ክብሮም ግረነት
24 ግንቦት 1991 መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ እያ ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ምእንቲ እዚኣ መዓልቲ እዚኣ ልዑላዊትን ናይ ሓጎስን ክብሪን ክትከውን ህወቶም ዝኸፈሉ ካብ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ ዝኮኑ ተጋደልትን ህዝብን ምስጋና እነቅርበለ ፍሊይቲ ታሪኻዊት ዕለት ምዃና እዩ ። እምበኣር መዓልቲ ነጻነት ክነክብራን ክንጽንብላን እንግደድሉ ተረከብቲ ሓደራ ስለ ዝዀና ኢና።
ህዝቢ ኤርትራ ንጸላኣቱ መኪቱ ዝኽፈል ህይወት ክፊሉ ዘምጸኣ ነጻነቱ ከምቲ ንቡርን ዝጸንሔን ክትጽንብል ይግባእ። እወ እቲ ክቡር ህይወት ዝተኸፍለሉ፡ ናጽነት፡ ብወልቀ መላኺ ስርዓትን መሳርሒኡ ህግደፍን ተጠሊሙ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት ፍትሕን ሰላምን ሞዕብልናን ተሓሪሙዎ ከምዘሎ ኩሉና እንፍልጦ ጉዳይ እዩ። ካብ ናጽነትን ክረብሑ፡ ክዕንገሉን ክሳሰዩን ዝግብኦም መንእሰያት ኣደዳ ኣስካሕካሒ ቅዝፈት ኰይኖም ኣለዉ። ሃገር ኣብ ቀጻሊ ምንቁልቋል ጸኒሓን ኣላን። ይኹን'ምበር እቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ወገን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ለውጢ ንኸረጋግጽ ይቃለስ ኣሎ። እቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ዝተወልዐ ሽግ ድማ፡ ህዝባዊ ሓርነት ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይክቕህምን እዩ። መንእሰይ ሃገር ድማ ምስ ኩሉ'ቲ ዝገጥሞ ሽግራት፡ ንሓደጋታት ስደት፡ ምድረባዳ፡ ባሕርን፡ ኢሰብኣዊ ተግባራትን እናተሳጥሐ፡ ጌና ይቃለስ ኣሎ። ኣብ ዕላማኡ ጸኒዑ ዝቓለስ ከኣ ኣብ መወዳእታ ክዕወት ምኳኑ ክንጠራጠር የብልናን። ምስ እዚ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ግን፡ መዓልቲ ነጻነት መደምደምታ ናይ ተደራራቢ መግዛእቲ ስለ ዝዀነት ፣ እዛ ታሪኻዊት ዕለት ብዝዀነ ምኽንያት ክትድወን ወይ ክትጽልምት ኣይግበእን ። ግፍዒታት ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ህዝብና ድሕሪ ነጻነት ብሕመቅ ህዝብን ሰራዊትን ዝተፈጥረ ተውህቦ እውን እዩ ። ቅዋም ክትግበር ንዘጠለቡ ጉጂለ 15 ክንድግፎም ኣይተራኣናን ።
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርእይቶ ክህብ ዘገደደኒ፣ ብገለ ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ብወገን ሰሜን ኣሜሪካ ፣ ንመዓልቲ ነጻነት ዝምልከት ኣብ ቶጎርባ ዝወጸ ጽሑፍ ዓገብ ንምባል እየ። ርእይቶይ ከኣ ከም ርእይቶ ተወሲዱ ክምዘን ተስፋ ይገበር። ኣብ ሓደ ዓመት 365 መዓልታት ክህሉዋ እንከሎዋ ፣ ህዝብና በብመዓልቱ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ግፍዒን ሞትን ኣብ ሓዘን ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ። ሓዘንን ሓጎስን ከኣ ተፈራሪቅን ኣብ ዕለታዊ ህወትና ዘለዋ ተርእዮታት እየን ። ስለ ዝዀነ መዓልቲ ሓጎስ ነታሓጎስ መዓልቲ ሓዘን ከኣ ንሕዘን። ባህልና ኣብ ጉዳይ ሓዘን ዝጸንሔ ርእሱ ዝኸኣለ ኣጋባብ ኣለዎ ። ኣበው ከምዝብሉዎ ”ዝሞተ ቅበር ናይ ዘሎ ግበር” ክብሃል እንከሎ፣ ምስ'ቲ ወሪዱና ዘሎ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት፡ ኣብ ሓዘንን ጓህን ክንነብር የብልናን ማለት እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ታሪክና ግን ክጽንበል እንተ ዘይከኣልና ዕሽነት ዘይኮነስ ገበን እውን እዩ ።
ስለዚ ንምጽንባል 24 ግንቦት ዳስ ይሰራሕ፣ ሰቲ ይነስነስ፣ ስዋ ይጾሞቅ፣ ከበሮን እምብልታን ይቓላሕ፣ ሕዝብና ከኣ ይሳዕሲዕ ይደሰት። ምስኡ ድማ፡ ንሓድሽ ቃልሲ ሓርነት ንተዓጠቕ፡ መዓልቲ ናጽነት ነቲ ክምህ ዘይብል፡ ኢርትራዊ ጅግነንት ምለስልና ንበላ። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ መድረክ ፣ ህግደፍ መሰል ህዝብና ስለ ዝገፈፈ፣ ልዑላውነትና ኣጥፊእና ስለዚኮንና ጎረቤት ሃገር ክትወረና “ብትብዓት ክንዕድማ ኣለና“ ዝብል መደረ ናይ ተስፋ ዝቆረጹ ኣብ እንሰምዓሉ ዘሎና ገዜ፣ መዓልቲ ነጻነት ከምዝጸንሔን ንቡርን ክትጽንበል ኣለዋ። ህግደፍ ጥሊሙና መሰላትና ግሂሱ እምበር ልዑላውነትን ኣይጠፍአን፡ ብመሰረት ብህግደፍ ዝተዋህበ ልዑላውነት ስለ ዘይነበረ። መልእኽትና ነቶም ህዝብና ነጻ ኮይኑ ክነበር ዘይተወሓጠሎም ትምክሕተኛታት ግሉጽ ክከውን ይግባእ ። ኣብ ታሪክ ህዝባውን ብረታውን ቓልስና እተዘመሩ ዝተፈላለዪ ደርፍታትን መዛሙርን ስለ ዘለዉና ኣብ መዓልቲ ነጻነት ንጠቀመሎም።
ዝከበርኩም ኣሕዋት ንሕና እቶም ተቓወምቲ / ድለይቲ ፍትሒ፣ እንብሃል ዘሎናዮ ኩነታት መዚና ክንሓዝን ዘሎና ንገዛእ ርእስና ኢና። እቶም ዝሓለፉ ኩሉ ካብኦም ዝድለ ከፊሎም ሓሊፎም ኣለዉ። እወ ኣብዘን ዝሓለፈ 24 ዓመታት ካብ ብወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ሰረት ዝገበረ ውደባ ተሰጊሩ፣ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ደረጃ ናይ ሓባር ጽላል ክንሰጋገር ኣይበቅዓናን ። ምክንያቱ ዝዀነ ወገን ብመንጽር ካልኦት ንነብሱ ኪኢላን ፈላጥን ስለ ዝወስድ ከኣ እዩ ። ስለዚ እዚ ጽቢብን ጉጂላውን ኣታሓሳስባ ንክስገር፣ ዝዀነ ካባና ነብሱ ክፍትሽን ክምርምርን ኣሎዎ ። ወግሔ ጸብሔ ተወዲብካ ፋሕ ምባል ከብቀዓሉ ዝክእል ወልቀ ንቅሓት ክነጥሪ ክንበቅዕ ኣለና ።
ኣብ መደምደምታ፡
24 ግምቦት መዓልቲ ነጻነት እቲ ዝግብኣ ክብሪን ሞጎስን ይወሃባ! እቲ ምእንቲ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ፍቅዶ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ልብያን ዝጥሕሉ ዘለውን ብጉዳይ እምነቶም ዝተወፈዩ ምዝካር ሰናይ ኣተሓሳስባ እዩ ። እንተዀነ ካልእ መዓልቲ ብኣዋጅ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ከከባቢኡ ብሓባር ዝእከበሉን ዝሓዝነሉን ነቲ ሽግር ከኣ መፍቲሒ ዘናድየሉ መዓልቲ ይተኣወጅ ! እንደገና መዓልቲ ነጻነት ንናጽነት ትትሓዛእ።
ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !
