ጸብጻብ ናይቲ ካብ 28 - 29 ነሓሰ 2015 ዓ.ም አብ ከተማ ኦክላንድ ዝተኻየደ ቦሎኛ ፎረም
Sunday, 06 September 2015 10:45 Written by ቦሎኛ ፎረም
ቦሎኛ ፎረም ኦክላንድ ዓርቢ 28 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ብዕሊ ተኸፊቱ። ካብ ርሑቑን ቀረባን ንዝመጹ አጋይሽ እንቋዕ ናይ ደሓን መጻኹም መልእኽቲ ድሕሪ ምሕላፉ፤ ዝኽረ ሰማእታት ሲዒቡ፤ ቀጺሉ ንተሳተፍቲ ነንሓድሕዶም ንኽላለዩ ዕድል ተዋህቦም። ድሕሪ እዚ ናይ መእተዊ መደባት ድማ እቲ ኣኼበኛ ናብ ወግዓዊ ስርሑ አተወ። ብአዳለውቲ መደብ ከም ዝተሓበረ እዚ ጭርሖ ካብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም ስጋብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ራእይ ምዃኑ፤ አብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ አብ ከተማ ቦሎኛ ሃገረ ጣልያን ዝቐጸለ ምዃኑን ሕጂ ድማ አብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ አሜሪካን ይቕጽል ምህላው ተሓቢሩ።
እዚ ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ዝብል መሪሕ ጭርሖ ሒዙ ዝተጋብኤ ቦሎኛ ፎረም ኦክላንድ አብቲ ናይ መጀምርታ መዓልቲ ንዘተን ሓባራዊ ክትዓትን ዝዕድሙ መደባት እዩ ተጸሚዱ ዊዒሉ። አብ ዕለተ ዓርቢ ይካየድ ብምንባሩ ናይ ስራሕ መዓልቲ እውን ስለ ዝነበረ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከይውሕዱ ስክፋታታት እኳ እንተነበረ፤ እቲ ግብረ መልሲ ግና በንጻሩ እዩ ኔሩ። አዝዩ ዘተባብዕ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት አንጻር ኩሉ ናይ ስራሕን ካልእን መደባትን ከምኡውን አሉታዊ ናይ ተጻብኦ ጎስጓሳትን በዲሆም ክሳተፍዎ ዝኸአሉ። ተጋባእቲ ቦሎኛ ሓደ ካብ ሓደ ዘይበልጽ ዳርጋ ኩሉ ተሳታፋይ ትርጉምን ረብሓን ዲሞክራስን ፍትሕን ዝተሰቆሮም እዮም ክበሃል ይከአል።

ነቲ አኼባ ኣርባዕተ አገደስቲ ምርኩሳት ተሓንጊጡ ክኸይድ እዩ ኔሩ ውጥን አዳለውቲ መደብ። እዞም ምርኩሳት እዚአቶም ጉሉጽነት(Transparency)፡ ተጻዋርነት(Tolerance)፡ ሓቅን(Truth)፡ እምነትን(Trust) ዝብሉ እዮም። እዚ ከይኮነ አይተርፍን እቲ አኼባ ካብ ዝጅምር ስጋብ ዝውዳእ አብ መንጎ ተሳተፍቲ ዝነበረ ምርድዳእን ምክብባርን አዝዩ መሳጥን ሰሓብን ዝነበረ። አብቲ አኼባ ተሳቲፎም ነቲ ዘዳለውዎ ፖለቲካውን ስትራተጂካውን ትንታነታቶም ዘቕርቡ ዝነበሩ ዕዱማት አጋይሽ ዝተፈላለየ አረአእያታት ዘለዎም ክንሱ አብ ሓደ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ከመይ ጌርካ ተልግሶን ቀጺልካ ከመይ አቢልካ ቅዋማዊ ስርዓት ትተክልን አብ ዝብል አገዳሲ ነጥቢ ጥራይ ይዛረቡን ይካትዑን ምንባሮም ቦሎኛ ፎረም ማዕረ ክንደይ በተሓሳስባ ኮነ ራእይ ይዓብይ ምህላው ይበርሃልካ።
መንእሰያት ከመይ ጌርካ መሪሕ ተራ ንኽጻወቱ ባይታ ትፈጥረሎም፡ ደቂ አንስትዮ ከመይ አቢልካ ተሳትፎአን ከምቲ ናይ እዋን ገድሊ የዕዝዛ፤ ነቶም ብማዕዶ ድምጾም ዓቂቦም ዘለው አብዝሓ ህዝብና ከመይ ድምጾም ከም ዝስምዑን አካል ናይዚ ቃልሲ ይኮኑን ትገብር፤ ነዚ አብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዘሎ ጋግ አጽቢብካ ናይ ሓባር ስርሓት ተካይድ ዝብሉ አገደስቲ ሓሳባት ናብ አኼበኛታት ወሪዶም፤ እቲ ተሳታፋይ ብጉጅለ ተመቓቒሉ ዘትይሎም። ድሕሪ ርሱን ክትዓት እውን እቲ ናይ ሓባር መደምደምታን ርእይቶን ነቲ አኼበኛ ከም መልክዕ ጸብጻብ ቀሪቡ። እቲ አዝዩ ዘገርም እቲ ዝነበረ መደብ ብሰንኪ ርሱን ክትዓት አብ ጊዜኡ ዘይኮነስ ካብቲ ዝተመደቦ ጊዜ ደንጉዩ እዩ ተዛዚሙ። ናይ ዓርቢ መደብ ድማ ብዕሊ ተዛዚሙ።
አብቲ ናይ ቀዳም መደብ ዝበዝሕ እቲ ሰዓታት ንክትዓት ዘይኮነስ ነቶም ተመኩሮ ዘለዎም ገዳይም ምሁራትን ተቓለስትን ኤርትራ ከምእውን ንምንታይ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክኸውን አለዎ፤ እቲ ዘይጎነጻዊ አገባብ ቃልሲ ንምንታይ ይምረጽ አብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኮረ እዩ ኔሩ። እቶም ነቲ ዝተፈላለየ አርእስቲ ሒዞም አስተምህርኦም ዝህቡ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ክብሉ ይደልዩ ከም ዘለው አዝዮም ዝፈልጡን ምኩራትን ሙሁራትን ብምንባሮም እቲ ተሳታፋይ ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ብአንክሮን ተመስጦን ክከታተሉ ግድነት እዩ ኔሩ። ነዚ አኼባ ቦሎኛ ፎረም ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ኩሉ ዝዝረብ ዝነበረ ብዛዕባ ግብራዊ ንመጻኢ ዝጠመተ ቃልሲ ብምንባሩን፤ ንጓል መንገዲ ዝኸውን ንጽልእን አጉል ውድድርን ዘተአናግድ ምንም ጊዜ ዘይምንባሩን እዩ። ኩሉ አቕምታትን ጊዜን ቦሎኛ ፎረም ናብ አወንታዊ ናይ ስራሕ መደብ ዘተኮረ ምዃኑ ነቲ ፎረም ሓደ አገዳስን ገስጋስን ምትእኽካብ ኤርትራውያን ጌሩዎ ይርከብ።
ቦሎኛ ፎረም ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዓቢ ናህሪ ይውስኽ ምህላው እዚ ናይ ኦክላንድ መደብ እኹል መርትዖ እዩ። ቦሎኛ ፎረም ብስሚዒት ዘይኮነስ ብርድኢት ይኸይድን የሳትፍን ምህላው እቲ መሰረት አብ ዘተአማምን ባይታ እዩ ተሰሪቱ ዘሎ ክበሃል ይከአል። ከምዚ ዘልዎ እንድሕር ቀጺሉ እዚ ፎረም እዚ አብ ምውሓስ ብሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተሃንጸ ሃገራዊ ሓድነት ዘይነዓቕ ተራ ክጻወት ሙሉእ ዘይጉዱል እምንቶ አሎ። ከም ቦሎኛ ፎረም ዝአመሰሉ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፉ ኤርትራውያን ጥርናፈታትን ትካላትን ምስ ዝኹስኮሱን ዝዓብዩን መጻኢት ኤርትራ ብቐሊሉ ናብ ዲሞክራሲ ክትሰጋገር አይከጸግማን እዩ።
