እቲ ብዶብ ኣልቦ ዝፍለጥ ተሓላቒ ንናጽነት ስነ-ጽሑፍ፡ (ፕረስ) ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ኣብ ኣውጺኡዎ ዘሎ ልሙድ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኩለን 180 ሃገራት ዓለም ናብ መሰረትን ጋዜጠኛታተን ዝህብኦ ነጻነትን፡ ሕጋውነትን፡ ባይታን መሳለጥያታቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እተን ሃገራት ዘለወን ሓውሲ ፍኑው መትከላትን ኣመልኪቱ፡ ንደርጃ ብሉጽነተን ዘቃልሕ ብተርታ ዘርዚሩ ኣውጺኡ’ዎ ኣሎ።
ከምቲ ልሙድ ኣብ’ዚ ዓመታዊ ጸብጻብ እውን፡ ሃገራት ስካንዳናቭያ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይን ደንማርክን እተን ሰለስተ ዝበለጻ ሃገራት ክኾና ከሎዋ፡ ብኣንጻሩ እተን ሰለስተ ግን ቱርከሚኒስታንን፡ ሰምየንኮርያን፡ ሃገርና ኤርትራን ተባሂለንኣሎዋ።
ምስ’ቲ ኣብ 2014 ቀሪቡ ዝነበረ ጸብጻብ ብምውድዳር፡ ኩነታተን ኣመሓይሸን ዝተባህላ ሃገራት፡ ሞንጎልያ፡ ቶንጋ፡ ማዳጋስካር፡ ጆርጂያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ነፓል፡ ቱኒሲያ፡ ብራዚል፡ ከምኡ’ውን መክሲኮእየን። ካብተን ኣብ 2014 ኩነታተን ኣብ ዝተሓተ ደርጃ ተሰሪዐን ዝነበራ 20 ሃገራት፡ እተን 15 ካብአን ኩነታተን ካብ ዝኸፍኣ ኣንቆልቁሉሎ ክብል’ውን እቲጸብጻብ ገሊጹ።
ብምቕጻል’ውን፡ ጸቕጢ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ምልካውያን ስርዓታት ርዱእን ውሁብን እንተኾነ፡ ገለ ካብ እተን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያውያን ስርዓታት ዝመሓዳደራ ዘለዋ ሃገራት እውን፡ ንስለ ድሕነት ሃገር ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ንናጽነት ይረግጻ ምህላወን ኣይሓብአን።
5 ሰነ 2015
በይ ኤርያ ኤርትራዊያን ንመዓልቲ ናጽነት ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ኣኽቢሮም
Thursday, 04 June 2015 21:43 Written by በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (Bay Area Eritreans for Democratic Change)
ኤርትራዊያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ንመበል 24 መዓልቲ ናጽነት ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ብዕለት ግንቦት 23 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ኣኽቢሮማ ዊዒሎም። እቲ በዓል
ብኣቦ-መንበር በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (Bay Area Eritreans for Democratic Change)፡ ኣቶ ኤፍረም ናይዝጊተኸፊቱ። ብኣቶ ተኪአ ድራር ኸኣ ብናይ ሓደ ደቒቕ ናይ ሕልና ጸሎት ተጀሚሩ። ኣቶ ተኪአ ኸኣ ነቶም ኹሎም ተኻፈልቲ "ዝኽሪ ስዉኣት" እንታይ ማለት ምኽዋኑ ከነስተብህልን አጸቢቕና ክንሓስበሉን ይግባኣና ብምባል አዘኻኺሩ።
አቦ-መንበር ኣቶ ኤፍረም ነዚ ጀጋኑ ኤረትራዊያን ህይወቶም ከፊሎም ዘምጽእዎ ነጻነት ኩሉ ኤረትራዊ ሕቡን ከም ዚኾነን ብክብሪ ከም ዝዝክሮን ዲሕሪ ምጥቃስ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ነጻነት ፍሉይ ዚገብሮ ግን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤረትራዊያን መንእሰያት ኣብ ዝተቐዘፍሉ እዋን ይብዕል ብምህላዉ ኢዩ። በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተኻፈልቲ ሓዘንን ሽግርን ህዝብና ስለዚኾና ድማ ናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ናጽነት ከምቲ ናይ ህግደፍ ብጋይላን ዳንኬራን ዘይኾነስ፡ ነዞም ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ዝተቖጽዩ ኣሕዋትን ኣሓትን እንዝክረሉን ነንሕድሕድና ንጸናንዓሉን ሽግርና ንምፍታሕ ድማ ኢሂን ምሂን ንበሃለሉን እዋንኢዩ ብምባል መደርኡ ዛዚሙ።
ድሕሪ እዚ ብቀደም ተኸተል እዞም ዝስዕቡ መደባት ቀሪቦም።
- "ሳውንድ ኦፍ ቶርቸር " (Sound Of Torture) ዘርእስታ ዶኪመንታሪ ፊልሚ (documentary film):
- ሰሚናር በቲ ህቡብ ደራስን ተቓላሳይን ኣቶ ሳልሕ ጆሃር (ጋዲ)፡
- ኣብ መወዳእታ ዲማ ህዝቢ ኣብ መንጎ ደሞክራሲያውያን ሓይልታት ዘለዉ ሽግራትን መፍትሒኦምን ዘቲዩን ተኻቲዑን::

- እዛ ብሜሮን እስቲፋኖስ ዝተዳለወት ዶኪመንታሪ ፊልሚ “Sound Of Torture” ኩሉ ልዕሊ ኤረትራውያን ዚወርድ ዘሎ መዳርግቲ ኣልቦ ግፍዕን ዓመጽን ኣጉሊሓ ተርኢ ብልጽቲ ስነ-ጥበባዊት ስርሓት ኢያ። ትሕዝቶ ናይዛ ፊልሚ ልቢ ኩሉ ተሳታፋይ ዝተንከፈን ዘንበዐን ክኸውን ከሎ፡ በቲ ካላእ ድማ ምእንቲ ህዝበን ሂወተን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ታሪኽን ጅግንነትን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ክምዘለዋና ዘጉለሐት ኢያ ኔራ። እዛ ፊልሚ ትነግረና ሓቂ እንተ ሃሊዩ ኤረትራውያን ክሳብ ክንደይ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ሕስረት ወሪድና ከም ዘለና ተርእየካ። http://www.soundoftorturefilm.com/
- ብምቕጻል ዋና ዓዋተ ዶት ኮም (Awate.com) ኣቶ ሳልሕ ጆሃር ነታ "ሚርያም ኣብዚ ኔራ" “Miriam Was Here” ትብል መጽሓፉ ከዳልዋ ከሎ ዝገበሮ
መጽናዕቲ መወከሲ ብምግባር ኣዝዩ መሳጥን መሃርን ሰሚናር ብዛዕባ ኩነታት ኤረትራዊያን ስደተኛታትን ዘጋጥሞም ሽግራትን፡ ብመሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ (human traffickers) ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ መፈጠርካ ዘጽልእ ግፍዕን ዓመጽን ኣብነታት ብምስናይ ኣብሪሁ። ነዛ መጽሓፍውን ናብ ትግርኛ ተርጙሙ ከም ዝቐረባ ሓቢሩ፡ ካብዛ ክትሕተም ቀሪባ ዘላ መጽሓፍውን ሓደ መዕራፍ ኣምቢቡ። ብሕልፊ ግና ነዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዝቐረቡ ኣብ ክንዲ ብጋይላን ብዳንኬራን ናይ ለብዘበን መዓልቲ ናጽነት በዚ ኣገባብ ንኸሕልፍዎ ስለወሰኑ ብዙሕ አመስጊኑ።
ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ መካትዒ ዛዕባ: ብዶ/ር መብራህቱ ኣራኣያ ምክትል-ብኣቦ-መንበር በይ-ኤርያ ኤረትራውያን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተኸፊቱ፡ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤረትራ ንምጽናትን፡ ኤርትራ ከም ሃገር ከይ ትህሉ ንኽድምስሳን ከይ ደቀሰ ይሓድር ኣሎ። ብኣንጻሩ እዞም ንህዝቢ ኤረትራ ካብ መንጋጋ ህግደፍ ንኽድሕን ንቃለስ ዘለና ደለይቲ ፍትሒ ህጹጽነት ናይዚ ኩነታት ተረዲኡና ኪንዲ ኩሉ ዓቕምናን ሓይልናን ኣንጻር እቲ ቀታሊን ሓራድን ስርዓት ክንዲ ነተኩር ኣብ ነንሕድሕድና ኪንወናጀል ግዜ ይዓርበና ኣሎ። ህግደፍ ድማ ነዚ ዕድል ተጠቒሙ ብዝሰፈሐን ዝተራቐቐን ኣገባብ ህዝብን ሃገርን ምጽናት ይቕጽል ኣሎ። ስለዚ ተሳተፍቲ: ናይ ለውጢ ሓይልታት ተረዳዲኡን ተደጋጊፉን ንከይሰርሕ ዝዕንቅፍዎ ዘለዉ ሽግራት እንታይ ኢዮም፡ መፍቲሒኦም ከ እንታይ ኢዩ ኣብ ዝብል ዘትዩ። ከመኡ ውን ነቲ በዓል ዘንጸባርቑ ግጥምታት ብወ/ሮ ፍረወይኒን ብኣቶ ጆርጆን ድሕሪ ምቕራብ፡ ተሳታፋይ እቲ በዓል ነዚ ናጽነትና ጨውዩ ኣብ ባርነት የእቲዩና ዘሎ ስርዓት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ፍልልያትና ብምውጋድ ብሐደ ኢድ ኾይና ኣንጻር እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ደው እንብለሉን ቃልስና እነሐይለሉን እዋን ምኻኑ ብምስማር በዓሉ ብዓወት ዛዚሙ።
