ግንቦት 24 ከም ንቡር ትብራህ ትጸምበል !

2015-05-24 05:20:37 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2539 times

ክብሮም ግረነ                 

24 ግንቦት 1991 መዓልቲ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ እያ ። ብፍላይ ከኣ ነቶም ምእንቲ እዚኣ መዓልቲ እዚኣ ልዑላዊትን ናይ ሓጎስን ክብሪን ክትከውን ህወቶም ዝኸፈሉ ካብ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ ዝኮኑ ተጋደልትን ህዝብን ምስጋና እነቅርበለ ፍሊይቲ ታሪኻዊት ዕለት ምዃና እዩ ። እምበኣር መዓልቲ ነጻነት ክነክብራን ክንጽንብላን እንግደድሉ ተረከብቲ ሓደራ ስለ ዝዀና ኢና።

            ህዝቢ ኤርትራ ንጸላኣቱ መኪቱ ዝኽፈል ህይወት ክፊሉ ዘምጸኣ ነጻነቱ ከምቲ ንቡርን ዝጸንሔን ክትጽንብል ይግባእ። እወ እቲ ክቡር ህይወት ዝተኸፍለሉ፡ ናጽነት፡ ብወልቀ መላኺ ስርዓትን መሳርሒኡ ህግደፍን ተጠሊሙ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት ፍትሕን ሰላምን ሞዕብልናን ተሓሪሙዎ ከምዘሎ ኩሉና እንፍልጦ ጉዳይ እዩ። ካብ ናጽነትን ክረብሑ፡ ክዕንገሉን ክሳሰዩን ዝግብኦም መንእሰያት ኣደዳ ኣስካሕካሒ ቅዝፈት ኰይኖም ኣለዉ። ሃገር ኣብ ቀጻሊ ምንቁልቋል ጸኒሓን ኣላን። ይኹን'ምበር እቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ወገን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ለውጢ ንኸረጋግጽ ይቃለስ ኣሎ። እቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ዝተወልዐ ሽግ ድማ፡ ህዝባዊ ሓርነት  ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይክቕህምን እዩ። መንእሰይ ሃገር ድማ ምስ ኩሉ'ቲ ዝገጥሞ ሽግራት፡ ንሓደጋታት  ስደት፡ ምድረባዳ፡ ባሕርን፡ ኢሰብኣዊ ተግባራትን እናተሳጥሐ፡ ጌና ይቃለስ ኣሎ።  ኣብ ዕላማኡ ጸኒዑ ዝቓለስ ከኣ ኣብ መወዳእታ ክዕወት ምኳኑ ክንጠራጠር የብልናን። ምስ እዚ  ሃገርና ኣትያቶ ዘላ  ደልሃመት ግን፡ መዓልቲ ነጻነት መደምደምታ ናይ ተደራራቢ መግዛእቲ ስለ ዝዀነት ፣ እዛ ታሪኻዊት ዕለት  ብዝዀነ ምኽንያት ክትድወን ወይ ክትጽልምት  ኣይግበእን ። ግፍዒታት ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ህዝብና ድሕሪ ነጻነት ብሕመቅ ህዝብን ሰራዊትን ዝተፈጥረ ተውህቦ እውን እዩ ። ቅዋም ክትግበር ንዘጠለቡ ጉጂለ 15 ክንድግፎም ኣይተራኣናን ።

            ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት፣ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ርእይቶ ክህብ ዘገደደኒ፣ ብገለ ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ብወገን ሰሜን ኣሜሪካ ፣ ንመዓልቲ ነጻነት ዝምልከት ኣብ ቶጎርባ ዝወጸ ጽሑፍ ዓገብ ንምባል እየ። ርእይቶይ ከኣ ከም ርእይቶ ተወሲዱ ክምዘን ተስፋ ይገበር። ኣብ ሓደ ዓመት 365 መዓልታት ክህሉዋ እንከሎዋ ፣ ህዝብና በብመዓልቱ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ግፍዒን ሞትን ኣብ ሓዘን ከምዘሎ ክንፈልጥ ይግባእ። ሓዘንን ሓጎስን ከኣ ተፈራሪቅን ኣብ ዕለታዊ ህወትና ዘለዋ ተርእዮታት እየን ። ስለ ዝዀነ መዓልቲ ሓጎስ ነታሓጎስ መዓልቲ ሓዘን ከኣ ንሕዘን። ባህልና ኣብ ጉዳይ ሓዘን ዝጸንሔ ርእሱ ዝኸኣለ ኣጋባብ ኣለዎ ። ኣበው ከምዝብሉዎ ”ዝሞተ ቅበር ናይ ዘሎ ግበር” ክብሃል እንከሎ፣ ምስ'ቲ ወሪዱና ዘሎ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት፡ ኣብ ሓዘንን ጓህን ክንነብር የብልናን ማለት እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ታሪክና ግን ክጽንበል እንተ ዘይከኣልና ዕሽነት ዘይኮነስ ገበን እውን እዩ ።

