ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (Part 2)

2015-12-11 12:09:49 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5173 times

ካለኣይ ክፋልን መወዳእታን-

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብክንደይ ሓጎጽጎጻት ከም ዝሓለፈ ዝእምት ገለ ሽግራትን ፍልልያትን ተናኺፈ ነይረ። እቲ ቀንዲ ዕላማ እምበኣር ንሕና እቶም ተረከብቲ ናይዚ ታሪኽ እዚ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ፍልልያት ይኹን ወይ እውን ዝሓለፈ መሪር ጉዕዞ ቃልስና ብምስትንታን ንዝተሰርሐ ታሪኽ ምንእኣስ ይኹን ምክፋእ ክሕደት   እዩ ዘስምዕ እሞ ኣብ ሕሉፍ ተኣሲርና ነቲ ዝመጽእ ብሩህ ተስፋ ከነጸልምቶ ኣይግበኣናን ኣብ ዝብል እዩ ነይሩ። ካለኣይ ክፋል ድማ ይቕጽል።

እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኩነታት ዝግዘኣሉ ናቱ ባህሪያዊ ጠባይ ነይርዎ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ኣሰላልፋ ናይቲ ሕብረተሰብ በብግዚኡ ደረጃታቱ እናተፈላለየን ኣናተቐያየረን እዩ ዝመጽእ ነይሩ። ኣብ ግዜ ሰውራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ኩነታሰለስተ ተጻረርቲ ግን ብሓንሳብ ዝምርሹ ኣካላት ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ተጻረቲ ኣካላት ዘሎ ውድድራትን ቁርቁሳትን ዝወልዶ ምዕባለ ከኣ ወይ ናብ ቅኑዕ ምሕደራ ወይ ከኣ ናብ ዝኸፍአ ምሕድራ እዩ ዝጎዓዝ። በዚ ዝኣክል እቲ ኣብ ምፍሕፋሓትን መን ተዓወተን ዝግበር ቃልሲ ዝፍጠር ሽግራትን ኣሉታዊ ሳዕቤናትንብዙሕ እዩ።

እዞም ሰለስተ መደበር ሓይልታት ተባሂሎም ዝኽፈሉ ሎም ደገፍቲ ከጥርዩ ክጽዕሩ ባህርያዊ እዩ። ደገፍቶም ኣብ ምጥራይ ዝግበር ስራሓት ወይ ጐስጓሳት ከኣ እዩ እቲ ናይ መን ዓብለለን ተቆጻጸረን ተሪር ጸጥታውን ሰለያውን መሓውራት ዝዝርጋሕ። ኣብ ከምዚ ህሞት ዝፍጠር ምፍሕፋሓት ከኣ ሓደ ነቲ ሓደ ክደቊስ ክብል ዝፍጸም ጌጋታትን ግፍዕታትን ብዙሕ እዩ። ብሰንኪ እዚ ከምዚ እንርእዮ ዘሎና ንሕና ኤርትራውያን ንስርዓት እሳያስ ዝድግፍን ዝነጽግን ኰይንና ኣብ ክልተ ተመቒልና ኣሎና። እቶም ሰለስተ መደበር ሓይልታት ቀዳማይ ጸረ-ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፥ እቲ ካልኣይ ደጋፊ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፥ እቲ ሳልሳይ ከኣ እቲ መን ተዓወተ ዝጥምት መንጎመንጎ ዝኾነ ሓይሊ እዩ።