ሰነ 6, 2015 ሰእሊ ብኣቶ ብጹኣምላክ ሓድሽ
ኤርትራ ከም ሃገር ንዘንተ እለት ክትህሉው'ያ ጠፊአ አይክትጠፈን እያ። እንታይ ደአ እቲ አብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ጥፍአት ብቐሊሉ ዘይሓዊ በሰላ ክገድፍ ተኽእሎ አሎ። ሓንቲ ሃገር ዓማጺ ወይ መላኺ መራሒ ስለ ዝሓዘት ጠፊአ ትተርፍ ማለት አይኮነን። ሓንቲ ሃገር ናብ ክትሓውየሉ ዘይትኽእል ጥፍአት እትወድቕ እኩብ ድምር ናይ ዜጋታታ አበርክቶ ረቢሑ ጥፍአት ምስ ዝኸውን እዩ። ካብዚ ተበጊስና እምበአር ጭፍራ ህግደፍን መራሒኦምን ንጥፍአት ኤርትራ ካብ መረጹ፤ እቲ አስቂጡ ዘሎ ኣብዝሓ ህዝብና ኮነ እቲ ንለውጢ እቃለስ አለኹ ዝብል ክፋል ሕብረተሰብና አካል ድሕነት ዶስ ዋላስ መወሰኽታ ጥፍአት ኢልካ ክትመምይ ግድነት ይኸውን።
ኩሉ ዜጋ ሓንቲ ሃገር ነቲ ቃልሲ ብማዕረ ክሳተፎ እዩ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት እዩ። ቃልሲ መሪር አሰልቻውን ነዊሕን ክኸውን ስለ ዝኽእል ተሳታፍነት ህዝቢ እውን ብመንጽሩ እዩ። ነዚ አሚንካ ነቲ ቃልሲ ምስ እትአትዎ ፈጺምካ ተስፋ አይትቖርጽን፤ እንተዘይኮይኑ ቃልሲ ከም አባልዓ እንጀራ መሲሉካ ወይ'ውን ዓወት አብታ ኩርናዕ ኢያ እትህሉ ብዝዓይነቱ ዘሊልካ ጦምቦላሕ ኢልካ እንተ አቲኻዮ ብዝኾነን ዘይኮነን ቀልጢፍካ ተስፋ ክትቖርጽ ትኽእል። አብዚ ሎሚ ቕነ ህግደፍ አብ ሙሉእ ዓለም ጓይላን ዳንኬራን አዳልዩ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ፈንጠርጠር ምስ በለ ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ተስፋ ሙቕራጽ ስሚዒት ክራአዮምን ቃላት ከምሉቕን ትሰምዖም። እዚ ስሚዒት እዚ ባህርያዊ ምስ ብቕዓትን ተሞክሮን ደቂ ሰባት ዝፋላለ ተርእዮ ስለዝኾነ ከም ንቡር መስርህ ቃልሲ ክንወስዶን ነቶም ከምኡ ሲሚዒታት ዝሓደሮም ብጾትና ከነረጋግኦምን ከነበራትዖምን ይግበአና።
እዞም አብ ዳስ ህግደፍ ከም ናይ መስቀል ዑፍ ሎሚ ዘመን ዝተቐላቐሉ መንደልሓቕቲ፡ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ቃልሲ ውጹዓት ፉሕ ፉሕ ኢሉ ተዋዓዊዒሉ አብ ዝነበረሉ እዋን ሕብኡኒ ሕብኡኒ ኢሎም ናብ ውሻጠ አትዮም ዝነበሩ፤ ስርዓት ኢሰያስ ዘኽተመ መሲሉዎም አነኮ ቀምሽ አደይ'ዩ ዓንቂፉኒ እምበር ደላይ ለውጢ እየ ክብሉ ዝተሰምዑ፤ ሕጂ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ አብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ክርፍስ ክዳኸም ይርእይዎ ስለ ዘለው ናብ እንዳ ህግደፍ ትፋኦም ከልምጹ ዝተመልሱ ብወዶ ገባ ዝምሰሉ ብድምቀት ድምጺ ከበሮ መርገጺኦም ዝለዋወጥ ሽዩጣት ሕልና እዮም። እቲ ዘገርም ዝተአከቡ እንተተአከቡ ዝበዝሑ እንተበዝሑ ድላዮም ዓይነት ዳንኬራን ፈንጠዝያን እንተገበሩ ክውንነት ኤርትራ ክቕይሩን አብ ቅድሚ ሓቂ ደው ክብሉን ከትክሉን አይኽእሉን እዮም። ስለዝኾነ እዩ ድማ ንዓና ደለይቲ ለውጢ ሓቀኛ ቃልሲ ዘድልየና፤ መታን ጉዳይና ወጮ እንተገልበጥካዮስ ወጮ ኮይኑ ከይተርፍ።
ብዛዕባ ህግደፍ ጺሒፍካን ተዛሪብካን ዝውዳእ አይኮነን ከምቲ ''ዘይሰምዓካ ደብሪ አይትማህለል ዝበልዎ'' ብዙሕ ትርጉም አለዎ እውን አይብልን። ህግደፍ ዝመስሎን የቐንየኒ እዩ ዝበሎን ክገብር እንከሎ ንሕና ደለይቲ ለውጢኸ እንታይ ንገብር አሎና ? ንቕድሚት ዶ ንግስግስ አለና ዋላስ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ? ዓሚ አብ ከመይ ደረጃ ኔርና ሕጂኸ አብ ከመይ አለና ? ነዛ ናይ ርድኡኒ አውያት እተቃልሕ ዘላ ሃገር ንፍውሳ ዶ አለና ዋላስ አብ ርእሲ ቃንዛ ተደራቢ ቃንዛ ንውስኸላ ? ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገማት ከ እንታይ እዩ ? ጸገማት ካብ ሃለወኸ ንምንታይ ተሓታትነት ዘይህሉ ? ዓገብ ክብል ዝኽእል ትብዓት አብ ደምበ ደለይቲ ለውጢኸ አሎዶ፡ ዋላስ እዚ ደምበና’ውን ብ ንኺድ ጥራይ እዩ ዝዝወር ? ዝብሉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ክወሃቦም ይግባእ። አብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ነቐፌታ ኮነ ነብሰ ነቐፌታ ንዘቕረበ አክንዲ ጉቡእ ግብረ መልሲ ዝውሃቦ ከም ተቓዋማይ ናይ ተቓወምቲ ዝብል ስያመ እንዳሃብካ ስም ተቓለስቲ ምብላል ስጋብ መዓስ እዩ ከኺደና።
ካብዚ ተበጊሰ እምበአርከስ ሓደ ሓደ ትዕዝብቲታተይ ከቕርብ ክፍትን። አብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ደለይቲ ለውጢ አብ ሙሉእ ዓለም ንበዓል ናጽነት ብዳንኬራን ጓይላን አይንጽንብሎን ኢና፤ እንታይ ደአ ብዘተን ልዝብን ኢና ክነሕልፎ ኢሎም አብ ሓደ ሓደ ከተማታት ናይ ሰሚናር ዘተ ከምኡ’ውን ነቶም ግዳያት ናይ ሓዘን ዝኽርን ናይ ሽምዓ መደባትን ከምዘዳለው ተዓዚብና። እታ ቀዳማይቲ ናብ አእምሮኻ እትመጽእ ሕቶ ብሓቂ ነቶም ገጾም ከማን እንታይ ይመስሉ ዘይረአናዮም አብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝተቐዝፉ፤ እሞ ኸአ ሰሊጥዎም እንተዝሰግሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኮይኖም አብ ዳስ ህግደፍ ድዮም ከዳኽሩ ወይስ ምሳና ደምበ ደለይቲ ለውጢ ክውግኑ ዘይንፈልጦም ጥሒሎም ኢሉ ዝሓዝን ቦቕባቕ ርህሩህ ከብዲ ብሓቂ አለና ዲዩ ? እንድዒ እዩ እቲ መልሲ። ከመይሲ ንሓደ ደላይ ፍትሒ ጊዜኡ፡ ጉልበቱን ገንዘቡን አወፍዩ ካብ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ክረኽቦ ንዝኽእል አገልግሎት ተሓሲሙ አብ ጎድንና ደው ኢሉ ግንባሩ ሂቡ ዝቃለስ ሰብ፤ ካብቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሜላ ብዘይፍለ ብጸለመን ጠቐነን ክንቅንጽል ወጊሑ እንዳዓረበና፤ ብሞት ዘይንፈልጦም ዜጋታት ዝሓዝን ከስዒ ኣለና ኢልና መደባት ከንዳሉስ ትርጉም ይህልዎዶ ? እወ ኩልና ተቓለስቲ ኢና እንብል ንነብስና ክንወከሳ ይግባእ።
ናይ ዘተ መደባት አዳሊና ካብ 40,000 ስጋብ 50,000 ኤርትራዊ አብ ዝነብረሉ ከባቢ፤ ካብ 25 ስጋብ 35 ዘይበዝሑ ሰባት እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ተጋባእቲ ክንእክብ ከምዘይንኽእል ነስተብህል ዶ አለና። ሰላማዊ ሰልፊ ወዲብና ካብ 300 ስጋብ 400 ሰባት ብቐሊሉ ነሳትፍ ዝነበርና እንታይ ደአ ተረኽበ ሕጂ፤ “አያየ በጃኻ ጎርጉራ ጁባኻ፡ አያይ ወርቂ ሰዓቱ ኦፔል መዛወሪቱ” ዝብሉ እኩባት ህጻውንቲ ናይ ሓንቲ ገዛውቲ ክንመስል ካብ 30 ወይ 40 ዘይበዝሑ ሰባት ሒዝና ተረፊና። ሱቕ ኢልና ካብ ምህውታት ፋይዳ ስለ ዘይርከብ ሕማማትና ደአ ንመርምር እምበር ጉዕዞ ንኺድ ጥራይ ደአ አንኳይ ዶ ንዓና ሰራዊት ኮነ ንዋት ዘይብልናስ ነቲ ሽሾ ሰራዊትን ንዋትን ሃገር ገቢቱ ዘሎ ህግደፍ እኳ ኣይጠቐሞን።