ክብሮም ግረነት
5/15/2015
ህዝቢ ኤርትራ ንዝኽሪ ዕለተ ጽንብል ናጽነቱ ሕጂ’ውን ከም ወትሩ ንመበል 24 ግዜ የኽብራ እኖሆ
Sunday, 24 May 2015 07:22 Written by ሃይለ ወልዱ: ሎንዶን።ብሃይለ ወልዱ: ሎንዶን
ፈጣሪ ንሃገርና ይባርኽ!
ዮሃና ንዝኽሪ በዓል ነጻነትና!
ብርግጽ እዛ ኣብ መስዋእቲ ደቃ ዝተተኽለት ናጽነት እዚኣ፡ ንዝንተ ዕለት ክብርትን ጥጥዕትን ምዃና ዘየተሓታትት ኮይኑ፡ እኖ ሕጂ’ውን፡ እቲ ነዚ ሓቃ’ዚ ንሓንቲ ህሞት’ውን ዘይዝንግዕ ህዝብና፡ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት’ውን ይንበር፡ ብሙሉእ ስምዒት ይዝክራን ይጽንብላን ኣሎ።
እወ! መንግስትን ሕጽረታቱን መናብርቲ እዮም፣ ብኣንጻሩ’ውን ህዝቢ ብቕዋሙ ድርዒ ፍትሒ ተኣንጒቱ፡ ‘ኣይፋልካን። ዓገብ። ተመለስ ኣንታ ጉጉይ መንግስቲ።’ ንምባል ዕድል ክህሉዎ ኸሎ’ዩ እቲ ምቁር ምኾነን፡ ዘይረኸብናዮ ዘሎናን። እሞ ኣብ’ዚ ሕጂ እነብዕሎ ዘሎና ጽንብል መበል 24 ዓመት ናጽነትና፡ ንህዝብን ንመንግስትን ዘመዕራሪ ርትዓዊ ሚዛን ዘሎዎ ፍትሓዊ ቅዋም ክነብረና ዝግባእ’ኳ እንተነበረ፡ ዘይውሩድ ወሪዱና፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንህዝባዊ ቅዋምና ጸቒጡ፡ ንሱ ደስ ዝበሎ ጥራሕ ዝፍጽምን ዘፈጽምን፡ ንሕዝቢ ‘ደም ተሓጎም!’ ብምባል ብሓይሉን ብኢደ-ወነኑን ኣብ ስልጣን ተኾይጡን ማእሚኡዎን፡ ብምቕታልን ምእሳርን ምቕጥቃጥን ዝፍሳህ ህላላ ሕንጉጉ ኮይኑ’ዩ ዘሎ። ርግጽ ብርግጽ ብሓይልኻ ኣፈራሪሕካ ምግዛእ፡ ሰብን እዝግን ኣዕርዮም ከም ዝፈልጡዎ፡ ደጊም ስራሕ እንስሳታት እምበር ካን ጥዑይ ኣእምሮ ዘሎዎ ወዲ ሰብ ክፍጽሞ ዘይግባኦ ነውሪ’ዩ።
እምበኣርከስ እቲ ዝገርምን ግናይ ኮይኑ፡ ግናይ ዝሰርሕን’ውን፡ ነዚ ክቡር ጽምብል ናጽነት ኤርትራና ከንብዕል እንከሎና፡ እቶም ጽባሖም ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ምዕብልናን ሓቂን ጸንቂቖም ዝመንጠዉና ጀጋኑ ኣወዳትን፡ ኣዋልድን፡ ኣንስትን፡ ሰብኡትን፡ ህጻውንትን ኣረጋውያንን፡ እንዝክረሉ ዕለት ምዃኑ’ውን ዝይተርፍዩ’ሞ፡ ንወዮ ዝበሃጉዎን ዝወደቑሉን ዕላማ ኣበይኮን በጺሑ’ሎ? ክንዕቅን መብጽዓን ሓልፍነትናን’ዩ። እወ! ሃገርና ሃብቲማን ማዕሪጋን ወቂባን፡ ደቃ ሓይባን ከቢራን ምርኣይ’ዩ እቲ ኩላህና እንሰማምዓሉ ደበስ መስዋእቲ። ከምቲ “ሽሮ ጠስሚ እንተወረሮ፡ ጠዓመ!” ዝበሃል፡ ነዚ ሓቅታት’ዚን ካልእን እንዳዘከርና፡ ኮቦሮታትና ከነልዕለሉን ኣፍልብና እንዳህረምና ክንዘለሉን ክንጭፍረሉን፡ ፈንጠዝያ ዝመልኦ ሓጎስ ክኸውንን ክሳብ ክንደይ ኮን ምምቀረ ነይሩ? ክንድ’ምንታይ ዝኸውን እፎይታ መስዋእቲ ምፈጠረ። ህዝብና ሓቢሩን ተጠሚሩን መተንፈሰ፡ ምረግአ፡ ብእፎይታ መመስገን፡ ማዳኡ’ውን ምደምሰሰ። ግን ሕጂ እንታይ ክገብር ተደልዩ። ደቁ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን፡ ፈቐዶ ጎዳጉድን መሽጎራጉርን ንሓደጋ ተሳጢሖም ክሕረዱን ክጉዘዩን፡ ቀለብ ኣሞራ ኮይኖም ተዛሕዚሖም እንዳሃለዉ፡ ሓጎሰ-ፈንጠዝያኡ ብማዕረዚ ቅዝሕዝሕ ክብልን ከደብዝዝን ግድን’ዩ። እዚ እንዳኾነ እቲ ክኸውን ዘይግባኦ ሓቂ፡ እንርእዮን እንምስክሮን ከምዘሎና ግን፡ እቲ ገለን እኳ ደኣ ፍርቁ ልቡን፡ ‘እንዳቦይ ክስቶ ደስ ከይብሎም!’ ካብ ዝብል ዝምቡዕ ሓሳብ ኣብ ዝትከል ዘሎ ጓይላታት ንረኣዩለይ ከውጃሕጅሕን፡ እቲ ገሊኡ’ውን ዘይከውን ኮይኑዎ፡ እሱ’ውን ፍርቂ ልቡ ሓድነት ህዝቡ ተቖራሪጹን ለሚሱን ከምዘሎ ብምስትውዓል፡ ተፈልዩ ከስተማስልን ከስቆርቁርን፡ ብማዕዶ እንዳተቛመተ፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ክቡር ህዝባዊ ጽምብል’ዚ ዘማዕርግ፡ ሓዘንን ሓጎስን ተፈራሪቑዎ ተፈልዩ ክውዕል፡ ብርግጽ ድፍረት ንመስዋእትና’ዩ። ኣይግድን’ውን።
ይኣክኽለና ኣሕዋትን ኣሓትን። ተስፋ እገብር’ውን ዝመጽእ ዘሎ ጽምብል 25 ዓመት ናጽነትና ሃገርናን ህዝብናን እዚ ንነዊሕ ዓመታት ጸሚኡዎ ዘሎ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ክብሪ፡ መሰል፡ ምዕባለ፡ ዕብየት እንተገደደ-ገደደ ኣብ ኣፋፈት ቤቱ ተነጺፉ ክንርእዮ።
ብምድጋም ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!