ስርዓት እስያስ ብቕኑዕ ኣገባብ ከመሓድር እየ እናበለ እዩ ስልጣን ሒዙ። ንሕና ተቓወምቲ እውን ብቕኑዕ እነመሓድር መተካእታ ኢና እናበልና ኢና እንጭርሕ። ይኹን እምበር ነቲ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ይፈልየና እንብሎ ዝምልከት ብግብሪዶ ንሰርሕ ኣሎና? ዝብል ሕቶ ብቕንዕና ክምለስ ዘለዎ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳይያስ እውን ነቲ ንዓኡ ዘይድግፎ ወይ ዘይስዕቦ ዘበለ ብምክፋእን፥ ብምጽላምን ኣቢሉ እዩ ሞራላውን ፖለቲካውን ሃስያታት ፈጢሩ’ዩ ፖለቲካዊ ቅንጸላ ዝገብር ዝነበረን ዘሎን። ገባቲ ስርዓት ንባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይምልስ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ንምክፍፋል ኩሉ ድሑር ዝምባሌታት ዝጥቀም። ንሕና እቶም ደምበ ተቓውሞነዚ ጉዳያት እዚ ብኸመይኮን ነመሓድሮ ንህሉ? ዝብል ካልእ ሕቶ ከስዕብ ኽእል እዩ። መልሱ ካብኢሳያስ ዝገብዝነበረን ዘሎን ዝፍለ’ኳ እንተኾነ ብብዙሕ ድኽመታት ዝስነ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ክብሪ ደቂ ሰባት ዘጉድልን፥ መሰል ደቂ ሰባት ዝነፍግን ኣብ ሃገራውነት ዝማታእን ፍትሓዊ እየ ክንብል የኽእለናዶ ይመስለኩም? ነ ጀጋኑ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝፈጸምዎ ታሪኽ ምንኣስ ሓዚልዎ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ክንግንዘቦ እንተዘይክኢልና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሓድሕዱ ስኒት ክስእን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገርና ክንሕሉ እንተዀንና እምበኣር ንታሪኽና ብምብልሻውን ምምርሳሕ ዘይኮነስ ታሪኽ ም እወንታኡን ኣሉታኡን ሃብትና ምዃኑ ኣሚና ምስ እንሕልዎን እንመሃረሉን ጥራሕ ኣዩ ሓቀኛ ሃብትና ዝኸውን።

ታሪኽ እናኣነኣኣስናን እናኣመራሳሕናን ነንሕድሕድና እውን ከይተረፈ እናናጅልና እንኽተሎ መንገዲ ናብ ራህዋ ዘይኮነስ ናብ ናይ ምልኪ ጐደና እዩ ክወስደና። ዓው ኢልና ዘይንዛረበሉ ወይ እውን ብቓልዕ ዘይንሰርሓሉ ስራሓት መንገዲ እንዳሓዝና ፍትሒ ይኹን ዲሞክራሲ ክነስርጽ ከምዘይንኽእል ካብ ብሕጂ ክበርሃልና ይግባእ። ከመይሲ ነዚ ታሪኽና በየናይ መልክዕ ከም እንጥምቶ ዓቢ ፍልልይ ኣሎና። ጠንቁ ድማ ብጋህዲ ንምዝራብ ነቲ ታሪኽ ብኣውራጃ፥ ብቢላ፥ ብሃይማኖት ወይ እውን ብናይ ገዛእ ርእስና ውልቃዊ ስምዒት ወይ ግምታት ስለ እንመዝኖ እዩእዚ ማለት ነቲ ኣሎ ዝበሃል ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ወይ ሽግራት ምስ ፖለቲካ ኣተኣሳሲርና ክንረብሓሉ ብዝብል ደዋዊስና ስለ ኣንሕዞ እዩ

እቲ ዝፍጠር ንኡስ ጸገማት ሃገራዊ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም ዝፍታሕን ዝእለን ምዃኑ ሰለ ዘይንግንዘብ፡ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ኣብ ልዕሊ ሓደ ውሱን ሕብረተሰብ ከም እተፈጸመ ጥራሕ ብምግማት ነቲ ናይ ቃልሲ ታሪኽ ብምሉኡ ናይ ሽፍትነት እዩ ነይሩ ምባል ኣብዚ እዋንዚ ብዙሕ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ምኽንያቱ መንን ካብ ምንታይ ነቒሉን እዩ ብኸምኡ ዝገልጾ ዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ። እቲ ዘቕርቦ መርትዖታትከ ንሃገራዊ ረብሓን ድሕነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ዲዩ ኣይኮነን እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ገሊኡ ሰብ ነቲ ቃልሲ ከም ናይ ዝተወሰኑ ሕብረተሰብ ገይሩ ዝግምቶ እውን ኣይሰኣንን እዩ። ካብኡ ብዝሓለፈ ትማሊ ብዝሓለፈ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰውርኡ ተኣማሚኑ ከይቃለስ ንምጻሉ፡ ነቲ ሰውራ ናይ ሸፋቱ እዩ ኢልካ ዝንዛሕ ዝነበረ፡ ሎሚ ድማ ንሕና ባዕልና ክንደግሞ ከሎና እንታይ እዩ ዘስምዕ ኢልና ንመራመረሉ ዘሎና ኣይመስልን።

እቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ኣፍራሲ ቃል ካብ ከቢድ ብረት ዘድምዮ ዝሓየለ ምዃኑ እውን ይጠፍኣና ኣሎ። እዚ ቃል እዚ ኣሉታዊ እንተኾይኑ ነቲ ንዓመታት ዝተሃንጸ ታሪኽ ምስ ኩሉ እወንትኡ ይኹን ኣሉታዊኡ ክዘርጎ ይኽእል’ዩ። ዘዝተመሰረተ ታሪኽ እንተደኣ ፈሪሱ ከኣ እቲ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን ክጠፍእ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ ኣገዳሲ እዩ

ስርዓት ሃይለስላሴን መንግስቱ ሃይለማርያምን’ነቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ሓርበኝነትን ንምህሳስ እዮም ነቲ ሰውራ ዘካፍእዎ ዝነበሩ። ስለዚ ሎሚ እቶም ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይመልክዑ ዝህብዎ ዘለዉ፡ መንእሰያት ዘለዎም ሃገራዊ ፍቕሪ ክሃስስ እሞ ሽዑ እቲ ሃገራዊ ወንን ሓርበኝነትን ምስ ቀሃመ እቲ ሕቡእ ኣጀንዳኦም ከተግብሩ ሕልሚ ኣለዎም ማለት ምዃኑ ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ እዩ።

እዚ ንሓደ ወለዶ ይኹን ንሓደ ሕብረተሰብ ግጉይ ሓበረታን ዝንቡዕ ታሪኽን ከምኡ እውን ብዝተፈጸመ ጉድለታትን ግፍዕታትን ኣመሳሚስካ ነቲ ምእንቲ ሃገሮም በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ናይ ሸፋቱን ሽፍትነትን እዩ ነይሩ ምባል ከይዱ ከይዱ ኤርትራን ህዝባን ንምንብርካኽ ዝእለም ተንኮል ከይከውን ምጥንቃቕ ዘድልዮ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዝኸአ ከኣ ቃልሲ ኩሉ ግዜ ለማጽ ከምዘይኮነ እናተፈልጠ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመ ሕጽረታት ተመርኲስካ ነቲ ቃልሲ ሽፍትነት ነቶም ተቓለስቲ ድማ ሸፋቱ ነይሮም እናበልካ ዝካየድ ጐስጓሳት ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይጥርንፍን ንሃገራዊ ፍቕርን ኒሒዝሰብር እምበር ፋይዳ የብሉን። ጉድለታት ከም ዝህሉ ውሁብ ምዃኑን ርዱእ ክንሱ፡ እቲ በደል ዝተፈጸሞ ኣካል ኣብ ክንዲ ከም ኤርትራዊከም ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ኣውራጃ ወይ ቀቢላ ዝወረደ መልክዕ ኣትሒዝካ ከም ናይ ታሪኽ መበላሸዊ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። ከምኡ ዓይነት መልክዕ ከነትሕዞ እንተኾይና፡ቲ ዝተፈጸመ ገበን ብመርተዖታት ከነሰንዮ ክንክእል ይግበኣናካብዚ ሓሊፉ እቲ ካብ ቅንዑነት ዝረሓቐ ዝጸፍን ዝዝረብን ክብሪ ናይ ደቂ ሰባት ኣይትንክፍን ድዩ? ኢልና ክንሓትት ይግበኣና። እቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ናብ ሓደ ውሱን ሕብረተሰብ ዘቕነዐ እዩ ነይሩ ኢልካ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ፡ ነቲ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ ናብ ምትካል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝግበር ጉዕዞ ዝጐድእ ተዘይኮይኑ ዝሕግዞ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣድላይ እዩ።

እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተፈጸመን ዋላ እውን ድሕሪ ናጽነት ዝፍጸም ዘሎን በደላት ካብ ሃገራዊ እምነትናን ዝተሰርሐ ታሪኽን ከርሕቐና ኣይግባእን እዩ። ንሕና እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዋሳእ ዘለና እውን ምስ ደገፍትና ከምታ ናይ እስይያስ መንገዲ ዲና ክንሕዝ ወይ ብመሰረቱ ካብኡ ዝተፈልየ ገዲ፡ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብእንኽተሎ ኣቀራርባን ብእነቃለሖ ጭረሖታትን ጥራይ ዝዕቀን ዘይኮነ ብተግባር ክስነ እንከሎ እዩ።

