መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ (ብግጥሚ )

2015-06-12 11:38:24 Written by  ብኣፈወርቂ ኣባይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2285 times

ንጀነቭ ንምኻድ ቀዲምካ ተመዝገብ
ኣብ ምድሓን ነፍስኻ እንታይ ትንገባገብ

     ዓለም እንዳጸዓሩ ሽግርካ ክገልጹ
     ዋና ከንደሓርሕር ኣዝዩ ዘደንጹ

ሓጋዚ ረኺብና መዲድና ንሓብእ
ኣጋልጽ ነብሎም ናይ ሃገርና ኣዛብእ

     እንታይ ይዓብስ ፤ ብከብዲ ጉሪምሪም
     ኣብ ጀነቭ  ምኻድዩ  ጸላኢ ክትሃርም

ብመንእሰይ ሃገር ትትክዝ ትጉሂ
ከድካ ብኸየሎም ካብ ምውዓል እንዳሻሂ

     ንቓሕ ተበራበር ጸላኢኻ ኣለሊ
     ተዓጺፍካ ኣይትውዓል ከም ወኻርያ ኣውሊ

ኣብ ሕጊ ዘለዎ ሃገር ተቐሚጥካ
ሽግርካ ክትገልጽ እንታይ ኣፍርሃካ

     ድሕሪ ምዕናው ሃገር እንታይ ክመጸካ
     ስዒቡ ዝመጽእ ምሕካኽ ዜግነትካ

ኣዴታት ሃገርና ጸሎሎ ለቢሰን
ሓሪሩ መዓንጣ ከብደን ተሓሚሰን

     ደቀን ተዋሒጦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ
     ገሊኦም ጠፊኦም ኣብ ሰሃራ ምድሪ

ኣብ ሰሃራ ሲናይ  ደሞም ዝተኸዖ
ዘስካሕክሕ ዘሕዝን ብእዝኒ ኽትሰምዖ

     በለጽ ተዓጢቖም ቀደም  ዝሃደሙ
     ዕላማ ዘይብሎም እዮም  ብቐደሙ
     ጠወርቲ ናይ ህግዲፍ ህዝቦም ዝጠለሙ

ነቲ ጅግና ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ዘዕጠቖም
ካብ ሜዳ ምስ ወጹ ሂቦሞ ሕቖኦም

     ካብዚ ዝገደደ  ኣብ ህግደፍ ተዓስቡ
     ኣንጻር ዕላምኦም ነገር ኣሳበቡ

ሃገር ነጻ ኰይና ብጉያ ንዓዲ
ገንዘቦም ነጊፎም ተዓጽዩ መንገዲ

     ቁሊሕ ምሊሕ ኰይኑ ገንዘቦም ከሲሮም
     ህዝቦም ከይኽሕሱ ሕማቕ ኒሕ ኰሊሶም

ዓው ኣሎም ከይበኽዩ ሞት ሕጹይ ኰይንዎም
ብውሽጦም ሓሪሮም ጣዕሳ ሓኒቕዎም

     ፓልቶክ ተክኖሎጂ ኣገዳሲ ነይሩ
     ኵሉ እቲ ዝዝረብ እንተተግቢሩ

ምልፍላፍ በዚሑ ብታኒካ ፓልቶክ
ፈጺሙ ዘይሃርም ጥራይ ድምጺ ቶግቶግ

     ሓቂ ይመስለካ ብለይቲ ክፍከር
     ተግባር ዘይሕወሶ ነይብሉ ቁምነገር

ሾሞንተ ኣውቶቡስ ይመልኣ ብለይቲ
ንግሆ ምስ ተንሳእካ ዘይትርከብ ሓንቲ

     ተግባር ዘየሰኒ ኵሉ ሕልሚ ደርሆ
     ብዘይ ምንቅስቓስ ኣይመጽእን  መርሆ

ኣብ ዕላማ ኣልቦ ዘይምባል ዕንክሊል
ሽግር ናይ ሃገርና ግዳ  ዘይነቃልል

     ኣብ ፋይዳ ዘይብሉ እንዳበልና ዘብዘብ
     ብዋጋ መሰልና ኣይንሕሰቦ ገንዘብ

ሓቦ ጸዓት ንግበር ኣብ ጀነቭ ንሰለፍ
ንመውቃዕቲ ህግዲፍ ከመይልካ ክሕለፍ

     እስከ ሕሰብሉ መዓልቲ ኣኺሉ
     ሽግር ናይ ሃገርና ማዕረ እያ ንዅሉ።

ካብዚ ዝተረፈ ይሕተት ብታሪኽ
ንህዝቡ ኣሕሲሩ ንሂግደፍ ዘምልኽ

     ዓወት ዘይተርፍዩ ውዒሉ ሓዲሩ
     ነዚ ንምዕዋት ትገብሩ ግበሩ

ባሳት ተኻሪና ጥራየን እንተኸዳ
ፖለቲካል ንድየት ንዋታዊ ዕዳ

     ንዅሉ ገዲፍና ኣብ ጀነቭ ምርኻብ
     ክንሰምዖ ኣሎና ናይ ህዝብና ጸብጻብ
     ነዚ ርኹስ ሂግደፍ ነልግበሉ ደናብ

Last modified on Friday, 12 June 2015 14:22