ጋዜጣዊ መግለጺ: ቁጽሪ 1
2015-06-01 20:54:44 Written by ባይቶ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን: Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1921 timesባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን:
ብ16 ጉንቦት 2015 ኣብ ከተማ ኦታዋ ተጋቢእና በዚ ዝስዕብ እማመ ደምዲምና:-
ስም ህዝባዊ መጋባእያ:- ባይቶ ተራ ኤርትራዊያን ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን
መበገስን ዕላማን ባይቶ:-
1. ህዝብና ኣደዳ ጃምላዊ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን እንዳሃለቐ ትም ኢልና ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሕልናና ስለዝወቐሰና:
2. ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ-ክስን ብዘይ-ፍርድን ብዘይ-ሰብኣዊ ኣታሓሕዛን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይሳቐን ይበልን ምህላው ኣዚዩ ስለዘቖጣዓና:
3. ሃገርና ኣብ ከበድቲ ቅልውላዋት(ናይ-ፍትሒ ናይ-ቁጠባ ናይ-ጸጥታ ናይ-ሞራል ናይ-ዲፕሎማሲ… )ተሸኪላ ትሰሓግ ብምህላዋ ኣዝዩ ስለዘሻቐለና:
4. ብመወዳእታ ዘይብሉዕስክርናንሳዕቤናቱን ዝተሰብረት ኤርትራዊት ስድራቤትን ኣዝዩ ስለዘተሓሳሰበናን ካልኦት ሃገራዊ ዛዕባታት ኣልዒልና ብምዝታይ ፍታሕ ኣብምንዳይ ኣበርኩቶና ከነወፊ ተበጊስና ኣለና::
ዋላኳኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ክንሳተፍ ካብ ማንም ፍቓድ ዘይንሓተሉ ግቡእናን መሰልናን እንተኮነ- ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገለ ካብቶም ንሃገርና ዝውጡሩ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ ተባራዕን ተኣፋፍን ጥርዚ ስለዝበጽሑ ተሳትፎና ኣዝዩ ወሳኒ ምኻኑ ከነዛኻኽር ንግደድ::
ባይቶ ኦታዋ በብእዋኑ ስሩዕ ኣኼባታት እንዳጸወዐ ውሳነታቱ ብኣዋጅ ንኩሉ ዝምልከቶ ከፍልጥ እዩ:: ንኹሉ ኤርትራዊ ተቀማጣይ አብ ኦታዋን ከባቢኣን ተርኡ ክጻወት ብዕሊ ንጽውዕ::
በዚ ኣጋጣሚዚ:-
ሀ. ንኩለን ከተማታት ካናዳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ንጽውዕ:
ለ. ንተቐማጦ ከተማታት ኣሜሪካን ኤውሮፓን ኣወስትራሊያን ኤርትራዊያን ተመሳሳሊ
ተበግሶ ክወስዱ ነተባብዕ:
ሐ. ነተን ድሮ ቆይመን ዘለዋ መጋባእያታት ከተማታት ኣሜሪካ ኣብ ትኩር ቃልሲ ክነጥፋ ንዕድም:
ህዝብና ሰብኣዊ ክብሩ ተቀንጢጡ ናብ ግኡዝ ተቀይሩ መዛረቢ ካልኦት ኣህዛብን ሃገራትን ኮይኑ ከብቅዕ ንሕና እቶም ቀንዲ ኣካሉን ተምሳሉን ኣማዕዲና ክንዕዘብ ሰብውን ኣየቁጽረናን እዩ::
ኤርትራዊ ተስእ ተለዓል!! ቅድም-ቀዳድምሃገርካ ኣብ ዝግኣተ-ሕጊ ሰርታ!!
ይኣክል! ይኣክል !! ይኣክል !!!
ለውጢ መዓስ? ሕጂ !!!
ለውጢ ብመን? ብኣይ !!!
ባይቶ ተራ ኤርትራዊ ኣብ ኦታዋን ከባቢኣን: