„ድላይካ እንተዘዛርቡኻ‘ሞ ብዘይዕዳ እንተዝሰዱኻ“

2016-02-03 23:57:30 Written by  ብዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2088 times

እቶም ለባማት ወለድና፡ ነዚ ከም ኣርእቲ መሪጸዮ ዘለኹ፡ ክምስሉ ከለዉ ወዲ ሰብ ክሰግሮ ዘየብሉ ቀይሕ መስመር (ሕጊ) ከም ዘሎ ንምምልካት‘ዩ። እዚ ደረት‘ዚ እንተዘይህሉን እንተዘይትግበርን ድማ ሰብ ካብ ሰብኣዊ ስነምግባር ዘለዎ ፍጡር ሓሊፉ፤ ኣብ ደረጃ እንስሳ ከይወርድ ውሕስነት ኣይምሃለወን። ኣብ‘ዚ ሎሚ፡ ዓለም ብዘበናዊ መራኸቢ (ተክኖሎጂ) ተወንጪፋትሉ ዘላ እዋን፡ ዝኸይድ ዘሎ ብመሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዝተጎልበበ ፍኑው ኣካይዳ እምበኣር፡ እዚ መሃሪ ምስላ‘ዚ ክሳብ ክንደይ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ብህይወት ዘርከብናሉ ምእዙዝነት ህዝብና ንሕጊ ህያው ምስክር‘ዩ። እዚ ከኣ፡ ንኩነታት ብመንጽር ሕጋውን ማሕበራውን ረብሓ እናመዘኑ ስለ ዝርእይዎን ዝውስኑዎን፡ ደረት ሕጊ ከይሰገሩ ብቕንዕናን ብዘይኣድልዎን ሕድሕድ እናተኸባበሩን፡ ንህሉውን መጻእን ግዜ ብሓባር ዘገልግል እናሓንጸጹን እናተመርሑን፡ ውሽጣዊ ሓድነቶም ኣጽኒዖም ዘይተቖራረጸት ሃገርን ሃገራዊ ኒሕን ኣጽኒሖሙልና እዮም።

ኣብቲ እዋን‘ቲ፡ እዚ ሎሚ ዝቀላቐል ዘሎ መሰረታዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ዝፈላለ ሓሳባት እንተዝነብር ኔሩ፡ ሓንቲ ሓድነታት ዝደልደለ፡ ኤርትራ ጸኒሓትናስ ብሓባር ተቓሊስናን ንኹሉ ተጻብኦ ተጻዊርናን ናጻነት ከነረጋግጽ ኣይምኸኣልናን። እዚ ውርሻዚ ከኣ ብግቡእ ተዓቂቡን ተሰኒዱን ንወለዶታት ክመሓላለፍ ዝግብኦ ክቡር ሕላገት ብቕዓትን ጽንዓትን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ። እዚ ዝፈጠሮ ድልዱል ሃገራዊ ሓድነትን ኒሕን ከኣ‘ዩ ምስጢር ሓያልን ዝተሓላለኸን ብድሆታት ፈንጢስና ክንዕወት ዘኽኣለና። ካብዚ ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ‘ዚ ነቒልና ኢና ከኣ፡ ንመዋእል ናይ‘ዚ ድሕሪ ናጻነት ርብዒ ዘበን ሃገርናን ህዝብናን ዘለውዎን ሃለዋት መፍትሒኡን ዝብል ባሕረ-ሓሳብ ክንድህስስ ዘገድደና።

 

ሃለዋት ህዝብና ባዕሉ ዝዛረብ ዓለም ብዓለማ እተንብቦ ዘላ ማዳ ስቅያትን መወዳድርቲ ዘየብሉ ባርነትን ምዃኑ ንምሕባር እምበር፡ ኣብ ዝርዝራቱ ምእታው ንዝቐበረ ምርዳእ ስለ ዝኸውን፡ ኣወንዚፈዮ ብምሕላፍ ናብ ኣታሃላልዋን ተራን ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መስርሕ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ለውጢ ከተኩር እየ። ሃገርና ነጻ ኮይና ግን ከኣ ብሕልና ኣልቦ ውልቀ-ሰባት ተመሪሓ ኣብ ሓደጋ ካብ ትጎዓዝን፡ ነዚ ዝተረድኡ ውሑዳት ዜጋታት ዓገብ እናበሉ ከጠንቅቑ ካብ ዝጅምሩን እንሆ 25 ዓመታት ኮይኑ። እዚ መዋእል‘ዚ ብቕኑዕ ኣተሓሳስባ ተወዲኑ እንተዝስርሓሉ፡ ርኡይ ውጽኢት ዝህብ ምዃኑ ነታ ድሕሪ ናጻ ምዃና ካብ ዜሮ ተበጊሳ ኣብ ውሽጢ 30 ዘይመልእ ዓመታት ማዕረተን ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ክትስራዕ ዝኸኣለት ሲንጋፖር ምጥቃስ ጥራሕ እኹል ኣብነት‘ዩ።

