ንጥፍአት ብጽንዓት

2015-05-29 19:18:14 Written by  ሰሎሙን ገብረእየሱስ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2855 times

Solomon Assefawህግደፋውያን ነዛ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት ንልምዓት ብጽንዓት ዝብል ቴማ እዮም አጠሚቖማ። ካብኡ ተበጊሰ እየ ነዛ ንጥፍአት ብጽንዓት እትብል አርእስቲ ዝሓዘት ምላሽ ክጽሕፍ ዝተገደድኩ። እዛ ንጥፍአት ብጽንዓት እትብል አርእስቲ ነዛ ኩልና ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ጸግዕናን ራኢናን ብዘየገድስ ኢደይ ኢድካ ኢልና አብ ህልኽን ቅርሕንትን ጸኒዕና እነጥፍአ ዘለና ሃገር ይውሕዳ እዩ ዝብል ስክፍታ የብለይን። መቸም ህግደፍ ከም ስሙን ከም ጭርሑኡን እንተዝኸውን እዛ ዘኽታም ሃገርና አብቶም ዝሓለፉ ናይ ሕልሚ 24 ዓመታት ንሲንጋፖር አርኪባ ሓሊፋታስ ሕጂ ናብ ጃፓን ወይ አሜሪካ ገጽና ንመጣጠር ምስ ሃለና። የግዳስ እዚ ዓመት መጸ መዓልቲ ናጽነት አተወት ተባሂሉ መሰንይታ ዳንኬራን ፈንጠዝያን ዝጋዋሕ ጓንጓ ጭርሖ መሽረፊ ተሳኢንዎ ይርከብ። አየናይ ልምዓት ኮን ይኸውን? ኤርትራ እንታይ ኢያ ናብ ሰደድ እተቕርብ? ደሞዝ ሓደ መምህር፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ወተሃደር፡ ሃገራዊ አገልግሎት፡ ሓኪም፡ ክንደይ እዩ? እንታይ ዝተሃንጸ ፋብሪካ አሎ? ዋጋ ኮሚደረ ሽጉርትን እኽልን ክንደይ በጺሑ? ክራይ ገዛ ብመንጽር ደሞዝ ሰራሕተኛ አብ ከመይ ኩነትት ይርከብ? ኩነታት ህዝባዊ መሳለጥያ ማለት ሕክምና ትምህርቲ አብ ከመይ ደረጃ ይርከብ? ትሕተ ቅርጺ፡ ቀረብ ዝስተይ ማይ፡ ሓይሊ ጸዓት፡ አገልግሎት ቴለፎን፡ ኢንተርኔት ንምዃኑ አሎዶ? ዝብሉ ሕቶታት ምስ እተቕርብ ህግደፋውያን ክንዮ እታ ትርጉማ ብጉቡእ ዘይርድእዋ ጭርሖ ዝኸይድ መልሲ የብሎምን።

ህዝብና አብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ጥምየት አብ ዘመን ህግደፍ ይርእዮ አሎ። አዴታት ኤርትራ ብርቢዒት ሓሩጭ ስድራ አቑሪሰን፡ አምሲሔን ዘድርራ ሕጂ ካብ ክቱር ስእነት ሰብ ከይርእየን ገጸን ብነጸላ ተጎልቢበን አብ ፍቖዶ ጎደናታት ይልምና አለዋ። አብ ስደት ደቃ ዘዋፈረት እንተዘይኮይና፡ ካብ ደገ ሓገዝ ዘይትረክብ ስድራ ብጥምየት ትረግፍ አላ። እዚ እኳ ሳላ እቲ ለዋህ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና፤ ዘለዎ ሰብ ነቲ ዘይብሉ አመቱ ስለ ዝገብር እምበር አብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን ዓጸቦን ብቓላት ዝግለጽ አይኮነን። አብ ባህልና ዘይነበረ ዝምውና ንቡር ኮይኑ ደቂ አንስትዮ ኤርትራ አብ ዝምውና ተዋፊረን ደቀን ወይ ስድርኤን የዕንግላ አለዋ። ኤርትራ ወደባታ ጸምዩ ገማግም ባሕራ መጉሓፊ መርዛም ኬሚካላት ኒኩሌር ምዕራባውያን ሃገራት፡ ዩኒቨርስቲ ኮነ ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር አብ ዓለምና፡ እቲ ዝበዝሓ ስደተኛ እተፋኑ ሃገር ምኻና ብመዛግብትን ሰነዳትን ጉዳይ ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ እትፍለጥ፡ ዓመታዊ ባጀት ኮነ ሕጋዊ ባይቶን ካቢነ ሚኒስተራት ዘይብላ፡ ዓሰርተ አባይቲ ሃኒጹ አማኢት አባይቲ ብዘፍርስ መላኺ እትመሓደር ሃገር፡ ካብ ሞባእ ቤተክርስትያን ንፍርቂ ዝምቀል መንግስቲ ሒዝካ፡ ብብልሽውና ስልጣንን ጉቦን ዝተመራስሐት ሃገር እምበአር ትለምዕ አላ እያ። እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ጉቡእ ቴማና ንልምዓት ብጽንዓት ወይስ ንጥፍአት ብጽንዓት መልሱ ንለባማት ይሓድጎ።

ሓደ ተደናጋጺ ህግደፍ አብ ሓደ እዋን ኤርትራ ንማላርያ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተቖጻጺራቶ በለኒ ካብኡስ ሰበር ዜና ዘምጽአለይ ኮይኑ እንዳተሰምዖ። ግብሩን ወሬኡን ቅጭ ስለ ዘምጽአለይ ግልብጥ ኢለ ኣንታ በሃም ኤርትራ ዘይኮነት ንማላርያ ወይ ዓሶ አጥፊአቶስ እቶም ጣንጡ እዮም ንኤርትራ ምድራዊት ሲኦል ኢሎም ገዲፎማ ወጺኦም በልክዎ ብዘይ ልበይ።

ኤህ ይብላ በዓል ዓባየይ፡ መራሕቲ ህግደፍን እዞም ምስ ሓራዲኦም ማይ ዝሰትዩ ካብ ከብትን ላምን ፈሊኻ ዘይረአዩ ደገፍቶምንሲ አብ አላትኩም። አንታ ክንደይ ትዕሽው እቶም ስውአት እኮ አቦታትኩም፡ አዴታትኩም፡ አሓዋትኩም፡ አሓትኩምን ደቅኹምን ምዃኖም ካን ዘንጊዕኩሞ። ብውሽጥኹም እኮ ሕርር ኩምትር ከም እትብሉ ናይ አደባባይ ሚስጥር እዩ። መርድእ ሲናይን ሊብያን መዲተራንያንን እኮ ብመስኮትኩም ተመንይዎስ ብማዕጾኹም ካብ ዝአትው እኮ ዓመታት ኮይኑ። እቲ ብጽፍሪ እግርኹም ዝጀመረ ኢሰያስ ቆርጢሙ ሓይኹኩምሲ አብ ጸጉሪ ርእስኹም ምብጽሑ መዓስ ዘንጊዕኩሞ። ምስ ናትና ዝበልኩሞ እትዛረብዎ እኮ መዓስ ዘይንፈልጦ ኮይና። ስጋብ መዓስ ኢኹም በዓል እገለ ከይሕጎሱ እዞም ተቓወምቲ ባህ ከይብሎም ኢልኩም አብ ናይ ህልኽ (አላፋቻ) ዳንኬራ ክትዘሉ። አዚኹም ኢኩም ተሕዝኑ በዓል ጸበብቲ ርእሲ አክንዲ ናበይ እዩ አንፈትና ንምንታይ ሃገርናን ህዝብናን ዘይነድሕን እትብሉስ ንዓማጺ ንበረልና ምባል ይሓይሽ? አንታ ቁሩብ እባ ልቢ ግበሩ ሃገር ስውእ እያ እኮ ትጠፍእ ዘላ።

