መን እዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ?

2016-10-29 08:38:31 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3833 times

መጀመርያ መን እዩ ስለፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥ እኳ ኣሎ እንተዘይተባህለ ገለ ውሑዳት ግን ብርግጽ ዘይፈልጥዎ ክህልዉ ይኽእሉ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅኑዕ ቅኑዕ፥ ነቲ ጌጋ ከኣ ጌጋ እናበለ፥ ካብቲ ብጉባኤታቱ ኣቢሉ ዝጸደቐ መተከላቱ ንየማን ይኹን ንጸገም ከየላገሰ ንጹር ዕላማኡ ተኸቲሉ ዘሰላስል ሰልፊ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና እቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰልፊ ዝወርድ ዝነበረ ጸለመን ምክፋእን ክሳብ ከም ካልኣይ ገጽ ናይ ሓደ ቀርሺ ምስ ስርዓት ኣስመራ ከመሳስልዎ ዝተነዝሐ መናፍሓትን ሓሶታትን እናፈሸለ ይኸይድ ምህላዉ እዩ። ብድሕሪ ሕጂ ነዚ ብዝምልከት ዝቕልቀል ከኣ ኣጉል ሽጣራን ዝጠፈሸ ኣገባብን እዩ ክኸውን። ስለዚ መን እዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምግላጽ ደጊም መዓልቱ ወይ ግዚኡ ኣኺሉ እዩ። እዚ ሰልፊ እዚ ብሃገራውነቱን ፖለቲካዊ ራኢይኡን ህዝቢ ከይርደኦ፡ ከይፈልጦን ከይዓስሎን ብዝተፈልለዩ ወገናት ንምዕንቃፍ፡ ኣንጻሩ ዝንዛሕ ዝነበረ ምዃኑ መባእታዊ ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ንዘለዎ ኣካል ንጹር እዩ።

እዚ ሰልፊ እዚ ዝገብሮ መዓልታዊ ምንቅስቓሳትን ተጻዋርነትን ንኸምክኑ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ካሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ሕብርታቱን ዓይነቱን እናተቐያየረ ዝውርወር ዝነበረ ሓሶታት እናፈዀሰ ይብለል’ኳ እንተሃለወ፥ ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ባእታታት ግን ፈጺሞም ካብቲ እኩይ ተግባራቶም ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓገሱን። እዚ ሰልፊ እዚ ተበዲሉ እንከሎ ከም በደለኛን፥ ጸረ-ሃገርን ሓድነትን ርእይቶ ካለኦት ዘይቕበልን ገይሮም ከቕርብዎን ክኸስዎን እንከለዉ፡ ርኢና ከምዘይረኣና ክንሓልፎ ጸኒሕና። ናይዚ ሕድገት ቀዳማይ ምኽንያትና ነቲ ንህዝብና ጅሆ ሒዙ ዝሳቒ ዘሎ ምውጋእ ምዃኑ ስለ ኣነቐድም እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሓሶትን ጠቐነን ውዒሉ ሓዲሩ ዝፈሽልን ዝፈኲስን ምዃኑ ስለ እንርዳእ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ዘይሓላፍነታዊ ጸለመታት ሃስያታት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን።

እቲ ክርአ ዝጸንሐ ጹረትን ትዕግስትን መንቀሊኡ ሕመቕ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ሓድነት ህዝብን ሃገርን እዩ። በዚ ምኽንያት ክግለጽ ዝግበኦ ዘይተገልጸ ሓቅታት ከም ዝተሓልፈ ፍሉጥ እዩ። እቶም ነዚ ሰልፊ ክጸልእዎን ከርሕቕዎን ዝህቅኑ ገለ ወገናት ኣካይደኦም ንረብሓ ኩላትና ይመስሎም ይነብር። ውድባት ኣይረብሓን እየን፥ ኣይሰርሓን እየን እናተባህለ ብድፉኑ ምውራይ ነዚ ሰልፊ ሃስይዎ እዩ። እቶም ከምኡ ዓይነት ጃምላዊ ፍርዲ ዝህቡ ሰልፍና ይሰርሖ ንዝነበረ ይድምስሱ ስለ ዝነበሩ። ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ንሰልፍና መዳርግቲ’ቲ ንህዝብና ዝጭቚንን ዘጋፍዕን ዘሎ ስርዓት እዩ ክብሉ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ኣብዚ ጉዳያት እቲ መንእሰይ ይኹን እቲ ብዛዕባ እዚ ሰልፊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ወገናት ምእንቲ ክመዝን፥ ገለ ካብቲ ንጹር ራኢ እዚ ሰልፊ ምጥቃስ ኣድላዪነት ኣለዎ።

1- ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
2- ንእንኮ ሰልፊ ዘይኮነስ ኣብዝሓ ሰልፍታት የድልየና።
3- ስርዓት ህግደፍ ምልጋስ ብኤርትራዊ ሓይልን ለውጢ ካብ ውሽጥን።
4- ህልዊ ስርዓት ኣልጊስካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘጽድቖ ቅዋም ዝግዛእ መንግስቲ ምምስራት
5- ንጉዳይ ሃገር ሓቢርካ ብምስራሕን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምትካልን መሰል ኩለን ብሄራት፡ ኣውራጃታትን ውልቀሰብን ዘውሕስ ሕጊ ክሕንጸጽ።
6- ግርጭታት ብሰላማውን ዲምክራሲያውን ኣገባብ ምፍታሕን ሰላማዊ ምቅብባል ስልጣንን፥
7- ንኹሉ ዝሓቊፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ክምስረት
8- ስልጣንን ጸጋታትን ሃገር ብማዕረ ክመቓራሕ ... ወዘተ ዝኣምንን ንምዕዋቱ ዝቃለስን ሰልፊ እዩ።

እዚ ገለ ካብቲ መትከላት ናይቲ ሰልፊ እዩ። ስለዚ ብሓደ ወገን ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ማዕረ ምዃኑን ልዕሊ ሕጊ ክኸዱ ዝደልዩ ንኸይቅልቀሉን ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ እዩ። በዚ መሰረት ኣቶም እቲ ጽባሕ ክምስረት ንቃለሰሉ ዘለና ስርዓት ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ዝጽበዩ ወገናት ዝነዝሕዎ ጸለመ ንፋስ ከምዝወቕዖ ሓሰር ዝብተን ክኸውን እዩ።

ድራር መንታይ

Last modified on Saturday, 29 October 2016 10:52