም’ዮም ፣እንተኾነ እቶም ክልተ ወለዲ ኣዚዮም ደረቃት(ነቓጻት) ስለ ዝነበሩ ንደቆም ክሰምዕዎም ኣይከኣሉን።ቁም ነገርን ዕላማን ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ተነጺጉ ወይ ተረሲዑ ወይ ድማ ነዞም ተረርቲ ርእሲ ክልተ ወለዲ ትርጉም ዘይህቦም ብላሽ ኢዩ ነይሩ ማለት’ዩ። ብካልእ ኣዛራርባ ፖሊቲካ ንትምህርቲ ወንጌል ዓብሊሉን ስዒሩን ማለት’ዩ።ንደቆም ዘሕርቕን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ውሳኔ እምበኣር ወዳጀን ወረጃን ኣብ ሽምግልናኦም ተፋላልዮም ነበሩ። ስለዚ ታሪኽ ናይ ወዳጀን ወረጃን ከምኡ’ውን ታሪኽ ናይ ደማስን ደባስን ነዞም ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራዊያን ብርቂ (ፍሉይ ነገር) ኣይኮነን። ከምዚ ዝበለ ኣስቃቕን ጽዩፍን ኩነታት ኣብ ብዙሓት ኣብ ስደት ዘለዋ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ከጋጥም ክንዕዘብ ዘሕዝን’ዩ።

ምክብባር ኣዚዩ ጠቓሚ ነገር’ዩ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ከኽብር ስለ ዝረኤ፣ ከምኡ’ውን ውልቃዊ መሰልን ክብርን ናይ’ቲ ሰብ ከም ሰብ መጠን ስለ እትዕቅበሉ። ምክብባር፣ መብዝሕትኡ ግዜ ስምምዕ ዘለዎ ቤትን ሰላም ዝሰፈኖ ማሕበራዊ ኣከባብን ንኽምዕብል ንውሕ ዝበል ግዜ ዘድልዮ ኢዩ።ስለዚ ኣብቶም ሓድሕዳዊ ምክብባር ዘለዎም ውልቀሰባት ዘሎ ርኽክብ ንጹርን ቅኑዕን ክኸውን ኣለዎ፣ ምእንቲ ሓድነትን ጸጥታን ናይ ሓባራዊ ዝምድናኦም ክድልድል።መብዝሕትኡ ግዜ ኣኽብሮት ዝወሃብ ነቶም ዝግብኦም ሰባት’ኳ እንተኾነ ዋላ ነቶም ዘይግቦኦም ሰባት’ውን ኣኽብሮትና ከነርእዮም ኣሎና።እዚ ከኣ ካብቲ ነጸብራቕ ናይ ጠባዮም(ኣቀራርባኦም) ዘይኮነ ካብ ነጸብራቕ ጠባይና(ኣቀራርባና) ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ።ንሕና ካብ ዝተፋላለዩ ብሄራት ማለት ብዙሕ ዝተፋላለዩ ባህልታት፣ቋንቋታት፣ዓሌታትን ሃይማኖታዊ ድሕረ-ባይታን ዘሎና፣ዝመጻእና ኢና።ናይ ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ከኣ ኢዩ ንኩሉ ህይወታትና ኣገዳስን በዳህን ክገብሮ ዝኽእል፣እዚ ግን ንዘሎና ማሕበራዊን ፖሊቲካውን ፍልልያትና ኣወጊድና ኣብ መንጎና ምክብባር ምስ ዝህሉ ጥራሕ ኢዩ።ማሕበራዊ ዝምድናታት ከም ውልቃዊ ዕርክነትን ንቤተ-ክርስትያን ዝምልከቱ ጉዳያትን ከምቲ ኣብ ደማስን ደባስን ከምኡውን ኣብ መንጎ ወዳጀን ወረጃን ዘጋጠመ ፖሊቲካዊ ኩነታት ብውልቀሰባት ደረጃ ገደ ክህልዎ የብሉን። ነንሓድሕድና እንተድኣ ተኻባቢርና ከም ኣዕሩኽን ቤተ-ሰብን ተሓቛቝፍና፣ ቀጻሊ ዝኾነ ማሕበረሰብ፣ሰላም ዝሰፈኖም ሃይማኖታዊ ትካላትን ነቕ ዘይብሉ ስድራ-ቤታትን ከነቋቑም ምኸኣልና ኔርና።ብልክዕ ክንዝክሮ ዝግበኣና ንሓባራዊ ምርድዳእና፣ንሓባራዊ መፍትሒ ሽግርና ንሓባራዊ ብድሆታትና እቲ ቀንዲ መሰረቱ ሓድሕዳዊ ምክብባርና ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ግዜ ንእስነትና ካብ ወለድና ዝቐሰምናዮ፣ማለት ካብቶም ቅድሜና ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ብፍርሓት ኣምላኽ እናተመርሑ ርጉእ ናይ ሰላም ጉዕዞ ዘሕለፉ ሽማግለታትና ዝተመሃርናዮ ክብርን ሓድነትን ናይ ሰባት እናሓለና ንቕድሚት ሓቢርና ክንስጉም ኢዩ። ልቦናኦም ዘዛኻኽረና ቅድሚ ሰብ ምዃን፣ፍጡር ሰብ ምዃን ባርኾት ምዃኑ ኢዩ።ብተዛማዲ ሓደ መዓልቲ ንሕና’ውን ካብቲ ንሕና እንግምቶ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንሽምግል ምዃና ፈሊጥና፣ነቲ ካብ ወለድና ዝተመሃርናዮ ኩሉ ንተካእቲ መንእሰያት ደቅና ክንምህሮም ኣሎና።ደቅና ብዛዕባ ናይ ስነ-ምግባር መሰረታዊ-ሕጊ ወይ እምነት፣ብዛዕባ ናይ ስነ-ሞራል ክብሪ፣ንነብስኻን ንኻልኦትን ብከመይ ኣኽብሮትካ ተርኢ ክፈልጡ ኣባና ስለ ዝምርኮሱ ወይ ትጽቢቶም ካባና ስለ ዝኾነ ክንምህሮም ኣሎና።ንሕና ኩልና ዝተፋላለና’ኳ እንተኾና ኣብ መወዳእታ ግን ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራዊያን ስለ ዝኾና ክንሳማማዕን ክንካባበርን ይግባኣና።ንሓድሓድና እንተ ዘይተኻባቢርና ዋላ ሓደ ዘኽብርና ስለ ዘይብልና፣ስለዚ ምእንቲ ክብሪ ክንረክብ ከነኽብር ኣሎና፣ስለ’ቲ ጽቡቕ ተግባርና ከኣ ካብ ልዑል ኣምላኽ ጸጋ ንቕበል።

ደራሲ ብእንግሊዝኛ፣ ዶር/ ተስፋ ገብረመድህን 
ናብ ትግርኛ ተርጓሚ፣ መም/ተኽለ ስብሃቱ ተስፉ

 

Last modified on Friday, 28 October 2016 22:30