መግለጺ ሓዘን
2016-04-11 14:24:09 Written by በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2059 timesበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ልወጢ ነቲ ብሰንበት ሚያዝያ 3 2016 ኣብ ሕንብርቲ ከተማ ኣስመራ ዘጋጠመ ባርባራዊ ቅዝፈት መንእሰያትና ዝተሰማዓና መሪር ሐዘን እናገለጽና ንቤተሰብ ግዳያት ጽንዓት ይሃብ ንብል። በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስቃይ እቲ ኣብ ማእከል ስርዓት ህግደፍ ኾይኑ ሐሳረ መከርኡ ዝሪኢ ዘሎ ህዝብና ንከብቅዕን ኩሉቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ኣረሜናዊ ግፍዕታትን ካብ ምቅላዕን ምቁዋምን ሐንቲ ካሊእት’ውን ትኹን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣረሜናዊ ፍጻሜ ሐዘና ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኾነስ ንህዝብና መጸዋዕታና እነቕርበሉ ሰዓት እውን’ዩ።
ኦ- ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡
እዚ ሎሚ ኣጋጢምካ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ መቀጸልታ ናይቶም ፍርቂ ኣካላቶም ኣብ በርካታት ኤርትራ ቀቢሮም ዝኣተዉ ሐርበኛታት ስንኩልላን ማይሓባር ዝተፍጸመ’ዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ መቀጸልታ ነቲ ንሱ ባዕሉ ብስዉር ዝወለዖ ወራር ዓደቦኦም ከይድፈር ጅግንነት ዝፍጸሙ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ እስርቤት ዓዲ ኣቤቶ ብደ ርዘናት ዝፈጸሞ መቅዝፍቲ’ዩ ። ሎሚ ድማ ስጋብ ክንደይ ንጽንተትካ ተበጊሱ ምህላዉ የዓሪካ ክትፈልጦ መሬትካ’በር ንስካ ከምዘይ ተድልዮ ይነግረካ ምህላዉ ከተስተውዕል ይግባኣካ።እሞከደኣ ስቅታካ ክሳብ መኣስዩ። እዚ ሕሱም ኣረሜናዊ ስርዓት’ዚ ዳስ ሐዘን’በር ዳስ መርዓ ወይ ሓጎስ ክትተክል ዘይምነየልካ፡ ውሉዳትካ ካብ ቅድሚ ዓይንካ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡን ኣደዳ ባሕርን ሸየጥቲ ደቂ-ሰባትን ክኾኑ ንስካ ድማ መዓልታዊ ተቀባሊ መርድእ ኾንካ ክትነብር፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝትረፉ’ውን እንተኾነ ዕደመ ንእስነቶም ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ቆሪኑ ጸልማት መጻኢ ሂወት ክሕልፉን ነዚ መሪርዎም እንተ ተቃወሙ ድማ ከምዚ ኣብ ቕድሚ ዓይንካ ዝረኣካዮ ብዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ግፍዒ ብጥይት ክቅለዉ ዝገብር ዘሎ ደመኛካ ሕሱር ስር ዓት ዓይንካ ከፊትካ ብትብዓት እትምክተሉ ሰዓት ሕጂዩ።
ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቅታካ ከምዚ እንተ-ቀጺሉ ስቓይካ ክቅጽል ጥራሕ ዘይኾነስ ህላዌካ ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱውን’ዩ። ውሉዳትካ ሲኢካ ከይኣክል ነታ ብፍርቂ ከብድኻ እናሓድርካ ተዓምጺጽካ እትሓድረላን መርድእ ወሉዳትካ ተዓጺኻ እትነብዓላን ጎጆካ ብዶዞራት ኣፍሪሱ ኣብ ኣሳሓይታን ንፋስን ተቃሊዕካ ኣደዳ ዘይፍወስ ሕማማትን ሞትን ክትቃላዕ ጌርካን ጌና’ውን ይቅጽል ኣሎ። እሞከዳኣ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ነባሪ ህዝቢ’በር ነባሪ ስርዓት ከምዘየለ፡ ቃልሲ ውጽዓት አንጻር ጨፍለቕቲ ስርዓታት ድማ ኩሉ ግዜ ከምዝዕወት ኣሚንካ ንመሰልካ እትለዓለሉ ግዜ ሎምን ሕጅን ጥራሕ’ዩሞ ንመሰልካን ክብርኻን ተለዓል።
መጸዋዕታ፣ ንደገፍትን ተደናግጽትን ስርዓት ህግደፍ፡
ስቃይን መክራን ፣ሞትን ብርሰትን ህዝብኹም እናራኣኩም ከምዘይ ራኣኩም፡ እናሰማዕኩም ከምዘይ ሰማዕኩም ንህዝብኹም ክትብድሉን ከተንብዑን ጸኒሕኩምን ገና’ውን አለኹም። እዚ ኣብ ታሪክ ህዝብኹም ዘይድምሰስ ኣበሳ በቲ ንሱኹም እታኣምንሉን እተሳስይዎን ስርዓት መንእሰያት የሕዋትኩም ክጸንቱ፡ ሃገር ክትበርስ፡ የዒንቲ ኣደታትኩም ብንብዓት ሓዘን ክዓውር ፡ ስንኩላን ሓርበኛታትኩም ብመንግስቶም ክርሸኑ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ሐርበኛታት የሕዋትኩምን ኣያታትኩምን ኣብ እስርቤት ብዘይ ፍርዲ ክሞቱን ክሳቐዩን እናራኣኹም ብውሽጥኹም እቲ ሐቂ እናበልዓኩም ንግዚያዊ ረብሓኹም ክትብሉ ብህዝብን ሃገርን ትጻወቱ ምህላውኩም ተገንዚብኩም ኣብ ጎኒ ውጽዕ ህዝብኹም ደው ክትብሉን፤ ዝተረፈ ህዝብኹም ካብ መከራን ስቃይን ክድሕን፡ ነዚ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ተጠቂምኩም ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ክትኩኑኑን መጸዋዕታ ካብ ውጹዕ ህዝብኹም ይቐርበልኩም ኣሎ።
እታ ክትጸንትን ክትበርስን ዓይንኩም ዓሚትኩም እተጥፍእዋ ዘለኹም ሃገር ምስየናይ ወሎዶ ክትነብሩላ ኢኹም ትሓልሙ ዘለኹም። ዘፍርን ዝወልድን መንእሰይ ንክጸንት ትፈርድዎ ከም ዘለኹም ይስቆረኩ’ድዩ። ስለዚ ነታ ሕጂ ብዋጋ ህዝብኹም እተውደኽድኹላ ዘለኩም ሃገር ጽባሕ ናይቶም ስቓይን መከራን ዘሕልፉ ዘለዉ ዜጋታት ደቃ ምካና ኣይትዘንግዑ። ሰለምንታይሲ ነባሪ ህዝቢ’በር ነባር ስርዓት ሰለዘየለ። እምባኣር ነዚ ሓቂ’ዚ ተረዲእኩም ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ዳግም ህጹጽ መጸዋዕታ ይቀርበልኩም ኣሎ።
እንቢ ንምልኪ!!
እወ ንልዕልና ሕጊ!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሚያዝያ 7 2016