ቦሎኛ ፎረም ሓደ ካብቲ ክገብሮ ክቃለሰሉን ዝጸንሐ ታሪክን ክብርታትን ኤርትራ ምዕቃብ ዝብል እዩ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ ነቲ ዕድመ ልክዑ ንስለ ናጽነት ኤርትራ ዝተቓለስ ገዲም ሊቅ ናይ ሕጊ ምሁር አቦና ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ ንስለ እቲ አብ ሙሉእ ህይወቱ ዘበርከቶ ሃገራዊ ተወፋይነት ዘሞጉስ ናይ ክብሪ ሽልማት ዓዲልዎ። ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ አቦ መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ኮይኑ ነቲ አብ 1997 ዓ.ም ጸዲቑ ብሰንኪ ምሕደራ ውልቀ ምልኪ ዘይተተግበረ ቅዋም ኤርትራ አብ ምንዳፉ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ሓደ ካብቶም ኤርትራ አለውኒ እትብሎም ውሉዳ እዩ። እዚ ምቕሉልን ትሕትን፤ አነ አነ ወይ አኽብሩኒ ዘይብል ፈላጥ አቦ ነዚ ሽልማት ክወስድ እንከሎ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ነንሓድሕዱ ክፋቐርን ክከባበርን ጸዊዑ። እንድሕር ከምኡ ጌርና ድማ ሓርነትና ናይ ግድን እዩ ክብል አስሚሩሉ።
ቦሎኛ ፎረም ኦክላንድ ድማ አተሓሳስባ ህዝቢ አብ ዲሞክራስን ሰብአዊ መሰላትን ምምዕባልን ምቕያርን፤ ከምኡውን ኩሉ አቕምታትና አብ ምሕያል አብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለው ዲሞክራሲያውያን ናይ ለውጢ ሃዋርያታት፤ አብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝብና ንዘይተደልየ ሓድሕዳዊ ጎንጺ ደው አቢሉ አንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ቃልሱ ከሕይልን ከወሃህድን ተላብዩ፤ ጎድኒ ጎድኒ ለበዋ’ውን መንፈስ ቃልሲ አባላቱ አብ ጥርዚ ሰቒሉ ብዓወት ተዛዚሙ። ነዚ አኼባ ንከተሰንይ ዝተዳለወት ባህላዊት ጉጅለ ድማ ንሃገራዊ ክብርናን ጅግንነትን ዘንጸባርቑ ፍናን ቃልስን ኤርትራዊ ፍቕርን ሓልዮትን ዘበርኹ ናይ መዘናግዒ መደባት አቕሪባ ንተሳተፍቲ አኼበኛታት አዘናጊዓ። አብ ናይ ሓጺር ጊዜ ዕድመ ፍቓደኛ ኮይኑ ካብ ሃገር ኖርወይ ነቲ መደብ ከማዕርግ ብዘይ ቶግላባ ንዝመጸ እሞ ብኽእለቱ ሰብ ዘስደመመ ድምጻዊ ፍጹም ዘሚካኤል ቦሎኛ ፎረም ምስጋናኡ ይገልጽ።
ዓወት ንውጹዕ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ኦክላንድ - ካሊፎርንያ
02 መስከረም 2015 ዓ.ም
ቦሎኛ ፎረም
ቸካጎ ነሓሰ 29፡1015
ኣብ ከተማ ቸካጎ በጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ተኣኪብናሉ ኣብ ዝነበርናሉ ንጉዳይ ምቛም ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ ተባሂላ ኣብ ቸካጎ ዝቖመት ሽማግለ ንጉዳይ ህዝባዊ በዓላት መሪሓ ክትውድብውን ተመዚዛ ብምንባራ ንጽንብል ባሕቲ መስከረም ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ከተማ ቸካጎ ብድምቀትን ሰፊሕ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘረጋገጸ ተኸቢሩ ውዒሉ።
ሽማግለ ህቡብ ስነጥበባዊ ወዲ ትኳቦ ብምምጻእን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ብምርግጋጽን ኣደራሽ በዓል ካብ 200 ክሳብ 250 ዝኸውን ህዝቢ ሒዙ ካብ 9 ድ.ቀ ክሳብ 4፡00 ወጋሕታ ድሙቕ ባህላዊ ጸወታ ሓዲሩ።
ብዓል ብኣቦ መንበር ሽማግለ ሓው ሓጋይቶ ብስም ደለቲ ፍትሒ ኣብ ቸካጎ ናይ መእተዊ ቃል ሂቡ ንጽንብል ባሕቲ መስከረም ከፊትዎ።ባሕቲ መስከረም ንነጻነት ሃገርናን ንሓርነት ህዝብናን ኢሉ ዝተወልዐ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ መልክዑ ንክሕዝ ሽግ ቃልሲ ዘልዓለት መዓልቲ ታሪኻዊት መዓልቲ ምዃና ኣብሪሁ።ሎሚ ባሕቲ መስከረም ከነብዕል ከሎና ነቶም ኵሎም ምንቲ መሰል ህዝብና መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታትና ዝተሰውእሉ ኣብ መዓርፍኡ ከነብጽሖ ደጊምና መብጽዓና እነሐድሰሉ መዓልቲ ምኻኑ ሓው ሓጋይቶ ኣዘኸኪሩ።

ንክብሪ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ሰፊሕ መግለጺ ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ብሓው ወልዱ ነጋሲ ብስም ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ ተወህቡን ተነቢቡን።እቲ ጽሑፍ ብፉሉይ ንዘናዊ ምቅላሕ ብማለት ተሰዲዱ ነንበብቲ ቀሪቡ ኣሎ።
ናይ 2015 ዓ. ም በዓል ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፈልዮ እንተልዩ ሰፊሕ ክፍሊ ህዝብና ካብ ፍርሒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተላቂቑ ብግሁድ ኣብ ህዝባዊ ናይ ተቓውሞ መድረኽ ክሳተፍ ምጅማሩ ብብሩህ ይርአ ኔሩ።ቅድሚ ሕጂ ብስፍሓት ኣብ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኣኼባታት ዘይመጽእ ዝነበረ ክፍሊ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ በዓል ባሕቲ መስከረም ዓብላሊ ቍጽሪ ኔሩዎ።
ዓወት ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልስና!!!!

ቸካጎ 8/29/2015 ዝ
ናብ ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጽንብል
መበል 54 ባሕቲ መስከረም ቸካጎን ከባቢኣን
ብመጀመርታ ነዚ በዓልዚ ከይተሓለሉ ግዜኦምን ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውፋይ ኣዳልዮም በዓል ሓደ መስከረም ብሓባር ንምብዓል ዘብቅዑና መንእሰያትን ተሓባበርቶን ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ ወሰን ዘይብሉ ምስጋናይ እንዳመሓላለፍኩ ካብዚ ተሳታፊ ምዉቕ ጨብጨባ ክወሃቦም ብኽብሪ እዕድም!!!
