ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዓመታዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

2015-06-05 17:38:39 Written by  ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2329 times

እቲ ብዶብ ኣልቦ ዝፍለጥ ተሓላቒ ንናጽነት ስነ-ጽሑፍ፡ (ፕረስ) ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ኣብ ኣውጺኡዎ ዘሎ ልሙድ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኩለን 180 ሃገራት ዓለም ናብ መሰረትን ጋዜጠኛታተን ዝህብኦ ነጻነትን፡ ሕጋውነትን፡ ባይታን መሳለጥያታቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እተን ሃገራት ዘለወን ሓውሲ ፍኑው መትከላትን ኣመልኪቱ፡ ንደርጃ ብሉጽነተን ዘቃልሕ ብተርታ ዘርዚሩ ኣውጺኡ’ዎ ኣሎ።

ከምቲ ልሙድ ኣብ’ዚ ዓመታዊ ጸብጻብ እውን፡ ሃገራት ስካንዳናቭያ፡ ፊንላንድ፡ ኖርወይን ደንማርክን እተን ሰለስተ ዝበለጻ ሃገራት ክኾና ከሎዋ፡ ብኣንጻሩ እተን ሰለስተ ግን ቱርከሚኒስታንን፡ ሰምየንኮርያን፡ ሃገርና ኤርትራን ተባሂለንኣሎዋ።

ምስ’ቲ ኣብ 2014 ቀሪቡ ዝነበረ ጸብጻብ ብምውድዳር፡ ኩነታተን ኣመሓይሸን ዝተባህላ ሃገራት፡ ሞንጎልያ፡ ቶንጋ፡ ማዳጋስካር፡ ጆርጂያ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ነፓል፡ ቱኒሲያ፡ ብራዚል፡ ከምኡ’ውን መክሲኮእየን። ካብተን ኣብ 2014 ኩነታተን ኣብ ዝተሓተ ደርጃ ተሰሪዐን ዝነበራ 20 ሃገራት፡ እተን 15 ካብአን ኩነታተን ካብ ዝኸፍኣ ኣንቆልቁሉሎ ክብል’ውን እቲጸብጻብ ገሊጹ።

ብምቕጻል’ውን፡ ጸቕጢ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ምልካውያን ስርዓታት ርዱእን ውሁብን እንተኾነ፡ ገለ ካብ እተን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያውያን ስርዓታት ዝመሓዳደራ ዘለዋ ሃገራት እውን፡ ንስለ ድሕነት ሃገር ኣብ ትሕቲ ዝብል ምስምስ ንናጽነት ይረግጻ ምህላወን ኣይሓብአን።

5 ሰነ 2015

Last modified on Friday, 05 June 2015 19:41