ታሪኽ ብምልኣት ጥራሕ ዝምዘን፡ መስርሕ ተዋሳእቱ ‘ዩ
2015-05-25 18:40:02 Written by ነጸረ፡ ተ/መድህን - ለንደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2433 timesነጸረ፡ ተ/መድህን - ለንደን - 25/05/2015
ዝሓለፈ ሕጽረታት ታሪኽ፡ መን ይወንኖም
ይኽፍኡ ይጸብቑ፡ ናይ ኤርትራና ‘ዮም
ቁንጥር ምንጥር፡ ኣማሪጽካ ኣይትምጠጦም።
ሰዉራ ብህጻንነቱ፡ ታተ ‘ሉ ክጅምር
ብሃዉሪ ተበግሶ፡ ዘይንጹር ኣምር
ሕንፍሽፍሽ መስርሓት፡ መስዋእቲ ዝኹምር።
ናይ ሰብዓታት ትያትሮ፡ ናይ ምቅንጻል ባህጊ
ዝጸንሔ ይኹን ሓድሽ ዉደባ፡ ዝተኸተሎ ሕጊ
ናይ በይኑ ስሰዔ . . . ክትሓቅቕ ‘ያ ዝትንቢ።
መተካእታ ‘የ ዝበለ፡ በዓል መብጻዓ
ህንጡይ ከፋፋሊ፡ ዘርባዕባዓ
ዓዳኹ መዳኸሪ፡ እንቃዓ - እንቃዓ
ሕማም ቆርበት ኮይኑ፡ ወትሩ ዘሕክኽ
ሕልሙን ጋህዱን፡ ንህዝብና ከንበርክኽ
ሃገር ኣደንቚሩ፡ ንጋህሲ ዝኣልኽ።
‘ምሁር ተበላጺ’፡ ልዕሊ ዓቐን ተደግዲጉ
ንምብሓት ዉድብ፡ መናድቕ ተገድጊዱ
ኣብ ዋዕላ 76 ዓ.ም.፡ ንሞት ተፈሪዱ።
ኣብ 78/79 ዓ.ም.፡ ቅትለት ገባር ዝተፈጸመ
ንመላእ ሕብረተ-ሰብ፡ ዘርዓደ ዘሕመመ
ካን ተረሲዑ ‘ታ፡ ሸፍኖ-ሸፍኖ - ግመ-ግመ።
ክጸሓፍ ዝቐነየ፡ ኣብ መስከረም.ኔት ዓምዲ
ምልኣተ ስእሊ ዘይብሉ፡ ሕማቕ ልምዲ
ታሪኽ ተሃዋሲ ‘ዩሞ፡ ጥንቃቐ ‘ምበር ነይመላመዲ።
ናጽነትና ብዒሉ፡ ዝኽሪ ዓወታቱ
መላእ ወዲ-ሃገር፡ ዝኸፈለሉ ህይወቱ
ጌና ዘይተወደኤ መስርሕ፡ ምጭባጥ መሰላቱ።
ንወለዶታት ዘሰልከየ፡ ዕሙር ጽልእታት
ብሓድ-ሕድ ኲናት ተዳምዩ፡ ዝሃለቐ ‘ዉን ተቓዉሞታት
ዉጽኢቱ እነሆ፡ ናይ ሃገርና ጥፍኣት።
‘’ህልኽ ድዩ ጽልኢ፡ ወይስ ናይ ቂም ቃልሲ’’
በዚ ይኹን በቲ፡ የድልዮ ‘ሎ ፈዉሲ
ንጥዕናዊ መኣዛ፡ ናይቲ ዝዉለድ ጥንሲ።
ማንም ኤርትራዊ፡ ዝንብርከኽ ኣይኮነን
ብመንነቱን ባህሉን፡ኣዝዩ ‘ዩ ዝሕበን
ብሓባር ኢሂን ምሂን፡ ጥራሕ ከኣ ‘ዩ ዝዉገን።
ሓደ ነቲ ሓደ፡ እና ‘ነኣኣሰ
ንጽፈት ፖሊቲካና፡ ኣዝዩ ዘበስበሰ
ታሪኻት ይፈተሽ፡ ኩሉ ይፈወሰ።
ዝተጓዓዝናዮ መስርሕ፡ ዝተኽፍለ መስዋእቲ
ሓባር ተሳትፎ፡ ንዓወት ኣበርካቲ
ኣቛራጭ የልቦን፡ ዝተጠማዘዘ ስልቲ።
ንፍቶ ንጽላእ፡ ብናይ ሓባር ድምጺ
ንጉዕዞና ዝኣሊ፡ መስርሓት ዘጻጺ
ንግዝኣተ-ሕጊ ሃገር፡ ህዝቢ ‘ዩሓንጻጺ።
ንቅዋም-ሃገር፡ መወከሲ ተሳኢኑ
መሰል ዉልቀ-ዜጋ፡ ብጎይቶት ተወኒኑ
ወለዶታት ጠፍኤ፡ ዕድሜኦም ባኺኑ።
ሃገር - ንሃገር: ህዝብን መርየትን እምበር
መተካእታ ወለዶታት፡ ኣበይ ይንበር
ዘይሕለል ጻዕሪ፡ መንፈሱ ከይስበር።
እቶም ፍሩያት፡ ናይ ታሪኽ በደላት
ልቦና ዓብይቲ፡ ክህበሉ ‘ዩ ፍተሓት
ምብልሓት ይዕሞቕ፡ ንናይ እዋኑ ግድላት።
ክብርን ዝኽርን ንበጃ ሰላምን ፍትሕን ዝወደቑ/ቓ ዜጋታትና ! ! !