ናይ ሓምሳታት ፖለቲካዊ ጸወታ ደጊም የብቅዕ

2015-10-01 18:57:21 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2405 times

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዙሕ ክመሃር ስለዝኽእል ብምንም ዓይነት ክደናገር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ‘’ታሪኽ ነፍሱ ይደግም’’ እዩ ከምዝበሃል፥ እቲ  ፈላላዪ መድረኽ ብሓያላት መንግስታት ዝተጠጅኤ ውዲት ናይ ሓምሳታት መልክዑ ቀይሩ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ይኽእል እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘሎና ህያው ምስክር እዩ። ድሕሪ ደጊም ካብቲ ኩሉ መከራን ሽግርን ወጺእና ተመሊስና ኣብ ጭቃ ምንግርጋር ከይኮነና ድማ ክንጥንቀቐሉን ክነስተውዕለሉን ይግበኣና።

ቅድሚ ኣርባዓታትን ድሕሪኡን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ሃገሩ ክብል ሓያል ቃልሲ ኣካዪዱ እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ብ1941 ፈረንጂ ኣንጻር መግዛእቲ  ተወዲቡ ክቃለስ  ኢሉ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክምስርት ከሎ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምድና ብምድልዳል፥ ኤርትራ ነፍሳ ክኢላ ክትነብር ዘይትኽእል ድኻ ሃገር ኢያ እናበለ መናፍሑ ይዝርግሕ ነበረ። ነዚ ንምርጓድ ከኣ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ዝነበሩ ጣልያን ብምትሕብባር ነቲ ናይ ‘’በቨን ስፎሮዛ’’ መደብ ምምቃል ኤርትራ ዝብል ማለት፡ ሓደ ክፋል ንሱዳን እቲ ዝተረፈ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ክሓብር ዝብል ነበረ። ዋላ እኳ እዚ መደብ እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተነጽገ እንተነበረ፥ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ፋብሪካታት ይኹን ካልእ ኩባንያታት ዝሽየጥ ሸይጡ ዝዕጾ ዓጽዩ እዩ። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ ቀሲኑ ከይነብርን፥ ንሃገሩ ከየማዕብልን ከየበልጽግን ዝገበሮ ስውር ሸርሒ፡ ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ንኢትዮጵያ ክጎዓዝ ልክዕ ከምዚ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ቅሳነትን ስኢኑ ዝስደዶ ዘሎ ንኽስደድ ተገደደ።

ሽዑ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ መንግስቲ ከኣ ብወገኑ በቶም መገባርያታቱ ኣቢሉ ነቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብሃይማኖትን ብዓሌትን መስመር ንክመቓቕሎ እጽዕር ነበረ ኣብ መወዳእታ ከኣ ተዓዊትሉ። ኣብዚ እቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ጸረ-መግዛእቲ ዝምክት ሓይሊ ዘጓንፎ ዝነበረ ወጥሪ ቀሊል ከምዘይነበረ ክንርዳእ ንኽእል፡

ገዛእቲ እምበኣር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክመቓቕልዎ ከለዉ ዝፈጸምዎ ተግባራት፡ ነቲ ዝወጠንዎ ሽርሕታት ብዘይ ገለ ዕንቅፋት  ንኽሳለጥ ዝገብርዎ ሜላ እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ኩሉ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተኻየደ ቃልሲ  ኣማስያኡስ ብዓወት ውጥን ናይ ሓያላን መንግስታት ብምዕዋቱ፥ ኤርትራ ብዘይድሌት ህዝቢ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ተገብረ። እቲ ዉዕል እቲ ከኣ ቅኑዕ ከምዘይነበረ ዘመልክት  ብ11 ታሕሳስ 1948 ጀምስ ፎረስታል ናይ ኣመሪካ ምክልኻል ሚኒስትሪ፥ ንዲን ኣክሶን ናይ ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ዝነበረ ዝለኣኾ መልእኽቲ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ። ካብ ጉጉል ዝተረኽበ መረጋገጺ ከምዝሕብሮ፡ ከኣ ‘’ እቲ 390A(V) ፈደራላዊ ዉዕል ብኹሉ ሸነኹ ክረአ እንከሎ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰን ኣብ ግብሪ ዘይውዕልን ቅጥዒ እዩ።’’