ህዝባዊ ቃልሲ ንኩነታቱ ብዕምቆት ክምርምርን ክፍትሽን፤ እንድሕር ጸገማት አጋጢሙ'ውን ነቲ ወሪዱ ዝበሎ ጉድለት ክእርምን ከስተኻኽልን እንድሕር ዘይኪኢሉ ብምንም ተአምር ስድሪ'ውን ትኹን ንቕድሚት ክስጉም አይክእልን እዩ። አብ ሓደ እዋን ቃልሲ ጊዜያዊ ዓወት ከተምዝግብ ይከአል እኳ እንተኾነ ዘላቒ ሓርነት ከትጭብጥ ግና ቀሊል አይኮነን። እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ አብነታት ድማ ሳዕቤን ናይቲ እንኽተሎ ዘለና ዝንቡዕ ጉዕዞ እምበር ጠንቂ አይኮነን። እምበአርከስ ካብዚ ተበጊስካ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ምቅላሱ ካብ ዘይተረፎ፤ አበርክትኡ አብ ምድሓን ሃገር ንምንታይ ከምቲ ዝድለይ ዘይከውን ክትብል ትግደድ። ነዚ አገዳስን ሕመረት ዓወትናን ዝኾነ ሕቶ ንምምላስ ነቶም መሰረታውያን ጸገማት ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ፊሒት ምባል ከሊኦሞ ዘለው ነጥብታት ክትዝርዝር አገዳሲ ስለ ዝኾነ ድማ ተሞክሮይን ክውንነትን ተወኪሰ ነጥብታተይ ከቐምጥ። አብ ውልቃዊ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰል ተሪር እምነት ኣሎኒ፤ ሓሳባተይ ናይ ግድን ምስ ሓሳባት ካልኦት ክሰማማዕ አይጽበይን ካልኦት እውን ንሱ ተረዲኡዎም ሓሳባተይ ናይ ምግላጽ መሰለይ ከኽብሩለይ ይጽበዮም። እንድሕር ነቲ አነ ዘቕርቦ ሓሳባት ዝብድህ ርእይቶ ኮነ ሓሳባት አለዎም ኮይኑ ብስልጡን መገዲ ክምልሱለይ የተባብዖም። ሰብ ካብ ሰብ እዩ ዝመሃር እሞ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ ክመሃር ዘሎኒ ቁሩብነት ክገልጽ ይፈቱ። ብዝኾነ ነቶም ጠንቂ ዕንቅፋት ጉዕዞ ሓርነት ዝበልኩዎም ነጥብታት አብ ቀጻሊ ጹሑፈይ ከቕርቦም እየ።
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ - ካሊፎርንያ
ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን:
ብ16 ጉንቦት 2015 ኣብ ከተማ ኦታዋ ተጋቢእና በዚ ዝስዕብ እማመ ደምዲምና:-
ስም ህዝባዊ መጋባእያ:- ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን
መበገስን ዕላማን ባይቶ:-
1. ህዝብና ኣደዳ ጃምላዊ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን እንዳሃለቐ ትም ኢልና ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሕልናና ስለዝወቐሰና:
2. ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ-ክስን ብዘይ-ፍርድን ብዘይ-ሰብኣዊ ኣታሓሕዛን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይሳቐን ይበልን ምህላው ኣዚዩ ስለዘቖጣዓና:
3. ሃገርና ኣብ ከበድቲ ቅልውላዋት(ናይ-ፍትሒ ናይ-ቁጠባ ናይ-ጸጥታ ናይ-ሞራል ናይ-ዲፕሎማሲ… )ተሸኪላ ትሰሓግ ብምህላዋ ኣዝዩ ስለዘሻቐለና:
4. ብመወዳእታ ዘይብሉዕስክርናንሳዕቤናቱን ዝተሰብረት ኤርትራዊት ስድራቤትን ኣዝዩ ስለዘተሓሳሰበናን ካልኦት ሃገራዊ ዛዕባታት ኣልዒልና ብምዝታይ ፍታሕ ኣብምንዳይ ኣበርኩቶና ከነወፊ ተበጊስና ኣለና::
ዋላኳኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክንሳተፍ ካብ ማንም ፍቓድ ዘይንሓተሉ ግቡእናን መሰልናን እንተኮነ- ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ካብቶም ንሃገርና ዝውጡሩ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ ተባራዕን ተኣፋፍን ጥርዚ ስለዝበጽሑ ተሳትፎና ኣዝዩ ወሳኒ ምኻኑ ከነዛኻኽር ንግደድ::
ባይቶ ኦታዋ በብእዋኑ ስሩዕ ኣኼባታት እንዳጸወዐ ውሳነታቱ ብኣዋጅ ንኩሉ ዝምልከቶ ከፍልጥ እዩ:: ንኹሉ ኤርትራዊ ተቀማጣይ አብ ኦታዋን ከባቢኣን ተርኡ ክጻወት ብዕሊ ንጽውዕ::
በዚ ኣጋጣሚዚ:-
ሀ. ንኩለን ከተማታት ካናዳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ንጽውዕ:
ለ. ንተቐማጦ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮፓን ኣወስትራሊያን ኤርትራዊያን ተመሳሳሊ
ተበግሶ ክወስዱ ነተባብዕ:
ሐ. ነተን ድሮ ቆይመን ዘለዋ መጋባእያታት ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ትኩር ቃልሲ ክነጥፋ ንዕድም:
ህዝብና ሰብኣዊ ክብሩ ተቀንጢጡ ናብ ግኡዝ ተቀይሩ መዛረቢ ካልኦት ኣህዛብን ሃገራትን ኮይኑ ከብቅዕ ንሕና እቶም ቀንዲ ኣካሉን ተምሳሉን ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሰብውን ኣየቁጽረናን እዩ::
ኤርትራዊ ተስእ ተለዓል!! ቅድም-ቀዳድምሃገርካ ኣብ ዝግኣተ-ሕጊ ሰርታ!!
ይኣክል! ይኣክል !! ይኣክል !!!
ለውጢ መዓስ? ሕጂ !!!
ለውጢ ብመን? ብኣይ !!!
ባይቶ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን:
ኣብ 24 ግንቦት ብዓል ነጻነት ካብቲ ኩሉ ሃለውለው መደረ መራሒ እቲ ስርዓት ኣቓልቦ ናይቶም ኣሳሰይቱ መርበባት ዝሰሓበት እታ ጉቦን ምጥፍፋእን ኣብ ውሽጢ ስርዓቱ ሳዕሪሩ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ምሃቡ ፣ ከም ሓዲሽ ነገር ዝተረክበ ኣምሲሎም ንጉቦን ምጥፍፋእ ክቓለሱ ገያሾ ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ጉቦ ከይህቡ መብጸዓ ክኣትወሎም ምጽውዖም ፖለቲካዊ ድኽነቶም ዘረጋግጽ ጉዳይ እዩ ።
ጉቦን ምጥፍፋእን መሰረቱ ወይ ምንጩ መንግስቲ ንሰርሓተኛታቱ ምስ ቁጠባዊ መነባብሮ ናይቲ ሃገር ኣብ ግምት ዘይኣእተወ ትሑት ዶምዝ ስለ ዝከፍሎም ኮይኑ ፣ ነቲ ዝተርፎም ሃጓፍ ክመልኡ ናብ ዘይተደልየ ጉቦን ምጥፍፋእን ከኣ ይኣትዉ ።ጉቦን ምጥፍፋእን (Corruption )ማለት ንህዝባዊ ትካል ናብ ውልቓዊ ረብሓኻ ምውዓል እዩ ። ብካሊእ ኣዛራርባ መንግስታዊ ሓላፍነትካ ብምጥቓም ዘይሕጋዊ ክፍሊት ክትረክብ ተጽዕኖን ጽልዋን እናተጠቀምኻ ካልኦት ከክረክብዎ ዘይከኣሉ ረብሓታት ምክዕባት እዩ። ጉቦን ምጥፍፋእን ኣብ ኩለን ሃገራት ዝዝውተር ኮይኑ ፣ ብዝያዳ ግን ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ሳዕሪሩ ይርኸብ ። ኣብ ኤርትራ ብልሽውና መሰረቱ ህግደፍ ዝፈጠሮ ስራሕ ኣልቦነት እዩ።
ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ሓደ ናይቲ ስርዓት ማእከላይ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ ፣ ብዛዕባ ኩነታት ቁጠባን ዶሞዝ ሰርሓተኛታት ክዘረብ እንከሎ እዚ ዝስዒብ ክብል ይዝክረኒ “ ኣነ ካብ ወለደይ እኩል ሓገዝ ይረክብ እየ ፣ እንተኮነ እቲ ዝወሃበኒ ዶሞዝ ነትን ንመነባብሮይ ኣገደስቲ ዝብለን ነገራት ከይገዛእኩ ይውዳኣኒ ። ነተን ዝተረፈኒ ነገራት ከማሊእ ከኣ ኣብ ልቓሕ ይኣቱ ይብል ። ቀጺሉ እቲ ብዝያዳ ዝገርመኒ እቶም መሳርሕተይ በዘን ዝወሃብኦም ዶሞዝ ክራይ ገዛን ቀለብን ክዳንን ወዘተ ከመይ ገይሮም ከም ዝሓልፍዎ ክርድኣኒ ኣይክእልን “ይብል። እዚ ሰብ እዚ ዘለቂሕ ስለ ዝረኸበ ይልቓሕ ኣሎ ። እቶም ዘለቆሖም ዘይብሎም ከኣ ካብቶም ጉዳያቶም ከሳልጡ ዝመጹ ዜጋታት ክሳብ እተን መመላእታ ዝረክቡ ነቶም ስብ ጉዳይ ሎሚ ጽባሕ እናበሉ ከመላልስዎም ይርኣዩ።ኩሉ ሰርሓተኛ መንግስቲ Civil Servants ብጉቦ ይናበሩ ምባል ፍትሓዊ ኣይኮነን ፣ እንተኮነ ምስቲ ክብሪ ቀረብን ክራይ ገዛውትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዶሞዝ ሰርሓተኛታት ክሽፍኖ ዘይሕሰብ እዩ።
ዝከበርኩም ተኸታተልቲ እዚ መርበብ እዚ ዝገለጽኩዎ ናይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ከክውን እንከሎ ፣ ሕጂ ከኣ ሓደ ወርሒ ይገበር ኤርትራ በጺሑ ዝተመልሰ ተደናጋጺ ምስቲ ሰርዓት ዝኮነ ዜጋ ስልኪ ደዊሉ ዘላምታ ድሕሪ ምልውዋጥና ፣ኣብ ኤርትራ ዝረኣዮ ኩነታት ህዝብና ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝሓዘነ ይገልጽ ። ቀጺሉ እታ ዝረኣኩዋ እታ ዝፈልጣ ኣስመራ ኣይኮነትን ይብል ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቅርጻን ልዕሊ ቅርጻን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ንጎኒ ገዲፍካ ይብል ፣ ዘይንቡር ዝኮነ ተርእዮ ኣዳታትን ኣባታትን ቆልዑን ኣብ ምልማን ተዋፊሮም ክርእ እንከሎኩ ጉህየን ሓዚነን ይብል ።
