ኣባላት መሪሕነት ኤምዲሰመ ዝርከብዎም ወ/ሮ ኣድያም ወልዳይ፡ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃምን፡ ኣቶ ኢያሱ ዓንደማርያምን "ብድሆታት ንምትካል ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ደቡብ ኣፍሪቃ (UNISA) ብዕለት 10 መስከረም 2015 ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዶም። ኣብዚ ብ "WIPHOLD-Birgalia Bam Research in Electoral Democracy" ዝተወደበ ሰሚናር ሓያለ ተመሃሮ፡ መማህራን ዪኒቨርሲቲን፡ ሰብ ሞያን ዝርከብዎም ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ወከልቲ ፖለቲካዊ ትካላትን ተሳቲፎም።

 እቲ ሰሚናር ብዛዕባ ኤርትራ ታሪኻውን ፖለቲካውን ሓፈሻዊ ድሕረባይታ ድሕሪ ምሃብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጸም ዘሎ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ጭቆና፡ በደልን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንተሳተፍቲ ብዝርዝር መብርሂ ሂቦም። ብምቕጻል እዚ ኩሉ ሓሊፉ ኤርትራ ናብ ዲሞክራሲ ክትሰጋገር ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተሳትፎ ኤርትራውያን እንዳዓዘዘ ይኸይድ ብምህላዉ ናይ ብሓቂ ተስፋ ዝህብ እዩ ድሕሪ ብምባል፡ ጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ኤርትራ ኣቃልቦ ይህቦ ብምህላዉ ነቲ ቃልሲ ተወሳኺ ድርኺት ዝህብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

 ተሳተፍቲ ነቲ ሰሚናር ብጽሞና ድሕሪ ምክትታል፡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ተሳተፍቲ ዝበልዎ ገለ ንምጥቃስ፡

"ብጽሑፍን ብገለ ገለ ማዕከናት ዜናን ብዛዕባ ኤርትራ ሰሚዐ፡ እዚ ንስኹም ዝሃብኩምና መግለጺ ግና ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ"

"እዚ ዝሃብኩምና መግለጺ ናይ ብሓቂ ዓይኒ ከነንቁሕ ዝሕግዝ እዩ ነይሩ (It was an eye-opener)"

"ክትዛረቡ ከለኹም፡ ከምዚ ዘፍርሕ ፊልም (horror movie) ትርኢ ዘሎኻ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ"

"ሕጋውነት ስልጣን ኢሰያስ ካብ ምንታይ እዩ ምንጩ ትብሉ"

"ስለምንታይ እዩ ኢሰያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝገብሮ ዘሎ፡ ኣብ ኣተዓባብይኡ ገለ ጸገምዶ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል"

"ጉዳይ ኤርትራ ብዝበለጸ ኣቃልቦን ደገፍን ማሕበረሰብ ዓለም ክረክብ እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ"

"እዚ ዝሃብኩምና ሰሚናር ብዝበለጸን ብዝሰፍሐን ኣብ ካልእ መድረኽ ክድገም፡ እቲ ዝርርብ ድማ ቀጻሊ ክኸውን ተስፋ እገብር"

"ናይ ኤርትራ ኩነታት ብትብዓት ከተካፍሉና ፍቓደኛታት ብምዃንኩም ኣድናቆትና ንገልጸልኩም፡ እዚ ሰሚናር ካልኦት ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ኣህጉሮም ዝሰፍሐ ኣፍልጦ ክህልዎም ሓጋዚ ነይሩ"

ዝብሉ ይርከብዎም።

 ኣብ መወዳእታ ኣዳለውቲ ናይቲ ሰሚናር፡ ንኣቕረብቲ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም። ኣቕረብቲ ሰሚናር ብወገኖም ድማ ንተሳተፍቲ ብዓቕልን ጽሞናን ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ብምስምዖም፡ ንኣዳለዉቲ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራ ሓሳቦም ንግዱሳት ማሕበረሰብ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ከካፍሉ ዕድል ብምኽፋቶም ምስጋንኦም ድሕሪ ምምሕልላፍ እቲ ሰሚናር ብጽቡቅ መንፈስ ተዛዚሙ።

ኤምዲሰመ

11 መስከረም 2015

ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፣ ዝምድናታት ሃይማኖታት ካብ ኣርባዕታት እናተዘርገ ከም ዝመጸ ኩሉ ተኸታታሊ ታሪኽ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ ። ሕመረት ናይቲ ጉዳይ ክልቲኡ ሃይማኖታት ድጋፍን ጽግዒን (Support & Protection )ክህቦ ዝኽእል ሓይሊ ኣብ ምድላይ ይነጥፍ ስለዝነበረ እዩ ። ኣብ ጉዑዞ ከኣ ማሕበር ኣንድነት ብ9 መስከረም 1945 ኣብ ኣስመራ ተመስሪቱ ፣ ራቢጣ ኣልእስላሚያ ከኣ ብ20-21 ጥሪ 1947 ኣብ ከረን ተመስሪቱ ። ክልቲኦም ሰልፍታት ኣብ ኣይዲሎጂ ዝሰጠመ ደረቅ ዘይዕረቕ ጽልኢ ኣይነበሮምን ። ብሓንሳብ ይዛተዩን ይላዘቡን ከም ዝነበሩ ታሪክ ይምህረና እዩ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ክልቲኦም ሃይማኖታት ናይ ስራሕ ኣወዳድባ ዝርጋሔ ነይሩዎ እዩ። እንተኾነ እቲ መንግስቲ ነቲ ዝምድናታቱ ከይደልደለ እንከሎ እቲ ፈደረላዊ ውዑል ስለ ዝጎበጦ ክፈርስ ተገዲዱ ።

