ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ

2015-12-10 21:49:26 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 6196 times

ቀዳማይ ክፋል

ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕብን ስራሓቱን ቅያኡን ምእንቲ ድሕነት ሃገሩ ዝሰርሖ ታሪኽ ዘይርሳዕ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ነባርን ህያውን ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ዘሎናዮ ህሞት እናተወራረሰ ክመጽእ ዝጸንሐን ዘሎን ዝቕጽል እዩ። ይኹን እምበር ኣብ መስርሕ ናይ ሓደ ታሪኽ ኩሉ ግዜ ብዘይመንቅብ ዝፍጸም እዩ ኢልካ ዝግመት ወይ ዝድምደም ኣይኮነን።

ታሪኽ ብደቂ ሰባት ከም ዝስራሕ ኩልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ከኣ እዩ ደቂ ሰባት ብሓባር ዝፍተንሉን ተፈቲኖም ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ዘጥረይሉን ምእንቲ ሃገሮም ሓባራዊ ስራሓት ዝሰርሕሉን። ኤርትራ ሃገርና ከኣ ናይ ዚታሪኽ ውጽኢት ክትከውን በቒዓ እያ። ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዘመናት ቃልሲ ኤርትራውያን ሓድነቶም ኣዕቊቦም ዝተጓዓዝዎ ጉዕዞ እምበር በበይኖም ኰይኖም ዝፈጸምዎ ታሪኽ የለን። እዚ ታሪኽ እዚ ከኣ እዩ ሕገት ወይ መለለዪ ሃገራውነትና።

ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ንቡዙሕ ዓመታት ምእንቲ ክብሩ መሰሉን ሃገራዊ ናጽነቱን ክብል ተቓሊሱ እዩ። ንመከራን መግዛእታዊ ጭቈናን ከኣ ካብ መሬቱ ሓግሒጉ ንኽውጽእ ዝገበሮ ቃልስን ዝኸፈሎ ዋጋ ብዝኾነይኹን ዝትመን ወይ ዝዕቀን ኣይኮነን። ከምኡ እውን እቲ ዝተፈጸመን ዝተሰርሐን ስራሓት ኣቆናጺብካ ዝረአ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ናይቲ ኹሉ ዘሕለ ሽግርን ጸበባን ክሳብ ሕጂ ጌና ዋላ ናጽነት ረኺቡ እንከሎ ቅሳነት ኣይረኸበን ዘሎ። ምስ እዚ ኹሉ ግን እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ብኸመይ ተደምዲሙ ምርኣይ ተደላዪነት ዘለዎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዓወት ናይቲ ዘንቀዶ ሰውራ ከም ዝተዛዘመ ንኹልና ብሩህ እዩ። እቲ ሰውራ ዘይምፍሻሉ ከኣ ውጽኢት ናይቲ ዝተሰርሐ ታሪኽ እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ሰውራ ኤርትራ ክጅመር እንከሎ መሰረቱ ካብቲ ኣብ ኣርባዓታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝነቅል እዩ። ኣብ ኣርባዓታት ገለ ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ዝብልን ገለ ድማ የለን ናጽነት ኤርትራ’ባ ኣብ ዝብል ተኸፋፊልሉ ዝነበረ ኩነት እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ሰውራ ናቱ ኣሰራትን ጽልዋን ክህልዎ ናይ ግድን ነይሩ። ንሱ ድማ እቲ ጠንቂ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ከም ዝኽፈል ንምግባር ዝካየድ ዝነበረ ተንኮል ናይ ሓያላን መንግስታት ምዃኑ ዘይምስትብሃሉ ዘስዓቦ ጸገም ሓደ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ዝደሊ እቲ ሓደ ክፋል ከኣ ናጽነት ዘይደሊ መሲሉ ተመቕለ። እዚ ነቲ ኣብ ክልተ ዝተኽፈለ ርኢቶ፡ እቲ እስላማዊ ሸነኽ ደላይ ናጽነት እቲ ክርስቲያናዊ ሸነኽ ከኣ ጸረ ናጽነት መሲሉ ተጠመተ። ዋላ እኳ ኣባላት ክልቲኡ ሃይማኖታት ኣብ ክልቲኡ ፖለቲካዊ ዝንባሌታት እተነበሩ ናይቲ ምፍልላይ ጠንቂ ከም ናይሃይማኖት ስለ ዝተገምገመ ዘይምትእምማን ፈጢሩ። እቲ ብውሑዳት ዝተጠጀአ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ከም ንመላእ ክርስትያናዊ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውክል ገርካ ምቚጻሩ’ውን ተራእዩ።

