ጋዜጣዊ መግለጺ: ቁጽሪ 1

2015-06-01 20:54:44 Written by  ባይቶ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን: Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1921 times

ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን:

ብ16 ጉንቦት 2015 ኣብ ከተማ ኦታዋ ተጋቢእና በዚ ዝስዕብ እማመ ደምዲምና:-

ስም ህዝባዊ መጋባእያ:- ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦዋን ከባቢኣን

መበገስን ዕላማን ባይቶ:-

1. ህዝብና ኣደዳ ጃምላዊ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን እንዳሃለቐ ትም ኢልና ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሕልናና ስለዝወቐሰና:

2. ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ-ክስን ብዘይ-ፍርድን ብዘይ-ሰብኣዊ ኣታሓሕዛን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይሳቐን ይበልን ምህላው ኣዚዩ ስለዘቖጣዓና:

3. ሃገርና ኣብ ከበድቲ ልውላዋት(ናይ-ፍትሒ ናይ-ቁጠባ ናይ-ጸጥታ ናይ-ሞራል ናይ-ዲፕሎማሲ… )ተሸኪላ ትሰሓግ ብምህላዋ ኣዝዩ ስለዘሻቐለና:

4. ብመወዳእታ ዘይብሉዕስክርናሳዕቤናቱን ዝተሰብረት ኤርትራዊት ስድራቤትን ኣዝዩ ስለዘተሓሳሰበናን ካልኦት ሃገራዊ ዛዕባታት ኣልዒልና ብምዝታይ ፍታሕ ኣብምንዳይ ኣበርኩቶና ከነወፊ ተበጊስና ኣለና::

ዋላኳኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክንሳተፍ ካብ ማንም ፍቓድ ዘይንሓተሉ ግቡናን መሰልናን እንተኮነ- ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ካብቶም ንሃገርና ዝውጡሩ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ ተባራዕን ተኣፋፍን ጥርዚ ስለዝበጽሑ ተሳትፎና ኣዝዩ ወሳኒ ምኻኑ ከነዛኻኽር ንግደድ::

ባይቶ ኦታዋ በብእዋኑ ስሩዕ ኣኼባታት እንዳጸወዐ ውሳነታቱ ብኣዋጅ ንኩሉ ዝምልከቶ ከፍልጥ እዩ:: ንኹሉ ኤርትራዊ ተቀማጣይ አብ ኦታዋን ከባቢኣን ተርኡ ክጻወት ብዕሊ ንጽውዕ::

በዚ ኣጋጣሚዚ:-

                 ሀ. ንኩለን ከተማታት ካናዳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ንጽውዕ:

                 ለ. ንተቐማጦ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮፓን ኣወስትራሊያን ኤርትራዊያን ተመሳሳሊ

                     ተበግሶ ክወስዱ ነተባብዕ:

                 ሐ. ነተን ድሮ ቆይመን ዘለዋ መጋባእያታት ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ትኩር ልሲ ክነጥፋ ንዕድም:

   ህዝብና ሰብኣዊ ክብሩ ተቀንጢጡ ናብ ግኡዝ ተቀይሩ መዛረቢ ካልኦት ኣህዛብን ሃገራትን ኮይኑ ከብቅዕ ንሕና እቶም ቀንዲ ኣካሉን ተምሳሉን ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሰብውን ኣየቁጽረናን እዩ::

ኤርትራዊ ተስእ ተለዓል!! ቅድም-ቀዳድምሃገርካ ኣብ ዝግኣተ-ሕጊ ሰርታ!!

ይኣክል! ይኣክል !! ይኣክል !!!

ለውጢ መዓስ? ሕጂ !!!

ለውጢ ብመን? ብኣይ !!!

ባይቶ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን:

Last modified on Monday, 01 June 2015 22:56