እቲ ፈደረሽን ምስ ፈረሰ እቲ ብረታዊ ቓልሲ ብ1 መስከረም 1961 ተጅሚሩ ፣ ምስቲ ዝነበሮ ዘይርጉእ ሃዋሁ እቲ ሰውራ ቀጺሉ። እንደገና ኣብ ተሓኤ እቲ ሚዛን ሓይሊ ካብቲ ኢድ ጀማሪ ክወጽእ ኣብ ዝጀመረሉ እቲ ሕቅታት እንደገና ተራእዪ። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ጽላል ተሓኤ ዝነብበረ ሓይለ ተደፊኡ ብ1982 ኣብ ሃገር ሱዳን ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፣ ክሳብ ሕጂ ክምጠጥን ክብተኽን ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝኾነ ጉጅለ ኣብ ዘዝመስሎ ማሕበራዊ ጉጅለ ተወዲቡ እምበር ይደክም ተዘይኮኑ ይምዕብል ክምዘየሎ እናረኣየ ዓወት ዝምጽእ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ። ይቓለስ ከም ዘሎ ከኣ ይዛረብ ። እዚ ብማዕረ ንክልቲኡ ሃይማኖታት ዝምልከት ውደባ ምዃኑ ከኣ ክሕበር ይፈቱ ።

ሰዲህኤ ንጉዳይ ብሑሕነት ባይታ ክፈጥረሉ ካብ ምጽዓር ተቖጢቡ ኣይፈልጥን ። ምኽንያቱ እቲ እንደልዮ ሰላማውን ዲምክራሲያውን ስርዓት ክረጋገጽ እንተ ኮይኑ ተሳትፎ ናይ ኩሎም ሕብረተሰብኣውያን ሐይልታት ናብ ኩሉ ጽፍሕታት፣ ሎሚ ኣብቲ ሰልፉ፣ ጽባሕ ከኣ ኣብ መጻኢት መግስቲ ኤርትራ ኣድላዩ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ። ሰዲህኤ ነዚ ተግሶ እዚ ነቅ ዘይብል መንጻፍ ኣንጽፈሉ ይርከብ ። ቅዋም ሰዲህኤ ሃገራውን ዲምክራሲያውን ዕማማት ዘማለአ ኮይኑ፣ ብዘይ ኣፈላላይ ንኩሎም ዜጋታት ክእንግድን ክሓቁፍን ዝክእል እዩ ።

እቶም ብጉዳይ ሃገር ክዝትዩ ብጉዱሳት ዜጋታት ዝውደቡ ዋዓላታት ፣ ብዙሕነት ኣየማልኡን እናተባህሉ ዝውቀሱን ዝተፈላላየ ኣስማት ዝወሃቦም ሕደት ኣይኮኑን ። እንተ ኮነ ዓደምቲ ምልኣት ከረጋግጹ ዘይምኽኣሎም ክሕመዩሉ ዝግብኦም ጉዳይ ኣይኮነን ። ምክንያቱ ተበግሶ ይውሰዱ ድኣ እምበር፣ ኣብ ምሕጻይ ሰባት ኣፍልጦ ክሓጽሮም ይኽእል እዩ ። መብዛሖም ካብቶም ዋዕላታ ነዚ ሽፍታ ስርዓት ብኸመይ ክእለ ኣሎዎ ተባሂሎም ዝኽየዱ እምበር ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምክፍፋል ወይ ከኣ በይናኣዊ አምርሃ ጉዕዞ ( road map) ከውጽኡ ዝተወደቡ መድረካት የለውን ።

ኪዳን ብደገፍቱ ሃገራት ብዝተለገሰሉ ገንዘብ ብ2010 ሃገራዊ ዋዓላ ከዋድድ እንከሎ ፡ ከም ቀንዲ ረቛሒ ዝዝረበሉ ዝነበረ ፣ ናይ ኩለን ሕብረተሰባት ኤርትራ ዘንጸባርቅ ባይቶ ምዃኑ ተነጊሩሉን ተጸንቢሉን። እቲ ጸገም ግን እቶም ተጋባእቲ ብልቦም ነቲ ብዙሕነት በቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕድል ክጥቀመሉን ክዕውትዎን ኣይበቕዑን ። እቲ ፍልልይ ኣብ ክንዲ ዝቅህም መሊሱ ተወሊዑ እናጸንሔ ከኣ ኣብዚ ሕጂ በጺሒዎ ዘሎ ኩነታት ይርከብ ። ባህሊ ናይ ተኸኣኢልካን ተጸዋውርካን ምንባር ክምዕብል ተራ ናይ ኩሎም ድለይቲ ፍትሒ ክኽውን ይግባእ።

ሕጂ እውን ዋዓላ ናይ ኩለን ውድባት እንተ ዘይገበርና ዝብሉ ወገናት ኣሎዉ። ብወገነይ ግን ገንዘብኩም ኣይተባኹኑ ኣይትኽሰሩ ክብሎም እድሊ ። እንተ ኪኢልኩም ነተን ሓደ ፖለቲካዊ ራኢ ዘለውን ውድባት ኣብ ሓደ ከምዝመጻ ግበሩ ። ነቲ ዘይተደላውን ዘይምኽንያታውን ብዝሒ ናይተን ውድባት ኣጉዱልዎ ፣ እዚ ነቲ ሲዒቡ ዝመጽእ እተኻይዱዎ ዘተ ሓጋዚ ይኽውን ። ምክንያቱ ኣቶም ቅድሚ ሕጂ እተኻየዱ ዋዓላታት ስለ ምንታይ ከምዝፈሸሉ ከም ተመክሮ ክንምሃረሉ ኣሎና። መንጎኛ ከትክውንን ተቀባልነት ክህሉወካን ክማልኡ ዘለዎም ድሕሪ ባይታታት እውን ኣገዳስነት ኣለዎም ። እዚ ነቲ ሰፊሕ ንኹሉ ዘሳትፍ ጽላል እውን ዝዕንቅፎ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 8/29/2015 ኣብ ኦክላድ ዝተኻየደ መድረኽ (Bologna Forum) ብዙሑነት ከማልእ ኣይከኣለን ። እቲ እንተታት ነዓደምቲ ገዲፈ ፣ ንሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ክትዕድሞ እንተኮይንካ ፣ከም መምዘኒ ክትጥቀመሎም እትኽእል ነጥብታት ኣለዉ ። እቲ ተዓዳማይ ነቲ እተዳልዎ መደብ ሓጋዚ ኣበርክቶ ክገበር ይክእል ዲዩ ? ተዓዳማይ ኣብ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበሩ ሰላማዊ ሰልፊታትን ሰሚናራትን ርኡይ ተራ ኣሎውዶ ? ተዓዳማይ ብጉዳይ ብዙሕነት ይኣምን ዲዩ ? … ወዘተ ። እንተ ዘኮይኑ ብሃውሪ ንዘይትፈልጦ ሰብ ንስለ ብዙሕነት ክትዕድም እንኮሎኻ ነቲ እትድልዮ ውጺኢት ከምዘይትረኽቦ ክገብረካ ይክእል እዩ።