ምስ እዚ ኩሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ እቲ ብውሑዳት ሰባት ዝተበገሰ ሰውራ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣሉታዊ ጽልዋ ናጻ ኮይኑ ኣይኮነን ጀሚሩ።እዚ ማለት ካብቲ ኣሉታዊ ሸነኻት ኣይተጸልወን ክንብል ከምዘይንኽእል ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር እቲ ሰውራ ምስቲ ኩሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽግራት ክብገስ እንከሎንሓንቲ ዕላማ እዩ ዝነበረ። ንሱ ከኣ ካብ መግዛእታዊ ግፍዒ፡ መከራን ጭቆናን ንምልቓቕ እዩ። እዚ ግን ምስቲ ዝነበረ ኣሉታዊ ጽልዋታት ንሓደ ኣዋሲንካ ወይ ኣግሊልካ ንኸይጥመት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣይነበሮን። ኮይኑ ግን ሃገራዊ ቃልሲ ከምምዃኑ፥ ምውጋድ ባዕዳዊ ገዛኢ ክበሃል ከሎ፥ ነቲ ቃልሲ መን ጀመሮ ብዘየገድስ ንክርስትያን ወይ ንኣስላም ጥራሕ ተባሂሉ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብቲ ናይ ኣርበዓታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ነዛ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ናብ ህልቂት ንኽትወድቕ ዝገበረ እቲ ክርስቲያናዊ ሸነኽ እዩ ዝብል ስምዒት ግጉይ ጽልዋ ከይሃለዎ ኣይተረፈን። ምኽንያቱ እቲ ክርስትያናዊ ሸነኽ ውን ቁጽሩ ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ ንናጽነት ዝድግፍ ነይሩ እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ግጉይ ኣረዳድኣ፥ ነቲ ሃገራውነት ብመልክዕ ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ምምዛን ንታሪኽ ዘህስስ እዩ። እቲ ዘይምትእምማን ዝፍጠር ግርጭታትን እውን ካብዚ ዝውለድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝፍር ምዕብልና እንተሃለወ። ስለዚ እዛ ሃገር ካብ ባዕዳዊ ገዛኢ ናጻ ትኹን ዝብል ዕላማን ምልክት ሃገራውነት ስለ ዝሓዘ እዩ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ መሰዋእቲ ከፊላ። እቲ ኣሉታዊ ስምብራት ግ ጌና ዝጠፍአ ኣይመስልን። ምስ እዚ ተደማሚሩ ድማ እቲ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ብዓንተቦ ተዘይተኣልዩ እናገፍሐ ክኸይድ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

በዚ ምኽንያት ቲ ሰውራ ብግስ ከይበለ ኣብ ገለ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ስለ ዝተራእየ ናብ ክልተ ውድባት ተመቕለ። እተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ከኣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ኢየን። እብዚ እቲ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ክልተ ኣሕዋት ረጽሚ ዝተራእየሉ ኩነት ተፈጥረ። እዚ እቲ ናይ ፈለማ ብረታዊ ናይ ሕድሕድ ጐንጺ ዝተቐላቐለሉ ኣሉታዊ ምዕራፍ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ሰውራ ምናልባት ብኣዝዩ ዝተጸንዐን ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ፍልልያት ኣልዩ ተበጊሱ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ጐነጽ እቲስ ኣይምተረኽበን ዶኾን ዝብል ሓሳብ ከሕድረልካ ይኽእል።

እቲ ሰውራ እናማዕበለ ኣብ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋን፡ ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ምፍሕፋሓት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ካብ ሃገራዊ መስመር ናብ ውን ዲሞክራሲያውን መስመር ንኽጎዓዝ ዘጋሞ ሓጎጽጎጻት ከኣ ንጹር እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሓት እዚ ዝወዶ ወይእውን ዝፈሮ ነገር እንተልዩ ነቲ ሰውራ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ሐደ ዝሓሸ መድረኽ ምቕያ እዩ። ብኡ መሰረት እውን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዙሕ ኣኼባታትን ጉባኤታትን ተኻይዱ እዩ። እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝግበር ዝነበረ ጉባኤታት ከኣ ነቲ ሰውራ ብክምረሓሉ ዝኽእል ሃገራዊ ሕንጻጻትን መትከላትን በብግዚኡ እናተነጸረን እንዳተመሓየሸን ይጎዓዝ ነይሩ። ኣብዚ ግን ኩሉ ግዜ ደጋፍን ተጻራርን ስለዘሎ ሓደ ሓሳብ ምስ ካልእ ሓሳብ ኣይጋጮን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ግድን እዩ ምግርጫዋትን ምፍልላያትን ከምኡ እውን ኣብ ነንሓድሕድካ ምቅትታልን ምዝልላፍን ከጋጥም። ምኽንያቱ ናይ መን ዓብለለ ወይእውን ናይ መን ስነ-ሓሳብ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዝብል ውድድራት ክረኣዩ ስለ ዝኽእሉ። ምስኡ እውን ተተሓሒዙ ዝኸይድ ኣብ መንጎ ሓዲሽን ኣብ መንጎ ብሉይን ዝፍጠር ካልኣዊ ግርጭት ብግቡእ ናይ ዘይምእላዩ ዝፈጥሮ ጸገም እውንኣሎ።

