ምርጫ ፕረሲደንት ኣመሪካ 2016 ካብ ዝሓለፉ ምርጫታት ዝተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ነጥብታት ድማ፡ ነዚ ዝስዕብ ክንጠቅስ ይከኣል።

1. ናይ ሎምዘበን ምርጫ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቍምነገር፡ ኣብ ጸርፊ፡ ቈይቊን ምጽልላምን ዘትኰረ ኢዩ ነይሩ፤

2. ናይ ሎምዘበን ውድድር፡ ኣብ መንጐ ፖለቲካ ዘይፈልጥ ሃብታም ውልቀ-ሰብን ኣብ መንጐ ምኩራት ዝዀኑ ፓለቲከኛታትን መራሕቲ ፓርትታትን   ምክያዱ

3. ውጽኢት ምርጫ፡ ሰብ ዘይተጸበዮን ኣንጻር ኵሉዝተገብረ መጽናዕታትን ድህሰሰታትን ግምታትን (public polls) ምዃኑ ንመላእ ዓለም ዘስደመመ ነይሩ፤

 

ፕረሲደንት ምሩጽ ዶናልድ ትራምፕ ክፍጽሞ ኢየ ኢሉ ካብ ዝጐስጐሰሎም ዕላማታት፡ ገለ ውሑዳት ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።

1. ንመክሲካውያን ብፍላይ ንላቲኖ ድማ ብሓፈሻ ገበነኛታትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ገይሩ ብምግላጽ፡ ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ዝኽልክል መንደቕ ክሃንጽ ምዃኑ፤

2.  “ኦባማከይር” ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ንድኽታታትን ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታትን ዝውሃብ ሕክምናውን ትምህርታውን ዋሕስነት ደው ምባል፤

3.  ንኣመሪካ ዘየርብሑ ዝበሎም ምስ ካልኦት ሃገራት ዝተገብሩ ንከባብያዊ ብከላ ንምቝጽጻር ዘኽእሉ ይኹኑ ንንግዲ ስግር ባሕሪ ዝምልከቱ ውዕላት ምፍራስ፤

4. ንሓርበኛታት ኣመሪካ ምሕጋዝን ምንክብኻብን፤

5. ኣስላም ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ምኽልካል፥

6. ተኸልኪሉ ዝጸንሐ፡ ኣብ ማይ ብምጥሓል ንትንፋስ ዘሕጽር ናይ ምርመራ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ምውዓል፤

7. ዜጋታት ኣመሪካ ነብሶም ንምክልኻል ብረት ክሕዙ ምድጋፍ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ንዘለዎም ጥራሕ ብረት ከይሕዙ ምኽልካል፤

8. ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ናይ ወጻኢ ፍርያት፡ ክብ ዝበለ ቀረጽ ምግባር፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ቺና፤ ንሃብታማት ኣመሪካውያን ድማ ቀረጽ ምንካይ፤

9. ጃፓን ትኹን ሃገራት ኣውሮጳ ወይ ንኣመሪካ ዝኸፍልኦ ኣምሳያ ከዛይዳ ወይ ድማ ባዕለን ንነብሰን ክከላኸላ ምግዳፈን።

10. ካብ ኣመሪካ ንደገ ወጺኡ ዘሎ ፋብሪካታት ናብ ኣመሪካ ክምለስ ምግባር፤

11. ከሰልን ዘይትን (Oil) ዝኣመሰሉ ንብከላ ዘጋድዱ ነደድቲ ተጠቒምካ ሃገራዊ ኢንዱስትሪታት ምብርባር . . . ወዘተ።

 

ፕረሲደንት ምሩጽ ትራምፕ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዕዉታት ናይ ዘመና ህቡባውያን (Populist) መራሕቲ ኢዩ። ህቡበነት፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝግሃድ ዘሎ ተራዮ ኢዩ። ስደተኛታት በዚሖምና፡ ባህልና ተባላሽዩ፡ ኣብ ስራሕ ተቓጺጾምና እናበሉ፡ ብስም ሃገርነት ኣሉታዊ ስምዒታት ዘልዓዕሉ ፓርትታት ደገፎም እናዓበየ ክኸይድ ንዕዘብ ኣሎና። ንኣብነት ኣብ ጀርመን፡ ፈረንሳን ሽወደንን ጥሩፋት የማናውያን ሓይልታት ህዝባዊ ደገፍ እናረኸቡ ይኸዱ ኣለዉ። ትራምፕ እውን ዓሌታዊ እኳ እንተዘይኰነ፡ ንኦባማ ኣመሪካዊ ኣይኰነን፡ ኣስላም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ የብሎምን፡ ላቲኖ ገበነኛታትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ስለዝዀኑ መታን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ መንደቕ ክሰርሕ ኢየ ምባሉ፡ ሓላዪ ናይ ህዝቢ ተመሲሉ ንህዝቢ ንምትላል ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ህቡብነት ኣገባብ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ። ክላሲካዊ ኣገባብ ቃልስን ክላሲካውያን ፓርትታትን ኣይጠቕሙን ኢዮም እናበልካ ምንሻውን፡ ህዝቢ ህዝቢ ዝብል ምቁር ጭርሖታት ምድግጋምን ናይ ዘለናዮ መዋእል ፋሽን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ኤርትራ ከይተረፈ፡ ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን ዝተጋህዱ ህቡባዊ ባህርያት ዘለዎም ምንቅስቓሳት ውሑዳት ኣይኰኑን። መልክዓቱ ይፈላለ እምበር እቲ ህቡብነት ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ናይ ዓለም ኢዩ ዝኽሰት ዘሎ።

 

ህቡብነት ዝልለየሉ ሰለስተ ንጹራት ጠባያት ኣለዉዎ።

1.   ኣብ መንጐ መራሕትን ተመራሕትን ግርጭት ምፍጣር። ነቶም ላህመታውያን ክፍልታት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ (elite) ከም ጐዳእቲ ናይ ህዝቢ ገርካ ምግላጽ። መራሕቲ፥ ሕማቕ እምበር ጽቡቕ ናይ ህዝቢ ዘይደልዩ ኣምሲልካ ምድዋን።

2.   ህቡባውያን፡ ካብ’ቲ ልሙድ ክላሲካዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ኣመራርሓ ወጻኢ ኢዮም ዝዋስኡ። ክላሲካውያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ነውሪ ዝብልዎ ስነ-ምግባር ህቡባውያን ብዘይ ሕንክከት ይጥቀምሉ።

3.   ዘየለ ቅልውላው ከም ህልውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጽእን ገይሮም የቕርቡ። ብዘይክኦም ድማ፡ ካልእ ነዚ ቅልውላው ክፈትሕ ወይ ንህዝቢ ከድሕን ዝኽእል ሓይሊ ወይ መራሒ ከምዘየለ ኣምሲሎም ከእምኑ ይጽዕሩ።

 

ዶናልድ ትራምፕ እምበኣር፡ ካልኦት ፍሉጣት ወይ ክላሲካውያን ፖለቲከኛታት ክብልዎ ዘይደፍሩ ፖሊሲታት ኢዩ ሕንኽ ከይበልለ ክፍጽሞ ኢየ እናበለ ክማባጻዕ ዝሰማዕናዮ። ትራምፕ፡ ጭብጥታት ዘይብሎም፡ ግን ንስምዒታትን ጽልእን ዘልዓዕሉ ወፈራታት ኢዩ ከካይድ ተራእዩ።

 

ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ሪፑብሊካውያን ይኹን ዲሞክራስያውያን መወዳድርቱ ከም ሰነፋት፡ ብልሽዋትን ንኣመሪካ ዘድከሙን፤ ንመራኸቢ ብዙሓን ድማ፡ ብሻርነትን ኣድልዎን ብምኽሳስ ኣገልገልቲ ናይ’ቲ ዝተለምደ ወይ ዝጸንሐ ስርዓት (establishment) ኢዮም ብምባል ከምዘይእመኑ ገይርዎም። መልእኽቱ ኣብ ክንዲ በቶም መራኸቢ ብዙሓን ብሶሽያል ሚድያ (ትዊተር፡ ፈይስቡክ . . . ወዘተ) ኣቢሉ ከመሓላልፍ ኢዩ መሪጹ። 

 

መራኸቢ ብዙሓን (ሚድያ)ድማ፡ ኣንጻሩ ተዋፈሩ። እዚ ኣብ ክንዲ ዝጐድኦ ክብ ዝበለ ጠመተ ((attention) ካብ ህዝቢ ክረክብ ስለዘኽኣሎ፡ መሊሱ ጠቐሞ ደኣ። በዚ ኣገባብህዝቢ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስን እምነት ከምዘጕድል ንምግባር ተዓዊቱ። ምርጫ ከይተጀመረ እንከሎ ምድንጋር ኣሎ ዝብል መናፍሓት ዘርጊሑ።

