መደረ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣብ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮቢ ከንያ

2015-12-06 08:29:38 Written by  ኣስገደት ምሕረተኣብ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5855 times

ክቡራት ኣባላት መድረኽ ሃገራዊ ዘተ

ክቡራት ዕዱማት ተሳተፍቲ

ኣቐዲመ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብምርዳእ ህዝብና ንምድሓን ዓቕምታት ሓርነታዊ ቃልስና ክትጥርንፉ ዝወሰድኩምዎ ተበግሶ እናድነቕኩ፡ ከም ኤርትራዊት ዜጋ ኣስተውጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃብኩምኒ ብልቢ አመስግን። መደብኩም ብሓቂ ኣዝዩ ኣድላይን እዋናውን’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ዓላማ ዘበግሶ ኣኼባታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክግበር ክተባባዕ ዘለዎ እዩ። ዕዉት መደብ ክኾነልኩም ድማ እምነ።

ኣስዒበ ነቶም ዘይትፈልጡኒ ክላለየኩም፡

ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ካሊፎርኒያ እነብር። ከም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ወትሃደራዊ ሕክምናን ኣባል መሪሕነት ጠቕላል ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ጠ.ማ.ደ.ኤ) ኮይነ ኣገልጊለ።

ኣብ ስደት ድማ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ጸኒሑ ሰልፊ ህዝቢ ድሒሩ’ውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኮይነ ክሳብ ሒጂ እቃለስ ኣለኹ። ብዘይካ’ዚ ኣባል ቦርድ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (EDA) ኮይነ አሰርሕ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ምዝጉብ ናይ መኽሰብ ኣልቦ (Non Profit Organization) ንኣብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ወዲ-ሸሪፈይ ምስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከባ ናይ ኤ. ደ. ማ. ማሕበራት ብምትሕብባር ይናቢ። ኣብ ሓርነታዊ ቓልስና ንዝሰንከሉ ተጋደልቲ (መደበር ውጉኣት ሓርነት ኣብ ከሰላ) ብዓቕሙ ምስ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ይተሓጋገዝ። ብተወሳኺ ናይ ማዕዶ ወላዲ (Foster Parenting)  መደብ የካይድ። ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና ኣብ ሱዳን ንዘለዉ ስደተኛታት ህጻናት ክንሕግዝ ዕድል ዝኸፍት እዩ። ኣዝዩ ዘገድሰኒ ንፍትሒ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንመሰል ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ምቅላስ እዩ።

ኣብ’ቲ ቐንዲ ጉዳይ ክኣቱ።

ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ፡ ኣብ ግዜ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ክመጹ ዝኽእሉ ተርእዮታትን ኣብ ምህናጽ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝገጥሙና መኸተታት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ? ቅኑዕ መንገዲ ክንሕዝ ከ እንታይ ክንገብር የድልየና? ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኩሮታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል ዝብል’ዩ።

እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ከምምዃኑ መጠን ብናይ 15 ደቓይቕ መደረ ዝምለስ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ሓጺር መእተዊ ድሕሪ ምግባር ኣብ እንገብሮ ምይይጥ ክዓሙቕ’ዩ።

ኩነታት ሃገርናን ሕሰምን ምረትን ህዝብና ዘይርደኦ የለን። ብዛዕብኡ ክዛረብ ግዜኹም ክባኽን ኣይደልን።

ጥርኑፍን ሓያልን ናይ ተቓዉሞ ሓይሊ ኣብዘይሃለወሉ ግዜ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እንተ ፈሪሱ ክመጽእ ዝኽእል ተርእዮታት ሓደ ካብኡ ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት ይርኣየኒ። ገለ ክመጹ ዝኽእሉ ተርእዮታት (Scenarios) ክጠቅስ