ኣዳለውቲ Bologna Forum ካብ ዝዓደሙዎም ሓደ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ነይሩ ። ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ኣብ ዝካየዱ ሰሚናራት ይኹኑ ሰላማዊ ሰልፍታት ክሳተፍ እንከሎ ፣ ብዝያዳ ከኣ ከም ወናኒ መርበብ ዓዋተ በቲ ዘበርክቶ ስነ ጽሑፍ ንጥፍ ተቓዋማይ እዩ ።በዚ ከኣ ተፈላጥነቱ ጎሊሁ ይርአ፣ ክዕደም ከኣ የምሕረሉ ። ብዝኾነ ካብቶም ብዙሕነት ጎዲሉ ዝብሉ ወገን ስለ ዝኾነ ፡ ነቲ ዕድመ ኣኽቢሩ ምምጽኡን ምስታፉን ነቶም ክልኦት ኣብነት ኽክውን ይኽእል።

ብዝኮነ ካብቲ መደሪኡ እታ ክትበርህ ዝደለኹዋ “ ኣነ መን እየ ኣብዚ “ እትብል ቓል ነቲ ኩሉ እንምነዮ ጉዳያት ብዙሕነት እትትንክፍ እያ ። ምኽንያቱ ኣብዚ ከም ኣማኒ ምስልምና ንበይኑ ስለ ዝመጸ ፣ ከም ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ወይ ዒራቓውያን ተዓዲሙ ዝመጸ እተስሚዕ ዘረባ እያ ። እዚ ኣታሓሳስባ እዚ እዩ ክእረም ዘለዎ። መጀመርያ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ተዓዲሙ ዝመጸ ምዃኑ ክኣምንን ንካልኦት ክእምንን ኣለዎ ። ንጉዳይ ሃገር ኣብ መንጎ ፈተውትኻን ኣዕሩኽትኻን ጥራሕ ከትርከብ የብልካን።

ኣብ መዋእል ቓልሲ ኩሉና ንሓንቲ ኤርትራ ከም ኤርትራውያን ተቓሊስና ። ኣብዚ ሕጂ ግን ቀዳማይን ካልኣይን መንነት (Identity) ኣብ ምዕዳግ ወይ ምጥራይ ንርከብ ። ኣብ ሃይማኖታዊ ፍልስፍና ሓድሓደ እምነታት ኣብ ክንዲ ሃገሮም ፣ እቲ ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ፍጹም ቀዳምነት ይህቡዎ እዮም ።በዚ ከኣ ኩሉ ዝምድናታቶም ምስቲ ካሊእ ሕብረተሰብ ብካልኣይ ደረጃ ይስራዕ ። ኣብ ጉዳይ ባህሊ ፣ ኣብ ጉዳይ ዲሞክራሲ ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ነጻነት ፣ ወዘተ። ብሓፈሻ ኩሉ ሞራባዊ ምንጪ ዘለዎ ይነጽጉዎ ። እዚ ኣታሕሳስባ እዚ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ተርእዮ እዩ ።እንተኾነ ግዜ ንኹሉ ስለ ዝቅይር ክገርመና የብሉን ። ስልዚ እቲ ኣብ ሕድሕድና ዝጸንሔ ናይ ምትእምማንን ምጽውዋርን ባህሊ እናተሃስየ ይመጽእ ከም ዘሎ ተረዲእና፡ ነዚ ኣብ ዲያስፖራ ብክልቲኡ ወገን ዝጽሓፍ ዘሎ ናይ ሕሉፍነት (Extremism) ወፈራ ዘርብሓና ስለ ዘይኮነ ክንነጸጎን ክንኹኑኖን ዘሎና ኣታሕሳስባ እዩ ።

ዘለኣለማዊ ዝክሪ ንስዉእትና

9/15/15

           

               

S Photo

ነዚ በዓል ረዚን ታሪኽ ሰራሕ ቅያ፡ ትማሊ ትማሊ ብጅግንነቱ ዓለም ብዓለማ ዝተደነቐትሉ ህዝቢ ሎሚ ብደገን ብውሽጥን ከይተፈራረሙ ዝተወዓዓሉ አእሿኽ ምድሪ ቤትን ጎረቤትን ክጻወቱሉ ክትርእይስ ክንደይ መዓንጣ ከብድኻ ይኹምትር። ትማሊ ትማሊ ንቐርኒ አፍሪቃ ብመንፊት ሚሔ ዘጻርይ ዝነበረ ግንባርን ህዝብን ከም ቁሚጦ ሓሰር እባ በለል በለል የብልዎ አለው በዓል ሕኸኸኒ ክሓከካ። ሓቁ እንድዩ ደአ ኪሮስ ዮውሃንስ ብውሽጢ ደምህት ብደገ ደምህት ህዝቢ ኤርትራ በዚሕዎ ርግሒት ክብል። እቶም ናይ ምድሪ ቤትና ደምህት ነቶም ናይ ደገ መርሓብ ኢሎም ተቐቢሎሞም። አሕዋትና አሓትና ብዕርቖም ተስፋ ተሓሪምዎም ዓዲ ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ምስተዓዝሩ፤ አቦታትና አዴታትና ብሕሱም ጥምየት ኣብ ምድሪ ቤት ተዓጺፎም ምስ ተኾርመዩ፤ ደምህት እዮም ነዛ ሃገር ከም ቁርዲድ ክሓልብዋ ጸኒሖም።

