ህዝቢ ኤርትራ ንዝኽሪ ዕለተ ጽንብል ናጽነቱ ሕጂ’ውን ከም ወትሩ ንመበል 24 ግዜ የኽብራ እኖሆ

2015-05-24 05:22:02 Written by  ሃይለ ወልዱ: ሎንዶን። Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2108 times

ሃይለ ወልዱ: ሎንዶን

ፈጣሪ ንሃገርና ይባርኽ!

ዮሃና ንዝኽሪ በዓል ነጻነትና!

ብርግጽ እዛ ኣብ መስዋእቲ ደቃ ዝተተኽለት ናጽነት እዚኣ፡ ንዝንተ ዕለት ክብርትን ጥጥዕትን ምዃና ዘየተሓታትት ኮይኑ፡ እኖ ሕጂ’ውን፡ እቲ ነዚ ሓቃ’ዚ ንሓንቲ ህሞት’ውን ዘይዝንግዕ ህዝብና፡ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት’ውን ይንበር፡ ብሙሉእ ስምዒት ይዝክራን ይጽንብላን ኣሎ።

እወ! መንግስትን ሕጽረታቱን መናብርቲ እዮም፣ ብኣንጻሩ’ውን ህዝቢ ብቕዋሙ  ድርዒ ፍትሒ ተኣንጒቱ፡ ‘ኣይፋልካን። ዓገብ። ተመለስ ኣንታ ጉጉይ መንግስቲ።’ ንምባል ዕድል ክህሉዎ ኸሎ’ዩ እቲ ምቁር ምኾነን፡ ዘይረኸብናዮ ዘሎናን። እሞ ኣብ’ዚ ሕጂ እነብዕሎ ዘሎና ጽንብል መበል 24 ዓመት ናጽነትና፡ ንህዝብን ንመንግስትን ዘመዕራሪ ርትዓዊ ሚዛን ዘሎዎ ፍትሓዊ ቅዋም ክነብረና ዝግባእ’ኳ እንተነበረ፡ ዘይውሩድ ወሪዱና፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንህዝባዊ ቅዋምና ጸቒጡ፡ ንሱ ደስ ዝበሎ ጥራሕ ዝፍጽምን ዘፈጽምን፡ ንሕዝቢ ‘ደም ተሓጎም!’ ብምባል ብሓይሉን ብኢደ-ወነኑን ኣብ ስልጣን ተኾይጡን ማእሚኡዎን፡ ብምቕታልን ምእሳርን ምቕጥቃጥን ዝፍሳህ ህላላ ሕንጉጉ ኮይኑ’ዩ ዘሎ። ርግጽ ብርግጽ ብሓይልኻ ኣፈራሪሕካ ምግዛእ፡ ሰብን እዝግን ኣዕርዮም ከም ዝፈልጡዎ፡ ደጊም ስራሕ እንስሳታት እምበር ካን ጥዑይ ኣእምሮ ዘሎዎ ወዲ ሰብ ክፍጽሞ ዘይግባኦ ነውሪ’ዩ።

እምበኣርከስ እቲ ዝገርምን ግናይ ኮይኑ፡ ግናይ ዝሰርሕን’ውን፡ ነዚ ክቡር ጽምብል ናጽነት ኤርትራና ከንብዕል እንከሎና፡ እቶም ጽባሖም ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ምዕብልናን ሓቂን ጸንቂቖም ዝመንጠዉና ጀጋኑ ኣወዳትን፡ ኣዋልድን፡ ኣንስትን፡ ሰብኡትን፡ ህጻውንትን ኣረጋውያንን፡ እንዝክረሉ ዕለት ምዃኑ’ውን ዝይተርፍዩ’ሞ፡ ንወዮ ዝበሃጉዎን ዝወደቑሉን ዕላማ ኣበይኮን በጺሑ’ሎ? ክንዕቅን መብጽዓን ሓልፍነትናን’ዩ። እወ! ሃገርና ሃብቲማን ማዕሪጋን ወቂባን፡ ደቃ ሓይባን ከቢራን ምርኣይ’ዩ እቲ ኩላህና እንሰማምዓሉ ደበስ መስዋእቲ። ከምቲ “ሽሮ ጠስሚ እንተወረሮ፡ ጠዓመ!” ዝበሃል፡ ነዚ ሓቅታት’ዚን ካልእን እንዳዘከርና፡ ኮቦሮታትና ከነልዕለሉን ኣፍልብና እንዳህረምና ክንዘለሉን ክንጭፍረሉን፡ ፈንጠዝያ ዝመልኦ ሓጎስ ክኸውንን ክሳብ ክንደይ ኮን ምምቀረ ነይሩ? ክንድ’ምንታይ ዝኸውን እፎይታ መስዋእቲ ምፈጠረ። ህዝብና ሓቢሩን ተጠሚሩን መተንፈሰ፡ ምረግአ፡ ብእፎይታ መመስገን፡ ማዳኡ’ውን ምደምሰሰ። ግን ሕጂ እንታይ ክገብር ተደልዩ። ደቁ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታትን፡ ፈቐዶ ጎዳጉድን መሽጎራጉርን ንሓደጋ ተሳጢሖም ክሕረዱን ክጉዘዩን፡ ቀለብ ኣሞራ ኮይኖም ተዛሕዚሖም እንዳሃለዉ፡ ሓጎሰ-ፈንጠዝያኡ ብማዕረዚ ቅዝሕዝሕ ክብልን ከደብዝዝን ግድን’ዩ። እዚ እንዳኾነ እቲ ክኸውን ዘይግባኦ ሓቂ፡ እንርእዮን እንምስክሮን ከምዘሎና ግን፡ እቲ ገለን እኳ ደኣ ፍርቁ ልቡን፡ ‘እንዳቦይ ክስቶ ደስ ከይብሎም!’ ካብ ዝብል ዝምቡዕ ሓሳብ ኣብ ዝትከል ዘሎ ጓይላታት ንረኣዩለይ ከውጃሕጅሕን፡ እቲ ገሊኡ’ውን ዘይከውን ኮይኑዎ፡ እሱ’ውን ፍርቂ ልቡ ሓድነት ህዝቡ ተቖራሪጹን ለሚሱን ከምዘሎ ብምስትውዓል፡ ተፈልዩ ከስተማስልን ከስቆርቁርን፡ ብማዕዶ እንዳተቛመተ፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ክቡር ህዝባዊ ጽምብል’ዚ ዘማዕርግ፡ ሓዘንን ሓጎስን ተፈራሪቑዎ ተፈልዩ ክውዕል፡ ብርግጽ ድፍረት ንመስዋእትና’ዩ። ኣይግድን’ውን።

ይኣክኽለና ኣሕዋትን ኣሓትን። ተስፋ እገብር’ውን ዝመጽእ ዘሎ ጽምብል 25 ዓመት ናጽነትና ሃገርናን ህዝብናን እዚ ንነዊሕ ዓመታት ጸሚኡዎ ዘሎ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ክብሪ፡ መሰል፡ ምዕባለ፡ ዕብየት እንተገደደ-ገደደ ኣብ ኣፋፈት ቤቱ ተነጺፉ ክንርእዮ።

ብምድጋም ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!                   

24 ሰነ 2015          

Last modified on Sunday, 24 May 2015 07:26