ጸብጻብ ዑደት ዶር. ዳንኤል ረዘነን ጋዜጠኛ ሜሮን እስቲፋኖስ ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ

2015-09-24 10:40:43 Written by  በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3353 times

ዝሓለፈ ሰንበት 20 መስከረም 2015 እቲ ብ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ምድላው ዝተገብረሉ ብ ተባዓት ደልይቲ ለውጢ ዶር. ዳንኤል ረዘነን ጋዜጠኛ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተመርሐ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ንተሰታተፍቲ ብዘዕግብ መንፈስ ተኻይዱ።

እቲ ህዝባዊ ሰሚናር ከምቲ ዝተመደበሉ ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተጀሚሩ። እቲ መደብ ነቶም ናይ ስራሕ ግዜኦምን ዕረፍቶምን ብምውንዛፍ ካብ ኤውሮጳ ነቂሎም ኣብ ኣሜሪካ ምስ ደለይቲ ለውጢ ስፍሕ ዝብለ ህዝባዊ ምይይጥ ዘክይዶ ዘሎ ክቡራት ተቃለስቲ ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም ምልእኽቲ ብምስማዕ እዩ ተኸፊቱ። ስዒቡ ከኣ ምስ ራእን ዕላማታትን እቲ ንኹሎም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ሓይትልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘላሊ ሕጽር ዝበለ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ።

ካብዚ ቀጺሉ ዶር. ዳንኤል እቲ ንሱ ዝተደለወሉ ክፋል ናይቲ ሰሚናር ንህዝቢ ከካፍል መድረኽ ተቐቢሉ ። ኣስተምህሮ  ዶር. ዳንኤል ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ብመርማሪት ኮሚሽን ወድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ተሓቲሙ ዝወጸ ን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰነደ ረዚን ሰነድ ዘተኮረ ኮይኑ፡  ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ማለት ፥ ተራ ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋት ስርሓት መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣበርክቶ ናይዚ ታሪኻዊ ሰነድ ኣብ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገረ ኤርትራን ኣውንታውን ኣሉታውን ተሞክሮታት ናይቲ ኣብ 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀኒቫ ስዊዘርላንድ ብሓይልታት ድሚክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ተደልዪ ዝተኻየድደ ሰፊሕን ፍሉይን ሰለማዊ ሰልፊ ‘ውን ኣብሪሁ ‘ዩ ።

Daniel and Meron

ዶር ዳኒኤል ኣብ ኣስተምህሩኡ፡ እዚ ብመርማሪት ኮምሽን ተዳልዩ ዝወጸ ሰነድ ድምር ውጺት ናይቲ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ከይተሓለሉ ንነዊሕ ዓመታት   ዘካይድዎ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስ ዝዕላምኡ ሓያል ሃገራዊ ቃልሲ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራውያን ብውልቂ፡ ብጉጅለ፡ ብማሕበርን ወዘተትን ብምዃን ነታ መርማሪት ኮሚሽን ልዕሊ 700 ዝኾኑ ምስክርነታት ክትእክብ ሓጊዞማ ‘ዮም። እዚ ሰነድ ከኣ ኣብቶም ዝተዋህቡ ምስክርነታት ተሞርኩሱ ዝተዳለወ ታሪኻዊ ሰንድ እዩ ኢሉ። እቲ ሰነድ በቲ ዘለዎ ፍሉይ ትሕዝቶ ኣቓልቦን ትኹረትን ማዕከንት ዜና ዓለም ስሒቡን ከም ውጺቱ ከኣ ሰፊሕ ሸፈነ ረኺቡ እዩ ብምባል ንተሳተፍቲ ነታ መርማሪት ኾሚሽን ኣብቲ ብሕጂ እተካይዶ ስራሓት ክደጋገፍዋን ክትሓባበርዋን ኣትሪሩ ኣዘኻኹሩ። እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ሰነድ “ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይክእል እዩ “ ዝብል ሓረግ እዩ ኣስፊሩ ዘሎ። እዚ ናብ ፍጹምን ደምዳምን ምሉእ ሓሳብ ማለት “ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውንት ተፈጺሙ እዩ” ናብ ዝብል መታን ክሰጋግር ሕጂ ውን ከይተሓለለና ክንሰርሕ ኣሎና ብምባል ንተሳተፍቲ ተማሕጺኑ። እቲ ብሕጂ ዝወጽእ ሰነድ ከምዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ምሉእ ሓሳብ ሒዙ እንተድኣ ወጺኡ ከኣ እቲ ዝቕጽል ዕማም ማለት ነቶም ብገበን ተኸሲሱም ዘሎዎ ሓልፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምስግጋር ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን እዩ ኢሉ።  

ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሒደት ማዓልታት ምዝርጋሕ ናይዚ ሰነድ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ናይ ደልይቲ ለውጢ ሰለማዊ ሰልፊ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ተንቲኑ፡ “ ድሕሪ ሎሚ ሚዛን ሓይሊ ናይ ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ ዘረጋገጸ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ንኹሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዘሕበነ ተሪኻዊ ፍጻሜ ከኣ እዩ። እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝመሃረና ቀንዲ ነጥቢ እንተ ሃልዩ፡ እታ ንሰለማዊ ሰልፍን ካልእ ከምኡ ዝእምሰሉ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያትን እተካይድ ጉጅለ ንኹላቶም ደለይቲ ለውጢ ዝሓቖፈት ምስ እትኸውን፡ ዋንነት እቲ ጉዳይ ናይ ኩሉም ሓይልታት ለውጢ ይኸውን፡ ኩላቶም ከኣ ኣብ ምዕዋቱ ከይተሓለዉ ይሰርሑ ፡ ኣቲ ውጺቱ ከኣ ዓቢ ይኸውንን ኢሉ። ምስኡ ኣታሓሒዙ ከኣ ነቲ ን 29 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋትን ንኹሉ ዘሳትፍ ኣብ ምግባርን ኩሉ ብዝከእሎ ከበርክት ተላብዩ። ኣብ ኩሉ እነካይዱ ንጥፈታት ብዝተኻእለ መጠን ንብዙሕነት ማሕበረሰብ ኤርትራ ዝነጸበረቐ ክኸውን ክንሰርሕ ኣላና ክብል ውን ተላብዩ።

ቀጺላ ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማትን ኣተኩራ ኣስትምህሮኣ ዘቕረበት ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ወ/ሮ ሜሮን እስቲፋኖስ እያ ነይራ። ጋዜጠኛ ሜሮን ኣብ መደረኣ፡ ኤርትራዊ ካብ ሃገሩ ዝስደድ ዘሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕንብርቲ ገርና ነጊሱ ዘሎ ዓመጸኛን ምልካዊ ስርዓትን እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደልን ግፍዕን ውን ምስ ምእላይ እዚ ስርዓት ጥራሕ እዩ ዘኽትም ኢላ። እቲ ዘሕዝን ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝእትውሉ እዋን ውን እቲ ንስደተኛትት ዘድሊ ሓልዮትን ፡ ምክልኻል ይስእኑ ምህላዎም እዩ ኢላ፡ ከም ሳዕቢኑ ከኣ ቀንዲ ግዳያት ናይቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ኮይኖም ኣሎዉ። እቶም ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ስደተኛታት ብመጠኑ ጽቡቕ ናይ ምንቅስቃስ መሰላት እኳ እንተ ሃለዎም ኣብ ዝኾነ እውን ኣብ ርእሲኦም ንዝፍጸም ገብን ዝከላኸለሎምን ዝጠበቐሎምን ኣካል ከም ዘየሎ ኣብነታት ብምሃብ ኣብሪሃ። ብኣንጻሩ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ስደተኛታት ምዓስከር ክሳብ ዝሃለዉ ብመጠኑ ካብ ክወርዱም ዝኽእል ገበናት ዝከልከለሎም ኣካል ኣሎ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ መግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ካብ መዓስከር ስደተናተት ናይ ዘይምውጻእ ዝምልከት ፖሊሲ ናይ ምንቅቓስ መሰላቶም ኣዝዩ ዝተደረተ እዩ። ከም ሳዕቢኑ ከኣ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተንቀሳቒሱም ክሰርሑን ንንብሶም ክሕግዙን ኣይክእሉን ኢላ ። ብሰንክቲ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መዓስከር ንነዊሕ እዋን ኮፍ ምባል ዝምጽኦ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ሳዕቤን ከኣ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ኣደዳ ናይቶም ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣብተን መዓስከራት ዝዝንብዩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግረቲ ብምዃን ብዘይ ዝኾነ ፋይናንሳዊን ስድራቤታዊን ደገፍ ካብ ኢትዮጵያ ብሱዳን ፡ ሳህራ ፡ ሊብያ ኣቢሉም ናይ ኢውሮጳ ንምስጋር ናብ ኣዝዩ በዳህን ፈተትን ዝኾነ ጎዕዙ ይስለፉ። ከም ውጺቱ ከኣ ኣስታት 80 ሚኢታዊት ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱን ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰገሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮፕያ ዝሰገሩ እዮም ነይሮም ኢላ።

