ናጽነት ምምጻእን ሃገር ምህናጽን በበይኑ’ዩ

2015-05-27 05:45:58 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2409 times

ኤርትራ ብሳላ ቅሩብነትን መስዋእትነትን ህዝባ ናጻ ዝወጸትሉ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት ክንዝክር ቀኒና። ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ምኽንያት ብምግባር ኩሉ ኤርትራዊ በብዓቕሙ፡ በቲ ሓደ ወገን ንናጽነትን ኣብ ምምጸኣ ንዝተኸፍለ ረዚን መስዋእትነትን ዘለዎ ክብሪ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዘይምሉእነት ናይቲ ናጻነት ዝሓደሮ ሻቕሎት ንምጽብራቕ፡ በብዓቕሙ ክገጥም፡ ከዝይም፡ ክጽሕፍ፡ ክስእልን ክምድርን ከም ዝቐነየ ዜናዊ መድረኻትና ዝምስክረኦ እዩ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ብናጽነትን ኣመጻጸኣኣን እንዳተሓበነ፡ ብሓፈሻ በቲ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ኣደራዕ፡ ብፍላይ ድማ በቶም ኣብ ባሕርታትን ምድረበዳታትን በብግዜ ዝሃለቑ ደቁ ልቡ ብሓዘን ብምስትንታን እምበር፡ ሓጐሱ ብጓይላን ዝላን ክገልጽ ሕልናኡ ኣይፈቐደሉን። ኣብ ክንድኡ “ሕጂኸ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ ዝሕግዞ ዘተን ልዝብልን እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣይግዳዱ ጉጅለ ህግደፍን ደገፍቱን ግና ነቲ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ ተኸዚኑ ዘሎ ሬሳታት ኤርትራውያን ኣቐሚጦም፡ ናቶም ኣዳኸርቲ ውሒዶስ ናይ ካልኦት ሓገዝ ወሲኾም ከዳኽሩ ከም ዝቐነዩ ተዓዚብናዮ ኣለና። ህግደፍ ጽጉምት ወገናት ንዝሕግዙ ዘይመግስታዊ ትካላት ይሰጉግ ተለሃይቲ ድማ ይዕድም።

