እስኪ ቍሩብ ከነዕልል

2015-09-21 10:29:28 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2656 times
 
  • እሂ ኣንታ ከመይ ኣርፊድካ፡
    • ደሓን እየ ንስኻኸ ደሓን ዲኻ፡
  • ደሓንየ፡ እንታይከ ሓድሽ ነገር ኣሎ ደሃይ ዓዲዶ ኣለካ?
    • ኣየ ናትካ ነገር፡ ኣይትቐብጽን ኢኻ። ዓዲ ደኣ እንታይ ደሓን ኣለዎ፡
  • ከመይደኣ ደሀይ ዘየብሉ። ደሃይ ደኣ መሊኡ እምበር፡
    • እዋእ እሞ ደሃይ ተልዩካስ ንገረና እምበር፡
  • መንግስትና ንሰራሕተኛ ደሞዝ ክውስኽ’ዩ ይበሃል ኣሎ፡ ሰሚዕካዶ፡?
    • ሃየ በል ዘረባ’ባ ኣምጺእካ ኣስኪ ቀጽል፡
  • ጽናሕ እንዶ ንወተሃደራት’ውን ደሞዝ ክውሰኽ እዩ፡
    • ክሳብ ሕጂኸ ደሞዝ ጸኒሕዎም ድዩ ዝውሰኾም፡
  • ኣዋእ ኣንታይ ደኣ ትህወኽ፡
    • በል ሕራይ ደሓን ከክንደይከ ክገብረሎም’ዩ ይበሃል?
  • እዋእ በብደረጃኡ እዩ እምበር
    • ንገሊኦም ብዙሕ ንገሊኦም ውሑድ ክውሰኾም እዩ ማለትካ ድዩ
  • ኣይፋሉን እንታይ ኣህወኸካ፡ ከም መንግስቲ ብመጀምርያ ደሞዝ ክውሰኽዩ ኢኻ እትብል
    • ሕራይ ድሕሪኡኸ እንታ ትገብር፡
  • ድሕሪኡ ቀስ ኢልካ ድማ ከክንድ’ዚ ትብል እምበር ብታህዋኽ ሃንደፍ ኢልካ ኣይኮነን ዝዝርጋሕ!
    • ወይ ጉድ ከምዚ’ውንዶ ኣሎ? ደሓን ይኹነልኩም ካብ መዓስከዩ ኣቲ ወሰኽ ክጅምር፡
  • እንታ ወዲ ትህወኽ ዘለኻ ኢኻ ትመስል፡
    • እዋእ ኣበይ’ዩ እቲ ታህዋኸይ?
  • ኩሉ ነገር ቀስ ኢልካ እዩ እምበር ብሃታሃታኮ ኣይኮነን
    • ሓድሽ ደሞዝ ዝወሃበሉ መዓልቲ ተዘይተቖሪጹስ መተዓሻሸዊ ከይከውን ኢለ እየ’ሞ ይቕረታ፡
  • ስማዕ እስከ እቲ ተስፋኸ ናይመን ኮይኑ
    • ኣየ ንስኻ ዕላልካ “ተፈታሕካዮስ ቁጻር ጥራይ” ኮይኑኒ
  • ዎ! እዚ እሞ ተስፋ ዝህብ ስለ ዝኾነ ብዋዛ ንሪኦ ኣይኮነን
    • ግደፎንዶ፡ ብመሰረቱ እዚ መንግስቲ ትብልዎ ዘለኹም ጉጅለ ደሞዝ ክውስኽ ዓቕሚ’ውን የሉን
  • ኣንታ ብዛዕባ ገንዘብ ዲኻ
    • እወ እንታይ ሸይጡ እዩ ገንዘብ ከምጽእ
  • ግደፎንዶ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ኩንታል ወርቂ ድዩ ዝሸይጥ ዘሎ
    • ወይ ጉድ ኣብ መዓልቲ ኩንታላት ደኣ፡ ዕፉን ድዩ ወይ ዳጉሻ። ወርቆዶ ኣይኮነን
  • ቅድምሞ ንብለካሞ ስምዓና
    • ሰሚዐካ እንድየ፡ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ዓቕሚ ተዝህልዎ እውን እዚ ጉጅለኻ ንሰራሕተኛ ዝርህርህ ኣይኮነን
  • እዚ እሞ ካልእ እዩ ንሃገርካን መንግስትኻን ኣሕሊፍካ ምሃብ ጽቡቕ ኣይኮነን
    • ዝብለካ ዘለኹ ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ድዩ ዝበሃል። ኣዚ ዝቃወሞ ዘለኹ ጉጅለን ሃገርን እንታይ ኣራኺብዎም?