ሎሚ መበል 54 ዓመት ጽንብል ሓደ መስከረም ከነብዕል እንከሎና ስለምንታይ ነብዕሎ ከምዘሎናን ምምርማርን ክንመሃረሎም ዘሎና መዕራፋት ምንጻርን ኣገዳሲ ከይኑ ይስምዓኒ።ብመንጽር ውጽኢት ዝሓለፉ ምዕራፋት ኣብ ጉዕዞና እንታይ ኣመዝጊብና ኣሎና እንታይከ ተሪፉና ኢልና ክንመዝን ናይዚ መዓልቲዚ ቅንዲ ዛዕባታትና ክኸውን ዝግበኦ እዩ።
ኤርትራ ብ መግዛእቲታት ቱርኪ፡ ጥልያንን ኢትዮጵያን እንዳተሰጋገረት ድሕሪ ምምጻእ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ሃገርዊ መልክዕ እንድሓዘ ዝመጽአ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ቃልሲ ገንፊሉ ኣብ መስከረም 1፡ 1961 ዓ.ም ብመሪሕነት መሓመድ ኢድሪስ ዓወተ ዝተመርሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ተኣወጀ።ባሕቲ መስከረም ነቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝካየድ ዝነባረ ጸረመግዛእታዊ ተቓውሞ ናብ ህዝባዊ ብረታዊ ዓመጽ ዘሰጋገረት መዓልቲ እያ። ኣዋጅ ባሕቲ መስከረም ነቲ ካብ 1961ን ክሳብ እዚ ዕለትዚ ዝኸፈልናዮ ካብ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ መስዋእቲ ቀንዲ መነሃርያ ታሪኻዊት ዕለት እያ።
ባሕቲ መስከረም ዘወላዓቶ ሽግ ኣብ ጉዕዞ እንዳበርሀ ዝመጽአ ቀንዲ ዕላማታቱ ምቛም ልዑላዊት ኤርትር፡ ሰላምን ቅሳነትን ፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ናይ ምዝራብ መሰል፡ ናይ ምንቅስቓ ነጻነት፡ ናይ ምጽሓፍ ነጻነት፡ ምክባር መሰላት ወዲሰብ….ወዘተ ከምዝነበረ እቶም ነዚ ዘርከብናሉ ብስም ነጻነትን ሓርነትን ንፈልጦ ኢና።ሎሚ እዚ ዕላማታትዚ ብሓጺሩ ምእንቲ ዲሞክራሲ ከምዝነበረ ሩህ እዩ። ነዚ በዓልዚ ከነብዕሎ ከሎና ነቶም ኩሎም ምእንቲ መሰል ህዝቦምን ክብሪ ሃገሮምን ንሽግ ባሕቲ መስከረም ብምልዓል ክሳብ ሎሚ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኤርትራ እንዝክረሉን ዕለት እዩ። ነቲ ሓርበኛታት ኣሕዋትናን ወለድናን ክሳብዚ ጊዜዚ ወሊዖሞ ዝመጽኡ ሽግ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ መብጽዓ እንኣትወሉ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ናይዚ ተጸዋዒ ምዃኑ ከስምረሉ ኣፍቅዱለይ።
ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ ካብ እተረጋግጽ 24 ዓመታት ኣሕሊፋ ኣላ።ሎሚ ኵነታት ህዝብናን ሃገርናን ክንመዝን እንኮሎና ብዘይካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃገርና ማዕቢላ ዝብሎ ኣብ ኣዚዩ ኣሰቃቕን ኣስጋእን ሃለዋት ክም እትርከብ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን።ንብከቢድ መስዋእቲ ዝተርኽበ ነጻነት ሃገርና ዲክታቶራዊ እሰያስን ጃንዳኡን ብምጭዋይ ንህዝብና ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ውጋእት ብምጽማድ ኣደዳ ሰፍ ዘይብል ቅዝፈትን ስደት ክኸውን ኣሳጢሕዎ እዩ።ሎሚ ካብ ጐሊሖም ዝረእዩ ሓያሎ ዕንወታት፡
- ኤርትራ ብዘይቅዋምን ብዘይትካልን ብዲክታቶር ኢሰያስን ጃንድኡን ብዘይ ሓጋግን ፈራድን ተቈጻጻርን እትመሓደር ሃገር እያ።
- ህዝብና ብሰንኪ ስእነት ስራሕን ክብደት መነባሮን ብብዝሒ ይሰደድ ምህላዉን ሃገርና ካብተን ዝለዓለ ፐርካፒታ ስደተኛታት እተፍሪ ሃገር ምኻና ሎሚ ንኹሉ ብሩህ እዩ።
- መንእሰያትና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርያዊ ኣገልጉሎት ብምጽማዶም ካብ ዓቕሊ ጽበት ኣደዳ ስደትን ማእለያ ዘይብሉ ቅዝፈታትን ተሳጢሖም ምህላዎም ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
- ዲክታቶራዊ ስርዓት በሽሓት ዝቝጸሩ ፖሊትካዊ እሱራት ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ይርከቡ። ብዙሓት ካብዚኣኦም ኣደዳ ሕማማትን ሞትን ብምዃን ኣብ ብገዛእ ዝተቓለስሉን ዝተሰዉእለን ሃገር ክሳቐዩ ይርከቡ።
- ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዝኾነ ሓላፍነት ዘሎዎ ወታሃደር ንማንም ብዘይገበን ወይ ክእስር ዘይክእል ገበን ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ንዘይተወሰነ ጊዜ ዝሳቐዩ ኤርትራውያን ቍጽሪ የብሎምን።
- ነጋዶ ሓረስቶትን ኮታ ኵሎም ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎም ኣብ ወትሃደራዊ መደበራት ባራዩ ወታደራዊ መኮንናት ኤርትራ ብምዃን ድኻታት ስድራቤታት እቲ ክሰርሕ ዝኽእል ስለዝጐደሎም ብጥሜት ክሳቐዩ ይርከብ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድርቂ ኣትዩ ዝናም ከም ዘይዘነበ ሎሚ ዓመት ኵላትና ሰሚዕና ኢና ።ሰብን ከብትን ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ኣስጋኢ ጥሜት ተሳጢሖም ይርከቡ ኣለዉ። ከባቢ ዘሎዋ ሃገራት ረድኤት ክደልያን ክሕግዝን ሬድኤት ክሓታን ሸበድበድ ክብላ ከለዋ ኣቶ ኢሰያስ ብረት ዘይተሸከሙ ደቂ 60ን 70ን ዝተረፍዎ ከይህልዉ ኣብ ግፋ ምክያድ ጥራሕ እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ብግምተይ ወላ ብዙሕ ህዝቢ እንተሃለቐ ንሕና ከም ኢትዮጵያ ኣንስደድን ኢና ብጥሜት ኣይንመውትን ኢና ከምዝብል ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ዓለም ኣብ ኤርትራ ጥሜት ኣሎ እንተበሎቶ ንሕና ገንዘብ እዩ ዘድልየና እምበር ሓገዝኩም ኣይንደልን ኢና ከም ዝብሎም ቅድሚ ሕጅውን ሰሚዕኩሞ ኢኹም።
- ሎሚ ኤርትራ መደበር ብልሽውናን ናይ ደቂ ሰባት ንግዲ ዝካየደላ ሃገር ምዃና ካብ ክሉ ኤርትራዊ ዝተኸወለ ኣይመስለንን።ኣብ ዝካየድ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ገንዘብ (ጉቦ) ከይከፈልካ ከተስልጥ ጸገም እዩ። ህዝቢ ኣደዳ ኮሚኒስታዊ ዲክታቶርያውነት ስርዓት እሰይስ ተሳጢሑ ምህላዉ ምስጢር ኣይኮነን።
- ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ደርግ ወይውን ሃይለስልሴ ተሳኢኑ ዘይፈልጥ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ቴሌፎንን ማይን ኣብ ኣስመራን መላእ ኤርትራ ጸገም እዩ። እዚ ንምንታይ ኩሉ ውጻእታቱ ዲክታቶር እሰያስ ኣብ ውግእ ወይ ድማ ንናይ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተቓውሞ ጥራሕ ንምድጋፍ ስለዘውዕሎ እዩ።
- ንኩሎም ነጋዶን ወነንቲ ቤት ዕዮን ንከይሰርሑ ብናቱ ዘተቀረጸ ኣቝሑት ጌሩ ስለዝወዳደሮም ገንዘቦም ሒዞም ካብ ኤርትራ ብምውጻእ ኣብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ኬንያን ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይሰርሕሉ ኣለዉ።ኤርትራ ከኣ ስራሕ ኣልቦ ኰይና ኣላ። ኤርትራ ካብ ኮሙኒስታዊ ዲክታቶርይዊ ስርዓት እሰያስ ድኽነትን ስደትን እተዘኮይኑ ዝረኸበቶ የለን።
- ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሽ ናይ መጐዓዝያ ጽርግያታት ዝነበራ ሃገር እያ ።እዚ ድማ ጥልያን ንመጐዓዚ ወትሃደራቱ ኢሉ ዝሰርሖ ስለዝነበራ እዩ።ሎሚ እቲ ቅጥራን ዝነበረ ጽርግያታት ቕጥራን ምዃኑ ከተለልዮ ኣሸጋሪ ኰይኑ ኣሎ። ካልእ ይትረፍ ሎሚ ጽርግያታት ከተማ ኣስመራ ጐዳጕዲ ዝመልኦ ኰይነ ይርከብ።
- ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት እሕዋትናን ኣዲኤታትናን ወሊደን ዘዘዕበዮኦም ቈልዑ ዓቅመ ኣዳም ከይኣኽሉ ካብ ኢደን ሳዋ ብምውሳድ ኣደዳ ናይዚ ስርዓትዚ ብልሽውና ክዀኑ ጸኒሖም እዮምን ኣለዉን።
- ኮሙኒስታዊ ዲክታቶርይዊ ስርዓት ኤርትራ ናይ ሃይማኖታት ነጻነት ስለዘየፍቅድ ንቡዙሓት ኣመንቲ ቤተክርስትያናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምድጓን ኣበይ ኣለዉ ዘይብሃሉን እዮም።ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከይተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝኩም ተረኺብኩም ብማለት ዝኣሰሮምን ዘሳቐዮምን ዉሑዳት እይኰኑን።
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክንርኢ ከሎና እቲ ሓፋሽ ህዝብና ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነቱ ብዲክታቶር እሰያን ጃንድኡን ተጨውዩ ከም እተሰርቐ ኢና ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኩሉ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ነዚ ከምጽእ ከምዘይተቕለሰ ንማንም ርዱእ እዩ። ሓፋሽ ህዝብና ብእምነት እቲ ኩሉ ጸጋታት ነጻነት ክጽበ ጸኒሑ ሓንቲ ግን ኣይረኸበን።ምናልባት ኩሉ እሰያስ ን ጉጅልኡን እዩ ኣምጺእዎ ንብል ንኸውን ግን እቲ ዝበዝሕን ዝመረረን እቴ ስርዓት ይኸውን እዩ፣እቶም ኣብቲ ሰውራ ዝተሳተፉውን ገለ እጃምና ከምዘለና ክንዝንግዕ የብልናን።ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል “ምእንቲ እዛ መጎጎ ትሕለፍ እዛ ኣንጭዋ ነጻነትናሞ ንርከብ” ዝብል ኣብሃህላ ኣብዚ ካብዘብጽሓና እዩ።ሓደ ሓው ከምዝበሎ ንሕና መንእሰያት ናይቲ ሰዓትቲ ገስገስቲ ኣድሓርሓርቲ ዝብል ቋንቍኛ ኔሩና እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ጊዜቲ ገለ ናይ ትምህርቲ ዓቕሚ ዝነበርና ክንግስግስ ኮሚኒዝም ኣብ ሃገርና ከነተኣታቱ እንሓልሞ ዝነበርናን ድቃስ ስኢና እንሓድረሉን ዝነበርና ኣተሓሳስባ ኔሩ እዩ። ሎሚ ኮሙኒዝም ማለት ድክተቶርነት ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዲክተቶርነት ኣብ ምንጋስ ግደ ኔሩና እዩ። እዚ ድማ ነዚ ሓድሽ ወለዶ መማሪ ክኾኖን ክጥንቀቕሉን ይግባእ።
ሎሚ በዓል ሓደ መስከረም ከነብዕል ከሎና ናይ ዝሓለፈ ጥራሕ ዘርዚርናን ኣምጕስናን ነቒፍናን ክንሓልፍ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘይተወድአ ዕማም ከመይ ንርእዮን መደባት ኣውጺእና ነሰላስሎን ናይዚ ወሎዶዚ እጃም ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ተቓወምትን ደገፍትን ዝብል ኣከፋፍላ ብሓደ ሸነኽ በቲ ካልእ ድማ ኣብ ዝተፈናጨለን ቀዳምነታቱ ዘይውገነ ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሓይልታትን ተገዛዚዑ ንርእዮ።ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት እሰያስን ጉጅለኡን ንኤርትራ ኣብ ዕንወት ይመርሓ ከምዘሎ ወላ በእቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ዝበሃሉውን ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ።ምናልባት እቲ ዝዓበይ ፍልልያትና ኣብ መን ይቐይሮን ብከመይ ይቀየርን ዝብል እዩ።
ኣብ ፍትሑ ክንጥምት ከሎና ኣብ ምልጋስ እዚ ስርዓትዚ ናይ ሓባር ረብሓ ከምዘሎና ምርዳእ የድልየና።ደገፍቲ ዝጸናሕና ዲና ተቓወምቲ ዝጽናሕና ብጉዳይ ሃገርና ዝመጽአ ህዝብናን ሃገርና ከም እነፍቅር ክንስሕቶ የብልናን። እንተኰነ ግን ኣብ ብኸመይ ሃገርና ነዐርያ ፍልልይ ይህልወና ይኸውን እዩ።ኣብዚ ሰዓትዚ ኣብ ብሓባር ከበግስ ዝኽእል ሰዓት(ground zero) ዝኣኸለ ይመስል።ከም ቀንድን መበገስን ብምክብባር ኣብ መንጎ ደገፍቲ ነበርን ተቓወምትን ሰፊ ዘተን ብምጅማር ሓደ ረብሓ ሓደ ዕላማ ከምዘሎናን ኣብ ዓሌት፡ኣውራጀ፣ ሃይማኖትን ካልእ ፍልልያትን ናይ ዘይምትእምማን ምልክት ዝመስል ነገራት ሰጊርና ደቂ ሓደ ሃገርን ሓደ ረብሓ ከምዞና ምስጢር ልቦናታትና ንፈትሽ። እቲ ዝዓበየ ምፍንጫል ኣብ ውሽጢ ህዝብና ኢዚ እዩ.ነዚ ኣንተሰጊርናዮ እቲ ዝተረፈ ቀሊል እዩ።ገሌና ደገፍቲ ገሌና ተቓወምቲ ተመሊስና ነቲ ዝሓለፍናዮ ብባሕቲ መከረም ዝተጀመረ ንመልከት ኣብኡ ክንስለፍ ከሎና ጌሌና ተቕወምቲ ጌሌና ኣንድነት ኢና ኔርና። እቲ ዝሓለፈ ፍልልይ እኳ ይገፍሕ ግን ተፈቲሑ ። እዚውን ክንሰግሮ እንኽእል ፍልልይ እዩ።
ኣብ መጨርሻ ነዚ ዝሰፍሐ ተሳታፊ ባሕቲ መስከረም ዝኾነ መንእሰይ ክብሎ ዝደሊ መጻኢ ዕድል ህዝብና ኣብ ኩላትና ዝምርኮስ እኳ እንተኾነ ብፍላይ መንእሰይ 70% ሕብረተሰብና ብምኻኑን ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሞተረ ለውጢ ብምኻኑ ናይዚ መድረኽዚ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ ክሳድኩም ከምዘሎ ከዘኻኽርም እፈቱ።መንእሰያት ዝተፈላለይ ረብሓታት የብሎምን፣ስለዝኾነ ድማ ሓድነቶም ከደልድሉ ኣብዚ መድረኣኽዚ ኣገዳሲ እዩ።ገለ መንእሰያት ዋላኳ ብዙሕ ሽግራት በቲ ስርዓት ተጓኒፍዎም ኣብዚ ይምጽኡ ናይ ምሕረት ወረቐት ብምፍራም ኣገልቲ ናይቲ ስርዓት ክዀኑ ይርእዩ ኣለዉ።ነዚኦም ብምርዳእን ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ናይ ምውጽኦም ሓልፍነት ክትሽከሙ እላቦወኩም። ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ገልገለ ኩርንዓት ናይ መንእሰያት ናይ መንእሰያትን ናይ ዓበይትን ዝብል ኣከፋፍላ ናይ ቃልሲ ክርአ ስለንርኢ ንቃልሲ መዳኸሚ ድኣምበር ክሕግዝ ዝኽእል ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም ኔው ክትብልዎ ክላበኩም ኣፍቅዱለይ።እዚ በዓልዚ ክንገብር ከሎና ንምምስራት ማሕበር ደለይቲ ንፍትሒ ቸካጎ ብምኻኑ ተጻዊትናን ሳዕሲዕናን ክንከይድ ዘይኮነ ነቲ ቅንዲ ተልእኾ ንኸርሳዕ ኣበርቲዕና ክንቃለሰሉ ሓደራ እብለኩም።
ዘለእለማዊዝኽሪ ንስዉእትና!!!
ዓወት ንህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልስና!!!!!
ዓወት ንህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልስና!!!!!