ምምጻእ ናጻነት ኤርትራ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ምዕራፍ እምበር ናይቲ ናጻነት ብሂጉ ዘምጸአ ህዝቢ ምሉእ ራህዋ ዘረጋግጽ ከም ዘይኮነ ንምምስኻር ኣብ ናይ ካልኦት ተመኩሮ ከይከድና ናትና ጉዕዞ ቃልሲ መስካሪ እዩ። ንካለኦት ወገናት እንድዒ፡ እዚ ጉዳይዚ ንተጋድሎ ሕርነት ኤርትራ ግና ብሩህ ከም ዝነበረ እቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝብል መሳጢ ናይ ሽዑ መዝሙር ምዝካር ጥራይ እኹል ይመስለኒ። ገለገለ ወገናት ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መስርሕ ምምጻእ ናጻነት ጥራይ እንዳጉልሑ፡ ነቲ ዝዓበየ ክፋል ቃልሲ ምህናጽ ሃገር ጓስየምዎ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ናይ ሎሚ ተግባሮምን ህልዊ ኩነታት ኤርትራን እኹል መርተዖታት እዮም። ህዝብና ምምጻእ ናጽነት ጥራይ መሰረታዊ ሓርነት ንምርግጋጽ እኹል ከምዘይኮነ ብግቡእ ተረዲኡ ዘይምጽንሑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሃገር ክብሕትን ህዝቢ ንክጠልምን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርሉ እዩ። ከምኡ እንተዘይገብር ግና ከቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላም እንዳደለየ ናብ ውግእ፡ ዕቤት እንዳደለየ ናብ ድኽነት፡ ስምምዕን ጽቡቕ ዝምድናን እንዳደለየ ናብ ጽልእን ተነጽሎን፡ ዓዱ እንዳፈተወ ናብ ስደትን ውርደትን፡ ትምህርቲ እንዳደለየ ናብ ግዱድ ውትህድርና ኮታ ራህዋን ቅሳነትን እንዳደለየ ናብ ጨንቅን ሻቕሎትን ክነቑትዎ እንከለዉ ስቕ ኢሉ ኣይመረኣዮም።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ እንግደዓ ህዝብና እዚ ዘይብሃል ኣደራዕን በደልን ንምጽዓን ካብ ዘቕርቦም ምኽንያታት ሓደ “ንኤርትራ ናጽነት ዘምጻእኩላ ኣነ ስለ ዝኾንኩ በቲ ዝመረጽኩዎ መንገዲ ከኳድዳ እየ” ዝብል ትዕቢትን ስሰዐን ምዃኑ ንሕና እንርደኦ ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ። ሎሚ ብቋንቋ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ደረጃ ዜጋ ክትበሃልን ይሕመቕ ይጸብቕ ካብ’ቲ ጸጋታት ናይቲ ጉጅለ ተኻፋሊ ክትከውንን ካብ ዝቐርቡ መዕቀንታት ሓደ “ተጋዲሉ ድዩ ወይስ ሲቪል’ዩ?” ዝብል ሕቶ ምሕታት ዝተለመደ እዩ። እዚ ብንጹር ናይቲ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ክሒዱ “ናጻነት ዘምጻእኩ ኣነ እየ” ዝብል ጉጅለ ጓንጓ ትዕቢት ክሳብ ክንደይ ሰማይ ዓሪጉ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ማለት ኤርትራውነት ንታሕቲ ምስቲ ጉጅለ ተሰሊፉ ዝተጋደለ ድማ ብላዕሊ ዝቕመጥሉ ግምጥሊሽ ትዕዘብ ማለት እዩ። እዚ ግምጥልሽ ኣረዳደኣ ናይቲ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ጥቕሉል ኣተሓሳስባ ዝገልጽ እምበር ንኹሉ ምስቲ ጉጅለ ተጋዲሉ ኣብ መስርሕ ምምጻእ ናጻነት ዋጋ ዝኸፈለ ኤርትራዊ ዝምልከት ትምክሕቲ ከም ዘይኮነ ክዝንጋዕ የብሉን። ምስቲ ጉጅለ ተሰሊፉ ናጻነት ኣብ ምምጻእ ክቡር ዋጋ ዘበርከተ ክነሱ ሎሚ ግዳይ ናይቲ ትዕቢት ዝኾነ ኤርትራዊ’’ውን ውሑድ ስለዘይኮነ።

እቲ ዝመጸ ናጻነት ብህንጸት ሃገር እንዘይተሰንዩ፡ ናጻነት ኣብ ዘየብሉ ህንጸት እንተተኻይዱ ትርጉም ከም ዘይህልዎም ፍሉጥ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምምጻእ ናጽነትን ምህናጽ ነታ ናጻ ዝወጸት ሃገርን ሓደ ካብቲ ሓደ ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ተመላላእቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ሓደ ብዘይካቲ ሓደ ላዛ ዘየብሎም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። ንሓደ ካብዞም ክልተ ነጺልካ ብምውሳድ ምምካሕን ምዕባይን ድማ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። እዞም ክልተ ምዕራፋት ቃልሲ ምምጻእ ናጽነትን ምህናጽ’ታ ናጻ ዝኾነት ሃገርን ኣብ በበይኑ መድረኻት ዝዕመሙ፡ ነናቶም ባህርያት ዘለዎም፡ በበይኑ ዓቕምን ርእሰማልን ዝሓቱ፡ ነናቶም ግደ ህዝቢ ዝረኣየሎም መድረኻት ዝሕዙ፡ ባህሪ ናይቶም ኣብቲ ቃልሲ ዝምከቱ ጸላእትን ኣመኻኽተኦምን … ወዘተ ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብዚ ክንስሕቶ ዘይግበኣና መስርሕ ምምጻእ ናጻነትን ምህናጽ ናጻ ሃገርን ኣብቲ ምዕራፋት ረብሓ ዘለዎም ወገናት እንዳተቐባበሉን እንዳተተኻኽኡን ዘቐጽልዎ እምበር ሓደ ወገን ሓንሳብ ምስ ሓዞ ዓትዒትዎ ዝነብርን ዝውደኦን ዕማም ኣይኮነን። እቲ ጉዕዞ ከምዚ ኢሳያስን ጉጅለኡን ናጻነት ዘምጻእና ንሕና ኢና ንኤርትራ እንሃንጻ እውን ንሕና ኢና ኢሎም ዝሕጭጭዎ ዘለዉ ኣይኮነን። ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ምምጻእ ናጽነት ትጉህን ኣድማዕን ዝነጸነሐ ኣካል ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ ብክንድቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ትጉህ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነን። ነቲ ሓድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ወሳኒ ዕማም ንምዕዋት ካብኡ ብዝሓሸ ደረጃ ከሰጉምዎ ዝኽእሉ ኣካላት ክመጹ እንከለዉ ማዕጾ ክኸፍተሎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሃሰስ ኢሉ ክደልዮም እሞ ክትክእዎ’ውን ናይ ግድነት እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና ብሰንኪ ውሱንነቱ እቲ ምህናጽ ሃገር ይደናጐ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዘበርከቶ ኣስተዋጸኦኡ ዋጋ ዝስእነሉ ኣጋጣሚ እውን ኣሎ። እቲ ክምርቖ ዝጸነሐ ህዝቢ “ኤህህህህ” ኢሉ ክረግሞ ከዓ ናይ ግድን ይኸውን። ናጽነት ኣምጺእና ዝብሉ ወገናት፡ ሃገር እትህነጸሉ ኩነታት ምጥጠሖምን ዘይምጥጠሖምን እንታይነቶም ዝፍተነሉ እዩ። ዲክታቶታር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተፈቲኖም ካብ ዘይሓለፉ መራሕቲ ሓደ እዩ።