እቲ ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐ ዘሎ አብ እዋን ስኽራኑ ከይሓፈረ ዓው ኢሉ “ናይዛ ዓጋመ እትብላኒ ስራሕክን ከርእየክን እየ” ኢሉ ዝፍክር ዘሎ አይተ ኢሰያስ ምስቶም መርሓባ ኢሉ ክልተ አእዳው ዘርጊሑ ዝተቐበሎም ደምህት ዳርጋ ዝተቓደወ አይመስልን። አብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ዜና ቀርኒ አፍሪቃ ደምህትን ሞላ አስገደሞን ኮይና ትርከብ። ሞላ ምስ ልዕሊ 700 ዓሳክራቱ ብሱዳን አቢሉ ንኢትዮጵያ ተዓዚሩ ኣሎ። እንታይ ይበሃል ኮይኑ እንትርፎ ግርም። ሓደ አባል ደምህት ንኤርትራ ገዲፉ ናብ ወላዲት ሃገሩ ተመሊሱ እንድሕር ሰሚዕና፤ ወዮ ደአ ዓቕሚ ዘየልቦ ኮይኑ እምበር ንሕና ደቀባት ኤርትራ ሓንቲ መድፍዕ ቶኪስና ኢና ከነፋንዎን ሓጎስና ክንገልጽን ዝግበአና፤ ከምይሲ ደምህት መድሃኒት ኮነ መከላኸሊ ዘይተረኽቦ ኤርትራዊ መንነትን ክብክልን ክብርዝ ዝመጸ ብኽልተ መሓውር ዝጎዓዝ ቫይረስ እዩ።

እቶም ዝተረፉ ቫይረስ ደምህት ድማ ከምዛ ናይ በዓል ሞላ አስገዶም የማስሎም ካብ ምባል ሓሊፍና እንታይ ክንብል፤ ንስለኦም ዘይኮነስ ንስለ እዚ ሓላል ህዝብና። ምድኻም ደምህት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ አወንታዊ ጽልዋ አለዎ። ንዝኾነ ይኹን ተበግሶ ናይ ለውጢ ዕሱባት ደምህት ከየፍሽልዎ ዝብል ስግአት ብመጠኑ እንተኾነ ከፍኩሶ ግድነት እዩ። እቲ ዘገርም በዓል ሞላ እትዋት ወርቂ ብሻ ብፍቓድ ወዲ እንኦም ንዓመታት ድሕሪ ምህንኳት ናብ ዓዶም ብሰላም ኬድና ከይብሉስ ነቲ ውጹዕ ወዲ ውጹዕ ዋርሳይ ንእግረ መንገዶም ከምዝደምሰስዎ ሓቢሮም። ዋርሳይ ካን ምንችፕዮ ናይ ከተማ ኮይኑ ንሳቶም ብጥይት ክምንጥልዎ ዋርሳይ በትሪ ፖሊስ ሒዙ ደአ ከይከውን። ምናልባት እውን ከም ሰራዊት አሉላ ኣባ ነጋ፤ ዋርሳይ በርበረን ጉራዴን ከይከውን ዕጥቁ። እዚ ኩሉ ድራማ ግና ናብ ምንታይ ንምብጻሕ እዩ። ካን እቶም ኣብ ምድሪ ቤትና ተኾዲጮም ሞራልናን ክሳድናን ዘድነኑና ከይአኽለናስ ወሰኽ ደሊናሉ።

አስተውዕል ህዝበይ እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ በዓል ክልተ ገጸ ባህርይ ቀጻሊ ተዋስኦ፤ ብውሽጢ ይምጻእ ብደገ ኮነ ኢልካ ሕልናኻ ንምዕራብ ተስፋ ቆሪጽካ ዘፍ ንኽትብል ዝተደርሰ እዩ። ነዛ ብቀይሕ ደም ክቡር ዋጋ ዝረኸብካያ ሃገር፤ ብዋዛ ስኮሜሳ ክዋገዩላ እንቋዕ እቲ ንስለኻ በጃ ዝሓለፈ ወይ ዝሓለፈት ተመሊሶም ኣይርእይዎ። በዓል ንሕና ንሱ ሕጂኸ ቁሩብ ደኾን አይስቆረኩምን፤ አንታ እንታይ ዓይነት መደንዘዚ ዲኹም ተወጊእኩም። ናይ ኢሰያስ ደርሆ ፋሕቲራ ተውጽኦ ሽጣራ ተወዲኡ እንተበልናስ ሕጂ ድማ ምፍሕታር ዘይድልዮ ኡፍ ኢልካ ትጋልሆ ሽጣራ ሕሞራ ሸራሮ ንሰምዕ አለና።

አይተ ሞላ ናይ ክልል ትግራይ ሰላይ ኮይኑ ድሕሪ ምጽንሑ ልዕሊ 700 ዝኾኑ አባላት ሒዙ ናብ ወላዲት ሃገሩ ብሰላም ተመሊሱ ዝብል ስብራ ወረ ሰሚዕና። ሰላዪ ንውልቁ ሰላሕ ኢሉ ይአትው ወይ ይወጽእ እምበር ከመይ ደአሉ ናይ ሎሚ ስለያ ልዕሊ 700 ሰብ ሒዝካ፤ ወይ ጉድ እዚ ቅያ እዚ ብቐጥታ አብ ጊነስ ወርልድ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ ክአትው አለዎ ይብል ብወገነይ። ኣብ ኤርትራ ሓው ንሓው ኣይተአማመንን እዩ ከምዘይተባህለ ደአ ካን ሞላ ምስ ጭፍርኡ ደአ ከመይ ክዕንድሩ ተፈቒዱሎም ? ሞላን ጭፍርኡን እንድሕር ስራሕ ስለያ ይሰርሑ ኔሮም ደቂ አንስትዮና ምግሳስ ንምንታይ አድለዮም ? ነቲ ዘውረድዎ አካልውን ስነ አእምሮአውን በደልከ ክልል ትግራይ ክትሕተተሉ ዲያ ?