ምስ እዚ ኹሉ ሽግራት ግና ኣብ 1949 ፈረንጂ  ዳርጋ ልዕሊ ትሽዓተ ዝኾና ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ክምስረታ ክኢለን። ሓንቲ ጥራሕ ካብዘን ትሽዓት ሰልፍታት ‘’ማሕበር ኣንድነት’ ምሉእ ናይ ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ምውላን ደገፍን ዝነበራ፥ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ትደፍእ ነበረት። እቲ ምወላን ደገፍን ዲዩ ዋላ ካልእ ምኽንያት ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር ትደፍእ ምንባራ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። መስመር ዝተሓንጸጸ ናይዚ ጸሓፋይ ርእይቶ እዩ። እተን ዝተረፋ ሰልፍታት ግና በቲ ይኹን በዚ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሳ ዝነበራን፡ በዚ መሰረት ከኣ  ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን ዝመራሒኣ ናይ ኤርትራ ቀጽሪ ናጽነት ወይ ከኣ ብሎኮ ኢንዲፐንደንሳ መስሪተን።  ምንጪ ጉጉል። እዘን ሰልፍታት ብቁጽሪ ክንርኤን ከሎና እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ እስላማዩ ክርስትያኑ ብ8 ሰልፍታት ንናጽነት ኤርትራ ዝብላ ክውከል ከሎ፥ እቲ ዝወሓደ ከኣ ብሓደ ሰልፊ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝውክል እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዘት ሒዛ ኩሉ ዝጭበጥ ምስ ጨበጠት፥ ኣብ 1957  ብዓረብኛን ትግርኛን ዝነበረ መጻሕፍቲ ብምሉኡ ኣንደደት ድሒራ እውን ባንደራ ኣውረደት። ንኤርትራውያን ምስ ገዛዘዐት ከኣ ክተሽካዕልል ጀመረት። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ናይ ዘውደ ረታ ‘’የኤርትራ ጉዳይ’  1941-1963 ኢሉ  ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 366 ዘሎ ከምዚ ይብል፥ ’’ኣብቲ እዋን ናይ ኤርትራ ባይቶ ምስ ተመስረተ ኣብ ዕለት 11 መስከረም 1952 ዝተገብረ ጽምብል ተረኺቦም ካብ ዝነበሩ መኳንንቲ ሓደ፡  ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጸሓፊ ትእዛዝ ወልደግርጊስ ጽግዕ ኢሉ ከምዚ ክብል ተዛረቦ። ‘’ከሚገባ በላይ ትግሬ ሲያቀብጡት የበለጠ ኣሸሹት’’ ትርጉሙ፦ ንትግራዋይ ምቅብጣር ማለትሲ ኣጸቢቑ ከምዝሃድም ምግባር እዩ እሞ፡  ንሓደ ሓማሰናይ ክንድዚ ዝኣክል ላዕልን ታሕትን ምባልሲ ኣይበዝሐንዶ’’ ኢሉ ገለጸሉ። እቲ ሓማሰናይ ምባሉ ድሮ ኢትዮጵያ ንተስፋሃንስ በርሀን ንተላ ዑቕቢትን ንሰለስቲኣቶም ከምዘይሰማምዑ ስለዝገበረቶም እያ ፈልዩ እዚ ሓምሰነታይ ዝበለ እምበር ከምታ ዝጀመራ ትግራዋይ ምባል ምቐለለ ነይሩ።  መስመር ናይዚ ጸሓፈይ ርእይቶ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ከኣ እቲ ጸሓፊ ትእዛዝ ዝሃቦ መልሲ እዩ፥ ንሱ ትቕብል ኣቢሉ፡ ከምዚ ክብል መለሰ፥’’ ናትና ገዛ እኳ እንተፈቲና ክንስከም እንተጸሊእና ድማ ክነውርድ ብዝግባእ ስለእንፈልጥ ናይ ሎሚ ኣይከብደና ናይ ጽባሕ ከኣ ኣየጨንቐና።’’

ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ እከይ ውጥን ናይ ኤርትራ ምክፍፋል ከምዘፍሸሎ ታሪኽ ይነግረና። ይኹን እምበር ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍ ሰልፊ ብዘይምፍጣሩ ምጥርጣራት ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ እውን እቲ ፈደረሽን በብቑሩብ እናተሸርመመ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ቃልስን ዝተጀመረ ብረታዊ ሰውራን  ግን  ንሓቀኛ ናጽነት ከምዝተላዕለ ዝከሓድ ኣይኮነን። ዋላ እኳ ኣብ ውሽጡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓቛቚፉን ዘየተሓቛቚፉን  ባእታት እንተነበሩ። ይኹን እምበር፥ ነቲ ኩሉ ጅግንነትን ሃገራዊ ሓርብኝነትን ተወፋይነትን ዝተኽፍለ መስዋእትን መደምሰሲ ክንጥቀመሉ ግን ፈጺሙ ዘይግባእ እዩ።