24 ሰነ 2015
ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ሜዲተራንያን ከምዝሃለቁ ኣብ ማዕከናት ዜና ተኸታቲልናዮ ኣሎና። እዚ ኣስቃቂ ተረኽቦ እዚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ንስድራ መወቲ ብግቡእ ክርድኡ፡ ደበስ ክድበሱ፡ ሬሳ ደቆም ንቡር ቀብሪ ክረክብ: ሃገራዊ መዓልታት ሓዘን ክእውጅ ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ኤርትራ ግና በንጻሩ እዩ። ሬድዮን ቲቪን ኩሉ ዓለም ብዛዕባ እዚ ክዛረባ ከለዋ፡ ቲቪ ኤረ ትኹን ድምጽ ሓፋሽ ነዞም ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ክእመናሎም ከማን ኣይደለያን። "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት" ክብላ እየን ገሊጸንኦም። እዚ ድማ መርኣያ መንግስቲ ንዜጋታቱ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ።
ንሕና ኤርትራውያን ክቡር ባህሊ ኣሎና። ጎረቤትና ክሓዝን ከሎ ሓቢርና ንሓዝን፡ መቅርብና ክሕጎስ ከሎ ድማ ሓቢርና ንሕጎስን ንዕልልንን። ኣማኢት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከባ ኣለዋ። ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ተሳታፊ ናይዚ ሓዘን ክኸውን ይግባእ።
ብምኽንያት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ መደብ ተዳልዩ ከምዘሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና። ናጽነት ኤርትራ ብኽቡር ብሕይወት ኣሽሓት ደቃ እያ ተረኺባ። እዚ መስዋእቲ ድማ ዜጋታታ እተኽብር ሃገር ንምህናጽ ድኣ እምበር ዜጋታታ እተሕስርን እተዋርድን ኤርትራ ንምትካል ኣይነበረን።
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ): ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ጓይላ ከይሳተፍ ብትሕትና ይሓትት። እዋኑ እዋን ሓዘንን እህህታን እምበር፡ እዋን ሳዕስዒትን ዝላን ዳንኬራን ኣይኮነን።
ንስድራቤት መወቲ ድማ ጽንዓት ይሃብ!
ኤምዲሰመ
22 ግንቦት 2015
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ዓመታዊ ኣኼባ ኣካይዱ
Friday, 22 May 2015 06:06 Written by ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደንማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ፡ ንመበል ራብዓይ ግዜ ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ዘካየደሉ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ዕዱማትን ዝተሳተፍዎ ነበረ። ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ብመደብን ዕላማን ነቶም ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝሰነከሉን፡ ከምኡ ብዝተፈላልየ ባህርያውን፡ ሓደጋን ዝሰነከሉ ኣብ ሃገር ሱዳን መደበር ኣካለ ጽጉማን ተዓቑቦም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ዝተመስረተ ማሕበር ምዃኑ ኣብ ዝተፈላልየ እዋናት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። በዚ ልዑልን ቅዱስን መንፈስን ከኣ እቲ ማሕበር ሰለይ እንዳበለ ተግባራዊ ዝዀነ ስርሓት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ምስኡ ተታሓሒዙ ዝኸይድ ክሳብ ሕጂ ንኣካለ ጽጉማን ኣብ ከሰላ ንምሕጋዝ ተዋፊሩ ንዘሎ ማሕበራትን ዓሚሞሞ ዘለዉ ስራሓት ጸብጻብ ቀሪቡስ ግደታት ማሕበራት ኣካለ ጽጉማን ኣብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣመሪካን ብሓፈሻ ተገሊጹ።
ዓመታዊ ኣኼባ ብኣደ/መ ሓፍትና ኣልጋናሽ ኢሳቕ ንኣኼበኛታት እንቋዕ ደሓን መጻኹም ዝብል ሰላምታ ኣቕሪባ፡ ብዝኽሪ ስውኣትናን ብሓፈሻ፡ ንጅግና ተጋዳላይ ንባዕሉ ውጕእ ሓርነትን ኣባል ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ዝነበረን ብሃንደበታዊ ሞት ዝተፈልየና ጅግና ተጋዳላይ ኣለም ዘርኤ (ኣለም ማንጁስ ) ብፍላይ ንሓደ ደቒቕ ንሕልናዊ ዝኽሪ ብምግባር ኣኼባ ጀሚሩ።
ኣደ/መ ሓፍትና ኣልጋነሽ ኢሳቕ ኣብ'ቲ ምስ መሳርሕታ ኣሕዋት ዋና ጸሓፊ ረዘነ ተኽለን፡ ተሓዝ ገንዘብ ዑቕባሚካኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዓመ ስርሓት ብሰፊሑ ንኣኼበኛታት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ከምኡ'ውን ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ብተመሳሳሊ ጸብጻብ ስርሓቱ ኣቕሪቡ።
ሓፍትና ኣልጋንሽ ኢሳቕ ኣብ'ዚ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ኣካለ ጽጉማን መደብር ከሰላ ኣድማዕን ጽቡቕ ዝዀነ ውጽኢታት ዘርኣየ ስርሓት ተኻይዱ ክትብል፡ ብውልቀ ሰባትን፡ ብማሕበር ደረጃ ከም ዲያሎግ ፎርም ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልም ዝተገብረ ደገፋትን፡ ንመደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ብውልቀ ንክትሓጋገዙን ክደጋገፉን፡ ቆወምቲ ኣባላት ብምዃን ክሰርሑን ዝደልዩ ኣባላት ቁጽሪ እንዳወሰከ ይኸድ ከም ዘሎ፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት'ውን ብምርኻብ ሓገዝ ይደለ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ገሊጻ።
ኣብ'ዚ ኣኼባ ክሳብ መደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ብምብጻሕ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝዀነ ሓው ጸሃየ ቀለታ ተረኺቡ፡ ነቲ ኣብ መደበር ወይ መዕቆቢ ኣከላ ጽጉማን ኤርትራውያን ከሰላ ዘሎ ጸገማትን ከመይ ኣብ ምፍታሕ ነዚ ሽግርት ዝካየድ ስርሓትን ቃልስን ብምዝማድ መግለጺ ኣቕሪቡ። ክሳብ ሕጂ ብነገራዊ ደገፍ ብስም ማሕበር ዝተላእኸ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። እንተዀነ እቲ ካብ መደበር ኣካለ ጽጉማን ከሰላ ንጨንፈር ሽወደን ዝተገብረ ጽገናታት ምስጋናን ናይ መተባብዒ ደብዳቤ ካብ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣካለጽጉማን ኤርትራ ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ ብዘይምርካቡ ኣብ ክንድኡ ሰላምታን ዓወት ንጉባኤን ብሽሙ ኣመሓላሊፉ።፡ ልዕሊ ኩሉ ግን በቲ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላልዩ ውልቀ ሰባት ከም ሓው ብንያም ጸጋይ፡ ሓፍትና በላይነሽ ኣባይ ይኹን ፡ መንእሰያት ዲያሎግ ፎርም ስቶክሆልም ዝተለገሰ ሓገዛት ከም መበገሲ ወሲዶም፡ ኣባላት ኣካለ ጽጉማን ከሰላ'ውን ባዕላቶም ንጸገማቶም ኣብ ምፍታሕ ይሰርሑን ይጽዕሩን ከም ዘለዉ ኣቶ ጸሃየ ቀለታ ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብልዑል መንፈስ ንኣካለ ጽጉማን መደበር ከሰላ ንምሕጋዝ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ፈተነን ኣሞጉሶም። ኣብዝሓ ኣብ'ቲ ኣኼባ ዝነበሩ ተሳተፍቲ መንእሰያት ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ተግባራዊ ዝዀነ ስርሓት ከም መረዳእታ ኣብ ኩሉ ሸነካት ኣብ ዝኻየድ ቃልሲ ብኣብነት ጠቂሶም ኣብ ጉዕዞ ዝከኣሎም ክተሓባብሩን ክደጋገፉን ንእግረ መንገዶም ከኣ ዓብይ ኤርትራዊ ባህሊ ምትሕግጋዝ ተመክሮ ከም ዝቀስሙን መጎሶም ካብ ምግላጽ ኣይተቆጠቡን።