እምበኣር ፍታሕ ናይዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፣ ስራሕ ኣልቦነት ዝፈጠሮ ዝሕዝን ድኽነት፣ ዶሞዝ ሰርሓተኛታት ምውሳኽ ዘይኮነ እቲ መራሕ ጉጂለን መሻርክቱን ካብ ሱሮም ክምሓዉ ኣሎዎም ። ምክንያቱ ሕጊ ዘይብሉ መግስቲ ስለ ዝኮነ ፣ ክትቓለሰሉ እትክእል ቅዋማዊ ሰረተ-ባይታ የለን ። ጉጂለ ህግደፍ ሕሰምን ድክነትን ኣብ ልዕሊ ህዝብ ኤርትራ ክርኢ ድስ ዝብሎ ዲያፕሎሳዊ ስርዓት እዩ ።ንኤርትራውያን ሓረስቶት እቲ ልሙዕ መሬቶም ከይሓርሱ ከልኪሉ መፍረይ እንስሳታት በረኻ ክገብሮ ኣዊጁ ። ኤርትራውያን ሃብታማት ርእሰ-ማሎም ኣብ ኤርትራ ከዋፍሩ ዝጀመሩ ዝወረስ ወሪሱ ዝቅተል ከኣ ቀቲሉ ። ከምኡ እውን ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ዕብየት ሃገሮም ክሳተፉ ዝመጹ ዲሂሉን ኣባሪሩን ። ፍትሕን ሕግን ኣብ ዘይብላ ዓዲ ከኣ ናይ ወጻእተኛታት ወፍሪ ዘይሕሰብ እዩ። ካብ ኩሉ ጉጂለ ህግደፍ ኣብተን መሰረታውያን ዝኮና ጸላታት ጥዕናን ጸዓትን ትምህርትን ማይን ቀረብ ስለ ዝፈሸለ ካብ ስልጣን ክውገደሉ ዝክእል ወተሃደራዊ/ ህዝባዊ /ዲሞክራሲያዊ ዓመጽ ሰዓቱ ኣኪሉ እዩ ።
ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር ብልሽውና Corruption ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተረፍ ኣይኮነን ። ዘይሞራላዊ ስነ ምግባር እውን Corruption ኣዩ ።ስለዚ ኣብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ባህላውን ህወት ህዝብና በቲ ሰርዓት እኩል ሃስያ ኣመዝጊቡ እዩ ። እዚ ኩሉ በሰላታት ኣብ ሓጺር እዋን ክሓዊ እንተኮይኑ ምትእምማን ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክምዝገብ ኣለዎ ።
ክብሮም ግረነት
ህግደፋውያን ነዛ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት ንልምዓት ብጽንዓት ዝብል ቴማ እዮም አጠሚቖማ። ካብኡ ተበጊሰ እየ ነዛ ንጥፍአት ብጽንዓት እትብል አርእስቲ ዝሓዘት ምላሽ ክጽሕፍ ዝተገደድኩ። እዛ ንጥፍአት ብጽንዓት እትብል አርእስቲ ነዛ ኩልና ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ጸግዕናን ራኢናን ብዘየገድስ ኢደይ ኢድካ ኢልና አብ ህልኽን ቅርሕንትን ጸኒዕና እነጥፍአ ዘለና ሃገር ይውሕዳ እዩ ዝብል ስክፍታ የብለይን። መቸም ህግደፍ ከም ስሙን ከም ጭርሑኡን እንተዝኸውን እዛ ዘኽታም ሃገርና አብቶም ዝሓለፉ ናይ ሕልሚ 24 ዓመታት ንሲንጋፖር አርኪባ ሓሊፋታስ ሕጂ ናብ ጃፓን ወይ አሜሪካ ገጽና ንመጣጠር ምስ ሃለና። የግዳስ እዚ ዓመት መጸ መዓልቲ ናጽነት አተወት ተባሂሉ መሰንይታ ዳንኬራን ፈንጠዝያን ዝጋዋሕ ጓንጓ ጭርሖ መሽረፊ ተሳኢንዎ ይርከብ። አየናይ ልምዓት ኮን ይኸውን? ኤርትራ እንታይ ኢያ ናብ ሰደድ እተቕርብ? ደሞዝ ሓደ መምህር፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ወተሃደር፡ ሃገራዊ አገልግሎት፡ ሓኪም፡ ክንደይ እዩ? እንታይ ዝተሃንጸ ፋብሪካ አሎ? ዋጋ ኮሚደረ ሽጉርትን እኽልን ክንደይ በጺሑ? ክራይ ገዛ ብመንጽር ደሞዝ ሰራሕተኛ አብ ከመይ ኩነትት ይርከብ? ኩነታት ህዝባዊ መሳለጥያ ማለት ሕክምና ትምህርቲ አብ ከመይ ደረጃ ይርከብ? ትሕተ ቅርጺ፡ ቀረብ ዝስተይ ማይ፡ ሓይሊ ጸዓት፡ አገልግሎት ቴለፎን፡ ኢንተርኔት ንምዃኑ አሎዶ? ዝብሉ ሕቶታት ምስ እተቕርብ ህግደፋውያን ክንዮ እታ ትርጉማ ብጉቡእ ዘይርድእዋ ጭርሖ ዝኸይድ መልሲ የብሎምን።
ህዝብና አብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ጥምየት አብ ዘመን ህግደፍ ይርእዮ አሎ። አዴታት ኤርትራ ብርቢዒት ሓሩጭ ስድራ አቑሪሰን፡ አምሲሔን ዘድርራ ሕጂ ካብ ክቱር ስእነት ሰብ ከይርእየን ገጸን ብነጸላ ተጎልቢበን አብ ፍቖዶ ጎደናታት ይልምና አለዋ። አብ ስደት ደቃ ዘዋፈረት እንተዘይኮይና፡ ካብ ደገ ሓገዝ ዘይትረክብ ስድራ ብጥምየት ትረግፍ አላ። እዚ እኳ ሳላ እቲ ለዋህ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና፤ ዘለዎ ሰብ ነቲ ዘይብሉ አመቱ ስለ ዝገብር እምበር አብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን ዓጸቦን ብቓላት ዝግለጽ አይኮነን። አብ ባህልና ዘይነበረ ዝምውና ንቡር ኮይኑ ደቂ አንስትዮ ኤርትራ አብ ዝምውና ተዋፊረን ደቀን ወይ ስድርኤን የዕንግላ አለዋ። ኤርትራ ወደባታ ጸምዩ ገማግም ባሕራ መጉሓፊ መርዛም ኬሚካላት ኒኩሌር ምዕራባውያን ሃገራት፡ ዩኒቨርስቲ ኮነ ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር አብ ዓለምና፡ እቲ ዝበዝሓ ስደተኛ እተፋኑ ሃገር ምኻና ብመዛግብትን ሰነዳትን ጉዳይ ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ እትፍለጥ፡ ዓመታዊ ባጀት ኮነ ሕጋዊ ባይቶን ካቢነ ሚኒስተራት ዘይብላ፡ ዓሰርተ አባይቲ ሃኒጹ አማኢት አባይቲ ብዘፍርስ መላኺ እትመሓደር ሃገር፡ ካብ ሞባእ ቤተክርስትያን ንፍርቂ ዝምቀል መንግስቲ ሒዝካ፡ ብብልሽውና ስልጣንን ጉቦን ዝተመራስሐት ሃገር እምበአር ትለምዕ አላ እያ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ጉቡእ ቴማና ንልምዓት ብጽንዓት ወይስ ንጥፍአት ብጽንዓት መልሱ ንለባማት ይሓድጎ።
ሓደ ተደናጋጺ ህግደፍ አብ ሓደ እዋን ኤርትራ ንማላርያ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተቖጻጺራቶ በለኒ ካብኡስ ሰበር ዜና ዘምጽአለይ ኮይኑ እንዳተሰምዖ። ግብሩን ወሬኡን ቅጭ ስለ ዘምጽአለይ ግልብጥ ኢለ ኣንታ በሃም ኤርትራ ዘይኮነት ንማላርያ ወይ ዓሶ አጥፊአቶስ እቶም ጣንጡ እዮም ንኤርትራ ምድራዊት ሲኦል ኢሎም ገዲፎማ ወጺኦም በልክዎ ብዘይ ልበይ።
ኤህ ይብላ በዓል ዓባየይ፡ መራሕቲ ህግደፍን እዞም ምስ ሓራዲኦም ማይ ዝሰትዩ ካብ ከብትን ላምን ፈሊኻ ዘይረአዩ ደገፍቶምንሲ አብ አላትኩም። አንታ ክንደይ ትዕሽው እቶም ስውአት እኮ አቦታትኩም፡ አዴታትኩም፡ አሓዋትኩም፡ አሓትኩምን ደቅኹምን ምዃኖም ካን ዘንጊዕኩሞ። ብውሽጥኹም እኮ ሕርር ኩምትር ከም እትብሉ ናይ አደባባይ ሚስጥር እዩ። መርድእ ሲናይን ሊብያን መዲተራንያንን እኮ ብመስኮትኩም ተመንይዎስ ብማዕጾኹም ካብ ዝአትው እኮ ዓመታት ኮይኑ። እቲ ብጽፍሪ እግርኹም ዝጀመረ ኢሰያስ ቆርጢሙ ሓይኹኩምሲ አብ ጸጉሪ ርእስኹም ምብጽሑ መዓስ ዘንጊዕኩሞ። ምስ ናትና ዝበልኩሞ እትዛረብዎ እኮ መዓስ ዘይንፈልጦ ኮይና። ስጋብ መዓስ ኢኹም በዓል እገለ ከይሕጎሱ እዞም ተቓወምቲ ባህ ከይብሎም ኢልኩም አብ ናይ ህልኽ (አላፋቻ) ዳንኬራ ክትዘሉ። አዚኹም ኢኩም ተሕዝኑ በዓል ጸበብቲ ርእሲ አክንዲ ናበይ እዩ አንፈትና ንምንታይ ሃገርናን ህዝብናን ዘይነድሕን እትብሉስ ንዓማጺ ንበረልና ምባል ይሓይሽ? አንታ ቁሩብ እባ ልቢ ግበሩ ሃገር ስውእ እያ እኮ ትጠፍእ ዘላ።
እቲ ዘገርም እቶም ብባርባራዊ ግፍዒ ምሕደራ ህግደፍ ሃገር ገዲፎም ምስ ወጹ በደዊን እውን ተቐቢሎም አብ ሲናይ ተጋሲሶም ናብ እስራኤል ዘፋነውኹም ሕጂ አብ ዳስ ህግደፍ ክትዘሉን ክትጭድሩን ምስ ምንታይ ይቑጸር። በዓል ናጽነት ብጓይላን ፈንጠዝያን ምጽምባሉ ዘይኮነስ አብ ዳስ ህግደፍ ከይድካ ትፋእካ ምልማጽ እንታይ መግለጺ ክወሃቦ ይከአል። አነ ከምዝመስለኒ እቶም ብኩርማጅ ዝጀለጥኹም፡ ጀሪካን አንዲዶም ብርሱን ጎማ ዝለብለብኹም፡ ንኽትአምኖ ብዘጸግም ሰብአዊ ክብርኹም ዝደፈርኹም በደዊን እውን ተመሳሳሊ ናይ ለይታዊ ትልሂት መደብ እንድሕር አዳልዮም አብኡ ከይድኩም እስክትሽም ከም እትብሉ ምንም ጥርጥር የብሉን። አንታ ጉድ ተረኺቡ እዛ ሃገር ጎይታ ከይሓበረና ደአ አብ ምጽአተ አትያ ከይትኸውን። ከብዲ አደ ጉራሙራ ከምዝበልዎ፤ ንእግረ መንገደይ ነቶም አደ መርሃዊት እንዳሓዘነትን እንዳቖዘመትን ሃገርና መጻወቲ መላኽን ጭፍርኡን ኮይና እንዳረአና ዳንኬራን ፈንጠዝያን አየምሕረልናን ዝበሉ ሰብ ሕድሪ ደቂ ኤረ አብ እስራኤል ከምኡ’ውን መንእሰያት ዓዲ ጥልያንን ነዛ ክብርቲ ዕለት ብፍሉይን ትርጉም ብዝህብን አገባብ ምጽምባሎም አገናዕ ዓጽምኹም ትኽበር ክበሃሉ ይግባእ።
