ሃገርን ስርዓትን ኣይደዋወስ

2016-06-25 08:33:07 Written by  ድራር ማንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3374 times

ስርዓታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተኻኻኡ እዮም። ህዝብን መሬትን ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ቦትኦም እምበር ኣይለቁን እዮም። ነቶም ዘይነበርቲ ስርዓታት ዝቐያይሮም እቲ ነባሪ ህዝቢ እምበር ካልእ ሓይሊ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቶም እናተተኻኽኡ ዝመጹ ስርዓታት ኣመጻጸኣኦም ብዘየገድስ ንስልጣኖም ክድርትን ካብ ስልጣኖም ከውርድን ናቱ ግቡእን ሓላፍነትን እዩ።

ህዝቢ ሓቢሩ ንረብሓኡን ንግዝኣተ ሕግን ክከላኸል እቲ ብውሽጡ ዝሓስቦን ምስቲ ኣብ ነንሓድሕዱ ዘለዎ ዝምድና፡ ቅርበትን ምትእስሳርን እዩ ዝውስኖ። እዚ ማለት ተኸባቢርካን ተሓባቢርካን ምንባር ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ዝውንን ዘይውንን ንውልቀ ሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝህቦ ፍረ በበይኑ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ብእንጎዓዞ ዘለና መንገዲ፥ ነቲ ንኹልና ዘናብር ናይ ሓባር ሓሳብ ክንውንን ኣይበቓዕናን ዘሎና። ሃገርን ስርዓትን ብሓንሳብ ሓዋዊስና ከነኺዶ እንጽዕሮ ከኣ ኣብ ደልሃመት እዩ ዝነቚተና ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሃገራዊ መንነትና እውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ። ከመይሲ ስርዓታት ማዕረ ሃገር ስለ ዘይኮኑ፥ ሃገርን ስርዓታትን ፈሊና ክንጥምት ዘይምኽኣልና ጸገም እዩ። እዚ ማለት ሃገር ልዕሊ ስርዓታት፥ ስርዓታት ከኣ ትሕቲ ሃገር ምዃኖም ክንግንዘብ ኣድላዪነት ኣለዎ።

ብሓጺሩ “ንሃገሩ ዘየኽብር ኣይነብር፥ ንህዝቡ ዘየፍቅር ኣይከብር” እዩ እሞ፥ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ምዃና ምስ መልክዕን ኣገባብን ምሕደራ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። እዚ ማለት እቲ ስርዓት ጨቋኒ ዲዩ ኣይኮነን ካልእ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ኩሉ ግዜ ልዕሊ እቲ ምሕደራ እያ። እቲ ህዝቢ እንተ ጠዓሞ ሃገር ክትህሉ እንተ ሓሰሞ ከኣ ሃገር ክትድምሰስ ዝብል ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ይጥዓሞ ይሕሰሞ ነታ ሃገር ብኹለንትናኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕብሕባ እዩ ዝግባእ። ንኣብነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ተኸታተልቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ከም ሃገር ነይራ፡ ኣላ፡ ንመጻኢ’ውን ክትህሉ እያ። ህዝቢ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ምሕደራ ሓሲሙኒ ኢሉ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ስቕ ኣይበለን። ኣብ ክንድኡ ንሃገሩ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ናጻ ኣውጺእዋ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ ቅኑዕ ምሕደራ ኣይረኸበትን። ሃገርና ቅኑዕ ምሕደራ ሰለዘይረኸበት ግና እቲ ዘይቅኑዕ ምሕደራን ሃገርነትን ብሓደ ይደምሰሱ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። እታ ሃገር ከም ሃገር ናይ ኩልና ስለ ዝኾነት ካብ ዝኾነ ይኹን ክነናግፋ እምበር ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለዘላ፡ ቀዳምነታት ከይንሰርዕ ክንብል ሃገርን ምሕደራን ክንደዋውስ ኣይግባእን። በቲ ሓደ ወገን ሃገር ካብ ኢድና ከይትመልቈና እናሓለና በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ጅሆ ሒዝዋ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድና ከነናግፋ መሰረታዊ ግቡእና እዩ።

ነዚ ክንበቅዕ እቲ ብሃይማኖት፥ ብዓሌት ወይ ብብሄር ተፈላሊና፡ ንሃገር ብማዕረ ስርዓት ክንጥምት ዘይኮነስ ቀዳምነት ንሃገር ክንሰርዕ ከም ዝግበኣና ኣይንረስዕ። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ክውገድ ናይ ኩላትና ድሌት ኮይኑ፡ ንምውጋዱ ከኣ ናትና ዕዮ ገዛ እዩ። ሃገር ምሕላው ማለት ካብ ናይ ውሽጢ ኮነ ናይ ግዳም ተጻባኢ ምዕቃብ ማለት እዩ። ሃገር ምዕቃብ ማለት ምስቲ ሃገር ንዕኡ ጥራይ ከም ትብጽሖ ገይሩ ሓስብ ስርዓት ምድንጋጽ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ጉዳይ ሃገር ቀዳማይ ክስራዕ ግድን ስለ ዝኾነ። ነቲ ዝብድላ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝጸላክዎ ሃገረይውን ምስኡ ትለከም ምባል፡ ግጉይ ኣተሓስሳባ እዩ። ጉዳይ ህልውና ሃገር ሓንሳብ ካብ ኢድካ እንተወጺኡ ምምላሱ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ምናልባት’ውን ዘይከኣል ስለ ዝኸውን ከሎ ጌና ጥንቃቐ የድልዮ። ካብዚ ሓሊፉ ሃገርን ስርዓትን ባዕሎም ይፈልጡ ኢልካ ምርጣጥ እሞ ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛን ካብ ኣተሓሳስባ ኩሉ ክወጽእ ዝግበኦን እዩ።

ንሃገርን ስርዓታትን ከም ሓደ ኣካል ገርካ ንምርኣይ ዝወሃብ ግጉይ ሓበረታ፡ ውሉድ ወለዶ ንሃገሩ ከይከላኽልን ኣብ ነንሓድሕዱ ብሃገር ደረጃ ከይሓስብ ዝገብር ስለ ዝኾነ ከሎ ጋና ክንሓስበሉ የድሊ። ካብዚ ነቒልና ኣብ ጉዳይ ሃገር ነንሓድሕድና ንደላለ ምዃና ክንኣምንን ክንቅበልን ድማ ግድን’ዩ። እዚ ምስ እንገብር ከኣ እያ ሃገርና ካብ ዝኾነይኹን ወጻዒ ስርዓት ብሃገራዊ ስምዒትን ምዕቡል ኣተሓሳስባናን ኣቢልና ንህዝቢ ዘኽብርን ዝምእዘዝን ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ንስርዓት ስለ ዝጸላእና ንምልጋሱ ናትና ዕዮ ገዛ ምዃኑ ዘንጊዒና ብዝኾነይኹን መንገዲ የልግሰልና ጥራሕ ኢልና ምጉዓዝ ንህልውናናን ክብርናን ዘማህምን እዩ ዝኸውን።

ድራር ማንታይ

Last modified on Saturday, 25 June 2016 10:44