  1. እቲ ዝሓሸ ተርእዮ ብደገን ብውሽጥን ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ተሓባቢሩ፡ ስእሊ ህዝብና ዘንጸባርቕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም’ዩ
  2. መላኺ ኣልጊሱ ብኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሑ ዜጋታት ክትካእ ይኽእል’ዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ክልተ ኣቕጣጫ ክሕዝ ይኽእል። ኣብ ደገ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይልታት ዓዲሙ ንኹሉ ዘሳትፍ መንግስቲ ክተክል ይኽእል ወይ ድማ ንኹሉ ነጺጉ ኣብ ናይ ምልኪ መንገዲ ክቕጽል ይኽእል።
  3. ንኹሉ ዝጥርንፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም እንተዘይተኻኢሉ፡ ውሽጣዊ ግርጭታት ገንፊሉ፡ ህላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ይኣቱ። ካልኦት ሃገራት ዘሳውሩዎ ኲናት ሓድሕድ ክመጽእ ይኽእል። ዉልዶ ሃገርና ካልእይቲ ሶማልያ ክትከውን ትኽእል’ያ። ፍሉያት ህዝቢ ኣይኮናን። ኣፍሪቃውያን ከም ኩሎም ህዝቢታት ኣፍሪቃ ኢና።

ንሕና ኤርትራውያን እቲ ዝሓሸ ተርእዮ ከምዝመጽእ ክንገብር፡ ዓቕምን ክእለትን ኣሎና ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ዝሓሸ ተርእዮ ብኸመይ ንበጽሖ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ግድነት’ዩ።

ቅድሚ ኣብኡ ምእታወይ፡ መበገሲ ናይ ኣተሓሳስባና ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ካብ ተመኩሮና ክጠቅስ። ንሕና ከም ህዝቢ ኣብ ታሪኽና ብዙሓት ቃራና መንገዲታት ሓሊፍና ኢና። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኸኣ ኣብ ነፍስወከፈን ግጉይ መንገዲ ክንወስድ ጸኒሕና። ገለ ንምጥቃስ፡

  1. ኣብ ኣርብዓታት ማሕበር ኣንድነት ምምስራቱ
  2. ኲናት ሓድሕድ
  3. ድሕሪ መሬትና ሓራ ምውጻእ ኣብ 1991 ዝተወስደ መገዲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስዓለበ ኣብክንዲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ብምትካል ኣብ ስደት ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ህዝብና ምጥርናፍ፡ “ድሕሪ ሕጂ ሓሸውየ ናይ ውድባት ኣይፍቀድን’ዩ” ምስበለ ሽዑ’ዩ ምልኪ ተኣዊጁ 

ሕጂ ድማ እኖሆ ሓድሽ ቃራና መንገዲ ፈጢጡ ይጥምተና። ሎሚኸ ካብ ጌጋታትና ኣይንመሃርን ዶ?

ብርግጽ እቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ብኣሽሓት ዝተሰወአን ዝሰንከለን ወሎዶና እዩ። ብማዕሪኡ ግን ደም ክንፋሰስ ዝገበረ ኲናት ሓድሕድ ክዉን ዝገበረ ኸእ  ወሎዶና እዩ። መን’ዩ በደለኛ ካልእ ሕቶ’ዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ኣብዝለዓለሉ ግዜ ርእይቶይ ክህበሉ እኽእል’የ። ሕጂ ግን ብቕጽበት ህጹጽ ፍታሕ ዝሓትት ጉዳይ ሃገር ምድሓን ገጢሙና’ሎ። ንሓድሽ ወሎዶ፡ ሃገርና ቅኑዕ መንገዲ ኣትሒዝና ክነረክቦ ከቢድ ሓላፍነት ኣሎና።