ነዚ፡ "ንኣመሪካ እንደገና ሓያል ክንገብራ ኢና"ዝብል ጭርሖ ብምስናይነቶም መወዳርቱ ከምድኹማት፡ ንነብሱ ድማ ከምሓያል መራሒ መሲሉ ብምቕራብ ንስምዒታት ናይ ብዙሓት ተንኪፉ።

 

ዓወት ናይ ትራምፕ፡ ማህረምቲ ናይ ክላሲካውያን ሰልፍታትን ፖለቲካን ጥራሕ ዘይኰነስ ማህረምቲ ናይ ገስገስቲ ሓይልታትን ሓሳባትን እውን ኢዩ። እታ ቅድሚ 8 ዓመት ንጸሊም ኣመሪካዊ (ኦባማ) ዝመረጸት ኣመሪካ፡ ሎሚ ስደተኛታት ከተባርር፡ ኣስላም ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ትኽልክል፡ንደቂ ኣንስትዮ እተቆናጽብ ብሓጺሩ ውሑዳን ዝሰግኡላ ሃገር ኢያ ኰይና ዘላ። ናይ ሎሚ ኣመሪካ፡ ዓሌታት፡ ጾታታት፡ ቋንቋታት ዝውሃሃዱላ ቍራዕ (melting pot) ዘይኰነትስ፡ ብኣንጻ ኣዝያ እተኸፋፈለት ሃገር ኢያ እናዀነት ትኸይድ ዘላ።

 

ፕረሲደንት ምሩጽ ትራምፕ፡ ነዚ ምክፍፋል’ዚ ከም መብጻዓኡ እናዕሞቐ ድዩ ክኸይድ ወይስ ንመምረጺ ተጠቒሙ ከም’ቶም ክላሲካውያን መራሕቲ ዝገብርዎ ኢዩ ክገብር መጻኢ ግዜ ዝምልሶ ሕቶ ኢዩ። ንኽትምረጽ እትገብሮ ወፈራን መንግስቲ ምምራሕን፡ ዝተፈላለየ ጕዳይ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ትራምፕ ሕጂ፡ ንሪፑብሊካውያን ዘይኰነስ ንመላእ ህዝቢ ኣመሪካ ኢዩ ክመርሕ። እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን። ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኣብ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን እተኸፋፈለ ስልጣን፡ ከምድላዩ ክጐይን ክጋልብን ከፍቅደሉ ከምዘይኰነ ናይ ፕረሲደንት ኦባማ ተመኵሮ እኹል ትምህርቲ ኢዩ። ድሕሪ 4 ዓመት ዝግበር ምርጫ’ኸ፡ ከመይ ኮን’ዩ ክኸውን? ከም’ዚ ናይ ሎምዘበን ህቡብነት ምጽልላምን ምክሳስን ድዩ ወይስ እቲ እንፈልጦ ልሙድ ኣገባብ ኢዩ ክኸውን?

 

ካብ ምርጫ ፕረሲደንት ኣመሪካ 2016 እንቐስሞ ኣስተምህሮ እንታይ ኢዩ?

1.   ሶሽያል ሚድያ ኣገዳሲ ናይ መዋእልና ናይ ቃልሲ መሳርሒ ምዃኑ፤

2.   ግደ ስነ-ሓሳብ (ideology) ኣብ ዝበዀረሉ ወይ ዝሃሰሰሉ፡ ህቡብነት ነቲ ባዶሽ ክመልእ ከምዝኽእል። እዚ ማለት ድማ፡ ዲክታቶርያውያን፡ ፋሽስታውያን ስልጣን ክሕዙ ከምዝኽእሉ፤

3.   ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት (Globalization) ንዝጠልቦ ናይ ሰባትን ሃለኽቲ ኣቝሑን (ንግድ) ናጻ ምንቅስቓስ፤ ናጽነት ናይ ኣምልኾን እምነትን፤ ዝጻረሩ ሓይልታትን ሓሳባትን ይስዕርሩ ምህላዎም። ትራምፕ ንኣስላምን ላቲኖን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክኽልክል ምህቃኑ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።

4.   እቲ ዝምረጽ መራሒ ወይ ሰልፊ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ብዘየገድስ፡ ካብ ቅዋም ወጻኢ ክሳብ ዘይኰነ ድምጺ ህዝቢ ልዑላዊ ምዃኑ።

 

ብርሃነ ኣብርሃ

ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን መትከላትን ዝኣምና ሃገራት ኩለን ብሓደ ዓይኒ ዘተግብርኦ ነጥቢ ምቅብባል ስልጣን ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ እየን ብድምጺ ህዝቢ ንዝተመርጸ መሪሕነት ሓንጎፋይ ኢለን ዝቕበለኦ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብ ምምራሕ ዝነበረ ስልጣኑ ነቲ ብድሕሪኡ ዝተመርጸ ብግቡእ የረክብ። እዚ ሎም ዘበን 2016 ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ኣብነት ናይ መን ፕረሲደንት ኮነ ዝተኻየደ መስርሕ ኩልና ከም ዝተዓዘብናዮን ዝሰማዕናዮን መን ኣብ ስልጣን ይመጽእ ዝውስን ናይ ህዝቢ ስልጣን ምዃኑ እዩ ዝእምት። እዚ ከኣ መላእ ህዝቢ ኣመሪካ ጸሊም ይኹን ጻዕዳ ነቲ ቅድሚ ክንደይ ዓመታት ዝጸደቐ ቅዋም ተማእዚዞም ስለዝኸዱ ከኣ ካብታ ሕጊ እነሆ ፈልከት ከይበሉ በቲ ቅዋም ተገዚኦም ብምኻዶም ኣመሪካ ከም ዓባይ ሃገር ኣብ ጐደና ደሞክራሲ ክትቅጽል ዝኸኣለት።

ልክዕ ኣብ ኣመሪካ ክልተ ዓበይቲ ተወዳደርቲ ሰልፍታት ሪፑብሊካንን ዲሞክራትን ተባሂለን ንዓመታት ዝወዳደራ ዘለዋ እየን። እዘን ሰልፍታት እዚአን ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ መስከረም 17, 1787 ዝተጻሕፈን ብ1789 ከኣ ዝጸደቐ ቅዋም እየን ተማእዚዘንን ተገዚአንን ዝኸዳ። እዚ ቅዋም እዚ ክሳብ ሕጂ ኣበየግዚኡ 27 ግዜ ምምሕያሻት ተገይሩሉ እዩ። እዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ተወኪሳካ ዝፍጸም እምበር ኣብ ድሌት ናይዘን ክልተ ሰልፍታት ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ኣይኮነን።

እቲ ሕጊ ኣብ ምርጫ ዝኣቱ ባእታ ብሰልፉ ዝተመርጸ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ከኣ ህዝባዊ ምርጫ ተኻይዱ እቲ ንፕረዚድንትነት ዝበቅዕ ኣካል በቲ ንሱ ዝረኽቦ ብዝሒ ድምጺ እዩ ዝውሰን። እዚ ምናልባት ኩልና ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎና ብዙሕ ክንመሃረሉ ዝግባእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሓደ ካብኡ በቲ ህዝቢ ዝተሰማማዓሉን ዘጽደቖን ቅዋም ተገዚእካ ናይ ምዃድ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕልና ሕጊ ክንኣምን ከምዘሎና እዩ ዝሕብር። ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንእሰያትና ዘሎ ፍልስፍና ናይ መንእሰይን ዓበይትን ዝብል ፈላላዪ ሓሳብ እውን እቶም ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ኣብ ምርጫ ዝቐረቡ ዕድመ ወሳኒ ከምዘይኮነ ግርም ገይሩ እዩ ዘብርሆ። መጀመርያ ጉዳይ ዕድመ ፖለቲካዊ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ ኣይኮነን። ንሱ ስለዝኾነ ከኣ ትራምፕ ወዲ 70 ሂላሪ ከኣ ጓል 69 ዓመት እዮም። ስለዚ እቲ ክመርሕ ዝኽእልን ህዝቢ ዝመረጾን ደኣ እምበር ብስም መንእሰይ ወይ ኣረጊት (ዓቢ) ኢልካ ዝውሰን ከምዘይኮነ ንኹልና ርዱእ ከክኸውን ኣለዎ።