እንድሕር ብሓቂ አይተ ሞላ ሰላይ ኮይኑ ኣይ ሕጂ እንድዩ ደአ ናይ ብሓቂ ስርሑ ክጅምር ዝግብኦ፤ ምኽንያቱ ኩሎም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ አብ ሓደ አብ ዝተጠርነፍሉ እዋን። ዶስ ቀደም ሓላፊ ደምህት ኮይኑ ንነብሱ ባዕሉ ድሕሪ ምስላይ ስርሑ ብዓወት ዛዚሙ ኢልና ነዚ ተዋስኦ ንሕና’ውን ክንዛዝሞ። ሓደ መንግስታዊ መግለጺ አብ ፖለቲካውን ስለያውን መኽሰባት ተሞርኵሱ መግለጺ ከውጽእ እምበር፤ ከምዚ ናይ መንግስቲ ኢትይጵያ ዝሃቦ ንሻዕብያ መዓንጣ ከብዱ ኮምቲርናዮ ዝብል መግለጺ ናይ ክልተ ስኒት ዘይብለን ነጋርም ጎረባብቲ ዝኾና አንስቲ ኮይኑ ይስመዓካ። ብተወሳኺ ሓደ ካብ ተልእኾታት አይተ ሞላ ሕንፍሽፍሽ ፈጢርካ ንፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ ከም ዝአትው ምግባር እዩ ኔሩ ይብል እቲ መግለጺ። ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣብ ኣሜሪካ ሃልዩ ኣብ ኤርትራ አትዩ እንታይ ለውጢ አለዎ። እዚ ናይ ኣሜሪካ ድርብ ዜግነት ዝውንን ሓላፊ አርበኞች ግንቦት 7 እንድሕር ደልዩ ካብ ኤርትራ ወጺኡ ናብ ኣሜሪካ ንምኻድ ዘድልዮ’ኮ ናይ ሽሕ ዶላር አየር ቲኬት ጥራይ እዩ። ብውልቀ ሰብ ደው ዝብል ምንቅስቓስ እንድሕር ኮይኑ ድሕሪ ምጭዋይ አንዳርጋቸው ጽገ እንታይ ደአ አርበኞች ግንባር ደው ዘይበለ?

እዚ ኩሉ ዝብሎ ዘለኹ ፖለቲካ በዓል ሞላ ወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ አገዲሱኒ ዘይኮነስ እንታይ ደአ እዚ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ አሽካዕላል ዕላምኡ ስለ ዘተሓሳሰበኒ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ብሞራል ደቝስካ ጠመትኡ አንጻር ገባቲ ኢሰያስ ከይከውን ብእንተታት ክትሽርሽሮን ሃገራዊ ኒሕ ንምስባር ዝግበር ዘሎ ውሁድ መጥቃዕቲ ከነስተባህለሉ ይግባእ። ንሕና ከም ሃገር ወይ ከም ህዝቢ ጸገምና ውልቀ ምልኪ ክንሱ፤ አብዛ መራር መላግቦ ዝሕግዘና እምበር ንኢሰያስ አምሲልካ ብቐጥታ ናብ ህዝብና ዘቕንዔ ሕልና ህዝቢ ንምዕራብ ዝተአልመ ብደውና ክቐብሩና ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ተዓዚብናዮ አሎና። ምድኻም ደምህት ንዓና ዓብይ እፎይታን ብስራትን እዩ፤ እቶም ዝተረፉ ደምህት ንአይተ ኢሰያስ ሓዊስካ ከምታ አሕዋቶም ንምዕራብ የህትፎም። ሓንቲ ናይ መዛዘሚ ለበዋ አላትኒ። ሰብ ጊዜ አብ ውሽጢ ኤርትራ አቲና ክንስልን ክንዝርግን ጸኒሕና ካብ በሉና ነዞም አብ ኢዶም ዘለና የዋሃት ንስለ ፍትሒ ስጋብ ዝደልወና ከም ዝብኢ ክንሕንክስ ዝመረጽና ማዕረ ክንደይ ከም ዝንዕቁናን ዝሓቑኑናን ካብዚ ንላዕሊ እንታይ መምሃሪ ንጽበይ አሎና ?

ሕጂ’ውን ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን !!!

ሰሎሙን ገብረእየሱስ (EYSC)

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

  

Sesadu 2ብምኽንያት 18 መስከረም መዓልቲ እሱራት ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ስለዝኾና ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ሰልፊዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት፣ ዓርቢ 18 መስከረም 2015

ግዜ፣ ካብ ሰዓት 11.00 ክሳብ 14.00

ቦታ፣ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ኤርትራ ሊዲንጎ

ብድሓን ምጹ

ኣዳለውቲ ሰልፊ ሰሳዱ ምስ ብጾቶም

Rally commemorating Eritrean Prisoners Day in Stockholm Sweden

We kindly invite all democracy and human rights activists to a rally commemorating the dark day of 18 September where Eritrean members of the leadership and journalists were detained by the totalitarian regime in Eritrea.

Date: Friday 18th, September 2015

Time: from 11.00 to 14.00 local time

Place: In front of the Eritrean Embassy - Stjärnvägen 2 B Lidingö- Ropsten Underground

Welcome All!!!!!!!!!