እንተ እቶም ቀይሐ መይሕን ቀጠልያን ተኸዲንኩም አብ ፍቖዱኡ ጓይላ ህግደፍ ክትዘሉን ክትዕንድሩን ዝረአናኩም ካብ ንሕድሪ ስውእን ንህዝብኹምን እተፍቅሩ ምስ ደማሒ ህዝብኹም ኢሰያስን ምስ ውልቃዊ ዓሽከራቱ ሰራዊት ደምሒትን ዝወገንኩም ከምቲ ህብብቲ ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ ዝበለቶ ድሕሪ ነዊሕ ጸልማት ብርሃን ከም ዘሎ አይትረስዑ። ሕጉሳት ንኸተምስሉ አብ ዳስ ህግደፍ እንተሳዕሳዕኩም፤ ናብ ኤርትራ ክትዛወሩ ከይድኩም ስጋብ እትወጹ እግርኹም መሊእኩም ከምዘይትረግጹን፤ ብፍርሂ እትሹቕረሩዎን እትከላበትዎን ካብ ማንም ዝተከወለ አይኮነን በዓል ውሹጦም ሑሩራት። ሓንቲ መዓልቲ ክትወግሕ ምዃና አይትረስዑ። ይንዋሕ ይሕጸር እዚ ንሃገርና ጋሪዱዋ ዘሎ ጸልማት ክቕንጠጥ እዩ። (ይቕጽል)
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ - ካሊፎርንያ
ኤርትራ ብሳላ ቅሩብነትን መስዋእትነትን ህዝባ ናጻ ዝወጸትሉ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ክንዝክር ቀኒና። ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ምኽንያት ብምግባር ኩሉ ኤርትራዊ በብዓቕሙ፡ በቲ ሓደ ወገን ንናጽነትን ኣብ ምምጸኣ ንዝተኸፍለ ረዚን መስዋእትነትን ዘለዎ ክብሪ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዘይምሉእነት ናይቲ ናጻነት ዝሓደሮ ሻቕሎት ንምጽብራቕ፡ በብዓቕሙ ክገጥም፡ ከዝይም፡ ክጽሕፍ፡ ክስእልን ክምድርን ከም ዝቐነየ ዜናዊ መድረኻትና ዝምስክረኦ እዩ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ብናጽነትን ኣመጻጸኣኣን እንዳተሓበነ፡ ብሓፈሻ በቲ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ኣደራዕ፡ ብፍላይ ድማ በቶም ኣብ ባሕርታትን ምድረበዳታትን በብግዜ ዝሃለቑ ደቁ ልቡ ብሓዘን ብምስትንታን እምበር፡ ሓጐሱ ብጓይላን ዝላን ክገልጽ ሕልናኡ ኣይፈቐደሉን። ኣብ ክንድኡ “ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ዝሕግዞ ዘተን ልዝብልን እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣይግዳዱ ጉጅለ ህግደፍን ደገፍቱን ግና ነቲ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ ተኸዚኑ ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ኣቐሚጦም፡ ናቶም ኣዳኸርቲ ውሒዶስ ናይ ካልኦት ሓገዝ ወሲኾም ከዳኽሩ ከም ዝቐነዩ ተዓዚብናዮ ኣለና። ህግደፍ ጽጉምት ወገናት ንዝሕግዙ ዘይመግስታዊ ትካላት ይሰጉግ ተለሃይቲ ድማ ይዕድም።
ምምጻእ ናጻነት ኤርትራ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ምዕራፍ እምበር ናይቲ ናጻነት ብሂጉ ዘምጸአ ህዝቢ ምሉእ ራህዋ ዘረጋግጽ ከም ዘይኮነ ንምምስኻር ኣብ ናይ ካልኦት ተመኩሮ ከይከድና ናትና ጉዕዞ ቃልሲ መስካሪ እዩ። ንካለኦት ወገናት እንድዒ፡ እዚ ጉዳይዚ ንተጋድሎ ሕርነት ኤርትራ ግና ብሩህ ከም ዝነበረ እቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝብል መሳጢ ናይ ሽዑ መዝሙር ምዝካር ጥራይ እኹል ይመስለኒ። ገለገለ ወገናት ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መስርሕ ምምጻእ ናጻነት ጥራይ እንዳጉልሑ፡ ነቲ ዝዓበየ ክፋል ቃልሲ ምህናጽ ሃገር ጓስየምዎ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ናይ ሎሚ ተግባሮምን ህልዊ ኩነታት ኤርትራን እኹል መርተዖታት እዮም። ህዝብና ምምጻእ ናጽነት ጥራይ መሰረታዊ ሓርነት ንምርግጋጽ እኹል ከምዘይኮነ ብግቡእ ተረዲኡ ዘይምጽንሑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሃገር ክብሕትን ህዝቢ ንክጠልምን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርሉ እዩ። ከምኡ እንተዘይገብር ግና ከቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላም እንዳደለየ ናብ ውግእ፡ ዕቤት እንዳደለየ ናብ ድኽነት፡ ስምምዕን ጽቡቕ ዝምድናን እንዳደለየ ናብ ጽልእን ተነጽሎን፡ ዓዱ እንዳፈተወ ናብ ስደትን ውርደትን፡ ትምህርቲ እንዳደለየ ናብ ግዱድ ውትህድርና ኮታ ራህዋን ቅሳነትን እንዳደለየ ናብ ጨንቅን ሻቕሎትን ክነቑትዎ እንከለዉ ስቕ ኢሉ ኣይመረኣዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እንግደዓ ህዝብና እዚ ዘይብሃል ኣደራዕን በደልን ንምጽዓን ካብ ዘቕርቦም ምኽንያታት ሓደ “ንኤርትራ ናጽነት ዘምጻእኩላ ኣነ ስለ ዝኾንኩ በቲ ዝመረጽኩዎ መንገዲ ከኳድዳ እየ” ዝብል ትዕቢትን ስሰዐን ምዃኑ ንሕና እንርደኦ ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ። ሎሚ ብቋንቋ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ደረጃ ዜጋ ክትበሃልን ይሕመቕ ይጸብቕ ካብ’ቲ ጸጋታት ናይቲ ጉጅለ ተኻፋሊ ክትከውንን ካብ ዝቐርቡ መዕቀንታት ሓደ “ተጋዲሉ ድዩ ወይስ ሲቪል’ዩ?” ዝብል ሕቶ ምሕታት ዝተለመደ እዩ። እዚ ብንጹር ናይቲ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ክሒዱ “ናጻነት ዘምጻእኩ ኣነ እየ” ዝብል ጉጅለ ጓንጓ ትዕቢት ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ማለት ኤርትራውነት ንታሕቲ ምስቲ ጉጅለ ተሰሊፉ ዝተጋደለ ድማ ብላዕሊ ዝቕመጥሉ ግምጥሊሽ ትዕዘብ ማለት እዩ። እዚ ግምጥልሽ ኣረዳደኣ ናይቲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ጥቕሉል ኣተሓሳስባ ዝገልጽ እምበር ንኹሉ ምስቲ ጉጅለ ተጋዲሉ ኣብ መስርሕ ምምጻእ ናጻነት ዋጋ ዝኸፈለ ኤርትራዊ ዝምልከት ትምክሕቲ ከም ዘይኮነ ክዝንጋዕ የብሉን። ምስቲ ጉጅለ ተሰሊፉ ናጻነት ኣብ ምምጻእ ክቡር ዋጋ ዘበርከተ ክነሱ ሎሚ ግዳይ ናይቲ ትዕቢት ዝኾነ ኤርትራዊ’’ውን ውሑድ ስለዘይኮነ።
እቲ ዝመጸ ናጻነት ብህንጸት ሃገር እንዘይተሰንዩ፡ ናጻነት ኣብ ዘየብሉ ህንጸት እንተተኻይዱ ትርጉም ከም ዘይህልዎም ፍሉጥ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምምጻእ ናጽነትን ምህናጽ ነታ ናጻ ዝወጸት ሃገርን ሓደ ካብቲ ሓደ ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ተመላላእቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ሓደ ብዘይካቲ ሓደ ላዛ ዘየብሎም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። ንሓደ ካብዞም ክልተ ነጺልካ ብምውሳድ ምምካሕን ምዕባይን ድማ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። እዞም ክልተ ምዕራፋት ቃልሲ ምምጻእ ናጽነትን ምህናጽ’ታ ናጻ ዝኾነት ሃገርን ኣብ በበይኑ መድረኻት ዝዕመሙ፡ ነናቶም ባህርያት ዘለዎም፡ በበይኑ ዓቕምን ርእሰማልን ዝሓቱ፡ ነናቶም ግደ ህዝቢ ዝረኣየሎም መድረኻት ዝሕዙ፡ ባህሪ ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ዝምከቱ ጸላእትን ኣመኻኽተኦምን … ወዘተ ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብዚ ክንስሕቶ ዘይግበኣና መስርሕ ምምጻእ ናጻነትን ምህናጽ ናጻ ሃገርን ኣብቲ ምዕራፋት ረብሓ ዘለዎም ወገናት እንዳተቐባበሉን እንዳተተኻኽኡን ዘቐጽልዎ እምበር ሓደ ወገን ሓንሳብ ምስ ሓዞ ዓትዒትዎ ዝነብርን ዝውደኦን ዕማም ኣይኮነን። እቲ ጉዕዞ ከምዚ ኢሳያስን ጉጅለኡን ናጻነት ዘምጻእና ንሕና ኢና ንኤርትራ እንሃንጻ እውን ንሕና ኢና ኢሎም ዝሕጭጭዎ ዘለዉ ኣይኮነን። ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ምምጻእ ናጽነት ትጉህን ኣድማዕን ዝነጸነሐ ኣካል ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ ብክንድቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ትጉህ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነን። ነቲ ሓድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ወሳኒ ዕማም ንምዕዋት ካብኡ ብዝሓሸ ደረጃ ከሰጉምዎ ዝኽእሉ ኣካላት ክመጹ እንከለዉ ማዕጾ ክኸፍተሎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃሰስ ኢሉ ክደልዮም እሞ ክትክእዎ’ውን ናይ ግድነት እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና ብሰንኪ ውሱንነቱ እቲ ምህናጽ ሃገር ይደናጐ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘበርከቶ ኣስተዋጸኦኡ ዋጋ ዝስእነሉ ኣጋጣሚ እውን ኣሎ። እቲ ክምርቖ ዝጸነሐ ህዝቢ “ኤህህህህ” ኢሉ ክረግሞ ከዓ ናይ ግድን ይኸውን። ናጽነት ኣምጺእና ዝብሉ ወገናት፡ ሃገር እትህነጸሉ ኩነታት ምጥጠሖምን ዘይምጥጠሖምን እንታይነቶም ዝፍተነሉ እዩ። ዲክታቶታር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተፈቲኖም ካብ ዘይሓለፉ መራሕቲ ሓደ እዩ።
ምህናጽ ሃገር ካብ ምምጻእ ናጻነት ሃገር፡ ዝሰፈሐ፡ ዝበዝሑ ኣካላት ዘሳትፍን፡ ኣዝዮም ብዙሓት መዳያት ዘለዉዎን ኣብ ነዊሕ መስርሕ ዝረጋገጽን እዩ። ምህናጽ ሃገር መንገድታት ምስራሕን ካለኦት ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ሃገር ምህናጽ ኣብያተ-ትምህርትን መውሃቢ ኣገልግሎት ትካላትን ምህናጽ ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ምህናጽ ሃገር ማለት እቲ መሰረታዊ ትርጉሙ ናይቲ ተቓሊሱ ናጽነቱ ዘውሓሰ ህዝቢ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ደሞክራሲያዊ፡ ሰብኣውን ኩሎም ካለኦት መሰላትን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባ ምርግጋጽ ማለት እዩ። ሃገር ምህናጽ ማለት ብዛዕባ ህዝቢ ዝግደስ መራሒ ምፍጣር ዘይኮነስ ዝመጸ እንተመጸ ዘይቅየር ንረብሓ ህዝቢ ዝዓዪ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ምድራዕ ማለት እዩ። ምህናጽ ሃገር ኣብ ሰላም እምበር ኣብ ህውከትን ሸፈጥን ዝስረት ኣይኮነን። ምህናጽ ሃገር ኣብ ተግባር እምበር ከምዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዘይውዳእ መብጸዓታት ዘትክል ኣይኮነን። ምህናጽ ሃገር ዓለማዊ ኩነታት ብምግንዛብን ፈተውቲ ብምብዛሕን እምበር ገዛ ዓጺኻ ክትጻረፍ ብምውዓል ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገበነኛ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ካለኣይ ምዕራፍ ምህናጽ ሃገር ተረሲዑስ ምውሓስን ምድልዳልን እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እውን ነቀይነቀይ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ኢና እንርከብ ዘለና። ከምቲ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ እምበር ናይቲ ዓዋን ጉጅለ ፍሉይ ህያብ ኣይነበረን ዝበልናዮ፡ ምህናጽ ናጻ ኤርትራ እውን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ክትኮበሉ ዝጽበዮ ዘይኮነስ ብቓልሱ ዝውሰን ምዃኑ ንሓንቲ ካልኢት እውን ክዝንገዖ ዘይግበኦ እዩ።
26 ጉንበት 2015
ምትእስሳር ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለወጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ኣብ ሃገር ሽወደን ንክብርቲ መዓልቲ ነጻነት 2015 ብሽምዓ ምዉላዕን ኣስተምህሮን ሕድሕድ ልዝብን ኣኽቢሮምዋ ኣምስዮም።
Wednesday, 27 May 2015 07:24 Written by ምትእስሳር ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለወጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ኣብ ሃገር ሽወደን
ብዕለት 23 ግንቦት 2015 ዓ.ም.ፈ. ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲምክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ ሰዓት 24.00 ኣብ ኣደራሽ ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል ባካቨገን 7. ኣብ ትሕቲ ልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ መተካእታ የብሉን ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብሙዉቅ ዕዙዝ ክብሪ ብሽምዓ ነጻነት ዝብል ጽሑፍ ብምዉላዕን ኣገዳሲ መግለጽን ኣስተምህሮን ልዝብን ኣኽቢሮምዋ ኣምስዮም።

ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ ምሸት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ መንእሰያትን ዓበይትትን ዝተሳተፍዎ ናይ ከተማ ዮተቦርግ ናይ ዉህደት ፖሊስ ኢንስፐክተር ኣቶ ኡሉፍ ቦስትሩምን ናይ ከተማ ዮተቦርግ ናይ ውህደት ማእከል ኣማእካሊ ኣቶ ቶማስ ማግንሶን ተሳቲፎም። ድሕሪ ኣገዳሲ ሰፊሕ መግለጺ ማሕበር ምስ ተዋህበ ኢንስፐክተር ኦሎፍ ቦስትሩም ሓደ ሓጺር መሳጢ መደረ ኣስሚዔ። ኢንስፐርክተር ኦሎፍ ከምዚ ይብል ብጀመርታ ንኽብሪ ዝኽሪ በዓል ነጻነት ሃገርኩም እንቋዕ ደስ በለኩም፡ ምስኡ ከኣ እቲ ለባም ሃገራዊ ሓልዮት ኣሕዋትኩም ከማኹ ኣብዚ ክመጹ ዝፈተኑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ተኻፋልነቱ ገለጸ። ቀጺሉ ዕላማ ማሕበርኩም ዕላማታት ፖሊስ ሃገር ሽወደንን ሓደ ስለ ዝኾነ ማሕበርኩም ዉሑስን እሙን ኤርትራዊ ደምበ ክኸውን እዩ። ብርግጽ ከኣ ሓቋፍን ዓንጋሊ ማእከል ንዲሞክራስያዊ ሂወት ኣብ ከትማ ዮተቦርግ ክኸውን እዩ ኢሉ ሙሉእ ምትሕብባር ክገብር ምኻቍኑ ቃል ኣትዩ ዘረባኡ ብጥቂዒት ዛዘመ። ቀጺሉ እቲ ዝኽሪ ብሙዑዝ ድራር ጀሚሩ ብተኻታተሊ ብሓያሎ ግጥምታትን ልዝብን ክሳብ ሰዓት 24.00 ብደስታ ቀጸለ
።
ብተወሳኺ ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ነጻነትና ናይ ምሕዝነትን ተኻፋልነቱን ንምግላጽ ህቡብ ሙዚቀኛ ሽወደናዊ ጎረበት ኤርትራዊ ባህላዊ ማእከል ዮሃን ብዘደንቅ ክእለቱ ክልተ ሙቁራት ደርፍታት ብቋንቋ እንግሊዝ ብምዝምዝር ዓቢ መዓርግ ሂብዎ ኣምሰየ። ብቀጻሊ ኩሉ ተሳታፍይ እናኣዋግዔ ከ ናይ መዛናግዒ ሎቶሪ ንዕድለኛታት ሰለስተ ብልጫታት ተዓዲሉ እቲ ናጽነታዊ መቀረት ብልዝብን ሰላማዊ ሕውነታዊ መንፈስ ክሳብ 24.00 ቀጸለ።

ሓባራዊ ቃል ጽላል ስዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ
Wednesday, 27 May 2015 07:10 Written by ጽላል ስዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ዝኸበርኩም ሓይሊ ዕማም መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን!