 

ናይ ሎሚ ቀንዲ መዛረቢና ግን፡ ምዕብልና ዘይኮነ ህይወት ናይ ምድሓንን ሃገር ከም ሃገር ብኸመይ ከምእትህሉን ምርኣይ ዝዓለመ‘ዩ። እዚ ከኣ ብቐጥታ፡ ኣተሃላልዋን ኣሰራርሓን ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ክንፍትሽ ዝድርኸናን፡ ክሳብ ሕጂ መድሕን ክንኮነሉ ዘየኽኣለና መሰናኽላት ኣለሊና ክንኣልን፡ ማዕረ‘ቲ ህዝብና ዝደልዮን ዝጽበዮን ዘሎ መድሓኒ ሓይሊ ክንከውን ሓላፍነት የሰክመና።

 

ኣብዚ ብዙሕ ድኻም ዘየድልዮ ጉዕዞ ናይ ዘይምዕዋትና ምኽንያት፡ ናይ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ሓድነት ዘይምህላው ምዃኑ፡ ዘይንፈላለየሉ ሓቂ‘ዩ። ነዚ ሕማም‘ዚ ንምፍዋስ ድማ ምልዛብ ወይ ምዝታይ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ ምዃኑ ምእማንና ኣብ ዘመላኽቱ ጉዳያት ንላዘብን ንመኻኸን ዝብሉ ሓሳባት ይቀላቐሉን ይስረሓሎምን ምህላዉ ንዕዘቦ ዘሎና መስርሕ‘ዩ። እታ እንፍተነላ ናይ ነብሲ ምድሓን ብቕዓትን ዓቕምን መዐቀኒ ሃገራዊ ሓልዮትን ቅኑዕ ድልየት ሰላም ዝሰፈና ዲሞክራስያዊትን፡ መሰልን ክብርን ዜጋታታ ዝሓለወትን ኤርትራ ናይ ምርግጋጽ እዋን ከኣ ሕጂ እያ። ስለዝኾነ ነዚ በሲሉ ዘሎ ናይ ለውጢ እዋን ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምቕያሩ ቅኑዕ መሪሕ ጎደና ክንክተል ዕዙዝ ኣድላይነት ኣለዎ እብል።

ዝመረጽናዮ ጎደና ዕዉት ንክኸውን ክንክተሎም ካብ ዝግበኣና ከኣ፡

1 - ሓይሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ድኹም ጎድኑን ምልላይ፤

2 - ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጨቋኒ ስርዓት ዘሎና ፍልልይ ምልላይ፤

3 - በቶም ሓባራዊ መረዳእታ ዝተበጽሓሎም ብሓደ እናሰራሕካ፡ ነቶም ነጥበ-ፍልልያት ከኣ በብመዓልቶም እናተራኸብካ ምጽባብ፤

4 - ብመሰረት ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ ብሓባር ዘስርሓካ ቅዋምን ንዕኡ ዘማእክል ሓባራዊ መሪሕነትን ብምቛም ኩሉ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ምውፋር፤

5 - ዝተሰማማዕካሉ ቅዋምን መደብ-ዕዮን ኣብ ህዝቢ ብምውራድ ኣብ ትግባረኡ ንክሳተፍ ንክከታተልን ዕድል ምሃብ፤ ዝብሉ ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ብርግጽ እዚኦምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ዝርዝራትን ዳርጋ ብኹሎም ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራት፡ ምሁራትን ለባማትን ዜጋታት ኤርትራ ተጻሒፍሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝተዘርበሎም ሓሳባት ኣዮም። እንተኾነ ብተግባር ስለ ዘይተሰርሓሎም ወይ ድማ መተካእታ ስለ ዘይተረኽበሎም ደጋጊምና ክንዛረበሎምን ክንደፍኣሎምን ሃገራዊ ግዴታና እዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ውጽኢታዊ ንምግባሩ ከኣ ቀንዲ ተደላይነት ዘለዎ መስርሕ ምዝታይን ምክብባርን ብኸምዚ መንገዲ ምሓዙ ኣገዳሲ ኮይኑ እስመዓኒ።

1 - ኣብ እዋን ፍልልይ ዘዋህለልናዮም ሃሰይቲ በሰላታትን ቅርሕንትን ኣብ ቦታ ዘተ ኣምጺእካ ካብ ምድብላቕ ነጻ ምዃን፤

2 - ካብ ኩሎም ንልዝብ ዝዕንቅፉ ተዋጋእቲ ቃላት ነጻ ምዃን፤

3 - ንደቂ ሰባት ብዝጸንሖም መርገጽ፡ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣመኽኒኻ ሃናጺ ሓሳባቶም ከቕርቡ ዘይምድራት (ዘይምግላል)፤