ልዕልና ሕጊ ክነንግስ ኢዩ እቲ ሕቶ
ንሱ ኢዩ ንኣፍደገ ሰላም ዝኸፍቶ
ንኡ ሰጊርካ ምኻድ ፍትሒ ነይርከብ ከቶ
እንኮ መገዲ ንሱ ኢዩ ንጽላእ ንፍቶ
ሻርነትን ኣድልዎን ዝገበረ ብርሃን ከሎ ይጽልምቶ
ሓቂ ገዲፉ ደንበርበር ይብል ቦሶላኡ ከም ዝጠፍኣቶ
ኣብ ልዕልና ሕጊ ብምጽናዕ ኢዩ ዓዲ ዝእቶ
ሕጊ ተኸቲሉ ዝኸይድ ዲሞክራሲያዊ የብሉን ዝዓግቶ
ናተይ እንተዘይሰማዕኩም ግን ኣይብልን ገደል ይእቶ።
ብውሽጥን ደገን ሓቢርና ከይንስጉም ዝሕንኩሉና
ዓቕልና ክጽንቀቕ ተስፋ ከቕሩጹና
ኣቕልና ኣይነጽብብ ትዕግስቲ ኢዩ ጽንዓትና
ኣለና እወ! ክንብድህ ንኹሉ ተጻጊምና
ዲሞክራሲያዊ መትከልና ክዕወት ፍልልያት ተጻዊርና
ክንሰግሮ ኢና እወ ንጽንኩር ኩነታት ዘጋጥመና
ኣብ መትከልና ጸኒዕና ወለቕ ዘለቕ ከይበልና
ምትእምማን ዘስርጽ ልዕልና ሕጊ ተኸቲልና
ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክነግስ ክሃስስ ፍልልያትና
ኣሳታፍነት ኢዩ ሓባሪ መገዲ ዓወትና
ስምምዕ ከኣ ቀንዲ መሐየሊ ቅላስና።
ዓብላሊ ተዓብላሊ ነንሓድሕዱ ከይሓንሓነ
ዲሞክራሲያዊ ሕጊ ተኸቲሉ ዓጊቡ ክዳነ
ንረብሓታት ከይጠመተ ንምልኪ ክገብሮ ዕነምነ
ብስምዒታት ተጠቒዑ ንካልኦት ከጥቅዕ ከይሃቀነ
መልሓሱ ካልእ ግብሩ ድማ ዝቘንቘነ
መትከል ኢዩ ፈራዲ ክዕሉቕ ዝፈተነ።
ሱር ከዲዕዎ ገረብ ኣይጠጠዐን
ቆጽሊ እውን ነቒጹ ሙቘት ጸሓይ ኣይሰሓበን
ጉንዲ ጥራሕ ትርሪፉ ደሪቑ ኣምበር ኣይጠለለን
ዲሲፕሊን ስኢኑ ዲሞክራሲ ኣይሰፍሐን
ሕጊ ይጠሓስ ምትእምማን ኣይሰሰነን
ግብሪ እምበር ብኣፍ እምነት ኣይሰርሐን
ሓሳብን ግብርን ጌና ሓደ ኣይኮነን
እቲ ቃልሲ እውን ዛሕቲሉ ኣይሓነነን
ሓሳባት ከይቀራረብ ወግሐ ጸብሐ ይበታተን
ኣብ ነፍስና ጌና ለውጢ ኣይተገብረን
ብኸምዚ መገዲ ኢሰያስሲ ክወድቕ ኣይኮነን።
ኢደይ ኢድካ ንበል ንሰጉም ብሓበራ
ሓቂ ትቕልቀል ኣላ ንኹሉ ስዒራ
ዘራጊቶ ዝፈዂሰላ ዝቃላዕ ሱራ
ቅሂማ ክትተርፍ ሰላም ክትረክብ ኤርትራ።
ድራር መንታይ
ኣብ ዓለምና ከም እንዕዘቦ ኣብ ሓደ መንግስቲ ይኹን ሰልፊ ናይ መሪሕነት ምርጫ ክግበር ከሎ ነናቱ ዝግዘኣሉ ሕጊ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ግና ኩሉ ግዜ ሓዲሽ መሪሕነት ምስ ተመረጸ ናይ ምስርካብን፥ ከምኡ እውን ናይ ምውኽኻስን ግዜ ከምዘድልዮ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ሓቂ ኢዩ።
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን እንተኾነ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ዝገብሮ ጉባኤታቱ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ምርጫ ንሓዳስ ባይቶ ኣብ ጉባኤታቱ ከምዝመርጾ ዳርጋ ሎሚስ ምስ ዕድመ ቃልስና ዝዳረግ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብዚ ናይ 2015 ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነ እንተልዩ እቲ ቅድሚ ሎሚ እታ ዝነበረት መሪሕነት ነታ ሓዳስ መሪሕነት ስልጣን ክተረክብ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ክወሃባ ዝብል ዝነበረ ኣብ ናይ 2015 ጉባኤ ግና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከተረክብ ከምዘለዋ ኢዩ ተወሲኑ። እዚ ከኣ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ኢዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እውን ከምዚ ኣገባብ እዚ ንኽተኣታቶ ናይ ኩልና ባህጊ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ንጽቡቕ ብኽፍኣት ወይ ብኣሉታ ክትርጎም ኣይግባእን።
እንታይ ኢዩ እቲ ቀንዲ ግዜ ናይ ምርኽኻብ ምንዋሕ ዘድለየ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ናይ ግዜ ምንዋሕ መገላበጢ ዕድል ስለዝህብ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ስራሓትካ ኣጻፊፍካን ንመጻኢ ዘድሊ ቀይስካን ምኻድ ብሃታሃታ እንተፈጽምካዩ ኣይብሱል ኣይጥረ ኮይኑ ከይሓልፍ ብማለት ኢዩ እምበር ካልእ ሽግር ወይ ዉጥረት ስለዘለዎ ኣይኮነን። ብዝኾነ ግን ደላይ ክፉእ ወይ እውን ነቲ ጽቡቕ ብኽፍኣት ክቕይር ወይ ትርጉሙ ክልውጥ እሞ ኣብ ህዝቢ ምድንጋር ንኽፍጥር ኢሉ ካብ ዝገብሮ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን።
እስከ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነታ ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 20-08-2015 ኣብ መርበብ ሓበረታ መስከረም ነት ኣርእስቲ ዘይብላ ዝተለጠፈት ጽሕፍቲ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምውድዳር ክተንብብዋ ሓደራ እብል። ኣንቢብኩም ድማ ሚዛንኩም ክተልዕሉ ይላቦ። እታ ተለጢፋ ዘላ ጽሕፍቲ ቃል ብቓላ ከምዚ ትብል፡ “ኣብ ሰዓቱ ንኣፍልጦኻ ሕጂ እውን እነሆ፥ ሓዲሽ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ 2015: ድሕሪ ሰሙናት ወረድ ደይብ ሎሚ መዓልቲ ንመንግስተኣብ ኣቦ መንበሮም ንሓደ ዓመት ምስ ከቢድ ወጥርታቱ ከም ኣቦ-መምበር ሰልፊ መርጮሞ ኣለዉ።’’
መጀመርያ እቲ ሓበረታ ዝሃበ ኮነ ኢሉ ንመስከረም ነት ዘደናገሮ ወይ እውን ባዕሉ መስከረም ነት ነቲ ዝተዋህቦ ሓበረታ ኣዘናቢዑ ዝጸሓፎ ኢዩ ዝመስል። ከመይሲ እታ ‘’ድሕሪ ሰሙናት ዉረድ ደይብ ሎሚ መዓልቲ‘’ እትብል ሓረግ መቃመሚ ናይ ክፉእ ሓሳባት እምበር ናይ ቅንዕና ሓሳብ ከምዘይኮነ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ። እዚ ከኣ ጉባኤ ብዕለት 30-07-2015 ተደምዲሙ ቡኡ ንብኡ ከኣ ናብ ፈስቲቫል ተኣትወ። ክሳብ እታ ሓዳስ መሪሕነት መዝነታ እትርከብ ከኣ እታ ዝነበረት መሪሕነት ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ነቲ ሰልፊ ክትመርሕ ስልጣን ብጉባኤ ተዋሂብዋ ኢዩ። ኣብ ዕለት 02-08-2015 ድማ በቶም ብኣካል ዝተረኽቡ ኣባላት ሓዳስ ባይቶ ናይ ንኡስ ኣኼባ ተኻይዱ ንኹሉ ዝጥዕም ዕለተ ኣኼባ ድማ ዕለት 16-08-2015 ክኸውን ብስምምዕ ተወዲኡ። ከምታ ስምምዕ ከኣ ዕለት 16-08-2015 ካብ 33 ኣባላት መሪሕነት 2 ብብቑዕ ምኽንያት ዝቦኾሩ ኣኼባ ተኻዪዱ ንእቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ከኣ ብምሉእ ድምጺ ኣቦ-መንበር ክኸውን መሪጹ። እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ ካልእ ወጥርታት ኣይነበሮን።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ፡ ምኣስ ድዩ ስልጣኑ ዘረክብ? መስከረም.ነት ኣብ ክንዲ ክፋእ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ነገር እንተትምህር ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ምተጠቕመ ነይሩ!!!
