ሓተታ

2015-09-29 17:21:08 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2364 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ እነሆ ሻድሻይ ዓመቱ ሒዙ ። እዚ ሰልፊ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ኤርትራ፥ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ናይ ስኒትን ምጽውዋርን ባይታ ዝነፍግ ኩነታትን ሜዳ ኤርትራ ንዝሓለፎ ተመኲሮ ውግእ ሕድሕድን ግርጭታትን ሰጊሩ ኣብ ሓድነትን ዕርቅን ዝበጽሐ ፍርያት እዩ።

ካብቲ ናብ ዕርቅን ስምምዕን ዘብጽሐ ቀንዲ ነጥቢ ድማ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ምንባር ገዲፍና ኣብ ናይ ሎምን ጽባሕን ነማዕዱ ዝብል ትብዓት እዩ። ከም ኣብነት ናይዚ ድማ ጉዳይ ባንደራን ጉዳይ ቅዋምን ከም ዝስገር ተገብረ። እቲ ዝተረፈ ከኣ ኩሉ ነናቱ ታሪኽ ዓቂቡ ንተመራመርቲ ዝተርፍ ተባሂሉ ስለ ዝተሰግረ እዩ ኣብዚ ቅዱስ ዓላማ ሓድነትን ስኒትን ዝተበጽሐ። እዚ ሓድነት እዚ ንብዙሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍ ንመስመር ኣለልዩ ዝቃለስ ስልፍን ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ ዘይህብን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ተሳንዩን ተሓባቢሩ ክሰርሕ እዩ። መሰረታዊ ዕላምኡ ድማ ሓርነትን፥ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ኮይኑ እቲ ዝቐውም መንግስቲ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ክኸውን ዝቃለስ ሰልፊ እዩ።

ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ከይተሓለለ ክቃለስ እንከሎ ንኹሉ እቲ ፍትሒ ዘናዲ በበይኑ ኮይኑ ግን ድሌታቱ ሓደ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዓቕምታቶምን ጸጋታቶምን ዝጥርንፍ ድልዱል ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ብምህናጽ ኣቢሉ ነዚ መላኺ ስርዓትን ምልክን ንሓዋሩ ካብ ሱሩ ምሕዩ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስትን ስርዓትን ንምትካል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ከምቲ ብደገ ኮይኖም ዘካፍእዎን፥ መንእሰያት ንኸይዓስልዎን ንቕድሚት ንኸይስጉምን ኣሎ ዝበሃል መናፍሓት ሰጊሩ ንህዝቢ ኤርትራ የርብሕ እዩ ኢሉ ዝሓንጸጾ መጻኢ መትከላት ዲሞክራሲ ብግቡእ ክሰርሓሉ ድሉው ኣሎ። ነዚ ብሰንኪ ተሰማሚዕና ዘይምኻድናን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ውህደትን ህዝቢከም ዝመዛባዕ ገይሩ ይርከብ። ከምኡ እውን ሃገራዊ ሓድነት ከም ዝዳኸም ብምግባሩ፥ ነቲ መንእሰያት ክስደዱን፥ ንሓደጋታት ክሳጥሑን ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ክነቋምት ኣይበቓዕናን። ነዚ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ጉባኤኡ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ተመርኲሱ ነቲ ለውጢ ብውሽጢ ዝብል ኣምር ክውን ንምግባር ብዝተኻእለ ምስ ውሽጢ ክፍጠር ዘለዎ ዝምድናታት ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ዝያዳ ክኻዕብቶ እዩ።

ብተወሳኺ እዚ ሰልፊ ኣዚ ነቲ ቃልሲ መንእሰይ ክወርሶ ኣለዎ ዝብል ኣብ 2ይ ጉባኤኡ ዘጽደቖ መደብ ዕዮ መንእስያት ኣብዚ ሰልፊ እዚ ተሰሊፎም ነቲ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝኸይድ ሓላፍነታዊ ቦታታት በብግዚኡ እናተመኮሩ ክትክእዎ ጻውዒት የቕርብ። ካብዚ ነቒሉ ንምልካዊ ስርዓትን ምልካዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ሱሩ ንኽምሕዎ፥ ነቲ ሰፍ ዘይብል ጽኑዕ መትከላዊ እምነቱ ሰላማዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣበርቲዑ ክቃለሰሉ እዩ። ዘይጎነጻዊ ኣገባብን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና መራኸብን ብዘይፍርሃት ከኣ ነቲ ለውጢ ክበቅዕን ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ንኽሳተፍ እውን ስለ ዝሕግዝ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ብዝወሓደ ናይ ደም ምፍሳስ ምልኪ ንምእላይ ክጽዕተሉን ከዕውቶን እዩ።

ድራር ማንታይ

29 መስከረአም 2015

Last modified on Tuesday, 29 September 2015 19:35