ጉቦን ምጥፍፋእን ናይ መወዳእታ ሕላገት ጉጂለ ህግደፍ

2015-05-30 07:07:30 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2337 times

                                

          ኣብ 24 ግንቦት ብዓል ነጻነት ካብቲ ኩሉ ሃለውለው መደረ መራሒ እቲ ስርዓት ኣቓልቦ ናይቶም ኣሳሰይቱ መርበባት ዝሰሓበት እታ ጉቦን ምጥፍፋእን ኣብ ውሽጢ ስርዓቱ ሳዕሪሩ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ምሃቡ ፣ ከም ሓዲሽ ነገር ዝተረክበ ኣምሲሎም ንጉቦን ምጥፍፋእ ክቓለሱ ገያሾ ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ጉቦ ከይህቡ  መብጸዓ ክኣትወሎም ምጽውዖም ፖለቲካዊ ድኽነቶም ዘረጋግጽ ጉዳይ እዩ ።

           ጉቦን ምጥፍፋእን መሰረቱ ወይ ምንጩ  መንግስቲ ንሰርሓተኛታቱ ምስ ቁጠባዊ መነባብሮ ናይቲ ሃገር ኣብ ግምት  ዘይኣእተወ ትሑት ዶምዝ ስለ ዝከፍሎም ኮይኑ  ፣ ነቲ ዝተርፎም ሃጓፍ ክመልኡ ናብ ዘይተደልየ ጉቦን ምጥፍፋእን ከኣ ይኣትዉ ።ጉቦን ምጥፍፋእን (Corruption )ማለት ንህዝባዊ ትካል ናብ ውልቓዊ ረብሓኻ ምውዓል እዩ ። ብካሊእ ኣዛራርባ መንግስታዊ ሓላፍነትካ ብምጥቓም ዘይሕጋዊ ክፍሊት ክትረክብ ተጽዕኖን ጽልዋን እናተጠቀምኻ ካልኦት ከክረክብዎ ዘይከኣሉ ረብሓታት ምክዕባት እዩ። ጉቦን ምጥፍፋእን ኣብ ኩለን ሃገራት ዝዝውተር ኮይኑ ፣ ብዝያዳ ግን ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ሳዕሪሩ ይርኸብ ። ኣብ ኤርትራ ብልሽውና መሰረቱ ህግደፍ ዝፈጠሮ ስራሕ ኣልቦነት እዩ።

ሓሙሽተ  ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ሓደ ናይቲ ስርዓት ማእከላይ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ ፣ ብዛዕባ ኩነታት ቁጠባን ዶሞዝ ሰርሓተኛታት ክዘረብ እንከሎ እዚ ዝስዒብ ክብል ይዝክረኒ “ ኣነ ካብ ወለደይ እኩል ሓገዝ ይረክብ እየ ፣ እንተኮነ እቲ ዝወሃበኒ ዶሞዝ ነትን ንመነባብሮይ ኣገደስቲ ዝብለን ነገራት ከይገዛእኩ ይውዳኣኒ ። ነተን ዝተረፈኒ ነገራት ከማሊእ ከኣ ኣብ ልቓሕ ይኣቱ ይብል ። ቀጺሉ እቲ ብዝያዳ ዝገርመኒ እቶም መሳርሕተይ በዘን ዝወሃብኦም ዶሞዝ ክራይ ገዛን ቀለብን ክዳንን ወዘተ ከመይ ገይሮም ከም ዝሓልፍዎ ክርድኣኒ ኣይክእልን “ይብል። እዚ ሰብ እዚ ዘለቂሕ ስለ ዝረኸበ ይልቓሕ ኣሎ ። እቶም ዘለቆሖም ዘይብሎም ከኣ ካብቶም ጉዳያቶም ከሳልጡ ዝመጹ ዜጋታት ክሳብ እተን መመላእታ ዝረክቡ ነቶም ስብ ጉዳይ ሎሚ ጽባሕ እናበሉ ከመላልስዎም ይርኣዩ።ኩሉ ሰርሓተኛ መንግስቲ Civil Servants ብጉቦ ይናበሩ ምባል ፍትሓዊ ኣይኮነን ፣ እንተኮነ ምስቲ ክብሪ ቀረብን ክራይ ገዛውትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዶሞዝ ሰርሓተኛታት ክሽፍኖ ዘይሕሰብ እዩ።  

