ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ብዓወት ተዛዚሙ።
2016-04-05 02:22:25 Written by Information Office Europe Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2202 timesብዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ ናይ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሃገር ሽወደን ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሽወደን ዝመጹ ማለት፡ ካብ ስቶኮልም ኡፕሳላ ዮተቦርግ ዮንሾፒን ዝተሳተፍዎ ን5ይ ጊዜኡ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተካይዱ። ዓመታዊ ጉባኤ ብኣደ ወንበር ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ብናይ ደሓን መጻእኩ ሰላምታ ከፊታ ብምቅጻል ጽማቅ ዝተተግበሩ ንጥፈታት ጠቂሳ ብሓቂ ብኣባላት ማሕበርን ብርህሩሃት ሃገራውያን ዝተገብረ ወፈያይት ገንዘብ ብምትንካፍ ልዑል ምስጋና ኣቅሪባ፡ ብምሉኡ ዝተወፈየ ከኣ ኣብ ኢዶም ከም ዝበጽሔን ኣብ ጥቅሚ ኣገልግለቶምን ከም ዝወዓለ ብብሩህ ብሓቂ ዘሔብብንን ዘተባብዕን ምዃኑ ሓቢራ። ቀጺሉ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር ኣብ ዓመት 2015 ብኣባልነትን ወፈያታትን ዝኣተወ ገንዘብ ብጽሑፍ ንኩሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ዓዲሉ፡ ብዝርዝር ናብኦም ንዓመታዊ ባጀቶም ብጨንፈር ዝለኣኾን ተረፍ ዘሎ ህልዊ ገንዘብን ብብሩህ ሓቢሩ። ድሕሪኡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብንጥፈታትን ተሳታፍነት ህዝብናን ዋላ እኳ ዝምስገን እንተኾነ ጌና ቀጻልን ብዝሰፍሔ ኣገባብ ክምዕብል ናይ ኩልና ሓላፍነት ምዃኑ ተራዲኦም ብልዙብ ሰናይ ኣገልግሎት መሕቲ ጨንፈር ኣመስጊኖም ብሃነጽቲ ለወባታት ንጸብጻብ ሽማገለ ኣርጊኤሞ። ቀጺሉ ጉባኤ ንዓመተ 2016 እትመርሕ ሽማገለ ብሙሉእ ድምጺ እታ ዝነበረት ሽማገለ በቲ ምስጉንን ጽፉፍ ኣመራርሓኣ ማለት ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ኣደ ወንበር ሓው ረዘነ ተኽለ ዋና ጸሓፊ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ተሓዝ ክትቅጽል ተሳማሚዖም ንዓመተ 2017 ከኣ ሓጻይት ሽማገለ መሪጾም ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም። ብድሕሪኡ ብሓብትና ይርጋኣለም ተከስተ ብተወፋይነት ብገንዘባ(ልዕሊ 800:-) ዘዳለዎቶ ናይ ጾም ስዕረት ሙዑዝ መግቢ ድራር ቡን ሻህን ሙሉእ ኣባል ጉባኤ ተኣንጊዱ ኣምሰየ።