ዕጥቃዊ ቃልሲ ንገዛእ ርእሱ ሓደ መልክዕ ናይ ዓመጽ ስለ ዝኾነ ነቲ ምሳኻ ብሓሳብ ዘይሰማማዕ ኣካል ንክትስዕር ናይ ሓይሊ ተጽዕኖ ክትፈጥር ዝደፋፍእ እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ ኣተሓሳስባኻ ዓመጽ እዩ ስለዚ ነቲ ዝጻረረካ ከኣ ብዓመጽ ዝመጸካ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝረኣየካ። ስለዚ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ከም ዓመጽ ቆጺርና ሽፍትነት ክንገልጾ እንተኾይንና፡ ነኣብዚ እዋንዚ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝመርጽ ዘሎ ወገናትከ እንታይ ክንብሎ ኢና?

ስለዚ እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ተፈጺሙ ዝበሃል ጌጋታት፡ ምስቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ምዕብልና ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝስዓበ በደላት ብሰንኪ ንኹልና ዘመሓድር ሕጊ ዘይምሕንጻጽና ዝመጸ ጸገም እዩ። ገበን ዝፈጸመ ኣካል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ በደሉ ተነጊርዎ፡ ነብሱ ዝከላኸለሉ ሕጊ የብልናን። ገበኑ ዝኣመነ ኣብ ቅድሚ ዝበደሎ ህዝቢ ይኹን ውልቀሰብ ቀሪቡ ይቕረታ ዝሓተሉ ሕጋዊ መድረኽ’ውን የብልናን። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሳፊሑ ዘሎ ዲክታቶርነት እዩ። እዚ ዲክታቶርነት ኣብ ኤርትራ ዝተጀመረ ዘይኮንስ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ኩነታት ኣጋጢሙ ብህዝባዊ ሓይሊ ክሰዓር ዝጸንሐ እዩ። እዚ ናይ ኤርትራ ዲክታቶር እውን ካብ ስዕረት ኣይክድሕንን እዩ።

ስለዚ ነቲ ዝሓለፍካዮ ታሪኽ ኣብ ክንዲ ዓቂብካ ትመሃረሉ፡ ዘይመልክዑ ክትህቦ እንኻ ንመንነትካ፥ ንክብርኻን ንሃገራዊ ፍቕርኻን ትሃሲ ምህላውካ ክዝንጋዕ ኣይግብኦን። ንዝሓለፈ ጌጋታት ምእራም ንታሪኽ ብምኽሓድን ብምቁንጻብን ዘይኮነስ፡ ታሪኽካ ዓቂብካ ንመጻኢ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ሓቢርካ ተሰማሚዕካ ብዝድቕ ሕጊ ተቐይድካ ምጉዓዝ እዩ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ምርጫ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ታሪኽካ ምንእኣስ ናብ ከምዚ ሕጂ ገለገለ ወገናት ዓይኖም ብጨው ተሓጺቦም ኤርትራ እትበሃል ሃገር የላን ክብሉ ዝደናደኑ እዩ ዝወስደካ። ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ናይ ትማሊ ሓርበኛዊ ወንናን ታሪኽናን ኣዳኺምና እንረብሖ እንተልዩ ታሪኽ ኣልቦነት ምዃን ጥራይ እዩ። ስለዚ ታሪኽ ብዝኾነይኹን ጉጅለ ወይ ወለዶ ወይ ውልቀሰብ ዝሕከኽ ኣይኮነን። ታሪኽ ነባሪ እዩ። ታሪኽ ኣይሃስስን እዩ። ብጀብሃ ይሰራሕ ብህዝባዊ ግንባር ድማ ኤርትራዊ ናይ ሓባር ሃብትና እዩ። ሕሉፍ ቁስልናን ብሰንኩ ዝተቖንዘናዮን ንታሪኽ ገዲፍና ንደቅናን ደቂ ደቅናን ከነውርሶም ብዛዕባ ዝግበኣና ንሕሰብ። ታሪኽና ምንእኣስ ንፖለቲካዊ ፍልልያትና ክንፈትሕ ዝሕግዝ ዘይኮነስ ንሓድነትና ኣብ ሓደጋ ውድቕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን’ሞ ነስተብህል።

ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 11 December 2015 13:12