ህጹጽ ጸዋዒት ንምቛም ሓይሊ ዕማም-ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን፡

2015-12-07 17:27:49 Written by  ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2131 times

ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ከም`ቲ ንሕና ኤርትራውያን ትጽቢት እንገብረሉ ብኩሉ መልከዒታት ዝጭበጥን ዝተማለኤን ኮይኑ ክወጽእ ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ግድነት ይኾነና። እዚ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘኸትልን ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ዓወት ዘጓናጽፍን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ``መሰሉን ክብሩን ንዝተጋህሰ ህዝቢ`` ፍትሒ ክረክብ ፍትሓዊ ጸብጻብ ንከቕርቡ፡ ጻዕርን ተወፋይነትን ናይ ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ዓቢ ሚዛን ዝሕዝ`ኳ እንተኾነ፡ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን፡ ደቀቕትን ብካልኣዊ ደረጃ ዝጥመቱን ዝስርዑን ፍልልያትና ኣወንዚፍና፡ ብሓባር እናተዳጋገፍና ክንሰርሕ ሕድሪ ሰማእታትናን ንብዓት ስቅያት ህዝብናን ደጋጊሙ ሓደራ የሰክመናን ይጽዋዓናን ኣሎ።

 

ብመሰረቱ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም`ዚ፡ ዝፈላሊ ጉዳይ ኣሎ ኢልና ኣይንርእን። ንፕሮጀክት ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ዝቐውም ሓይሊ ዕማም ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ፡ ንእንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ እዚ ብኣጉራዊ ደረጃ ድሮ ብዙሕ ሰጒሙ ዘሎ ናይ መርመሪት ኮሚሽን ጸብጻብ ከሲትዎ ንዘሎ ወርቃዊ ዕድል ክንጥቀመሉ፡ ብሓባር ሰሪሒና ክንረብሓሉን ይግባእ።

 

ምቛም ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ከም ሓደ ፕሮጀክት ቀጻልን ዘላቕን ኮይኑ ከድምዕ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር`ዩ ኢልና ዝኣመምናዮ እማመ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ (ጥቅምቲ 29 2015)፡ ኣብ ብዙሓት ወፕ ሳይታት ኣውጺእና ምንባርና ንጠቅስ። ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ዝተረኽበ ሰፊሕ ህዝቢ፡ ነቲ ዘውጻእናዮ እማመ ዘንጸባርቕን ዝድግፍን፡ ህዝቢ በብከተምኡ/ስተይትስ፡ ኣብ በቦትኡ ተጋቢኡ ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ህዝብን ብህዝብን እትቐውም ሓይሊ ዕማም ተመስሪታ ብህጹጽ ስራሕ ክትጅምር`ዩ ብተሪር ለበዋን ምሕጽንታን ደምዲሙ።

 

ካብ`ዚ፡ ተረድኦ`ዚ ነቒልና፡ ንሕና ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ንክትቀዎምን ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ንክቃላጠፍን ካብ ኩላትና ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ስለዝኾነ፡ እሞ ንተግባሬኡ ብሓባር ዘቲና ኣብ ምስላጡ ግዴና ከነበርክትን፡ ንዕለት 12 ታሕሳስ 2015፡ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት (ኣቋጻጽራ ዋሺንግቶን ዲሲ)፡ ክልተ ኣባላትኩም ክትልእኩ ብኽብሪ ንጽውዕ። ኣብ`ዚ ዘተ`ዚ ክትሳተፉ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም፡ መራኸቢ ተለኮንፈረንስ ይኹን ካልእ ሓበሬታ ካብ ጸጋይ ነጋሽ (303) 847 9130፡ ወይ ካብ ኢተማር ንጉሰ (716) 903 9720 ክትረኽቡ ትኽእሉ።

 

ምስ ብዙሕ ምስጋና

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

 

``ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ``ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ውሑስ ንምግባር    ህዝባዊ ትካላት ሃኒጹ ኣብነጻነት ዝነብር ሓያል ህዝቢንምርግጋጽ እምበር ፖለቲካዊ ስልጣን ንምምቕራሕ ዕላማ ዘይብሉ 16 ከተማታት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ቆይሙ ዝነጥፍዘሎ```

Last modified on Monday, 07 December 2015 18:34