መበል 14 ዓመት ዝኽሪ 18 መስከረም፡ መዓልቲ እሱራት ኤርትራውያን

2015-09-21 17:44:26 Written by  ሓባራዊት ኣዳላዊት ሽማግለ ፍራንክፈርትn ከባቢኡን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2775 times

ብ18 መስከረም 2001 ስርዓት ኢሳያስ ብድሕር'ቲ ኣትኵሮ ዓለም ዝሰሓበ ኣሸበርቲ ኣብ ኣመሪካ ዝፈጸምዎ ናይ ኣልቓዒዳ ስርሒት ተኸዊሉ፡ 11 ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍን 10 ጋዜጠኛታትን ኣሲሩ። ምኽንያት መእሰሪ ናይ'ቶም 11 ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ኣኼባ ናይ "ባይቶ ኤርትራ" ክግበር ስለዝጠለቡ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ'ቶም 10 ጋዜጠኛታት ከኣ፡ ንውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ንትግባረ ቅዋም ዝምልከት ቃለ-መሓትትን ሓተታታትን ኣብ'ተን ናጻ ተባሂሉ ዝተኣምነለን ጋዜጣታቶም ስለዘስፈሩን ዘቃልሑን ኢዩ ነይሩ።

እዞም እሱራት እዚኣቶም ከም'ቶም ቅድሚኦም እተኣስሩ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት፥ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ምስ ቤተሰቦም ይኹን ምስ ሰብኣውያን ማሕበራት ከይራኸቡ ተሓሪሞም ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ኰይኖም ኣለዉ።

ኣብ'ቲ ተኣሲሮምሉ ዝርከቡ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣብ ሓለዋ ተመዚዙ ዝነበረ እሞ ካብ'ቲ ስርዓት ቅድሚ 4 ዓመታት ዘምለጠ ተጋዳላይ፥ መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ከምዝሞቱ እቶም ዝተረፉ'ውን ብዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣዝዮም ውሑዳት ደሓን'ዮም ዝብሃሉ ድማ ከቢድ ሰንሰለት ኣብ ኣእጋሮም ተሰኪሞም ኣብ ሸላታት ተዳጕኖም ምህልዋምን ኣቃሊዑ ነይሩ።

ኣብ ርእስ'ዚኦም በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ንስርዓት ህግደፍ ተቓዊምኩም፡ ዕልዋ ክትገብሩ ፈቲንኩም፡ ኣድማ ገርኩም፡ ካብ ሰራዊት ኰብሊልኩም፡ ዶብ ክተሰግሩ ፈቲንኩም፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘይቕበሎ ሃይማኖት ስዒብኩም፡ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ኢኹም . . . ወዘተ ተባሂሎም ዝተዳጐኑን ዝተቐንጸሉን ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጽሞ ስቅያትን ዓዛብን ንዓለም ዘስደመመ ኢዩ። ኣብ ርእስ'ቲ ፍሉጥ ዕለት ዕለት ዝፍጸም ማህረምቲ፡ ምጥማይን ምጽማእን፤ ብርእስኻ ኣብ በርሚል ማይ ምጥሓል፡ ብኤለክትሪክ ምሕራር፡ ብዝተፈላለዩ ኣስማት ዝጽውዑ ናይ ማእሰርቲ ኣገባባት ምስቃይ (ሀሊክፕተር፡ ቍጽሪ 8፡ ኣብ ጽሓይ ምንቅዕራር፡ ኣብ ርሱንን ቆራርን ኮንተይነራት ምእሳር፡ ኣብ ገረብ ምንጥልጣል . . .ወዘተ) ዝኣመሰሉ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራትን ኣተሓሕዛን ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን ጸግዒ ዘይብሎምን ውልቀ ዜጋታት ይፍጸም ኢዩ። ስኣን ጽርየትን ሕክምናን ዝሞቱ ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ሎሚ መበል 14 ዓመት ማእሰርቲ ናይ'ቶም ብጕጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መራሕትን ጋዜጠኛታትን ኣብ እንዝክረሉ ዘለና ግዜ፡ ብሰንኪ ብኵራት ሰብኣዊ መሰላት፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ጭቇናታት ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ንስደት ይውሕዙን ግዳይ ምድረበዳታትን ውቅያኖሳትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ይዀኑ ኣለዉ። ስደት፡ መለለዪ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኰይኑ ምህላዉ ኣሉ ክበሃል ዝከኣል ኣይኰነን። ኣብ ኣውሮጳ ካብ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ድሕሪ ሱርያውያን ኤርትራውያን ኢዮም እቶም ዝበዝሑ።

ብኻልእ ሸነኸ ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኢ-ሰብኣውን ምልካውን መንነቱን ተግባራቱን ኣብ ቃልዕ ወጺኡ፡ ንፖሊሲታቱ ዝገጥሞ ዘሎ ተቓውሞታት ብደረጃ ሃገር ኰነ ብደረጃ ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ብኤርትራውያን ደለዪቲ ፍትሒ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታትን ኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት 483 ገጻት ዝሓዘለ ጸብጻብን ድማ ነዚ ሓቂ'ዚ ዝምስክሩ ጭብጥታት ኢዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ጀነቫ በሽሓት ዝቝጸሩ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ ዕላማታቱ ብሓደ ሸነኽ፡ ብስርዓት ህግዲፍ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ንምዅናን ክኸውን እንከሎ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረቦ መጽናዕቲ ንምድጋፍ ኢዩ ነይሩ።

ሎሚ፡ ኣብ ፍራንክፈርት እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ንመበል 14 ዓመት ዝኽሪ ተረኽቦ 18 መስከረም ንምኽባር ተሰልፊና ዘለና፡ ንኵሎም'ቶም ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ ክብርን እናተቓለሱ ዝተዳጐኑ ይኹን ዝተቐንጸሉ ጀጋኑና ንምዝካር ኢዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ንዅሎም'ቶም ብድሕነት ህዝቦምን ንሃገሮምን ዝግደሱ ዜጋታት ይኹኑ ውድባት፡ ነዚ ጠንቂ ናይ ኵሉ ስቅያትን ሓሳረ መከራን ኰይኑ ዘሎ ስርዓት ንምእላይ ቀዳምነት ሂቦም ሓቢሮም ክሰርሑ ንምጽዋዕን ንምዝኽኻርን እውን ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክፍትሑ ንጽውዕ።

ክብርን ዝኽርን ንእሱራትን ሰማእታትን ኤርትራ

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ንሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝካየድ ቃልሲ ክዕወት ኢዩ።

ሓባራዊት ኣዳላዊት ሽማግለ ፍራንክፈርትን ከባቢኡን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

ዩናይትድ ፎር ኤርትረያ (United 4 Eritrea)

Last modified on Monday, 21 September 2015 19:58