ኣብ መደምደምታ ኣኼባ ምስ'ቲ ኩሉ ጸገማትን ናይ ስርሓት ምድርራብን ነቶም ዝጸንሑ ሽማግለ ፍቃዶም እንተዀይኑ ክቅጽሉ ሓቲቱ፡ ድሕሪ ልዙብ ምርድዳእ ከኣ ነባር ሽማግለ ነቲ ጻውዒት ተቀቢሎም ንዝምጽእ ዘሎ ሓደ ዓመት 2015 ብዘለዎም ዓቕምን ብቕዓትን ክሰርሑ ደገፍ ካብ ተሳተፍቲ ደግፍን ምኽርን ንኸይፍለዮም ተላብዮምሓላፍነት ተቐቢሎም።
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን
16 ግንቦት 2015 ስቶክሆልም
ጽሩይ ማይ ፈልፊሉ፡ ክዛሪ
ዕምቆተመሰረተ-ሓሳብ፡ ቀያያሪ
ሕድሪ ስዉኣት፡ ንወለዶታት ተሰጋጋሪ።
ባሕሪ ልቡ፡ ንኹሉ ዘዕቁር
ብደሙን ህይወቱን፡ ሽግራት ዝጸዉር
ንራኢ ዓመጽቲ፡ ካብ ሱሮም ዝብንቁር።
ንዑቕ፣ ዉጹዕ፣ ብዱል . . . መስተብሃሊ
ልዙብ፣ ጸዋር፣ ትዕግስተኛ . . . ኣዋህላሊ
ንሓባርና፣ ንኹልና፣ ንሃገርና . . . ዘይፈላሊ።
ዝተወሃሃደ ቅልጽም፡ ናይ‘ቲ ዉጹዕ
ብጽፉፍ ዉዳቤ፡ መሰልቱ ከዋዓዉዕ
ነግ ፈረግ ዘይብሉ፡ ንግህሰቱ ዝብርቁቕ።
ኣብክሊ ‘ፍትሒ’፡ ምትእኽኻብና ሰሚሩ
ነቓዓት ለዃዂቱ፡ ቀላጽሙ ኣትሪሩ
ብዙሕነት ይዓምብብ፡ ሃገራዉነቱ ኣመስኪሩ።
ከላእ መላእ ነበር፡ ይጸራረግ ኩሉ
መስፍነ ዝምድናዊ ፖለቲኮ፡ ንባዕሉ
ንመስርሕ ኣይዓንቅፍ፡ ይኣኽለና ይበሉ።
ጽናዕ ኣጆኻ/ኺ፡ ምስ ኩነት ተፈታተን
ንሱ’ዩ‘ቲ ናብራ፡ ተገንዘቦ‘ቲ ዓቐን
ሓድሽ ህይወት፡ ተመጣጠር ንሓበን።
ዕርፍ ‘ሞ ንበል ንህዳእ፡ እንታይ ‘ዩ ዝሓይሽ
ልቦና ይተሓወሶ፡ ኣጻጺና ንመርሽ
ምምሕዳራዊ ትካል፡ ንማንም ዘየጋይሽ።
መንግስትን ህዝብን፡ ገደብ ዝህልዎም
ንምንቅስቃሳቶም ኩሉ፡ ብዉሕልና ዝኣልዮም
ልዑል ቅዋም ሃገር፡ ብተሳትፎ ህዝቢ ዝእመም።
ዑቕባ ምትእምማና፡ ቅዋም ርእሲ ኹሉ
ተር ከም ዓተር፡ ጽልግልግ ዘይብሉ
ዋሕስ ስጥመት ሃገር፡ ፍትሒ ዝማእከሉ።
ሻራ ዘይብሉ ብይናት፡ ንኹሉ ኣባዲ
መሰረት ቅሳነተ-ሰላም፡ ናይ ፍትሒ ዕርዲ
ዉፉይ ተሳትፎ ሃገራዉያን፡ ኣብ ሓደ መኣዲ።
ኣእምሮና ይሕሰብ፡ ይመርምር ኩነትና
ኣብ ጸቢብ ዉልቀ-ርእይቶ፡ ኣይነተኩር ኣጆና
ናይ ሓባር ስምምዕ፡ መዛዘሚ ጉዕዞና።
ጽልእታት ይወገን፡ ነበረ ‘ያ ነበረ
ካብ ዕለት ናብ ዕለት፡ ሃለዋትና መረረ
ወለዶታት እና ጠፍኤ፡ ኣዝዩ ዝኸበረ።
ምትህልላኽ ሃልኪ‘ዩ፡ ፋይዳ ኣልቦ
ዓመታት ተኾማሚሩ፡ ብዘይ ኣቓልቦ
ሃገርና ነቐድም፡ ጉዳይና ነቕርቦ።
ስርዓት ስባ‘ሎና፡ ንጥፍኣት ዘንቀደ
ተንኮላት ዝፍሕስ፡ ኣእላፋት ዝቐርደደ
መምለሲ ዘይብሉ፡ ኣብ ህጉም ዘኹደደ።
መተካእታ ሕሰም፡ ሕሰም እንተኾይኑ
ኣላሽ ኢልካ/ኪ፡ ደኒንካ/ኪ ኣማስያኡ ትዓኑ
ጥፍኣት ሃገርካ፡ እነሆ ተኻዊኑ።
ክብርን ዝኽርን ንምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ሃገርና ዝወደቑ/ቓ !!!
ኩላቶም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣህጉራውያን መሓዙቶምን ከምዝፈልጥዎ፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ጽዑቕ ምርመራ ከምዝርከብ ፍሉጥ’ዩ።
እቲ ብናይ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ፍልይቲ መርማሪት ሚስ. ሸይላ ኪታሩት ዝጀመረ ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰጋጊሩስ፡ ካብ ሰነ 2014 ኣትሒዙ ከኣ ብደረጃ መርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይስርሓሉ ከምዘሎ ብሩህ’ዩ። እታን ሓያሎይ ኣዋርሕ ጽዕቕ ምርመራ ከተካይድ ዝጸንሐ መርማሪት ኮምሽን፡ ዛዛሚ ናይ ስራሕ ጸብጻባ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሰነ 2015፡ ናብቲ ዝመዘዛ ኣካል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ማለት ናብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ፡ከተቕርብ ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ። ከምቲ ድሮ ኣብ ናይ መጋቢት 2015 ሓጺር ጸብጻባ ገሊጻቶ ዘላ፡ እታ መርማሪት ኮምሽን፡ ኣብ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኤርትራ ትርንዕ ዝበለ መደምደምታታት(solid findings) ከተቕርብ ምዃና ትጽቢት ተነቢሩላ ኣሎ።
እቲ መስርሕ ምርመራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ስርዓት ህግደፍን ኣመኻነይቱን “ብናይ ወጻኢ ሓይልታት” ዝተጠጅአ ውዲት ኣምሲሎም ክገልጽዎ ከምዝጸንሑ ፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ግን ካብኡ ዝፍለ ምዃኑ ንኹሉ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝግደስ ዘበለ ብሩህ’ዩ። ብርግጽ ድማ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ፡ ብገበናት ህግደፍ ዘስካሕክሑ፡ ይዕበ ይንኣስ ድማ በቲ ስርዓት ዝተፈላለየ በደላት ዝወረዶም ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝድግፎዎን፡ ንትርግታ ልቢ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ዘድመጸን መስርሕ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።
ነዚ ንምርጋግጽን ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምምርማር ገበናት ዘለና ደገፍ ብዘየማትእ መገዲ ንምምስካርን፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዕለት 26ሰነ 2015፡ ኣብጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር መዲብና ስለዘለና፡ ኩሉ በዚ ጉዳይ’ዚ ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ክጽንበረና ጻውዒትና ነቕርብ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ጉዱሳት ኤርትራውያን ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብን ምርድዳእን፡ ነዚ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ እተማእዝን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ተመዚዛ ነቲ ስራሕ ድሮ ጀሚራቶ ከምዘላ እንዳዘኻኸርና፡ ካብ ስዊዘርላንድን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ከዐውቱ ዝብገሱ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ፡ ንምውሃህድ መደባት መታን ክጥዕም፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣዳራሻን ናይ ቴሌፎን ቁጽርን ብምጥቃም ብዛዕባ መደባቶም ምስታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ከመያየጡ ንጽውዕ። ንዝርዝር መደባት ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከምኡውን ቅድምን ድሕርን እቲ ዕለት ብዛዕባ ዝህሉ ተመላላኢ መደባት ብዝምልከት፡ በብግዚኡ ኣብ ዝወጽእ መብርሂ ክሕበር ምዃኑ ድማ ነዘኻኽር። እቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ትሕቲ “ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ!” (End Impuniy in Eritrea!) ዝብል ጠማሪ ጭርሖ ወይ ቴማ ዝካየድ ክኸውን’ዩ።
ቀንዲ ዕላማ ናቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘለና ደገፍ ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክገትእ ዝኽእል ጭቡጥን ግብራውን ስጉምታት ክወስድ ዝጽውዕ እንኮላይ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ጥራይ ዘጋጥምን ዘይድገምን ዕድል ተረኺቡ እንከሎ ብኣድማዕነት መታን ክንጥቀመሉ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ይጽዋዕ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት የብቅዕ!