4 - ንልዝብ ዝበቅዕን ኣብ ፍታሕ ዝሕግዝን ሓሳባት ብቕንዕናን ብግሉጽነትን ከተቕርብ ምፍታን፤

5 - ንልዝብ ዝኸውን ህዱእ መንፈስ፡ ዝሰምዕን ዘስምዕን ሕልናን ሒዝካ ምቕራብ፤

6 - ኣብ ልዝብ ንዝቐርቡ ሓሳባት ብደረጃ ሓባራዊ ኣገዳስነቶምን ኣድላይነቶምን እምበር ብደረጃ ዘቕርቡዎም ሰባትን ዝቐርብሉ ቦታን ዘይምዕቃን፤

7 - ልዕሊ ኩሉ ከኣ መንፈስ ምክብባርን ምጽውዋርን ብጥንቃቐ ምዝውታር፤

በዚ መንገዲ እዚ ዝተመርሐ ልዝብ ንኹሉ ዝሓቁፍ ውጽኢት ከም ዝርከቦ ባይቶ ወለድናን ፍርያቱ ሕግታት እንዳባን ስኑዳት ምስክር እዮም። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከይጠቐስኩዎም ክሓልፍ ዘይደሊ ነጥብታት ከኣ ፡-

1 - እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ክቐርብ ዝስማዕ ንመንፈስ ዘተ ዘይሕግዝ ኣበሃህላታት፡ ቦትኡ ዝሰሓተን ምስ ድሌታትን ባህግታትን ህዝብና ዘይቃዶን ስለ ዝኾነ ከእረምን፡ ብጠቓምን ቅርሕንቲ ዘወገደን መንፈስ ክቐርብ ክቐርብ ይግባእ።

2 - እቲ ኣብ ውልቀ-ሰባት ዘቕንዐ ምስቲ ንዓመታት ዝተሳቐናሉን ገና መዓልቦ ዘይተገብረሉን ጸገማትና ኣመልኪትካ ዝግበር ዘሎ ክሲ መሰል ጸለመ፡ ኣብቲ ዝበሃል ዘሎ መን በደለኛ መንከ ንጹህ እንማጎተሉ ህዝቢ ዘሳትፍ መድረኽ ክሳብ ንበጽሕ ክውንዘፍ ንኹልና ዘርብሕ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ስለዚ እየ ድማ ነታ „ድላይካ እንተዘዛርቡኻ‘ሞ ብዘይ ዕዳ እንተዝሰዱኻ“ እትብል ምሳልያዊ ሓሳብ ናይ ጽሑፈይ ኣርእስቲ ክትከውን መሪጸያ ዘለኹ። ኣቦታትና ነዛ ምስላ ዘዘውተርዋ ድላዮም ክዛረቡ ደልዮም ዘይኮነስ፡ ብዘይገደብ ድላይካ ምዝራብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ንምምልካት እዮም።

3 - ሓደ ሰብ ብዝኾነ ምኽንያት ተኸሲሱ ብመርትዖ ተረጋጊጹ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ዘይተወሰነ፡ ገበነኛ ኣይኮነን ዝብል ኣድማሳዊ ሕጊ ምጥሓስ ዘሕትት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን እብል።

ንምዃኑ ንሓፈሻዊ ሃለዋት ሃገርናን ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋናን ብሓደ ወገን፡ ፍታሕ ዝደሊ ረማሲ ኩነታትና ከኣ ብኻልእ ወገን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መስርሕ ልዝብ ብታሕቲ ይኹን ብላዕሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ኤውሮጳ ዋላ‘ውን ኣፍሪቃን ኣውስትራልያን ዝተጀመረ ልዝብ ንሃገራዊ ሓድነትን ሓባራዊ ኣሰራርሓ ደንበ ደለይቲ ፍትሕን ክሳብ ዝዓለመን ዝሓገዘን ብኣሉታ ምምልካቱ ንረብሓ መን?

ዝተፈለላዩ ሓሳባት ካብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ቦታታትን ከም ዝምንጩ ስለ ዝኣምን እኩብ ድምር ናይቶም ኣበየ ቦታኡ ዝካየዱ ንምፍታሕ ሽግርና ዝጠቕሙ ሓሳባት ኣኪብካ፡ ደሚርካን ጸሚቝካን ንሕማምና መድሓኒት ዝኸውን ፍረ ክህቡ ስለ ዝኽእሉ ብደረጃ‘ቲ ህዝብና ዝጠልቦ ዘሎ ናይ ምድሓን ሕቶ፡ በሪኽና ክንጥምቶን ክንሰርሓሉን ብኣትኩሮ ክንሕልዎን እምበር ክንዕንቅፎ ኣይግበኣናን።

 

 

ብዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

02 የካቲት 2016

Last modified on Thursday, 04 February 2016 01:13