ካልእ እቲ ዓብን ኣገዳስን ነጥቢ ኣማራጽታት እተቐሪቡ እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ተዓዋትን ተሳዓርን ወይ ከኣ ዝተዓወተን ዝተሳዕረን ክኸውን ከምዝኽእል ምርዳእ እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ እቲ ቀንዲ ቁምነገርን ፍልጠትን ክንቀስመሉ ዘሎና ጉዳይ። ዝተዓወተን ዘይተዓወተን ኣብ መወዳእታ ብቕርሕንትን ጽልእን ዘይኮኑ ዝፋናነውስ እንታይ ደኣ ተመጓጒሶምን ሃገር ሓደነታ ኣውሒሳ ንኽትቅጽል እዮም ዝሓስቡ። ኣብዚ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ጉዳይ እምበኣር፡ እቲ ወ/ሮ ክሊንተን ዝበላኦ ‘’ነቲ ውጽኢት ተቐቢልና ንመጻኢ ንጠምት’’ ዝብል ሓረግ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኢለን ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። በቲ ህዝቢ ዝተሰማማዓሉ ቅዋም ተቐይድና፡ ተማእዚዝናን ተገዚኣናን ንኺድ ዝብል እዩ። ተሰኒፈ ኢልካ ፍንጭራዕ ወይ ምፍንጫል ወይ ከኣ ፈላላይን ጐዛዛይን ሓሳባት ሒዝካ ንህዝቢ ምድንጋርን ምውንጫፍን የለን ማለት እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ከኣ እዩ ነቲ መላእ ህዝቢ ዝኣመነሉ ቅዋም ተገዚእካ መጻኢ ብምጥማት ንስዕረትካ ሓንጐፋይ ኢልካ ብምቕባል ዝገለጽ ደሞክራሲ ዝረአ።

ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ እምበኣር ክንክተሎን ክንኣምነሉን ዝግበኣና፡ ነጥቢ እንተልዩ፡ እቲ ኣተሓሳስባና ኣብ ፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክምርኮስ እዩ ዝግበኦ። ንሱ ከኣ ዋላኳ ኣብ ደሞክራሲ ድላይካ ክትመርጽ ግቡእን መሰልን እንተኾነ ፡ነፍሲ ወከፍ ሰባብ ዝገብሮ ምርጫ ካብ ወገነይ ወይ ዓሌተይ ወጺኡ፡ ነቲ ዝመርጾ ካበየናይ ብሄር ወይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ንመላእ ሃገርን ህዝብን ዘገልግል ዲዩ ኣይኮነን ተመራሚሩ “ምእንቲ ረብሓ ኩሉ” ዝብል መንፈስ ከሕድር ኣለዎ። ነቲ ዝተመርጸ ከኣ ንፍተዎ ንጽለኦዮ ኣብ ክንዲ ምቕባል፡ ናብ ዓመጽ ገጽካ ምኻድ ደሞክራስያዊ ኣይኮነን።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን እውን መጀመርያ እቲ እነውጽኦ ወይ እንሕንጽጾ ሃገራዊ ቅዋም ይኹን ወድባዊ ወይ ሰልፋዊ መትከላት ኣሳታፊ ዲዩ  ኣይኮነን? ንኹሉ ብዘዕግብ ዲዩ ወይ ኣይኮነን? ዝሓንጸጽናዮ ቅዋምከ ብኡ ተገዚእና ክንከይድ እንታይ እንታይ ክነማልእ ኣሎና? ዝብሉ ዓበይቲ ጉዳያት ከም መለለዪ ናይ ዲሞክራሲ ወሲድና ክንምልሶምን ክንሰርሓሎምን  ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ባዕልኻ ዝሓንጸጽካዮን ኣግላልነቱ ዝዓዘዘን መስርሕ ኣቢልካ ዲሞክራሲያዊ እዩ እሞ በቲ ናተይ ተማእዘዝ ክበሃል እንተኾይኑ ሸፈጥን ጸረ-ዲሞክራስን ኢዩ ዘመልክት።

ድራር መንታይ

BAEDCLogo2

ቤይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለዋጢ ወርሐዊ ኣኬብኡ ብዕለት 6/11/16 ኣካይዱ። እቲ ከም ውትሩ ዝካይዶ ህዝባዊ ኣኬባ ኾይኑ። እቲ ናይ ሎሚ ፍሉይን ኣገዳስን ዝገብሮ ግን እቲጻዕሪ ዉፍያትን ሰብ ሞያን ደለይቲ ፍትሒ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘይሕለል ህዝባዊ ቃልሲ ነቲ ዓማጽን ግፍዔኛን ስርዓት ኣብ ሕጋዊ መጋባእያ ዓለም ክቀርብን ሕጋዊ ፍርዱ ክረክብን  እንተኮይኑ ብሐድነት ተጠርኒፍካ ምስራሕ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ  ውድዕነት በሲሉ  ምህላውን ንምትግባሩ ይስራሓሉ ከም እቲ ኣብ ሰለማዊ  ሰልፊ ኒዮርክ ዘተገብረ  ናይ ሙሉእ ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ካብ ህዝቢ ዝተወከለን ተሐታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነን ህዝባዊ ሽማግለ ምምራጽ ጥርናፈ ክሳብ ክንደይ ኣብ ስራሕካ ከዕውተካ ዝክእል ምካኑ በቲ ድሕሪ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተገብረ ዕዉት ሰሚናር ኣብነት ምካኑን፣ እቲ ንቅጸልነት ሐደ ህዝባዊ ሽማገለ ንምምስራት ተወጢኑ ዘሎ ንተግባራውነቱ ብዝለዓለ  ንክሰርሕ ካብቲ ብኣቶክሮ ርእዩ ዝተመያየጠሉ ዓቢይ ኣርእስቲ እዩ ኔሩ።

ኣብዚ  ኣኬባ’ዚ እቲ ኣብ ሰለማዊ ሰልፊ ኔዮርክ ዘነበረ ሰሚናር ዓቢይ ኣስተምህሮ ዝሃበ በዓል ሞያ ተጣባቂ ሰብኣዊ  መሰል ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን እውን ንተሳተፍቲ ብዛዕባ ሰለማዊ ሰልፍን ኣድማዕነቱን ከምኡ’ውን ትጽቢታትና ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክንከዶ ዘሎና ኣገባብ ኣቀላልሳን ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ካብ ሕጂ’ውን ንጉዳይና ብሓድነት ተጠርኒፍና ምስ እንሕዞ ጥራሕ ክንዕወት ከም እንክእል ኣስሚርሉ።

ካልእ ፍሉይ ናይዚ ኣኬባ’ዚ እውን በይ-ኤርያ ነቶም ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ብውህደት ናይ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ዕዉት ኮይኑ ንክወጽእ ለይትን መዓልትን ብዘይ ዕረፍቲ  ብተወፋይነት  ዝሰርሑ ናይ መትባብዒ ሽልማት ሂብዎም።  ከምኡ’ውን  ነቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ኩሉ ሰርሐት  ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝገበሩ ኣባላቱ ተመሳስሊ መተባብዒ ሽልማት ሂብዎም።

ኣብ መጭረሻ ድማ ኩሉቲ ናይ ህዝቡን ሃገርን ድሕነትን ራህዋን ዝደሊ ደላይ ፍትሒ’የ ዝብል ኣብ ክንዲ ንተፈላጥነቶም ንድሕነት ህዝቦም፡ ኣብ ክንዲ ንበይኑ ተጠኒፎም ክሰርሑ ኣሰሚሩ ብምምይያጥ በይ-ኤርያ ከምቲ ናይ ኩሉ ግዜ  መጸዋዕትኡ ሎሚ’ውን  ፍልልያት ምዘየገድስ  ንዝብን ሃገርን ንምድሓን  ብሐድነት  ተጠተርኒፉ ንምስራሕ ቁርብ ንዝኾነ ኩሉ ሓቢሩ ንምስራሕ ማዕጽኡ ኩፉት ምካኑን ደጊሙ ይጽውዕ።

ጥርናፈ ዋሕስ ሐድነት’ዩ!!
እንቢ   ንምልኪ !!
እወ ንልዕልና ሕጊ!!

በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
7/11/16

ናይ ሓዘን መግለጺ

Thursday, 10 November 2016 18:30 Written by

ነብስሄር ወይዘሮ ዑቝባ ተስፋይ፡ ብዝሓደራ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብ2 ሕዳር 2016 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ከምእተፈለየትና ምስ ሰማዕና ከቢድ ሓዘንን ስንባደን ተሰሚዑና። ነብስሄር ዑቝባ ተስፋይ፡ ብዓልቲ ቤቱ ንሓው ኢያሱ ወልደሚካኤል ኣባል ሰዲህኤ ጨንፈር ዓዲ ጣልያን ኢያ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንመዋቲት መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንበዓል ቤታን ኵሎም ቤተ-ሰብን ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን እናበልኩ፡ ብስመይን ብስም ኵሎም ኣባላት ሰዲህኤ፡ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክገልጽ እፈቱ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

እታ ሕብእቲ ሰልፊ።

Monday, 07 November 2016 21:52 Written by

ብኮሎነል ፍስሃየ ጸጉ ባህታ ብነሓሴ 2014 ተጻሒፋ ዝተዘርገሐት መጽሓፍያ። ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ኢና ነርና። ምስ ናይ ሎሚ ጥቡቕ መተዓልልተይ ድሕሪ ናይ ምሳሕ ግዜና ብዙሕ ግዜ እናተራኸብና ኢና ማሕበራዊ ርክብናን ፖለቲካዊ ርእይቶናን ነዕሙቕ ዘለና። ዕላልና ኩሉ ሓዘልዩ። ድሕሪ ካብ 40 ዓመት ንላዕሊ ዘሎ ናይ ስደት ሂወትና እነልዕሎ ዕላልና ናይ ሽምግልና ዕድመና ዘንቀሎዩ መብዛሕትኡ። ኩነታትና፣ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናንውን ጎሲና ካብ ዘይንሓልፎ ጉዳይዩ። ልዕሊ ኹሉ ብምስቁርቋር ዘሕስብና: ኣብ በጺሕናዮ ዘለና ዕድመ ግዜ ጡሮታና ኣብ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ቀልቢ ዘለዎ ምምሕዳርን ነይሩ እንተዝኸውን: ኣብ ዝዓበናሉ ገደናን ደምበን ኮንና ብኽቡር ዘዕበየና ባህሊ ምተዛኔና ኢና እንብል ብጋህድን ሕልምናን። ባህግና ግሁድ ከይከውን ካብ ዝገበረ ርኹስ ሓሳብን ግብርን ምልካውነት ምዃኑውን ከይዘከርናዮ ሓሊፍና ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብን ርእይቶን ስለእንሳምማዕ ከኣዩ ዝምድናና እናሰፍሐን እናዓሞቖን ዝኸይድ ዘሎ። ብኸምዚ ስለ ንዋሳእን ንራዳዳእን ከኣዩ: ነዛ ሕብእቲ መጽሓፍ ኮሎነል ጸጉ: ”እስከዛ መጽሓፍ ርኣያ ኣየንበብክዋን ግን ቅድም ንስኻ ኣንብባሞ ብድሕረኻ ከንብባየ” ኢሉ ዝሃበኒ። ክህበኒ ከሎ ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምሳና ስለዝነበርውን: ካባይ ተቐቢሉ ንምዕራፋት ጽሑፋት ”እታ ሕብእቲ ሰልፊ” ብምምልካት ሕብእቲ ሰልፊ ዝብል ክፋል ግን የለን ኣብዚ ኣርእስት ምዕራፋት ኢሉና። ሓቂዩ ነይሩ። ኣብ ገዛይ ምስ በጻሕኩ ከኣ ገለ ገጻት ኣንቢበላ። ጉዳይ ”እታ ሕብእት ሰልፊ” ጸጉ ኣብ መጽሓፉ ዳርጋ ኣብ መላእ ምዕራፋትን ትሕዝቶን ናይ መጽሓፍዩ ዘሎ። ንጽባሒቱውን ሰለስተና ስለ ዝተራኸብና: ከንብባ ከም ዝጅመርኩን ኣገዳሲ ትሕዝቶ ከምዘለዋን ሓቢረዮም። ካብ ትጽሓፍ ክልተ ዓመት ገይራስ ክሳብ ሎሚ ክንረኽባ ዘይምኽኣልናውን ጠቒሰሎም። መንግስ፣ ደጊጋ ከም ዘላቶን ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ትሸየጥ ከም ዝነበረትን ከምዝሓበሮ ጠቒሱለይ። ንርእሰይ ኣብ ፈስቲቭል ምንባረይን ነቲ ዝዝርጋሕ መጻሕፍቲ ኣቓልቦይ ዘይምሃበይንውን ተማሂረሉ።

ኣብ ካልኣይ መዓልተይ ንመጽሓፍ ጸጉ ቀጺለ ከንብባ ምስ ጀመርኩ ኣዝያያ ስሒባትኒ። ነቲ ብማዕዶ ኮይነ ዝዕዘቦን ብተመክሮይ ዝረአኽዎን ዘራጋገጸትለይን ብዝያዳ ንኣፍልጦይ ዘበረኽትን መጽሓፍ ኰይና ረኺበያ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ንነጻ ኤርትራ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ሓፋሽ ውድባት ትብዓት ዝመልኦ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ ሂወቱ ዘስግእ ኩነታት ምስ ተርኽበዩ ንሜዳ ኣብ 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ። ድሕሪ ታዕሊም ብዙሕ ከይጸንሐዩ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተወዚዑ። ብ1978 ከኣ ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኮይኑ። ንጸጉ ብኣካል ኣይፈልጦንየ። ኣብ መጽሓፉ ዝጠቕሶም ሰባት ብዙሓት ካብኣቶም ስለዝፈልጦም ግን መጽሕፉ ፍሉይ ጦብላሕታ ሂባትኒያ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ንሕብእቲ ሰልፍን መራሒኣ ዝነበረ ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝተጻወቶ ተራ ዕንወት ህዝብን ሃገርን ብንጹር ኣርእዩ: ምልካውነቱ ንምስፋን ዝተኸተሎ ጉዕዞ ብውዱዕዩ ዘቕርቦ። ” ኢሳያስ ከም ዝማእመኦ ሓንሳብ ተኸታሊ ማኦ ሓንሳብ ማርክስ ሓንሳብ ኣዳም ስሚዝ ኮይኑ ዘይተጋላበጦ ዓውዲ ፍልስፍና የልቦን። ከምቲ ውሩይ ኢጣልያዊ ፈላስፋ ማክያቨሊ ዝብሎ ድማ ”ንኹሉ ስልትታት ሓላል ዝገብሮ ዕላማዩ” ኢሉ ይኣምን። ናይ ሰብን ኣራዊትን ቆርበት ለቢሱ ንኹሉ ይምዝምዝ-ብጾቱን መቓልስቱን ከይተረፈ። ኣብ ዝኾነ ሰብ ይኹን ማሕበር እምነት ከየንበረ: ብጻዕሪ ካልኦት ጸብለል ክብል ወትሩ ዝህቅንን: ብሕታዊ ረብሕኡ ከደንፍዕ ጥራይ ክጓዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን ጉሒላ ክኢላ´`ዩ።” ኢሉዩ ዝገልጾ ንኢስያስ! ኮሎነል ኣብ መጽሓፉ ”እታ ሕብእቲ ሰልፊ”።

ሕብእቲ ሰልፊ መሳርሒ ጉሒላ ” ፕረሲደንት” ኮይና: እታ መኪና ኣብ ጉዕዞኣ ክንደይ ንጹሃት ከም ዘጥፈአትያ ልብኻ ክሳብ ዝነብዕ ተርእየካ።

ኮሎነል ጸጉ ግዝያውን መስጋገርን ” ቆዋሚ መንግስትን” ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ብዝለዓለ ደረጃ ተርኡ ዝተጻወተዩ። ነዚ መስርሕዚ ድማ ንዝነበሮን ዝተመከሮን ዝፈልጦን ጥራይ ከም ዝዛረብን ጽሑፉ ንደሚክራስን ፍትሕን ንዝቃልሱ ብሩህ ስእሊ ኩነታትናን ባህሪ ጨካንን ምልካውን ስርዓት ውልቀ ሰብ ፍልጠት ዝህብ: መጽሓፍ ብምቕራቡ ንምርዳእካ ዘሀብትምዩ። 280 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍዩ። ናይ 44 ዓመቱ ተመክሮ ቃልስዩ። ሓው ሰለሰተ ኣሕዋቱ ስውኣት ሰውራዩ። ናይ ደገን ውሽጥን ጸላእቲ ሓርነት መን ምዃኖም ኣነጺሩ፣ ጽሑፉ ጸላኢ መን ምዃኑን ብኸመይ ክንቃልሰ ከም ዘሎናን ዝዕድም መደምደምታውን ኣለዎ። ንጹር ኣጀንዳ ፍትሕን ሓርነትን ስለ ዘለዎ ኸኣ ጽሑፉ ናይ ግዜና ብሉጽ ኣስተዋጽኦ ንቓልስናዩ። ”እታ ሕብእቲ ሰልፊ” መጽሓፍ ጸጉ: ተፈታዊ ላዛ ዘለዎ ማሕበራውን ሰብኣውን ቃናውን ተንጻባርቕያ። ነቶም ንረብሓኦም ብምቕዳም ንተቓልስቲ ዝነጻጽል ኣጀንዳ ዘለዎም ባእታታት፡ ኣብ ሓቀኛ ሕልንኦም ክምለሱ እትዕድም ኮይና፣ ነቶም ብዙሕ እናፈለጡ ኣብ ምቅላዕ ምልካውነት ዘጽቀጡ ድማ ከተባራብሮም እትጽውዕ መጽሓፍያ ብርእይቶይ። ዘየንበብኩማ ረኺብኩም ከተብብዋ ድማ እምሕጸነኩም።