Rally organizers/ SESADU in co-operation with others

ሎሚ ዓለምና ኣብ ንእሽቶ ቆሸት እናተቐየረት ትጓዓዘሉ ዘላ እዋን፥ ናይ መንነት ይኹን ናይ ዜግነት ወይ መበቆል መምዘኒ ኣልዒልካ ናብ ቅልውላው ዘእቱ ሃዋህው ምፍጣር ኣይግባእን። ከመይሲ ዓለም ብእተፍርዮ ፍርያትን ተወዳዲራ ብእተምጽኦ ምዕብልናን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፥ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን፡ ጠቕምን ዝደጋገፍ ግዜ፡ ወይ ከኣ ብዓውለማ ወይ ግሎባላይዘሽን ዝፍልጥ መድረኽ ኢያ ትርከብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ እዚ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ከመይ ይተሓባበራን፥ ዶባት እውን ኣብ ነንሓድሕደን ክፉት ኰይኑ፡ እቲ ዘፍርይኦ ፍርያት ዕዳጋ ረኺቡ፡ ብመሰረት ዝቐርቦ ጠለብ ከማልኣ ክጽዕራ ኣለወን። ካብኡ ሓሊፉ፥ ምዕብልና ይኹን ስልጣኔ ብዓብላልነት ወይ እውን ብኣግላልነት ሓሳብ ተዋሒጥካ ክብጻሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ዓለምና ኣብ እሂን ምሂን ኢልካ፥ ንተፈጥሮ ኣብ ጥቕምኻ ከመይ ተውዕሎ ደኣ ምሕሳብ እምበር፥ ጉጅላዊ ባህሪ ሒዝካ፡ ንሓባራዊ ረብሓ ይኹን ንተክኖሎጂካዊ ዕቤት ምግጣም ኮቶ ኣይከኣልን።

ተኽኖሎጂ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ተራ ዘለዎ ኰይኑ፥ ከም ኣብነት ኢንተርነትን፡ ሞባይልን ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ከይዓንቀጾ ኣብ መላእ ከፍለዓለማት ዝርከባ ሃገራት ብደቒቅ ከምዝራኽባን ዝተኣሳሰራን ይገብር ኣሎ። ህዝቢ እውን ከምኡ ናብ ቃሕ ዝበሎ ክገይሽን፥ ኒየው ነጀው ክብልን ክንቀሳቐስን ከሎ፥ ነናቱ ዝተፈላለየ ሓሳባትን፡ ጠመተን፡ ልምድን ሒዙ ናብቲ ዝኸዶ ሃገር፥ ጠቓሚ ዝኾነ ነገራት ይዝርጋሕን የስፋሕፍሕን ኣሎ ማለት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ጠቓምን ጎዳእን ዝኾነ ልምዲ ብሓንሳብ ስለዝዝርጋሕ፥ ዓውሎማ ዝስዕቦ መዝዝ እውን ክህልዎ ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ነቲ ዝነበረ ባህሊ ወይ ከማዕብሎ ወይ እውን ከህስሶ ይኽእል ኢዩ።

ብዝተረፈ ዓውለማ ናይ ንግድን ስራሓትን ውድድራትን ስለዘበርክት፥ ዕዳጋታት ኣዝዩ ክነጥፍን፡ እቲ ሃላኺ ነገራት እውን ክምዕብል ዕዳጋ ክረክብን ሓደ ካብቲ እወንታዊ ናይ ዓውለማ ኢዩ። ክምኡ እውን ብምኽንያት ዝፍጸም ውድድር ዝሓሸ ኣቑሑትን ጸጋታትን ንመላእ ዓለም ዝኸውን ከማዕብልን ክሃንጽን ይርከብ። እዚ ብመጠኑ ጠቕሚ ናይ ዓውለማ ክኸውን ከሎ፥ ዓውለማ ብግቡእ ክኸይድ እንተኾይኑ ግን፥ ምትእምማንን፡ ቅሳነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራሲያዊ ሕጊ የድሊ። እዚ እንተዘየልዩ ናይ ምትዕምማጽ ወይ ስርቂ ወይ ከኣ ናይ ምጥልላም መንፈስ ወይ ምጉጅጃል ከስፋሕፍሕ ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ።

ካልእ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ናይ መንነት ይኹን ዜግነት ብሕጋዊ መንገዲ ክሳብ ዝስራዕ፥ እዚ ወዲ ዓዲ ኣይኮነን፥ እዚ ከምዚ ኢዩ ተባሂሉ ክነፋፈግን ክረሓሓቕን እንተኾይኑ፡ እቲ ናይ ሓድሕድ ዝተፈላለየ ክእለትን ፍልጠትን ክወራረስን ክምዕብልን ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ቁጠባውን ስነኣእምሮኣውን መዳይ ዘስዕቦ ዓቢ ጸገማት እውን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ደቀቕትን ዓበይትን ፍልልያት፥ ከምኡ እውን ዘይምዕቡል ኣተሓሳስባ ኩሉ ግዜ ነቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕብልና ንድሕሪት ክጎቶ ስለዝኽእል፥ ብዝተኻእለ መጠን ምዕቡልን ስልጡንን ኣተሓሳስባ ክነዘውትር ኢዩ ዝግባእ።

ኣብ መድረኽ ዓውለማ መብቆል ዘይኮነ ዘገድስ፥ እንታይ ደኣ፡ ግጉይ ኣተሓስስባን ጭቖናን ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ድማ ዲሞክራሲያዊ ምሕድራን፡ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽን ዘሎ ድልውነትን ተቐባልነትን ኢዩ ወሳኒ። እዚ ማለት ግን፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝበጽሕ ድረጃ ክኸውን ኣይግባእን።  ንጸረ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ዝብገሰሉ እዋን ግና በቲ ናይታ ዝቕመጣ ሃገር ሕጊ ዘፍቅዶ መሰረት ክዳነን ክፍረድን ድማ ናይ ግድን ኢዩ። ንኣብነት ኣመሪካ እንተርኢና፥ ዳርጋ ህዝቢ ናይ መላእ ከፍለዓለም ዝርከባ ሃገራት ዝሓቘፈት ኢያ። ኩሉ እኳ እንተዘይተባህለ መብዛሕትኡ መበቆሉ ብዝየገድስ ኣመሪካዊ ዜግነት ሒዙ ነታ ሃገር ብቑጠባ ይኹን ብሓሳብ ወይ እውን ብናይ ተክኖሎጂ ምዕብልና ኮታ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ ንሃገረ ኣመሪካን ህዝባን የገልግል ኣሎ። ንሃገረ ኣመሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ንሃገሩን ንቤተሰቡን ንዕኡን ይረብሕ ኣሎ።