ዝኸበርኩም ስነጥበባውያን!
ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርጌሳውን ማሕበራት!
ዝኸበርኩም አሕዋትን አሓትን!
ዝኸበርኩም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጻእኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!
መጀመርያ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጭርሖ፣ እምቢ ንምልኪ ኢሎም ስዊደን መሓውር ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስለዝኾነት ንመጀመርያ ኡደቶም ናብ ስዊደን ገጾም ክገብሩ ዝወሰኑ ክፍሊ ባህሊ መንእሰያትና ዮሃና ክብሎም ኣፍቅዱለይ። ቀጺለ ድማ ነዚ ሃገራዊ ጽንብል ክውን ዝገበሩ መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ከተማ ስቶክሆልም ነዛ ታሪኻዊት መዓልቲ ብሓባር ከነብዕል ብዝገበሩልና ድልውነትን ተቀባልነትን ብስመይን ብሰም ኩሉኹም ከመስግኖም እፈቱ። ብሕልፊ ድማ ንክልተ ብጾት ናብዚ ናይ ሓባር መኣዲ ንክንበጽሕ ዘቀራረቡና ክልተ ኣሕዋት ዶር ሃብተሚካኤልን ዶር ተስፋይን ምስጋናይ የቅርብ፣ ኣሰዒበ ድማ ንብጾት ኣባላት ጽላል/SESADU በቲ ዘርኣይዎ ልባውን ሓላፍነታውን ነዚ ጽንብል ብሓባር ክነኽብሮ ኢሎም ብምውሳኖም ፍሉይ ምስጋና ብሽምኩም ከቅርበሎም እፈቱ፡
ክቡራንን ክቡራትን ተሳተፍቲ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ!
ልክዕ ኢዩ ፣ ሎሚ መዓልቲ እነኽብሮ ጽንብል ንዕላማታት ሕዝብና ንምዕዋት መዳርግቲ ኣልቦ ቅያን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ምእንቲ ነጻነትን፤ ፍትሕን፤ ግዝኣተ ሕግን፤ ሰብኣዊ መሰልን ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ፤ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስባር፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብቅሳነትን፤ ራህዋን ከይተሰከፈ ዝነብረላ ሃገር ህያው ንምግባር በጃ ዝሓለፉ ሕዝብና ንዝከረሉን ንመሃረሉን፣ ብሓደ ሸነኽ ፣ ብካልእ ድማ ስቅያት ሕዝብና ኣብ ሃገርናን ስደት ዝረኽቦ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታትና ንምጽንንናዕን ንምድባስን ብሓንሳብ እንጽንብሎ መዓልቲ ኢዩ። ኩልና ከምንዝክሮ ዓሚ ብ2014 ብምኽንያት መበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት በተክርስትያን ኤርትራ ስፊሕ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣምሪሮም ኣተንቢሆምና ነሮም ኢዮም፣ ሓደ ሕዝቢ ኣብ ሃገሩ ማዓር እንተድኣ ሃልይዎ ማዓር ክደሊ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣይሰደድን ዝብል መልእኽቶም ክሳብ ሕጂ ሰማዒ ኣዝኒ ኣይረኸበን እንሆ ድማ ኤርትራውያን መቃብሮም ማእከላይ ባሕሪ ኮይኑ፣ግዳይ ነጋዶ ሰብን በቶም ኣብዚ ግዜዚ ብስም ኢስልምና ዝተላዕሉ-ብጥሩፍ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ዝፍለጡ ከም እንስሳ ይሕረዱ ኣለዉ። እዚ ምሸት እዚ ነዚ ዝጠፍእ ዘሎ ሕዝብና ከመይ ገርና ነድሕኖ ኢዩ ዝብል ሕቶ ነፍሰወከፍና ክንምልሽሉ ዝሓትት ኣገዳሲ ምሸት ኢዩ፡፤
ክቡራንን ክቡራትን ደለይቲ ሰላም ኤርትራ!
ሎሚ እውን መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራከነብዕል ከሎና፤ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንሕዝቢ ኤርትራ እቲ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ውሒዱዎ ኣባይቲ ዜጋታት ብቡልዶዘር ኣብ ምፍራስ ተዋፊሩ ይርከብ ኣሎ ሕዝቢ ድማ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ተሳጢሑ ኣብ ዘብሎ ጠፊእዎ ፣ እቲ ክሃድም ዝኸኣለ ድማ ንስደት እናምረሔ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ደንደስ ናይ ምህላውን ዘምህላውን ኢያ ዘላ፣ ኤርትራ ሕዝባ እናጸነተ፣ መረታን ምንጭታትን ድማ ነቶም ተቃውምቲ ናይ ጐራባብቲ ሃገራት መደበር ታዕሊምን ኣገልግሎት ኮይኑ ሎሚ ሕዝብና ኣብ ትሕቲ ዝሓሰመ ጭቆና ኣብ ዝለወሉ ኩነታት፣ገባቲ ስርዓት ውልቀ-መላኺ እቲ ኣብ የመን ተላዒሉ ዘሎ ኩናት ሓድሕድ ሰለዘፍርሖ ፍሉያት ሉኡኻት እናሰደደ ኣነ ምስ ሑስዪን ዝምድና ዝብሃል የብለይን እናበለ ይጠርዕ ኣሎ፣ ኣነ ምስ ኣልሸባብ ሶምሊያ ርክብ የብለይን እገዳ ኣልዕሉለይ፣ ኣነ ኣንጻር ሑቲ ምስተን ምሕዝነት ሃገራት ኣዕራብ ክሳብ ወተሃደራት ክሰድድ ኢየ ኢሉ ድሮ እኮ ብማዕከናት ዓለም ወተሃደራት ካብ ኤርትራ ይሃርሙና ኣለዉ ዝብል ካብ ሰንዓ ይስማዕ ኣሎ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ካብ ተነጽሎ ናይ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ነጻ ክወጽእን ገለ ገንዘብ ዝረኽበሉ መገድታት ኣብ ምድላይ በቶም ኣገልገልቱ ኣምባሳዶራት ገሩ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ።ከምኡ እውን ነቶም ካብኡ ዝሃደሙ ካድራትን ሓለፍትን ናብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ከይጽንበሩ ኪኢላታት ካድራት ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቃውሞ ኣዋፊሩ ኣሎ፡፤
ክቡራንን ክቡራትን ተቃለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!
ኣብዚ ግዜዚ ምልካዊ ስርዓት ወልዕ-ፓይሮማንያክ ንሕዝቢ ኤርትራ ምንዳድ ከይኣኽሎ ንምሉእ ዞባና ከባእስ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ከምቲ ንሕዝቢ ኤርትራ ወትሩ ዓመት መጽኤ ብናይ ሓሶት መብጻዓታት ዘታልሎ ከምኡ ድማ ንአህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምትላል፣ ንወተሃደራዊ ዕስክርና 18 ወርሒ ክኽውን ኢዩ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ደሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክል ኢና፣ ካብ ኤርትራ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ከነብሎ ገንዘብ ሃቡና፣ እናበለ በቶም ዕሉላት ሉኡኻቱ ገሩ ብሓይሊ ይንቐሳቐስ አሎ፡፤
ነዚ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ድማ ልዑላውነት ኤርትራ ብዝብል ሽፋን ገሩ ንደገፍቱ ዝኾኑ ኤርትራውያን ርድኡንን ሓግዙንን እናበለ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ጉዕዞ ቢሽክለታን ኣብ ዝግዕረሉ ዘሎ ከንቶ ፈተነ ኢና ንርከብ ዘሎና።
ኢ- ሰብአዊ እኩይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፤ ሕብረተሰብ ዓለም ክጉህየሉን፣ ክዛረበሉን ክሎ፣ እቲ ዘጉሂ ንሕና እቶም ንድሕነት ሕዝብና ንቓለስ ነዚ ናይ ምትላልን ምጥላምን ዝኾነ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ዘይምፍሻልና ኢዩ፣ በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ነዚ ናይ ሓሶት ጉያ ብናይ ሓቒ ጉያ ነቲ አብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት በዚ ስርዓትዚ ንምፍሻል ቓልስና ከነበራትዕ እምበር ግዜና ኣብ ዘይኣፍራዩ ምንጽጻግን ምትፍናንን ክኸውን ኣይነበሮን፣እዚ መዓልቲዚ መዓልቲ ካብዚ ምትህልላኽ ወጺኢና፣ ንድሕነት ሕዝብና ክንሓብር ዝጽውዕ እምበር ናይ ሳዕሳዒት ጽንብል ኣይኮነን።
ኩቡራትን ኩቡራንን!