ረዘነ ተስፋጽዮን

7 ጥቅምቲ 2016

ብ 30-10-2016 ዓመታዊ ኣኼብኡ አቃኒዑ ።

ሽሕ`ኳ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን ዘይጒህን ኤርትራዊ ምስ ዝህሉ ሕልና ዘይብሉ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ 

ካብዚ መሪር ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ፥ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን  ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ናጽነትና ንምጒንጻፍ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ከምዘይተርፍ ከነረጋግጽ ሃገራዊ ሓላፍነትን ግዴታን ስለዝስምዓና፥ ማሕበርና ኣብትሕቲ“ ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና ዩ ዝብል ጭርሖ“ ብተኸታታሊዝተኻየደ ኣኼባ፥ ዓመታዊ ጸብጻብን፥ ኩነታት ማሕበርን፥ ኩነታት ደለይቲ ፍትሒ አብ እንነብረሉ ሃገር ሆላንድን፥ ዓለምን ዘጣቓለለ ዓሚቚ ክትዓትን፥ ገምጋማትን፥ ሚዛናትን ዝተኻየደሉ ብዕለት 30-10-2016 ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ ። ከምኡ’ ውን ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዋሕዚ ስደትን ንምብዳህ ተጠርኒፍካ ጥራይ ከምትዕወት ብምአማንን፥ ማሕበርና ካብኡ ዝጥለብን ዝኽእሎን ምፍጻም ድልውነቱ ብምርግጋጽ፥ ንኹሎም ኤርትራውያን ደለይቲፍትሒ  አብ ኩለን ከተማታት ሆላንድ ዝነብሩ፥ በቢከባቢኦም ብዝምችኦም ብምጥርናፍ  ናይ ሓባር ባይቶ ወይ ጥርናፌ ንኽህልወና ህጹጽን አገዳስን መድረኽ ዝጠልቦ ምዃኑ ብምእማን፥ ምስኩሎም ዝምልከቶም ደለይቲ ፍትሒ ፥ ተግባራውን ጋህድን ንምግባር ድልውነቱ የራጋግጽ።

ኣብ መደምደምታ ማሕበርና፥ ክትግብሮም ዝመደቦም መደባትን፥ ትልምታትን ብምሕንጻጽ ነዚ መደባት ንምትግባር ንእተዋሃህድ ሽማግለ ብምምዛዝ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ንማሕበርና ዝምልከት ሕቶ ወይ ሃናጺ ርእይቶ ምስዝህልወኩም በዚ ዝስዕብ ኢመይል ኣድራሻ ክትውከሱና ትኽእሉ።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ህዝባዊ ውዳቤ ይሰስን፥ ህዝብና ክቐስን ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ፣ 

ሽማግለ ማሕበር

ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢ ።

ኣባሓጎ  ዶናልድ ጥሩምፕ ፣ Frederick Trump ዝብሃልካብ Kallstadt ትብሃል ንእሽቶይ ሃገረ ጀርመን ብ1885 ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ንኣሜሪካ ተሰዲዱ። ሎሚ ኣብታ ኣባሓጎ ዶናልድ  እተወልደላ ቁሸት ካብቶም ዓሌቶም ዝተረፈ የለን ይብሃል። ኣቦኡ ንዶናልድ ትሩምፕ Fred Trump  ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዱ። እንተ ኮነ ዶናልድ ጥሩምፕ ወለዱ ከም ዝኾኑ ነበርቲ ናይዛ ሃገር ተሰዲዶም ከምዝመጹ ኣብ ግምት ዝእትዎ ኣይኾነን።ንባራክ ኦባማ ኣሜሪካዊ ኣይኮነን ኣብ ከንያ እዩ ተወልዱ ዝብል እምነት ኣሎዎ። ዶናልድ ትሩምፕ ካብ ወላዲኡ ብዝተዋሃቦ ርእሰማል ተበጊሱ ፣ቀጽሉ ከምኡ ዝኣመሰሉ ነጋዶን ተራ ወልቀ ሰባትን እና ኣታለለን፣ ግብሪ መንግስቲ ን18 ዓመታት ከይከፈለ ሃብቲ ደሊቡ ይርከብ። ሰነድ ጥፈሻ ብተደጋጋሚ ግዜ እናመልኤ፣ ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈለሉ ሰነዳት ናብ ህዝቢ ከየውርዶ ምስጢሩ ከይግለጽ ፈሪሑ ሓንጊዱ ይርከብ።

ዶናልድ ትሩምፕ ነቶም መወዳድርቱ ዝነበሩ 16 ሙኩራት ኣብ ዝተፈላላየ መንግስታዊ ስልጣን ዘገልገሉ ሰባት ደኣ ብምንታይ ክስዕሮም ኪሉ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ ፣ እወ ክስዕሮም ኪኢሉ። ምክንያቱ ንሳቶም በቲ ልሙድ ዝጸንሔ ልዙብን ሲቪላዊ ኣገባብ ክዛረቡ እንኮለዉ፣ ንሱ ግን ብጽዩፍ  ዝኮነ ቃላት እናተጥቅመ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክወድቅ እዩ እናተባህለ ንኩሎም ጸሪፉን ድሂሉን ኣፋንዩዎም። ንሱ ዝጥቀመሉ ቓላት ናይ ጻዕዳ ዓሌት ልዕልና ዘሞግስ ፣ ንጸለምትን እስፓኒክስ ዘናሹ ፣ ( we will take our country back )  ክብል እንከሎ ካብ ጸለምትን እስፓኒክስ ሰደተኛታት ማለቱ እዩ ።መንግስቲ  መክሲኮ ኣብ ዓደና ትሰደልና ዘላ ዓመጽትን ቀተልትን እዮም። ሰደተኛታት ብወገን መክስኾ ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን መክሲኾን ሓደ ነዊሕን ጽቡቅን መንድቅ ከነድቅ ኢየ ይብል፣ መንግስቲ መክሲካ ከኣ ነቲ ዋጋ ከይፈተወት ክትከፍሎ እየ እናበለ ነቶም ሰዓብቱ ይምድረሎም። ቀጺሉ ነቶም 12, 000,000 ሚልዮን ዝኮኑ ወረቀት መቀመጢ ዘይብሎም ሰደተኛታት ኣራርየ ንዓዶም ክሰዶም ምዃኑ ይፍክር ።ሕሱር ጉልበት ሰርሓተኛታት ክረክቡ ናብ ካልኦት ሃገራት ዝጓዓዙ ፋብሪካታት ክመልሶም እየ ይብል። Nafta ዝብሃል ናይ ኣሜሪካን ካናዳን መክሲኮን ናይ ንግድ ውዑል እንደጋና ክክልሶ ከም ዝኮነ ይሕብር። እዚ ናፍታ ዝተባህለ ውዑል ሰርሓኩም ኣጥፊእልኩም እናበለ ነቶም ሰዓብቱ ይምድረሎም። ዶናልድ ትሩምፕ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ንዕቀት ደረት የብሉን። ኣብ ሓደ ቪደዮ ብድዔ ብዝመልኦ ክዛረብ እንኮሎ ንዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ እንተላይ ሰብ ሓዳር ኣብ ዝኮነ ክፈል ኣካላተን  ድላዩ ክገብር ከምዝክእል ይዛረብ  እዚ እናገበረ እተን ደቂ ኣንስትዮ Celebrity  ውሩይ ስለዝኮነ ብፍጹም ቓል ከምዘየውጻኣ ይገልጽ። ብኣካለ ስንኩላንን፡ ሙሩኻት ኹናትን የላግጽ። ነቶም ሓላፍቲ ረፑብሊካን ፓርቲ እውን ኣየከብርን። ኮታ ዘርዚርካ ዝወዳእ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ዶናልድ ትሩምፕ ተርእዮ ሓዲሽን ሓደገኛን ምንቅሳቓስ እዩ። ሓደ ክፋል ናይቶም  Caucasian  ዓሌት፣ ንነዊሕ ዓመታት ቁጽሮም እናጎደለ ናይ ካልኦት ዓሌታት ቁጸሪ እናበዝሔ ምኻዱ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ብስደተኛታት ተወሪርና ከይብሉ ከኣ ሰብ ከይክዕቦም ኣብ ውሽጦም ሓቒፎሞ ይነብሩ ነይሮም። ሎሚ ግን ኣብ ክንድኦም ከይተሰከፈ ዓው ኢሉ ክዛረበሎም ዝክእል ኣብ ፕረሲደንታዊ ውድድር ክመጽእ እንከሎ፣ ዝበለ እንተ በለ፣ ዝገብረ እንተ ገበረ፣ ዶናልድ ትሩምፕ ወይ ሞት እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዶናልድ ትሩምፕ እውን ንደገፍቱ ጽቡቅ ገይሩ ኣጽኒዑዎም ኣሎ።ንሱ ከምዝበሎ  ኣብ ኒው ዮርክ ካብ ዝረኸብ መስኮት ገዝኡ ኮይኑ ካብቶም ኣብቲ ጎደነ ዝንቀሳቀሱ ሓፋሽ ተዂሱ ሰብ እንተቀተለ እውን ደገፍቱ ከምዘይ ገድዕዎ ዓው ኢሉ ይምድር። ኣብዚ ሃገር ዘለው ኩሎም ኣብ white Supremacy ዝኣምኑ እተፈላለዩ ጉጂላታት ድጋፎም ንዶናልድ ትሩምፕ የስምዑ ኣለዉ ።እቲ ዘሎ ሻቅሎት ዶናልድ ትሩምፕ እንተ ተሳዒሩ እውን ከምቲ ልሙድ ስዕረቱ ከምዘይቅበል ገሊጹ ኣሎ። ንሱን ደገፍቱን እንታይ ከምዝገበሩ ኣይተፈልጠን።