ሰውራ ኤርትራ ኣብቲ መድረኽ ናይ ማሕበርነትን ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓሳትን ብሰፊሑ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ተስፋሕፊሑ ዝነበረሉ እዋን ዝያድ ፖለቲካዊ ፍልልያት ክረአ ናይ ግድን እዩ። ዕላማ እዚ ፖለቲካዊ ፍልልያት እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ኤርትራን ህዝባን ብኸመይ ዝኣመሰለ ሕጊ ክመሓደርን መንከ እዩ ክመርሖ ኣብ ዝብል ጉዳያት ዘሎ ጥሙሓት ዘምጽኦ ሽግራት ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ ፖለቲካዊ ብስለትን ኣፍልጦን ድሩት ክኸውን ከሎ ከኣ ግርጭታት ይባላሕ። ስለዚ እቲ ሰውራ ክብገስ ከሎ ምስቲ ኩሉ ሽግራቱ ብርግጽ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእታዊ ባርነት ናጻ ንምውጻእ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ተመሊሱ ክጭቁኖን ከጋፍዖን እዩ ዝብል እምነት ፈጺሙ ኣይነበረን።

እቲ ሰውራ ኣሉታ ነይርዎዶእወ መሊኡ፥ ብኣንጻሩኸ እወንታ ነይርዎዶ እወ መሊኡ። ስለዚ እቲ ሰውራ ድኹምን ሓያልን ጎኒ ነይርዎ ኢና ክንብል እንኽእል። ነቲ ድኹም ጎኑ ብኣጋኡ ክፍውሶን መፍትሒ ክገብረሉ ብዘይምኻኣሉ ድማ ካብቲ ዝተጸልዎ ኣሉታ ክወጽእ ስለዘይከኣለ ክፈሓፋሕ ናይ ግድን ነይሩ። እዚ ፍሕፋ እዚ ከኣ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲሽ ዘሰጋግር መድረኽ ዘማበለ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኣካል ናይ ህዝቢ ዓለም ከም ምዃና መጠን በቲ ዓለም ዝሓለፎ መስርሕ ክንጽሎን ብእኡ ክንሓልፍን ናይ ግድን እዩ። ሕማቕን ጽቡቕን፥ ኣሉታን እወንታን ከኣ እናተበራረዩ እዮም ዝጎዓዙ። እንተኾነ እቲ ሰውራ ዝተጓዕዞን ኣብ ጉዕዞኡ ናይ ዘጓነፎ ሽግራት መንቀልን ዝተፈጸሙ ጉድለታትን ከይፈለጥካ ኣይኮነን ዝምዘን። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝተፈጸመ ጌጋታትን ሕጽረታትን ነቒልካ ናይ ሽፍትነት   ተግባር እዩ ነይሩ ኢልካ ክትድምድሞ ፈጺሙ ቅኑዕን ርትዓውን ኣይኮነን። እቲ ክኸውን ዝግበኦ ሚዛናት እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህውን ብስለትን ከምኡ እውን ዘጋጠሙ ፍልልያት ዘይምጽባቦም ኣብ ግምት ብምእታው ዘምጸኦ ጸገም ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ኣሉታታትን ድሒሩ እውን ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተፈጸመ ጌጋታትን እቲ መንእሰይ ክመሃረሉ ደኣ እምበር ቅርሕንትን ጽልእን ወሪሱ ንኽፈርድ ምድፍፍኡ ኣይግባእን። እዚ ከኣ እዩ ነቲ ታሪኽ ዘባላሹ። ካብዚ ነቒሉ እቲ መንእሰይ ኣብቲ ዝተፈጸመ ብዙሕ ዓመታት ዘወሰደ ጌጋታት ይኹን ጉድለታት ምንባርን ብኡ ኣቢሉ ፍርዲ ክህብን ነቲ ታሪኽ ዝንቡዕ እዩ ገብሮ።

ሽፍትነትን ኣብ ኣመሓዳድራ ዝመጽእ ሽግራትን ፈላሊና ክንርእዮ ከድሊ እዩ። ኣብ ዓለም ክንደይ ግፍዕን መከራን ዘይተፈጸመ። ንኣብነት ብሰንኪ ኢዲኣሚን ዳዳ ኣብ ኡጋንዳ፥ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ማአላይ ኣፍሪቃ፥ ኮታ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ዲክታቶርነት ብግሁድን ስውርን ዝሃለቐ ህዝቢ መሊኡ እዩ። እዚ ሽግራት’ዚ ብሰንኪ ምዕቡል ኣተሓሳስባን ንቕሓትን ዝጐደሎም ሰባት ዝሰዓበ ጸገም እምበር ብናይ ዝምታ፡ ስርቅን ሽፍትነትን ክዕቀን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ፖለቲካን ምሕደራን ካብ ስነፍልጠት ዝምንጩ እዩ ሽፍትነትን ስርቅን ግ ኣብ ፖለቲካ ዝጽጋዕ ኣይኮነን። …. ይቕጽል

ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 11 December 2015 00:36