ንእግረ መገድይ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ ናይ ዜና ማዕከናት ብዝተኻእለ መጠን ንበዓል ጉዳይ ተወኪሰን ንህዝብና ሓቂ ዝኾነ ሓበረታ ከስንቓ ይጥለባ። ምኽንያቱ ልዕሊ ዋንኡ ዝፈልጥ ቡዳ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን እሞ እቲ ስነምግባር ናይ ዜና ማዕከን ብግቡእ ምጥቃም ንኹልና ከርበሓና ይኽእል ኢዩ።
ብድራር መንታይ
1961 2015

ንዕለት 05 09 2015 ኣብ ኮለን ብምኽንያት መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራን አገዳሲ ሕዝባዊ ሰሚናር ከምኡ እውን ምሽታዊ ትልሂትን ደለይቲ ፍትሒ ኣዳልዩልኩም ሰለዘሎ ንኩሉኹም ደለይቲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኤርትራ ብኽብሪ ይዕድም፡
መደብ ልክዕ ስዓት 02 ድሕሪ ቀትሪ ክጅማር "እዩ ስሚናር ብመራሕቲ ሰልፍታትን ውድባትን ክካየድ ኢዩ ድሕሪ ድራር ማለት ስዓት 09 ምሽት ናይ ባህላዊ መደብ ድማ መንእሰያት ዘለዓዕል ባህላውን ስነ-ጥበባውን መዘናግዕታት ክህልወና ኢዩ።
ኣድራሻ Rom ev Venloer wall .17 50672 köln- ehrenfeld mit linia 3.4.5 hansbockler platz
ብድሓን ምጹ
ኣዳለውቲ ሽማግለ መኣዲ ፍቕሪ Tele 015212963663 01577448859 015789586150 017672272845
ኣገዳሲ ሕዝባዊ ጻዋዒት
Wednesday, 19 August 2015 07:14 Written by Initiative gegen Tod im Mittelmeer 2009 e.V.; Förderverein Pro Asyl Borderline-europe / Menschenrechte ohne Grenzen e.V. Ök. Arbeitskreis Flüchtlinge Trinitatiskirche Bonn-Endenichምዝካር
ምስትንታን
ምርኻብ

ብሽም ኩሉ ሃይማኖታት ዓለም ጸሎት ንግዳያት ባሕሪ ን ሳ ህ ራ ን
Samstag, 29. August 2015 14.00 Uhr
im Anschluss:
ዝ ጅ መ ል ረ ሉ ስዓ ት 1 4 0 0 ድ ሕ ሪ ቀ ት ሪ

Trinitatiskirche Bonn-Endenich, Brahmsstr. 16
Veranstalter/Unterstützer:
Initiative gegen Tod im Mittelmeer 2009 e.V.
Förderverein Pro Asyl
Borderline-europe / Menschenrechte ohne Grenzen e.V.
Ök. Arbeitskreis Flüchtlinge Trinitatiskirche Bonn-Endenich
ኣገዳሲ ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ እምስተርዳም።
Wednesday, 19 August 2015 07:12 Written by ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣማስተርዳምን ክባቢኣን።ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ንኹሎም ኣባላቱን ደገፍቱን ጠቕላላ ዓመታዊ ኣኼባ መዲቡ ስለዘሎ ፣ ንኩሉኩኹም ብኽብሪ ይዕድም።
| ዕለት | 5 መስከረም 2015. (05-09-2015) | |
| ጊዜ | ሰዓት 2:00 ድሕሪ ቀትሪ | |
| ቦታ |
Kempering 66 1104 KG Amsterdam. |
|
| መጓዓዝያ | Metro 53 (station Kraaiennest) | |
| ሓበሬታ | Telephone | |
እጀንዳ።
- ዓመታዊ ጸብጻብ ምስማዕ፣
- ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ምምራጽ፣
ብደሓን ምጹ።
ኣምራጺት ሽማግለ፣
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣማስተርዳምን ክባቢኣን።
ከምቲ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይከ እንታይ ትደሊ ደሓን” ዝበሃል ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝደሊ ንኹልና ንጹር እዩ። ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ፡ ብርጫ ዝድይብን ዝወርድን፡ ብዙሕነት ዘይጽየፍን ንድምጺ ህዝቢ ዘኽብርን ብዙሕነታዊ መንግስቲ ይደሊ። ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ዘሳሲ ኩነታት ይብህግ። ሎሚ ኣብ መድረኽ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሰብ ጉዳይ እውን፡ ውድባት ይኹኑ ሰልፍታት ወይ’ውን ማሕበራት ካብ ናይዚ ህዝቢ ድሌት ዝተፈልየ ድሌትን ባህግን ከም ዘየብሎም እዮም ዝገልጹ። ድሌትን ሕልምን ህግደፍ ግና ናይዚ ተጻራሪ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ክልተ ተጻረርቲ ድሌታት እዮም ዘለዉ። እቲ ናይ ቃልሲ ኣቕጣጫን ኣሰላልፋን እውን ከምኡ ደድሌትካ ናይ ምዕዋትን ምክልኻልን ስለ ዝኸውን ክልተ ተጻረቲ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ።
ድሌት ህዝብናን ናይ ለውጢ ሰብ ጉዳይን ንክዕወቱ ክማልእሎም ዝግበኦም ቅድመ ተደላይነታት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣተሓሳስባኻን ዓቕምኻን ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ጸሚድካ ምቅላስ ካብቲ ቅድሚት ዝስራዕ ቅድመ-ተደላይነታት ሓደ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ሃዋህው ኣንጻር ህግደፍ ዘተኣማምን ዓወት ምርግጋጽ ኣይከኣልን እዩ። ወሳኒ ግደ ናይዚ ኣገዳሲ ዕማምዚ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነስ ብመሰረቱ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከም ሓደ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ናይ ርኢቶ ብዙሕነት ዝተመስከረሉ እዩ። እዚ ካብ ምግባር በዂርካ፡ በበይንኻ ወፊርካ ክትዕወት’ሞ ዘተኣማምን ቀጻሊ ስኒት ከተምጽእ ምኽኣል ሕልሚ ምዃኑ ንምርዳእ ርሑቕ ኣይክንከይድን ኢና። ናትና ናይ ነዊሕ ዓመታት በበይንኻ ሸንኮለል ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዘለና። ካልእ ንወስኸሉ እንተ በልና ከዓ፡ ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ናይ ሊቢያ፡ ናይ ሶርያ፡ ናይ ሶማልያ፡ ናይ ዒራቕን ካለኦት ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣብነታት ክንዝርዝር ንኽእል ኢና።
ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብቲ እትሰማማዓሉ ዛዕባታት፡ ብሓባር ተቐራሪብካ ምስራሕ እንዳደለናዮን እንዳኣመናሉን፡ ከይንትግብሮ ዝዕንቅጹና ጉዳያት ብዙሓት ኮይኖም፡ እውልል ኣቢልና ክንርእዮም እንከለና፡ ስስዐ፡ ህልኽ፡ ምጽውዋግን ንድሕሪት ምጥማትን ኢልካ ምጥቕላሎም ይከኣል። ስስዐ ብልምዲ ምስ ፍትወተ ንዋይን ገንዘብን ጥራይ እንዳዛመድና ኢና ንገልጾ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና እቲ ካብኡ ዝኸፈአ፡ ስሰዐ ብ”ኣነ ዝሓስቦ ጥራይ እዩ ቅኑዕ እሞ ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ ስምዑ” ዝግለጽ ናይ ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ ቅሩብ ዘይምዃን ሕማም መግለጺ እዩ። ነቲ ኣብ ኣርእስቲ “እምባ” ኢልናዮ ዘለና ከም ናይ ደንበ ተቓውሞና ቃልሲ ሜዳ እሞ ንውሰዶ፡ እዚ ሜዳ’ዚ ብሓባር ተዘይተዋሲእካሉ ውጽኢት ከም ዘይህብ እንዳፈለጥካ “በይነይ ብሒተ ክወርሶ እየ” ኢልካ ምሕላን ከምዚ ኩነታትና ባዕሉ ዝምስክሮ ዘሎ ጐዳኢ ምርጫ እዩ። ንመጻኢ እውን ዓቕምኻ ምውዳእ፡ ግዜኻ ብዘይፍረ ንምሕላፍን ህዝቢ ዘንበረልካ እምነት ምንካይን ተዘይኮይኑ ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛ ጉዳያትን ብሓባር እንተዘይወጺእና ከቶ ከምዘይንዕወት ክንፈልጥ ይግበኣና። እቲ ዘሕዝን ከዓ ነቶም መልክዕናን ግርማናን እዮም ኢልና ንንየተሎም ብዙሕነትና በብሓደ እንዳመዝሓቕና መሸፈኒ ድኽመታትናን መፈላለይን ክንጥቀመሎም ንገብሮ ዘተዓዛዝብ ሃቐነ እዩ።