ንኣብነት፡ ፕረሲደንት በራክ ሑሴን ኦባማ እንተወሲድና፥ ብቡኡ ኬንያዊ፡ በዲኡ ድማ ኣመሪካዊ ኮይኑ፡ ብመብቆሉ ኣፍሪቃዊ ኢኻ ተባሂሉ መሰል ኣይተነፍገን። በታ ናይ ክብርቲ ወላዲቱ ኣመሬካዊ ዜግነት ከኣ መበቆሉ ብዘየገድስ ኣመሪካዊ ዜግነት ረኺቡ እነሆ ክሳብ ኣብ መሪሕነት ደራጃ በጺሑ እንርእዮ ዘሎና ናይ ዓይኒ ምስክር ኢዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ድማ እዛ ሎሚ እንነብረላ ዘሎና ሃገር፥ ናይ ብዙሓት ዓሌታትን መበቆላትን ዘለዎም ስድራቤታት ዝሓቘፈት ሃገር ኢያ። ስለዚ ኣሽንኳይዶ በቡኡ ወይ በዲኡ ኤርትራዊ መወለድ ዘለዎ ብኤርትራውነት ኣሚኑ ክነብር ዝደሊ ኤርትራዊ መበቆሉ ምጽብጻብ ብፍጹም ርትዓዊ ኣይኮነን።

መጻኢት ኤርትራና እምበኣር፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘሰፈና ሃገር ኮይና፥ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን፡ ፖለቲካውን ክምዕብል እንተኾይኑ፥ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልና ሕግን ዝኸብሩሉ ባይታ ክምድመድ ኣለዎ። እዚ ባይታ እዚ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምምስራት ስለዝኾነ ንኣሎ ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝገብር መስርሕ ኣሳታፍነት ሒዙ ክጎዓዝ ከሎ ኣብ መበቆልን፥ ዓሌትን ክምርኰስ የብሉን ማለት ኢዩ። ብናይ መበቆል ፍልልይ ዝግዛእ ሕብረተሰብ ተሓቛቚፉን ተኸባቢሩን ንኽነብር ስለዘጸግሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ክገራጮን ክመናጨትን ኢዩ ግዜኡ ዘሕልፎ። ብዘይካ እዚ ነታ ኤርትራ እትበሃል ሃገር ፋሕፋሕ ከእትወላ ዝኽእል ሽግራት እውን ይፍጠር። እዚ ማለት፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝሰርሖ ታሪኽን ሓርበኝነትን ድኣ ኢዩ ሃገራውነቱ እምበር ብመበቆሉ ወይ ብመንነቱ ጥራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ብመበቆል ይኹን፥ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣን ሃይማኖትን ብምፍልላይ ነታ ሃገር ኣብ ክልተ ክመቕላ ዝኽእል ዝእንፍት ብምዃኑ ምጥንቃቕ የድሊ። ምኽንያቱ ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእ መድረኽ ስለዝፈጥር፥ እታ ሃገር ክትብልጽግን፥ ክትምዕብልን ዝግበኣ ብኹለንተናኣ ማለት፡ ብፍልጠት፥ ብእተሓሳስባ፡ ብምህዞ፡ ዝደኸየት ትኸውን እሞ ተሳንዩን ተኸባቢሩን ክነብር ዝኽእል ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ዝፍጠር ወርትግ ኣብ ምግርጫውን ምፍልላያትን ተነቚታ ከምትነብር ይገብራ።

እሞኸ ደኣ እንታይ ክግበር ኣለዎ እንታይ ኢዩኸ እቲ ፍታሕ? ዝብል ክንምልሶ ንግደድ። ነዚ እንተዘይመሊስና ሓንቲ ስጉምቲ እኳ ትኹን ንቕድሚት ክንስጉም ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ፍታሕ ከይዱ ከይዱ ኣብ እምንቶን ኣብ ኣተሓሳስባን እዩ። ንመበቆሉ ከም ቀንዲ መሳርሒ ገርካ ካብ ምውሳድ ምቚጣብ። ካልኣይ ነጥቢ ኣብ ናይ ሓድሕድ መናፍሓትን ምቅንጻላትን ናይ ስም ምክፋእን ደው ክብልን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምድምማጽን ስነስርዓት ዝመልኦ ኣገባብን ስነፍልጠታዊ ዝኾነ ፖለቲካ ምኽታል። ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብተናጸል ወይ ብውልቂ ወይ እውን ካልእ ትሕተ ሃገራዊ ዝኾነ ጥርናፈ ፍታሕ ከምዘየምጽእ ተረዲእና ዓሌት ወገን ኣውራጃ ወይ መበቆል ከይተጸባጸብናን ከይፈለናን ብስም ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ክንተሓባበርን፥ ተኸኣኢልናን ተጸዋዊርናን ምስራሕ። ከምኡ እውን ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ሃገራዊ ወንን ስምዒቱን፥ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ሕልናን ንኸይጠፍእ ወይ ከይድምሰስ ፈላላዪ ዝኾነ ሓሳባት ካብ ምዝውታር ምቑጣብ።