እዚ ክብል ከለኹ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝህልዋ መልክዕ ኣይንዛረብ ማለተይ ኣይኮንኩን። ብቐንዱ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ደልሃመት ዝኣቶና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ባዕዳዊ ገዛኢ ምስተባረረ ሽግር ኣይክህሉን’ዩ ዝብል እምነት ብምሕዳር ንድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዝተኽልዎ መንግስቲ ዘይምቕራቦም’ዩ። ይኹን’ምበር ብዝተፈላለየ ሓሳባት ምክታዕ ብሓባር ዝተወሃሃደ ቓልሲ ኣንጻር እዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት ምክያድ ክኽልክለና የብሉን።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።

ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ነዊሕ ዕድመ ዝህልዎ ኣይመስልን። ብቕጽበት ተቓውሞ ሓይልና ንጥርነፈሉ ጽላል ክተክል የድሊ። ኣተሓሳስባና ክመዓራረ ወፈራ ምንቕቓሕ ብህጹጽ ክካየድ ኣለዎ። እቲ መሰረታዊ መበገሲ ሓባራዊ ጽላል ድማ ካብ ምንጽጻግ ዝረሓቐ ሓድሕዳዊ ምፍልላጥ  (Recognition) ፖሊቲካውን ማሕበራውን ውደባታትና  ክኸውን ፍጹም ኣድላይነት ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ ሓይሊ ተቓውሞ ክርደኣና ዘለዎ ዓቢ ነጥቢ ኣሎ። ዲያስፖራ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቓልስና ግደና ኢና ነበርክት ዘሎና’ምበር ብቓልስና ጥራሕ ምልካዊ ስርዓት ክወድቕ ኣይኮነን። ብወንጭፍ ዝወደቐ ስርዓት ኣብ ታሪኽ የሎን። ስለ’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝፈርሰሉ ግዜ፡ ተቓውሞ ሓይሊ ብቕጽበት ከም ሓደ ኣካል በቲ ዝተኽሎ ጽላል ኣቢሉ ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ዝጸንሐ ተቓውሞ ክራኸብን ንኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት ዘሳተፈ ዋዕላ ከካይድ ይግባእ። ካብ’ቲ ዋዕላ ድማ ንውሱን ግዜ፡ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል ዝሰርሕ መልክዕ ህዝብና ዘንጸባቕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቕውም ይግባእ።

ህግድፍ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ዝፈጸምዎ፡ ብዘይካ እቲ ዝምእዘዞም ንኻልእ ኩሉ ዝነጸለ ሃገር ክሃንጹ ምፍታኖም’ዩ። ንሕና’ውን ገለ ሸነኻ ዝነጸለት ኤርትራ ክንሃንጽ እንተፈቲና ብርግጽ ክንፈሽል ኢና። ሓያል ጭቆና ኣፉ ስለዝዓብሶ’ምበር ተቓዋሚ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት የሎን። ስለዝኾነ ተሳታፍነት ናይ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ተቓውሞ ሓይሊ መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ስለዚ ኣቃዉማ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ መገድና ኣብ ምንጻር ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ተቓዉሞ ሓይሊ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓቢ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ንጭቘን ዘሎና ህዝቢ ኣይኮናን። ክንውግዶን ክንክተሎን ዘሎና ናይ ካልኦት ሃገራት ተኩሮታት ብዙሕ’ዩ ዘሎ። ከም መበገሲ ሓሓደ ካብ ክልቲኡ ክጠቅስ’የ፡

ክንውግዶ ካብ ዘሎና ሓደ፡ ተመኩሮ ዒራቕ’ዩ። ሓደ ስርዓት ኣብ ዝፈርሰሉ ግዜ ብደገ ዝጸንሐ ሓይልታት ንውሽጣዊ ተቓውሞ ነጺጉ ዕዉት ስርዓት ክተክል ከምዘይክእል ብቐረባ ኣብ ዒራቕ ርኢናዮ። ቅኑዕ ዶ ነይሩ ኣይቅኑዕን ንጎድኒ ገዲፍና፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ንስርዓት ሰዳም ሑሴን ምስኣፍረሶ፡ መጀመርያ ስጉምቲ ዝወሰዱዎ ንብዓስ ፓርቲ ምድምሳስ ነይሩ። ንሓደ ሸነኽ ህዝቢ ዝነጸለ ስርዓት ከኣ ብተእምር ክዕወት ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ዒራቕ ኣብ ዓዘቕቲ ኣትዩ ንርኢ ኣሎና። ብመሰረቱ’ውን ንሺዓ ዝነጸለ ስርዓት ሰዳም ጨቋኒ እንተነይሩ፡ ንሱኒ ዝነጸለ ስርዓት ሺዓ ከመይ’ሉ ፍትሓዊ ይኸውን?