ሎሚ ነዚ መዓልቲ እዚ ኣብ እንዝክረሉ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን ሕዝብናን ምሕሳብን ምስትንታንን ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ንኩሉ ካልኣዊ ሕቶታትና ገዲፍና ነዚ ሕዝብና ዘጽንት ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓትን ካብ ሱሩ ምሒኻ ሕዝቢ ኤርትራ ምድሓን ኢዩ። ኣብ ወጻኢ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ሕዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ወፈራን ሓድነት ተቛወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓባር ስራሓት ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖሊቲካውን፣ መራኸቢ ብዙሓን፣ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ተቃውሞ ክስጥምን ክሓብርን በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ፡፤
እቲ ካብ 2009 ዝተመስረተ ናይ ሓበር ጽላል ፖሊቲካውያንን በርገሳውያንን ውልቀስባትን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም በቲ ዝተለሞ መደባት ፖሊቲካውን ሕዝባውን፣ ደፕሎማስያውን፣መራኸቢ ብዙሓንን፣ ዝተዓመ ስራሓት ቀሊል ኣይነበረን።ዝተገብረ ዝምድና እውን እናዓበየ ብምኻዱ፣ምስተን ካልኦት ሰልፍታት ሽወደን ድማ ሓያል ጽልዋ እናሕደረ ይኸይድ ኣሎ። ሎሚ እቲ ብኣፍልጦ ወይ ብዘይ ኣፍልጦ ነቲ ስርዓት ክድግፍ ዝጸንሔ፣ገሊኡ ናብ ደንበ ተቃውሞ እናተጸንበረ ዝተረፈ ድማ ኢዱን ኣፉን ሒዙ ገዝኡ ከምዝተርፍ ይርኤ ኣሎ ውዒሉ ሓዲሩ እዚ እውን ኣብ ደንበ ተቃውሞ ከምዝጽንበር ርግጸኛታት ኢና፡፤ዕላማ ናይ ሓባር ጽላልና ኣብዚ ከይትሓጽረ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድናታትን ርክባትን ክሕይልን ቀጻልነቱ ክሳብ ዝረጋገጽን ከኣ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ኮይኑ ግን ክእለትን ዓቕምን ናይ ኵሎም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝሰርሑ ዘለዉ ወገናትና ብፍላይ ድማ እቶም ተወዲቦም ዝቃለሱ ፖሊቲካውን በርገሳውን ትካላት እምነት ሕዝቢ ንምኽሳብን ኣህጉራዊ ኣቃልቦ ንኽረኽቡ ሓያልን ድልዱልን ምትሕብባር ከምዝጽበዮም ብዙሕ ጻዕሪ ድማ ከምዝሓትት ከነዘኻኽር ንደሊ።
ክቡራትን ክቡራንን፣
ሎሚ መዓልቲ ከምዚ ኢልና ኵልና ኣብዚ ከባቢ እንርከብ ፖሊቲካውያንን ሲቪካውያንን ማሕበራት ብሓባር ኮንና መዓልቲ ናጽነት ምኽባርና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥምረትን ውህደትን ህዝቢ ዘቃላጥፍን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብና ናብ ዓወት ገጹ ዘምርሕን ኢዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፣ ኩሎም ግዱሳት ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ሓጎጽጎጽ ከይሰንበዱምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ጐድኒ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ማሕበራትን ተቓወምቲ ውድባትን ብምስላፍ ሓድነቱ ንምርግጋጽን፣ ንምድልዳሉን ዝዓለመ ተበግሶ ብምውሳድ ክደፉኡሉን ክተሓባበሩን በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ደጊምና ከነዘኻኽር ንፈቱ።
ኣብዚ ግዜዚ ደንበ ተቃውሞ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ኢንቲፋዳ ወይ ድማ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ተቃውሞ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብኣካል ኣብ ነፍሰ ወክፍ ሃገርን ከተማታትን ዝቅመጥ ናይ ምቅርራብን ምውህሃድን፣ ምምኽኻርን ማእከል ክምስርትን፣ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ሂቡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ኩናትን፣ድኽነትን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ናይ ሕዝቢ ምጽናት ኣዊጁ ዘሎ ናይ ውሑዳት ስልጣን/ ስርዓት ወልዕ ካብ ሱሩ ምሒኻ ንምድርባይ ነቲ ቀንዲ ስርሑን ዕላማኡን ፈሊጥካ፣ ነቲ ድኹም ጐድኑ እናሃረምካ ነቲ ሓያል ጐድኑ ድማ እናኣፍረስካ ከስርሕ ዝኽእል ስትራተጅያዊ ውጥን ክሉ ሕዝቢ ኤርትራ ዝዓስለሉን ዝኣምነሉን ናይ ሓባር ኮሙኒቲ ምቛም። ቅድሚ ሕጂ ፈቲና ኢና ኢልካ ተስፋ ከይቁረጽካ ክሳብ ትዕውት ምቅላስ እዋናዊ ዕዮ ገዛና ገርና ኣብ ምሉእ ሃገረ ስዊደን ሰፊሕ ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ንደሞክራስያ ለውጢ ንምምስራት ከይተሓለልና ክንሰርሕ በዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ጻዋዒትና ነቅርብ።
ይኣክል 24 ዓመት ኣብ ባርነት!
እምቢ ንምልኪ እው ንደሞክራሲ!
ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ዝኽርን ክብርን ንስዉአትና!
ነጸረ፡ ተ/መድህን - ለንደን - 25/05/2015
ዝሓለፈ ሕጽረታት ታሪኽ፡ መን ይወንኖም
ይኽፍኡ ይጸብቑ፡ ናይ ኤርትራና ‘ዮም
ቁንጥር ምንጥር፡ ኣማሪጽካ ኣይትምጠጦም።
ሰዉራ ብህጻንነቱ፡ ታተ ‘ሉ ክጅምር
ብሃዉሪ ተበግሶ፡ ዘይንጹር ኣምር
ሕንፍሽፍሽ መስርሓት፡ መስዋእቲ ዝኹምር።
ናይ ሰብዓታት ትያትሮ፡ ናይ ምቅንጻል ባህጊ
ዝጸንሔ ይኹን ሓድሽ ዉደባ፡ ዝተኸተሎ ሕጊ
ናይ በይኑ ስሰዔ . . . ክትሓቅቕ ‘ያ ዝትንቢ።
መተካእታ ‘የ ዝበለ፡ በዓል መብጻዓ
ህንጡይ ከፋፋሊ፡ ዘርባዕባዓ
ዓዳኹ መዳኸሪ፡ እንቃዓ - እንቃዓ
ሕማም ቆርበት ኮይኑ፡ ወትሩ ዘሕክኽ
ሕልሙን ጋህዱን፡ ንህዝብና ከንበርክኽ
ሃገር ኣደንቚሩ፡ ንጋህሲ ዝኣልኽ።
‘ምሁር ተበላጺ’፡ ልዕሊ ዓቐን ተደግዲጉ
ንምብሓት ዉድብ፡ መናድቕ ተገድጊዱ
ኣብ ዋዕላ 76 ዓ.ም.፡ ንሞት ተፈሪዱ።
ኣብ 78/79 ዓ.ም.፡ ቅትለት ገባር ዝተፈጸመ
ንመላእ ሕብረተ-ሰብ፡ ዘርዓደ ዘሕመመ
ካን ተረሲዑ ‘ታ፡ ሸፍኖ-ሸፍኖ - ግመ-ግመ።
ክጸሓፍ ዝቐነየ፡ ኣብ መስከረም.ኔት ዓምዲ
ምልኣተ ስእሊ ዘይብሉ፡ ሕማቕ ልምዲ
ታሪኽ ተሃዋሲ ‘ዩሞ፡ ጥንቃቐ ‘ምበር ነይመላመዲ።
ናጽነትና ብዒሉ፡ ዝኽሪ ዓወታቱ
መላእ ወዲ-ሃገር፡ ዝኸፈለሉ ህይወቱ
ጌና ዘይተወደኤ መስርሕ፡ ምጭባጥ መሰላቱ።
ንወለዶታት ዘሰልከየ፡ ዕሙር ጽልእታት
ብሓድ-ሕድ ኲናት ተዳምዩ፡ ዝሃለቐ ‘ዉን ተቓዉሞታት
ዉጽኢቱ እነሆ፡ ናይ ሃገርና ጥፍኣት።
‘’ህልኽ ድዩ ጽልኢ፡ ወይስ ናይ ቂም ቃልሲ’’
በዚ ይኹን በቲ፡ የድልዮ ‘ሎ ፈዉሲ
ንጥዕናዊ መኣዛ፡ ናይቲ ዝዉለድ ጥንሲ።
ማንም ኤርትራዊ፡ ዝንብርከኽ ኣይኮነን
ብመንነቱን ባህሉን፡ኣዝዩ ‘ዩ ዝሕበን
ብሓባር ኢሂን ምሂን፡ ጥራሕ ከኣ ‘ዩ ዝዉገን።
ሓደ ነቲ ሓደ፡ እና ‘ነኣኣሰ
ንጽፈት ፖሊቲካና፡ ኣዝዩ ዘበስበሰ
ታሪኻት ይፈተሽ፡ ኩሉ ይፈወሰ።
ዝተጓዓዝናዮ መስርሕ፡ ዝተኽፍለ መስዋእቲ
ሓባር ተሳትፎ፡ ንዓወት ኣበርካቲ
ኣቛራጭ የልቦን፡ ዝተጠማዘዘ ስልቲ።
ንፍቶ ንጽላእ፡ ብናይ ሓባር ድምጺ
ንጉዕዞና ዝኣሊ፡ መስርሓት ዘጻጺ
ንግዝኣተ-ሕጊ ሃገር፡ ህዝቢ ‘ዩሓንጻጺ።
ንቅዋም-ሃገር፡ መወከሲ ተሳኢኑ
መሰል ዉልቀ-ዜጋ፡ ብጎይቶት ተወኒኑ
ወለዶታት ጠፍኤ፡ ዕድሜኦም ባኺኑ።
ሃገር - ንሃገር: ህዝብን መርየትን እምበር
መተካእታ ወለዶታት፡ ኣበይ ይንበር
ዘይሕለል ጻዕሪ፡ መንፈሱ ከይስበር።
እቶም ፍሩያት፡ ናይ ታሪኽ በደላት
ልቦና ዓብይቲ፡ ክህበሉ ‘ዩ ፍተሓት
ምብልሓት ይዕሞቕ፡ ንናይ እዋኑ ግድላት።
ክብርን ዝኽርን ንበጃ ሰላምን ፍትሕን ዝወደቑ/ቓ ዜጋታትና ! ! !