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ 2015
15 ግንቦት 2015
ኢ-መይል፡- This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ቁጽሪ ቴሌፎን(ብቛንቋ ዓረብ ንዝግበር ርክባት)፡- +41 765445445;+41765416096 ቁጽሪ ቴሌፎን (ብቛንቋ ትግርኛ ንዝግበር ርክባት)፡-+41 76 492 32 89; +41 76 382 86 06; +41 766154203
ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ከም ዓይኒ ዕንቊ ስለ ዝጸበቦ “ናይ ኣድሕኑኒ” መጸዋዕታ ካብ ዘቕርብ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እቲ ጸዋዒት ኣንጻር እኩይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ናባና ናብቶም “ወጽዓ ህዝብና ወጽዓና ስለ ዝኾነ ፍትሒ ከነንግስ ንቃለስ” ኢልና ዝተሰልፈና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐነዐ ነይሩን እዩን። ድሕሪ’ዚ መጸዋዕታ ካብ ዝተራእዩ ኣገደስቲ ምዕባለታት ሓደ፡ ብመርገጽ ደንበ ህግድፍ ሓዊ ከም ዝወቐዖ ቋንጣ ክሽምቀቕ እንከሎ ደንበ ተቓውሞና ከዓ እንዳሰፈሐ ምምጸኡ እዩ። እቲ ኣድማዕነት ደንበ ተቓውሞና ከምቲ ስፍሓቱን ባህጉን ዘይምዃኑ ግና ሕጂ’ውን ዘሻቕል’ዩ።
ኣብ ምትርጓም እዞም ኣብ ኣርእስቲ ናይዚ ጽሑፍ ተጠቒሶም ዘለዉ “ጉርሕን ግርህነትን” ዝብሉ ቃላት፡ ብዙሕ ክበሃል ከም ዝከኣል ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብዚ መልእኽቲ’ዚ ንጉርሒ፡ ብህልኽ፡ ብተንኮል፡ ብናተይ ርኢቶ ጥራይ’ዩ ቅኑዕ፡ ብነዓይ ወይ ድማ ንዓኻ ጥራይ፡ ብምንዕዓቕ፡ ብዘጽደቕካዮ ሕጊ ግዙእ ዘይምዃን: ብንጉዳያት ዘይትርጉሙ ምሃብ፡ ብጸቢብነት፡ ብስስዐ … ወዘተ ኢና ንትርጉማ ዘለና። ብኣንጻሩ ንግርህነት፡ ብሕድገት፡ ብጹረት፡ ብምክእኣል፡ ብሓቢርካ ምዕዋት፡ ብናይ ሕጊ ምእዙዝነት፡ ብምክብባር፡ ብልግሲ፡ ብሕድገት … ወዘተ ኢና ተርጊምናያ ዘለና። ኩልና ከም ዘይንስሕቶ እቶም ከም ትርጉም ናይ ጉርሒ ዝዘርዘርናዮም ባህርያት፡ እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ንነብሮ ዘለና ናይ ዘይርጉእን ምጽውዋግን ህይወት መገለጽታት እዮም። እቶም ከም ትርጉም ናይ ግርህነት ኣስፊርናዮም ዘለናን ንኣገዳስነቶም ወርትግ እንዝምረሎም ክንስና ክንትግብሮም ዘይበቓዕና ባህግታትና እዮም። ኣብዚ እዩ ድማ፡ “ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ” ሕዱር ጸገምና ዝንጸባረቕ። ሎሚ ሎሚ ክንዕዘቦ እንከለና ከምቲ እትጭረሖን እትብህጎን ኮይንካ ዘይምርካብ ቀሊል ዝመስ ግና ድማ ከቢድን ብዘይ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክብጻሕ ከም ዘይክእልን ንርደኦ ዘለና።
እቲ ንሕና እንሓስቦን እንብህጎን፡ እቲ ካልእ ኣንጻር ርኢቶና ዝተሰለፈ ወገን እውን ከም ዝሓስቦን ከም ዝብህጎን ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ መቀራረቢ ጥበብ እዩ። ከምቲ ንሕና ሓሳባትና ብኻልኦት ወገናት ተቐባልነት ክረክብን ክነኣድን እንብህግ፡ እቲ ካልእ ወገን ብኣንጻሩ ናቱ ሓሳብ ንሕና ክንቅበለሉን ክንእደሉን ከም ዝጽበይና ምግንዛብ ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ መቀራረቢ እዩ። ነዚ ተዘይተገንዚብና፡ ካብቲ “እታ ሓቂ ምሳይ ጥርይ እያ ዘላ ዝብል” መጻብቦ ኣይክንወጽእን ኢና። እዚ ማለት ግና ኣብ ሐደ ጉዳይ ክልተ ሓቂ ኣሎ ማለትና ኣይኮነን። ነቲ ክልቲኡ ሓቂ ዝመስል ፍልልያት ዝፈጥር ሓሳባት ናብ ሓደ ኩልኻ እትዓግበሉ መሰረታዊ ሓቂ ንምምጻኡ፡ ተዓጊስካ፡ ዝያዳ ንምዝራብ ንምስማዕ ዕድል ሂብካ፡ ንመሰል ናይቲ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ሒዙ ዘሎ ወገን ግቡእ ክብሪ ሂብካ፡ ኣብ ዝካየድ ምይይጥ ንክልቲኡ ወገናት ኣብ ዘዕውት ማእከላይ ዕግበት ምብጻሕ ከም ዝከኣል ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዕግበት ኣብ ሓደ ጉዳይ ክበሃል እንከሎ ፍጹማዊ ዘይኮነስ ዝምድናዊ ምዃኑ ዘይምስሓት’ውን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ፍጹማዊ ዕግበት ኣብ ሓደ ጉዳይ ክብጻሕ ዘይከል ዘይኮነስ ነብሱ ዝኸለ መስርሕን እኹል ግዜን ዘድልዮ ብምዕራፋት ዝሕለፍን’ዩ ንምባል እዩ።
ኣብ ሓደ ዛዕባ መርገጽ ክንሕዝ እንከለና ምኽንያት ክህልወና ባህርያዊ እዩ። ዕላማና ድማ በቲ ዝሓዝናዮ መርገጽ ኣቢልካ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ንምዕዋት እዩ። እቲ ኣብቲ ዘልዓልናዮ ዛዕባ ካብ ናትና ዝተፈልየ መርገጽ ዝሕዝ ኣካል እውን ናቱ ናብቲ መርገጹ ዘብሖ ምኽንያት ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝፍጠር ፍልልይ እምበኣር ውጽኢት ናይቲ ከም ምኽንያት ኢልና እነቕርቦ ነጥብታት እዩ። ኣብዚ እቲ ፍታሕ ክርከብ ዝኽእል ቅድሚ ኩሉ፡ ናትካ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ እቶም ካባኻ ዝተፈልየ መርገጽ ሒዞም ዘለዉ፡ ናይቶም ካባኻ ዝተፈልየ መርገጽ ዘለዎም ኣካላት ምኽንያት ድማ ኣብ ቅድሜኻ ብሩህ ክኸውን ይግበኦ። ክልቲኡ ምኽንያታት ክሳብ ክንድዚ ብኣካል ተቐራሪብካ እንተተመዚኑ ነቲ ፍልልይ፡ እንተኾነ ናይ ምውጋዱ እንተዘየለ ከዓ ናይ ምጽባቡን ምምሕዳሩን ዕድል ምርካብ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሃናጽን ውሕሉልን ኣተኣላልያ ፍልልያት ከዓ ንሱ እዩ። ኣብዚ ሓደ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ጉዳይ፡ ንኣበሃህላን ኣነቓቕላን ናይቲ ካባና ዝተፈልየ ርኢቶ ዝሓዘ ወገን ንሱ ብቕምጡ፡ ንሓሳቡ ናትና እሞ ድማ ግጉይ ትርጉም ምሃብ እዩ። ብዝከኣል መጠን ንምኽንያታቱ ባዕሉ ከብርሆን ክትርጉሞን እኹል ግዜ ምሃብ። ንጥርጣረ እንህቦ ቦታ ከዓ ኣዝዩ ውሱን ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ፍልልይ ክልቲኦም ወገናት ሓደ ሸቶ እንዳሃለዎም እውን ክፍጠር ስለ ዝኽእል፡ ብሰንኪ ዘይዕቱብ ኣተሓሕዛ እቲ ቀረባ ምእንቲ ከይርሕቕ። ከምቲ ወለድና “ኣደይ እትብሎ ንጐይበይ፡ ኣቦይ ዝብሎ ድማ ንገዝመይ” በለት መርዓት፡ ዝብልዎ። ናይዚ ኩሉ እሂንምሂን ምብኳር እምበኣር ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሃሳዪ ሳዕቤናቱ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምግማቱ ዝእግም ኣይኮነን።