ዝከበርኩም ተኸታተልቲ እዚ መርበብ እዚ ዝገለጽኩዎ ናይ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ከክውን እንከሎ ፣ ሕጂ ከኣ  ሓደ ወርሒ ይገበር ኤርትራ በጺሑ ዝተመልሰ ተደናጋጺ ምስቲ ሰርዓት ዝኮነ ዜጋ ስልኪ ደዊሉ ዘላምታ ድሕሪ ምልውዋጥና ፣ኣብ ኤርትራ ዝረኣዮ ኩነታት ህዝብና ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝሓዘነ ይገልጽ ። ቀጺሉ እታ ዝረኣኩዋ እታ ዝፈልጣ ኣስመራ ኣይኮነትን ይብል ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቅርጻን ልዕሊ ቅርጻን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ንጎኒ ገዲፍካ ይብል ፣ ዘይንቡር ዝኮነ  ተርእዮ ኣዳታትን ኣባታትን ቆልዑን ኣብ ምልማን ተዋፊሮም ክርእ እንከሎኩ ጉህየን ሓዚነን ይብል ።

እምበኣር ፍታሕ ናይዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፣ ስራሕ ኣልቦነት ዝፈጠሮ ዝሕዝን ድኽነት፣ ዶሞዝ ሰርሓተኛታት ምውሳኽ ዘይኮነ እቲ መራሕ ጉጂለን መሻርክቱን  ካብ ሱሮም ክምሓዉ ኣሎዎም ። ምክንያቱ ሕጊ ዘይብሉ መግስቲ ስለ ዝኮነ ፣ ክትቓለሰሉ እትክእል ቅዋማዊ ሰረተ-ባይታ የለን ። ጉጂለ ህግደፍ  ሕሰምን ድክነትን ኣብ ልዕሊ ህዝብ ኤርትራ ክርኢ ድስ ዝብሎ ዲያፕሎሳዊ ስርዓት እዩ ።ንኤርትራውያን ሓረስቶት እቲ ልሙዕ መሬቶም ከይሓርሱ ከልኪሉ መፍረይ እንስሳታት በረኻ ክገብሮ ኣዊጁ ። ኤርትራውያን ሃብታማት ርእሰ-ማሎም ኣብ ኤርትራ ከዋፍሩ ዝጀመሩ ዝወረስ ወሪሱ ዝቅተል ከኣ ቀቲሉ ። ከምኡ እውን ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ዕብየት ሃገሮም ክሳተፉ ዝመጹ ዲሂሉን ኣባሪሩን ። ፍትሕን ሕግን ኣብ ዘይብላ ዓዲ ከኣ ናይ ወጻእተኛታት ወፍሪ ዘይሕሰብ እዩ። ካብ ኩሉ ጉጂለ ህግደፍ ኣብተን መሰረታውያን ዝኮና ጸላታት ጥዕናን ጸዓትን ትምህርትን ማይን ቀረብ ስለ ዝፈሸለ ካብ ስልጣን ክውገደሉ ዝክእል ወተሃደራዊ/ ህዝባዊ /ዲሞክራሲያዊ  ዓመጽ ሰዓቱ ኣኪሉ እዩ ።

          ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር ብልሽውና Corruption ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተረፍ ኣይኮነን ። ዘይሞራላዊ ስነ ምግባር እውን Corruption ኣዩ ።ስለዚ ኣብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ባህላውን ህወት ህዝብና በቲ ሰርዓት እኩል ሃስያ ኣመዝጊቡ እዩ ። እዚ ኩሉ በሰላታት ኣብ ሓጺር እዋን ክሓዊ እንተኮይኑ ምትእምማን ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክምዝገብ ኣለዎ ።

          ክብሮም ግረነት

Last modified on Saturday, 30 May 2015 09:09