ሂትለር እውን ብህዝቢ እዩ ተመሪጹ ኣብ ስልጣን ዝመጸ። ኣብዚ ዓለምና ከም ሓንቲ ቁሸት ኮይናትሉ ዘላ። ቁጠባዊ ዝምድናታት ዶብ ሰጊሩ ከም ሰኪዔት ተኣሳሲሩ ዘሎ ዶበይ ክዓጹ እየ ምባል ንዓለማዊ  ቁጠባ ሓደገኛ እዩ። ምክንያቱ እቶም ካልኣት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጉምቱ ክወዱ ስለ ዝክእሉ ኣብ ናይ ንግድ ኹናት(Trade War) ክንኣቱ ኢና። እዚ ከኣ ኣብ ጽጥታውን ወተሃደራውን ርጽሚ ክወስድ ይክእል። ኣብዚ ናይ ኑክለየር ዘመን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ሰብ ናይ ዓሌትነት ምንቅስቓስ ክፍጠር እንከሎ ነቶም ረፑብሊካን ፓርቲ እውን ሕማቅ ሳዕቤናት ክይህሉዎ ዝሰግኡ ብዙሓት እዮም። ምክንያቱ ናይ ዐሌትነት ሰልፉ ኮይኖም ክይተርፉ እዮም። ኣብ ታሪክ ደቂ ሰባት ብሃንደበት እተቀልቀሉ ስርዓታት ዝፈጸምዎ ዘስካሕኪሕ ፍጻሜታት ነይሩ እዩ።

ናይ ኣሜሪካ ማዕከናት ዜና ንዶናልድ ትሩምፕ ጎብለል ክብል ዝገበሩ እዮም። ምናልባሽ ታሪክ ይፋረዶም ይኽውን ።እዚ ምንቅስቃስ እዚ ድሕሪ ሕጂ ደው ዝብል ኣይኮነን። Trumpism ንወለዶታት ክቅጽል እዩ።

ዝክሪ ንስውኣትና

ክብሮም ግረነት

   

     

ኣብ ሕብረተሰብና ኮነ ፖለቲካዊ ተመኩሮና ኣብ ዝምድና መራሕን ተመራሕን ዘሎ ኣረዳድኣ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ መራሕን ተመራሕን ርክብ ካብ ስድራቤት ዝጅምር እዩ። ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን ድማ መመሊሱ ይዓቢ። እዚ ዝምድና ብዘይካ ኣብቲ ስድራቤታዊ ቀጻልነት፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ፖለቲካዊ ውድባትን መሰረታትን፡ ኣብ ሰራዊት ኣብ መንጎ ኣዘዝትን ተኣዘዝትን፡ ኣብ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ሓባር ውዳበታት እውን ይንጸባረቕ። ኣመጻጸኣ መራሕቲ ናብ ሓላፍነት ከከም ባህሪ ናይቲ ትካል፡ እቲ ትካል ዝተመስረተሉ ግዜን ዘተግብሮ ዕማምን ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ “መራሕን ተመራሕን” ዝብል ናይ ዝምድና ኣምርን ምክፍፍፋል ስራሕን ግና ኣብ ኩሉ ሓባራዊ ጉዕዞ ዝረአ እዩ።

ከም ልሙድ መራሒ ላዕለዋይ እዩ። ተመራሒ ድማ ታሕተዋይ። እቲ ታሕተዋይ ናይቲ ላዕለዋይ ትእዛዝ ወይ ብዘመናዊ ኣተሓሳስባ መምርሒ ተቐባሊ እዩ። ንዝምድነኦም ኣብ ምንጻር ካብ ዝቃልሑ ሓሳባት ከኣ “ታሕተዋይ ኣካል ብላዕለዋይ ኣካል ይምእዘዝ” ዝብል ንጥርናፈ ዘዕዝዝ ንበብድሌትካ ምኻድ ዝድርት ኣምር ኮይኑ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። እዚ ቅቡል እዩ። ኣድላይነት መራሒ ንምዕዛዝ እኳደኣ “ሽሕ ይሙት ኣካብ ሽሕ  ኣይሙት” ዝብል ምስ ዘመናዊ ኩነታትና ይኸይድዶ ኣይከይድን ዘዳዲ ነባር ኣበሃህላ ኣለና።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ናይ መራሕን ተመራሕን ዝምድና፡ ከም ኩሉ ተረኽቦ እንዳማዕበለን ነብሱ እንዳመሓየሸን ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ምምሕያሽ ካብ ዝንጸባረቑ ድማ፡  ኣብ መንጎ መሪሕን ተመራሕን ዝጸነሐ ሰፊሕ ርሕቀት ምጽባብን ናይ ተመራሕቲ ተጸባይነት ምንካይን እዩ። ኣብ ናይ ቅድም ኣተሓሳስባ መራሕቲ ውሑዳት፡ ተመራሕቲ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሕዳር ዓድታትና፡ ወረዳታትና፡ ማሕበራትና፡ ውድባትናን መንግስታትን ክንዕዘብ እንከለና ነዚ ምርድኡ ዘጸግመና ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ውድባትና ቁጽሪ ዝምረጹ መሪሕቲ ካብ 15 ክሳብ 41 ዘሎ ዘይምዕሩይ ቁጽርታት እዩ ዘርእየና። ቁጽሪ ተመራሕቲ ግና ከከም ስፍሓትን ዕቤትን ናይቲ ውድብ ብኣማኢት ወይ ብኣሸሓት ዝቑጸር ይኸውን። እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ንምርዳእ እምበኣር ኣጸጋሚ ኣይኮነን።

ኣብ ኣተሓሳስባ መብዛሕትና ዝጸንሐ፡ እቲ ተመራሒ ማለት ከም መሰረት ናይ ሓደ ውድብ፡ ኩሉ ግዜ ናይ’ቶም ውሑዳት መራሕቱ ናይ “ከምዚ ግበር” ተጸባይ እዩ። እቲ መሪሕነት ብወገኑ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዝመርሖ ኣባል ውድብ እናሻዕ “ከምዚ ግበር” ናይ ምባል ሓላፍነት ከም ዘለዎ እዩ ዝወስድ። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ኣዋን ግና ምስቲ ዘመናዊ መሳለጥያታትን ምዕቡምል ዓቕምን ኣብ ኩሉ መራሕን ተመራሕን እንዳሰሰነ ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ፡ እዚ ኣብ መንጎ መሪሕትን ተመራሕትን ዝነበረ ርሕቀት ኣዝዩ ይቀራረብ እዩ ዘሎ። እቲ ተመራሒ ከምቲ ምስቲ መራሒ ዘሎ ዓቕሚ፡ ኣፍልጦ ብዛዕባቲ ውድቡን ዘመናዊ መሳርሕን ዝውንን ካብ ኮነ፡ ሓደ ዕማም ንምፍጻም ከምቲ ናይ ቀደም ድምጺ መራሒ ዝጽበየሉ ምኽንያት የብሉን ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ብዛዕባዚ ዝምድና ዝተመራመሩ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ብምንቃል ድማ ኣብ ሓደ ውዳበ “ኩሉ መራሒ’ዩ” ኢሎም’ኳ ተዘይደምደሙ፡ ህልዊ ምዕባለና ቁጽሪ መራሕቲ ካብ ቁጽሪ ተመራሕቲ ኣብ ዝበዝሕሉ ምዕባለ ኢና ዘለና ይብሉ እዮም። ብመንጽር’ዚ ናይቶም ኣብ ወግዓዊ መድረኽ ብምርጫ ድዩ ብሕርያ ዝምዘዙ መራሕቲ ፍሉይ ሓላፍነት ኣዝዩ ቅርጡው ናብ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ኢና ንጐዓዝ ዘለና።