ክንመሃረሉ ካብ ዘሎና ተመኩሮታት ሓደ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ እይ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ ስርዓት (Aparteid) ምስ ተሳዕረ ህዝቢ ብመሪሕነት ነልስን ማንዴላ ኣብ ክንዲ ናብ ሕነ ምፍዳይን ደም ምፍሳስን ናብ ዕርቂን ሰላምን’ዩ ኣምሪሑ። ናይ ሓቅን ዕርቅን ሽማግለ (South African Truth and Reconciliation Commission) ኣቚሙ ንህዝቢ ካብ ህልቀትን ዕንወትን ኣድሒኑዎ። ንሕና’ውን ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ተማሂርና ተመሳሳሊ መንገዲ ክንወስድ ይግባእ። ከምቲ ማንዴላ “ቂምን ቅርሕንትን፡ ንጸላኢኻ ዝጎድእ ዘሎ መሲሉካ ትሰትዮ መርዚ እዩ” ዝበሎ፡ ካብዚ ለባም ናይ ብቑዕ መራሒ ኣረኣእያ ተማሂርና ንሃገርና ካብ መገዲ ጥፍኣት ነድሕን።  

ገጢሙና ዘሎ መኸተ ክንብድህ ቀሊል ዕማም ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ። ነዚ ብኣካልን ብኣተሓሳስባን ፋሕ ኢሉ ዘሎ ህዝብና ጠርኒፍና ንኹልና ትሓቁፍ ፍትሓዊት ሃገር ናብ ምህናጽ ክነምርሕ ብቕጽበት “ኣተሓሳስባና ነመዓራሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ወፈራ ምንቕቓሕ ከድልየና’ዩ። ልክዕ ከምቲ ሓረስታይ ምህርቱ ንምኽዕባት ቅድሚ ማይ ምህራሙ መሬቱ ሓሪሱ ደኲዑ ጎልጒሉ ዝጸንሕ፡ ንሕና’ውን ምልኪ ኣብ ዝፈርሰሉ ግዜ መገዲ ሰላምን ርግኣትን ክንመርጽ ጽዑቕ ወፈራ ምንቕቓሕ ብቕጽበት ክንጅምር ይግባእ። 

ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ኩሉ ክንገብሮ ኣሎና ዝበልኩዎ ክንትግብሮ ዓቕሚን ክእለትን ኣሎናዶ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን። ብርግጽ ኣሎና። ንባዕሉ እዚ ኣኼባ’ዚ ምልክት ናይ ዓቕምና እዩ። ኣብዚ ተኣኪብና ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ንዝቲ ዘሎና፡ ናይ ደም ምፍሳስ ታሪኽ ዘሎና ኢና። ነቲ መሪር ተመኩሮ’ቲ ሰጊርና ኣብ ሓደ ገዛ ኮፍ ኢልና ንሓደ ዓላማ ክንዝቲ ከሎና፡ እቲ ዝበርተዐ ዕንቅፋት ከም ዝሰገርናዮ እዩ ዘርጋግጽ።         

ነዚ ዕድል’ዚ ዝሃብኩምኒ ደጊመ አመስግን። ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።

ዝኽሪን ክብርን ንሰማእታትና!

ክንዕወት ኢና!

ኣስገደት ምሕረትኣብ

ካሊፎርኒያ

 15 ሕዳር 2015

Last modified on Sunday, 06 December 2015 10:00