እቲ ካልእ ዘተሓሳስብ፡ ኩነታትና ኣንጻር’ቲ “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝብል ንመጻኢ ዝቋመት ትስፉው ምሳለ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ። ማለት ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ኣሉታዊ ምርጫ ተጣዒስና ናብ ልብና ንምለስ፡ ንዓኡ እሞ ድማ ዝረቐቐ ስልቲ እንዳቐየርና ንደጋግሞ ምህላውና እዩ። እዚ ንግደ ትማልን ንጽባሕን ዘንጊዕና ኣብ ሎሚ ጥራይ ንነብር ከም ዘለና ዘመልክት እዩ። ኣብ ሓደ መጽሓፍ “ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ዝሓስብ እንስሳ እምበር ሰብ ኣይኮነን” ዝብል ኣንቢበ ኣለኹ። ንእንስሳ እንስሳ ንሰብ ድማ ሰብ ዘብሎም መልከዖምን ቅርጺ ኣካላቶምን ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ኣተሓሳስባኦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ብርሰትን ጥፍኣትን ደበና ኣሰኪፉካ፡ ውልቃዊ ድሌታትካን ስምዒትካን ውሒጥካ “ምእንቲ ህልውና ሃገርን ህዝብን ክብጀው ኩሉ ክኸፍል እየ” እንተዘይልካ እቲ ፖለቲካዊ ሚዛኑ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ንሰብኣውነትካ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትው እዩ።
ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ቃልሲ ነካይድ ምህላውና ሓደ ጉዳይ እዩ። እዚ ቃልሲ ዝኸውን ግና ብውጽኢት ክስነይ እንከሎ ጥራይ እዩ። ኮታ ሕጂ ዘለናዮ ሃለዋት ሓደ ተኽሊ፡ ተተኺሉ ኣብ ፍረ ከም ዘይበጸሐ ዝምሰል እዩ። እቲ ዝኸበደ ከዓ ዘሪእካ ምብቋል ዘይኮነ ነቲ ዝበቖለ ኣብ ፍረ ምብጻሕ እዩ። ብውጽኢት ኣብ ዘይተሰነየ ወይ ናብኡ ዝወስድ ትስፉው ኣንፈት ኣብ ዘይሓዘሉ፡ ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕካዮ ግዜን ኣብቲ መስርሕ ዘካየድካዮ ጉባአታትን ኣኼባታት ምጽብጻብ ጥራይ በይኑ ቃልሲ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ግዜን ኩነታትን ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ቃልሲ ናቱ ግዳማዊ ጽልዋ ኣለዎ። ናይቲ ኣንጻሩ ትቃለሶ ኣካል ድኽመት ወይ ብርታዐ እውን ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ እውን ግዳማዊ እዩ። እዞም ጸለውቲ ባእታታት ነናቶም ኣሰር ዘንብሩ እምበር ነቲ ንዓና ዝምልከት መሰረታውን ወሳንን ሓላፍነት ዝትክኡ ኣይኮኑን። ሓቂ እዩ ኣብዚ ሎሚ እዋን ጉጅለ ህግደፍ ብኹሉ መለክዒ ዕድሜኡ ኣብ ዘሕጽር ተግባራት እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ነቲ ከምስል “ብዘይካይ ሃገርን ታሪኽን ክህልወካ ኣይክእልን እዩ” ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣየዕንግሎን፡ ኣየሕክሞን፡ ኣይከድኖን፡ ኣየምህሮን፡ ንብዙሕ ጉዳያት የገድዶ፡ ኣየንግዶን፡ ኣብ ኩሉ ጉዳያቱ ኣየሳትፎን፡ ኣየዛርቦን፡ ኣየጽሕፎን፡ ኣየጸልዮን፡ የዘኽትሞ፡ የጻልኦ፡ የድክዮ፡ ይሸጦ … ወዘተ። ከምዚ ዓይነት ጸይቂ ዝባህሪኡ ጉጅለ ካብቲ ዝብድሎ ህዝቢ እቲ ናይ ክሳድ ንላዕልን ውሽጡ ሕሩርን ክምስታ ገዲፍካ፡ ሓቀኛን ልባውን ደገፍ ክረክብ ዘበት እዩ። ብኽንድዚ ደረጃ ምስ ህዝቢ ዝተዳመየ ጉጅለ ክወድቕ ከዓ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ናይቲ “ኣውዲቐ ክትከኦ እየ” ኢሉ ኣብ ቃልሲ ዝተጸምደ ኣካል ዕማም ብግቡእ ተዘይተኻይዱ፡ ወይ እቲ ጉጅለ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ይቕጽል’ሞ ስቓይ ህዝቢ ድማ መመሊሱ ይመርር። ወይ ድማ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ምቅርራብ ኣብ ዘይተገብረሉ ይወድቕ እሞ ኣወዳድቓኡ ሕማም ደሓር ዘለዎ ይኸውን። ህዝቢ ድማ ካብ ዝኸፈአ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ጸገም ይወድቕ።
እዚ ጌና በቲ ንደልዮ ቅልጣፈን ኣገባብን ዘይተጓዕዘ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ፡ ኣይኮነንዶ በበይንኻ ብሓደ ኮይንካ’ውን ቀሊል ሓላፍነት ኣይኮነን። ኣብቲ እንጥምቶ ናይ ርሑቕ ሽቶ ንክበጽሕ ኣብ ርሲቲ ናትና ዓቕሚ ናይ ብዙሓት ደለይቲ ዝቡቕና ወገናት ሓገዝን ምድግጋፍን ዝሓትት እዩ። እቲ ቀንዲ ዘዛርበና ዘሎ ግና፡ ንሕና እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ውሱን ግና ድማ ወሳኒ ዓቕሚ ጸንቂቕና ክንጥቀም ዘይምኽኣልና እዩ። እዚ እንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ቀዳማይን ቀንድን ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ምዃና ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ክንረኽቦ ዝግበኣና ከባቢያዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝን ደገፍን እውን በቲ ንሕና ካብ ዓቕምና ነቒልና እንገብሮ ኣስተዋጸኦ ዝውሰን ስለ ዝኾነ እዩ። ንሕና ኣብ ዘይመሰረታዊ ናይ “እዛ አምባይ መን ይወርሳ?” ህልኽ እንዳኹደድና ናይ ካለኦት ኣእዳው ምምዕዳው ግርምቢጥ እዩ ዝኸውን። ቅድም ኩሉ ዝከኣለካ ብዘይተጉላባ ምስ ገበርካ ዝጐድለካ ክትሕገዝ ምጽዋዕን ምምሕጻንን ግና ውሕሉል ናይዚ ዘመና ናይ ዝምድና ኣገባብ መገልጺ እዩ።
18 ነሃሰ 2015
ነታ ሓቂ ክደፍን ዝሃቀነ
ከንቱ ይተርፍ ማይ ዝሓቖነ
ኣብ ዓለም ይነብርከይቀሰነ
እብ ጸወታ ክዕሶ እግሪ ትፎዝያ ወይ ደጋፊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣሎ። እቲ ደጋፊ ግና ምስቲ ናይ ካልእ ጋንታ ዘባእሶ ወላ ሓንቲ የለን። ግንከ ካብ ስምዒትን ናይ ዕብለላን ትምክሕትን ወይ እውን ኣነ ክስዕር ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ኣብ ናይ ሕድሕድ ምግርጫዋት ይእቶ። ኩሉ ሸንኽ ድማ ነቲ ዳኛን ነቶም ናይ ወሰን መንጎኛታትን እዚ ገይሮም እቲ ፈጺሞም ክብሉ ነናቶም ፍርዲ ክህቡ ከለዉ ንረብሓ እታ ዝኣምኑላ ጋንታ ጥራሕ ኢዮም ዝጣበቑ።
እዚ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ቃልስናኸ ካብዚ ቲፎዝያ ናይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ይፍለዶ ኮን ይኸውን ወይ ዝመሳሰል ኢዩ ኩልና ክንመራመረሉ ዝግባእ ጉዳይ ኢዩ። ምኽንያቱ ንኣሎ ዝብሃል ፍልልያት ተመዓዲኻ ቱሕ ምባል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብምዝታይን ልዝብን ጥራሕ ኢዩ ዝፍታሕ። ኣብቲ ፍታሕ ናይ ምርካብ ድማ ቅንዕና ዝመልኦን ርትዓውን ዝኾነ ፍታሕ ክመጽእ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ ክኸውን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። እዚ ከኣ ከምቲ ዊልያም ፎልክነር ዝበሎ፥’’ ንቅንዕናን ሓቅን ርህራሄን ዓው ኢልካ ድምጽኻ ኣንጻር ወጽዓን ሓሶትን ስሰዐን ክብ ንምባል ፈጺምካ ኣይትፍራህ። ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ከምዚ ዝፍጽም ነይሩ እንተዝኸውን መልክዕ መሬት ምተቐየረ ነይሩ’’ ይብል።
