ታሪኽ ብምልኣት ጥራሕ ዝምዘን፡ መስርሕ ተዋሳእቱ ‘ዩ

2015-05-25 18:40:02 Written by  ነጸረ፡ ተ/መድህን - ለንደን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2213 times

ነጸረ፡ ተ/መድህን - ለንደን - 25/05/2015

ዝሓለፈ ሕጽረታት ታሪኽ፡ መን ይወንኖም

ይኽፍኡ ይጸብቑ፡ ናይ ኤርትራናዮም

ቁንጥር ምንጥር፡ ኣማሪጽካ ኣይትምጠጦም።

                        ሰዉራ ብህጻንነቱ፡ ታተክጅምር

                        ብሃዉሪ ተበግሶ፡ ዘይንጹር ኣምር

                        ሕንፍሽፍሽ መስርሓት፡ መስዋእቲ ዝኹምር።

ናይ ሰብዓታት ትያትሮ፡ ናይ ምቅንጻል ባህጊ

ዝጸንሔ ይኹን ሓድሽ ዉደባ፡ ዝተኸተሎ ሕጊ

ናይ በይኑ ስሰዔ . . . ክትሓቅቕያ ዝትንቢ።

                        መተካእታ ‘የ ዝበለ፡ በዓል መብጻዓ

                        ህንጡይ ከፋፋሊ፡ ዘርባዕባዓ

                        ዓዳኹ መዳኸሪ፡ እንቃዓ - እንቃዓ

ሕማም ቆርበት ኮይኑ፡ ወትሩ ዘሕክኽ

ሕልሙን ጋህዱን፡ ንህዝብና ከንበርክኽ

ሃገር ኣደንቚሩ፡ ንጋህሲ ዝኣልኽ።

                        ‘ምሁር ተበላጺ’፡ ልዕሊ ዓቐን ተደግዲጉ     

                        ንምብሓት ዉድብ፡ መናድቕ ተገድጊዱ

                        ኣብ ዋዕላ 76 ዓ.ም.፡ ንሞት ተፈሪዱ።

ኣብ 78/79 ዓ.ም.፡ ቅትለት ገባር ዝተፈጸመ

ንመላእ ሕብረተ-ሰብ፡ ዘርዓደ ዘሕመመ

ካን ተረሲዑ ‘ታ፡ ሸፍኖ-ሸፍኖ - ግመ-ግመ።           

ክጸሓፍ ዝቐነየ፡ ኣብ መስከረም.ኔት ዓምዲ

ምልኣተ ስእሊ ዘይብሉ፡ ሕማቕ ልምዲ

ታሪኽ ተሃዋሲዩሞ፡ ጥንቃቐምበር ነይመላመዲ።

ናጽነትና ብዒሉ፡ ዝኽሪ ዓወታቱ

መላእ ወዲ-ሃገር፡ ዝኸፈለሉ ህይወቱ

ጌና ዘይተወደኤ መስርሕ፡ ምጭባጥ መሰላቱ።

ንወለዶታት ዘሰልከየ፡ ዕሙር ጽልእታት

ብሓድ-ሕድ ኲናት ተዳምዩ፡ ዝሃለቐ ‘ዉን ተቓዉሞታት

ዉጽኢቱ እነሆ፡ ናይ ሃገርና ጥፍኣት።

‘’ህልኽ ድዩ ጽልኢ፡ ወይስ ናይ ቂም ቃልሲ’’

በዚ ይኹን በቲ፡ የድልዮሎ ፈዉሲ

ንጥዕናዊ መኣዛ፡ ናይቲ ዝዉለድ ጥንሲ።

ማንም ኤርትራዊ፡ ዝንብርከኽ ኣይኮነን

ብመንነቱን ባህሉን፡ኣዝዩዩ ዝሕበን

ብሓባር ኢሂን ምሂን፡ ጥራሕ ከኣዩ ዝዉገን።

ሓደ ነቲ ሓደ፡ እናነኣኣሰ

ንጽፈት ፖሊቲካና፡ ኣዝዩ ዘበስበሰ

ታሪኻት ይፈተሽ፡ ኩሉ ይፈወሰ።

ዝተጓዓዝናዮ መስርሕ፡ ዝተኽፍለ መስዋእቲ

ሓባር ተሳትፎ፡ ንዓወት ኣበርካቲ

ኣቛራጭ የልቦን፡ ዝተጠማዘዘ ስልቲ።

ንፍቶ ንጽላእ፡ ብናይ ሓባር ድምጺ

ንጉዕዞና ዝኣሊ፡ መስርሓት ዘጻጺ

ንግዝኣተ-ሕጊ ሃገር፡ ህዝቢሓንጻጺ።

ንቅዋም-ሃገር፡ መወከሲ ተሳኢኑ

መሰል ዉልቀ-ዜጋ፡ ብጎይቶት ተወኒኑ

ወለዶታት ጠፍኤ፡ ዕድሜኦም ባኺኑ።

ሃገር - ንሃገር: ህዝብን መርየትን እምበር

መተካእታ ወለዶታት፡ ኣበይ ይንበር

ዘይሕለል ጻዕሪ፡ መንፈሱ ከይስበር።

እቶም ፍሩያት፡ ናይ ታሪኽ በደላት

ልቦና ዓብይቲ፡ ክህበሉ ‘ዩ ፍተሓት

ምብልሓት ይዕሞቕ፡ ንናይ እዋኑ ግድላት።

ክብርን ዝኽርን ንበጃ ሰላምን ፍትሕን ዝወደቑ/ቓ ዜጋታትና ! ! !

Last modified on Monday, 25 May 2015 23:44