  • መሲልካ እንታይ ከተምጽእ ኢኻ ደሊኻ?
    • ተስተውዕል ዲኻ ሰራሕተኛ ኤርትራ እኮ ክሳብ ሎሚ ጡረታ የብሉን
  • ግደፍንዶ ንድሕሪት እንዳተመለስካ ዘረባ ኣይተግፍሓልና
    • ስማዕ ደኣ ንስኻኮ እዚ መንግስትኻ ሃብታም እዩ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ። እሞ ኣብ ወጻኢ ብናይ ካልኦት ጸጋ እንዳተጠቐምካ
  • እወ መንግስትና ሃብታም እዩ። ብዘረባ በዓል ወያነን ኣሚሪካን ኣይትተዓሾ እየ ዝብለካ ዘለኹ።
    • ሕራይ እቲ ናይ ውያነን ኣሜሪካን ግደፎ ዘይመላዕልትኻ ኣይተልዕል እሞ፡ ህዝብናኸ ከመይ ይነብር ኣሎ?
  • ስማዕ ስማዕ ድኽነት፡ ስእነትን ዕርቃንን ኣብ ኩሉ ዘሎ እዩ
    • ግርም በል ወስኽ ከም ድላይካ ክሰምዓካ
  • ሓቀይ እየ ኣብ ኣሜሪካ እውን’ኮ ጸሞም ዝሓድሩ ኣለዉ
    • ግደፍ እሞ ላዕሊላዕሊ ኣይትኺድ
  • ታይደኣ ክገብር ምዝራብ ከሊእካኒ
    • ስማዕ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሕክምና የለን፡ ቀለብ የለን፡ ፍትሒ የለን፡ መሰል የለን፡
  • ኣየ ጉድ እዚ ደኣ ናይ ጸላእቲ ዕላል እንድዩ
    • ደሓን ንስኻ ፈታዊ መንግስቲ እንዲኻ፡ ናይ ፈተውቲ ዕላል ከዓ ንገረና፡ ጉዳይ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ መግቢ ኣብ ኤርትራ ከመይ እዩ ዘሎ?
  • ዎ! ግደፎ በዚ ኣይንረዳዳእን ኢና። ናብ ካልእ ጉዳይና ንኺድ። ንስኻ ከም ቀደምካ ኣይኮንካን ገለ ሰባት ረኺበሙኻ ኣለዉ።
    • ናይ ሰባት ምርካብ ጉዳይ ግደፎ። ንስኻኸ ኣብ ኤርትራ ጾሞም ዝሓድሩ ቤተሰብ የብልካን ማለት ድዩ?
  • እዋእ፡ ጾምካ ምሕዳር ጥራይ ኣይኮነን ኣብ መንገዲ ስደት ኣብ ፈቐዶ ባሕሪ ዝጠሓሉ ቤተሰብሲ’ውን ኣለዉና እንድዮም። እንታይ’ሞ ይግበር ግዜ ዘምጸኦ ጸገም ኮይኑ
    • ደሓን ነቶም ስደርኦም ደኣ መን ዋጋ ሂብዎም። ነቲ ሰብኣይ ንምሕጓስ ነቲ ዘጋጠሞም ጸገም ሽለል ኢልኩም፡ ነቶም ግዳያት ፈተውቲ ነብሶም ኢልኩምዎም እንዲኹም። ይኹነልኩም ሓደ ኣዋን ግዜ ከም ዝፋረዱኩም ግና ኣይትረስዕ።
  • ስማዕ እባ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ሃገና ደሓን ኣፍልጦ ዘለካ ኢኻ ትመስል። ደሓር ኣይተማርር። ብዛዕባዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉዳያት ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ እንተልዩካ ግና ንገረና። ኣነ ብስምዒት እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር ዝፈልጦ የብለይን። ነዚ ኣገቀራርባይ ካብ ፍቕሪ ኤርትራ ሓሊፍካ ምስ ካልእ ከይተተኣሳስሮ። ስለቲ ድፍረተይ ከዓ ኣዋእ ይቕረታ ኣቖጢዐካ ከይከውን’
    • እዋእ ኣነ ካባኻ ንላዕሊ ዝፈልጦ የብለይን። ጉዳይ ሃገርን ዝብን ከዓ ንኹላትና ማዕረ እዩ ዝብጸሓና። እንተኾነ እቲ ዝረአ ክንሓብኦ ኣይግበኣናን’ዩ። ሎሚ ህዝብና ኣብ ዓዲ ፍትሒ ስኢኑ ጸቢብዎ ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ዝተኣስረ ቤተሰብካ’ኳ ኣበየናይ ቦታ ተእሲሩ ከም ዘሎ ዘይትፈልጠሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። መን ኣሎ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክምጉት እሞ ከም ሓቁ ክወጽእ ዕድል ዝተዋህቦ ክሱሱ? መን ኣሎ መሰለይ ተጋሂሱ ኢሉ ቅሬታኡ ከስምዕ ዝተፈቕደሉ? መን ኣሎ ክመሃር ደልዩ ናይ ምምሃር ዕድል ዝረኸበ? መን ኣሎ ሓሚሙ ግቡእ ሕካምና ዝረኸበ? መድሃኒት ተኣዚዝሉ መድሃኒት ብገንዘቡ ክገዝእ ዝኸኣለኸ? ጉዳይ ስደት፡ ጉዳይ ምዕጻው ዩኒቨርስቲ፡ ጉዳይ ደረት ዘየብሉ ዕስክርና፡ ጉዳይ ስራሕ ኣልቦልቦነት፡ ጉዳይ ስእነት ሰላምን ምድኻም ሓድነት ህዝብን እኮ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዓለም’ውን ኣዘራራቢ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። እዝስ የደቅስዶ?
  • ኣዋእ እሞ ንሕና ነዚ ትብሎ ዘለኻ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ክንገብሮ ንኽእል ጉዳይ ኣሎ
    • ንሱስ ግደፎ ድሌትን ርትዓውነትን እንተዝህሉ፡ ኣነ ኮነ ንስኻ ክንገብሮ ዝግበኣና ብዙሕ ነይሩ። እንተተቢዕና ጸግምና እውን መፍትሒ ዘይርከቦ ኣይኮነን።
  • እስኪ ኣነጺርካ ንገረኒ ብዛነብሰይ እንታይ ክገብር እኽእል?
    • ኩሉ ካልእ ግደፎ ብመጀምርያ ነታ ሕልናኻ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘሎን ህጹጽ መፍትሒ ከም ዝድልዮን እመን። እቲ ቀንዲ እዚ እዩ። ነቲ ሃገርናን ህዝብናን ዘዕኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፖሊሲኡን ብወግዒ ኮንኖም። እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ናይ ዓቕሚ ጉዳይ እዩ። ቅድሚ ኩሉ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ከምቲ ዘለዎ ከተንብቦ ድፈረትን ብቕዓትን ይሃልኻ።
  • በል ናይ ኩራ ዘረባ ግደፎ እሞ እንደጋና ሕጂ’ውን ኣነ ህዝበይ ንምክሓስ እንታይ እየ ክገብር ዝግበኣኒ?