እዞም ኣብዚ ዝምድና መራሕን ተመራሕን ዘጽንዑ ዝበልናዮም ወገናት “መራሒ ክትከውን እትጅምር፡ “እዚ እዩ ደረጃኻን ሓላፍነትካን፡ እዚ ከኣ ዝርዝር ዕማምካ” ክሳብ እትበሃል ክትጽበ የብልካን። ናይ ምምዕባሉን ዘይምምዕባሉን ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ “ንኹሉ ሰብ ዝተዋህቦ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ኣለዎ“ ዝብል ዕግበት ኣለዎም። ካብዚ ነቒሎም ከኣ “ኩሉ እቲ ተመራሒ እየ ኢሉ፡ ውጽኢት ካብ ኢድ ውሑዳት መራሕቲ ዝጽበ ንገዛእ ርእሱ መራሒ እዩ” እውን ይብሉ።

ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ’ሞ ይጽነሓልና፡ ዝኾነ ሓላፍነት ናብ ውሑዳት መራሕቲ ካብ ምጽዓን ክንወጽእ ይግበኣና። ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣብ ውሱናት መራሕቲ ጥራይ ዝድረት ከምዘይኮነ ንዘለና ተረድኦ ብዝድህስስ ተግባር ከነሰንዮ ግድን’ዩ። ነቲ ዝተሰለፍናሉ ዕላማ ዝምልከት ፖሊስን መትከላትን ካብ ተቐበልናዮን ፈለጥናዮን፡ ዋላ ውሱን ይኹን ዓቕሚ ኣብ ኢድና እንዳሃለወ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ከም “ግቡእ” ተዋሂቡና ዘሎ ሓላፍነት ንስጉም፡ ናይቶም  ከማእክሉና ሓላፍነት ዝሃብናዮም ውሱናት መሪሕቲ ኢድ ክንጽበን “ከምዚ ተዘይገበርኩም” ክንብልን ግዜ ከነባኽን ኣይግበኣናን። ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ከም ኣብነት እንተወሰድና ሓደ ኤርትራዊ ኣባል ክኸውን እንከሎ፡ ክትግብሮ ካብ ዝተቀበሎ ግቡእ “ኣባል ሰልፊ ብደረጃ እቲ ንሱ ዝርከቦ ጸፍሒ ኣብ ህይወት ሰልፊ ንጡፍ ግደ ይህልዎ፤ ንዕላማታትን መትከላትን ሰልፊ ናብ ህዝቢ ንምግላጽን፡ ንምዕማቑን ንምትግባሩን ይጽዕር፤ ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤” ዝብል ንረክብ። ሓደ ኣባል ነዚ ንምትግባር ናይ መራሒ ፈቓድ ኣይጽበይን እዩ።

እዚ ኣድማዒ ዝኸውን ከኣ ኣብዚ ጉዳይ ናይ መራሕትን ተመራሕትን ኣረዳድእ ውሁድ ክኸውን እንከሎ እዩ። ሓደ ኣካል ማዕረ ናይ መሪሕነት ምናልባት’ውን ካብኡ ንላዕሊ ዓቕሚ እንዳሃለዎን እቲ መንገዲ እንዳፈለጦን “መራሒ ኢኻ” ስለ ዘይተባህለ ኣበርክቶኡ ትሕቲ መራሕቲ ገይሩ ክወስድ ኣይግበኦን። መራሕቲ’ውን ከምቲ “ተከዘ ንመረብ ሒዛ’ያ ትዕበ” ዝበሃል፡ ወርትግ ንግደ መሰረታቶም ኣብ በሪኽ ከንብርዎ ናይ ግድን እዩ።

ኣሮን ናኦድ

ነዛሕቲ መርዚ ሓሶትን ሰማዕትን ኣብ ”እኩይ ውህደት” ዘርኢ ክርዳድ: ፓይሎት: ፎሮ 12 ካልኦትን። መብቆልኩም ሓደዩ። ዕላማኹም ንምዝራግ ውሁድ ፖለቲካዊ መስርሕዩ። ንህግደፍ ክቐትል: ክሙቁሕ: ክጨዊ: ንምቕጻል ዘምበድብድ መሽረፈት ኢኹም። ብተገብርዎ ነውሪ ፖለቲካ ምድንጋር ልብኹም ዘሕበጥኩም። ዘርኢ ክርዳድ ክትጅምር ከሎኻ ቅብኢ ሓሶት ተቐኒትካ ህርፋንን ስስዐን ገንዘብ ዓይንኻን ኣእምሮኻን ሸፊኑ: ኣሕዋትን ጎደቦታት ዓድታትን ከናቚት ብዝኽእል ንፋስ ኣንበድቢድካ። ሓው ግረነት ከም ዝበሎ ኣበይ: መዓስ: መን ንመን ቀቲሉ ስለምንታይ ብኸመይ ዝብል ሰሚዑ ዝሓትት ስለዘይረኽብካ: መጽሓፍ ክርዳድ ኣዳሊኻ። ኣብ ዕዳጋ ከተውርዳ ከለኻ ግን ኣብ ጽሑፍ ንእተስፍሮ ሰነድ ኮይኑ ጸልማት ምስ ወግሐ ብደም ከይትሕተት ካብ ቃልካ ዝወጸ ኣብ ጽሑፍካ መዝሕቕካ። ንግድኻ ግን ሰሊጡካ። ኣብ ምሻጥ መጽሓፍካ እኩይ ውህደት ሓሶትን ሰማዕትን  ተዋሃሂዱ ኣብ ዕዳጋ ክወርድ ርኢና። እቲ ሰይጣናዊ ውሕጅ ሓሶትካ ሓመድን እምንን ገረብን ጨናፍርን እናገምጠለን መንቆሰን መልዓሰን ይጎርፍ ስለ ዝነበረ ንህግደፍ ቀውዒ ንራኢ ደሞክራስን ፍትሕን ድማ ዓይነን ዝደፍን ዶርናዩ ነይሩ። እዚዩ ሰንሰለት ምትእስሳርካ ምስ ጸረ ህዝቢ ህግደፍ፣ ክርዳድ። ፓይሎት! ብዝብል ሕቡእ ስም ኣብ ግዜ ሰውራን ድሕሪ ነጻነትን ዝነበረ ክፉእ ተግባራት ህግደፋውያን ክገለጽ ኣብ ተቐልቀለሉ ዝፈልጦን ዝስምዖን ዝመሃዞን ኣቃሚሙ መዲሩ። መንነትካ ሓቢእካ ኣብ ድሕሪ ኮምፒተር ተጠዊቕካ ”መንእሰይ ኣይትዳህለል” ፡ብዝብል ሕቡእ ኣጀንዳኻን ለኣኽትኻን ሰፊኑ ክሰርሕ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለው ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣስማቶም እናጠቐስካ: ንተቓለስትን ውዱብ ቃልስን ንምዝራግ ተዓጢቕካ ደቢልካ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሕልምኻን ክፉእ ሽታ ትንፋስካን ንቡዙሓት ኣእምኑስ ውዱባት ኣብ ምርጋም ዝተዋደደን ዝመረሸን ቃልሲ ሕንቅልቅሊተይ ኣጎሃሂርካ። ካብ ጥሓኒት መኪና ህግደፋውያን ኤርትራውያን ኣምሊጦም ርእይቶኦምን ውድባዊ ቃልሶምን ብነጻን ቅልዑን ንዝገብርዎ ቃልሲ ንምጉንዳብ ኣብ ሕቡእ ኮንካ ኣይትስምዕዎም ”ህግደፍዮም” ብምባል ውሕ! ኢልካ። ልኡኽ ህግደፍ ኣይኮንኩን ኢልክ ከም ”ትምጉት” ንፈልጥ ኢና። ንሰማዕትኻ። ኣብ መደረኻ ጸላእ ኩሉ ዝፈለጦን ዝፈንፎኖን መራሕ ህግደፍ መሲልካ ኢኻ ትዝምር። ስሙ ንምድህላል ከምትጥቀመሉን ጸላኢኡ መሲላካ ነቢሕካ ኢኻ። መደረኻን ትሕዝቶ ዘመተኻን ግን ንኣገልግሎት ህግደፍዩ ዊዒሉ። ብቐደሙውን ንስውር ለኣኺኻ ሃዋርያ ዝርጋን ኮንካ ኢኻ ተበጊስካ። ገለ መንእሰያትን ኣርሒቖም ዘይርእዩ ዓበይትን ንዘበጥቕ ሓሳብካ ሰምዖም ከም ተዓዘሙን ንመዝሙር ዝርጋንካ ከም ዝደገሙን ዝሕባእ ኣይኮነን። መንእሰያት ኣብ ዘለዋ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ንኽይውደቡን ሓቢሩ ብግብሪ ከይሰርሕን ምንብድባድ ደኣሞ ደይ ረብሓ ህግደፍዩ። ንግሩህ ኣእምሮ ብሕልክስና ሚሂርካ ከምዘጓናበድካ ኣሚናልካ ኣለና። ንግዜ ሓርነትና ከምዝመጠጥካውን ኣይሰሓትናን። ፎሮ 12! ብመደብ ዝሰርሕ ኣጀንዳ ህግደፍ ኢኻ እትውክል። ክትጅምር ከለኻ ትሕት ኢልካ ኢኻ ተጸፊኻ። ጽንሕ ኢልካ ኣብ ክልተ ዓመት ኣብ መስርዕ ሰለያ ከምዝኣቶኻን እሙን ኮንካ ከምተቖጸርካን ኢኻ ኣዘንቲኻ። ብብቕሩብ ከኣ ናይ ሰማዕትኻ ፍጹም ምቁጽጻር ከም ዘረኽብካ ምስ ኣርጋጋጽካ ፈላጥ ምሉእ መስርሕ ሓለዋ ስውራየ: ንኽሉ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበረን ድሕሪ ነጻነት ዝሰዓበን ስንክሳር መጽሓፍካን መኸርትኻን ተተርኢስካ ቀታልን ተቐታልን ጨቋንን ኣንጻር ጭቆናን ደዋሲስካ ኣብ ሓደ በኹራ ኣእትኻ ብምምሃር: ነቲ ክርዳድን ፓይሎትን ዝኸድዎ መገዲ ብምኹላዕ: ”ብፍልጠት ስለያኻ” ኣሰኒኻ: ንኣብ መገዲ ስምምዕ ዘለው ደለይቲ ሓርነት ተረቂቕካ ብምእታው ንሓድሓድ ምጥርጣርን ውደቦኦም ኣንጻር ምልኪ ንኸየሕይሉን ምጉስጓስካ ንረብሓ ጸላኢምበር ካልእ ፍይዳ የብልካን ፎሮ። መደረኻ ናይ ዓያሹ ኣይኮነን። ሕቡእ መንነትካ ንበጺሕናዮ ዘለና መድረኽ ፍትሓዊ ቃልስና ዘታልልዩ። ንመኣዝን ቅኑዕ መድረኽ ውደባና ክቖጺ ዝጓዝም ዘሎ መሓዛ ፖለቲካዊ መስርሕን መፈንጠራን ህግደፍዩ ጉዕዞኻ ፎሮ 12። ”ፍልጠትካ መስርሕ ስለያ” ንመስርሕ ሓድነትና ብዝጻባእ ፖለቲካ ኢኻ ተሳውሮ ዘለኻ። ኣተሃድና ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይንዩ።