ምህናጽ ሃገር ካብ ምምጻእ ናጻነት ሃገር፡ ዝሰፈሐ፡ ዝበዝሑ ኣካላት ዘሳትፍን፡ ኣዝዮም ብዙሓት መዳያት ዘለዉዎን ኣብ ነዊሕ መስርሕ ዝረጋገጽን እዩ። ምህናጽ ሃገር መንገድታት ምስራሕን ካለኦት ትሕተ-ቅርጻዊ መሳለጥያታት ምዝርጋሕን ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ሃገር ምህናጽ ኣብያተ-ትምህርትን መውሃቢ ኣገልግሎት ትካላትን ምህናጽ ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ምህናጽ ሃገር ማለት እቲ መሰረታዊ ትርጉሙ ናይቲ ተቓሊሱ ናጽነቱ ዘውሓሰ ህዝቢ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ደሞክራሲያዊ፡ ሰብኣውን ኩሎም ካለኦት መሰላትን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባ ምርግጋጽ ማለት እዩ። ሃገር ምህናጽ ማለት ብዛዕባ ህዝቢ ዝግደስ መራሒ ምፍጣር ዘይኮነስ ዝመጸ እንተመጸ ዘይቅየር ንረብሓ ህዝቢ ዝዓዪ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ምድራዕ ማለት እዩ። ምህናጽ ሃገር ኣብ ሰላም እምበር ኣብ ህውከትን ሸፈጥን ዝስረት ኣይኮነን። ምህናጽ ሃገር ኣብ ተግባር እምበር ከምዚ ናይ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዘይውዳእ መብጸዓታት ዘትክል ኣይኮነን። ምህናጽ ሃገር ዓለማዊ ኩነታት ብምግንዛብን ፈተውቲ ብምብዛሕን እምበር ገዛ ዓጺኻ ክትጻረፍ ብምውዓል ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገበነኛ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ካለኣይ ምዕራፍ ምህናጽ ሃገር ተረሲዑስ ምውሓስን ምድልዳልን እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እውን ነቀይነቀይ ኣብ ዝብለሉ ደረጃ ኢና እንርከብ ዘለና። ከምቲ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ናይ ህዝቢ እምበር ናይቲ ዓዋን ጉጅለ ፍሉይ ህያብ ኣይነበረን ዝበልናዮ፡ ምህናጽ ናጻ ኤርትራ እውን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህግደፍ ክትኮበሉ ዝጽበዮ ዘይኮነስ ብቓልሱ ዝውሰን ምዃኑ ንሓንቲ ካልኢት እውን ክዝንገዖ ዘይግበኦ እዩ።

26 ጉንበት 2015

Last modified on Wednesday, 27 May 2015 07:48