Daniel and Meron Public

ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ተኣሳሲሩ ኣብ ሲናይ ብመንግስቲ ግብጺ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይካየድ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ነቲ ብሲናይ ኣቢልካ ናብ እስራኤል ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ጠጠው ኣቢልዎ ኣሎ ክበሃል ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዘይርጉእነት ዝፈጠሩ ፖለቲካዊ ሃዋህው ሎሚ ኣብ ሊብያ ኣቲ ብድዓሽ ዝፍለጥ ኣረሜናዊ ምንቕስቓስ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ጉጅለ ውን ከም ኩሎም ካልኦት ዓመጽቲ ንኤርትራውያን ከም ቀንዲ ግዳያቱ ዝገብረ ምዃኑ ነቲ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ዘገጠመ ጽዱጽተ መኑ ኣብነታት ብምሃብ ገሊጻ። ኣስዒባ ውን እቶም ብዙሕ መከራን ግፍዕን ተጸዊሮም ኤውሮጳ ወይ እስራኤል ዝኣትዉ ኤርትራውያን ብሰንክቲ እቲ ዝሰገርዎ ኩነታት ዝገደፈሎም በሰላን፡ ኣብ ስደት ዝገጥሙም ማሕለኻታትን ተበዲሆም ኣብ ጭንቀትን ንብሰ ቕትለትን ከም ዝወድቁ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘገጠመ ዘሕዝን ፍጻሜን ካልእን ብምጥቃስ ንተሳተፍቲ ፍልጠታ ኣካፊላ። ንሳ ኣብ መወዳእታ  እዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ነትን ብሰንክ ስደት ዘኸተሎ ሞትን ህልቂትን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ወዲቀን ዘለዎ ብዙሓት ስደራ ቤታት ኤርትራ ብዝዓቕሙ ኣብ ምሕጋዝን ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝመጹ ዘለዎ ትሕቲ ዕድመን ልዕሊ ዕድመን ኤርትራውያን ኣብ ምብርታዕን መንገዲ ኣብ ምርኣይን እጃሞም ከብርክቱ ብምልባው መደረእ ዛዚማ።

ነዚ ስዕቡ ዝቐረበ መደብ እቲ ናይ ሕቶን መልስን ርኢቶን መድብ እዮ ነይሩ። ዶር. ዳኒኤልን ጋዜጠኛ ሜሮንን ከኣ ሓደ ብሓደ ነቶም ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረብሎም ንሓድነት፡ ንተሳትፍነት መንእሰያት፡ ንብዙሕነት፡ ንተራ ምርማሪት ኮምሽንን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ምልጋስ ስርዓት ህግደፍን፡ ካልኦትን ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ብምሃብ መሊሶሞም።

ኣብ መደምደምታ መንጪ ናይዚ ብመርማሪት ኮሚተ ተሓቲሙ ወጺኡ ዘሎ ሰነድን ጠንቂ ስደትን መግረፍትን ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ንኹሉ ደላዪ ለውጢ ብሩህ ‘ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሓድነት ዝተሰረተ ሓባራዊ ቃልሲ ብምክያድ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ሃገርና ሓግሒግና ንምእላይ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይጽንሓለይ ዘይበሃለሉ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታና እዩ ድሕሪ ምባል። ሓድነት ብምትእምማንን ተጻውርነትን ዝጥራይ ኣምርእዩ፡ ኣብኡ ንምብጻሕ ከኣ ኣብ ዝሕብሩና ነገራት ሓቢና ብምስርሕን ፡ ይቅረ ብምብህሃልን ክንዓትሮ ከም እንኽእል ብምሕባር፡፡ ብወገኖም ውን ነቲ ኣብ ሞንጎኦምን ው/ሮ ኢልሳ ጭሩምን ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክፈትሑ ድልዋት ምዃኖም ንተሳተፍቲ ሓቢሩም። በዚ ከኣ እቲ ሰፊሕ ተሳተፍነትን ምርድዳእን ዝተረእየሉ ህዝባዊ ኣኼባ ( ኣስተምህሮ) ናይ ሓባር ስእሊ ብምስኣል ተዛዚሙ።  በዚ ኣጋጣሚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነቶም ከይ በቐቑ ፍልጠቶምን ተሞክሪኦምን ዘካፈሉና ሓፍትና ሜሮንን፡ ሓውና ዳን ኤልን ካብ ልቢ እንዳ ኣመስገና፡ ነቶም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ነዚ ኣስተምህሮ ዝወፈዩ ካብ ኩሉ ከባቢታት በይ ኤርያ ዝተሳተፉ ኣባላትና ከኣ ኣዚና ነመስግን።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

22 መስከረም 2015

Last modified on Thursday, 24 September 2015 12:44