ኣብ ምወዳእታ ንጹህ ኣእምሮን ንጹህ መንፈስን ክህልወናን ካብ መሃዪምነት ዝተበገሰ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ናጻ ክንከውን የድሊ። ከምኡ እውን ንመንእሰይ ወለዶ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ንኽወርስ እምበር ኣንጻር እቲ ቅድሚኡ ዘነበረ ወለዶ ክጉስጐስ ወይ ክጉስጉስ የብሉን። ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዘቆናጽብን ዘስተናዕቕን እንተኾይኑ እቲ ሓርበኘትን ሃገራውነትን እውን ብኸምኡ ክሃስስን ክጠፍእን ኢዩ። ስለዚ ሓዲሽ ወለዶ ኣርሒቑ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ፥ ኣርሒቑ ክሓስብ እንተኾይኑ ድማ በቲ ዝቐስሞ ጽጹይ ፍልጠትን ዘይተዛበዐ ታሪኽን ኢዩ። ነዚ እውን ብዝሰምዖ ጥራሕ ከይተወሰነ ነቲ ዝሰምዖ ክመራመረሉን ክድህስሶን፡ ሚዛናዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ክህልዎን ይግባእ። ካብኡ ብዝተረፈ ኣብ ኣጉል ናይ ዕንኪላሎ ዘይስነፍልጠታዊ ተንታን እናሃብካ ወይ እናኣቕረብካ ንሓንጎል መንእስያት ምብካልን ምድንዛዝን እምበር ሃገር ክትድሕን ኣይትኽእልን።

ድራር መንታይ

ጨንፈር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ብ6 መስከረም 2015 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼበኣ ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼባ ከም መእትዊ ንሰልፊ፡ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ተዋሂቡ። ኣብቲ ንሰልፊ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ድሕሪ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ብዓወት ምዝዛሙ፡ ኣብቲ ጉባአ ዝተመርጸ መሪሕነት መጻኢ መደባቱ ንምጥጣሕ ይገብሮ ብዛዕባ ዘሎ ምድላዋት ተገሊጹ። ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ሓድሽ ምዕብልና ከም ዘየብሉ ኣብዚ ወርሓዊ ኣኼባ ጨንፈር ከም ዝተዘርበሉ ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ካብቲ ቦታ ዝለኣኾ ዜና የረድእ።

ድሕሪ እዚ ምውህሃብ ሓበሬታ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምዝዛም 5ይ ኣኼባኡ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ብንባብ ቀሪቡ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣገዳስቲ ነጥብታት ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ። ድሕሪ እዚ ዘይበርሁ ንክበርሁ ናይ ሕቶን መልስን መስርሕ ተኻይዱ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ዝሓለፈ 30 ነሃሰ 2015 ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዳልዩ ንዝነበረ ናይ ምዝንጋዕ መደብን ፖለቲካዊ ትርጉሙን ብዝምልከት ኣብቲ ምድላው ዓብይ እጃም ብዝነበሮም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ምስ ኩሉ ሕጽረቱት፡ እቲ ዝተራእየ ተሳትፎ ናይቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ ንናይ ለውጢ ንቃልሲ ምልዕዓሉ ዘመልክት ስለ ዝኾነ፡ ንመጻኢ እውን ዝኾነ ኣጋጣሚ ፈጢርካ ክድፈኣሉ ዝግባእ ምዃኑ ኣኼበኛታት ከም ዘስመርሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እውን ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ፖለቲካዊ ውሳነታትን ደምዳሚ መግለጽን 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤትራ ብዝምልከት ሃናጺ ምይይጥ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

7 መስከረም 2015

ናይ ክብሪ ሽልማት

Sunday, 06 September 2015 10:49 Written by

BolognaForumLogo

ንዝገበረልካስ፡ ሓደው ግበረሉ፡ ሓደው ንገረሉ ከምዝበሃል፡ እቶም ዘለዎም ዘበለ፡ ሓንቲ ውን ትኹን ከይበቐቑ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ዝመጠዉ ናይዕድመ ሰብ ጸጋ ዜጋታትና፡ ስለቲ ዘበርከቱዎ ሰናይ ተግባር ብኣና ብህዝቦም ክሙጎሱን ክኽበሩን ኣለዎም። ጉባኤ ቦለኛ፡ ነቲ ኣቦታትና፣ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ንምውሓስ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ሃገረ ኤርትራ ከረጋግጹ ዝኸፈሉዎን ገና ውን ዝኸፍሉዎ ዘለዉ ክቡር ዋጋን መስዋእትን ወትሩ ኣፍልጦ ይህብን ብፍሉይ ይዝክርን ንመስዋእቶም ድማ የኽብርን። በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን መጨረሽታ ብወግዒ ዝኽፈት ጉባኤ ቦለኛ ኣብ ኦክላንድ፡ ፕሮፌሰር በረኸት ሓብተስላሴ፡ ስለቲ ኣብ ሙሉእ ሂወቱ ንሃገሩን ንህዝቡን ዘበርከቶን፡ ሎሚ ውን ገና ዘበርክቶ ዘሎን ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ክብሪ ሽልማት፡ ካብ ዳለውቲጉባኤ ቦለኛ ክቕበል እዩ።

Prof Bereket Habteselassie

እቲ ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝሰረቱ ዘኹርዕ ባህልና ኣብቲ ዝነበሮ ንኽምለስ ጻዕሪ ምክያድ፡ ነቲ ክብረት ዘይፈልጥ፡ ብዕንደራ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝምራሕ ኣረመኔ ስርዓት ንኽንስዕሮ ዝሕግዘና ካልእ ናይ ቃልሲ ሜላ እዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ኣቦ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ1997 ሽልማቱ ብወግዒ ዝቕበለሉ ታሪኻዊ ምዓልቲ ሓቢርኩሙና ክትውዕሉ ብኽብሪ ንዕድም። ዝኸበርካ ኣቦና ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ፡ ኣብቲ ንነጻነት ዘካየድናዮ ቃልሲ ዘበርከትካዮ ንጡፍ ኣገልግሎት፡ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ቅዉኣም ኤርትራን ሎሚ ውን ኣቦን ጽላልን፡ ሓያል ኣማኻሪ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ዲሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ስለቲ መወዳድርቲ ኣልቦ ኣበርክቶኻ ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ስለቲ ዘለካ ኣባታዊ ሓልዮትን ምኽርን፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ካባና ካብ ኤርትራውያን ደቅኻ ተቐበል፡ የቐንየልና ክቡር ኣቦናን ጓሳናን።

ጉባኤ ቦለኛ

26 ንሃሰ፣ 2015

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