ነብስና እንተንሓክኽ

2016-05-26 16:43:52 Written by  ናኦድ ኣሮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1936 times

ወለድና ኣብ መንጎ ሰባት ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ እቲ ዘቐድምዎ ዕርቅን ምርድዳእን እዩ። ካብቶም ክዕረቑ ዝግበኦም ሓደ ካብ ሓቂ ኣዝዩ ርሒቑ ከም ዘሎ ክግምቱ እንከለዉ፡ ሓሲቡ ምናልባት እቲ ጌጋ ካብኡ ምዃኑ ተረዲኡ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድል ንክረክብ “ነብስኻ ክትሓክኽ ክንድዚ መዓልቲ ሂብናካ ኣለና” ይብልዎ። ናይዚ ትርጉም ኣብቲ ተታሒዙ  ዘሎ ዘሰሓሕብ ዛዕባ ናብ ዕርቂ ዝወስድ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንከምጽእ እዩ። ነዚ ቃልዚ ዝጥቀመሉ ኣሎ ዘይጥቀመሉ ኣብኡ ደሪቑ ዝተርፍ’ውን ከምኡ።

እዚ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእ ወይ ኣብቲ ሓንሳብ ዝሓዝካዮ ምንባር ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣድላይ ዝኾነሉ ምኽንያት ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዝረአ ብዙሕ ለውጥታት ኣሳኒኻ ንምኻድ ስለ ዘኽእል እዩ። ኩነታትካ ብናቱ ሕግን ስርዓትን ናብ ኣሉታ ድዩ ናብ ኣውንታ እንዳማዕበለ፡ ንስኻ ኣብቲ መጀመርያ ዝረገጽካዮ እንተ ነቒጽካ ግና ካብቲ ርኡይ ጉዳይ ወይ ትቕድም ወይ ድማ ትድሕር እሞ፡ ኩሉ እተቕርቦ ሓሳብ ፍታሕ ዘየምጽእ ወይ ዘየሳኒ ኮይኑ በይንኻ ናብ ምዃን የምርሕ።

ብመንጽር እዚ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ቃልስና ብብዙሕ ሕጋውን ጐነጻውን ምዕራፋት ዝሓለፈ እዩ። እቲ መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ ዝተናወሐ ቃልሲ፡ ናጻ፡ ልኡላዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ምውሓስ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ብዝረኣዩ ምዕባለታት፡ ክተሓዙ ዝጸንሑ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። ካብ ሓደ ምዕራፍ ናይቲ ቃልሲ ናብቲ ካልእ መድረኽ ክስገር እንከሎ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣምራት ሓድሽ ኣተሓሳስባታት ክጥረ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ተዘይኮይኑ ግና ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ሓደ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ድሌትን ቦታን እንዳሃለዉ በበይኖም ክኾኑ ናይ ግድን እዩ። እዚ በበይንኻ ምዃን ድማ ኣብ ሕድሕድ እቶም ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጐንጽን ምስሕሓብን ከስዕብ ይኽእል።

ናብዚ ህልዊ ኩነታትና ክንምለስ እንከለና፡ ኤርትራ ናጽነታን ልኡላውነታን ተረጋጊጹ ኣብ ምዕራፍ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት በጺሕና ኣሎና። ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ በቲ ሓደ ወገን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻሩ ድማ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ተሰሊፍና ኣለና። እቲ ኣሰላልፋ ተጻራሪ እዩ። መንቀሊ ናይዚ ተጻራርነት ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ኤርትራዊ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። መሰረታዊ ሸቶ ቃልስና ኣብ ሓደ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባ ክንመጽእ ነይሩ። እንተኾነ ጭቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ናብቲ ሓቀኛ ድሌትን ባህግን ኤርትራን ህዝባን ዘንጸባርቕ ኣተሓሳስባ  ክመጽእ ዘሎ ዕድል ዕጽዊ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ስለዚ እቲ ፍታሕ ነዚ ነብሱ ሓኺኹ ክቕየር ቅሩብ ዘይኮነ ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ምውጋዱ መተካእታ ዘየብሉ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ኣካይዳ ህግደፍ ብዕምቆት ክንርእዮ እንከለና፡ ኣብቲ ዝተሰግረን ኣካል ታሪኽ ኮይኑ ክዕቀብ ዝነበሮ፡ ኣተሓሳስባ እዩ ተሸኺሉ ዘሎ።

ንሕና እቶም ድሕረ-ባይታና ብዘየገድስ ሎሚ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ተሰሊፍና ዘለና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ  ብልጫ ክንውንን፡ ነዚ ዘብቅዕ ካብ ናይቲ ጉጅለ ዝያዳ ናብቲ ናይ ህዝቢ ትጽቢት ዝቐረበ ሓድሽ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ናይ ግድን እዩ። ሓድሽነት ናይቲ ክንውንኖ ዝግበኣና ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ሕድገት፡ ምጽውዋር፡ ክትስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ክትሰምዕ’ውን ቅሩብ ምዃን፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣካል ፍታሕ ናይዚ ተገቲሩ ዘሎ ጸገም ምዃን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህልዊ ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ብክፉት ልቦና ብዝሰምዕ ልቦና፡ ብተግባር ክንጸባረቕ ይግበኦ።

ነፍሲ ውከፍና ብውዱብ ድዩ ብዘይውዱብ ኣገባብ ክዕወተልና እንደልዮ ባህጊ ኣለና። በዚ መሰረት፡ መጻኢት ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ተወጊዱ፡ ዘተኣማምን  ደሞክራሲ ሰላምን ልምዓትን ዝሰፈና፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈሎ ዋጋ ዓስቢ ዝረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር ምዃኑ ኣብ በበይኑ መድረኻት ከነንጸባርቖ ጸኒሕና ኢና። እዚ ከካብ ነብስና ነቒልና ንግብራውነቱ ኣስተዋጸኦ ተዘየበርኪትናሉ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ጥርጥር የብሉን። ስለዚ ነዚ ባህግዚ ንምትግባር፡ ዓቕምና እንታይ’ዩ? ብዘለና ዓቕሚ ከነበርክትከ ክሳብ ክንደይ ድልዋት ኣለና? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ነብስና ክንሓክኽ እዋናዊ ጠለብን ግደታን እዩ።

ክብርን ዝኽርን ንኤርትራውያን ሰማእታት

Last modified on Thursday, 26 May 2016 18:48