ርብዒ ዘመን ጓሳ ዝሰኣነ ህዝቢ

2016-05-23 21:29:58 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1838 times

ወዲ ሰብ እንስሳ ዘቤት ከራብሕ እንከሎ ከምታ ህይወቱ ገይሩ ዘይከናኸኖ እንተኾይኑ ህየንታ እዩ ዝኾኖ። ዝስተ ማይን ዝብላዕ ሳዕርን ናብ ዘለዎ ቦታ ወሲዱ  ክዕንግሎምን ክከናኸነኖምን ከኣ ይግበኦ። ከምኡ ተዘይገይሩ ግና እቲ ካብተን እንስሳ ዝጽበዮ ኣገልግሎት ክረክብ ኣይክእልን። ስለዚ ንእንስሳ ልክዕ ከም ውላድካ ጌርካ ክትሕዞ’ዩ  ዝግባእ። እንተዘይኮይኑ ጓሳ ዝሰኣና እንስሳ ወፊረን ጸጊበንን ረውየንን ብሰላም ኣይምለሳን እየን። ብመንጽር’ዚ ህዝቢ ኤርትራኸ ኣብ ምንታይ ኩነታትኮን ይህሉ? ልክዕ ከምተን  ጓሳ ዘይብለን እንሳሳ ካብ ዝኸውን እነሆ ርብዒ ዘበን ኣሕሊፉ። ጓሳ ስለዘይብሉ ከኣ  ኣብ ዝኸዶ ሃገር ክዋረድን ክሳቐን ከሎ ዝሓተሉ ወይ “ዜጋይ ይሸገር ኣሎ” ኢሉ ዝጣበቐሉ መንግስቲ ጌና ኣይተተኽለን ዘሎ።

እዚ ሽግር እዚ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ዘምጸኦ መዘዝ ከይኮነ ኣይክተርፍን’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ እቲ ፈለማ ኤርትራ ናጽነታ ክትጎናጸፍ ከንእከላ በቲ ሽዑ ዝተረኽበ ታሕጓስ ተዳህሊሉ “ደጊም ስልጣን ኣብ ኢደይ” ክብል ዘይምኽኣሉ። እዚ ዘይመበሊኡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህልዎ ይኽእል። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ህዝብና ንብረታዊ ቃልሲ እምበር ንሓርነታዊ ቃልሲ ከነዳልዎ ዘይምብቃዕና እዩ። ድሒሩ ግና እቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ ኢሳይያስ ቀንዲ ጠንቂ ስቓይ እናኾነ መጺኡ። ህግደፍ ነቲ ዝነበረ ባህሊ ፈጺሙ ክጠፍእን ክድምሰስን ከኣ ድሌቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም መደብ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ባህሉ ዘጥፈአ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ምክብባርን ምትእምማንን ኣጥፊኡ ስለ ዝከፋፈል ነቲ ስርዓት ክቃወም ስለዘይበቅዕ።  እዚ ጉጅለ ሎሚ እውን ንዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ከታልል ከኣ ‘’ ርብዒ ዘበን መኽተን ልምዓትን  ’’ዝብል ጓንጓ ጭርሖ እናቃለሐ ከም ኣመሉ የደናግር ኣሎ። እነሆ እቲ ህዝቢ ነቲ ‘’ኣበይ ኣሎ ሓውካ፥ ኣበይ ኣላ ሓብትኻ’’ ዝብል ዘቕርቦ ሕቶታት ፈጺሙዘንጊዑ ኣብ ማእከል ጐልጐል ዱድ ይብል ኣሎ።

ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ከደናግሮን ከተስፍዎን እምበር ዋጋ ኣይሃቦን። ብኣንጻሩ ደኣ ነታ ሃገር ኣብ ቊጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣእትዩ ንህዝቢ ዝሓሊ ስርዓት ዘይኮነስ ንህዝቢ ዘጽንት ከምዝኾነ ብተግባር ኣርኣየ። ብሰንኪዚ መንእሰይ ኤርትራ  ኣብ ሃገሩ ቅሳንትን ሰላምን ስኢኑ ካብ ሓዊ ናብ ሲኦል ምእታው ከም ምርጫ ወሲዱ ዓዱ ጠንጢኑ ክስደድ ተገደደ።  እንተኾነ ሃገሩ ጠንጢኑ እንተወጸ’ውን ኣብታ ዝነበረላ ሃገር ከይተረፈ ንጉጅለ ህግደፍ  2% ክኸፍልን፥ ካልእ ዝጠልብዎ ኣገልግሎታት ክፍጽመሎም የገድድዎ። ነዚ ንምትግባር ከኣ እቲ ጉጅለ መንእሰያት ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክጽሕፉ ብምግዳድን ካልእ ሕቡእ ሜላታትት ብምጥቃምን ቅሳነት ከሊእዎም ይርከብ።

ኣብ ከምዚ ህሞት ከኣ ነቲ ገባቲ ስርዓት ኣልጊስካ ስልጣን ጨቢጥካ ናብ ህዝቢ ንምርካብ  ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝወዳደቡ ሓይልታት ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኩሉ ብስም ህዝቢ ዝውደብ ረብሓ ህዝቢ ይሕልው ማለት ከምዘይኮነ ምስትብሃል የድሊ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝተወደቡ ኣካላት ስምምዕን ምትእምማንን ይሰኣን እሞ ኣብ ጸለመን ምትፍናንን ይእቶ። ደንበ ተቓውሞና እውን ንገዛእ ርእሱ ካብ ከምዚ ዓይነት ሽግር ናጻ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ስልጣንን ብዘተኣማምን ኣገባብ ምምላስ ናይ ህዝቢ ምዃኑን ዘንጊዑ ቃሕ ብዝበሎ ይኸይድ’ሞ ይፈላለን ይበኣስን ስለ ዘሎ። እቲ ፍልልያት ከይኣክል ከኣ  ንመንእሰይ ጉጉይ መንገዲ ንክኸይድ ዝገበሮ ስርዓት ህግደፍ ብቐንዱ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ እውን ናብ ጸቢብ ረብሓኦም ዝቕይርዎም ዘለዉ መሲሊዎም፡ መንእሰይ ኣንጻር ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምዘቕንዕ ብምግባር ኣብ ፖለቲካ ጽልኢ ንክሓድሮ ይደፋፍእዎ። እዚ ኣተሓሕዛ’ዚ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ዝፈጥሮ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ምግንዛብ የድሊ።

እዚ ተግባር መንእሰይ  ግዳይ  ምስኣን ትዕግስትን ስነስርዓትን፡ ክብረት ንኻለኦትን  ኮይኑ ኣብ ጽልእን ነንሓድሕድካ ምክፋእን ምዝላፍን ንክጽመድ ኣገዲድዎም። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ንተመኩሮ ሰውራን ባህሊ ኤርትራን፡ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ናጽነታውን ሓርነታውን ቃልሲ ዘሎ ፍልልያት ዘይተገንዘቡ መንእሰያት ካልእ ጸገም እዮም። እዚ ከኣ ነቲ “ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓባር” ዝብል ሃናጺ ኣምር ደምሲስዎ፡ እነሆ ህግደፍ ኣብ ጸቢብ ከኹድድን ኣብ ሕሉፍ ክነብርን ህዝቢ ኤርትራ  ከኣ ጓሳ ዘይብሉ ህዝቢ ኮይኑ።

ድራር መንታይ

Last modified on Monday, 23 May 2016 23:33