ኣብ  ኣርበዓታት ዝተኻየደ ቃልሲ ማለት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሓድሕዱ ክጠራጥርን ምትእምማን ክስእንን ዘይተገብረ ኣይነበረን፥ ክሳብ ምቅንጻላት ዝተኻየደሉ ግዜ እውን ነይሩ እዩ።  እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩን ተሳንዩን ንኸይቃለስ ዝተፋሕሰ ፍሕሶ ካሳብ ሎሚ እውን ብቐጻሊ ይፈሓስ ምህላው ካብ ዝሓለፈ ክንመሃር ዘይምኻኣልናን ክነስተብህል ዘይምድላይናን ዘምጸኦ ሽግር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ግዜና ነቲ ዝተስርሐ ጅግንነትን ታሪኽን ዝኽሕድን ዘነኣእስን ሓይሊ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና።፡ ንሕና ነዚ ክቡር ናጽነት ክውን ገይሮም ንዝሓለፋ ስም መስዋእትነት ጀጋኑና ዘቈናጽብን፥ ታሪኾም ዝድምስስን ሓይሊ ክቀላቐል ከሎ ኣብ ምንታይ ክበጽሕ ደልዩ ኮን ይኸውን ኢሉ ኩሉ ኤርትራዊ ክመራመር ዝግበኦ ክንሱ፡ ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከም ዝበሃል ንታሪኽ ኣቦታቱን ኣደታቱን ከይተረደኦ ይኹን ተረዲኣዎ ከናሹን ክዘልፍን ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። እዚ ብመሰረቱ ኮነ ኢልካ ንሃገራውነትና ክንሓክኽ እሞ ንጉዳይ ሃገር ዕሽሽ ክንብል ዝግበር ዘሎ እዩ።

ኣብ ግዜ ኣርበዓታት እውን ነዚ ሃገራውነት ዝፈታተን ወስታታት እዩ ዘጓነፈ። ከምዚ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ ጸወታ እዚ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ደው ክነብሎ ብዘይምኽኣልና፥ እነሆ ንጉዳይ ሃገርና፡ ብሓደ ኢድ ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተጻዊርና ኣብ ጸረ-ምልክን መላኺ ስርዓት ኢሳያስን ኣብ ክንዲ ነውዕል፡ ኣብ ነንሓድሕድና ክንቆማሸድ ግዜ ዘሕለፍናዮ ንደጋዊ ሓይሊ ብቐሊሉ ነቓዕ ረኺቡ ክበታትነና ክምዝኽእል ክንግንዘብ ይግበኣና። ድሮ እውን እነሆ ካብቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ሓምሳታት ዘሳውሮ ዝነበረ ቅዳሕ እዚ ስርዓት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ከልግሶ ብቕዓት የብሉን፥ እዚ ስርዓት እዚ ክለግስ ብዘይ ናይ ኢትይጵያ ኢድ ኣታውነት ፈጺሙ ኣይከኣልን ዝብላ ኣደናገርቲ ቃላት ካብ ኤርትራውያን ክትሰምዕ ብጣዕሚ ዘደንጹ እዩ። ቀደሙስ ታሪኽን ጅግንነትን ኣቦታትናን ኣደታትናን ዘቈናጽብን ዘናእስን ንሃገራዊ መንነትናን ሓርበኝነትናን ካብ ኣእምሮና ክፈሓቚ እሞ ነዛ ሃገር ዝብጀወላ ክትስእን ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ምዃኑ ኣብ ግምት ክነእትዎ የድሊ። ታሪኽካ ክድምሰስ ከሎ ምስኡ እውን እቲ ኣነ ንሃገረይ ዝብል ናይ ጅግንነት ካባ ዝቑርመም ምዃኑኸ ከመይ ንዝንግዖ? ደሓርከ ታሪኽካ ደምሲስካ እንታይ ዓይነት ታሪኽ እዩ ክምስረት።?

እቶም ኣብ ሓድነት ሃገር ዘይጸንዑ ሃገራዊ ስምዒትን ሃገራውነትን ኣዳኺሞም ነዚ ስርዓት እዚ ንምልጋስ ብቕዓትን ዓቕምን ክንስእን እሞ ደጋዊ ሓይሊ ጣልቃ ኣትዩ ከገላግለናን ብድሕሪኡ ንዝመጽእ መዘዝ ኣብ ትሕቲ ፍጹም  ፈቓዱ ክንወድቕ ዝእለም ማእለማ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ንኢድ ምእታው ብቐጥታ ምስ ንዋታውን ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዛት ኣተኣሳሲርካ ምግላጽ ንምድንጋር ኢሉ ዝቐርብ ክንጥንቀቐሉ ዝግባእ ሽርሒ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ነጥብጣታት ማለት ጣልቃ ኣእታውነትን ሓገዝን፡ ዘሎ ፍልልያት ስሒቶሞ ዘይኮኑስ እንታይ ደኣ ነቲ ሕቡእ ፍሕሶታት ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ ክጠቕመና ዝኽእል መሳርሒ እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑሉ ኢዮም። ኣብዚ ኣተኲርና ክነስተብህለሉ ዘሎና ጉዳይ እቲ ኣብ መንጎ ጣልቃ ኣታውነትን፥  ሓገዛትን ዘሎ ፍልልይ ኣዳቒቕና ምፍላጥ ዘድሊ ምዃኑ’ዩ።

1 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Thursday, 01 October 2015 21:00