እቲ ዘገርም እቶም ብባርባራዊ ግፍዒ ምሕደራ ህግደፍ ሃገር ገዲፎም ምስ ወጹ በደዊን እውን ተቐቢሎም አብ ሲናይ ተጋሲሶም ናብ እስራኤል ዘፋነውኹም ሕጂ አብ ዳስ ህግደፍ ክትዘሉን ክትጭድሩን ምስ ምንታይ ይቑጸር። በዓል ናጽነት ብጓይላን ፈንጠዝያን ምጽምባሉ ዘይኮነስ አብ ዳስ ህግደፍ ከይድካ ትፋእካ ምልማጽ እንታይ መግለጺ ክወሃቦ ይከአል። አነ ከምዝመስለኒ እቶም ብኩርማጅ ዝጀለጥኹም፡ ጀሪካን አንዲዶም ብርሱን ጎማ ዝለብለብኹም፡ ንኽትአምኖ ብዘጸግም ሰብአዊ ክብርኹም ዝደፈርኹም በደዊን እውን ተመሳሳሊ ናይ ለይታዊ ትልሂት መደብ እንድሕር አዳልዮም አብኡ ከይድኩም እስክትሽም ከም እትብሉ ምንም ጥርጥር የብሉን። አንታ ጉድ ተረኺቡ እዛ ሃገር ጎይታ ከይሓበረና ደአ አብ ምጽአተ አትያ ከይትኸውን። ከብዲ አደ ጉራሙራ ከምዝበልዎ፤ ንእግረ መንገደይ ነቶም አደ መርሃዊት እንዳሓዘነትን እንዳቖዘመትን ሃገርና መጻወቲ መላኽን ጭፍርኡን ኮይና እንዳረአና ዳንኬራን ፈንጠዝያን አየምሕረልናን ዝበሉ ሰብ ሕድሪ ደቂ ኤረ አብ እስራኤል ከምኡ’ውን መንእሰያት ዓዲ ጥልያንን ነዛ ክብርቲ ዕለት ብፍሉይን ትርጉም ብዝህብን አገባብ ምጽምባሎም አገናዕ ዓጽምኹም ትኽበር ክበሃሉ ይግባእ።

እንተ እቶም ቀይሐ መይሕን ቀጠልያን ተኸዲንኩም አብ ፍቖዱኡ ጓይላ ህግደፍ ክትዘሉን ክትዕንድሩን ዝረአናኩም ካብ ንሕድሪ ስውእን ንህዝብኹምን እተፍቅሩ ምስ ደማሒ ህዝብኹም ኢሰያስን ምስ ውልቃዊ ዓሽከራቱ ሰራዊት ደምሒትን ዝወገንኩም ከምቲ ህብብቲ ገጣሚት ሩማና ብርሃኑ ዝበለቶ ድሕሪ ነዊሕ ጸልማት ብርሃን ከም ዘሎ አይትረስዑ። ሕጉሳት ንኸተምስሉ አብ ዳስ ህግደፍ እንተሳዕሳዕኩም፤ ናብ ኤርትራ ክትዛወሩ ከይድኩም ስጋብ እትወጹ እግርኹም መሊእኩም ከምዘይትረግጹን፤ ብፍርሂ እትሹቕረሩዎን እትከላበትዎን ካብ ማንም ዝተከወለ አይኮነን በዓል ውሹጦም ሑሩራት። ሓንቲ መዓልቲ ክትወግሕ ምዃና አይትረስዑ። ይንዋሕ ይሕጸር እዚ ንሃገርና ጋሪዱዋ ዘሎ ጸልማት ክቕንጠጥ እዩ። (ይቕጽል)

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ - ካሊፎርንያ    

Last modified on Friday, 29 May 2015 21:27