“ተቓሊስና ክንዕወት ኢና፡ ህዝብናን ሃገርናን ድማ ክርህዎም እዩ” ክንብል እንከለና፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክንቅይሮ ኢና ማለትና ምዃኑ ንጹር እዩ። እንተኾነ እቶም ቀየርቲ ንሕና እቶም ኣንጻር ዲክታተርነት ንቃለስ ዘለና ጥራይ ዘይኮናስ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ክውንነት እውን ከም ከባቢያዊ ተርእዮ፡ ንኣተሓሳስባናን መጻኢ ትጽቢትናን ናይ ምጽላው ወይ ናይ ምቕያር ግደ ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ፖለቲካዊ ከባቢና ማለት ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ቀንዲ ኣብዚ ጽሑፍና ቆላሕታ ዝወሃቦ እቲ ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጽልሙት ህይወትን ፍታሕ ንምርካብ ዘለዎም ክቱር ሃንቀውታን እዩ። ስለዚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ክንካታዕ፡ ክንሰማማዕ፡ ክንፈላለ፡ ክንእውጅን ክንውስንን እንከለና፡ ንኩነታት ሃገርና ብግቡእ ክንዝክርን ንውልቃዊ ኮነ ትካላዊ ኣተሓሳስባና ብኣኡ ክንቃንዮን ምርጫና ዘይኮነስ ግዴታና ምዃኑ ብጽሞና ነስተብህል። ነዚ ኣብ እንግደዓ ኩላትና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ተጻዒኑ ዘሎ፡ ኤርትራን ህዝባን ናይ ምድሓን ህጹጽን ከቢድን ዕዳ ዘንጊዕና ምእንቲ ጸቢብ ዝና፡ ውልቅና፡ ሰልፍና፡ ውድብና፡ ግንባርና፡ ኣውርጃና ጥራይ ማእከል ጌርና እንተ ዓንዲርና ግና ንጉዕዞና ፋይዳ ኣይክንረኽበሉን ኢና። ንህዝብናን ሃገርናን ከዓ ኣይክንብጀወሎምን ኢና።
13 ጉንበት 2015
መንግስቲ ህግደፍ ኣብ 2012 ካብ ሃገረ ኖርወይ ዝዓደገን መኻይን፡ ኣብ መንግስቲ ኖርወይ መዘራረቢ ኮይነን ከም ዘለዋ መርበብ ሓበሬት ኣሰና ሓቢራ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ናይዘን 17 መካይን መስርሕ ምዕዳግ ሕጋዊ ከም ዘይነበረ ዘቃለዓ ኣብ ናይታ ሃገር ባይቶ ናይ ምቑጽጻር ኮሚተ እዩ። እቲ ተቖጻጻሪ ኮሚተ እተን መካይን ናብ መንግስቲ ህግደፍ ምሻጠን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ዝጥሕስ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ምግላጹ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ብመሰረት ናይታ ሃገር ጋዜጣ “ዳግ ብላዳ” ብዘይካዘን 17 መካይን ካልኦት እውን ኣብ 2013 ተሸይጠን ከም ዝኾና፡ ናይታ ሃገር ፖሊስን ናይ ስለያ ትካላትን ጥርጠራ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ብዛዕባአን እውን ምርመራ ከም ዝካየድ ተፈሊጡ። ናይታ ሃገር ባይቶ ነዚ ዝምልከት ቀዳማይ ደረጃ ጸብጻብ ከም ዝሰመዐን ንዝያዳ ጸብጻብ ንናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ምክልኻል ጸዊዑ ከም ዘሎ’ውን ተፈሊጡ። ናይቲ ባይቶ ኣባላት እቲ ናይ መሸጣ ተግባራት ምጥሓስ ናይቲ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ዝነበሩ ነርወጃውያን ድማ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፈ ግህሰት ሰብኣውን ሃይማኖታውን መሰላት ኣቃሊዖም።
ዘይሕጋዊ ዕዳጋን ዓመጸኛ ኣካይዳን መንግስቲ ህግደፍ ካብ ዝፍለጠሎም ተግባራት ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝግለጽ ዝዝከር እዩ።
13 ጉንበት 2015
መጀመርታ ንህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ናብ መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኣብጻሓኻ እንዳበልና፡ ብምኽንያት መበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ ብጥርኑፍ ብደረጃ ከተማታት ማለት ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ነውጽእ። ህዝብና በቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠሞ ዘስኻሕኽሕን ዘሕዝንን ቕዝፈት ኣብ ዕሸላት ደቑ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከምዝርኸብ ዝፍለጥ እዩ።እቲ ኣይኾነን ኣብ ደቕኻ፡ ኣብ ዝኾነ ፍጡር’ኻ ኽወርድ ዘይትጽበዮ ዘስኻሕኽሕን ዝነውርን ቕዝፈት ኣብ መንእሰያትና ብምውራዱ ብልቢ እንዳሓዘንናን እንደጋሃናን ፡እዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕ ኣብ ጎኒ ህዝብና ደው ብምባል ምስ ህዝብና ክንሓዝን ምኻናን ብኡ መሰረት ድማ እቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝበዓል መዓልቲ ናጽነት ካብ ጋይላ ብምሕራም ብዘተፈላለዩ ሰሚናራትን መልእኽቲ ናጽነትን፡ ንብዳዕሽን፡ ባሕርን ዝጠፋኡ መንእሰያትና ብምዝኻር ከንሕልፎ ወሲና ኣለና።