    • ክትገብሮ ዝግበኣካ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ግና ድማ ቀሊል እዩ።
  • ግደፎንዶ እቲ ከም ርዱእ ትወስዶ ዘለኻ ብዙሕ። ኣነ ከማኻ ተመኩሮ የብለይን ሕጂ ኣብዛ ዘለኹዋ ሃገር ኮይነ ነቲ ኣብታ መከረኛ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ንምቕያር እንታይ ክሕግዝ እኽእል?
    • ኣጆኻ እቲ ሎሚ ካባኻ ዝድለ ብዙሕ ኣይኮነን ድፍረትን ፍትሓውነትን ጥራይ እዩ ዘድሊ
  • ጽቡቕ ኣጀማምራኻስ ጽቡቕ ይመስል። እስኪ ቀጽለለይ
    • ስምዓኒ ደኣ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ወጽዓ ከም ዘሎ እመን። ከምዚ ኣነን ንስኻን ኣብዚ ብናይዘን ንነብረለን ሃገራት ደሞክራሲያዊ ጸጋ ንጥቀም ዘለና ህዝብና ከም ዝብህግ ከዓ ተረዳእ።
  • ኣንታ ኣሕጽረለይንዶ
    • ደሓን ጽናሕ ደኣ እቲ ዕላል ጀሚርናዮ እንዲና። እዚ ጉጅለዚ ከይተወገደ ኣብ ሃገርና ቅሳነት ከም ዘይህሉ ተረዳእ። እዚ ጉጅለ እንተ ተወጊዱ ኤርትራ ዋና ክትስእን እያ ካብ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ውጻእ።
  • ወይ ጉድ ለካ ዘይምፍላጥ ጸገምዩ።
    • ጽናሕ ደኣ ዝጀምርናዮ ክንውደኦ ኢና። ርግጸኛ ኣይኮንኩን ምናልባት ከም’ዞም ገሊኦም ኣብ ዓዲ ገዛ ይህልወካ። ኣነ እውን ብዓቕመይ ንእሽቶ ገዛ ኣላትኒ። እንተኾነ እቲ ጉጅለ ምሳይ ተተባኢሱ ነታ ገዛይ ተሰኪሙ ኣይወስዳን እዩ። መሬት ምስ ወገሓ ኣብታ ዘላታ ክትጸንሓኒ እያ።
  • ኣንታ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ጸገም
    • ወይ ጉድ መዓስ ጠፊኡኒ፡ ካብ ሓጐስን ሓዘንን ቤተሰበይ ክፍለ እየ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ’ውን እፈልጥ እየ። ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ዝኸውን ኣይኮነን። ምእንቲ ፍትሒ ካብ ከምዚ ዓይነት ቤተሰባዊ ጉዳያት ምትራፍ ክትቅበሎ እዩ ዝግበኣካ። ኣብ ቀብሪ ኬድካ ተምልሶ የለን ተሪፍካ ዝተርፍ ከዓ የለን። እስኪ ኣስተውዕል ኣሕዋትካን ኣሓትካን ዝኸፈልዎ መስዋእትን ካብ ከምዚ ዓይነት ማሕበራዊ ጉዳያት ምትራፍን ኣየናይ ይኸብድ።
  • በልበል ንሎሚ ይኣኽለኒ ብዙሕ ቁምነግር ነጊርካኒ። ሕጂ ከምዚ ክገብር እየ ክብለካ ኣይክእልን እየ። ኣብ መጻኢ ዕላልና ከዓ ኣብ ሓደ ነጥቢ ንበጽሕ ንኸውን።