            ስለዚ ንምጽንባል 24 ግንቦት ዳስ ይሰራሕ፣ ሰቲ ይነስነስ፣ ስዋ ይጾሞቅ፣ ከበሮን እምብልታን ይቓላሕ፣ ሕዝብና ከኣ ይሳዕሲዕ ይደሰት። ምስኡ  ድማ፡ ንሓድሽ ቃልሲ ሓርነት ንተዓጠቕ፡ መዓልቲ ናጽነት ነቲ ክምህ ዘይብል፡ ኢርትራዊ ጅግነንት ምለስልና ንበላ። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ መድረክ ፣ ህግደፍ መሰል ህዝብና ስለ ዝገፈፈ፣ ልዑላውነትና ኣጥፊእና ስለዚኮንና ጎረቤት ሃገር ክትወረና “ብትብዓት ክንዕድማ ኣለና“ ዝብል መደረ ናይ ተስፋ ዝቆረጹ ኣብ እንሰምዓሉ ዘሎና ገዜ፣ መዓልቲ ነጻነት ከምዝጸንሔን ንቡርን  ክትጽንበል ኣለዋ። ህግደፍ ጥሊሙና መሰላትና ግሂሱ እምበር ልዑላውነትን ኣይጠፍአን፡ ብመሰረት ብህግደፍ ዝተዋህበ ልዑላውነት ስለ ዘይነበረ።  መልእኽትና ነቶም ህዝብና ነጻ ኮይኑ ክነበር ዘይተወሓጠሎም ትምክሕተኛታት ግሉጽ ክከውን ይግባእ ።  ኣብ ታሪክ ህዝባውን ብረታውን ቓልስና እተዘመሩ ዝተፈላለዪ ደርፍታትን መዛሙርን ስለ ዘለዉና ኣብ መዓልቲ ነጻነት ንጠቀመሎም።

            ዝከበርኩም ኣሕዋት ንሕና እቶም ተቓወምቲ / ድለይቲ ፍትሒ፣ እንብሃል ዘሎናዮ ኩነታት መዚና ክንሓዝን ዘሎና ንገዛእ ርእስና ኢና። እቶም ዝሓለፉ ኩሉ ካብኦም ዝድለ ከፊሎም ሓሊፎም ኣለዉ። እወ  ኣብዘን ዝሓለፈ 24 ዓመታት ካብ ብወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ሰረት ዝገበረ  ውደባ ተሰጊሩ፣ ኣብ ሓደ ዘተኣማምን ደረጃ ናይ ሓባር ጽላል ክንሰጋገር ኣይበቅዓናን ። ምክንያቱ ዝዀነ ወገን ብመንጽር ካልኦት ንነብሱ ኪኢላን ፈላጥን ስለ ዝወስድ ከኣ እዩ ። ስለዚ እዚ ጽቢብን ጉጂላውን ኣታሓሳስባ ንክስገር፣ ዝዀነ ካባና  ነብሱ ክፍትሽን ክምርምርን ኣሎዎ ። ወግሔ ጸብሔ ተወዲብካ ፋሕ ምባል ከብቀዓሉ ዝክእል ወልቀ ንቅሓት ክነጥሪ ክንበቅዕ ኣለና ።

            ኣብ መደምደምታ፡

            24 ግምቦት መዓልቲ ነጻነት እቲ ዝግብኣ ክብሪን ሞጎስን ይወሃባ! እቲ ምእንቲ ዝኽሪ ናይቶም ኣብ ፍቅዶ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ልብያን ዝጥሕሉ ዘለውን ብጉዳይ እምነቶም ዝተወፈዩ  ምዝካር ሰናይ ኣተሓሳስባ እዩ ። እንተዀነ  ካልእ መዓልቲ ብኣዋጅ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብ ከከባቢኡ ብሓባር ዝእከበሉን ዝሓዝነሉን ነቲ ሽግር ከኣ መፍቲሒ ዘናድየሉ መዓልቲ ይተኣወጅ ! እንደገና መዓልቲ ነጻነት ንናጽነት ትትሓዛእ።

ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !

ክብሮም ግረነ

5/15/2015

Last modified on Sunday, 24 May 2015 07:48