እዚ ኽንብል እንከለና እታ ንዓመታት ከቢድ መስዋእቲ ዝተከፍለላ ኽብርቲ ነጻነት ኣብ ቦታኣ ኮይና፡እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ሓዘንን ንብዓትን ሚዛኑ ኣኽቢድና ስለዝረኣናዮን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርኸቡ ወለዲ ኣብ ከቢድ ሓዘን ብምህላዎምን ፡ከምኡውን ዝበዝሐ ካብ ህዝብና ገና ከይተረድአን ሎሚዶ ጽባሕ ይርዳእ እንዳበለ ከብዱ ሓቒፋ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ንሕና ክንስዕስዕን ኽንዘልልን ዘይሓላፍነታውን ዘይሃገራውን ኮይኑ ስለዝረኽብናዮ ምስ ህዝብና ክንነብዕን ኽንሓዝንን ብምውሳን ናይ ለብዘበን መዓልቲ ናጽነት ሳዕስዒት ዘይብሉ ንህዝብና ናይ መጸናንዒ መልእኽትታት ብምትሕልላፍ ከነብዕሎ ምኻና ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ንገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ነዚ ሚዛናውን ዘኩርዕን ዘይርሳዕን መርገጺ ብምውሳደን ብስም እቶም ስድራ ግዳያትን፡ ሃገረ ኤርትራን ምስጋናና እንዳሕለፍና ኣብ ኤውሮፓን ኤስያን ኣፍሪቃን እትርከቡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ነዚ ሓላፍነታዊ መግለጺ ኣሰር ኽትስዕቡ ንጽውዕ።ንኩሉም ኤርትራውያን ድማ ነዞም ናይ ሓንቲ መዓልቲ’ኻ መዓልቲ ሓዘን ዘይተኣወጀሎም ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብልቡ ብምዝኻር ካብ ጋይላን ዳንኸራን ብምሕራም ሓዘኑ ክገልጽን ንስድራ ግዳያት ከጸናንዕን ንጽውዕ ንወለድን ህዝብን ኤርትራ ድማ ጽንዓት ይሃብኹም ንብል።ነዚ መግለጺ እዚ ዘውጻኣ ከተማታት እዘን ዝስዕባ እየን።

ሓባራዊ መግለጺ ደምበ ተቓውሞ ሓይልታት ኣብ ምውላዕ ሽምዓ
Monday, 11 May 2015 22:08 Written by መግለጺ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከተማ ፍራንፈርት ጀርመንክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝነኣስኩምን ዝነኣስክንን ደቅና።
ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ኣስዒብና ሎሚ ብዛዕባ መን ኢና ሽምዓና ንውልዕ ዘሎና ዝብል ሕቶ ክንምልሽ ኰሎና ምናልባት እዚ ናይ ሎሚ ሓዲሽ ናይ ቅዝፈት ተረኽቦ ኰይኑ ተሰሚዑና ከም ዘሎ ክዉን ነገር ኢዩ። ሳላ ዓመጻዊ ምሕደራ ሃገርና ዝተሳእነ ስለ ዘየለ ህዝብና ሽምዓታት ካብ ዝውልዕ ወይ ተንዳታትን ካብ ዝግትር፤ ዳሳት ናይ ሓዘን ካብ ዝተክል እንሆ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ዘገርምን ዘስደምምን ድሕሪ 30 ዓመታት መስዋእትን ዕንወት ህዝብን፤ ንብረትን ጥሪትን፤ ዝመጸት ነጻነት ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት፤ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ማእሰርቲ፤ ደረት ኣልቦ ዕስክርናን፤ ኣብ ክንዲ ብልጽግና ድኽነት፤ ኣብ ክንዲ ጥዕና ሕማምን ሞትን፤ ኣብ ክንዲ ሓሳብካ ምግላጽን ምዝራብን፤ ምፍርራህን ምእሳርን ምቕንጻልን ...ወዘተ፡ ሃገርና ሓንቲ ቅዋም ዘይትውንን ሃገር ኰይና ብሓደ ውልቀ መላኺ ብኢደወነኑ ድሕሪ ነጻነት ክሳዕ ዕለት ሎሚ ባዕሉ ፕረሲደንት ባዕሉ ወተሃደራዊ ሓላፊ፤ ባዕሉ ናይ ኩለን ትካላትን ሚኒስትራትን ገዛኢ፤ ጨቛንን በታኒን ዝዀነ ስርዓት ከምቲ ኣቦታትና ዝምስልዎ ንፈውሲ ኢሎም ዝሓረድዎ ብዕራይሲ ሓሞት ሰኣንሉ፡ ከምዝብሃል መብዛሕቱ ህዝብና ከምቲ ዝሓሰቦ ዘይኰነስ ካልእ ተጻዊድዎ ጸኒሑ።
ውጽኢት ናይዚ ድማ እዞም መዓልታዊ ካብ ዝፈትዉዋ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ምህዳሞም ዶብ-ሰገር ብወተሃደራት ጉጅለ ህግደፍ ዝርሸኑን ዝእሰሩን ዘለዉ፡ እዞም ካብ ሱዳን ተጨውዮም ብነጋዶ ደቂ ሃገርን ራሻይዳን ናብ በደዊን ግብጺ ተሸይጦም ካብ 30-40 ሺሕ ዶላር ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብሳንጃ ተቐዲዶም ዝሽየጥዎም ዘለዉ፡፤እዞም ካብ ግብጺ ሃዲሞም ንእስራኤል ክሓልፉ ኣብ መንገዲ ብወተሃደራት ግብጺ ዝርሸኑ ዘለዉን፡ እዞም ብሰሃራ ሁሮሩማ ጸሓይን ሑጻን ከም ካሻ ብዘይ ዓቐን ተጻዒኖም ናብ ሊብያ ክጐዓዙ ብዋሕዲ ኣየር ኣብ መንገዲ ዝሞቱን፤ ካብ መኪና ተገልቢጦም ኣብ ሒጻ ተደብዮም ዝጠፍኡን ዘለዉ፤ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ደቂ ደቅናን ህጻናትን ጥኑሳት ኣደታትን ኣዲኦም ትቕጸሮም ጥራይ ኢልና ኢና ክንሓልፎ። እቶም ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ጅምላዊ ህልቀት ማእከላይ ባሕሪ መዓልታዊ ዝወሓጡ ዘለዉን፤ ከማኡውን ሓዲሽ ተወሰኮ ቅዝፈት ብግብረ ሽበራ ዝሕረዱን ዝርሸኑን ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ኤርትራውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ዜጋታትን ነዚ ኵሉ ተረኽቦዚ ከም ባህርያዊ ብሰማይ ዝወረደ ከምኒ እሳት ጐመራ ከም ሳይክሎን ማዕበል ከም ሱናሚ ናይ ጃፓን ህልቂት ከም ምንቅጥቃጥ መሬትን፤ ወዘተ…ህዝብና ብራዕዲን ሽበራን ሕልናኡ ተደቒሱ ዝብሎን ዝገብሮን ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ይኸይድ ኣሎ። ምኽንያቱ ህዝብና ይኹን ኵሉቲ ምእንቲ ነጻነት ኢሉ ሓሊኑ ዝተቓለሰን ዝተሰወኤን ሕጂውን ምእንቲ ሓርነትን ምእንቲ ምልኪ ምውጋድን ኣንጻር እዚ ዝቕጥቅጥ ዘሎ ሓቢሩ ክቃለስን ክምክትን ስለ ዘይረእየ ብተስፋ ምቕራጽ ህዝብና መዓልቲ መዓልቲ ገዲም ተጋደልቲ እንዳሓቐቑን ዓበይቲ ዓዲን ምሁራትን እንዳጠፍኡን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኰይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ንሱ ብጠቕሚ ዝገዝኦምን ዝውንኖምን ኣገልገልቲ ፈጸምቲ እከይን ኣጥርዩ ሓልዮትን ሃገርን ህዝቢን ዘይብሉ ብዓንደርእሱ ዕላምኡ ካልእ ስለ ዝዀነ እነሆ ንግሆ ንግሆ ኣብ ሽምዓ ምውላዕን ብኽያትን ንርከብ። ሓደ ካብቲ ዝኸፍኤ ድማ ህዝብና በቲ ንኣማኢት እዋናት ዓመታት ብባዕዳዊ መግዛእቲ እንዳተገዝኤ እንኰሎ ብዝመጸ ገዛኢወይ ምሕደራ ከይተጻዕደ ብባህሉን ያትኡን ቅዋሙን ስድቡን ተቐይዱን ብሕድሕድ ምክብባርን ምጽውዋርን ብዘይ ምፍልላይ ሃይማኖትን ብሔርን ዝኸዶን ዝሓለፎን ሎሚ ሓው ይኹን ጐረቤት ይትረፍ ወላዲት ንጓላ ሰብኣይ ንወዱ ዘይኣምነሉን ዘይታምነሉን ወቕቲ በጺሑ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ንቡር ልማዱን ባህሉን ንምምላስ ንመጻኢ ወለዶ ዓቢ ጾርን ጻዕርን ከድልዮ ምዃኑ ርዱእ ነገር ኢዩ። ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ተስዶዶም ንወጻኢ ዝመጹ ዘለዉ መንእስያትና ኣብቲ ዘዘለውዎ ቦታታት ብምኻድ ይኹን ኣብ ቤተ-ሰቦም ኣብ ዝመጽሉ ኣዋን ኵነታት ሃለዋቶም ምሕታትን ሽግራቶም ምውካስን ዘድልዮም ምዃኑ ናትና ዕዮ ገዛ ገርና ክንወስዶ ይግባእ።
ታራና እንታይ ነይሩ ንዝብል ሕቶ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ህዝብና ጠርኒፍና ወዲብናን ብስምምዕ ንሓርነታዊ ቃል መሪሽና እንተንኸውን ነርና እዚ ኵሉ ኣይምስትረኽበን ነይሩ ህዝብና ብመጠኑ ምደሓነ ብዓንዲርእሱ ድማ ሃገርና ብሰላምን ዲሞክራሲን ቅዋምን ፍትሕን ዘለዋ ሃገር ኰይና ክትነብር ምበቕዔት ነይራ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዞም ኵሎም ዝጠፍኡ ዘለዉ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ኢዩ ኢልና ክንድምድም ዘይኰነስ ብወገና ህዝብና ከነድሕን ክንቃለሶ ዝነበረና ስለ ዝበኾረ ናይዚ ኵሉ ዝኸይድ ዘሎ ጥፍኣት ተሓተቲ ምዃና ክንግንዘቦ ይግባእ። ኣብ መግለጺየይ እዚ ወቐሳን በደልን ንተቓውምቲ ሓይልታት ጥራይ ዝምልከት ገይሮም ዝርእይዎ ሰባት ከም ዘለዉ ይርድኣና ኢዩ። ይኹን እምበር ሃገርን ህዝብን ካብቲ ዓቕመ ኣዳምን ዓቕሚ ሄዋንን ዝበጽሔ ኤርትራዊ ዜጋ ኣትሒዝካ ክሳዕ እቲ ስነ ኣእምሮ ዘይሰሓተ ሽማግለ ሓንቲ ስለ ዝብጽሖ እቶም ብማዕዶ ዘይሰምሩን ዘይሰማምዑን እንዳተባህሉ ዝሕመዩን ን30 ዓመታት ዝተሰውእሉን ካብ ሕብረተሰቦም ዝተነጸልሉን ደምበ ተቓውሞ ምስ ኵሉ ድኽመታቶም እንዳደየቡን ወረዱን ኣብ ኤርትራ ደምበ ተቓውሞ ምህላዉን ዘረጋገጹን ኣሰር ታሪኽ ንዝመጽእ ወለዶ ክምህሩን ክውዱቡን ሎሚውን ከም ትማሊ ቃልሶም ቀጻሊ ምዃኑ እንዳገልጹ እቲ ክልተ ዝኣፉ ሴፍ ስርዓት ህግዲፍ ንሓደ ውድብ ተሓኤ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ናተይ ኢዩ ዝብሎ ነጻነት ሃገር ዘምጸኤ ህዝባዊ ግንባር ብዓጸፈታ ዝቐጸየን ዝቐንጸለን ምዃኑ ከም ጸሓይ በርቂ ብሩህ ኢዩ። ስለዚ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ስርዓት ህግዲፍ ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ወረዳታትን እንዳታትን ስድራቤታትን ዝፈላሊ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ሰራም ስርዓት ንሓደ ዝምሕሮ ንሓደ ዝገድፎ ስለ ዘይክእል ካብ ብማዕዶ ኣይሰማምዑን ኢዮም ኵሉ ጊዜ ኢዮም ዝፈናጨሉ እንዳበልካ ብገዛእ ጉዳይካ ካብ ምሕጫጭን ምውርዛይን ጉዳይካን ንዓይውን ይምልክተኒ እዩ ብምባል ቀሪብካ ክትዕዘብን ኣካል ናይቲ ቃልሲ ኰንካ ግቡእካ እንዳበርከትካ ሓሳብካ ምቕራብን ምሔሸ ነይሩ ጥራይ ኢልና ክንሓፎ ንመርጽ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዲሞክራሲን መሰልን ዝሕለወሉ ዘሎ ሃገር ተቐሚጥካ ኵሉ እንዳረኤኻን እንዳተመሃርካን ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ዘሎ ሽግር ንዓኻ ኣብዚ ኰሎኻ እንዳኣረኻከበልካ ክነሱ ተጸፊዕካ ዘይትምልሸሉ ሓሶት እንዳሰማዕካ ሓቂ ኣይኰነን ዘይትብለሉ ጥሜት ህዝብኻ ዘይትሓስበሉ ንብረትካን ዑናኻን ተሓዲጉ ዘይትከራኸረሉን ተመሊስካ ዓድና ጽቡቕ ኣሎ ጽጋብ ኣሎ ንዝብል ኣካል ክትሰምዕ ኰሎኻ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኢዩ ኢልካ ክትሓስቦ ኣሸጋሪ ኢዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ስደተኛታት ኣብ ኤውርጳ ብብዝሒ ይውሕዝ ኣሎ፡ ሶርያ ብብዝሒ ስደተኛታት ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ ኤርትራውያን ድማ ካልኣይ ደረጃ ሒዝና ንርከብ። ናይ ሶርያ ኣብ ሓጺር እዋን ዘጋጠመ ስቪል ኵናት ክኸውን እንኰሎ ናትና ግን ክንዲ ኵናት ንስደት ዘምርሓና ዘሎ ዝዓበየ ማእሰርትን ጭቆናን ጥምየትን ደረት ኣልቦ ዕስክርናን ትምህርቲ በተኽን ወዘተን… ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ኤርትራ ኵናት የለን ካልኦት ሃገራት ኣብ ህውከት ኣለዋ ንሕና ብሰላም ንነብር እንዳበለ ነቶም በዚ ዝታለሉ ኣገልገልቱ መሕለፍ መዓልቲ ይዀኖም ኣሎ።
ሊቃውንቲ ከም ዝትርትዎ ወዲ ሰብ ታሪኹን ኣምላኹን ኢዮም ዝፈርድዎ ክብሉ ኰለዉ ኵላትና ብሸለልትነት ህዝብናን ሃገርናን ከይንፍረድ ካብዚ ዘለናዮ ድኽመት ክንወጽእ ታሪኽና ከነጸብቕ መድረኽ ህጹጽን ዉሁብን ኰይኑ ይዕድመና ኣሎሞ ናይ ሞት ገዲፍና ናይ ሕልፈት ይበኸ ከም ዝብሃል ኣብ ኵሉ ፖለትካዊ ይኹን ማሕበራዊ ደምበ ተቓውሞ ብትብዓት ክንዋሳእ ሕጂ ህዝብና ይዕድመና ኣሎ። እዞም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ኣብ ሰሃራን ካልእ ዝተፈላልየ መንገድን ዝጠፍኡ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ንስድራቤቶም ዓቢ ዘመተ፡ ንሃገርናን ህዝብናን ጽንተት ምዃኑ እንዳሓዘንና፡ ንሰማኣታትና መንግስተ ሰማያት ንስድራ-ቤቶም ጽንዓት ይሃቦም እንዳበልና መሪር ሓዘንና ንገልጽ።
መግለጺ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከተማ ፍራንፈርት ጀርመን