ንባራበር።

31 ጥቅምቲ 2016

መጀመርያ መን እዩ ስለፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጥ እኳ ኣሎ እንተዘይተባህለ ገለ ውሑዳት ግን ብርግጽ ዘይፈልጥዎ ክህልዉ ይኽእሉ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅኑዕ ቅኑዕ፥ ነቲ ጌጋ ከኣ ጌጋ እናበለ፥ ካብቲ ብጉባኤታቱ ኣቢሉ ዝጸደቐ መተከላቱ ንየማን ይኹን ንጸገም ከየላገሰ ንጹር ዕላማኡ ተኸቲሉ ዘሰላስል ሰልፊ እዩ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና እቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰልፊ ዝወርድ ዝነበረ ጸለመን ምክፋእን ክሳብ ከም ካልኣይ ገጽ ናይ ሓደ ቀርሺ ምስ ስርዓት ኣስመራ ከመሳስልዎ ዝተነዝሐ መናፍሓትን ሓሶታትን እናፈሸለ ይኸይድ ምህላዉ እዩ። ብድሕሪ ሕጂ ነዚ ብዝምልከት ዝቕልቀል ከኣ ኣጉል ሽጣራን ዝጠፈሸ ኣገባብን እዩ ክኸውን። ስለዚ መን እዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምግላጽ ደጊም መዓልቱ ወይ ግዚኡ ኣኺሉ እዩ። እዚ ሰልፊ እዚ ብሃገራውነቱን ፖለቲካዊ ራኢይኡን ህዝቢ ከይርደኦ፡ ከይፈልጦን ከይዓስሎን ብዝተፈልለዩ ወገናት ንምዕንቃፍ፡ ኣንጻሩ ዝንዛሕ ዝነበረ ምዃኑ መባእታዊ ናይ ፖለቲካ ኣፍልጦ ንዘለዎ ኣካል ንጹር እዩ።

እዚ ሰልፊ እዚ ዝገብሮ መዓልታዊ ምንቅስቓሳትን ተጻዋርነትን ንኸምክኑ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ካሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ሕብርታቱን ዓይነቱን እናተቐያየረ ዝውርወር ዝነበረ ሓሶታት እናፈዀሰ ይብለል’ኳ እንተሃለወ፥ ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ባእታታት ግን ፈጺሞም ካብቲ እኩይ ተግባራቶም ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓገሱን። እዚ ሰልፊ እዚ ተበዲሉ እንከሎ ከም በደለኛን፥ ጸረ-ሃገርን ሓድነትን ርእይቶ ካለኦት ዘይቕበልን ገይሮም ከቕርብዎን ክኸስዎን እንከለዉ፡ ርኢና ከምዘይረኣና ክንሓልፎ ጸኒሕና። ናይዚ ሕድገት ቀዳማይ ምኽንያትና ነቲ ንህዝብና ጅሆ ሒዙ ዝሳቒ ዘሎ ምውጋእ ምዃኑ ስለ ኣነቐድም እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሓሶትን ጠቐነን ውዒሉ ሓዲሩ ዝፈሽልን ዝፈኲስን ምዃኑ ስለ እንርዳእ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ዘይሓላፍነታዊ ጸለመታት ሃስያታት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን።

እቲ ክርአ ዝጸንሐ ጹረትን ትዕግስትን መንቀሊኡ ሕመቕ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ሓድነት ህዝብን ሃገርን እዩ። በዚ ምኽንያት ክግለጽ ዝግበኦ ዘይተገልጸ ሓቅታት ከም ዝተሓልፈ ፍሉጥ እዩ። እቶም ነዚ ሰልፊ ክጸልእዎን ከርሕቕዎን ዝህቅኑ ገለ ወገናት ኣካይደኦም ንረብሓ ኩላትና ይመስሎም ይነብር። ውድባት ኣይረብሓን እየን፥ ኣይሰርሓን እየን እናተባህለ ብድፉኑ ምውራይ ነዚ ሰልፊ ሃስይዎ እዩ። እቶም ከምኡ ዓይነት ጃምላዊ ፍርዲ ዝህቡ ሰልፍና ይሰርሖ ንዝነበረ ይድምስሱ ስለ ዝነበሩ። ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ንሰልፍና መዳርግቲ’ቲ ንህዝብና ዝጭቚንን ዘጋፍዕን ዘሎ ስርዓት እዩ ክብሉ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ኣብዚ ጉዳያት እቲ መንእሰይ ይኹን እቲ ብዛዕባ እዚ ሰልፊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ወገናት ምእንቲ ክመዝን፥ ገለ ካብቲ ንጹር ራኢ እዚ ሰልፊ ምጥቃስ ኣድላዪነት ኣለዎ።

1- ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
2- ንእንኮ ሰልፊ ዘይኮነስ ኣብዝሓ ሰልፍታት የድልየና።
3- ስርዓት ህግደፍ ምልጋስ ብኤርትራዊ ሓይልን ለውጢ ካብ ውሽጥን።
4- ህልዊ ስርዓት ኣልጊስካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘጽድቖ ቅዋም ዝግዛእ መንግስቲ ምምስራት
5- ንጉዳይ ሃገር ሓቢርካ ብምስራሕን ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብምትካልን መሰል ኩለን ብሄራት፡ ኣውራጃታትን ውልቀሰብን ዘውሕስ ሕጊ ክሕንጸጽ።
6- ግርጭታት ብሰላማውን ዲምክራሲያውን ኣገባብ ምፍታሕን ሰላማዊ ምቅብባል ስልጣንን፥
7- ንኹሉ ዝሓቊፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ክምስረት
8- ስልጣንን ጸጋታትን ሃገር ብማዕረ ክመቓራሕ ... ወዘተ ዝኣምንን ንምዕዋቱ ዝቃለስን ሰልፊ እዩ።

እዚ ገለ ካብቲ መትከላት ናይቲ ሰልፊ እዩ። ስለዚ ብሓደ ወገን ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ማዕረ ምዃኑን ልዕሊ ሕጊ ክኸዱ ዝደልዩ ንኸይቅልቀሉን ብትብዓት ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ እዩ። በዚ መሰረት ኣቶም እቲ ጽባሕ ክምስረት ንቃለሰሉ ዘለና ስርዓት ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ዝጽበዩ ወገናት ዝነዝሕዎ ጸለመ ንፋስ ከምዝወቕዖ ሓሰር ዝብተን ክኸውን እዩ።

ድራር መንታይ