እወ! ሓደ ስውራዊ ወይ ከኣ ንመላእ ሕብረተሰብ ናብ ፍትሕን ራህዋን ከሰጋግር ዝጽዕር ንሓሶትን ጠቐነን ወጊድ ክብልን፥ ንሓቂ ሓቂ፥ ንጌጋ ከኣ ጌጋ ክብል ዝደፍር ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር ሎሚ ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ማለት፡ እቲ ክቡር ባህልና ብምህሳሱ ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ባህልና ቅልውላው ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ሃገርናን ዓለምናን እውን ከይተረፈ እቲ ሓቂ ምዝራብ ዳርጋ እናማህመነ ከይከይድ የስግእ ኢዩ። ሓሶት ምዝራብ ካብ ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ዝበርተዐ ምዃኑ ኩልና ኣሉ ዘይንብሎ ሓቂ ኢዩ ስለዝኾነ ድማ መጥፍኢ መሬትን ህዝብን ኢዩ።
እምበኣር ነዚ ክቡር ባህልና ኣብ ንቡር ቦትኡ ክንመልሶ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ክምልሶ ዝግብኦ ይኸውን። ናይ ሎሚ ወለዶ ካብቶም ቀዳሞት ወለዶ ከምዝወርስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኮይኑ ግን እቶም ቀዳሞት ወለዶ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ በቲ ዝግባእዶ የስንቕዎ ኣለዉ? ዝብል ሕቶ እውን ክለዓል ግቡእ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀዳሞት ወለዶ ዝውረስ ካብ ሃለወ እቲ ዘውርስ ግቡኡዶ የካይድ ወይ ይገብር ኣሎ ዝብል ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ።
ስለዚ እቲ ገዲም ወለዶ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ከስንቖ ከሎ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ዘስንቖ ዘሎ ምድህሳስ ወሳኒ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ፓልቶክ ዝስማዕን ኣብ ውልቀ-ሰባት ዝንኦም ክብሉ ዝዛረብዎን እንተኾይኑ ብሓቂ ክእረም ዝግብኦ ከምዘሎ ትርዳእ ኢኻ። ምኽንያቱ ኣሎን ዘየሎን፥ ዝተገብረን ዘይተገብረን ኩሉ ሓዋዊስካ ምግላጽ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይብርክት። ንደቅና ይኹን ንነኣሽቱ ኣሕዋትናን ደቂ ሃገርናን ጽቡቕ መርኣያን ኣብነትን ክንከውን ስለዘይከኣልና ድማ እነሆ ትርጉም ናይ ሓቂ ኣብ ህይወቶምን ኣብ ዝፍጽምዎ ዝምድናንታትን ርክባትን፥ ማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ዘለዎ ጽልዋ ንምህሮም የሎናን። ብሓሜታን ሓሶትን ግን ክሳብ ዒግ ዝብሎም ነስንቖም ከምዝሎና ርዱእ ኢዩ። እዚ ከኣ ንጽባሕ ንግሆ ኣብ ነንሓድሕዶም ክህልዎም ዝኽእል ዝምድናታትን ምትእስሳራትን ብኣሉታ ክጽሎን ኣብ ሓድነቶም ሽግር ዝፈጥረሎም ጥራሕ ዘይኮነ ምትእምማን ከምዝስእኑ ክገብሮም ምዃኑ ኢዩ።
ሓሶትን ሕሜታን ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ከይተጠቐምናልን ኣይንሓልፍን ኢና። ይኹን እምበር እቲ ሓሶት ብሓቂ እንተዝትካእ እቲ ኣሎ ዝበሃል ፍርሕን ጥርጠራን ፈጺሙ ምተደምሰሰ እሞ፥ ደቂ ሰባት ጥዑይ ዝኾነ ዝምድናን ንሓባራዊ ረብሓን፡ ምትሕግጋዝን መተግበሩ ነይሮም። ደሓር ከኣ ሓሶትን ሕሜታን ከምኡ እውን ብሰምን ወርቅን ኣቢልካ ምዝራብ ባህሪ ናይ ፖለቲከኛ ባኣታ ስለዘይኮነ፥ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ፖለቲካ ክንዋስእ እንተዀና ነቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓቂ ክንዛረብ ከሎና ኢዩ እቲ ናይ ሓቢርካ ምንባርን፥ ምህዞታትን ንምዕብልና እታ ሃገርን ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ምህናጽን ውሑስ ዝኸውን።
በዚ ዝኣክል ንሕና ኤርትራውያን ሃገራዊ ሓድነትናን ሃገራዊ ስምዒታትናን ኣዕቂብና ብሓባር ካሳብ ዘይተቓለስናን እቲ ቃልሲ ንረብሓ ህዝቢ ወይ እውን ነታ ሃገር ዘይኮነስ እቲ ሳዕቤን በንጻሩ ኮይኑ ህዝቢ ዘይሳተፎ ቃልሲ ናይ ሓራ ምውጻእ ቃልሲ ኣይክኸውንን ኢዩ።
ስለዚ ኩልና ንኤርትራውነትና ክንቃለስ ከሎና ንሱ ጠማሪና ስለዝኾነ ኣበይናይ ሰልፊ ንሃሉ ብዘየገድስ ነቲ ህዝብን ሃገርን ዘማዕብል ርእይቶታት እኳ እንተተፈላለየ፥ መባኣስን መረሓሓቕን ክኸውን ግን ርትዓዊ ኣይኮነን። እቲ ሕማቕን ኣሉታን ግን እቲ ኣብ ውሽጢ ሓቂ ተሓቢኦም ዝርከቡ ሓሶታት ከም ኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት 31-07-2015 ክሳብ ዕለት 03-08-2015 ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ብዙሓት ኣባላት ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ተረኺቦም ናይ ሓባር ናይ ክትዕ መድርኽ ዝተኻየደ ፈጺምካ ከምዘይተኻየደ ኣምሲልካ ምዝራብ ይረአ ኣሎ። ከምዚ ዝዓይነቱ ኣዕናውን ሃሳይን ሓሳብ ነቲ ሓቂ ደፊንካ ብሓሶት ክትልዕጥጦ ዘፍርዮ ፍረ ምድንጋርን ምንጻልን ጥራሕ ኢዩ። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሓሶት ዝተመርከሰ ሓበረታ መሰረት ገርካ ኣሚንካ ምስ ተተግብሮ ኣብ ኣዚዩ ሓደገኛን ኣኽሳርን ዝኾነ ዛዕባን ኢኻ ትወድቕ። ስለዚ ንሓሶት ሓበረታ ካብቲ ሓቀኛ መግለጺ ፈሊኻ ከይመመኻ ዝውሰድ ውሳኔ ከይዱ ከይዱ ስኒትን ቅሳነትን ሓድነታዊ ኣተሓሳስባ ዘህስስን ኢዩ ክኸውን።
እቲ ኣውራ ሽግርና እምበኣር ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ካበይ ጀሚርና ናበይ ክንከይድን ንዓልብን ስለዘይንምድቦ ኣብ ጓል ነገር ንህውትት እሞ፡ ምስኡ ድማ እቲ ሓሶትን ጠቐነን ኣጎዝጒዝና ንውንጨፍ። እዚ ከኣ ምልክት ናይ ፖለቲካዊ ጥፈሻ እምበር ፖለቲካዊ ባእታስ ኣብ ከምዚ ኣይወድቕን ኢዩ። ካልኣይ ሽግርና ድማ፡ መን ኢዩ ኣንጻርና ወይ ከኣ ጸላኢና ስሒትና እቲ ጽልኢ ኣብ ነንሓድሕድና ንመልሶ እሞ ክንናኸስ ንውዕልን ንሓድርን። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብመንእሰይዶ ብኣረግቶት እናተባህለ ነቲ ሓቢርካ ናይ ምቅላስን ሰብ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ንኸይውደብን ውድባት ይኹና ሰልፍታት ኣየድልን እናተባህለ ናብ ዓወት ዘየብጽሕ ጎደና ሕዝና ኣይ ንቕድሚት ኣይ ንድሕሪት ኰና ኣለና።
ስለዚ ክንቃለስ ከሎና ማለት ኣብ ሰልፊ ንሃሉ ኣይንሃሉ ብዘየገድስ ዕላማ ኣሎና። ዕላማ ካብ ሃለወና ድማ ዕላማና ክንቆናጸብን ክንወናጅልን ዘይኮነስ ከመይ ናብ ናይ ሓባር ስራሓትን ናይ ሓባር ዓወትን ንበጽሕ ክኸውን ኢዩ ዝግበኦ። ኮይኑ ግን ንሕና ኤርትራውያን ሕማም ኣሎና፥ ሕማምና ከኣ ንሓቂ ደፊንና፥ ብሓሶትን ጠቐነን ኣቢልና ክንፍውሶ ንጽዕር ዘሎና ይመስል። እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣዕናውን ስለዝኾነ ክድምሰስ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።
ምልኪ ኩሉ ግዜ ግርጭታትን፥ ምናፍሓትን፥ ቅሳነት ምኽላእን፥ ሽበራን፥ ዘይምስምማዕን ዘይምውህሃድን ከምዝጭጭሕ ኢዩ ዝግበር። ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒኸ ደኣ ስለምንታይ ኢና ንሓቂ ደፊንና ኣስር ምልኪ ተጎምጉምናያን ተዓጢቕናያን እንጎዓዝ።
ብድራር መንታይ