    • ስማዕ ደኣ ሓቅኻ እዚ ጉዳይ ተባዕ ውሳነ ዘድልዮ እዩ። ንሱ ድማ ብታህዋኽ ዝኸውን ኣይኮነን። ግና ኣስተውዕል። ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ግዜ ዝህብ ኣይኮነን። ናይ ጽባሕ ታሪኽና ሎሚ ብእንገብሮ’ዩ ዝስራሕ። ሎሚ ምስ ርኢቶ እዚ ጉጅለ ተሰሊፍና ጽባሕ ርእስኻ ተድንነሉ ከይከውን ኣስተውዕል። ሕሰበሉ። ንመጻኢ ከዓ ኣይንረሓሓቕ።
  • ጽናሕ ደኣ “ዘየደቅስ ነጊሮምኻስ ድቅስ ይሓድሩ” ድዩ ዝበሃል፡ ኣነ በይነይ ዝገብሮ ነገር የብለይ። በዚ ዝገለጽካለይኮ ሓርቢቱኒ እዩ ዘሎ። እቲ ምስ’ዞም ኣብ ዓድና ዘለዉ ምብኣስስ ሓቅኻ ዝሕሸሉ መኾነ። ካብ ስኽፍታኳ ነጻ መወጻእና። ክሳብ ሎሚ ምኽንያታት እንዳፈጠሩ ጉልበትናን ንብረትናን ዘማሰኑንና እውን ቀሊል ኣይኮነን። በቲ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝብልዎ ዘይፍትሓዊ ክፍሊትስ መዓስ ቀሲንና። እንተኾነ እቲ ክትነግረኒ ዝጸንሕካ ምስቶም ተቓወምቲ ኩን ማለትካ እንድዩ ምስ መነኦም እየ እሞ ክኸውን። ንስኻ’ኳ ከምዚ ኣዘራርባኻ ምስ ገሊኦም ከም ዘለኻ ገሚተ ኣለኹ። ከምዚ ዕላልካ ከዓ ምስ ብሱል ውድብ ዘለኻ ኮይኑ እዩ ዝርደኣኒ። ስለዚ ኣነ እውን ምሳኻ ተተሰራዕኩ ከመይ ትርእዮ?
    • እዚኣ ናይ ውሳነ ጉዳይ እያ። ኣነ ካባኻ ዝሓብኦ ኣይኮነን። ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሃል ሰልፊ እየ።
  • ንሱኸ መራሕቱ በዓል መን ይበሃሉ?
    • እቲ ጸገም ካብዚ እዩ ዝጅምር። ክትሓቶ ዝግበኣካ ናይቲ ሰልፊ መራሕቲ ዘይኮነስ መትከላቱ ኣብ ህልውን መጻእን ኤርትራ እዩ።
  • በል ሕራይ ሓወይ ካብ መትከላት ናይቲ ሎሚ ናትካ ጽባሕ ድማ ናይ ክልቴና ዝኸውን ሰልፊ ሓደሓደ ግለጸለይ እሞ ንሎሚ ዕላልና ንወድእ በጃኻ። ዘይተሓስበ ብዙሕ ኣዕሊልና ሕጂ ቆጸራ ስለ ዘለኒ ሰብየ ዘጸቢ ዘለኹ።
    • ሓቅኻ፡ እንኳዕ ደኣ ነዚ ኣብቀዓካ እምበር እዚ ትሓቶ ዘለኻ መትከላትስ ብደረጃ ጽሑፍ’ውን ከምጸካልካ እየ። ብተሃዋኽ ዘይኮነስ ኣጽኒዕካ ትኣትዎ እዩ። ክሳብ ሽዑ ግና እዚ ኣባሉ ክትከውን ትመርጾ ዘለኻ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ህልዊ ጉጅለ ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክዕቆብ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ናይ ግሊ እዩ ሃገርን መንግስትን ግና ናይ ሓባር እዮም ንዝብል እምነት ይጸቕጠሉ፡ መጻኢ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብዝሕነት ብዝተመስረተ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ክምራሕ ኣለዎ ኢሉ’ዩ ዝኣምን።
  • እዚኣስ ኣይክትሓስመንን እያ ።
Last modified on Monday, 21 September 2015 12:44